ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ንግበር’

‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ንግበር’

“ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ”

‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ንግበር’

 የሱስ ኣብ ዕዮኡ ቀዳማይ ቦታ ዝህቦ ዝነበረ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ምምሃርን ኢዩ ነይሩ። (ማርቆስ 1:⁠14፣ ሉቃስ 8:⁠1) ሰዓብቲ የሱስ ንእኡ ኽመስሉ ድልየት ስለ ዘለዎም ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ናይ ምምሃር ዕዮ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ኢዮም ዝህብዎ። (ሉቃስ 6:⁠40) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከምቲ እቶም የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንመልእኽቱ እተቐበሉ ሰባት ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ዝረኸቡ ሎሚ እውን እቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝቕበሉ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ረኺቦም ክርእይዎም ከለዉ የሐጕሶም ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28-30

የሱስ ኣብ ርእሲ እቲ ቓል ኣምላኽ ናይ ምምሃር ዕዮኡ ከም እኒ ሕሙማት ምፍዋስን ዝጠመዩ ምዕንጋልን ዝኣመሰለ ሰናይ ግብሪ እውን ይፍጽም ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 14:⁠14-21) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምሃር ዕዮኦም እናፈጸሙ ነቶም እተሸገሩ ሰባት ብሰናይ ግብሪ ይሕግዝዎም ኢዮም። አረ ቕዱሳት ጽሑፋትሲ ንክርስትያናት “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ” የዕጥቖም ‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ’ ንኽገብሩ ድማ ይምሕጸኖም ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17 (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)፣ ገላትያ 6:⁠10

“ኣሕዋትና ምሳና ኢዮም ነይሮም

ኣብ መስከረም 1999 ታይዋን ብብርቱዕ ምንቅጥቃጥ መሬት ተናወጸት። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከኣ ኣብ ታሪኽ ቬንዝዌላ ካብ እተራእየ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብበረድ እተሰነየ ኣይሂ ዝዀነ ማይ ኣዕለቕለቐ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ውሕጅ ንሞዛምቢክ ኣዕነዋ። ኣብዚ ሰለስቲኡ ኣብነታት እዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ሽግር ዝወደቑ ንምሕጋዝ መግቢ: ማይ: መድሃኒት: ክዳውንቲ: ቴንዳታት: ከምኡውን መግቢ ዘብስልሉ ኣቕሑ ሒዞም ቀልጢፎም በጽሑ። ወለንተኛታት ዝዀኑ ናይ ሕክምና ሰብ ሞያ: ነቶም እተጐድኡ መሐከሚ ዝኸውን ግዝያዊ ክሊኒክ ኣዳለዉ: ወለንተኛታት ናይ ህንጻ ሰራሕተኛታት ከኣ ነቶም ኣባይቶም ዝዓነወ ሓድሽ ኣባይቲ ሰሪሖምሎም ኢዮም።

እቶም ግዳያት በቲ ኣብ እዋኑ ዝበጽሖም ሓገዝ ስምዒቶም ተተንኪፉ ኢዩ። ኣብ ቬንዝዌላ በቲ ዝሃረመ ብርቱዕ በረድን ማይን ገዝኣ ኸም ዘይነበረ ዝዀነ ማልዮሪ “ኣብቲ ኣዚና ተስፋ ዝቖረጽናሉ ግዜ: ኣሕዋትና ምሳና ኢዮም ነይሮም” በለት። እቶም ወለንተኛታት ንስድራ​ቤታ ዝኸውን ገዛ ምስ ሰርሑላሞ ማልዮሪ ብታሕጓስ “ንየሆዋ ስለ እቲ ዅሉ ዝገበረልና ንምምስጋን ቃላት ይሓጽረና!” በለት። ኣብ ሞዛምቢክ እቶም ግዳያት ናይቲ ምዕልቕላቕ ማይ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይቲ ሓድሽ ኣባይቶም መፋትሕ ምስ ተቐበሉ: ብሃንደበት “የሆዋ ጸግዐይ ኢዩ” a ዝብል መዝሙር ናይታ መንግስቲ ክዝምሩ ጀመሩ።

እቶም ወለንተኛታት ነቶም እተጸገሙ ምሕጋዞም ንገዛእ ርእሶም እውን ዕረፍቲ ኣምጺኡሎም ኢዩ። ኣብ ሞዛምቢክ ኣብቲ ናይ መዕቖቢ ደምበ ከም ኣላዪ ሕሙማት ኰይኑ ዘገልገለ ማርሰሎ: “ነቶም ኣዝዮም እተጸገሙ ኣሕዋት ምግልጋለይ ሓጐስ ኣምጺኡለይ ኢዩ” በለ። ኣብ ታይዋን ወለንተኛ ዀይኑ ዘገልገለ ህዋንግ ድማ “ነቶም እተጸገሙ ኣሕዋት: መግብን ቴንዳታትን ምክፍፋል ኣዝዩ ዘሕጕስ ኢዩ። እምነት ዘደልድል ከኣ ኢዩ” በለ።

ጽቡቕ ፍረ ዘፍረየ ብወለንተኛታት እተዓየ መደብ ትምህርቲ

እቲ ብወለንታ ዝግበር ዕዮ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ንዝርከቡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ እሱራት እውን መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኣምጺኡሎም ኢዩ። ብኸመይ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ቐረባ ዓመታት: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ኣብ 4,000 ኣብያተ ማእሰርቲ ንዝርከቡ ልዕሊ 30,000 ዝዀኑ እሱራት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣበርኪቶምሎም ኢዮም። ብተወሳኺ: እቶም መሰኻኽር ብብሕቶም ኣብቲ ነቶም እሱራት ንምብጻሕ ዝከኣለሉ ኣጋጣሚ መጽሓፍ ቅዱስ ክምህርዎምን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክመርሕሎምን ክኢሎም ኢዮም። እቶም እሱራትከ ተጠቒሞምዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ ገለ እሱራት እቲ ዕረፍቲ ዘምጽእ ቓል ኣምላኽ ንብጾቶም እውን ከማቕልዎም ጀሚሮም ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ሓያሎ ኣብያተ ማእሰርቲ ንየሆዋ ብሓባር ዘምልኻ ጕጅለታት ኣለዋ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኦሪገን ዝርከብ ሓደ እሱር ኣብ 2001 ከምዚ በለ:- “ጕጅለና ትስስን ኣላ: 7 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣለና: 38 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ንመርሕ። ኣብ ህዝባዊ ዝርርብ ኰነ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ቍጽሪ ተኣከብቲ 25 ንበጽሕ: ኣብ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ማለት ድራር ጐይታ ድማ 39 ኔርና። ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ሰለስተ ኽጥመቑ ኢዮም።”

ዘምጽኦ ጥቕምን ሓጐስን

ሓለፍቲ ቤት ማእሰርቲ እዚ ብወለንታ ዝግበር መደብ ትምህርቲ እዚ ጽቡቕ ፍረ ከም ዘፍረየ ኣስተብሂሎም ኢዮም። እቲ ነቶም ሰበ⁠-​ስልጣን ዝያዳ ዝመሰጦም ግን እቲ በዚ ናይ ምምሃር ዕዮ እተረኽበ ነባሪ ረብሓ ኢዩ። ሓደ ጸብጻብ ከምዚ ክብል ኣፍለጠ:- “እዚ ፕሮግራም ካብ ዝጅምር ዓሰርተ ዓመት ዝገበረ ኽኸውን ከሎ: ካብቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም እተጠምቁ እሱራት ሓደ እኳ ይኹን ናብቲ ቤት ማእሰርቲ እተመልሰ የለን። ካብቶም ካልኦት እሱራት ግን 50 ክሳዕ 60 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ እንደገና ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ይምለሱ ኢዮም። ኣብ ይዳሆ ዝነብር ሓደ ቐሺ ናይ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ በቲ እቶም ወለንተኛታት መሰኻኽር ዘመዝገብዎ ዓወት ተደሪኹ ናብቲ ቐንዲ ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ “ምስ ሃይማኖታዊ ትምህርትታኩም ዘይሰማማዕ እኳ እንተዀንኩ: ብማሕበርኩም ግን ኣዝየ ኢየ ተመሲጠ” በለ።

እቶም ወለንተኛታት ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ብምሕጋዝ ንገዛእ ርእሶም እውን ተጠቒሞም ኢዮም። ሓደ ወለንተኛ: ንገለ እሱራት ኣኼባ ምስ መርሓሎም ንመጀመርታ ግዜ ድማ መዝሙር ምስ ዘመሩ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “28 ሰባት ሓቢሮም ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ክዝምሩ ምርኣይ ኣዝዩ ዘተባብዕ ኢዩ ነይሩ። ዓው ኢሎም ድማ ኢዮም ዘሚሮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋሁ ምክፋልሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ክቡር መሰል ኰን ኢዩ!” ኣብ ኣሪዞና ሓደ ንእሱራት ዝበጽሐ ወለንተኛ ኸምዚ በለ:- “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ዕዮ ምክፋልሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ!”

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ወለንተኛታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዝብል ቃላት የሱስ ይሰማምዕሉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35) ነቲ ንዅሉ ሰብ ሰናይ ክንገብር መጽሓፍ ቅዱስ ዝህበና ምኽሪ ምስዓብ ከኣ ብሓቂ ዕረፍቲ ከም ዘምጽእ ኣረጋጊጾም ኢዮም።​—⁠ምሳሌ 11:⁠25

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ዘምሩ እትበሃል ጽሕፍቲ ቍጽሪ 11(85) ርአ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ቬንዝዌላ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ታይዋን

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ሞዛምቢክ