ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ዓቕሊ ፍርሃት ኣምላኽ ወስኹ

ኣብቲ ዓቕሊ ፍርሃት ኣምላኽ ወስኹ

ኣብቲ ዓቕሊ ፍርሃት ኣምላኽ ወስኹ

‘ኣብ እምነትኩም ዓቕሊ: ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር ወስኹ።’—⁠2 ጴጥሮስ 1:⁠5, 6

1, 2. (ሀ) ቈልዓ እንታይ ዕቤት ክገብር ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሉ፧ (ለ) መንፈሳዊ ዕቤት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣድላዪ፧

 ቈልዓ ኽዓቢ የድልዮ ኢዩ: ዕቤት ክበሃል ከሎ ግን ኣካላዊ ጥራይ ኣይኰነን። ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ዕቤት ክገብር እውን ትጽቢት ይግበረሉ ኢዩ። ድሕሪ ግዜ እቲ ቘልዓ ዝገብሮ ዝነበረ ስራሕ ቍልዕነት ገዲፉ ምሉእ ሰብኣይ ይኸውን። ሃዋርያ ጳውሎስ “ቈልዓ ኸሎኹ: ከም ቈልዓ ተዛረብኩ: ልቢ ቘልዓ ነበረኒ: ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና: እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ” ኢሉ ኽጽሕፍ ከሎ ነዚ ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 13:11

2 ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕቤት ኣገዳሲ ነጥቢ ኢዩ ዝገልጽ። ብመንፈስ ቘልዑ ዝዀኑ ክርስትያናት ዓብዮም “በእምሮ ሰብኡት” ክዀኑ ይግባእ። (1 ቈረንቶስ 14:⁠20) “ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ” ክሳዕ ዝበጽሑ ኽጋደሉን ክጽዕሩን ኣለዎም። ድሕሪኡ ‘በቲ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው ዝድፍኡን ዝኽብከቡን ቈልዑ’ ኣይኰኑን ኢዮም።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠13, 14

3, 4. (ሀ) ብመንፈስ ሰብኡት ንምዃን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ለ) እንታይ ንኣምላኽ ባህ ዘብሎ ባህርያት ኢና ኸነንጸባርቕ ዘሎና: እዚኸ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ፧

3 ብኸመይ ኢና ብመንፈስ ሰብኡት እንኸውን፧ ኣብ ትሕቲ ልሙድ ኵነታት ኣካላዊ ዕቤት ባዕሉ ዝመጽእ እኳ እንተዀነ: መንፈሳዊ ዕቤት ግን ኰነ ኢልካ ጻዕሪ ምግባር ዝሓትት ኢዩ። ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ብምጥራይን ምስቲ እተመሃርናዮ ተሰማሚዕና ብምምልላስን ድማ ኢዩ ዝጅመር። (እብራውያን 5:⁠14፣ 2 ጴጥሮስ 1:⁠3) እዚውን ብግዲኡ ንኣምላኽ ባህ ዘብል ባህርያት ንኸነንጸባርቕ የኽእለና። ንኣምላኽ ባህ ዘብል ባህርያት ኣብ ምንጽብራቕ እተርእዮ ዕቤት: ልክዕ ከም ኣካላዊ ዕቤት ብሓንሳእ ብዅሉ መዳያት ኢዩ ዝርአ። ብዛዕባዚ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ: ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ: ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት: ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ: ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ: ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር: ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት: ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ።”​—⁠2 ጴጥሮስ 1:5-7

4 ጴጥሮስ ዝጠቐሳ ነፍሲ ወከፍ ባህሪ ኣድላዪት ኢያ: ዕሽሽ እትበሃል ሓንቲ እኳ የላን። ቀጺሉውን “እዚ ነገርዚ እንተ አሎኩም: እናማዕበለውን እንተ ኸደ: ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” በለ። (2 ጴጥሮስ 1:8) እምበኣር ሕጂ ናብቲ ኣብ ዓቕሊ ፍርሃት ኣምላኽ ምውሳኽ ዝብል ነተኵር።

ዓቕሊ ዘድልየሉ ምኽንያት

5. ዓቕሊ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ጴጥሮስን ጳውሎስን ንፍርሃት ኣምላኽ ወይ ኣምልኾ ምስ ዓቕሊ ወይ ትዕግስቲ ኣተሓሒዞሞ ኣለዉ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠11) ዓቕሊ ኽበሃል ከሎ ፈተናታት: ዕንቅፋታት: ወይ መስጐጕቲ ኸጋጥም ከሎ እናተጸመምካ ጸኒዕካ ምቛም ማለት ኢዩ። ከመይሲ እቶም ‘ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ክንነብር እንደሊ’ ዘበልና መስጐጕቲ ኽወርደና ትጽቢት ንገብር ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ንየሆዋ ፍቕሪ ኸም ዘሎና ኸነርእን ንድሕነት ዘብቅዓና ባህርያት ከነማዕብልን እንተ ደሊና: ዓቕሊ ወይ ትዕግስቲ ኽህልወና ኣለዎ። (ሮሜ 5:⁠3-5፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:⁠7, 8፣ ያእቆብ 1:⁠3, 4, 12) ብዘይ​ ዓቕሊ ወይ ትዕግስቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣይንረክብን ኢና።​—⁠ሮሜ 2:⁠6, 7፣ እብራውያን 10:⁠36

6. ክሳዕ መወዳእታ ምዕጋስ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

6 ኣጀማምራና ኽሳዕ ክንደይ ይጸብቕ ብዘየገድስ: እቲ ዘገድስ ዓቕሊ ወይ ትዕግስቲ እንተ ሃልዩና ኢዩ። የሱስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:13) እወ: ክሳዕ መወዳእታ ማለት ክሳዕ መወዳእታ ህይወትና ወይ ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኽንዕገስ ኣሎና። ኣብ ክልቲኡ መዳይ ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን ኣሎና። እንተዀነ ግን ኣብ ዓቕልና ፍርሃት ኣምላኽ እንተ ዘይወሲኽናሉ: ንየሆዋ ኸነሐጕሶን ዘለኣለማዊ ህይወት ክንረክብን ኣይንኽእልን ኢና። ፍርሃት ኣምላኽ ግን እንታይ ኢዩ፧

ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ ማለት ኢዩ፧

7. ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ ኢዩ: እንታይ ንኽንገብርከ ኢዩ ድራኸ ዘሕድረልና፧

7 ፍርሃት ኣምላኽ ክበሃል ከሎ ካብቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ መጠን እነርእዮ ተኣማንነት ተበጊስና: ብብሕቲ ኣኽብሮትን ኣምልኾን ኣገልግሎትን ምሃቡ ዘጠቓልል ኢዩ። ንየሆዋ ፍርሃት ምእንቲ ኽሓድረና ኸኣ ብዛዕባኡን ብዛዕባ መገድታቱን ርጡብ ፍልጠት ክህልወና የድሊ። ንባህርያት ኣምላኽ ብብሕትና ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦ ባህጊ ኽህልወና ኣለዎ። እዚ ኸኣ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንኽንገብር የኽእለና: ኣብ ተግባርናን ኣነባብራናን ድማ ይርአ። ብእተኻእለና መጠን ንየሆዋ ኽንመስሎ: መገድታቱ ኽንቀድሖ: ባህርያቱ ኸኣ ኸነንጸባርቖ ባህጊ ኽሓድረና ኣለዎ። (ኤፌሶን 5:⁠1) እወ: ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ተግባራትና ንኣምላኽ ንኸነሐጕስ ባህጊ ኸም ዝሓድረና ይገብር ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠31

8. ፍርሃት ኣምላኽን ምሉእ ተወፋይነትን ኢድን ጓንትን ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

8 ናይ ሓቂ ፍርሃት ኣምላኽ ምእንቲ ኽህልወና: ንየሆዋ ጥራይ ከነምልኾ ኣሎና ደኣ እምበር ካልእ ዝዀነ ይኹን ነገር ነቲ ኣብ ልብና ሂብናዮ ዘሎና ቦታ ኽሕዞ ኸነፍቅድ ኣይግባእን። ፈጣሪና ኸም ምዃኑ መጠን ምሉእ ተወፋይነት ክወሃቦ ዝግብኦ ኢዩ። (ዘዳግም 4:⁠24፣ ኢሳይያስ 42:⁠8) ይኹን እምበር: የሆዋ ንኸነምልኾ ኣይግድደናን ኢዩ። የግዳስ ብፍታው ርእስና ኽንውፍየሉ ኢዩ ዝደሊ። እታ ኣብቲ ብዛዕብኡ ዘሎና ርጡብ ፍልጠት እተመርኰሰት ፍቕሪ ኸኣ ኢያ ኣነባብራና ኣዐሪና ንሓዋሩ ርእስና ንኽንውፍየሉን ድሕሪኡ ምስ ውሳነና ተሰማሚዕና ንኽንነብርን እትድርኸና።

ምስ ኣምላኽ ርክብ ኣማዕብል

9, 10. ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ክንምስርትን ክንዕቅቦን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ንኣምላኽ ርእስና ምውፋይና ብጥምቀት ምስ ኣርኣና: ነቲ ምስኡ ዘሎና ናይ ብሕቲ ርክብ ከነማዕብሎ ኣሎና። ነዚ ንምግባርን ንየሆዋ ብተኣማንነት ንምግልጋልን ዘሎና ባህጊ ድማ ንቓላቱ ወትሩ ንኸነጽንዖን ንኸነስተንትነሉን ይድርኸና ኢዩ። መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮናን ኣልባብናን ክዓዪ ምስ እንፈቕደሉ: ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ይዓምቝ። ምስኡ ዘሎና ርክብ ወትሩ ኣብ ህይወትና እቲ ዝዓበየ ነገር ይኸውን። ንየሆዋ ኸም ናይ ማሕርሮ ዓርክና ንርእዮ: ኵሉ ሳዕ ከኣ ከነሐጕሶ ንደሊ። (1 ዮሃንስ 5:⁠3) ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ዘምጽኣልና ሓጐስ እናዓበየ ይኸይድ: ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን መምርሒ ዝህበናን ዝእርመናን ምዃኑ ኸኣ ነማስወሉ።​—⁠ዘዳግም 8:⁠5

10 ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ኽቡር ርክብ ንምድልዳል ብቐጻሊ ስጕምቲ እንተ ዘይወሲድና: ርክብና ኽልሕልሕ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ምስ ዘጋጥም እቲ ጕድለት ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን: ከመይሲ ‘ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ኣይረሓቐን።’ (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠27) የሆዋ ናብኡ ንኽንቀርብ ብዙሕ ዋጢጥ ከም እንሓልፍ ብዘይ​ምግባሩስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! (1 ዮሃንስ 5:⁠14, 15) ልክዕ ኢዩ: ምስ የሆዋ ወትሩ ጥብቂ ብሕታዊ ርክብ ንኽህልወና ጻዕሪ ኽንገብር የድልየና ኢዩ። ይኹን እምበር: ፍርሃት ኣምላኽ ንኸነጥርን ነቲ ዘጥረናዮ ንኸይነጥፍኦን ኣምላኽ ባዕሉ ዅሉ ዘድልየና ምድላዋት ብምግባር ናብኡ ንኽንቀርብ ይሕግዘና ኢዩ። (ያእቆብ 4:⁠8) ንዅሉ እዚ ብፍቕሪ እተገብረ ምድላዋት ግን ብኸመይ ኢና ምሉእ ብምሉእ ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧

ብመንፈስ ድልዱል ኩን

11. ፍርሃት ኣምላኽ ብተግባር እነርእየሉ ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

11 ንኣምላኽ ዘሎና ሱር ዝሰደደ ፍቕሪ ክሳዕ ክንደይ ከም እንፈርሆ ንኸነርኢ ይድርኸና ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ምስቲ ጳውሎስ “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ንሰማማዕ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ከምዚ ንምግባር ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣኼባታት ኣብ ምኻድ: ከምኡውን ግራት ኣገልግሎት ኣብ ምክፋል ጽቡቕ ልማድ ክህልወና ዝሓትት ኢዩ። ‘ከየባተኽና ብምጽላይ’ እውን ናብ የሆዋ ክንቀርብ ንኽእል ኢና። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠17) በዚ ኸምዚ ኸኣ ኢና ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዘሎና እነርኢ። ኻብዚ ንሓደ እኳ ዕሽሽ ምባል መንፈሳዊ ሕማም የምጽእ: ንውዲታት ሰይጣን ድማ እተቓላዕና ይገብረና።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠8

12. ፈተናታት ከጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧

12 ብመንፈሳዊ ድልዱልን ንጡፍን ኴንካ ምቕጻል ነቲ ዘጋጥመና ብዙሕ ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸቢድ ፈተናታት ክመጸና ይኽእል ኢዩ። ካብ እንቐርቦም ኣባላት ስድራ​ቤትና: ኣዝማድና: ወይ ጐረባብትና ዘይምግዳስ: ምጽራር: ከምኡውን መስጐጕቲ ኽመጸና ኸሎ ንኽንጻወሮ ዘጸግም ክኸውን ይኸእል ኢዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ስርዓታት ከም እንለማመጥ ዝገብር ሰላሕ እናበለ ዝመጽእ ጸቕጥታት ኣብ ስራሕና ወይ ኣብ ቤት ትምህርትና ኸጋጥመና ይኽእል ኢዩ። ተስፋ ምቝራጽ: ሕማም: ከምኡውን ጭንቀት ብስጋ ኸድክመናን ንፈተናታት ክንዋጽኣሉ ኸም ዝኸብደና ክገብርን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ‘ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸበናን እናኣቐልጠፍናን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን’ ንመላለስ እንተደኣ ዄንና: ንዅሉ ፈተናታት ንዋጽኣሉ ኢና። (2 ጴጥሮስ 3:⁠11, 12) ከምዚ ኽንገብር ከሎና ኸኣ ኣምላኽ ከም ዝባርኸና ርግጸኛታት ስለ እንኸውን ሓጐስና ኣይነጥፍእን ኢና።​—⁠ምሳሌ 10:⁠22

13. እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት ምእንቲ ኸይጠፍእ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

13 ሰይጣን ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት ዒላማ መጥቃዕቱ ዝገብሮም እኳ እንተዀነ: በዚ ግን ክንጃጁ የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም . . . ይፈልጥ እዩ።” (2 ጴጥሮስ 2:9) ፈተናታት ተጻዊርና ንኽንወጽእ ግን “ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን [ብፍርሃት ኣምላኽን] ክንነብር” ኣሎና። (ቲቶስ 2:12) ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ምስ ስጋዊ ትምኒት ኰነ ተግባር እተተሓሓዘ ድኻም ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት ንኸየጥፍኦ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ገለ ኻብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሳዕቤን ዘምጽእ ነገራት እስከ ንርአ።

ካብቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍርሃት ኸጥፍእ ዝኽእል ነገራት ተጠንቀቕ

14. ብፍቕረ⁠-​ንዋይ እንተ ተፈቲንና እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

14 ንብዙሓት ሰባት ፍቕረ⁠-​ንዋይ መፈንጠራ ዀይንዎም ኣሎ። ምናልባት ንሕና እውን ‘ኣምልኾ [ወይ ፍርሃት ኣምላኽ] መገባብሮ [ስጋዊ] ረብሓ’ ኸም ዝዀነ ጌርና ንርእስና ብምዕሻው ነቲ ኣመንቲ ብጾትና ኣባና ዘለዎም እምነት ንኽንብለጸሉ ንደፍር ንኸውን። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠5) ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ንሓደ ሃብታም ክርስትያን ጸቕጢ ብምግባር ክንመልሶ ዘይንኽእል ልቓሕ ምውሳድ ጌጋ ኣይኰነን ኢልና ንድምድም ንኸውን። (መዝሙር 37:⁠21) እንተዀነ ግን: ‘ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወትን ነታ እትመጽእን ተስፋ ዘለዎ:’ ኣምልኾ ወይ ፍርሃት ኣምላኽ ደኣ እምበር ስጋዊ ጥሪት ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠8) ‘ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ስለ ዘየምጻእናን ሓንቲ ኽንወስድ ዘይከኣለና ስለ ዝዀነን:’ “ኣምልኾ [ወይ ፍርሃት ኣምላኽ] ምስ ይአኽለኒ ምባል” ብትግሃት ንስዓብ: ‘ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናውን: ንሱ ይእከልና።’​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠6-11

15. ደድሕሪ ተድላ ምስዓብ ነቲ ንፍርሃት ኣምላኽ ዝግባእ ቦታ ዝወስዶ እንተ መሲሉ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

15 ደድሕሪ ተድላ ምጕያይ ነቲ ንፍርሃት ኣምላኽ ዝግባእ ቦታ ኽወስዶ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ወዓል ሕደር ከይበልና ምትዕርራይ ክንገብር የድልየናዶ ዀን ይኸውን፧ ልክዕ ኢዩ: ካብ ስጋዊ ምልምማድን መዘናግዕን እተወሰነ ረብሓ ይርከብ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ምስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወዳደር ከሎ ኣብ ግምት ዝኣቱ ኣይኰነን። (1 ዮሃንስ 2:⁠25) ሎሚ ብዙሓት ሰባት “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: . . . መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ” ዀይኖም ኣለዉ: ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ከኣ ኽንርሕቕ ይግብኣና። (2 ጢሞቴዎስ 3:4, 5) እቶም ንፍርሃት ኣምላኽ ቀዳምነት ዝህቡ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ይእክቡ ኣለዉ።’​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:19

16. ገለ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝሓቶም ጽድቃዊ ብቕዓታት ንኸየማልኡ ዝዓግቶም እንታይ ሓጥእ ትምኒታት ኢዩ: ነዚ ትምኒታት እዚ ኸነወግዶ እንኽእልከ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ምስታይ: ሓሽሽ ምውሳድ: ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት: ከምኡውን ሓጥእ ትምኒት ነቲ ንኣምላኽ ዝነበረና ፍርሃት የጥፍኦ ኢዩ። በዚ ነገራት እዚ እንስነፍ እንተደኣ ዄንና: ንጽድቃዊ ብቕዓታት ኣምላኽ ከነማልእ ኣይንኽእልን ኢና። (1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10፣ 2 ቈረንቶስ 7:⁠1) ጳውሎስ እውን ከይተረፈ ምስ ሓጥእ ስጋኡ ብቐጻሊ ኽቃለስ ነይርዎ ኢዩ። (ሮሜ 7:⁠21-25) ግጉይ ትምኒታት ንምውጋድ ሓያል ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ቅድም ቀዳድም: ብስነ⁠-​ምግባር ንጹሃት ንምዃን ቈራጽነት ክህልወና ኣለዎ። ጳውሎስ “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ። (ቈሎሴ 3:5) ነዚ ሓጥእ ተግባራት ብዝምልከት ኣካላትና ንምቕታል ማለት ንምውጋዱ: ቈራጽነት ይሓትት ኢዩ። ኣምላኽ ንኽሕግዘና ልባዊ ጸሎት ምስ እንገብር: ክፉእ ትምኒት ንኸነርሕቕ ከምኡውን ኣብዚ እኩይ ኣገባብ ጽድቅን ኣምልኾን ንኽንስዕብ የኽእለና ኢዩ።

17. ተግሳጽ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

17 ተስፋ ምቝራጽ ዓቕልና ኸጽብበልና: ንኣምላኽ ዝነበረና ፍርሃት ከኣ ክንክዮ ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ተስፋ ዝቘረጹሉ እዋን ነይሩ ኢዩ። (ዘሁልቍ 11:⁠11-15፣ እዝራ 4:⁠4፣ ዮናስ 4:⁠3) ብፍላይ ዘጕህየና ነገር ከጋጥመና ኸሎ ወይ ከቢድ መቕጻዕቲ ወይ ተግሳጽ ክወሃበና ኸሎ ንቕየም እንተደኣ ዄንና: ብዙሕ ክንጕዳእ ንኽእል ኢና። መቕጻዕትን ተግሳጽን ግን ኣምላኽ ከም ዝግደሰልናን ከም ዘፍቅረናን ዘርኢ ኢዩ። (እብራውያን 12:⁠5-7, 10, 11) ተግሳጽ ክወሃበና ኸሎ ከም መቕጻዕቲ ጥራይ ጌርና ዘይኰነስ: ብመገዲ ጽድቂ ንኽንመላለስ ዝሕግዘና ስልጠና ከም ዝዀነ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። ትሑታት እንተደኣ ዄንና: “ተግሳጽ ትምህርቲ . . . መገዲ ህይወት” ምዃኑ ስለ እንፈልጥ ነማስወሉን ንቕበሎን ኢና። (ምሳሌ 6:23) እዚ ፍርሃት ኣምላኽ ንምጥራይ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽንገብር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

18. ምስ ሰባት ክንጋጮ ኸሎና እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግብኣና፧

18 ምስ ሰባት ዘጋጥም ዘይምርድዳእን ግጭትን ነቲ ንኣምላኽ ዝነበረና ፍርሃት ኣብ ሓደጋ ኸእትዎ ይኽእል ኢዩ። እዚ ጭንቀት ከምጽኣልና ይኽእል ወይ ንገሊኣቶም ክርስትያናት ካብ መንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ከም ዝፍለዩ ብምግባር ዘይጥበባዊ ስጕምቲ ኸም ዝወስዱ ኽገብሮም ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 18:⁠1) እንተዀነ ግን ቂም ምሓዝ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ከበላሽዎ ኸም ዝኽእል ክንርስዕ የብልናን። (ዘሌዋውያን 19:⁠18) “ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ: ነቲ ዘይረአዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከአሎን እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:20) የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝገበሮ ስብከቱ ኣብ ውልቀ⁠-​ሰባት ዘጋጥም ግጭት ውዓል ሕደር ከይበልካ ንኽፍታሕ ስጕምቲ ኽውሰድ ከም ዘለዎ ኣጕልሐ። ንሰማዕቱ ድማ ኸምዚ በሎም:- “እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ: ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ: ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ: ኪድ: ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ: ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።” (ማቴዎስ 5:23, 24) ክፉእ ቃላት ወይ ሕማቕ ተግባር ንዝገደፎ በሰላ ንምሕዋይ ይቕረታ ምሕታት ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይቕረታ እንተ ሓቲትናን ከም እተጋገና እንተ ተኣሚንናን እቲ እተፈጥረ ሃጓፍ ክዕበስን ሰላም ክሰፍንን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ግጭታት ብኸመይ ክፍታሕ ከም ዘለዎ እውን ካልእ ምኽሪ ሂቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 18:⁠15-17) ጸገማት ንምፍታሕ እንገብሮ ጻዕሪ ዕዉት ክኸውን ከሎስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ባህ ዝብለና!​—⁠ሮሜ 12:⁠18፣ ኤፌሶን 4:⁠26, 27

ኣብነት የሱስ ስዓቡ

19. ንየሱስ ምምሳል ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

19 ፈተናታት ከም ዘጋጥመና ዘተሓታትት ኣይኰነን: እንተዀነ ግን ካብቲ ንዘለኣለማዊ ህይወት እንገብሮ ጕያ መገድና ኸም እንስሕት ክገብረና የብሉን። የሆዋ ኻብ ፈተና ኸውጽኣና ኸም ዝኽእል ኣይንረስዕ። ‘ንዅሉ ዝኸብደና እናኣርሓቕና በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ኽንጐዪ ኸሎና: ናብቲ ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።’ (እብራውያን 12:⁠1-3) ነቲ የሱስ ዝገደፈልና ኣብነት ተጠንቂቕና ምስ እንምርምሮ ከምኡውን ብቓል ኰነ ብተግባር ክንመስሎ እንተ ጽዒርና: ፍርሃት ኣምላኽ ንኸነማዕብልን ብዝያዳ ንኸነንጸባርቖን ይሕግዘና ኢዩ።

20. ዓቕሊ ብምግባርን ፍርሃት ኣምላኽ ብምንጽብራቕን እንታይ ዓስቢ ንረክብ፧

20 ዓቕልን ፍርሃት ኣምላኽን ንድሕነትና ኣብ ምርግጋጽ ብሓባር ኢየን ዝዓያ። ነዚ ባህ ዘብል ባህርያት ብምንጽብራቕ: ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት ብተኣማንነት ክንቅጽል ንኽእል ኢና። ፈተናታት ከጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ: ዓቕሊ ምስ እንገብርን ፍርሃት ኣምላኽ ምስ እነርእን: ለውሃትን በረኸትን የሆዋ ስለ እንረክብ ሓጐስና ኣይነጥፍእን። (ያእቆብ 5:⁠11) ኣብ ርእሲ እዚውን የሱስ ባዕሉ “ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 21:19

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ዓቕሊ ኣድላዪት ዝዀነት ስለምንታይ ኢያ፧

• ፍርሃት ኣምላኽ ክበሃል ከሎ እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ይርአ፧

• ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ከተማዕብልን ክት​ዕቅቦን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

• ገለ ኻብቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት ከጥፍእ ዝኽእል ነገራት ጥቐስ። ነዚኸ ብኸመይ ከነርሕቖ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12, 13 ዘሎ ስእሊ]

ፍርሃት ኣምላኽ ብእተፈላለየ መገዲ ብተግባር ክርአ ይከኣል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍርሃት ከጥፍእ ዝኽእል ነገራት ተጠንቀቕ