ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናት ብሓቂ ኢዮም ዝመላለሱ

ክርስትያናት ብሓቂ ኢዮም ዝመላለሱ

ክርስትያናት ብሓቂ ኢዮም ዝመላለሱ

“ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን።”—⁠3 ዮሃንስ 4

1. “ሓቂ ወንጌል” ኣብ ምንታይ ዘተኰረ ኢዩ፧

 የሆዋ ነቶም “ብመንፈስን ብሓቅን” ዘምልኽዎ ጥራይ ኢዩ ሞገሱ ዘርእዮም። (ዮሃንስ 4:⁠24) ንዅሉ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ስለ ዝቕበልዎ ንሓቂ ይእዘዙ ኢዮም። እዚ “ሓቂ ወንጌል” እዚ ኣብ የሱስ ክርስቶስን ኣብቲ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ዝፍጸም ምርግጋጽ ሉዓላውነት የሆዋን ዘተኰረ ኢዩ። (ገላትያ 2:⁠14) ኣምላኽ ነቶም ብሓሶት ክኣምኑ ዝደልዩ “ብርቱዕ ስሕተት” ሰዲዱሎም ኢዩ: ድሕነት ግን ኣብቲ ብስራት ብምእማንን ብሓቂ ብምምልላስን ኢዩ ዝርከብ።​—⁠2 ተሰሎንቄ 2:⁠9-12፣ ኤፌሶን 1:⁠13, 14

2. ሃዋርያ ዮሃንስ ብፍላይ ነየናይ ኢዩ ዓብዪ ገይሩ ዝረኣዮ: ምስ ጋይዮስ ዝነበሮ ርክብከ ኸመይ ነበረ፧

2 ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ: “ነታ ሓቂ መዓይይታ” ኢዮም። ልክዕ ከም ሃዋርያ ዮሃንስን ፈታዊኡ ጋይዮስን ነታ ሓቂ ኣጽኒዖም ይሕዙዋ ብእኣ ኸኣ ይመላለሱ ኢዮም። ዮሃንስ ንጋይዮስ “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ኢሉ ጸሓፈሉ። (3 ዮሃንስ 3-8) እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ንጋይዮስ ምስ ሓቂ እኳ እንተ ዘየፋለጦ: ንዕድሚኡ: ብስለቱ: ከምኡውን ንኣባታዊ ፍቕሩ ኣብ ግምት ብምእታው ከም መንፈሳዊ ውላዱ ገይሩ ምርኣዩ ግቡእ ኢዩ ነይሩ።

ሓቅን ክርስትያናዊ ኣምልኾን

3. ቀዳሞት ክርስትያናት ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት እንታይ ዕላማን ጥቕምን ነበሮ፧

3 ቀዳሞት ክርስትያናት ነታ ሓቂ ንኽመሃሩ ኢሎም ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኣኼባታት ይገብሩ ነበሩ። (ሮሜ 16:⁠3-5) በዚ ኸምዚ ኸኣ ምትብባዕ ይረኽቡ: ንሓድሕዶም ከኣ ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ይነቓቕሑ ነበሩ። (እብራውያን 10:⁠24, 25) እቲ ኣብ ከባቢ 155 ክሳዕ ድሕሪ 220 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ተርቱልያን ብዛዕባ እቶም ብግዜኡ ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “መጻሕፍቲ ኣምላኽ ንምንባብ ኣኼባ ንገብር ኢና። . . . በቲ ቕዱስ ቓላት ጌርና እምነትናን ተስፋናን ነደልድል።”​—⁠ኣፖሎጂ: መበል 39 ምዕራፍ

4. ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት መዝሙር እንታይ ግደ ኣለዎ፧

4 ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታቶም ይዝምሩ ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። (ኤፌሶን 5:⁠19፣ ቈሎሴ 3:⁠16) እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ሰልሰስ ዝበሃል ሓያሲ በቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ዝዝመር መዝሙራት “ኣዝዩ ዝምስጥ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ንስምዒትካ ዝትንክፍ” ኰይኑ ኸም ዝረኸቦ ፕሮፌሰር ሄንሪ ቻድዊክ ጽሒፉ ኣሎ። ቀጺሉውን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ክለመንት ብዓል ኣሌክሳንድርያ ክርስትያናት ክጥቀሙሉ ዘለዎም ሙዚቃ እንታይ ዓይነት ምዃኑ ዝጸሓፈ ናይ መጀመርታ ክርስትያን ጸሓፊ ኢዩ። ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል ሙዚቃ ክኸውን ከም ዘይብሉ መምርሒ ሃበ።” (ዘ ኤርሊ ቸርች: ገጽ 274-5) ልክዕ ከምቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ኣብ ኣኼባታቶም ዝዝምሩ ዝነበሩ: ሎሚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽን ንመንግስቱን ዝውድስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መዝሙራት ይዝምሩ ኢዮም።

5. (ሀ) ነተን ቀዳሞት ናይ ክርስትያን ጉባኤታት መንፈሳዊ መምርሒ ብኸመይ ይወሃብ ነበረ፧ (ለ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ማቴዎስ 23:⁠8, 9 ዝርከብ ቃላት የሱስ ኣብ ግብሪ ዘውዓልዎ ብኸመይ ኢዮም፧

5 ኣብ ቀዳሞት ክርስትያናት እቶም ኤጲስቆጶሳት ወይ ተዓዘብቲ ሓቂ ይምህሩ: እቶም ዲያቆናት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ድማ ነቶም ኣመንቲ ብእተፈላለየ መገዲ ይሕግዝዎም ነበሩ። (ፊልጲ 1:⁠1) ብቓል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ዝምራሕ ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ መንፈሳዊ መምርሒ ይህቦም ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠6, 23-31) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ: መምህራን ኣይትብሀሉ: ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ: ሓደ እዩ እሞ: ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ” ኢሉ ስለ ዝኣዘዞም ሃይማኖታዊ መዓርግ ኣይነበሮምን። (ማቴዎስ 23:8, 9) ኣብዝን ኣብ ብዙሕ ካልእ መዳያትን እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይመሳሰሉ ኢዮም።

ሓቂ ብምስባኾም ተሰጉ

6, 7. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ናይ ሰላም መልእኽቲ ዝእውጁ እኳ እንተ ነበሩ: እንታይ ግን ይወርዶም ነበረ፧

6 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ሰላም ዘምጽእ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ እኳ እንተ ነበሩ: ልክዕ ከም የሱስ ግን ይስጐጉ ነበሩ። (ዮሃንስ 15:⁠20፣ 17:⁠14) ጸሓፍ ታሪኽ ጆን ኣል. ፎን ሞሸይም ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት “ንድሕንነት ሃገሮም ሕማቕ ትምኒት ወይ ሓሳብ ዘይብሎም ምንም ዘይጓድኡ ሰላማውያን ሰባት” ብምባል ገለጾም። “ክርስትያናት ዝፍጽምዎ ኣምልኾ ዘይተሓላለኸ ብምንባሩን ከምቶም ካልኦት ህዝቢ ዝገብርዎ ዝዀነ ይኹን ጽምብላት ስለ ዘይነበሮን ሮማውያን ይጸልእዎም” ምንባሮም ድማ ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉውን ኸምዚ በለ:- “መስዋእትታት: ቤተ መቕደስ: ንኣማልኽቲ እትሓተሉ ቦታ: ወይ ስርዓተ⁠-​ክህነት ኣይነበሮምን፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቶም ብዘይ​ዚ ሃይማኖት ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ደናቍር ሓፋሽ የዋርድዎም ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዘሀራውያን ከም ዝዀኑ ጌርካ ይርኣዩ ነበሩ፣ ብመሰረት ሕጊ ሮማውያን ከኣ እቶም ኢዘሀራውያን ፍጮ ሕብረተሰብ ከም ዝዀኑ ጌርካ ይውሰዱ ነበሩ።”

7 ካህናት: ኣንጠረኛታት: ከምኡውን ካልኦት ምስ ኣምልኾ ጣኦት ዝተሓሓዝ ስራሕ ዝነበሮም ሰባት: ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ስለ ዘይካፈሉ ኣንጻሮም ናዕቢ ኣለዓዒሎም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠23-40፣ 1 ቈረንቶስ 10:⁠14) ብዛዕባዚ ተርቱልያን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዝዀነ ይኹን ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ጥፍኣትን ሕማቕ ኣጋጣምን ብሰንኪ ክርስትያናት ከም ዝመጸ ገይሮም ኢዮም ዝሓስቡ። ፈለግ ቲበር እንተ ኣጥለቕሊቕዎም: ፈለግ ኒል እንተ ዘይመሊኡ: ሰርቢ እንተ ዘይሰሪቡ: ወይ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን እንተ ኣጋጢሙ ‘ንክርስትያናት ናብ ኣናብስ ደርብይዎም!’ ዝብል ጭድርታ ብኡንብኡ ይስማዕ።” ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ዝመጸ እኳ እንተ መጸ: ‘ካብ ጣኦታት ይሕለዉ’ ነበሩ።​—⁠1 ዮሃንስ 5:⁠21

ሓቅን ሃይማኖታዊ በዓላትን

8. እቶም ብሓቂ ዝመላለሱ በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

8 ‘ብርሃን ምስ ጸልማት ሕብረት ስለ ዘይብሉ:’ እቶም ብሓቂ ዝመላለሱ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘይብሉ በዓላት ኣየብዕሉን ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 6:⁠14-18) ንኣብነት: ነቲ ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ዝበዓል በዓል ልደት ኣየብዕሉን ኢዮም። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ “ዋላ ሓደ ሰብ ክርስቶስ ብትኽክል እተወልደላ ዕለት ዝፈልጥ የለን” ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኣመሪካና (ናይ 1956 ሕታም) ከኣ “እቲ ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ ብሮማውያን ዝኽበር ዝነበረ ሳቱርናልያ ንመብዛሕትኡ ኣብ እዋን ልደት ዝዝውተር ናይ ፈንጠዝያ ልምድታት ሞደል ኰይንዎ ኢዩ” በለ። ብማክሊንተክን ስትሮንግን እተዳለወ ሳይክሎፔድያ “በዓል ልደት ኣምላኽ ዝኣዘዞ በዓል ኣይኰነን: ኣብ ሓ[ድሽ] ኪ[ዳን] እውን ኣይርከብን ኢዩ” በለ። እታ ደይሊ ላይፍ ኢን ዘ ታይም ኦቭ ጂሰስ ዘርእስታ መጽሓፍ ድማ ከምዚ በለት:- “ኣብ ቈራሪ ወርሓት መጓሰታት ናብ በረኻ ኣይወፍራን ኢየን ነይረን፣ እቲ ወንጌል ጓሶት ኣብ መሮር ከም ዝሓደሩ ስለ ዝገልጽ ካብዚ ብምብጋስ ጥራይ እቲ ብልምዲ ኣብ ቈራሪ ወርሓት ዝኽበር በዓል ልደት ቅኑዕ ክኸውን ከም ዘይክእል ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።”​—⁠ሉቃስ 2:⁠8-11

9. ጥንቲ ዝነበሩን ሕጂ ዘለዉን ኣገልገልቲ የሆዋ በዓል ትንሳኤ ዘየብዕሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

9 እቲ ክርስቶስ ዝተንስኣሉ ንምዝካር ተባሂሉ ዝኽበር በዓል ትንሳኤ እውን ምንጩ ኻብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ምዃኑ እሙን ምንጭታት ይሕብር ኢዩ። ዘ ዌስት​ሚኒስተር ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ባይብል: በዓል ትንሳኤ (ብእንግሊዝኛ ኢስተር ) ካብቲ “ኣብ ግዜ ጽድያ ንኽብሪ እታ ኣብ ጥንታዎት ጀርመናውያን ናይ ብርሃንን ጽድያን ኣምላኽ ዝነበረት ተባሂሉ ዝግበር በዓል ዝመነጨ ዀይኑ: ብቛንቋ ኣንግሎ⁠-​ሳክሰን ኢስተር” ወይ ኢዮስተር ተባሂሉ ይጽዋዕ ምንባሩ ገሊጹ ኣሎ። ዝዀነ ዀይኑ: ከምቲ ኣብ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (መበል 11 ሕታም) ተገሊጹ ዘሎ “ኣብ ሓድሽ ኪዳን በዓል ትንሳኤ ይበዓል ምንባሩ ዝሕብር ነገር የለን።” ቀዳሞት ክርስትያናት በዓል ትንሳኤ ኣየብዕሉን ኢዮም ነይሮም: ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣየብዕልዎን ኢዮም።

10. የሱስ እንታይ በዓል ኢዩ ዘቘመ: ነዚ በዓል እዚ ብግቡእ ዘብዕልዎ ዘለዉኸ መን ኢዮም፧

10 የሱስ ንሰዓብቱ ልደቱ ዀነ ትንሳኤኡ ኸብዕሉ ኣይኣዘዞምን: የግዳስ ነቲ መስዋእታዊ ሞቱ በዓል ዝኽሪ ኽግበር ስርዓት ኣቚሙ ኢዩ። (ሮሜ 5:⁠8) እወ: ንደቀ መዛሙርቱ ኸብዕልዎ ዝኣዘዞም በዓል እዚ ጥራይ ኢዩ። (ሉቃስ 22:⁠19, 20) እዚ ኣብ ዓዓመት ዝበዓል ድራር ጐይታ ተባሂሉ ዝፍለጥ በዓል ክሳዕ ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር የብዕልዎ ኣለዉ።​—⁠1 ቈረንቶስ 11:⁠20-26

ሓቂ ኣብ መላእ ምድሪ ተኣወጀት

11, 12. እቶም ብመገዲ ሓቂ ዝመላለሱ ወትሩ ነቲ ዕዮ ስብከት ዝድግፍዎ ብኸመይ ኢዮም፧

11 እቶም ንሓቂ ዝፈልጡ ሰባት ግዜኦምን ጕልበቶምን ጥሪቶምን ንዕዮ ስብከት ናይቲ ብስራት ምውፋይ ከም ክብሪ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። (ማርቆስ 13:⁠10) ቀዳሞት ክርስትያናት ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ዕዮ ስብከት ብፍታው ብዝግበር ወፈያ ይድገፍ ነበረ። (2 ቈረንቶስ 8:⁠12፣ 9:⁠7) ብዛዕባዚ ተርቱልያን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ገንዘብ ዝእከበሉ ሳጹን እውን እንተ ሃለወ: ውጽኢት ክግበር ከሎ ግን ሃይማኖት ያኢ ናይ ንግዲ ውዕል ከም ዝዀነ ጌርካ ብምውሳድ መእተዊ ኽፍሊት ክትህብ ኣይትሕተትን ኢኻ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ወይ ኣብ ባህ ዝበሎ እዋን ሒደት ገንዘብ የምጽእ። እዚውን እንተ ፈትዩን እንተ ኽኢሉን ጥራይ ኢዩ: ከመይሲ ብፍታው ዝግበር ወፈያ ደኣ እምበር ብምግዳድ ዝግበር ኣይኰነን።”​—⁠ኣፖሎጂ: መበል 39 ምዕራፍ

12 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ብፍታው ብዝግበር ወፈያ ኢዩ ዝድገፍ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ ተገዳስነት ዘለዎም መማሰውቲ ሰባት ነዚ ንጥፈት እዚ ብውጽኢት ክድግፉ ዓብዪ ኽብሪ ኢዩ ዝስምዖም። ኣብዚውን ኣብ መንጎ ቀዳሞት ክርስትያናትን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዘሎ ምምስሳል ክርአ ይከኣል ኢዩ።

ሓቅን ኣካይዳኻን

13. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ኣካይድኦም ዝምልከት እንታይ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምኽሪ ኢዮም ዝስዕቡ፧

13 ቀዳሞት ክርስትያናት ከም ኣብ መገዲ ሓቂ ዝመላለሱ ሰባት መጠን ምስቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ: ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ተሰማሚዖም ይኸዱ ነበሩ። (1 ጴጥሮስ 2:12) ናይ የሆዋ መሰኻኸር እውን ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣርዚኖም ኢዮም ዝርእይወን።

14. ክርስትያናት ብዛዕባ ብዕሉግ መዘናግዒ ዘለዎም ኣረኣእያ ኸመይ ኢዩ፧

14 ክሕደት ሰሊኹ ምስ ኣተወ እውን ከይተረፈ: ስመ⁠-​ክርስትያናት ካብ ብዕሉግ ነገራት ይርሕቑ ነበሩ። ብናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ታሪኽ መዓርግ ፕሮፌሰር ዝረኸበ ዳብሊው. ዲ. ኪለን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዘመናት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዝርከብ ተዋስኦ ዝረኣየሉ ኣደራሽ ንብዙሓት ይስሕቦም ነይሩ ኢዩ። እቶም ተዋሳእቲ ብሓፈሻ ኽርኣዩ ኸለዉ ብዕሉጋት እኳ እንተ ነበሩ: ድራማታቶም ግን ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ኽፉእ ትምኒታት ዘዕግብ ኢዩ ነይሩ። . . . ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ተዋስኦታት ይፍንፍንዎ ኢዮም ነይሮም። . . . እቲ ጽዩፍ ትርኢት የስገድግዶም ነበረ፣ እቶም መምለኽቲ ጣኦት ንኣማልኽቶም ዘቕርብዎ ዝነበሩ ልመና ኸኣ ምስ ሃይማኖታዊ እምነቶም ዝጋጮ ነበረ።” (ዘ ኣንሽየንት ቸርች: ገጽ 318-19) ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ እውን ካብ ብዕሉግን ርኹስን ዓይነት መዘናግዒታት ይርሕቑ ኢዮም።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠3-5

ሓቅን ‘ስልጣናትን’

15, 16. “ስልጣናት” ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም: እቶም ብሓቂ ዝመላለሱኸ ነዞም ስልጣናት ብኸመይ ይርእይዎም ነበሩ፧

15 ቀዳሞት ክርስትያናት ጽቡቕ ጠባይ እኳ እንተ ነበሮም: ዝበዝሑ ሃጸያት ሮሜ ግን ብሕማቕ ኢዮም ዝርእይዎም ነይሮም። እቶም ሃጸያት “ከም ኣብ ግምት ዘይኣትዉ ጥሩፋት” ገይሮም ይርእይዎም ምንባሮም ጸሓፍ ታሪኽ ኢ. ጂ. ሃርዲ ገለጸ። እቲ ናይ ቢቲንያ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፕሊኒ ንእሽቶ ምስ ሃጸይ ትራጃን ካብ እተጸሓሓፍዎ ደብዳበታት: እቶም ሰበ⁠-​ስልጣን ብሓፈሻ ብዛዕባ ክርስትና ብዙሕ ፍልጠት ከም ዘይነበሮም ክርአ ይከኣል ኢዩ። ክርስትያናት ግን ብዛዕባ ሰብኣዊ መንግስቲ ዘለዎም ኣረኣእያ ኸመይ ኢዩ፧

16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ንናይ መንግስቲ “ስልጣናት” ብተዛማዲ ይግዝእዎም ኢዮም። (ሮሜ 13:⁠1-7) እቲ ሰባት ዝሓትዎ ነገራት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ተጋጭዩ ግን “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዝብል ኣቕዋም ኢዩ ዘለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ኣፍተር ጂሰስ​—⁠ዘ ትራያምፍ ኦቭ ክርስችያኒቲ ዘርእስታ መጽሓፍ “ክርስትያናት ኣብ ናይ ሃጸይ ኣምልኾ ዘይካፈሉ እኳ እንተ ነበሩ: ናዕቢ ዘለዓዕሉ ሰባት ኣይነበሩን፣ ሃይማኖቶም ከኣ ፍልይ ዝበለ: ሓድሓደ ግዜ እውን ብዓይኒ ኣረማውያን ክርአ ኸሎ ዝጽላእ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ግን ዘስግእ ኣይነበረን።”

17. (ሀ) ቀዳሞት ክርስትያናት ነየነይቲ መንግስቲ ኢዮም ዝድግፉ ነይሮም፧ (ለ) ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 2:⁠4 ዘሎ ቓላት ኣብ ግብሪ ዘውዓልዎ ብኸመይ ኢዮም፧

17 ከምቲ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብታ ብተስፋ ዝጽበይዋ ‘ኣምላኽ ዝሰራሒኣ ኸተማ’ እምነት ዝነበሮም: ቀዳሞት ክርስትያናት እውን ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም። (እብራውያን 11:⁠8-10) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ልክዕ ከም ጐይታኦም “ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” (ዮሃንስ 17:⁠14-16) ‘ኣስያፎም ንማሕረሻታት ብምስራሕ’ ሰላም ስለ ዝስዕቡ: ኣብ ሰብኣዊ ውግኣትን ግጭታትን ኣይኣትዉን ኢዮም። (ኢሳይያስ 2:⁠4) ብዛዕባ ታሪኽ ቤተ⁠-​ክርስትያናት ኣስተምህሮ ዝህብ ጀፍሪ ኤፍ. ነታል “እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮም ኣረኣእያ ምስዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ኣረኣእያ ዝመሳሰል ኢዩ፣ ንሕና ግን ምቕባሉ ይኸብደና ኢዩ” ብምባል ዘደንቕ ምምስሳል ገሊጹ ኣሎ።

18. ዝዀነ ይኹን መንግስቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ስግኣት ክሓድሮ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

18 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ‘ንስልጣናት’ ዝግዝኡ ገለልተኛታት ውልቀ⁠-​ሰባት ስለ ዝነበሩ: ንዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ሓይሊ ዘስግኡ ኣይነበሩን፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከምኦም ኢዮም። ሓንቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እትነብር ኣሰናዳኢት ጋዜጣ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ግዝኣት ዘስግኡ ኢዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ጸቢብን ኣብ ምጥርጣር እተመርኰሰን ኢዩ፣ ከም ሃይማኖት መጠን ዘየናዕቡን ሰላማውያንን ኢዮም” ኢላ ጸሓፈት። መስተውዓልቲ ሰበ⁠-​ስልጣን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስግኣት ከም ዘይፈጥሩ ይፈልጡ ኢዮም።

19. ቀዳሞት ክርስትያናትን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ብዛዕባ ግብሪ ምኽፋል ዝመጸ ከመይ ኢዮም፧

19 ቀዳሞት ክርስትያናት ‘ንስልጣናት’ ዘለዎም ኣኽብሮት ዘርኣዩሉ ሓደ መገዲ ግብሪ ምኽፋል ኢዩ ነይሩ። ጀስቲን ማርቲር ናብቲ ሮማዊ ሃጸይ ኣንቶኒኑስ ፒዩስ (138-161 ከ.ኣ.ዘ.) ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ: ክርስትያናት “ካብ ካልኦት ሰባት ንላዕሊ ብፍታዎም” ግብሪ ኸም ዝኸፍሉ ገለጸሉ። (ፈርስት ኣፖሎጂ: መበል 17 ምዕራፍ) ተርቱልያን እውን ንሮማውያን ገዛእቲ: ክርስትያናት ብሕልናኦም ተደሪኾም ግብሪ ስለ ዝኸፍሉ እቶም ግብሪ ዝእክቡ ሰራሕተኛታት “ከመስግንዎም ከም ዝግባእ” ገሊጽሎም ኢዩ። (ኣፖሎጂ: መበል 42 ምዕራፍ) እቲ ፓክስ ሮማና ማለት ሰላም ሮሜ: ሕግታቱን ስርዓታቱን: ጽቡቕ መገድታቱ: ከምኡውን ብተዛማዲ ሰላማዊ ዝነበረ መገሻታት ባሕሪ ንክርስትያናት ጠቒምዎም ኢዩ። ነቲ ኻብ ሕብረተሰብ ዝረኽቡዎ ረብሓታት ኣፍልጦ ስለ ዝህቡሉ: ነተን “ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ዝብላ ቓላት የሱስ ይስዕብወን ነበሩ። (ማርቆስ 12:17) ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ነዚ ምኽሪ እዚ ስለ ዝስዕቡ: ግብሪ ብምኽፋል ዝመጸ ብዘርእይዎ ቕንዕና ተናኢዶም ኢዮም።​—⁠እብራውያን 13:⁠18

ሓቂ ማእሰር ሓድነት ኢያ

20, 21. ቀዳሞት ክርስትያናትን ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋን ከም ኣሕዋት ሓቢሮም ብሰላም ብዛዕባ ምንባር ዝመጸ ኸመይ ኢዮም፧

20 ቀዳሞት ክርስትያናት ብሓቂ ይመላለሱ ስለ ዝነበሩ: በቲ ሰላማዊ ሕውነቶም ሓድነት ነይርዎም ኢዩ፣ ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከምኦም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34, 35) ኣብታ ዘ ሞስኮ ታይምስ እትበሃል ጋዜጣ ዝወጸ ደብዳበ ኸምዚ ይብል:- “[ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ብቐሊሉ ኽትረዳድኦም እትኽእል: ኣብ ካልኦት ሰባት ጸቕጢ ዘይገብሩ: ወትሩ ምስ ካልኦት ብሰላም ክነብሩ ዝደልዩ: ምቕሉላት: ሕያዎት: ከምኡውን ትሑታት ሰባት ከም ዝዀኑ ኢዮም ዝፍለጡ። . . . ኣብ መንጎኦም ጉቦ ዝወስድ: ሰኽራም: ወይ ወልፊ ሓሽሽ ዘለዎ ኣይርከብን ኢዩ። ከምዚ ዝዀኑሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ ዝገብርዎ ዀነ ዝብልዎ ዅሉ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቶም ስለ ዝምርሑ ኢዮም። ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ብምሉኦም ከምቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዘለዉ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ናብራኦም ክመርሑ እንተ ዝጽዕሩ ጥራይ: እዛ ጭካነ ዝመልኣ ዓለም ከም እትቕየር ኣየጠራጥርን ኢዩ።”

21 ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኤርሊ ክርስችያኒቲ “እታ ጥንታዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ነቶም ኣቐዲሞም ዝጻልኡ ዝነበሩ ኣይሁድን ኣህዛብን ብሰላም ተሓቛቚፎም ዝነብሩላ ሓድሽ ስድራ​ቤት ከም ዝዀነት ገይራ ኢያ ንርእሳ ትርኢ ነይራ” በለ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣብ ዓለምለኻዊ ሕውነቶም ሰላም ኣለዎም፣ ብሓቂውን ሕብረተሰብ ሓዳስ ዓለም ኢዮም። (ኤፌሶን 2:⁠11-18፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠9፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ኣብ ፕሪቶርያ: ደቡብ ኣፍሪቃ: ዝርከብ ናይ ኤግዚብሽን ማእከል: ካብ ኵሉ ዓሌታት እተኣኻኸቡ ሰባት ዓብዪ ኣኼባ ኽገብሩ ምስ ረኣየ ኸምዚ በለ:- “ኵላቶም ምቕሉላትን ጽቡቕ ስኒትን ዝነበሮም ኢዮም፣ እዚ ኣብዘን ዝሓለፈ ሒደት መዓልትታት እተራእየ ጠባይ ከኣ ኣባላት ማሕበርኩም እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃኖምን ከም ሓደ ስድራ​ቤት ሓቢሮም ከም ዝነብሩን ዘርኢ ኢዩ።”

ሓቂ ብምምሃሮም በረኸት ረኸቡ

22. ክርስትያናት ንሓቂ ብምግላጾም እንታይ ፍረ ኢዩ ተረኺቡ፧

22 ጳውሎስን ካልኦት ክርስትያናትን ብኣካይዳኦምን ስብከቶምን ‘ነታ ሓቂ ገሊጾማ’ ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 4:⁠2) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሎም ኣህዛብ ሓቂ ብምምሃር ተመሳሳሊ ነገር ይገብሩ ምህላዎም ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዝርከቡ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰባት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ተቐቢሎም ናብ ‘ከረን ቤት እግዚኣብሄር’ ይውሕዙ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 2:⁠2, 3) ኣብ ዓዓመት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንኣምላኽ ዝገበርዎ ወፈያ ብጥምቀት የርእዩ ስለ ዘለዉ ብዙሓት ሓደስቲ ጉባኤታት ይቘማ ኣለዋ።

23. ነቶም ንዅሎም ኣህዛብ ሓቂ ዝምህሩ ሰባት ዘሎካ ኣረኣእያ ኸመይ ኢዩ፧

23 ህዝቢ የሆዋ እተፈላለየ መበቈልን ኣተዓባብያን እኳ እንተለዎም ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓድነት ኣለዎም። ብፍቕሮም ከኣ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃኖም ይልለዩ ኢዮም። (ዮሃንስ 13:⁠35) ‘ኣምላኽ ኣብ ማእከሎም ከም ዘሎ’ ተስተውዕሎዶ ኣሎኻ፧ (1 ቈረንቶስ 14:⁠25) ኣብ ጐድኒ እዞም ንዅሎም ኣህዛብ ሓቂ ዝምህሩ ሰባት ቌምካዶ ኣሎኻ፧ ኣብ ጐድኖም እንተሊኻ ንሓቂ ወትሩ ኣኽቢርካ ርኣያ: ንዘለኣለምውን ብኣኣ ተመላለስ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ብኣገባብ ኣምልኾ ዝመጸ ኣብ መንጎ ቀዳሞት ክርስትያናትን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧

• እቶም ብሓቂ ዝመላለሱ ኽሳዕ ሕጂ ዘብዕልዎ ሃይማኖታዊ በዓል እንታይ ኢዩ፧

• “ስልጣናት” ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም: ክርስትያናትከ ብኸመይ ይርእይዎም፧

• ሓቂ ማእሰር ሓድነት ዝዀነት ብኸመይ ኢያ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናዊ ኣኼባታት ነቶም ብሓቂ ዝመላለሱ ወትሩ በረኸት የምጽኣሎም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሰዓብቱ በዓል ዝኽሪ መስዋእታዊ ሞቱ ከኽብሩ ኣዘዞም

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት “ንስልጣናት” የኽብሩ ኢዮም