ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናት ብመንፈስን ብሓቅን ኢዮም ዘምልኹ

ክርስትያናት ብመንፈስን ብሓቅን ኢዮም ዘምልኹ

ክርስትያናት ብመንፈስን ብሓቅን ኢዮም ዘምልኹ

“ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግብኦም።”—⁠ዮሃንስ 4:24

1. ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ኣምልኾ ኢዩ ዘሐጕሶ፧

 እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ: ንሰማያዊ ኣቦኡ እንታይ ዓይነት ኣምልኾ ኸም ዘሐጕሶ ንጹር ገይርዎ ኢዩ። ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ሲካር ዝርከብ ዔላ ልቢ ዝትንክፍ ምስክርነት ከቕርበላ ኸሎ ኸምዚ በላ:- “ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ: ንሕና ግና: ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ: ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ። ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ: እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።” (ዮሃንስ 4:22-24) እዘን ቃላት እዚኣተን ንዓና እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለወን፧

2. ኣምልኾ ሳምራውያን ኣብ ምንታይ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ፧

2 ሳምራውያን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኢዩ ነይርዎም። ነተን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከባ ሓሙሽተ ናይ መጀመርታ መጻሕፍቲ ጥራይ ኢዮም ተቐቢሎምወን ነይሮም፣ ንዓታተን እውን እንተዀና ኸምቲ ዝጥዕሞም ምቅይያር ስለ ዝገበሩለን ናይ ሳምራውያን ፔንታትዩክ ተባሂለን ኢየን ዝጽውዓ። ሳምራውያን ንኣምላኽ ኣይፈልጥዎን ኢዮም ነይሮም: ኣይሁድ ግን ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ሕድሪ ተዋሂብዎም ነበረ። (ሮሜ 3:⁠1, 2) እሙናት ኣይሁድ ኰኑ ኻልኦት ሞገስ ኣምላኽ ክረኽቡ ይኽእሉ ነይሮም። ነዚ ንምርካብ ግን እንታይ ብቕዓት ከማልኡ ነበሮም፧

3. ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ንምምላኹ እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧

3 ጥንቲ ዝነበሩ ኣይሁድ: ሳምራውያን: ከምኡውን ካልኦት ኣህዛብ ንየሆዋ ንምሕጓስ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝነበሮም፧ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከምልኽዎ ኢዩ ነይርዎም። ንሕናውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብመንፈስ ወይ ብቕንኣት ከምኡውን ብፍቕርን ብእምነትን ተደሪኽካ ክግበር እኳ እንተለዎ: ንኣምላኽ ብመንፈስ ከነምልኾ ኽበሃል ከሎ ግን መንፈስ ቅዱሱ ኽወርደናን ብእኡ ንኽንምራሕ ፍቓደኛታት ክንከውንን ዝሓትት ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን መንፈስና ወይ ዝንባለና ምስቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ክሳነ ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 2:⁠8-12) ኣብ ርእሲ እዚ ኣምልኾና ብየሆዋ ተቐባልነት ክረክብ እንተደኣ ዀይኑ: ብሓቂ ክቐርብ ኣለዎ። ምስቲ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባኡን ብዛዕባ ዕላማታቱን ዝገልጸልና ነገራት ክሰማማዕ ይግባእ።

ሓቂ ኽትርከብ ትከኣል ኢያ

4. ገሊኣቶም ሓቂ ኽበሃል ከሎ ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ፧

4 ገሊኣቶም ተማሃሮ ፍልስፍና: ደቅሰብ ነታ ፍጽምቲ ሓቂ ክረኽብዋ ኣይክእሉን ኢዮም ዝብል ኣረኣእያ ኣማዕቢሎም ኢዮም። ሽወደናዊ ደራሲ ኣልፍ ኣልበርግ “ብዙሕ ናይ ፍልስፍና ሕቶታት ሓደ ንጹር መልሲ ኽወሃቦ ዝከኣል ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ። ገሊኣቶም ሰባት ተዛማዲ ሓቂ ጥራይ ኢዩ ዘሎ ዝብሉ እኳ እንተዀኑ: እዚ ግን ቅኑዕ ድዩ፧ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኣይነበሮን።

5. የሱስ ናብ ዓለም ዝመጸ ንምንታይ ኢዩ፧

5 ብሓሳብና ናብ መጀመርታ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እሞ ንመለስ: ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሮማዊ ገዛኢ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ቈይሙ ነበረ። የሱስ ንጲላጦስ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ . . . እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በሎ። ጲላጦስ ድማ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። እንተዀነ ግን መልሲ ኽህቦ ኣይተጸበየን።​—⁠ዮሃንስ 18:36-38

6. (ሀ) ትርጕም ናይታ “ሓቂ” እትብል ቃል እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ መዝነት ኢዩ ዝሃቦም፧

6 እታ “ሓቂ” እትብል ቃል “ክዉን፣ እተገብረ: እተፈጸመ ነገር” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። (ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ) ይኹን እምበር: የሱስ ንሓቂ ብሓፈሻዊ መልክዑ ድዩ መስኪሩ፧ ኣይኰነን። ብዛዕባ ሓፈሻዊ ዘይኰነስ ብዛዕባ ሓንቲ ንጽርቲ ሓቂ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ንሰዓብቱ ኸኣ ነዛ ሓቂ እዚኣ ንኽእውጁ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል መዝነት ሂብዎም ኢዩ:- “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” (ማቴዎስ 28:19, 20) እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ቅድሚ “መወዳእታ ዓለም” ነቲ “ሓቂ ወንጌል” ኣብ መላእ ዓለም ክእውጁ ነበሮም። (ማቴዎስ 24:⁠3፣ ገላትያ 2:⁠14) በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ዝብል ቃላት የሱስ መፈጸምታ ይረክብ። (ማቴዎስ 24:14) ስለዚ እምበኣር እቶም ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ንዅሎም ኣህዛብ ሓቂ ዝምህሩ ዘለዉ መን ምዃኖም ምፍላጥና ኣገዳሲ ኢዩ።

ሓቂ ብኸመይ ክንመሃር ንኽእል፧

7. የሆዋ ምንጪ ሓቂ ምዃኑ ብኸመይ ከተረጋግጾ ምኸኣልካ፧

7 የሆዋ ምንጪ መንፈሳዊ ሓቂ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት ንየሆዋ “ኣምላኽ ሓቂ” ኢልዎ ኣሎ። (መዝሙር 31:⁠5፣ 43:⁠3) የሱስ ቃል ኣቦኡ ሓቂ ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቡሉ ኢዩ። ብተወሳኺውን ከምዚ በለ:- “ኣብ ነብያትውን፤ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም: ዚብል ጽሑፍ አሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዔን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ።” (ዮሃንስ 6:45፣ 17:17፣ ኢሳይያስ 54:⁠13) ስለዚ እምበኣር እቶም ሓቂ ክረኽቡ ዝደልዩ በቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሆዋ ኽመሃሩ ኣለዎም። (ኢሳይያስ 30:⁠20, 21 NW ) ሓቂ ዝደልዩ ሰባት “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ክረኽብዎ ኣለዎም። (ምሳሌ 2:⁠5) የሆዋ ድማ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ንሓቂ ብእተፈላለየ መገዲ ይምህሮም ወይ የመሓላልፈሎም ኢዩ።

8. ኣምላኽ ሓቂ ዝመሃረ ወይ ዘመሓላለፈ በየናይ መገድታት ኢዩ፧

8 ንኣብነት: ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ሕጊ ዘመሓላለፈሎም ብመላእኽቲ ኣቢሉ ኢዩ። (ገላትያ 3:⁠19) ነቶም ርእሲ ኣቦታት ዝነበሩ ኣብርሃምን ያእቆብን ከም ዝባርኾም ዝገለጸሎም ድማ ብሕልሚ ገይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 15:⁠12-16፣ 28:⁠10-19) የሱስ ክጥመቕ ከሎ ኸኣ ኣምላኽ ካብ ሰማይ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ኢሉ ተዛረበ። (ማቴዎስ 3:17) ኣምላኽ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ሰባት ብመንፈሱ ደሪኹ ሓቂ ኸም ዝመሓላለፍ ብምግባሩ እውን መማሰውቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ካብ ቃል ኣምላኽ ምስ እንመሃር: ‘ኣብ ሓቂ እምነት’ ክህልወና ይኽእል ኢዩ።​—⁠2 ተሰሎንቄ 2:⁠13

ሓቅን ወዲ ኣምላኽን

9. ኣምላኽ ብወዱ ኣቢሉ ሓቂ ዝገለጸ ብኸመይ ኢዩ፧

9 ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣምላኽ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንደቅ​ሰብ ሓቂ ገሊጹ ኢዩ። (እብራውያን 1:⁠1-3) አረ ከም የሱስ ገይሩ ሓቂ እተዛረበ ሰብ ከቶ ኣይተረኸበን። (ዮሃንስ 7:​46) ናብ ሰማይ ድሕሪ ምዕራጉ እውን ከይተረፈ: ነቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ሓቂ ገሊጽዎ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ: “ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ: ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ” ኢዩ ነይሩ።​—⁠ራእይ 1:1-3

10, 11. (ሀ) እታ የሱስ ዝመስከረላ ሓቂ ምስ እንታይ እተተሓሓዘት ኢያ፧ (ለ) የሱስ ነታ ሓቂ ኸም እትገሃድ ዝገበረ ብኸመይ ኢዩ፧

10 የሱስ ንጶንጥዮስ ጲላጦስ ንሓቂ ኽምስክር ኢሉ ናብ ምድሪ ኸም ዝመጸ ገሊጹሉ ኢዩ። ኣብ ኣገልግሎቱ ምስቲ በታ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢልካ ዝፍጸም ምርግጋጽ ሉዓላውነት የሆዋ እተተሓሓዘ ሓቂ ኢዩ ገሊጹ። እንተዀነ ግን: ንሓቂ መስኪሩ ኽበሃል ከሎ እቲ ዝፈጸሞ ስብከትን ትምህርትን ጥራይ ኣይኰነን ዘጠቓልል። ንሓቂ ብምፍጻም ጋህዲ ገይርዋ ወይ ብኻልእ ኣዘራርባ ስጋ ኣልቢስዋ ኢዩ። በዚ መሰረት እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ “ደጊም ብብልዕን መስተን: ወይ ብምብዓል በዓላት: ወይ ብሰርቂ ወርሒ: ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ: ሓደ እኳ ኣይፍረደልኩም። እዚ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎቱ እዩ: እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠ቈሎሴ 2:16, 17

11 እታ ሓቂ ጋህዲ ዝዀነትሉ ሓደ መዳይ እቲ ብትንቢት የሱስ ኣብ ቤት⁠-​ልሄም ከም ዝውለድ ተገሊጹ ዝነበረ ምፍጻሙ ኢዩ። (ሚክያስ 5:⁠2፣ ሉቃስ 2:⁠4-11) እቲ መሲህ ድሕሪ 69 ‘ናይ ዓመታት ሰሙናት’ ክመጽእ ምዃኑ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ተገሊጹ ዝነበረ ነገር ምስ ተፈጸመ እውን እታ ሓቂ ጋህዲ ዀነት። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ምስ ተጠምቀን ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብአን ፍጻሜኡ ረኸበ። (ዳንኤል 9:⁠25፣ ሉቃስ 3:⁠1, 21, 22) ብተወሳኺውን በቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋር ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ኣቢላ እታ ሓቂ ጋህዲ ዀይና ኢያ። (ኢሳይያስ 9:⁠1, 2, 6, 7፣ 61:​1, 2፣ ማቴዎስ 4:⁠13-17፣ ሉቃስ 4:​18-21) ብሞቱን ብትንሳኤኡን እውን እታ ሓቂ ተጋሂዳ ኢያ።​—⁠መዝሙር 16:⁠8-11፣ ኢሳይያስ 53:​5, 8, 11, 12፣ ማቴዎስ 20:⁠28፣ ዮሃንስ 1:⁠29፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠25-31

12. የሱስ ‘ኣነ ሓቂ ኢየ’ ኽብል ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 እታ ሓቂ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘተኰረት ብምንባራ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ​ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ክብል ክኢሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:6) ሰባት ነቲ የሱስ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ዘለዎ ግደ ብምቕባል ‘ካብ ሓቂ እንተ ዀይኖም’ ብመንፈሳዊ መገዲ ሓራ ይወጹ ኢዮም። (ዮሃንስ 8:⁠32-36፣ 18:⁠37) ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ሓቂ ስለ ዝቕበሉን ንክርስቶስ ብእምነት ስለ ዝስዕብዎን: ዘለኣለማዊ ህይወት ይረኽቡ።​—⁠ዮሃንስ 10:⁠24-28

13. ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ በየናይ ሰለስተ መዳያት ኢና ኽንምርምሮ፧

13 እቲ የሱስን ብመንፈስ እተደረኹ ደቀ መዛሙርቱን ዝመሃርዎ ሓቂ ብሓፈሻ ንእምነት ናይ ሓቂ ክርስትና ኣቘመ። ስለዚ እቶም ‘ንእምነት ዝእዘዙ’ ‘በታ ሓቂ ክመላለሱ’ ጀመሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:⁠7፣ 3 ዮሃ​ንስ 3, 4) እምበኣር ኣብዚ ግዜና መን ኢዮም ብሓቂ ዝመላለሱ ዘለዉ፧ ንዅሎም ኣህዛብ ሓቂ ዝምህሩ ዘለዉ መን ኢዮም፧ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ንምሃብ: ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ከነተኵር ኢና፣ ምስ (1) እምነታትና: (2) ኣምልኾ እነቕርበሉ መገዲ: (3) ኣካይዳና ዝተሓሓዝ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ እውን ኽንምርምር ኢና።

ሓቅን እምነታትን

14, 15. ቀዳሞት ክርስትያናት ኰኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧

14 እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ በቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣኽቢርካ ኢዩ ዝርአ ነይሩ። (ዮሃንስ 17:⁠17) መሰረት እምነታቶምን ልምድታቶምን ኢዩ ነይሩ። ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን ዝነበረ ክለመንት ብዓል ኣሌክሳንድርያ “እቶም ጽቡቕ ባህርያት ክህልዎም ዝጽዕሩ ነቲ ዝኣምኑሉ ነገራት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምዃኑ መርትዖ ኽሳዕ ዝረኽቡ: ንሓቂ ኻብ ምንዳይ ኣየቋርጹን ኢዮም” በለ።

15 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ጠቓሚ ምዃኑ’ ኢዮም ዝኣምኑ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ: መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ መምሃሪ መጽሓፍ ብምግባሮም ዝረኸብዎ ፍልጠት ኣብ ግምት እናእተና: ንገለ ኻብቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ዝነበሮም እምነታት ንመርምር።

ብዛዕባ ነፍሲ እቲ ሓቂ እንታይ ኢዩ፧

16. ብዛዕባ ነፍሲ እቲ ሓቂ እንታይ ኢዩ፧

16 ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ይኣምኑሉ ስለ ዝነበሩ ብዛዕባ ነፍሲ እቲ ሓቂ ኢዮም ዝምህሩ ነይሮም። ኣምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ ኸሎ እቲ ሰብ ‘ህያው ነፍሲ ከም ዝዀነ’ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። (ዘፍጥረት 2:7) ብተወሳኺውን ነፍሳት ደቅሰብ ከም ዝሞታ ይኣምኑ ነይሮም ኢዮም። (ህዝቅኤል 18:⁠4፣ ያእቆብ 5:⁠20) ‘ምዉታት ገለ እኳ ከም ዘይፍለጦም’ እውን ይርድኡ ነይሮም ኢዮም።​—⁠መክብብ 9:⁠5, 10

17. ንምዉታት እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም፧

17 ይኹን እምበር: ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ምዉታት ከም ዝትንስኡ ወይ እንደገና ህያዋን ከም ዝዀኑ ርግጽ ተስፋ ነበሮም። ነዚ እምነት እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ አሎኒ” ብምባል ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ጸኒሑ እውን ክርስትያን ምዃኑ ዝገልጽ ዝነበረ ሚኑክዩስ ፈሊክስ ‘ኣምላኽ ነቲ ፈለማ ዝፈጠሮ ሰብ: እንደገና ኸም ብሓድሽ ክሰርሖ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ኣብዲ ወይ ዓሻ ኢዩ’ ኢሉ ጸሓፈ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ነፍሲ: ሞት: ከምኡውን ትንሳኤ ወድሰብ ዝገልጾ ሓቂ ኢዮም ዝኣምኑሉ። ሕጂ ድማ ኣምላኽን ክርስቶስን መን ምዃኖም እስከ ንርአ።

ሓቅን ስላሴን

18, 19. ስላሴ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ትምህርቲ ኣይኰነን ክበሃል ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

18 ቀዳሞት ክርስትያናት ንኣምላኽ: ክርስቶስ: ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ከም ስላሴ ገይሮም ኣይኣምንሎምን ኢዮም ነይሮም። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ በለ:- “እታ ስላሴ እትብል ቃል ትኹን ግልጺ ዝዀነ ናይ ስላሴ ሰረተ⁠-​እምነት ኣብ ሓድሽ ኪዳን የሎን። የሱስ ኰነ ሰዓብቱ እውን ምስቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝርከብ ‘ዎ እስራኤል: ስማዕ: እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ’ (ዘዳ. 6:⁠4) ዝብል ሸማ [ጸሎት እብራውያን] ክጻረሩ ኣይፈተኑን።” ክርስትያናት ነቲ ናይ ሮማውያን ሰለስተ ኣብ ሓደ እተጠርነፈ ኣምላኽ ኰነ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣየምልኹን ኢዮም ነይሮም። ነቲ የሱስ እተዛረቦ የሆዋ በይኑ ጥራይ ክምለኽ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ሓሳባት ተቐቢሎምዎ ነይሮም ኢዮም። (ማቴዎስ 4:⁠10) ኣብ ርእሲ እዚውን ነተን ክርስቶስ “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ” ብምባል ዘውስአን ቃላት ይኣምኑለን ነበሩ። (ዮሃንስ 14:28) ሎሚ ዘለዉ መሰኻኽር የሆዋ እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም።

19 ቀዳሞት ክርስትያናት ኣምላኽን ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን እተፈላለዩ ምዃኖም ኣነጺሮም ይፈልጡ ነበሩ። ከጠምቑ ኸለዉ ድማ (1) ብስም ኣቦ: (2) ብስም ወዲ: (3) ብስም መንፈስ ቅዱስ ደኣ እምበር ብስም ስላሴ ኣይኰኑን ዘጥምቕዎም ነይሮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ካብዚ እተፈልየ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ስለ ዘይምህሩ: ኣምላኽን ወዱን መንፈስ ቅዱስን እተፈላለዩ ምዃኖም ይፈልጡ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 28:⁠19

ሓቅን ጥምቀትን

20. ናይ ጥምቀት ሕጹያት እንታይ ፍልጠት ኢዩ ኽህልዎም ዘድሊ፧

20 የሱስ ንሰዓብቱ: ንኻልኦት ሓቂ ብምምሃር ደቀ መዛሙርቲ ኽገብሩ ኣዚዝዎም ኢዩ። ሰባት ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ: ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት መሰረታዊ ፍልጠት ክህልዎም ኣለዎ። ንኣብነት: ነቲ ኣቦን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዘለዎም ቦታን ስልጣንን ኣፍልጦ ኽህቡሉ ኣለዎም። (ዮሃንስ 3:⁠16) መንፈስ ቅዱስ እውን ኣካል ዘይኰነስ ናይ ኣምላኽ መስለጢ ሓይሊ ምዃኑ ኽርድእዎ ኣለዎም።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠2 NW እግረ⁠-​ጽሑፍ

21, 22. ጥምቀት ንዝኣመኑ ጥራይ ኢዩ እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧

21 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዘጠምቕዎም ዝነበሩ እኹል ፍልጠት ዝነበሮምን እተናስሑን ውልቀ⁠-​ሰባት ኰይኖም: ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ከኣ ርእሶም ምሉእ ብምሉእ ዝወፈዩ ኢዮም ነይሮም። ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ፍልጠት ነይርዎም ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ እቲ መሲህ የሱስ ምዃኑ ምስ ነገሮም: ኣስታት 3,000 ዝዀኑ ሰባት ‘ዘረባኡ ባህ ኢልዎም ተቐበልዎ እሞ ተጠምቁ።’​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠41፣ 3:⁠19–4:⁠4፣ 10:⁠34-38

22 ክርስትያናዊ ጥምቀት ንዝኣመኑ ሰባት ጥራይ ኢዩ። ኣብ ሰማርያ ዝነበሩ ሓቂ እተቐበሉ ሰባት “ፊልጶስ . . . ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም: ምስ አመንዎ: ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ።” (ግብሪ ሃዋርያት 8:12) እቲ ብዛዕባ የሆዋ ፍልጠት ዝነበሮ ውፉይ ጵሮሴሊት ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ: መጀመርታ ነቲ ፊልጶስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መሲህ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢት ምስ ገለጸሉ ኢዩ እተጠምቀ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠34-36) ጸኒሑ: ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስን ንኻልኦት ካብ ኣህዛብን “ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ” ብምባል ተዛረቦም: ብየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ዘበለ ዅሉ ሕድገት ሓጢኣት ዝረክብ ምዃኑውን ገለጸሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:35, 43፣ 11:18) እዚ ዅሉ ምስቲ የሱስ “ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ዝሰማማዕ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ነቶም መሰረታዊ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ዘለዎምን ንኣምላኽ ርእሶም ዝወፈዩን ጥራይ ብምጥማቕ ተመሳሳሊ ስርዓት ኢዮም ዝስዕቡ።

23, 24. ክርስትያናዊ ጥምቀት ብዝግባእ ዝፍጸም ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ኢዩ፧

23 ነቶም ዝኣመኑ ዝግበር ጥምቀት በቲ ግቡእ ክፍጸም እንተ ዀይኑ ኣብ ማይ ክጥሕሉ ይግባእ። የሱስ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ምስ ተጠምቀ: “ካብ ማይ . . . ወጸ።” (ማርቆስ 1:⁠10) እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ እውን ማይ ብብዝሒ ኣብ ዝርከቦ ቦታ ኢዩ ተጠሚቑ። ንሱን ፊልጶስን “ናብቲ ማይ ወረዱ:” ድሕሪኡ ኸኣ ካብኡ “ወጹ።” (ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠36-40) ቅዱሳት ጽሑፋት ንጥምቀት ምስ ምሳልያዊ ምቕባር ምምስሳሉ እውን ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ምጥላቕ ከም ዘድሊ ዘጕልሕ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 6:⁠4-6፣ ቈሎሴ 2:⁠12

24 ዘ ኦክስፎርድ ኮምፓንየን ቱ ዘ ባይብል ከምዚ ይብል:- “ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተገሊጹ ዘሎ ጥምቀት: እቲ ዝጥመቕ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ከም ዝጠልቕ ኢዩ ዘመልክት።” እቲ ላሩስ ዱ ቪንቲዮም ሲዮክል (ፓሪስ 1928) ዝበሃል ኣብ ፈረንሳ እተዳለወ ጽሑፍ “እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ማይ ኣብ ዝርከቦ ዘበለ ብምጥሓል ኢዮም ዘጥምቑ ነይሮም” ዝብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። ኣፍተር ጂሰስ​—⁠ዘ ትራያምፍ ኦቭ ክርስችያኒቲ ዘርእስታ መጽሓፍ ጥምቀት ንኽግበር “መጀመርታ እቲ ሕጹይ ጥምቀት: እምነቱ ብጋህዲ ኽገልጽ ድሕሪኡ ብስም የሱስ ኣብ ማይ ክጥሕል ኣለዎ” በለት።

25. ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

25 እዚ ኣቐድም ኣቢልና ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነታትን ልምድታትን ናይ ቀዳሞት ክርስትያናት ዝጠቐስናዮ ነጥብታት ሒደት ኣብነታት ኢዩ። ኣብ መንጎ እምነታት ቀዳሞት ክርስትያናትን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዘሎ ኻልእ ምምስሳል እውን ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ። ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እቶም ንሰባት ሓቂ ዝምህሩ ዘለዉ መን ምዃኖም ንምልላይ ዝሕግዝ ተወሳኺ መገድታት ክንርኢ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ኣምልኾ ኢዩ ዝደሊ፧

• ሓቂ ብየሱስ ክርስቶስ እተጋህደት ብኸመይ ኢያ፧

• ብዛዕባ ነፍስን ሞትን እቲ ሓቂ እንታይ ኢዩ፧

• ክርስትያናዊ ጥምቀት ብኸመይ ይፍጸም: ናይ ጥምቀት ሕጹያትከ እንታይ ብቕዓታት ከማልኡ ኢዮም ዝሕተቱ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንጲላጦስ ‘ኣነ ንሓቂ ኽምስክር መጻእኩ’ በሎ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንምንታይ ‘ኣነ ሓቂ ኢየ’ ከም ዝበለ ኽትገልጾዶ ትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ክርስትያናዊ ጥምቀት እቲ ሓቂ እንታይ ኢዩ፧