ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽድቂ ዝራእ: ምሕረት ኣምላኽ ከኣ ዕጸድ

ጽድቂ ዝራእ: ምሕረት ኣምላኽ ከኣ ዕጸድ

ጽድቂ ዝራእ: ምሕረት ኣምላኽ ከኣ ዕጸድ

 “ንጓና ዚወሐስ መከራ ይመጾ። ውሕስነት ዚጸልእ ግና ህዱእ እዩ።” (ምሳሌ 11:15) እዛ ምሳሌ እዚኣ ንእንወስዶ ስጕምቲ ተጠንቂቕና ኽንምርምሮ ኢያ እተዘኻኽረና። ንጓና እንተ ተዋሒስካዮ: መከራ ኢኻ እትጽውዕ። ውሕስነት ምጽላእ ግን ካብ ዕዳ ናጻ ኢዩ ዝገብረካ።

“ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ” ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ኣብዚ ብንጹር ክንርእዮ ንኽእል ኢና። (ገላትያ 6:7) ነብዪ ሆሴእ “ብጽድቂ ዝርኡ: ከም መጠን ምሕረቱ ኸኣ ዕጸዱ” ኢሉ ኣሎ። (ሆሴእ 10:12) እወ: በቲ ኣምላኽ ዝፈትዎ መገዲ ብምምልላስ ጽድቂ ዝራእ እሞ ምሕረቱውን ክትዓጽድ ኢኻ። እቲ ናይ እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን ኣብዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ተመርኲሱ: ቅኑዕ ተግባር: ጥዑይ ዘረባ: ከምኡውን ጽቡቕ ባህሪ ኸነርኢ ኣተባቢዑ ኢዩ። ነቲ ጥበብ ዘለዎ ቓላቱ ተጠንቂቕና ምስ እንምርምሮ: ብጽድቂ ንኽንዘርእ የተባብዓና ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 11:⁠15-31

‘ውቁብ’ ባህሪ ዝራእ: ‘ክብረት’ ከኣ ዕጸድ

እቲ ጥበበኛ ንጉስ “ውቅብቲ ሰበይቲ ኽብረት ትረክብ: ሓያላት ከኣ ሃብቲ ይረኽቡ” በለ። (ምሳሌ 11:16) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ መንጎ እቲ ውቁብ ባህሪ ዘለዋ ሰበይቲ እትረኽቦ ብቐሊሉ ዘይሃስስ ክብረትን ሓያላት ዘጥርይዎ ሓላፊ ሃብትን ዘሎ ፍልልይ ኢያ እተነጻጽር።

ሓደ ሰብ ክብሪ ዘምጽእ ዘሐጕስ ባህሪ ኽህልዎ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ሰሎሞን “ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን . . . ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን” ኢሉ መዓደ። (ምሳሌ 3:21, 22) እቲ ጸሓፍ መዝሙር እውን ‘ውቃበ ኣብ ከናፍር ንጉስ ብዛዕባ ምፍሳስ’ ተዛሪቡ ኢዩ። (መዝሙር 45:⁠1, 2) ጥበብን ምኽርን ግቡእ ኣጠቓቕማ ልሳንን ንናይ ሓደ ሰብ ክብረትን ውቃበን ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። መስተውዓሊት ሰበይቲውን ብርግጽ ክብረት ትረክብ ኢያ። ሰበይቲ እቲ ናባል ዝበሃል ዓሻ ሰብኣይ ዝነበረት ኣቢጋይል ሓንቲ ኣብነት ኢያ። “ኣዝያ ኣስተውዓሊትን መልክዔኛን ነበረት:” ንጉስ ዳዊት ከኣ በሊሕ ‘ኣእምሮ’ ስለ ዝነበራ ነኣዳ።​—⁠1 ሳሙኤል 25:3, 33

ባህ እተብል ውፍይቲ ሰበይቲ ብርግጽ ክብረት ትረክብ ኢያ። ካልኦት ይንእድዋ ኢዮም። እንተ ተመርዕያ ሰብኣያ ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእያ። አረ ንስድራ​ቤታውን ክብሪ ተምጽእ ኢያ። ቀልጢፉ ዝሓልፍ ክብረት ከኣ ኣይኰነን ዘለዋ። “ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ: ሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ።” (ምሳሌ 22:1) እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዋ ጽቡቕ ስም ነባሪ ዋጋ ኢዩ ዘለዎ።

ሓይሊ ዝጥቀም ሰብ ወይ ‘ጨካን ሰብኣይ’ ዝረኽቦ ነገር ግን ብኣንጻሩ ኢዩ። (ምሳሌ 11:⁠16 ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን ) ጨቋኒ ሰብ ምስ እኩያትን ምስቶም ንኣምለኽቲ የሆዋ ዝጻረሩን ኢዩ ዝምደብ። (እዮብ 6:⁠23፣ 27:⁠13) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ‘ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጹ ኣይገብሮን።’ (መዝሙር 54:⁠3) ነቶም ንጹሃት ብምጭቋንን ብምብላጽን ‘ንብሩር ከም ሓመድ ይእክቦ።’ (እዮብ 27:⁠16) እንተዀነ ግን: ሓደ መዓልቲ ምስ ደቀሰ ብእኡ ኣቢሉ ኽመውት ይኽእል ኢዩ። (እዮብ 27:⁠19) ኵሉ እቲ ሃብቱን ዕዮኡን ከንቱ ይኸውን።​—⁠ሉቃስ 12:⁠16-21

ምሳሌ 11:⁠6 ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዀን ኢያ እትህበና! እቲ ንጉስ እስራኤል ካብ ውቁብ ባህርን ሓይሊ ኻብ ምጥቃምን እንታይ ከም እትዓጽድ ኣሕጽር ኣቢሉ ብምግላጽ: ጽድቂ ኽንዘርእ ኢዩ ዝምሕጸነና ዘሎ።

‘ርሕራሐ’ ዓስቢ የምጽእ

ሰሎሞን ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ብዛዕባ ዘጋጥም ነገራት “ርሕሩሕ ሰብ ንነፍሱ ጽቡቕ ይገብረላ: ጨካን ግና ንብገዛእ ስጋኡ ይጐድኦ” ብምባል ተወሳኺ ትምህርቲ ሃበ። (ምሳሌ 11:17) ሓደ ምሁር “እዛ ምሳሌ እዚኣ ሓደ ሰብ ንኻልኦት ዘርእዮ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ባህሪ ዘይሓሰቦ ወይ ዘይተጸበዮ ሳዕቤን ከምጽኣሉ ኸም ዝኽእል እተመልክት ኢያ” በለ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ሓንቲ ሊሳ a እትበሃል ሰበይቲ ኸም ኣብነት ንውሰዳ። ደይ መደይ ኢላ እኳ እንተ ዘይኰነት: ወትሩ ግን ናይ ቈጸራ ሰዓት ሓልያ ኣይትፈልጥን ኢያ። ናብ ኣገልግሎት ንኽትከይድ ኣብ እትገብሮ ቘጸራ: ፍርቂ ሰዓት ወይ ካብኡ ዝዛይድ ደንጒያ ምምጻእ ለሚዳቶ ኢያ። ሊሳ ንነፍሳ ኣይትርሕርሓላን ኢያ ዘላ። ካልኦት ሰባት ግዜኦም ስለ ዘጥፍኣትሎም ዓቕሊ እንተ ኣጽበቡን ምስኣ ቘጸራ ምግባር እንተ ኣበዩን ክትወቕሶም እኹል ምኽንያትዶ ኣለዋ፧

ፍጽምና ዝጽበ ወይ ዘይዓቕሙ ስርዓታት ዝሰርዕ ሰብ እውን ንርእሱ ይጭክነላ ኢዩ። ክበጽሖ ዘይክእል ሸቶ ንምብጻሕ ወትሩ ስለ ዝጽዕር: ገዛእ ርእሱ የድክምን ይሕለልን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ክንበጽሖ እንኽእል ሸቶ ምስ እነውጽእ ንርእስና ንርሕርሓላ። ምናልባት ሓደ ነገር ንምርድኡ: ካብ ካልኦት ንላዕሊ ግዜ ይወስደልና ይኸውን። ሕማም ወይ እርጋን እውን ይድርተና ይኸውን። መንፈሳዊ ዕቤትና ኸምቲ እንደልዮ ብዘይ​ምዃኑ ክንሓርቕ ኣይግብኣናን: የግዳስ ወትሩ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኣብ ግምት ነእቱ። ዓቕምና ኽንገብር እንተ ‘ጽዒርና’ ሓጐስ ክንረክብ ኢና።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:⁠15፣ ፊልጲ 4:⁠5 NW

እቲ ጥበበኛ ንጉስ: ጻድቕ ብኸመይ ርእሱ ኸም ዝጠቅምን ጨካን ብኸመይ ርእሱ ኸም ዝጐድእን ተወሳኺ መግለጺ ኽህብ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ረሲእ ዜታልሎ እቶት የእቱ: ጽድቂ ዚዘርእ ግና ኡነተኛ ውሬታ አለዎ። ጽድቂ ናብ ህይወት ይመርሕ: ንኽፉእ ዚስዕብ ግና ሞት የዳሉ። እቶም ጠዋይ ዝልቦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም: እቶም ብመገዶም ፍጹማት ግና የሐጕስዎ። ኢድ ንኢድ: እቲ ሕሱም ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን: ዘርኢ ጻድቃን ግና ኬምልጡ እዮም።”​—⁠ምሳሌ 11:18-21

እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነቲ ጽድቂ ዝራእ: ዓስቡ ድማ ዕጸድ ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ብእተፈላለየ ኵርናዓት ኢያ እተጕልሖ። ረሲእ ከይረሃጸ ገንዘብ ምእንቲ ኽረክብ የታልል ወይ ይጣላዕ ይኸውን። እዚ እቶት እዚ ናይ ሓሶት ስለ ዝዀነ: መወዳእታኡ ዘጕሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ብቕንዕና ዝሰርሕ ግን ኡነተኛ ውሬታ ስለ ዝረክብ ድሕንነት ይስምዖ። እቲ ኣበር ዘይብሉ ሰብ ሞገስ ኣምላኽ ስለ ዝረክብ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣለዎ። ሕሱም ሰብ ግን እንታይ ኢዩ ዘጋጥሞ፧ እኩይ ሰብ ውዲት ክኣልም ከሎ ምስ ካልኦት “ኢድ ንኢድ” ተተሓሒዙ ዝገብሮ እኳ እንተዀነ: ካብ መቕጻዕቲ ግን ኣየምልጥን ኢዩ። (ምሳሌ 2:⁠21, 22) ጽድቂ ንኽትዘርእ ዘተባብዕ ከመይ ዝበለ ሰናይ ምሕጽንታ ዀን ኢዩ!

ብሓቂ ምልኩዕ ንምዃን ኣእምሮኛ ኽትከውን የድሊ

ሰሎሞን ቀጺሉ “መልክዔኛ ሰበይቲ ብዘይኣእምሮስ: ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ እተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ” በለ። (ምሳሌ 11:22) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣፍንጫ እተሰቝረ ቐለቤት ልሙድ ስልማት ኢዩ ነይሩ። ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ኣፍንጫኣ ቐለቤት ምስ እትገብር እቲ ስልማት ብቐሊሉ ኢዩ ዝርአ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብሉጽ ስልማት ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ ኽግበር ግን ፈጺሙ ዘይከይድ ኢዩ። “ኣእምሮ” ዝጐድሎ መልክዐኛ ሰብ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ብዘየገድስ ኣየጸብቐሉን ወይ ኣየጸብቐላን ኢዩ። ምስቲ ሰብ ስለ ዘይከይድ ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይስሕብን ኢዩ።

ልክዕ ኢዩ: ብዛዕባ ትርኢትና ምሕሳብ ባህርያዊ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብመልክዕና ወይ ቅርጺ ኣካላትና ኻብ መጠን ንላዕሊ ኽንጭነቕ ወይ ክንጕሂ ግቡእ ድዩ፧ ዝበዝሕ ክፋል ትርኢትና ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና። ኣካላዊ ትርኢት ከኣ እቲ ቐንዲ ዘገድስ ጕዳይ ኣይኰነን። መብዛሕትኦም እንፈትዎም ወይ እነድንቖም ሰባት መልክዐኛታት ድዮም፧ ኣይፋልን። ኣካላዊ ውቃበ ሓጐስ ዘምጽእ ቀንዲ ረቛሒ ኣይኰነን። እቲ ኣገዳሲ ነገር ውሽጣዊ ጽባቐ ማለት ንኣምላኽ ባህ ዘብል ባህርያት ኢዩ። እምበኣር: ኣእምሮኛታት ንኹን: ነዚ ባህርያት እዚውን ነማዕብል።

“ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ”

ንጉስ ሰሎሞን ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ:- “ድልየት ጻድቃን ሰናይ ጥራይ እዩ: ትጽቢት ረሲኣን ግና መዓት እዩ። ገለ ይብትን እሞ ይውሰኸሉ። ገለ ኸኣ ብዘይ​ግባእ ይቝጥብ: ኣዝዩ ኸኣ ይነዲ።”​—⁠ምሳሌ 11:23, 24

ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ተጊህና ንኻልኦት ምስ እንብትን ወይ ምስ እነካፍል: “ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን” ብዝያዳ ኸም እነስተውዕሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ኤፌሶን 3:⁠18) እቲ ንፍልጠቱ ዘይጥቀመሉ ግን ነቲ ዘለዎ እኳ ኸጥፍኦ ይኽእል ኢዩ። እወ: “እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዐጽድ: እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዐጽድ።”​—⁠2 ቈረንቶስ 9:6

እቲ ንጉስ ቀጺሉ “ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ [ትብልጽግ ]: እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ” በለ። (ምሳሌ 11:25) ግዜናን ጥሪትናን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ብልግሲ ምስ እንጥቀመሉ: ንየሆዋ የሐጕሶ ኢዩ። (እብራውያን 13:⁠15, 16) ‘መሳዅቲ ሰማይ ክኸፍተልና: በረኸት ድማ ብዘይ​ ልክዕ ከፍስሰልና ኢዩ።’ (ሚልክያስ 3:⁠10) ኣገልገልቱ ረኺቦምዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ብልጽግና እሞ ረኣዮ!

ሰሎሞን ኣስዕብ ኣቢሉ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን ዘሎ በበይኑ ዓይነት ባህግታት ክገልጽ ከሎ “ነቲ እኽሉ ዚዐቍር ሰብ ህዝቢ ይረግሞ: በረኸት ግና ኣብ ርእሲ እቲ እኽሉ ዚሸይጥ ይዐስል” በለ። (ምሳሌ 11:26) ዋጋ ኽሓስር ከሎ ኣብዚሕካ ብምሽማት: እኽሊ ኣብ ዕዳጋ ክሳዕ ዝሰኣንን ዋግኡ ክሳዕ ዝኸብርን ምጽናሕ ብዙሕ መኽሰብ ክርከቦ ይከኣል ኢዩ። ብምቝጣብ ገለ ረብሓ ዝርከብ እኳ እንተዀነ: ምእንቲ ክኸስብ ኢሉ ብዙሕ ዝዓቍር ሰብ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ይጽላእ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: እቲ ኣብ ግዜ ሽግር ብዙሕ መኽሰብ ክረክብ ዘይጽዕር: ሰባት ይፈትዉዎ ኢዮም።

ቀጺሉ እቲ ንጉስ እስራኤል ሰናይ ወይ ጽድቂ ኽንብህግ ምእንቲ ከተባብዓና ከምዚ በለ:- “ሰናይ ዚደሊ ሞገስ ይደሊ: እከይ ዚደሊ ግና ኪመጾ እዩ። ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ: ጻድቃን ግና ከም ቈጽሊ ይልምልሙ።”​—⁠ምሳሌ 11:27, 28

ጻድቕ ንነፍሳት ይረብሕ

ሰሎሞን ዕሽነት ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኽገልጽ ከሎ “እቲ ንቤቱ ዚገላብጥሲ ንፋስ ይወርስ” በለ። (ምሳሌ 11:29ሀ) ኣካን ዝፈጸሞ ኣበሳ ገላቢጥዎ ወይ ‘ኣሸጊርዎ’ ኢዩ: ንሱን ኣባላት ስድራ​ቤቱን ከኣ ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ። (እያሱ ምዕራፍ 7) ሎሚውን ርእሲ ስድራ​ቤትን ካልኦት ኣባላት ስድራ​ቤትን ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸወግዶም ዝኽእል ኣበሳ ይፍጽሙ ይዀኑ። ሓደ ሰብኣይ ትእዛዛት ኣምላኽ ምስ ዝጥሕስ ወይ ከቢድ ኣበሳ ዕሽሽ ምስ ዝብል ንቤቱ ኽገላብጣ ወይ ሽግር ከምጽኣላ ይኽእል ኢዩ። እቲ ሰብኣይ ምናልባት እውን ካልኦት ኣባላት ስድራ​ቤቱ ሓጢኣቶም ምንሳሕ ምስ ዝኣብዩ ካብ ክርስትያናዊት ማሕበር ይውገዱ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 5:⁠11-13) ንምዃኑ እቲ ሰብኣይ ካብዚ ዅሉ እንታይ ኢዩ ኽረክብ፧ ንፋስ ማለት ዘይጭበጥ ወይ ዋጋ ዘይብሉ ነገር ኢዩ ዝረክብ።

እታ ጥቕሲ ቐጺላ “ዓሻ ኸኣ ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ባርያኡ ይኸውን” ትብል። (ምሳሌ 11:29ለ) ዓሻ ሰብ ጥበብ ስለ ዝጐድሎ: ብዙሕ ሓላፍነት ኣይወሃቦን ኢዩ። ብተወሳኺውን ብሕታዊ ጕዳያቱ ብግቡእ ስለ ዘየመሓድር ብገለ መገዲ ኣብ ትሕቲ ዕዳ ኽኣቱ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ዝጐድሎ ሰብ “ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ባርያኡ” ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እምበኣር ኣብ ኵሉ ተግባራትና ብምምዝዛንን ብጥበብን ክንማላለስ ኣሎና።

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ኣስዕብ ኣቢሉ “ፍረ ጻድቕ ኦም ህይወት እዩ። ጥበበኛ ኸኣ ነፍሳት ይረብሕ” ብምባል የረጋግጸልና። (ምሳሌ 11:30) እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝኸውን፧ ጻድቕ ሰብ ብዘረባኡን ጠባዩን ንኻልኦት ሰባት ብመንፈስ ይዕንግሎም ኢዩ። ንየሆዋ ንኸገልግሉ ስለ ዝተባብዑ ኸኣ ኣብ መወዳእታኡ ህይወት ክረኽቡ ይኽእሉ።

‘ሓጥእ ዝገደደ ይፍደ’

እዚ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ምሳሌታት ጽድቂ ንኽንዘርእ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝምሕጸነና! ሰሎሞን “እንሆ: እቲ ጻድቕሲ ኢዱ ኣብ ምድሪ ይፍደ: እቲ ረሲእን ሓጥእን ደኣ ኽንደይ ዝገደደ” ብምባል “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ” ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ዘንጸባርቕ ካልእ ምሳሌውን ተዛሪቡ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 11:31

ጻድቕ ቅኑዕ ዘበለ ንኽገብር ዝጽዕር እኳ እንተዀነ: ሓድሓደ ግዜ ግን ይጋገ ኢዩ። (መክብብ 7:⁠20) ነቲ ዝፈጸሞ ጌጋ ኸኣ ብመቕጻዕቲ ‘ይፍደ።’ እቲ ደይ መደይ ኢሉ ሕማቕ መገዲ ዝመርጽን ናብ መገዲ ጽድቂ ኽምለስ ጻዕሪ ዘይገብርን ረሲእ ደኣኸ እንታይ ከጋጥሞ ኢዩ፧ ብዝያዳ ‘ኽፍደ’ ማለት ዝኸበደ መቕጻዕቲ ኽወርዶዶ ኣይግባእን፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ “እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዚድሕን ካብ ዚኸውን: እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ኪርኤ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። (1 ጴጥሮስ 4:18) እምበኣር ወትሩ ብጽድቂ ብምዝራእ ርእስና ንኽንረብሕ ቈራጽነት ንግበር።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ ሓቂ ስማ ኣይኰነን።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ባህ ዘብል ባህርያት ንኣቢጋይል ‘ክብረት’ ኣምጽኣላ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

‘ረሲእ ዘታልሎ እቶት የእቱ: ጻድቕ ግና ኡነተኛ ውሬታ ኣለዎ’

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

‘ብበረኸት ዝራእ: ብበረኸት ድማ ኽትዓጽድ ኢኻ’