ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ኣቤል ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ናይ እንስሳ መስዋእቲ ምቕራብ ከም ዘድሊ ይፈልጥዶ ነይሩ ኢዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ቃየልን ኣቤልን መስዋእቲ ከም ዘቕረቡ ዝገልጽ እኳ እንተዀነ ኣሕጽር ኣቢሉ ኢዩ ዝገልጾ። ኣብ ዘፍጥረት 4:⁠3-5 ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ: ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ። ኣቤል ከኣ ካብ በዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጽኤ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረአየ። ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረአየን።”

ቅድሚ እዚ ፍጻመ እዚ የሆዋ ብዛዕባ መስዋእቲ ወይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ዘለዎ ዓይነት መስዋእቲ እንታይ ምዃኑ ዝገልጽ ንጹር ሓበሬታ ከም ዝሃበ ዝገልጽ ሓሳባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንረክብን ኢና። ስለዚ: ቃየልን ኣቤልን መስዋእቲ ዘቕረቡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶን ብምርጫኦምን ኢዩ። ኣብታ ወለዶም ዝነበርዋ ናይ መጀመርታ ገነት ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ነይሮም፣ በቲ ብሰንኪ ሓጢኣት ዝመጸ ሳዕቤን ክትንከፉ ጀሚሮም ኢዮም፣ ካብ ኣምላኽ ከኣ ርሒቖም ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ብምንባሮም: ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ክቐርቡ ብርቱዕ ስምዒት ሓዲርዎም ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ እቲ ዘቕረብዎ መስዋእቲ: ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ኢሎም ኢዮም ኣቕሪቦምዎ ክዀኑ ዘለዎም።

ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንመስዋእቲ ኣቤል ክቕበሎ ኸሎ ንመስዋእቲ ቃየል ግን ኣይተቐበሎን። ስለምንታይ፧ እቲ ኣቤል ንመስዋእቲ እተጠቕመሉ ነገራት ቅቡል: እቲ ናይ ቃየል ግን ዘይቅቡል ስለ ዝነበረ ድዩ፧ ክልቲኦም ቅቡልን ዘይቅቡልን መስዋእቲ እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይተነግሩ: እቲ ዘቕረብዎ ዓይነት መስዋእቲ ኣገዳስነት ነይርዎ ወይ ኣይነበሮን ኢልና ርግጸኛታት ኴንና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር: ክልቲኡ ዓይነት መስዋእቲ ተቐባልነት ከም ዝነበሮ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብቲ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ ኽንርእዮ ከም እንኽእል: ተቐባልነት ዘለዎ መስዋእቲ እንስሳታት ወይ ኣካላት እንስሳታት ጥራይ ዘይኰነስ ጥቡስ ሰዊት: እንዳእቲ ስገም: ድኹም ሓርጭ: እተሰንከተ ቕጫን ወይንን ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 6:⁠19-23፣ 7:⁠11-13፣ 23:⁠10-13) ስለዚ እምበኣር: ኣምላኽ ነቲ ናይ ኣቤል መስዋእቲ ተቐቢሉ ነቲ ናይ ቃየል ዝነጸጎ ኣብቲ ዘቕረብዎ ዓይነት መስዋእቲ ተመርኲሱ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠ምስ ኢሳይያስ 1:⁠11፣ ኣሞጽ 5:⁠22 ኣረኣእዮ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ዘመናት ጸኒሑ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ: ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉ።” (እብራውያን 11:4) ስለዚ ኣምላኽ ንኣቤል ጻድቕ ምዃኑ ዝመስከረሉ በቲ ዘርኣዮ እምነት ኢዩ። ኣብ ምንታይ ኢዩ ግን እምነት ኣርእዩ፧ ኣብቲ የሆዋ ‘ንርእሲ እቲ ተመን ጨፍሊቑ’ ነቲ ኣብ መጀመርታ ንወድሰብ ተዋሂብዎ ዝነበረ ሰላምን ፍጽምናን ዝመልስ ዘርኢ ከምጽእ ምዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓ ኢዩ እምነት ኣርእዩ። ኣቤል ነቲ እቲ ዘርኢ ‘ሸዀንኡ ኽንከስ’ ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳባት ኣብ ግምት ብምእታው: ደም ዝፈሰሉ መስዋእቲ ከም ዘድሊ ተረዲኡ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:⁠15) ይኹን እምበር: መስዋእቲ ኣቤል ‘ካብ መስዋእቲ ቃየል ከም ዝበልጽ’ ዝገበሮ እቲ እምነቱ ዝገለጸሉ መገዲ ኢዩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ ቃየል እተነጽገ ግጉይ መስዋእቲ ስለ ዘቕረበ ዘይኰነስ ከምቲ ዳሕራይ ብተግባራቱ እተገልጸ እምነት ስለ ዘጕደለ ኢዩ። የሆዋ ንቃየል ኣነጺሩ “ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ: ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፧” በሎ። (ዘፍጥረት 4:7) እወ: ኣምላኽ ንቃየል ዝነጸጎ መስዋእቱ ባህ ስለ ዘይበሎ ዘይኰነስ “ግብሩ እከይ” ስለ ዝነበረ ኢዩ። እቲ ግብሪ እቲ ኸኣ ብቕንእን ጽልእን መወዳእታኡ ኸኣ ብቕትለት ተገልጸ።​—⁠1 ዮሃንስ 3:⁠12