ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማሪትንህይወት ሰባት ብኸመይ ይጸልዎ፧

ማሪትንህይወት ሰባት ብኸመይ ይጸልዎ፧

ማሪትንህይወት ሰባት ብኸመይ ይጸልዎ፧

 ብዙሓት ሰባት ካብ ቤቶም ኽወጹ ኸለዉ ምስ ካልእ ሰብ ጐፍ ንጐፍ ምስ ዝራኸቡ: ደንጐላ ምስ ዝዕንቅፎም: ሓንቲ ዓይነት ዑፍ ለይቲ ጩቝጩቕ ክትብል ምስ ዝሰምዕዋ: ወይ ብተደጋጋሚ ሓደ ዓይነት ሕልሚ ምስ ዝሓልሙ ምንም ጕድኣት ከም ዘየምጽእ ተራ ነገር ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ገሊኣቶም ሰባት ግን እዚ ነገራት ካብ ናይ መናፍስቲ ዓለም ዝመጸ ምልክት: ፋል: ወይ መልእኽቲ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። ከከም እቲ ምልክትን ኣተራጕማኡን ከኣ ወይ ጽቡቕ ዕድል ወይ ሕማቕ ነገር ከጋጥሞም ይጽበዩ።

ልክዕ ኢዩ: ማሪት ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ሃገራት እውን ይእመነሉ ኢዩ። ኣብ ቻይና ከምኡውን ኣብ ሪፓብሊካት ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት ንሓያሎ ዓመታት ኢዘሀርነት ብዕሊ ይኣምና ኣብ ዝነበራ ሃገራት ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ: ክሳዕ ሕጂ ግን ኣብ ማሪት ይኣምኑ ኢዮም። ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ብዙሓት ሰባት ሆሮስኮፕ ማለት ቈጸራ ኸዋኽብቲ ይውከሱ: ዕለት 13 ዓርቢ እንተ ውዒላ ይፈርሁ: ከምኡውን ጸላም ድሙ ክርእዩ ኣይደልዩን ኢዮም። ገሊኣቶም ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ⁠-​ኽቢ ዝርከቡ ሰባት እውን ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኽፍሊ ዝኽሰት ሕብራዊ ባና ወይ ኣውሮራ: ፋል ናይ ውግእ ወይ ተላጋቢ ሕማም ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ኣብ ህንዲ ዝነብሩ መራሕቲ ዓበይቲ ማካይን ሃሩር ኣብ ዝዀነሉ እዋን ሰብነቶም ምእንቲ ኽዝሕል ጾታዊ ርክብ ክገብሩ ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ስለ ዝኣምኑሉ ሕማም አይድስ የላብዑ ኣለዉ። ኣብ ጃፓን ገለርያ ዝዅዕቱ ሰራሕተኛታት: ነቲ ስራሕ ቕድሚ ምውድኦም ሰበይቲ ናብቲ ገለርያ እንተ ኣትያ ሕማቕ ፋል ተምጽእ ኢያ ኢሎም ይኣምኑ። ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት እውን ማሪት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ንኣብነት: ሓደ ተጻዋቲ ኵዕሶ መርበብ: ኣብ ክንዲ ጻዕዳ ኻልሲ: ጸሊም ካልሲ እንተ ገይሩ ኸም ዝዕወት ገሊጹ ኣሎ። እወ: ማሪታዊ እምነት ዘርዚርካ ኣይውዳእን ኢዩ።

ንስኻኸ ምናልባት ኣብ ውሽጥኻ ክትገልጾ ዘይትኽእል ፍርሂ ኣሎካዶ፧ በቲ “ኣብ ጥንቍልና ወይ ኣጓጕል እምነት እተመስረተ ኣተሓሳስባ ወይ ባህሊ” ትጽሎዶ ኢኻ፧ ኣብ ሓደ መዝገበ⁠-​ቓላት እታ “ማሪት” እትብል ቃል ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስለ እትትርጐም: ነዛ ሕቶ እዚኣ እትህቦ መልሲ ህይወትካ ብማሪት ተጸልዩ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ይሕብር ኢዩ።

ማሪት ንውሳነታቱን መዓልታዊ ተግባራቱን ዝጸልዎ ሰብ: ሓደ ዘይርድኦ ነገር ንኽቈጻጸሮ ኢዩ ዘፍቅድ ዘሎ። እዚ ጥበባዊ ድዩ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይንጹርን ሕማቕ ጽልዋ ኽህልዎ ዝኽእልን ነገር ክንኣምን ግቡእ ድዩ፧ ማሪት ዘይጓዳእ ኣጕል እምነት ጥራይ ድዩ ወይስ ሓደገኛ እምነት፧