ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማሪት ንህይወትካ ይጸልዎ ድዩ፧

ማሪት ንህይወትካ ይጸልዎ ድዩ፧

ማሪት ንህይወትካ ይጸልዎ ድዩ፧

 ማሪታዊ እምነት ኣብ መላእ ዓለም ኢዩ ዝርከብ። ሓድሓደ ግዜ ከም ባህላዊ ውርሻ ኣኽቢርካ ይውሰድ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ንህይወት መቐረት ዝውስኽ ጢጥ ቅሚጥ ጥራይ ከም ዝዀነ ጌርካ ይርአ። ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ማሪት ኣርዚንካ ኣይርአን ኢዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት: ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ ግን ንህይወት ደቅሰብ ኣጸቢቑ ኽጸሉ ይኽእል ኢዩ።

መብዛሕትኡ ባህሊ ኣፍሪቃ ኣብ ማሪት እተመስረተ ኢዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ዝዳሎ ፊልምታትን መደባት ረድዮን ጽሑፋትን ከም ሽሕር: ኣምልኾ ኣባሓጎታት: ከምኡውን ክታብ ምእሳር ዝኣመሰለ ማሪትን ክርድኣካ ዘይክእል ነገራትን የጕልሕ ኢዩ። ሰባት ብማሪት ክሳዕ ክንድዚ እተጸልዉ ግን ስለምንታይ ኢዮም: እዚኸ ኻበይ ኢዩ ጀሚሩ፧

መበቈል ማሪት፧

መብዛሕትኡ ማሪት ካብ ፍርሂ መናፍስቲ ምዉታት ወይ ካብ ፍርሂ ናይ ካልእ ዓይነት መናፍስቲ ዝመጸ ኢዩ። ገለ ፍጻመ ኸጋጥም ከሎ: እዞም መናፍስቲ ነቶም ህያዋን ከፈራርህዎም: ከጠንቅቕዎም: ወይ ክባርኽዎም ከም ዝደለዩ ጌርካ ይትርጐም።

ማሪት ምስ ምፍዋስን ምስ መድሃኒታትን እውን ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር ኢዩ። ነቶም ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝነብሩ ዝበዝሑ ሰባት: ዘመናዊ መድሃኒት ኣዝዩ ይኸብሮም: ብቐሊሉውን ክረኽብዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለዚ: ዝጸንሐ ልምድታት ብምስዓብ: ንመናፍስቲ ብምሕታት: ከምኡውን ማሪታዊ እምነት ብምስዓብ ክፍወሱ ወይ ንኸይሓሙ ኽከላኸሉ ይፍትኑ። ናብ ሓኪም ካብ ምኻድ እውን ናብቲ ልምድታቶምን ቋንቋኦምን ዝፈልጥ ደብተራ ምኻድ ይመርጹ። በዚ ኸምዚ ማሪታዊ እምነት እናስፋሕፍሐ ይኸይድ።

ብዓይኒ ማሪታዊ እምነት ሕማም ኰነ ሓደጋታት ብኣጋጣሚ ዝመጸ ነገር ዘይኰነስ: መናፍስቲ ዘምጽእዎ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኢዩ ዝርአ። ሓደ ደብተራ: ዝሞተ ኣባሓጎ ብገለ ነገር ተቐዪሙ ኸም ዘሎ ይዛረብ ይኸውን። ወይ ከኣ እቲ ግዳይ ካልእ ደብተራ ስራይ ኸም ዝገበረሉ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ከም ዝሓመመ ወይ ሓደጋ ኸም ዝበጽሖ ኽገልጽ ይኽእል ኢዩ።

ማሪታዊ እምነታት ኣብ መላእ ዓለም እተፈላለየ መልክዕ ኢዩ ዝሕዝ። ከከም ናይቲ ኸባቢ ያታን ኣፈ⁠-​ታሪኽን ኵነታትን ከኣ እናኣስፋሕፍሐ ይኸይድ። ኣብ ኵሉ እዚ እምነታት እዚ ግን ሓደ ናይ ሓባር ረቛሒ ኣሎ: እዚ ኸኣ ንሓደ መንፈሳዊ ኣካል ወይ ነገር ንኸተሐጕስ ስጕምቲ ኽትወስድ ኣሎካ ዝብል ኢዩ።

ዘይጐድእ ድዩ ወይስ ሓደገኛ፧

ኣብ ብዙሓት ስድራ​ቤታት ማናቱ ኽውለዱ ኸለዉ ፍልይ ዝበለ ነገር ስለ ዝዀነ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽእ። ኣብ ማሪት ንዝኣምኑ ግን ከም ሓደ ምልክት ገይሮም ክትርጕምዎ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ገሊኡ ቦታታት ኣማልኽቲ ኸም እተወልዱ ጌርካ ስለ ዝርኣዩ እቶም ማናቱ ይምለኹ። ሓዲኦም ወይ ክልቲኦም እንተ ሞይቶም: ናይቶም ማናቱ ምስልታት ይስራሕ እሞ እታ ስድራ​ቤት ነዚ ጣኦታት እዚ ናይ መግቢ መስዋእቲ ተቕርበሉ። ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ማናቱ እንተ ተወሊዶም ከም መርገም ጌርካ ኢዩ ዝርአ: አረ ገሊኣቶም ወለድስ እንተ ወሓደ ንሓዲኦም ይቐትልዎ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ክልቲኦም ማናቱ ብህይወት እንተ ጸኒሖም: ሓደ መዓልቲ ንወለዶም ክቐትሉ ኢዮም ዝብል እምነት ስለ ዘሎ ኢዩ።

ካብዚ ኣብነታት እዚ ኸም ዝረኣናዮ ገሊኡ ማሪት ዝስሕብን ዘይጐድእን እኳ እንተ መሰለ: ገሊኡ ግን ሓደገኛ: አረ ሞት እውን ከስዕብ ዝኽእል ኢዩ። ምንም ጕድኣት ዘየምጽእ ነገር: ግጉይ ትርጕም እንተ ተዋሂብዎ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

እወ: ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ ማሪት ሓደ ዓይነት እምነት ወይ ሃይማኖት ኢዩ። ነዚ ሓደገኛ ጐድንታቱ ኣብ ግምት ብምእታው ‘ካብ ማሪታዊ እምነታትን ልምድታትን ጥቕሚ ዝረክብ መን ኢዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ግቡእ ኢዩ።

ምንጪ ማሪት

ሰይጣን ወይ እኩያት መናፍስቲ ኸም ዘለዉ መርትዖ እኳ እንተሎ: ሎሚ ግን ብዙሓት ሰባት ኣይኣምንሉን ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ግዜ ውግእ ሓደገኛ ጸላኢ ኸም ዘሎካ ኣፍልጦ ዘይምሃብ ናብ ጥፍኣት ጥራይ ኢዩ ኽመርሓካ ዝኽእል። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ቕልስና ምስ መናፍስቲ እከይ ኢዩ’ ኢሉ ስለ ዝጸሓፈ: ምስ ልዕለ⁠-​ሰብኣዊ ሓይሊ ዘለዎም መንፈሳውያን ፍጥረታት እንገብሮ ውግእ ኣፍልጦ ዘይምሃብ እውን ክጐድኣና ይኽእል ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠12

እኩያት መናፍስቲ ዘይንርእዮም እኳ እንተዀንና: ብርግጽ ግን ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ብዓይኒ ዘይርአ መንፈሳዊ ኣካል ብተመን ገይሩ ምስታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ማለት ሄዋን ከም እተዘራረበ እሞ ካብ ኣምላኽ ከም እትዓሉ ከም ዝገበራ ይገልጸልና። (ዘፍጥረት 3:⁠1-5) ነዚ መንፈሳዊ ኣካል እዚ ኸኣ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል . . . ናይ ጥንቲ ተመን” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ራእይ 12:9) እዚ ሰይጣን ዝበሃል መንፈሳዊ ፍጥረት እዚ: ካልኦት መላእኽቲ እውን ኣብቲ ዕልወት ንኽጽንበርዎ ሓበሎም። (ይሁዳ 6) እዞም እኩያት መላእኽቲ ኸኣ ኣጋንንቲ ወይ ጸላእቲ ኣምላኽ ኰኑ።

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ ሰባት ኣጋንንቲ ኣውጺኦም ኢዮም። (ማርቆስ 1:⁠34፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠18) እዞም መናፍስቲ እዚኣቶም ዝሞቱ ኣባሓጎታት ኣይኰኑን: ከመይሲ ምዉታት “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኢዮም። (መክብብ 9:⁠5) ኣብ ክንድኡስ እቶም ብሰይጣን ዝሰድዑ ዓለወኛታት መላእኽቲ ኢዮም። ልክዕ ከምቲ መራሒኦም ሰይጣን ድያብሎስ ክውሕጡና ስለ ዝደልዩ: ምሳታቶም ርክብ ምግባር ወይ ንኽጸልዉና ምፍቃድ ኣቕሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእን። (1 ጴጥሮስ 5:⁠8) ካብታ እንኮ ተስፋ ደቅሰብ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ከርሕቑና ኢዮም ዝደልዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ” ብምባል ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዝጥቀሙሉ ሓደ ሜላ ሓቢሩ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠14) ሰይጣን ዝሓሸ ህይወት ክህበና ኸም ዝኽእል ኣእሚኑ ከስሕተና ኢዩ ዝጽዕር። ስለዚ: እኩያት መናፍስቲ እተወሰነ ግዝያዊ ጥቕሚ ዘምጽኡ ይመስሉ ኢዮም። ነባሪ ፍታሕ ግን ከምጽኡ ኣይክእሉን ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 2:⁠4) ንዋላ ሓደ ሰብ እኳ ዘለኣለማዊ ህይወት ክህቡ ኣይክእሉን ኢዮም፣ ድሕሪ ሓጺር ግዜውን ክጠፍኡ ኢዮም። (ሮሜ 16:⁠20) ዘለኣለማዊ ህይወትን ናይ ሓቂ ሓጐስን ከምጽእ: ካብቲ እኩያት መናፍስቲ ዝፍንዉዎ መጥቃዕቲ ድማ ዕቝባ ክኸውን ዝኽእል ፈጣሪና ጥራይ ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 4:⁠7

ኣምላኽ ንመናፍስቲ ብምሕታት ሓገዝ ክትረክብ ምጽዓር ይዅንኖ ኢዩ። (ዘዳግም 18:⁠10-12፣ 2 ነገስት 21:⁠6) እዚ ምስ ጸላኢ ማለት ምስቶም ንኣምላኽ ዝኸድዑ ምሕባር ማለት ኢዩ! ሆሮስኮፕ ምስ እተንብብ: ናብ ደብተራ ምስ እትኸይድ: ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ምስ ሓተታ መናፍስቲ እተተሓሓዘ ተግባራት ኢድካ ምስ እተእቱ: እቶም እኩያት መናፍስቲ ነቲ እትገብሮ ውሳነታት ንኽቈጻጸሩ ትፈቕደሎም ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ምስቲ ኻብ ኣምላኽ ብምዕላው ዝፈጸምዎ ተግባር ድማ ካብ ምሕባር ፈሊኻ ኣይርአን ኢዩ።

እኩያት መናፍስቲ ንኸየጥቅዑኻ ዕቝባ ኽርከብ ይከኣልዶ፧

ኣብ ኒጀር ዝነብር ኣዴ a ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ። ኣዴ ኣብ ድኳኑ ንምንታይ ክታብ ከም ዘንጠልጥል ክገልጽ ከሎ “ብዙሓት ጸላእቲ ኣለዉኒ” በለ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ዝነበረ ኸኣ ናይ ሓቂ ዕቝባ ኻብ የሆዋ ጥራይ ክረክብ ከም ዝኽእል ኣርኣዮ። ነታ “መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ” እትብል መዝሙር 34:⁠7 ድማ ኣንበበሉ። ኣዴ “የሆዋ ብሓቂ ኸዕቍበኒ ዝኽእል እንተ ዀይኑ: ነዚ ኽታብ ከልግሶ ኢየ” ኢሉ ወሰነ። ሕጂ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ሽማግለን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋልን ኰይኑ ይዓዪ ኣሎ። ዋላ ሓደ ኻብ ጸላእቱ እውን ኣይጐድእዎን።

ኣብ ማሪት ንእመን ኣይንእመን ብዘየገድስ ንዅላትና ግዜን ኣጋጣምን ከም ዝመጸና መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። (መክብብ 9:⁠11) የሆዋ ግን ብኽፉእ ነገራት ኣይፍትነናን ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠13) ሞትን ዘይፍጽምናን ብሰንኪ እቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኢዩ መጺኡ። (ሮሜ 5:⁠12) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኵሉ ሰብ ይሓምም: ጕድኣት ከምጽእ ዝኽእል ጌጋ ድማ ይፍጽም። ስለዚ ዅሉ ሕማማት ወይ ጸገማት ምስ እኩያት መናፍስቲ ምትሕሓዝ ቅኑዕ ኣይኰነን። ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ነቶም መናፍስቲ ብገለ መገዲ ንኸነሐጕሶም ድንዕ ንምባል ፈተና ኻብ ምዃን ሓሊፉ ዘምጽኦ ጥቕሚ የለን። b ክንሓምም ከሎና ሕክምና ኽንገብር ደኣ እምበር ካብቲ ‘ሓሳውን ኣቦ ሓሶትን’ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ምኽሪ ኽንሓትት ኣይግባእን። (ዮሃንስ 8:⁠44) ኣሃዛዊ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ እቶም ኣብ ናይ ኣባሓጎታት ኣምልኾ ዝካየደለን ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ካብቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ዝነውሐ ዕምሪ ዀነ ዝሓሸ ናብራ የብሎምን። ብርግጽ እምበኣር ማሪት ጥዕና ኣየምጽእን ኢዩ።

ኣምላኽ ካብ ኵሎም እኩያት መናፍስቲ ዝሓየለ ኢዩ። ኣብቲ ምስኦም እንገብሮ ቕልስ እውን ክድግፈና ይደሊ ኢዩ። “ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ: ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን።” (1 ጴጥሮስ 3:12) ዕቝባ ንኽትረክብን ጥበብ ንኽህበካን ናብኡ ጸልይ። (ምሳሌ 15:⁠29፣ 18:⁠10) ነቲ ቕዱስ ቃሉ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርድኦ ጻዕሪ ግበር። ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምጥራይ ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ዝበልጽ ዕቝባ ኢዩ። ሕማቕ ነገራት ንምንታይ ከም ዘጋጥመናን ሞገስ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ብኸመይ ከም እንረክብን ንኽንፈልጥ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

ፍልጠት ኣምላኽ ብምጥራይ ዝርከብ ረብሓታት

ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ርጡብ ፍልጠት ምጥራይ: ኣንጻር ድንቍርናን ማሪትን ስለ ዝዀነ ናይ ሓቂ ዕቝባ ንኽትረክብ ዘኽእለካ ቀንዲ ረቛሒ ኢዩ። ኣብ በኒን ዝነብር ዢን ከምዚ ኢዩ ኣጋጢምዎ። ማሪታዊ እምነት ኣብ ስድራ​ቤቱ ሱር ሰዲዱ ነበረ። ብመሰረት ባህሎም ወዲ ዝወለደት ሰበይቲ ብፍሉይ መገዲ ኣብ እተሰርሐ ኣጕዶ ትሽዓተ መዓልቲ ትጸንሕ: ጓል እንተ ወሊዳ ኸኣ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብታ ኣጕዶ ትዕጾ ነበረት።

ብ1975 ሰበይቲ ዢን ሓደ ምጩው ቈልዓ ወለደት: ማርክ ኢሎም ከኣ ሰመይዎ። ዢንን በዓልቲ ቤቱን ብመሰረት እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብዎ ፍልጠት ምስ እኩያት መናፍስቲ ዝተሓሓዝ ዋላ ሓንቲ ነገር ክገብሩ ኣይደልዩን ኢዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ብፍርሂ ወይ በቲ ዝወርዶም ጸቕጥታት ተዳሂሎም ነቲ ማሪታዊ እምነት ብምስዓብ ነታ ኣደ ኻብቲ ኣጕዶ ኸም ዘይትወጽእ ገይሮምዋ ድዮም፧ ኣይፋሎምን። ነቲ ኣብ ቀቢላኦም ዝእመነሉ ማሪት ነጸግዎ።​—⁠ሮሜ 6:⁠16፣ 2 ቈረንቶስ 6:⁠14, 15

በዚ ምኽንያት እዚ ንስድራ​ቤት ዢን ገለ ጕድኣትዶ ኣጋጢምዋ ኢዩ፧ ሕጂ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ማርክ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ጉባኤ ኣገልጋሊ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ​ቤት ማሪት ንህይወቶም ክጸልዎን ንመንፈሳዊ ቓልሶም ኣብ ሓደጋ ኸእትዎን ብዘይ​ምፍቃዶም ሕጉሳት ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠21, 22

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብቲ እኩይ ማሪታዊ ተግባራት ክርሕቑን: ነቲ ፈጣሪኦም የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዝህብዎ ብርሃን ክቕበሉን ኣለዎም። በዚ ኸምዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ብምፍላጦም ናይ ኣእምሮ ሰላም ይረኽቡ።​—⁠ዮሃንስ 8:⁠32

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐዪሩ ኢዩ።

b ኣብ ናይ 1 መስከረም 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕማም ዘውርደልና ድያብሎስ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝርከብ ማሪታዊ እምነታት

•ቻይናውያን ከም ማንካ ዝጥቀሙሉ ጽምዲ ዕንጸይቲ ኣብ ሒላብ ሩዝ ተኺልካ ምግዳፍ ናይ ሞት ፋል ኢዩ

•ቀትሪ ምድሪ ጕንጓ ምርኣይ ሕማቕ ዕድል የምጽእ

•ኣብ እዋን ጽምብል ሽምዓ ምስ እትጠፍእ እኩያት መናፍስቲ ኣብቲ ኸባቢ ኣለዉ ማለት ኢዩ

•ጽላል ኣብ ምድሪ⁠-​ቤት ምስ ዝወድቀካ: ኣብታ ገዛ ሰብ ክቕተል ምዃኑ የመልክት

•ባርኔጣ ኣብ ዓራት ምግባር ሕማቕ ዕድል የምጽእ

•ደወል ምስ ዝድወል ነጋንንቲ የባርሮም

•ኣብ መዓልቲ ልደት ነቲ ኣብ ምቁር ሕብስቲ ዝትከል ሽምዓታት ብሓንሳብ ኡፍ ኢልካ ምስ እተጥፍኦ ነቲ እትምነዮ ነገር የምጽኣልካ

•መዀስተር ኣብ ዓራት ኣጸጊዕካ ደው ምስ እተብሎ: ኣብቲ መዀስተር ዘለዉ እኩያት መናፍስቲ ነቲ ዓራት ይስርይዎ

•ጸላም ድሙ ቕድሜኻ ነቲ መገዲ ምስ እተቋርጾ ሕማቕ ዕድል የምጽእ

•ፋርኬታ ምስ እተውድቕ ሓደ ሰብኣይ ክበጽሓካ ከም ዝመጽእ የመልክት

•ስእሊ ሓራምዝ ናብ ማዕጾ ገጹ እንተ ተሰቒሉ ጽቡቕ ዕድል የምጽእ

•ናይ ፈረስ ታኮ ኣብ ላዕላይ ልዳት ምግባር ጽቡቕ ዕድል የምጽእ

•ኣብ መንደቕ ገዛኻ ሓረግ ምዕባይ ካብ እኩይ መንፈስ ይከላኸለልካ

•ብትሕቲ መሳልል ምሕላፍ ሕማቕ ዕድል የምጽእ

•መስትያት ምስባር ንሸውዓተ ዓመት ሕማቕ ዕድል የምጽእ

•በርበረ እንተ ተኻዕዩካ ምስ ናይ ማሕርሮ ዓርክኻ ኽትበኣስ ኢኻ

•ጨው ምስ ዝከዓወካ እሞ ጨው በጻብዕካ ሒዝካ ብልዕሊ ጸጋማይ መንኵብካ እንተ ዘይበቲንካ ሕማቕ ዕድል የምጽኣልካ

•ነነው ነነው ዝብል ሰድያ እናተናቓነቐ ገዲፍካዮ ምስ እትትስእ ኣጋንንቲ ኾፍ ንኽብልዎ ይዕድሞም

•ሳእንኻ ገልቢጥካዮ ምኻድ ሕማቕ ዕድል የምጽእ

•ሓደ ሰብ ምስ ዝመውት: ነፍሱ ምእንቲ ኽትወጽእ መሳዅቲ ክኽፈት ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ካብ መቝሕ ማሪት ሓራ ምዃን

ሓደ እዋን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሰብኩ ኸለዉ: ኣብ ሓንቲ ቤት ምስ ኳሕኵሑ: ናይ ሳንጎማ (ጠንቋሊት) ኣከዳድና እተኸድነት ሰበይቲ ኸፈተቶም። ብኡንብኡ ኽምለሱ ደለዩ: እታ ሰበይቲ ግን እንታይ መልእኽቲ ሒዞም ከም ዘለዉ ሓተተቶም። ሓደ ኻብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳግም 18:⁠10-12 ብምጥቃስ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ እንታይ ከም ዝብል ኣርኣያ። እታ ጠንቋሊት ነቲ መልእኽቲ ፍቓደኛ ዀይና ሰምዐት: መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትማሃር ዝቐረበላ ዕድመ ኸኣ ተቐበለቶ። ሳንጎማ ምፍጻም ምስ ፍቓድ የሆዋ ዝጻረር ምዃኑ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣሚናትሉ: ከም እተቋርጾ ገለጸትሎም።

ምዕራፍ 10 ናይታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ዘርእስታ መጽሓፍ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣረኣኣየት ምስ ኣጽንዐት: ንዅሉ እቲ ምስ ጥንቈላኣ ዝተሓሓዝ ሓንጀመንጂ ኣንደደቶ እሞ ኣብ ኣኼባታት ክትካፈል ጀመረት። ኣብ ርእሲ እዚውን ምስ ሰብኣያ ን17 ዓመታት ተፈላልያ እኳ እንተ ነበረት: ንሓዳራ ሕጋዊ ገበረቶ። ሕጂ ክልቲኦም እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ሓንቲ “ሳንጎማ” ብጥንቈላ ገይራ ነቲ ሕሙም ዘሕመሞ ነገር ንምፍላጥ ኣዕጽምቲ ሻሕ ከተብል ከላ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ናይ ሓቂ ዕቝባን ሓጐስን የምጽእ