ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘በቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ’ እተለዓዓሉ

‘በቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ’ እተለዓዓሉ

‘በቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ’ እተለዓዓሉ

“ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም አሎና።”—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:11

1, 2. ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም እንታይ ዘገርም ነገር ኢዩ እተፈጸመ፧

 እዋኑ ኣብ መወዳእታ ጽድያ ዀይኑ ንግሆ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ናይ ብሕቲ ቤት ተኣኪቦም ንዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ዘገርም ነገር ኣጋጠሞም። “ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ: ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም: . . . ኵሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም: . . . ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:2-4, 15

2 ብዙሓት ሰብ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ተኣከቡ። ኣብ ማእከሎም ከኣ በዓል ጴንጠቆስጠ ኸብዕሉ ዝመጹ: ኣብ ወጻኢ ሃገራት እተወልዱ “ሕያዎት” ኣይሁድ ነበሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም: እቶም ደቀ መዛሙርቲ በብቛንቋኦም “ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ክዛረቡ ምስ ሰምዕዎም ተገረሙ። እቶም ዝዛረቡ ዝነበሩ ዅሎም ገሊላውያን ክነሶም ከመይ ኢሎም ኢዮም ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ዝኸኣሉ፧​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:5-8, 11

3. ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ መጺኦም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላለፈሎም፧

3 ሓደ ኻብቶም ገሊላውያን ሃዋርያ ጴጥሮስ ኢዩ ነይሩ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት የሱስ ክርስቶስ ብሓጥኣን ሰባት ከም እተቐትለ ገለጸሎም። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንወዱ ኻብ ምዉታት ኣተንሲእዎ ኢዩ። ብድሕሪኡ የሱስ ንሃዋርያ ጴጥሮስን ኣብኡ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ኻልኦትን ሓዊስካ ንሓያሎ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ተራእይዎም ነይሩ። ንሰማይ ካብ ዝዓርግ ከኣ ዓሰርተ መዓልቲ ኢዩ ገይሩ። ኣብ ደቀ መዛሙርቱ መንፈስ ቅዱስ ዘፍሰሰ ድማ ንሱ ኢዩ። እዚ ነቶም በዓል ጴንጠቆስጠ (በዓላት ሓምሳ) ዘብዕሉ ዝነበሩ ሰባት ገለ ትርጕም ነይርዎዶ ኢዩ፧ እወ: ብርግጽ ነይርዎ ኢዩ። ብእኡ እንተደኣ ኣሚኖም ሕድገት ሓጢኣት ረኺቦም “ህያብ መንፈስ ቅዱስ” ንኽቕበሉ መገዲ ኸፊቱሎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠22-24, 32, 33, 38) ስለዚ እቶም ተዓዘብቲ ብዛዕባ እቲ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ምስ ሰምዑ እንታይ ኢዮም ገይሮም፧ እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎትና ንኽንግምግም ብኸመይ ኢዩ ክሕግዝና ዝኽእል፧

ስጕምቲ ንኽወስዱ ተደረኹ!

4. ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣየናይ ትንቢት ዮኤል ኢዩ ፍጻሜኡ ዝረኸበ፧

4 እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ: ውዓል ሕደር ከይበሉ ነቲ ናይ ድሕነት ብስራት ንኻልኦት ከካፍሉ ጀመሩ፣ በቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ መጺኦም ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ስብከቶም ጀመሩ። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ኻብቲ ግዜ እቲ ሸሞንተ ዘመናት ኣቐዲሙ ብነብዪ ዮኤል ወዲ ጴቱኤል እተነግረ ፍሉይ ትንቢት ፍጻሜኡ ረኸበ። እቲ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክኽዑ እየ: ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ: ኣረገውትኹም ሕልሚ ኺሐልሙ: ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኤንሲ [እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት] ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ።”​—⁠ዮኤል 1:1፣ 2:28, 29, 31፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠17, 18, 20

5. እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ ኢዮም ዝንበዩ ነይሮም፧ (እግረ⁠-​ጽሑፍ ርአ።)

5 እዚ ኽበሃል ከሎ ግን ከምቲ ዳዊትን ዮኤልን ዴቦራን ዝንበዩሉ ዝነበሩ ኣገባብ ገይሮም ምእንቲ ኽንበዩ ኢሉ ኣምላኽ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነብያት ከተንስእ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ክርስትያናት ‘ኣወዳትን ኣዋልድን: ኣረገውትን ኣጕባዝን’ ክንበዩ ኢዮም ክበሃል ከሎ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮን ንዝመጽእ ዝገብሮን “ዓብዪ ግብሪ” ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኾም ንኻልኦት ክነግሩ ምዃኖም ኢዩ ዘመልክት። ስለዚ ኣፈኛ ናይቲ ኣዝዩ ልዑል ኣምላኽ ብምዃን የገልግሉ ማለት ኢዩ። a እቶም ሰባትከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧​—⁠እብራውያን 1:⁠1, 2

6. መብዛሕትኦም ካብቶም ህዝቢ ነቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ዝርርብ ምስ ሰምዑ እንታይ ንኽገብሩ ኢዮም እተደረኹ፧

6 እቶም ሰባት ነቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ መግለጺ ምስ ሰምዑ ስጕምቲ ንኽወስዱ ተደረኹ። ‘ዘረባኡ ባህ ኢልዎም ተቐበልዎ’ እሞ “ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:41) እቶም እተጠምቁ ዅሎም ኣይሁድን ናብ ኣይሁድነት እተለወጡ ጵሮሰሊትን ስለ ዝነበሩ መሰረታዊ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ነይርዎም ኢዩ። እዚ ፍልጠት እዝን ኣብቲ ጴጥሮስ ዝገለጸሎም ነገራት ዘሕደርዎ እምነትን “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ንኽጥመቑ መሰረት ኰይንዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19) ድሕሪ ጥምቀቶም “ብትምህርቲ ሃዋርያት . . . ጸኒዖም ነበሩ።” ምስናይዚ እውን ብዛዕባ እታ ዝረኸብዋ ሓዳስ እምነት ንኻልኦት ክነግሩ ጀመሩ። እወ ‘ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቋረጹ ጸኒዖም እናተኣከቡ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ። ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም።’ ሳላ እቲ ዝሃብዎ ምስክርነት ከኣ “እግዚኣብሄር . . . ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:42, 46, 47) እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ዝነብርሉ መብዛሕትኡ ሃገራት ክርስትያናዊ ጉባኤታት ተመስረታ። ንዓዶም ምስ ተመልሱ ብቕንኢ ተላዒሎም ነቲ “ወንጌል” ምስባኾም ከኣ ነዚ ወሰኽ እዚ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 1:⁠23

ቃል ኣምላኽ መስለጢ ኢዩ

7. (ሀ) ሎሚ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ንዝመጹ ሰባት ናብ ማሕበር የሆዋ ዝስሕቦም ዘሎ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ጉባኤኻ ይኹን ብዓለምለኸ ደረጃ ከመይ ዝበለ ወሰኽ ናይ ምግባር ተስፋ ኢዩ ዘሎ፧ (እግረ⁠-​ጽሑፍ ርአ።)

7 ብዛዕባ እቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክዀኑ ዝብህጉ ሰባትከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ንሳቶም እውን ቃል ኣምላኽ ብጥንቃቐ ኸጽንዑ የድልዮም ኢዩ። እዚ ኽገብሩ ኸለዉ የሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ምዃኑ ተረዲኦም ኢዮም። (ዘጸኣት 34:6፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:48) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብሕያውነት ተደሪኹ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝገበሮ ናይ በጅነት ምድላው ተማሂሮም ኢዮም። ደም የሱስ ክርስቶስ ካብ ኵሉ ሓጢኣት ዘበለ የንጽሆም ኢዩ። (1 ዮሃንስ 1:⁠7) ብዛዕባ እቲ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ” ክኸውን ኣምላኽ ዝገበሮ ዕላማ ብምፍላጦም እውን የማስዉሉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15) ኣብቲ ምንጪ ናይዚ “ዓብዪ ግብሪ” ዝዀነ ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ዕዙዝ ብምዃኑ ነዚ ኽቡር ሓቂ እዚ ኽሰብኩ ይድረኹ ኢዮም። ህይወቶም ወፍዮም ብምጥማቕ ንኣምላኽ እናገልገሉ በቲ ርጡብ ‘ፍልጠት ኣምላኽ እናዓበዩ’ ኢዮም ዝኸዱ። b​—⁠ቈሎሴ 1:10፣ 2 ቈረንቶስ 5:14

8-10. (ሀ) ተመክሮ ናይ ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ቃል ኣምላኽ ‘መስለጢ’ ምዃኑ ዘርእየና ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እዚ ተመክሮ እዚ ብዛዕባ የሆዋን ምስ ኣገልገልቱ ዝገብሮ ርክብን እንታይ ኢዩ ዝምህረና፧ (ዘጸኣት 4:⁠12)

8 እቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ዝረኽብዎ ፍልጠት ናይ ላዕሊ ላዕሊ ኣይኰነን። እዚ ፍልጠት እዚ ንልቦም የለዓዕል: ኣተሓሳስብኦም ይቕይር: ኣብ ልቦም እውን ይሓድር ኢዩ። (እብራውያን 4:⁠12) ንኣብነት ካሚል እተባህለት ሰበይቲ ንኣረጋውያን ናይ ምእላይ ስራሕ ኢዩ ነይርዋ። ሓንቲ ኻብ ዓማዊላ ማርታ እተባህለት ናይ የሆዋ ምስክር ኢያ። ማርታ ምስ ኣእምሮ እተተሓሓዘ ሕማም ስለ ዝነበራ ኻብኣ ኸይተፈልየ ዝኣልያ ሰብ የድልያ ነበረ። ክትበልዕን ዝዀለሰቶ ኽትውጥን ወትሩ ክትዘኻኸር ነበራ። ይኹን እምበር: ቀጺልና ከም እንርእዮ ካብ ኣእምሮ ማርታ ዘይተሓከ ሓደ ነገር ነበረ።

9 ማርታ ሓደ መዓልቲ ካሚል ብምኽንያት ዘጋጠማ ብሕታዊ ጸገማት ተጨኒቓ ክትበኪ ኸላ ረኣየታ። ሕቝፍ ኣቢላ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኽትመሃር ሓተተታ። ይኹን እምበር: ማርታ ምስቲ ዘለዋ ዅነታት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ትኽእል ድያ፧ እወ: ትኽእል ኢያ! ሽሕኳ ናይ ምዝካር ክእለታ እንተ ኣጥፍአት: ነቲ ዓብዪ ኣምላኻ ይኹን ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህረቶ ኽቡር ነገራት ግን ኣይረስዓቶን። ሓቢረን ከጽንዓ ኸለዋ ንካሚል መጀመርታ ንነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ: ድሕሪኡ ነቲ ጥቕስታት: ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕቶታት ብምንባብ መልሱ ባዕላ ኽትምልሶ ነገረታ። ከምዚ እናበላ ንገለ እዋናት ቀጸላ: ማርታ ዓቕማ ውሱን እኳ እንተ ነበረ: ካሚል ብፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ እናዓበየት ከደት። ካሚል ንኣምላኽ ምግልጋል ምስ ዝደልዩ ካልኦት ሰባት ክትሓብር ከም ዘድልያ ማርታ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ጽቡቕ ክዳን ተኸዲና ንኣኼባ ምእንቲ ክትከይድ ክዳንን ጫማን ሃበታ።

10 ካሚል በቲ ማርታ ዘርኣየቶ ተገዳስነትን ኣብነትን እምነትን ተነቓቕሐት። እቲ ማርታ ኽትምህራ እትደልዮ ዝነበረት ነገራት ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን ኣለዎ በለት። ከመይሲ ማርታ ዳርጋ ንዅሉ ነገራት ረሲዓ ኽነሳ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃረቶ ነገራት ግን ኣይረስዓቶን። ካሚል ናብ ካልእ ቦታ ምስ ተቐየረት ስጕምቲ ኽትወስድ ከም ዘለዋ ተገንዘበት። ብኡንብኡ ነቲ ማርታ ዝሃበታ ኽዳንን ጫማን ገይራ ናብ ኣኼባ ኸደት እሞ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃር ድማ ሓተተት። ኣብ መወዳእታ ካሚል ጽቡቕ ዕቤት ገይራ ተጠምቀት።

ስርዓታት የሆዋ ኽሕልዉ ተለዓዒሎም

11. ኣብ ርእሲ እቲ ብቕንኢ እንገብሮ ዕዮ ስብከት: ብመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኸም እተለዓዓልና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ሎሚ ኸም ማርታን ካሚልን ዝኣመሰሉ ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ንላዕሊ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም “ወንጌል መንግስቲ” ይሰብኩ ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት በቲ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ተለዓዒሎም ኢዮም። ስም የሆዋ ኽጾሩን መንፈሱ ክቕበሉን ፍሉይ መሰል ብምርካቦም የማስዉሉ ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ንስርዓታቱ ኣብ ኵሉ መዳያት ናብራ ህይወቶም እናኣውዓሉ ‘ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ እናበሉ ንእኡ ብቑዓት ኰይኖም ክመላለሱ’ ብዙሕ ጻዕሪ ኢዮም ዝገብሩ። ገለ ኻብቲ ዝሕልውዎ ስርዓታት ከኣ ንኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ዝምልከት ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 1:10፣ ቲቶስ 2:10

12. ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠9, 10 ብዛዕባ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን እንታይ ንጹር ምኽሪ ኢና እንረክብ፧

12 እወ: የሆዋ ብዛዕባ ትርኢትና ስርዓታት ሂቡና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ: ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ዝሓቶ ብቕዓታት እንታይ ምዃኑ ኽሕብር ከሎ ከምዚ በለ:- “ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ: ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን: ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ: ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ: እደሊ አሎኹ።” c ካብዚ ቓላት እዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧​—⁠1 ጢሞቴዎስ 2:⁠9, 10

13. (ሀ) ‘ግቡእ ክዳውንቲ’ ኽበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ስርዓታት የሆዋ ምኽንያታዊ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ቃላት ጳውሎስ: ክርስትያናት ‘ብግቡእ ክዳውንቲ ኽስለሙ’ ከም ዘለዎም ኢዩ ዝሕብር። ኣብ ኣቃውማኦም ወዛላት ወይ ዘይጽፉፋት ክዀኑ የብሎምን። ዳርጋ ዅሉ ሰብ: ድኻታት እውን ከይተረፉ: ክዳውንቶም ጽሩይን ጽፉፍን ገይሮም ብምሓዝ ነዚ ምኽንያታዊ ብቕዓታት እዚ ኸማልእዎ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ሃገር ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓዓመት ኣውራጃዊ ኣኼባ ንኽካፈሉ ንሓያሎ ኪሎ ሜትራት ብእግሮም: ድሕሪኡ ኸኣ ንሰዓታት ዝኣክል ብታንኳ ይጐዓዙ ኢዮም። ክጓዓዙ ኸለዉ ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ውሒዝ ይወድቁ: ክዳውንቶም ከኣ በቲ ጣሻ ይቕደድ ኢዩ። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ኽበጽሑ ኸለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ወዘልዘል ኢሎም ኢዮም ዝበጽሑ። ስለዚ ድማ ግዜ መዲቦም ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ንዝኽደንዎ ክዳንውቲ መላጕም ይሰፍዩ: ሻርኔራ የዐርዩ: ሓጺቦም ከኣ የስታርርዎ። ኣብ መኣዲ የሆዋ ኽምገቡ ንዝቐረበሎም ዕድመ ኣኽቢሮም ስለ ዝርእይዎ ብግቡእ ተኸዲኖም ክቐርቡ ኢዮም ዝደልዩ።

14. (ሀ) ‘ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስን’ ምኽዳን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ‘ከምቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘለዎም ሰባት’ ክንክደን ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧

14 ቀጺሉ ጳውሎስ ‘ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስን’ ክንክደን ከም ዘሎና ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ድማ ኣከዳድናና ናይ ርኣዩለይ: ፍልይ ዝበለ: ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል: ነቲ ኽቕላዕ ዘይብሉ ክፍሊ ኣካላትና ዘርኢ ወይ ከኣ ፋሽን ዝኽተል ክኸውን የብሉን ማለት ኢዩ። ብተወሳኺ እውን ‘ንእግዚኣብሄር ከም እንፈርህ’ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኣርዚንና ኽንወስዶ ዘሎና ነገርዶ ኣይኰነን፧ ጉባኤ ኽንከይድ ከሎና ብግቡእ ክንክደን ኣብ ካልእ ግዜያት ግን ከም ድላይና ኽንገብር ኣይግቡእን ኢዩ። ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት ክርስትያናትን ኣገልገልትን ስለ ዝዀንና: ኣከዳድናና ወትሩ ፍርሃት የሆዋ ከም ዘሎናን ከም እነኽብሮን ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንኽደኖ ኽዳን እተፈልየ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሕንኪ ዘለዎን ክብረትና ዝሕሉን ክኸውን ኣለዎ። ኣከዳድናና ወትሩ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ዘንጸባርቕ እንተደኣ ዀይኑ: ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት ካብ ምሃብ ድሕር ኣይክንብልን ኢና።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠15

‘ንዓለም ኣይትፍተዉ’

15, 16. (ሀ) ኣብ ኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ንዓለም ክንመስላ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (1 ዮሃንስ 5:⁠19) (ለ) ኣብ ኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ደድሕሪ ፋሽን ክንስዕብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

15 ኣብ 1 ዮሃንስ 2:⁠15, 16 ዘሎ ምኽሪ እውን ኣብ ኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ክንገብሮ ዘሎና ምርጫ መምርሒ ይህበና ኢዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።”

16 እዚ ምኽሪ እዚ ምስ ግዜና ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ ኢዩ። ኣብዚ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ገኒንሉ ዘሎ መዋእል: ዓለም እንኽደኖ ኣከዳድና ክትውስነልና ከነፍቅደላ የብልናን። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዓይነት ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን እናተበላሸወ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ስራሕ ዝግበር ይኹን ሰብ ሞያ ዝኽደንዎ ኽዳን እኳ ከይተረፈ ክርስትያናት ኵሉ ግዜ ከም ሓደ ክኽተልዎ ዘለዎም ስርዓት ገይሮም ክወስድዎ ኣይክእሉን ኢዮም። እዚ ድማ ብመሰረት ስርዓታት ኣምላኽ እናነበርና ‘ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኽንስልሞ’ ወትሩ ‘ነዛ ዓለም እዚኣ ንኸይንመስላ’ ተወሳኺ ምኽንያት ይዀነና ኢዩ።​—⁠ቲቶስ 2:10 ፣ ሮሜ 12:2

17. (ሀ) ክዳን ክንዕድግ ወይ ክንመርጽ ከሎና እንታይ ሕቶታት ክንሓትት ኢዩ ግቡእ ዝኸውን፧ (ለ) ርእሲ ስድራ​ቤታት ንኣከዳድና ኣባላት ስድራ​ቤቶም ከቕልብሉ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧

17 ሓደ ኽዳን ቅድሚ ምዕዳግካ ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ ክትሓትት ጥበባዊ ኢዩ:- ‘እዚ ዓይነት ክዳን እዚ ዝሰሓበኒ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓደ ዘድንቖ ውሩይ ተዋሳኢ ወይ ሙዚቀኛ ዝኽደኖ ዓይነት ድዩ፧ ዓዋሉ ወይ ከኣ ከም ድላይካ ናይ ምዃን ወይ ናይ ዕልወት መንፈስ ዘተባብዑ ሰባት ዝኽደንዎ ዓይነት ክዳን ድዩ፧’ ነቲ ኽዳን ተጠንቂቕካ መርምሮ። ቀምሽ እንተደኣ ዀይኑ ንውሓቱ ኸመይ ኢዩ፧ ኣሰፋፍያኡኸ፧ እቲ ኽዳን ሕንኪ ዘንጸባርቕን ንክርስትያናት ዝግባእን ርዝነት ዘለዎን ድዩ ወይስ ምስ ሰብነትካ ዝጠበቐ ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል ወይ ወዘልዘል ዝበለ ኢዩ፧ ንገዛእ ርእስኻ ‘እዚ ኽዳን እዚ ብምኽዳነይ መዐንቀፊ እኸውን ድየ፧’ ኢልካ ሕተት። (2 ቈረንቶስ 6:⁠3, 4) እዚ ኸገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ክርስቶስ እኳ ኸይተረፈ ንርእሱ ባህ ዜብሎ ከም ዘይደለየ’ ስለ ዝነግረና ኢዩ። (ሮሜ 15:3) ርእሲ ስድራ​ቤታት ነቲ ኣባላት ስድራ​ቤቶም ዝኽደንዎ ኣከዳድና ከቕልብሉ ኸድልዮም ኢዩ። ነቲ ዘምልኽዎ ግርማዊ ኣምላኽ ብምኽባር: ከድሊ ኸሎ ንኣባላት ስድራ​ቤቶም ጽኑዕን ፍቕራውን ምኽሪ ካብ ምሃብ ድሕር ክብሉ የብሎምን።​—⁠ያእቆብ 3:⁠13

18. ንኣከዳድናኻን ኵለንትናዊ ኣቃውማኻን ክትጥንቀቐሉ ዝድርኸካ እንታይ ኢዩ፧

18 መልእኽትና ካብቲ ፍጹም ኣብነት ክብርን ቅድስናን ዝዀነ የሆዋ ዝመነጨ ኢዩ። (ኢሳይያስ 6:⁠3) መጽሓፍ ቅዱስ “ከም ፍቁራት ውሉድ” መጠን ንየሆዋ ኽንመስሎ የተባብዓና ኢዩ። (ኤፌሶን 5:⁠1) ስለዚ ኣከዳድናና ነቲ እንውክሎ ሰማያዊ ኣቦና ክብሪ ወይ ጸርፊ ኸምጽኣሉ ይኽእል ኢዩ። ንልቡ ኸነሐጕሶ ከም እንደሊ ኸኣ ፍሉጥ ኢዩ!​—⁠ምሳሌ 27:⁠11

19. ነቲ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ንኻልኦት ብምንጋር እንታይ ረብሓታት ኢና ክንረክብ እንኽእል፧

19 ብዛዕባ እቲ እተማሃርካዮ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” እንታይ ይስምዓካ፧ ሓቂ ብምፍላጥናስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ክቡር መሰል ኰን ኢና ረኺብና ዘሎና! ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ክርስቶስ እምነት ስለ እነርኢ ሓጢኣትና ተሓዲጉልና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠38) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብትብዓት ናይ ምዝራብ መሰል ረኺብና ኢና። ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ሰባት ንሞት ኣይንፈርሆን ኢና። ኣብ ክንድኡ እኳ ደኣ ሓደ መዓልቲ ‘ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ክሰምዑ ምዃኖም’ የሱስ ኣረጋጊጹልና ኢዩ። (ዮሃንስ 5:⁠28, 29) የሆዋ ጸጋዊ ኣምላኽ ብምዃኑ ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ገሊጹልና ኢዩ። መንፈሱ እውን ኣውሪዱልና ኢዩ። ስለዚ: ንዅሉ እዚ ጽቡቕ ውህበታት እዚ ዘሎና ሞሳ ነቲ ኽብ ዝበለ ስርዓታቱ ከነኽብርን ብዛዕባ እዚ ‘ዓበይቲ ግብርታት’ እዚ ንኻልኦት እናነገርና ብቕንኢ ንኽንውድሶን ክድርኸና ይግብኦ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a የሆዋ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ክንዲ እቲ ህዝቢ ዀይኖም ንፈርኦን ክዛረብዎ ሓላፍነት ክህቦም ከሎ ንሙሴ “ኣነ ንፈርኦን ኣምላኽ ገበርኩኻ: ኣሮን ሓውካ ድማ ነብዪኻ ይኹን ” በሎ። (ዘጸኣት 7:1 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣሮን ከም ነብዪ ዝነበረ ብዛዕባ ዝመጽእ ብምንባይ ዘይኰነስ ኣፈኛ ናይ ሙሴ ዀይኑ ብምግልጋሉ ኢዩ።

b ካብቶም ኣብቲ ብ28 መጋቢት 2002 እተገብረ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ እተረኽቡ ሚልዮናት ዝዀኑ ሰባት ንየሆዋ ብንጥፈት ኣየገልግልዎን ኢዮም። መብዛሕትኦም ካብዞም ተገደስቲ እዚኣቶም ብልቦም ተደሪኾም ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ንምዃን ክመጣጠሩ ንጽሊ ኢና።

c ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ንክርስትያን ኣንስቲ እተባህለለን እኳ እንተዀነ: እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ሰብኡትን መንእሰያትን እውን ዝውዕል ኢዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ከመይ ዝበለ “ዓብዪ ግብሪ” ኢዮም ዝሰምዑ፧

• ሓደ ሰብ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ: ወደ መዝሙር ምዃንከ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧

• ንኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ክንጥንቀቐሉ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧

• ሓደ ኽዳን ወይ ቅዲ ንክርስትያናት ዝበቅዕ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ንምውሳን ከመይ ዝበለ ነገራት ኢዩ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ጴጥሮስ: የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ኣዊጁ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣከዳድናኻ ነቲ እተምልኾ ኣምላኽ ክብሪ ዘምጽኣሉ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ወለዲ ብኣከዳድና ኣባላት ስድራ​ቤቶም ክግደሱ ከድልዮም ኢዩ