ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተጊህካ ምጽዓር በረኸት የሆዋ የምጽእ

ተጊህካ ምጽዓር በረኸት የሆዋ የምጽእ

ተጊህካ ምጽዓር በረኸት የሆዋ የምጽእ

 “ምድሪ ይወግሕ አሎ እሞ: ሕደገኒ።”

“ከይባረኽካንስ ኣይሐድገካን እየ።”

“እንታይ እዩ ስምካ፧”

“ያእቆብ።”

“ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ: ደጊም ስምካ እስራኤል ደኣ እምበር ያእቆብ ኣይብሀልን።”​—⁠ዘፍጥረት 32:26-28

እዚ መሳጢ ዝርርብ እተገብረ: እቲ ወዲ 97 ዓመት ዝነበረ ያእቆብ ዘደንቕ ጻዕሪ ብምግባሩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ድልዱል ሰብነት ከም ዝነበሮ እኳ እንተ ዘይገለጸ: ምሉእ ለይቲ ግን ምስ መልኣኽ ክቃለስ ሓዲሩ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ያእቆብ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኣቦታቱ እተመባጽዓሎም ነገር ማለት ብዛዕባ መንፈሳዊ ውርሻኡ ኣጸቢቑ ይግደስ ብምንባሩ ኢዩ።

ካብዚ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ ኤሳው ሓዉ ነቲ ብዅርናኡ ብጸብሒ ሸጠሉ። ሕጂ ግን ያእቆብ: ኤሳው 400 ሰብኡት ሒዙ ኽቀባበሎ ይመጽእ ምህላዉ ወረ ሰምዐ። ያእቆብ በዚ ብምጭናቑ ስድራ​ቤቱ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ከም ዝስስኑ የሆዋ ኽመባጽዓሉ ምድላዩ እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ። ምስ ጸሎቱ ብምስምማዕ ከኣ ወሳኒ ስጕምቲ ወሰደ። ነቲ ኽቀባበሎ ዝመጽእ ዝነበረ ኤሳው ብዙሕ ህያብ ለኣኸሉ። ነቲ ምስኡ ዝነበሩ ሰብን እንስሳን ኣብ ክልተ ጋንታ ብምምቃል ከምኡውን ንኣንስቱን ደቁን መሳገሪ ያቦቅ ብምስጋር ንምክልኻል ዘኽእሎ ስጕምቲ ወሰደ። ሞገስ ምእንቲ ኽረክብ ንኽልምን ኢሉ ብብዙሕ ንብዓት ተጊሁ ምሉእ ለይቲ ምስ መልኣኽ ክቃለስ ሓደረ።​—⁠ሆሴእ 12:⁠4፣ ዘፍጥረት 32:⁠1-32

ነታ ያእቆብ ኣዝዩ ዘፍቅራ ዝነበረ ኻልአይቲ ሰበይቱ ዝነበረት ራሄል ዘጋጠማ እውን ንርአ። ራሄል የሆዋ ንያእቆብ ከም ዝባርኾ ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነበረት። እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ያእቆብ ዝነበረት ልያ ሓብታ ኣርባዕተ ውሉዳት ክትወልድ ከላ ንሳ ግን መኻን ነበረት። (ዘፍጥረት 29:⁠31-35) ብሓዘን ኣስቈርቊራ ተዀርምያ ስቕ ኣብ ክንዲ እትብል: ንየሆዋ ብጸሎት እናለመነት ምስ ጸሎታ ብምስምማዕ ወሳኒ ስጕምቲ ወሰደት። ከምቲ ሳራ ንሰብኣያ ኣጋር ግዝእታ ዝሃበቶ: ራሄል እውን ንቢልሃ ግዝእታ ሰበይቲ ያእቆብ ክትኰኖ ሃበቶ: “ብእኣ ድማ ኣነ ኽፋረ [ኢየ]” በለት። a ቢልሃ ንያእቆብ: ዳንን ንፍታሌምን እተባህሉ ኽልተ ኣወዳት ወለደትሉ። ንፍታሌም ምስ ተወልደ: ራሄል “ቅልስ ኣምላኽ ምስ ሓብተይ ተቓሊሰ ሐየልኩ” ብምባል እቲ ዝገበረቶ ስምዒታዊ ቓልሲ ገለጸት። ራሄል ጸኒሓ ዮሴፍን ብንያምን እተባህሉ ኽልተ ኣወዳት ወለደት።​—⁠ዘፍጥረት 30:⁠1-8፣ 35:⁠24

የሆዋ ነቲ ያእቆብን ራሄልን ዝገበርዎ ኣካላውን ስምዒታውን ቃልሲ ዝባረኾ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ንፍቓድ የሆዋ ቐዳማይ ቦታ ይህብዎ: ንውርሻኦም እውን ኣኽቢሮም ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ ኢዩ። የሆዋ ንኽባርኾም ልባዊ ጸሎት ገይሮም: ምስ ፍቓድ ኣምላኽን ምስ ልመናኦምን ብምስምማዕ ከኣ ኣድላዪ ስጕምቲ ወሲዶም ኢዮም።

ኣብዚ ግዜና እውን ብዙሓት ሰባት በረኸት የሆዋ ንምርካብ ልክዕ ከም ያእቆብን ራሄልን ተጊህካ ምጽዓር ከም ዘድሊ ዝሰማምዑሉ ጕዳይ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ጻዕርታቶም ብንብዓትን ጓህን ተስፋ ምቝራጽን እተሰነየ ኢዩ። ሓንቲ ኤሊዛቤት እትበሃል ክርስትያን ኣደ: ንነዊሕ እዋን ካብ ኣኼባታት ተፈልያ ድሕሪ ምጽናሓ ስርዓታዊት ኰይና ንኽትካፈል ዝገበረቶ ጻዕሪ ገሊጻ ኣላ። ሓሙሽተ ንኣሽቱ ውሉዳትን ዘይኣማኒ ሰብኣይን ነበርዋ: ናብቲ ዝቐረበ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምኻድ እውን 30 ኪሎ ሜትር ብማኪና ኽትጐዓዝ ነበራ። ብዛዕባዚ ኸምዚ በለት:- “ስርዓታዊት ኰይነ ናብ ኣኼባታት ንምኻድ ብዙሕ ሳዕ ነብሰይ ክቐጽዕ ነይሩኒ: እዚ ኸኣ ንዓይን ንደቀይን ጠቒሙና ኢዩ። ኣብ ህይወቶም ክስዕብዎ ዘለዎም መገዲ ምዃኑ ንኽግንዘቡ ኣኽኢልዎም ኢዩ።” የሆዋ ድማ ንጻዕርታታ ባሪኽዎ ኢዩ። ካብቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንጡፋት ዘለዉ ሰለስተ ደቃ: እቶም ክልተ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኢዮም። እዛ ሓብቲ እዚኣ በቲ መንፈሳዊ ዕቤቶም ኣጸቢቓ ስለ እተሓጐሰት “ብመንፈሳዊ ዕቤት ንዓይ እውን ሓሊፎምኒ ኢዮም” በለት። ተጊሃ ብምጽዓራ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢያ ዝረኸበት!

በረኸት የሆዋ ዘምጽኣልካ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕሪ

ተጊህካ ምጽዓርን ኣበርቲዕካ ምዕያይን ዓስቢ ኸም ዘለዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንሓደ ዕማም ወይ ዕዮ ዝያዳ ብዝጸዓርናሉ መጠን: ዝያዳ ዕግበት ኢና እንረኽበሉ። የሆዋ ኽፈጥረና ኸሎ ኸምዚ ገይሩ ኢዩ ሰሪሑና። ንጉስ ሰሎሞን “ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን: ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን: እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 3:13፣ 5:18, 19) በረኸት የሆዋ ንምርካብ ግን ጻዕርታትና ኣብ ግቡእ ነገራት ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት: ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ኣነባብራና ኻልኣይ ቦታ ሂብናዮ ኽነስና በረኸት የሆዋ ኽንጽበ ንኽእልዶ፧ ሓደ ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን ካብቲ እምነቱ ዝሃንጸሉን መምርሒታት ዝረኽበሉን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ወትሩ ዘብኵሮ ስራሕ ወይ ናይ ስራሕ ዕቤት እንተ ተቐቢሉ በረኸት የሆዋ ኽረክብ ይኽእልዶ፧​—⁠እብራውያን 10:⁠23-25

ሓደ ሰብ ንመንፈሳዊ ነገራት ጠንጢኑ ኣብ ዓለማዊ ስርሑ ወይ ስጋዊ ነገራት ንምጥራይ ኣበርቲዑ እንተደኣ ጽዒሩ: ‘ጽቡቕ ይርኢ ኢዩ’ ኽበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዘራኢ ዝሃቦ ምስላ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ጻዕሪ ኸመይ ምዃኑ ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ኣብ መንጎ “እሾዅ እተዘርኤ” ዘርኢ እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ “ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩ: ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆ: ከይፈረየውን ይተርፍ” በለ። (ማቴዎስ 13:22) ጳውሎስ እውን ብዛዕባ እዚ መፈንጠራ እዚ ኣጠንቂቑ ኢዩ: ኣስዕብ ኣቢሉ እውን እቶም ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ዝስዕቡ “ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ” በለ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብመንፈስ ኣጸቢቑ ኽጐድኣካ ዝኽእል ኣነባብራ ንኸይትወድቕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ጳውሎስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- ‘ካብዚ ህደም: በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኣይትተኣመን።’​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:9, 11, 17

ዕድመና ወይ ንየሆዋ ዘገልገልናሉ ብዝሒ ዓመታት ብዘየገድስ: ኵላትና ኻብቲ ያእቆብን ራሄልን ዘርኣይዎ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕሪ ኽንማሃር ንኽእል ኢና። ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ: እቲ ዅነታት ዘፍርህ ወይ ተስፋ ዘቝርጽ እኳ እንተ ነበረ: ወትሩ ንውርሻኦም ቀዳምነት ይህብዎ ነበሩ። ሎሚውን እቲ ሕጂ ዘጋጥመና ጸቕጥታትን ጸገማትን ዘፍርህ: ተስፋ ዘቝርጽ: ወይ ዘጨንቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ቓልሲ ንኽንጥንጥኖ ንፍተን ንኸውን: ከምዚ ምስ እንገብር ከኣ ኣደዳ መጥቃዕቲ ሰይጣን ኢና እንኸውን። ዕላምኡ ንምውቃዕ ኢሉ መዘናግዒ: ስፖርት: መሕለፍ ግዜ: ዓለማዊ ስራሕ: ስጋዊ ሃብቲ ኰታስ ዓቕሙ ዝፈቕደሉ ዅሉ ኢዩ ዝጥቀም። ካብዚ ነገራት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ፍረ ኸም እትረክብ ኢዩ ዝመስለካ: ነቲ እተመነዮ ዝበጽሖ ሰብ ግን ዳርጋ የለን። እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናብራ ንኽኣትዉ ዝዕሸዉ ወይ ዝሰድዑ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዮም ኢዮም ዝጕህዩ። እምበኣር ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ያእቆብን ራሄልን ተጊህና ንቃለስ እሞ ንውዲት ሰይጣን ነፍሽሎ።

‘ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ: ምንም ክገብር ኣይክእልን ኢየ: ምግዳፉ ይሕሸኒ’ ኢልና ኢድና ኽንህብ ከሎና: ድያብሎስ ኣዝዩ ኢዩ ዝሕጐስ። ስለዚ: ‘ዘፍቅረኒ የብለይን: የሆዋ ሓዲጉኒ ኢዩ’ ዝብል ሓደገኛ ኣረኣእያ ኸይነማዕብል ክንጥንቀቕ ኣሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ኣብ ልብና ነእትዎ እንተደኣ ዄንና ገዛእ ርእስና ኢና እንጐድእ። እዝስ ተስፋ ኸም ዝቘረጽናን በረኸት ክሳዕ እንረክብ ቃልስና ኸም ዝሓደግናን ደይኰነን ዘመልክት፧ የሆዋ ተጊህና ምስ እንጽዕር ከም ዝባርኸና ኽንርስዕ የብልናን።

በረኸት የሆዋ ንምርካብ ቃልስኻ ኣይተቋርጽ

መንፈሳዊ ጥዕናና ኣብቲ ንየሆዋ እንፍጽሞ ኣገልግሎት ዝምልከት ክልተ መሰረታዊ ሓቅታት ዘሎና ምርዳእ ኢዩ ብዓቢኡ ዝምርኰስ። እዚ ኸኣ (1) ንበይንና ዝወርደና ጸገማት: ሕማማት: ወይ ሽግራት የለን: (2) የሆዋ ንኣውያት እቶም ንኽሕግዞምን ንኽባርኾምን ከየባተኹ ዝልምንዎ ሰባት ይሰምዖ ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 3:⁠7-10፣ ያእቆብ 4:⁠8, 10፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠8, 9

ዘጋጠመካ ጸገም ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ይኹን: ዓቕምኻ ድማ ክሳዕ ክንደይ ውሱን ይኹን ብዘየገድስ: ኣብቲ ብቐሊሉ “ዚጠብቀና ሓጢኣት” ኣይትውደቕ፣ እወ: እምነትካ ኣይተጕድላ። (እብራውያን 12:⁠1) በረኸት ክሳዕ እትረክብ ብዓቕሊ ቃልስኻ ቀጽል። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ያእቆብ በረኸት ክረክብ ኢሉ ምሉእ ለይቲ ኽቃለስ ከም ዝሓደረ ኣይትረስዕ። ከምቲ ዘርኢ ዘሪኡ ኽሳዕ ምህርቲ ዝሓፍስ ብትዕግስቲ ዝጽበ ሓረስታይ: ዋላ እውን መንፈሳዊ ንጥፈታትካ ከምቲ እትደልዮ እንተ ዘይኰነ በረኸት የሆዋ ብትዕግስቲ ተጸበ። (ያእቆብ 5:⁠7, 8) ነቲ “ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ” ዝብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ድማ ፈጺምካ ኣይትረስዓዮ። (መዝሙር 126:⁠5፣ ገላትያ 6:⁠9) ጽናዕ: ቃልስኻ ድማ ኣይተቋርጽ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሰበይቲ ወሰን ምእታው ሕጊ ኺዳን ቅድሚ ምቛሙ ዝነበረ ዀይኑ: ኣብ ሕጊ ሙሴ እውን ተፈላጥነት ተዋሂብዎን ስርዓት ተገይሩሉን ኢዩ። ኣምላኽ ክሳዕ እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝመጸሉ እዋን ሓንቲ ሰበይቲ ንሓደ ሰብኣይ ዝብል ኣብ ገነት ኤድን ዘቘሞ ናይ መጀመርታ ስርዓት እንደገና ኸም ዝዓዪ ንምግባር ግዜኡ ኸም ዘይኰነ ወሰነ: እንተዀነ ግን ነተን ኣንስቲ ወሰን ሕጋውያን ብምግባር ዕቝባ ገበረለን። ኣንስቲ ወሰን ምእታው ብዝሒ ህዝቢ እስራኤላውያን ብቕልጡፍ ንኽውስኽ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ።