ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኻዊ ስልጣን ብተኣማንነት ተገዛእ

ንኣምላኻዊ ስልጣን ብተኣማንነት ተገዛእ

ንኣምላኻዊ ስልጣን ብተኣማንነት ተገዛእ

“እግዚኣብሄር ፈራዲና: እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ: እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ።”—⁠ኢሳይያስ 33:22

1. ነቶም ጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል ፍሉያት ህዝቢ ከም ዝዀኑ ዝገበሮም እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

 ህዝቢ እስራኤል ከም ህዝቢ መጠን ዝቘሙ ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ርእሰ⁠-​ኸተማ: ሃገር: ከምኡውን ዝርአ ንጉስ ኣይነበሮምን። ቅድሚኡ ድማ ባሮት ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ነዞም ሓድሽ ህዝቢ ፍልይ ዘብሎም ካልእ መዳይ እውን ኣሎ። እቲ ዘይርአ ፈራዲኦም: ሓጋግ ሕጎም: ንጉሶም የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 19:⁠5, 6፣ ኢሳይያስ 33:⁠22) ከምዚ ኽብል ዝኽእል ካልእ ህዝቢ ኣይነበረን!

2. ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ዝመሓደርሉ ዝነበሩ ኣገባብ እንታይ ሕቶ ኢዩ ክለዓል ዝኽእል: መልሱ ዘገድሰናኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

2 የሆዋ: ኣምላኽ ስርዓትን ኣምላኽ ሰላምን ስለ ዝዀነ ንሱ ዝገዝኦ ህዝቢ ብግቡእ እተመሓደረ ክኸውን ኢና እንጽበዮ። (1 ቈረንቶስ 14:⁠33) እዚ ኣብ እስራኤላውያን ተራእዩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓንቲ ምድራዊት እትርአ ማሕበር ብሓደ ዘይርአ ኣምላኽ ክትምራሕ እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧ የሆዋ ነቶም ጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል ዘመሓድረሉ ዝነበረ መገዲ ምምርማርና ክጠቕመና ይኽእል ኢዩ። እዚ ኽንገብር ከሎና ምስ ህዝቡ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ንኣምላኻዊ ስልጣን ብተኣማንነት ተገዛኢ ናይ ምዃን ኣድላዪነት ክሳዕ ክንደይ ከም ዘጕልሕ ከነስተብህለሉ የድሊ።

ጥንታዎት እስራኤላውያን ዝመሓደርሉ ዝነበሩ ኣገባብ

3. የሆዋ ንህዝቡ ንምምራሕ እንታይ ግብራዊ ምድላው ኢዩ ዝገበረ፧

3 ሽሕኳ የሆዋ ዘይርአ ንጉስ እስራኤል እንተ ነበረ: ንእሙናት ሰብኡት ከም ዝረኣዩ ወኪላቱ ገይሩ ሸይምዎም ኢዩ። ሹማምትን ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታትን ዓበይትን ነቲ ህዝቢ ኽመኽሩን ክፈርዱን ተሸይሞም ነበሩ። (ዘጸኣት 18:⁠25, 26፣ ዘዳግም 1:⁠15) ይኹን እምበር: እቶም ሓላፍነት እተሰከሙ ሰብኡት ብዘይ​ መለኮታዊ መሪሕነት ብፍጹም ምስትውዓልን ምርዳእን ክፈርዱ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም ኢልና ኽንድምድም ኣይንኽእልን ኢና። ዘይፍጹማት ስለ ዝነበሩ: ልቢ ብጾቶም ክፈልጡ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ንብጾቶም ኣብ ሕጊ የሆዋ እተመስረተ ሓጋዚ ምኽሪ ኽህብዎም ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።​—⁠ዘዳግም 19:⁠15፣ መዝሙር 119:⁠97-100

4. እቶም እሙናት ፈራዶ እስራኤል እንታይ ዝንባለታት ንኸወግዱ ኢዮም ዝጽዕሩ ነይሮም: ስለምንታይከ፧

4 ይኹን እምበር: ፈራዲ ንምዃን ነቲ ሕጊ ኻብ ምፍላጥ ንላዕሊ ኢዩ ዝሓትት ነይሩ። እቶም ዓበይቲ እቲ ህዝቢ ዘይፍጹማት ስለ ዝነበሩ ኸም እኒ ስስዐን ኣድልዎን ዝኣመሰለ ፍርዲ ኸቕንን ዝኽእል ዝንባለታት ንምውጋድ ጻዕሪ ኽገብሩ ነበሮም። ሙሴ ኸምዚ ብምባል ነገሮም:- “ነቲ ንእሽቶውን ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ እምበር: ብፍርዲ ገጽ ርኢኹም ኣይተዳልዉ። ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ: ገጽ ሰብ ኣይትፍርሁ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ፈራዶ እስራኤል ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኰይኖም ኢዮም ዝፈርዱ ነይሮም። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ኽቡር መሰል ኰን ኢዩ ነይሩ!​—⁠ዘዳግም 1:16, 17

5. የሆዋ ንህዝቡ ብምሕላይ ፈራዶ ኣብ ርእሲ ምሻሙ: እንታይ ካልእ ምድላዋት ኢዩ ዝገበረ፧

5 የሆዋ ንህዝቡ ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ንምሕላይ ካልእ ምድላዋት እውን ገይሩ ኢዩ። ኣብታ ምድሪ ተስፋ ቀቅድሚ ምእታዎም እውን ከይተረፈ ነቲ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝዀነ ማሕደር ክሰርሑ ኣዚዝዎም ኢዩ። ነቲ ሕጊ ኽምህሩ: መስዋእቲ እንስሳታት ከቕርቡ: ንግሆን ምሸትን ዕጣን ክዓጥኑ ኢሉ ድማ ኻህናት ኣቚሙሎም ኢዩ። ኣምላኽ ነቲ ዓብዪ ሓው ሙሴ ዝነበረ ኣሮን ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሊቀ ኻህናት ገበሮ: ንደቁ ኸኣ ኣብ ዕዮታቱ ክድግፍዎ ሸሞም።​—⁠ዘጸኣት 28:⁠1፣ ዘሁልቍ 3:⁠10፣ 2 ዜና መዋእል 13:⁠10, 11

6, 7. (ሀ) ኣብ መንጎ ኻህናትን እቶም ክህነት ዘይነበሮም ሌዋውያንን ከመይ ዝበለ ርክብ ነበረ፧ (ለ) እቶም ሌዋውያን ይፍጽምዎ ካብ ዝነበሩ እተፈላለየ ዕዮታት እንታይ ትምህርቲ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧ (ቈሎሴ 3:⁠23)

6 ንመንፈሳዊ ድሌት ናይቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምሕላይ ከቢድ ዕዮ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ቍጽሪ ናይቶም ካህናት ብተዛማዲ ክርአ ኸሎ ሒደት ስለ ዝነበረ: እቶም ዝተረፉ ሌዋውያን ንኽሕግዝዎም ተመደብሎም። የሆዋ ንሙሴ ከምዚ ብምባል ነገሮ:- “ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም: ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ብመልኦም ንእኡ ተወፍዮም እዮም።”​—⁠ዘሁልቍ 3:9, 39

7 እቶም ሌዋውያን ብግቡእ እተመሓደሩ ኢዮም ነይሮም። ብመሰረት እቶም ሰለስተ ዓሌት​—⁠ጌርሾናውያን ቃሃታውያን መራራውያን​—⁠ኢዮም ተኸፋፊሎም: ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ድማ ዐዕዮኦም ነበሮም። (ዘሁልቍ 3:14-17, 23-37) ገለ ኻብቲ እተዋህቦም ዕዮ ካብ ኻልእ ዕዮ ዝያዳ ኣገዳስነት ዝነበሮ መሲሉ ዝርአ እኳ እንተ ነበረ: ብምሉኡ ኣድላዪ ዕዮ ኢዩ ነይሩ። ዕዮ ቃሃታውያን ምስቲ ቕዱስ ታቦት ኪዳንን ምስቲ ነቲ ማሕደር ዘድሊ ካልእ ኣቕሑን እተተሓሓዘ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኵሎም ሌዋውያን: ቃሃታውያን ይኹኑ ኻልኦት ዘደንቕ መሰል ኢዮም ረኺቦም ነይሮም። (ዘሁልቍ 1:⁠51, 53) እንተዀነ ግን: ገሊኣቶም ነቲ ዝረኸብዎ ፍሉይ መሰል ኣየማሰውሉን። ንኣምላኻዊ ስልጣን ብተኣማንነት ኣብ ክንዲ ዝግዝኡ በቲ እተዋህቦም መሰል ኣይዓገቡን። ትዕቢት: ህርፋን: ከምኡውን ቅንኢ ከውድቖም ስቕ ኢሎም ረኣይዎ። ሓደ ኻብኣቶም እቲ ሌዋዊ ቆራሕ ኢዩ ነይሩ።

“ክህነትዶ ድማ ደሊኹም፧”

8. (ሀ) ቆራሕ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ቆራሕ ነቶም ካህናት ምሉእ ብምሉእ ብሰብኣዊ መገዲ ከም ዝርእዮም ዝገበሮ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧

8 ቆራሕ ኣብ ዓሌታት ሌዊ ይኹን ኣብ ዓሌታት ቃሓታውያን ሹም ማይ ቤት ኣይነበረን። (ዘሁልቍ 3:⁠30, 32) ይኹን እምበር: ኣብ እስራኤል ክብሪ ዝወሃቦ ሹም ኢዩ ነይሩ። እቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ መዝነት ምስ ኣሮንን ደቁን ዘራኽቦ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዘሁልቍ 4:⁠18, 19) ነቲ ብዘይ​ፍጽምና ዝገብርዎ ዝነበሩ ነገራት ብዓይኑ ይርእዮ ስለ ዝነበረ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኸም ዝሓስብ ገይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:- ‘እዞም ካህናት እዚኣቶም ዘይፍጹማት ክነሶም ኣብ ትሕቲኦም ክግዛእ ትጽቢት ይግበረለይ ኣሎ። ቅድሚ ሓጺር እዋን ኣሮን ብወርቂ ገይሩ ምራኽ ሰሪሑ ኢዩ። ህዝብና ነቲ ምራኽ እቲ ብምምላኾም ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ወዲቖም ኢዮም። ሕጂ ኸኣ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ የገልግል ኣሎ። እዚ ኣድልዎ ኢዩ! እቶም ደቁ ናዳብን ኣቢሁንከ ነቲ እተዋህቦም ክቡር ናይ ኣገልግሎት መሰል ብንዕቀት ብምርኣዮም ደይኰነን የሆዋ ዝቐዘፎም፧’ a (ዘጸኣት 32:⁠1-5፣ ዘሌዋውያን 10:⁠1, 2) ቆራሕ እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ይንበሮ ብዘየገድስ: ነቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ ዕዮ ኽህነት ብሰብኣዊ ዓይኒ ርእይዎ ኸም ዝነበረ ንጹር ኢዩ። እዚ ድማ ካብ ሙሴን ኣሮንን መወዳእትኡ ኸኣ ካብ የሆዋ ከም ዝዓሉ ገበሮ።​—⁠1 ሳሙኤል 15:⁠23፣ ያእቆብ 1:⁠14, 15

9, 10. ቆራሕን እቶም ዓለወኛታት ብጾቱን ንሙሴ እንታይ ክሲ ኢዮም ዘቕረብሉ: ክርስዕዎ ዘይነበሮም ነገር ግን እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

9 ቆራሕ ንኻልኦት ብቐሊሉ ከእምን ዝኽእል ሰብ ብምንባሩ: ከምቲ ናቱ ኣተሓሳስባ ንዝነበሮም ሰባት ከስድዕ ኣይጽግሞን ኢዩ ነይሩ። ንሱን ዳታንን ኣቢራምን 250 ደገፍቲ ረኸቡ: ኵሎም እዚኣቶም ሹማምቲ ናይቲ ኣኼባ ኢዮም ነይሮም። ብሓባር ናብ ሙሴን ኣሮንን ቀሪቦም “ብዘለዉ ኣኼባ ዅሎም ቅዱሳን እዮም: እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእከሎም እዩ እሞ: እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ: ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ትዕበዩ አሎኹም፧” በልዎም።​—⁠ዘሁልቍ 16:1-3

10 እዞም ዓለወኛታት እዚኣቶም ነቲ ኣሮንን ሚርያምን ኣብ ሙሴ ምስ ኣጕረምረሙ ዘጋጠመ ነገር ክርስዕዎ ኣይነበሮምን። ኣሮንን ሚርያምን ዘቕረብዎ ምኽንያት ካብቲ ናይ ቆራሕ እተፈልየ ኣይነበረን። ብመሰረት ዘሁልቍ 12:⁠1, 2 “እግዚኣብሄርሲ ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዚዛረብ፧ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፧” ዝብል ሕቶ ኢዮም ኣቕሪቦም። የሆዋ ይሰምዕ ነይሩ ኢዩ። እቲ ንሱ ዝሓረዮ መራሒ መን ምዃኑ ንኽሕብሮም ንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ክብሉ ጸውዖም። ሽዑ የሆዋ ኣነጺሩ ኸምዚ በሎም:- “ኣብ ማእከልኩም ነብዪ እንተሎ: ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለጸሉ: ብሕልሚ እዛረቦ። ባርያይ ሙሴስ ከምኡ ኣይኰነን: ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን እዩ።” ድሕርዚ ንሚርያም ንእተወሰነ እዋን ብለምጺ ወቕዓ።​—⁠ዘሁልቍ 12:4-7, 10

11. ሙሴ ነቲ ቆራሕ ዘለዓዓሎ ዅነታት ብኸመይ ኢዩ መሊስሉ

11 ቆራሕን ደገፍቱን ብዛዕባ እዚ ዝፈልጡ ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። ስለዚ: ዕልወቶም ከተማኻንየሉ እትኽእል ነገር ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ሙሴ ሽዑ እውን ከይተረፈ ብትዕግስቲ ክረዳዳእ ፈቲኑ ኢዩ። በቲ ዝረኸብዎ ፍሉይ መሰል መማሰውቲ ክዀኑ ከም ዘለዎም ክላበዎም ከሎ “ኣምላኽ እስራኤል ኬቕርበኩም ኢሉ: ካብ ኣኼባ እስራኤል ዝፈለየኩምዶ ውሒዱኩም እዩ፧” በሎም። እወ: እቲ ዝረኸብዎ መሰል ‘ውሑድ’ ኣይነበረን። ዓብዪ መሰል ኢዩ ነይሩ። እንታይ ደኣ ኢዮም ክደግሙ ደልዮም፧ እቲ ሙሴ ቀጺሉ እተዛረቦ “ክህነትዶ ድማ ደሊኹም፧” ዝብል ቃላት ነቲ ናይ ልቦም ሓሳባት ዝቐልዕ ኢዩ ነይሩ። b (ዘሁልቍ 12:3፣ 16:9, 10) የሆዋኸ ኣንጻር ኣምላኻዊ ስልጣን ዕልወት ብምፍጻሞም እንታይ ስጕምቲ ወሰደ፧

እቲ ፈራዲ እስራኤል ኢዱ ኣእተወ

12. እቲ እስራኤላውያን ምስ የሆዋ ዝነበሮም ጽቡቕ ርክብ ኣብ ምንታይ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ፧

12 የሆዋ ንእስራኤላውያን ሕጊ ኽህቦም ከሎ: እንተ ተኣዚዞምዎ ‘ቅዱስ ህዝቢ’ ኸም ዝዀኑ: ንስርዓታት የሆዋ ክሳዕ እተቐበሉ ኸኣ ቅዱሳት ኰይኖም ከም ዝቕጽሉ ነጊርዎም ነይሩ ኢዩ። (ዘጸኣት 19:⁠5, 6) ስለዚ ሕጂ እቲ ፈራዲኦምን ሓጋግ ሕጎምን ዝዀነ የሆዋ ኣብቲ እተላዕለ ቅሉዕ ዕልወት ኢዱ ዘእትወሉ ሰዓት ኢዩ ነይሩ። ሙሴ ንቆራሕ “ጽባሕ ንስኻን ብዘሎ ኣኼባኻን: ንስኻን ንሳቶምን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተረኸቡ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ጽንሃሁ ይውሰድ: ዕጣን ድማ ይግበረሉ: ነፍሲ ወከፍ ጽንሃሁ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ጽንሃህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቡ: ንስኻን ኣሮንን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ጽንሃሁ ይውሰድ” በሎ።​—⁠ዘሁልቍ 16:16, 17

13. (ሀ) እቶም ዓለወኛታት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዕጣን ክዓጥኑ ምድላዮም ድርቅና ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት እንታይ ገበሮም፧

13 ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ ዕጣን ክዓጥኑ ዝኽእሉ ካህናት ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ካብ ክህነት ንዘይነበሩ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዕጣን ክዓጥኑ ዝቐረበሎም ሓሳብ ነቶም ዓለወኛታት ከሰንብዶም ኢዩ ነይርዎ። (ዘጸኣት 30:⁠7፣ ዘሁልቍ 4:⁠16) ቆራሕን ደገፍቱን ግን ፈጺሙ ኣይተሰቆሮምን። ንጽብሒቱ “ንብዘሎ ኣኼባ ኣብ ልዕሊኦም [ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን] ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ አከቦ።” እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብለና:- “እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፤ ካብ ማእከል እዚ ኣኼባ እዚ ተፈለዩ: ብቕጽበት ዓይኒ ኽውድኦም እየ: ኢሉ ተዛረቦም።” ሙሴን ኣሮንን ግን እቲ መዓት ኣብቶም ህዝቢ ከይወርድ ለመኑ። የሆዋ ኸኣ ሰምዖም። ብዛዕባ ቆራሕን ሰዓብቱን ግን እቲ ጸብጻብ “ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሓዊ ወጸ: ነቶም ዚዐጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም” ይብለና።​—⁠ዘሁልቍ 16:19-22, 35 c

14. የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣኼባ እስራኤል ጽኑዕ ስጕምቲ ዝወሰደ ስለምንታይ ኢዩ፧

14 እስራኤላውያን የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓለወኛታት ዝወሰዶ ስጕምቲ ርእዮም ክነሶም ምንም ክመሃሩ ዘይምኽኣሎም ዘስደምም ኢዩ። “ንጽብሒቱ ድማ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል: ንስኻትኩም ንህዝቢ እግዚኣብሄር ቀተልኩምዎ: ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።” እስራኤላውያን ምስቶም ኣለምቲ ውዲት ኢዮም ወጊኖም! መወዳእትኡ ግን ትዕግስቲ የሆዋ ኣብቅዐ። ኣብዚ ግዜ እዚ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ይኹን​—⁠ሙሴን ኣሮንን እውን ከይተረፉ​—⁠ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለሚኑ ተሰማዕነት ክረክብ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይእዙዛት መዓት ኣውረደ እሞ “ብጀካ እቶም ብሰሪ ቆራሕ ዝሞቱ: እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኰኑ።”​—⁠ዘሁልቍ 16:41⁠-​49

15. (ሀ) እስራኤላውያን ንመሪሕነት ሙሴን ኣሮንን ከይተወላወሉ ክቕበልዎ ዝነበሮም ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝምህረና፧

15 ኵሎም ልቦናኦም ስለ ዘይተጠቕምሉ ብኸንቱ ህይወቶም ኣጥፍኡ። ንገዛእ ርእሶም ከምዚ ኢሎም ክውከስዋ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም:- ‘ህይወቶም ቀቢጾም ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ዝቐረቡ መን ኢዮም፧ እስራኤላውያን ሓራ ንኽወጹ ዝሓተቱ መን ኢዮም፧ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ምስ መልኣኽ የሆዋ ገጽ ንገጽ ንኽራኸብ ናብ ከረን ሆሬብ እተጸውዐ መን ኢዩ፧’ ካብቲ ታሪኾም ከም እንርእዮ ሙሴን ኣሮንን ንየሆዋ ተኣማንነት: ንህዝቡ ድማ ፍቕሪ ኸም ዝነበሮም ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 10:⁠28፣ 19:⁠24፣ 24:⁠12-15) የሆዋ ብሞት እቶም ዓለወኛታት ባህ እኳ እንተ ዘይበሎ: ካብ ዕልወቶም ዘይምለሱ ዀይኑ ስለ ዝረኸቦም ግን ወሳኒ ስጕምቲ ወሰደ። (ህዝቅኤል 33:⁠11) ሎሚ እዚ ንዓና ዓብዪ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። ስለምንታይ፧

ነቲ ሎሚ ዘሎ መትረብ ምልላዩ

16. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ንየሱስ ከም ወኪል የሆዋ ገይሮም ንኽቕበልዎ እንታይ መርትዖታት ነበሮም፧ (ለ) የሆዋ ንኽህነት ሌዋውያን ብምንታይ ኢዩ ዝተክኦ: ስለምንታይከ፧

16 ሎሚውን እንተዀነ የሆዋ ዘይርአ ፈራዲኡን ሓጋግ ሕጉን ንጉሱን ዝዀኖ ሓድሽ “ህዝቢ” ኣሎ። (ማቴዎስ 21:⁠43) እዚ “ህዝቢ” እዚ ናብ ህላወ ዝመጸ ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እቲ ኻብ ግዜ ሙሴ ኣትሒዙ ዝዓዪ ዝነበረ ማሕደር ድሮ በቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ምልኩዕ መቕደስ ተተኪኡ ነበረ። ኣብኡውን ሌዋውያን ዕዮኦም ይቕጽሉ ነበሩ። (ሉቃስ 1:⁠5, 8, 9) ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ግን የሱስ ክርስቶስ ሊቀ⁠-​ኻህናት ኰይኑ ዘገልግለላ ካልእ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ቈመት። (እብራውያን 9:⁠9, 11) ብዛዕባ ኣምላኻዊ ስልጣን ዝምልከት ሕቶ ሕጂ እውን ተላዕለ። የሆዋ ነዚ ሓድሽ “ህዝቢ” እዚ ንምምራሕ ንመን ኢዩ ኽጥቀም፧ የሱስ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ነቲ ህዝቢ የፍቅሮ ኢዩ ነይሩ። ሓያሎ ተኣምራት እውን ፈጺሙ ኢዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ሌዋውያን ልክዕ ከም ኣቦታቶም ተረርቲ ኽሳድ ስለ ዝነበሩ: ንየሱስ ኣይተቐበልዎን። (ማቴዎስ 26:63-68፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:5, 6, 18፣ 5:17) ኣብ መወዳእታ የሆዋ ንኽህነት ሌዋውያን ብሓደ ፍልይ ዝበለ ክህነት ማለት ናይ መንግስቲ ኽህነት ተክኦ። እዚ ኸኣ ኽሳዕ ግዜና ይቕጽል ኣሎ።

17. (ሀ) ሎሚ ናይ መንግስቲ ኽህነት መን ኢዮም፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ናይ መንግስቲ ኽህነት ብኸመይ ኢዩ ዝጥቀመሎም ዘሎ፧

17 ሎሚ ኣባላት ናይ መንግስቲ ኽህነት መን ኢዮም፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብታ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቱ መሊስዎ ኣሎ። ነቶም ቅቡኣት ኣባላት ኣካል ክርስቶስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈሎም:- “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ: ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።” (1 ጴጥሮስ 2:9) ካብዚ ቓላት እዚ ኸም እንርድኦ: እቶም ኣስኣሰር የሱስ ዝስዕቡ ቅቡኣት “ናይ መንግስቲ ኽህነት” ኢዮም። ጴጥሮስ “ቅዱስ ህዝቢ” ዝብል ስያመ እውን ሂብዎም ኣሎ። የሆዋ ንህዝቡ መንፈሳዊ መምርሒ ንምሃብ ከም መትረብ ገይሩ ዝጥቀመሎም ንዓታቶም ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45-47

18. ኣብ መንጎ እቶም እተመዘዙ ሽማግለታትን ናይ መንግስቲ ኽህነትን እንታይ ምትእስሳር ኢዩ ዘሎ፧

18 ነቶም ናይ መንግስቲ ኽህነት ዝውክልዎም ድማ እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣብ ዝርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኸር ሓላፍነት ዘለዎም እተሸሙ ሽማግለታት ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብቶም ቅቡኣት ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ ከነኽብሮምን ብምሉእ ልብና ክንድግፎምን ይግባእ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ኢዩ ነዚ ሓላፍነት እዚ ሂብዎም። (እብራውያን 13:⁠7, 17) እዚ ኸመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧

19. ሽማግለታት ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙ ብኸመይ ኢዮም፧

19 እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ነቲ ኣብቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ዘሎ ብቕዓታት የማልእዎ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-7፣ ቲቶስ 1:⁠5-9) ስለዚ ሽመቶም ብመንፈስ ቅዱስ ኢዩ ኽበሃል ይከኣል ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠28) ሽማግለታት ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቖም ክፈልጥዎ ኣለዎም። ነቲ ዝለዓለ ፈራዲኦም ብምምሳል ዝዀነ ይኹን ኣብ ፍርዲ ዝግበር ኣድልዎ ክጸልኡ ኣለዎም።​—⁠ዘዳግም 10:⁠17, 18

20. ብዛዕባ ጻዕራማት ሽማግለታት ኣኽቢርካ እትርእዮ ነገር እንታይ ኢዩ፧

20 ነዞም ጻዕራማት ሽማግለታት እዚኣቶም ከነማስዎም ደኣ እምበር ንስልጣኖም ክንጻረሮ ኣይግብኣናን ኢዩ። እቲ መብዛሕትኦም ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ብተኣማንነት ዝገበርዎ ኣገልግሎት ንእምንቶና ዘደልድሎ ኢዩ። ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተዳልዮም ብምምጻእ ይመርሑ: ምሳና ሓቢሮም “ወንጌል መንግስቲ” ይሰብኩ: ከድልየና ኸሎ ኸኣ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ይህቡና። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ እብራውያን 10:⁠23, 25፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠2) ክንሓምም ከሎና ይበጽሑና: ኽንሓዝን ከሎና ኸኣ የጸናንዑና። ብተኣማንነትን ብዘይ​ስስዐን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ደገፎም ይህቡ። የሆዋ እውን መንፈሱ ብምሃብ ስምረቱ ኣርእይዎም ኢዩ።​—⁠ገላትያ 5:⁠22, 23

21. ሽማግለታት ክፈልጥዎ ዘለዎም ነገር እንታይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧

21 ሽማግለታት ፍጹማት ከም ዘይኰኑ ፍሉጥ ኢዩ። ዓቕሞም ስለ ዝፈልጡ ድማ ኣብቶም ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ “መጓሰ” ኽጕይተቱ ኣይደልዩን ኢዮም። ንገዛእ ርእሶም ‘ደገፍቲ ሓጐስ ኣሕዋቶም’ ከም ዝዀኑ ገይሮም ኢዮም ዝቘጽርዋ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠3፣ 2 ቈረንቶስ 1:⁠24) ትሑታትን ጻዕራማትን ሽማግለታት ንየሆዋ የፍቅርዎ ኢዮም: ንየሆዋ ብዝመሰልዎ መጠን ድማ ነታ ጉባኤ ዝያዳ ኸም ዝጠቕምዋ ይፈልጡ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዮም ወትሩ ኸም እኒ ፍቕሪ: ድንጋጽ: ትዕግስቲ ዝኣመሰለ ኣምላኻዊ ባህርያት ከማዕብሉ ዝጽዕሩ።

22. ብዛዕባ ቆራሕ ዝገልጽ ጸብጻብ ብምጽናዕካ ኣብታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ንዘሎካ እምነት ዘደልድሎ ብኸመይ ኢዩ፧

22 የሆዋ ዘይርአ ገዛኢና: የሱስ ክርስቶስ ሊቀ ኻህናት: ኣባላት ናይቶም ቅቡኣት ናይ መንግስቲ ኽህነት መምህራንና: እሙናት ክርስትያን ሽማግለታት ከኣ ኣማኸርትና ብምዃኖም ኣዚና ሕጕሳት ኢና። ሽሕኳ ብሰባት እትምራሕ ዝዀነት ትኹን ማሕበር ፍጽምቲ ክትከውን ዘይትኽእል እንተዀነት: ምስቶም ንኣምላኻዊ ስልጣን ዝግዝኡ እሙናት ኣሕዋትና ሓቢርና ንኣምላኽ ንኸነገልግሎ ሕጕሳት ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቶም ካልኦት ክልተ ደቂ ኣሮን: ኣልኣዛርን ኢታማርን ንየሆዋ ኣብ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ኣብነት ዝዀኑ ኢዮም ነይሮም።​—⁠ዘሌዋውያን 10:⁠6

b እቶም ምስ ቆራሕ ኰይኖም ውዲት ዝኣልሙ ዝነበሩ ዳታንን ኣቢራምን ካብ ዓሌት ሮቤል ኢዮም ነይሮም። ስለዚ: ኽህነት ክረኽቡ ኢሎም ከም ዘይተመነዩ ፍሉጥ ኢዩ። ንሳቶም ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ምድሪ ተስፋ ንምእታው ዝነበሮም ትጽቢት ዘይተፈጸመ ብምንባሩ ንመሪሕነት ሙሴ ኢዮም ዝጻረርዎ ነይሮም።​—⁠ዘሁልቍ 16:12-14

c ኣብ ግዜ ጥንቲ ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ስድራ​ቤት ንሰበይቱን ደቁን ወኪሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቐርብ: መስዋእቲ እውን ከይተረፈ ኣብ ክንድኦም ኰይኑ ንኣምላኽ የቕርብ ነበረ። (ዘፍጥረት 8:⁠20፣ 46:⁠1፣ እዮብ 1:⁠5) ይኹን እምበር: የሆዋ ሕጊ ክህቦም ከሎ ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ስድራ​ቤት ኣሮን ካህናት ገይሩ ብምሻም ብኣታቶም ኣቢሉ መስዋእቲ ኸም ዝቐርብ ገበረ። እቶም 250 ዓለወኛታት ግን ምስዚ ምትዕርራይ እዚ ኽተሓባበሩ ፍቓደኛታት ዝነበሩ ኣይመስሉን ኢዮም።

እንታይ ተማሂርካ፧

• የሆዋ ንእስራኤላውያን እንታይ ፍቕራዊ ምድላው ኢዩ ዝገበረሎም፧

• ቆራሕ ካብ ሙሴን ኣሮንን ዝገበሮ ዕልወት ምሕረት ዘየድለዮ ስለምንታይ ኢዩ፧

• የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ብምቕጽዑ እንመሃሮ ትምህርቲ እንታይ ኢዩ፧

• ነቲ ሎሚ የሆዋ ገይርዎ ዘሎ ምድላው ሞሳና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንእተዋህበካ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

“ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ትዕበዩ አሎኹም፧”

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

እተሸሙ ሽማግለታት ንናይ መንግስቲ ኽህነት ዝውክሉ ኢዮም