ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣሪገ ዕድመውን ጸጊበ

ኣሪገ ዕድመውን ጸጊበ

ታሪኽ ህይወት

ኣሪገ ዕድመውን ጸጊበ

ሙሬል ስሚዝ ዘዘንተወቶ

ኣገልግሎት ውዒለ ኽምሳሕ ገዛ እትው ድሕሪ ምባለይ ማዕጾ ኣበርቲዑ ክዅሕኳሕ ሰማዕኩ። ከም ልማደይ ሻሂ ኸፍልሕ ኢለ ማይ ምስ ሰኽተትኩ: ከዕርፍ ኢለ ኾፍ ቅድሚ ምባለይ ኢዩ ማዕጾ እተዃሕኵሐ። ብዘይ​ ምቍራጽ ገምገም በለ: ናብኡ ገጸይ እናኸድኩ ኸኣ ኣብዚ እዋን እዚ ዝመጽእ መን ደኣ ዀይኑ ኢዩ ኢለ ሓሰብኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ክልተ ፖሊስ ምዃኖም ፈለጥኩ። መንነቶም ድሕሪ ምንጋር: እቶም ኣብ ትሕቲ እገዳ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳለዉዎ ጽሑፋት እንተልዩ ኽፍትሹ ኸም ዝመጹ ሓበሩኒ።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተኣገዱ ስለምንታይ ኢዮም: ብኸመይከ ኣባሎም ኰንኩ፧ ነዚ ታሪኽ እዚ ኻብ መጀመርታ ምእንቲ ኸዘንትወልኩም: ናብቲ ኣደይ ብ1910 ጓል ዓሰርተ ዓመት ከለኹ ህያብ ዝሀበትኒ እዋን ክመልሰኩም።

 ስድራቤተይ ኣብታ ኣብ ሰሜን ሲድኒ: ክሮውስ ነስት ኣብ ዝበሃል ከባቢ እትርከብ ንእሽቶ ብዕንጸይቲ እተሰርሐት ቤት ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ሓደ መዓልቲ ኻብ ትምህርቲ ናብ ገዛ ምስ ተመለስኩ: ኣብ ኣፍደገና ኣደይ ምስ ሓደ ሰብኣይ ክትዘራረብ ጸንሓትኒ። መንነት ናይቲ ምሉእ ክዳን እተኸድነን መጻሕፍቲ ዝመልአ ቦርሳ ዝሓዘን ሰብኣይ ክፈልጥ እኳ እንተ ተሃንጠኹ: ሰላሕ ኢለ ናብ ገዛ ኣተኹ። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ግን ኣደይ ተዳሃየትኒ። ከምዚ ኸኣ በለትኒ:- “እዚ ሰብኣይ ባህ ዘብል መጻሕፍቲ ኣለዎ: ኵሉ መጻሕፍቱ ኸኣ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ መዓልቲ ልደትኪ ስለ እተብዕሊ: ሓድሽ ክዳንዶ ኽዕድገልኪ ወይስ እዚ መጻሕፍቲ፧”

“እዘን መጻሕፍቲ እንተ ዓደግክለይ ይሕሸኒ” ኢለ መለስኩላ።

ስለዚ ጓል ዓሰርተ ዓመት ከለኹ ነተን ብቻርለስ ቴዝ ራስል እተዳለዋ ናይ መጀመርታ ሰለስተ ጥራዛት ናይቲ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስቱ ጽሑፍ ረኸብኩ። እቲ ሰብኣይ ድማ እተን መጻሕፍቲ ንዓይ ክኸብዳኒ ስለ ዝኽእላ ነደይ ክትሕግዘኒ ተማሕጸና። ኣደይ ከኣ ተሓጒሳ ኸም እትሕግዘኒ ገለጸትሉ። እቲ ዘሕዝን ግን ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣደይ ሞተት። ኣቦይ እውን ንዓይን ንሓወይን ንሓብተይን ንምእላይ ኣበርቲዑ ይዓዪ ነበረ: ይኹን እምበር ተወሳኺ ሓላፍነታት ስለ ዝኸበደኒ ንኻልእ ዝኸውን ግዜ ኣይረኸብኩን። እንተዀነ ግን: ድሕሪ ሓጺር እዋን ካልእ ዘሕዝን ነገር ኣጋጠመና።

ብ1914 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተባርዐ: ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ እንፈትዎ ኣቦና ተቐትለ። ድሕርዚ ስለ ዝዘኽተምና ሓወይን ሓብተይን ምስ ኣዝማድ ተጸግዑ: ኣነ ኸኣ ኣብ ናይ ካቶሊክ ኮለጅ ኣተኹ። ሓድሓደ ግዜ ኽቱር ጽምዋ ይስምዓኒ ነበረ። እንተዀነ ግን: ሙዚቃ ብፍላይ ከኣ ፒያኖ ምውቃዕ እፈቱ ስለ ዝነበርኩ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኽከታተሎ ኣጋጣሚ ብምርካበይ ሕጕስቲ ነበርኩ። ዓመታት ሓለፈ: ካብቲ ኮለጅ ከኣ ተመረቕኩ። ብ1919 ሮይ ስሚዝ ዝበሃል ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ዘሻይጥ ሰብኣይ ተመርዓኹ። ብ1920 ናይ መጀመርታ ውላድ ወለድና: ድሕርዚ ብመዓልታዊ ሓልዮት ሓዳር ትሕዝቲ ዀንኩ። ኣብዚ ዅሉ እዋን ግን እተን መጻሕፍቲ ኣበይ ነበራ፧

ጐረቤተይ መንፈሳዊ ሓቂ ኣካፈለትኒ

ኣብዚ ዅሉ ዓመታት እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሳ መጻሕፍቲ ኻባይ ኣይተፈልያን። ኣንቢበየን ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ: እቲ ሒዘንኦ ዘለዋ መልእኽቲ ኣገዳሲ ምዃኑ ግን ይፍለጠኒ ነበረ። ድሕርዚ ሓደ መዓልቲ ብ1920ታት ሊል ቢምሰን እትበሃል ጐረቤተይ ክትበጽሓኒ መጸት። ሻሂ ኽንሰቲ ኸኣ ናብ ሳሎን ከድና።

ሃንደበት ድማ “እዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን እምበኣር ኣለዋኺ!” በለትኒ።

“ኣየኖት መጻሕፍቲ፧” ኢለ ሓተትክዋ።

ነተን ኣብቲ ናይ ጽሑፋት መቐመጢ ዝነበራ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ኣርኣየትኒ። ሊል ነተን መጻሕፍቲ ተለቂሓ ወሰደተን እሞ ብህንጥዮት ኣንበበተን። ነዊሕ ከይጸንሐ በቲ ዘንበበቶ ኣዝያ ተሓጐሰት። ካብቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሃሉ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ጽሑፋት ረኸበት። ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ዝፈለጠቶ ነገራት ካባና ኽትሓብኦ ኣይከኣለትን። ሓንቲ ኻብተን ዝረኸበተን መጻሕፍቲ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ ኢያ: ነዊሕ ከይጸንሐት እውን ንሕና ወሰድናያ። ካብቲ ነዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ጽሕፍቲ ኸንብባ ኢለ ግዜ ዝመደብኩላ እዋን ኣትሒዘ ንየሆዋ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብ መወዳእታኡ ነቲ ቤተ⁠-​ክርስትያነይ መልሲ ኽትህበሉ ዘይከኣለት መሰረታዊ ሕቶታተይ መልሲ ረኸብኩሉ።

ሮይ እውን ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ተገዳስነት ስለ ዘሕደረ ኣዝየ ተሓጐስኩ: ክልቴና ኸኣ ንፉዓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኰንና። ኣቐድም ኣቢሉ ሮይ ኣባል ናይ ፍሪማሶንስ ዝበሃል ማሕበር ነበረ። ድሕሪኡ ግን ስድራ​ቤትና ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓበረት: ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ከኣ ሓደ ሓው ንስድራ​ቤትና መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጽንዕ ይሕግዘና ነበረ። ኣብቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብርዎ ኣኼባታት ክንካፈል ምስ ጀመርና ተወሳኺ ምትብባዕ ረኸብና። እቲ ኣብ ሲድኒ እንጥቀመሉ ዝነበርና መአከቢ ኣብ ከባቢ ኒውታውን ዝርከብ ንእሽቶ እተኻረናዮ ኣደራሽ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ብም​ልእታ እታ ሃገር ካብ 400 ዝውሕዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ: ስለዚ ዝበዝሑ ኣሕዋት ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዞም ኢዮም ኣብ ኣኼባ ዝካፈሉ ነይሮም።

ንሕናውን ኣብ ኣኼባ ንምክፋል ነቲ ሲድኒ ሃርበር ዝበሃል ድልድል ክንሰግር ነበረና። እቲ ድልድል ብ1932 ቅድሚ ምህናጹ: ብጃልባ ንሰግር ነበርና። ነዚ ጕዕዞ እዚ ንምግባር እነጥፍኦ ዝነበርና ግዜ ዀነ ገንዘብ ብዘየገድስ: ካብቲ የሆዋ ዘዳለወልና መንፈሳዊ መግቢ ሓንቲ እኳ ኸይትሓልፈና ንጽዕር ነበርና። ካልኣይ ውግእ ዓለም እናቐረበ ይመጽእ ስለ ዝነበረ: ናይ ገለልትነት ጕዳይ እውን ንስድራ​ቤትና ብቐጥታ ኽትንክፋ ስለ ዝዀነ: ኣብ ሓቂ ደልዲልና መሰረት ንምሓዝ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ብዙሕ ጠቒሙና ኢዩ።

እዋን ፈተናታትን በረኸታትን

መጀመርታ 1930ታት ንዓይ ኰነ ንስድራ​ቤተይ ባህ ዘብል እዋን ኢዩ ነይሩ። ብ1930 ተጠመቕኩ: ብ1931 ከኣ ኣብቲ ዅላትና ተንሲእና ነቲ ዘሐጕስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስምና እተቐበልናሉ ዘይርሳዕ ዓብዪ ኣኼባ ተኻፈልኩ። ኣነን ሮይን ኣብ ኵሉ እቲ ማሕበር ክንገብሮ እተተባብዓና ዝነበረት ኣገባባት ስብከትን ወፈራታትን ብምክፋል ምስዚ ስምና ተሰማሚዕና ንኽንነብር ጽዒርና ኢና። ንኣብነት: ብ1932 ነቶም ድልድል ሲድኒ ሃርበር ክምረቕ ከሎ ኽርእዩ ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ጽሑፍ ንምዕዳል ኣብ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ ተኻፊልና ኢና። ብፍላይ ዘይርስዓኒ ኸኣ መጕልሒ ድምጺ እተገጥመለን ማካይን ክንጥቀም ከሎና ኢዩ: ንማኪናና እውን መጕልሒ ድምጺ ኽንገጥመላ ኸኣልና። በዚ ቴክኖሎጂ እዚ ጌርና ኸኣ ሓው ራዘርፎርድ ዝሃቦ ዝርርባት ኣብ ጐደናታት ሲድኒ ኸም ዝቃላሕ ገበርናዮ።

ይኹን እምበር: ኵነታት እናተቐየረን እናጸንከረን ከደ። ብ1932 ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው ንኣውስትራልያ ደቘሳ: ስለዚ ኣነን ሮይን ናብራና ቐሊል ንምግባር ወሰንና። ሓደ ኻብቲ ዝወሰድናዮ ስጕምቲ ናብ ጥቓ እቲ ጉባኤና ምግዓዝ ኢዩ: እዚ ድማ ነቲ ንመጐዓዝያ እነውጽኦ ዝነበርና ወጻኢ ኣጸቢቑ ነከዮ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተባርዐ ግን ቍጠባዊ ጸቕጢ ኣብ ግምት ዝኣቱ ጕዳይ ኣይነበረን።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ ካብ ዓለም ከይኰኑ ዝኣዘዞም ትእዛዝ ብምኽባሮም ተሰጉ: ኣብ ኣውስትራልያ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይነበረን። በቲ ኣብ ግዜ ውግእ ዝጐሃሃር ውዕዉዕ ስምዒት ተለዓዒሎም ኮምዩኒስት ዝብል ስም ለጠፉልና። እዞም ተቓወምቲ እዚኣቶም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር በተን ኣብ ኣውስትራልያ ዝውንንወን ኣርባዕተ መደበር ረድዮ ገይሮም ንሰራዊት ጃፓን መልእኽቲ የመሓላልፉ ኢዮም ዝብል ናይ ሓሶት ወረ ድማ ነዝሑ።

ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህቡ እተጸውዑ መንእሰያት ኣሕዋት ንኽለማመጡ ብዙሕ ጸቕጢ ተገብረሎም። ሰለስቲኦም ደቅና ኣብ እምነቶም ጽኑዓት ብምዃኖምን ገለልትነቶም ብምሕላዎምን ብዙሕ ኢየ ተሓጒሰ። እቲ ዓብዪ ወድና ሪቻርድ ዓመትን መንፈቕን ክእሰር ተፈርደ። ከልቪን ዝበሃል ካልኣይ ወድና ኸኣ ሕልናኡ ዘይፈቕደሉ ተባሂሉ ናጻ ወጸ። ስቱዋርት ዝበሃል ንእሽቶ ወድና ግን ብዛዕባ ገለልትነቱ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ንምክርኻር ብሞተር ብሽክለታ እናተጓዕዘ ኸሎ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ሞተ። እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ብዙሕ ኢዩ ጐዲኡና። እንተዀነ ግን: ኣብ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብቲ የሆዋ ምዉታት ንምትንሳእ ዝኣተዎ መብጽዓን ብምትኳርና ጸኒዕና ኢና።

ነቲ ቐንዲ ነገር ኣይረኸብዎን

ጥሪ 1941 ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣገዱ። ኣነን ሮይን ግን ከምቲ ሃዋርያት የሱስ ዝገበርዎ ኻብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ተኣዘዝና: ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ከኣ ብሕቡእ ዕዮና ነካይድ ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ኢዩ እቶም ኣብ መእተዊ ዝገለጽክዎም ዩኒፎርም ዘይተኸድኑ ፖሊስ ኣብ ገዛይ ዝመጹኒ። ድሕሪኡ እንታይ ኰነ፧

መንነቶም ምስ ፈለጥኩ እተዉ በልክዎም። ኣብ ገዛ ምስ ኣተዉ “ቅድሚ ፍተሻ ምጅማርኩም: ነቲ ዘፍላሕክዋ ሻሂ ክሰቲዶ ምፈቐድኩምለይ፧” ኢለ ሓተትክዎም። እቲ ዘገርም ከኣ ሕራይ በሉኒ። ናብ ክሽነ ኣትየ ናብ የሆዋ ጸለኹ: ህድእ ድማ በልኩ። ምስ ተመለስኩ: ሓደ ኻብቶም ፖሊስ ናብቲ መጽናዕቲ እንገብረሉ ክፍሊ ኣተወ እሞ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ምልክት ዘለዎ ጽሑፋት ብምሉኡ ኣከቦ: ነቲ ኣብታ ንምስክርነት ዝጥቀመላ ቦርሳ ዝጸንሖ ጽሑፋት ኰነ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣይገደፎን።

“ኣብ ካርቶናት ዝሓባእክምዎ ካልእ ጽሑፋት ኣለ​ኩምዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ኣብዚ ጐደና እዚ ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ ኣብ ሰሰሙን ኣኼባ ኸም እትገብሩን ብዙሕ ጽሑፋት ናብኡ ኸም እትወስዱን ሓበሬታ ረኺብና ኢና” በለ።

“ልክዕ ኢዩ ኣይተጋገኻን: ሕጂ ግን እቲ ጽሑፋት ኣብኡ የለን” ኢለ መለስኩሉ።

ንሱ ድማ “እወ: ንፈልጥ ኢና። እቲ ጽሑፋት ኣብዚ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ተቐሚጡ ኸም ዘሎ እውን ንፈልጥ ኢና” በለኒ።

ኣብ መደቀሲ ወድና ነታ ፍሪደም ኦር ሮማኒዝም ዘርእስታ ጽሕፍቲ ዝሓዛ ሓሙሽተ ካርቶናት ረኸቡ።

“ኣብ ጋራጅኩምከ ካልእ ጽሑፍ ኣሎዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ።

“ኣብኡኳ ዋላ ሓንቲ የለን” በልክዎ።

ድሕሪኡ ኣብቲ መመገቢ ኽፍሊ ዝርከብ ከብሒ ምስ ከፈተ: ናይ ጉባኤ ጸብጻብ ንምምላእ እንጥቀመሉ ወረቓቕቲ ረኸበ። ነዚ ወሰዶ እሞ ናብ ጋራጅ ክንከይድ ሓተተኒ።

“ንዑናይ በሉ” በልክዎ።

ናብቲ ጋራጅና ደድሕረይ ሰዓቡ: ኣብኡ ድሕሪ ምፍታሾም ከኣ ከዱ።

እዞም ኣባላት ፖሊስ እዚኣቶም ነተን ሓሙሽተ ካርቶናት ብምርካቦም ዓብዪ ነገር ዝረኸቡ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ቐንዲ ነገር ኣይረኸብዎን። ከመይሲ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊት ኢየ ነይረ: ናይ ኣስፋሕቲ ዝርዝር ስምን ካልእ ኣገዳሲ ሓበሬታታትን እውን ኣብ ገዛና ኢዩ ነይሩ። ኣሕዋት ፍተሻ ኽህሉ ኸም ዝኽእል ስለ ዘጠንቀቑና: ነዚ ሰነዳት እዚ ብጥንቃቐ ሓባእክዎ። ኣብ ጶስጣ ኣእትየ ኣብ ትሕቲ እቲ ቐጠፍ: ሽኮር: ከምኡውን ሓርጭ ዘቐምጠሉ ታኒካታት ገበርክዎ። ገሊኡ እውን ኣብ ጥቓ ጋራጅ ኣብ ዝርከብ ሰፈር ጨራሩ ኣቐመጥክዎ። ስለዚ እቶም ኣባላት ፖሊስ ነቲ ቐንዲ ዝደለይዎ ሓበሬታ ኸይረኸቡ ብጥቕኡ ሓለፉ።

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምጅማር

ብ1947 ደቅና ስለ ዝዓበዩ ናይ ርእሶም ስድራ​ቤት መስረቱ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣነን ሮይን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንጅምር ከም እንኽእል ተሰምዓና። ኣብ ደቡብ ኣውስትራልያ ዝያዳ ዓየይቲ ይድለዩ ስለ ዝነበሩ ቤትና ሼጥና ሓንቲ ሚጽጳ ማለት “ግምቢ ዘብዐኛ” ኢልና ዝሰመናያ ተጐታቲት ቤት ዓደግና። እዚ ዓይነት ኣነባብራ እዚ ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ንኽንሰብኽ ኣኽኣለና። መብዛሕትኡ ግዜ ተዓዪዩ ኣብ ዘይፈልጥ ገጠር ነገልግል ነበርና። ብዛዕባ እቲ ግዜያት እቲ ባህ ዘብል ተዘክሮታት ኣሎኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህራ ዝነበርኩ ሓንቲ በቨርሊ እትበሃል ሰበይቲ ነበረት። ናብ ጥምቀት ቅድሚ ምብጻሓ ኻብቲ ኸባቢ ገዓዘት። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ቅርብ ኢላ በቨርሊ ምዃና ምስ ነገረትኒ እተሰምዓኒ ሓጐስ እሞ ገምትዎ! ምስ በዓል ቤታን ደቃን ንየሆዋ ኸተገልግል ብምርኣየይ ዓብዪ ሓጐስ ኢዩ ተሰሚዑኒ።

ብ1979 ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ናይ ምክፋል ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺበ ኢየ። ኣብቲ ትምህርቲ ኻብ ዝጐልሐ ነገራት ሓደ: ፓይነር ኴንካ ጸኒዕካ ንምቕጻል ጽቡቕ ልማድ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽህልወካ የድሊ ዝብል ነበረ። እዚ ሓቂ ዀይኑ ኢየ ረኺበዮ። መጽናዕቲ: ኣኼባታት: ከምኡውን ኣገልግሎት ቀንዲ ኽፍሊ ህይወተይ ኢዩ ነይሩ። ንልዕሊ 50 ዓመታት ስርዓታዊት ፓይነር ኰይነ ከገልግል ብምኽኣለይ ከም ዓብዪ ኽብሪ ኢየ ዝቘጽሮ።

ናይ ጥዕና ጸገማት ምጽዋር

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ግን ፍልይ ዝበለ ጸገማት ኣጋጢሙኒ ኢዩ። ብ1962 ግላኮማ ዝበሃል ሕማም ዓይኒ ኸም ዘሎኒ ፈለጥኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ሕክምና ኣይነበረን: ስለዚ ዓይነይ እናደኸመ ኸደ። ሮይ እውን ጥዕና እናሰኣነ ኸደ: ብ1983 ከኣ ብሃንደበት ሓመመ እሞ ፍርቂ ሰብነቱ ለመሰ: ክዛረብውን ዘይክእል ኰነ። ብ1986 ድማ ዓረፈ። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከለኹ ብዙሕ ሓገዝ ኢዩ ዝገብረለይ ነይሩ: ስለዚ ብሓቂ የማናይ ኢደይ ኢየ ስኢነ።

እዚ ዅሉ ሽግር እኳ እንተ ኣጋጠመኒ: ነዚ ዝነበረኒ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ንኸየጥፍኦ ጸዓርኩ። ሓንቲ ኣብ ገጠር ንምግልጋል እትምችእ ድልድልቲ ማኪና ገዛእኩ: ጆይስ ጓለይ እናሓገዘትኒ ኸኣ ናይ ፓይነር ኣገልግሎተይ ቀጸልኩ። ዓይነይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናደኸመ ኸደ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ሓንቲ ዓይነይ ፈጺማ ዓወረት። ሓካይም ድማ ብኣርቲፊሻል ዓይኒ ተክኡለይ። ብመረጼን ዓይንን በቲ ብፍሩይ ፊደላት እተዳለወ ጽሑፋትን እናተሓገዝኩ: በታ ዝደኸመት ዓይነይ ገይረ ኣብ መዓልቲ ኻብ ሰለስተ ኽሳዕ ሓሙሽተ ሰዓታት ንመጽናዕቲ አሕልፎ ነበርኩ።

ንመጽናዕቲ ዘሕልፎ ግዜ ወትሩ ኣኽቢረ ኢየ ዝርእዮ። ስለዚ ሓደ መዓልቲ እናጽናዕኩ ኸለኹ ብሃንደበት ምርኣይ ምስ ሰኣንኩ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝሰምበድኩ ክርድኣኩም ይኽእል ኢዩ። ካልእ ሰብ መጺኡ ነቲ መብራህቲ ኸም ዘጥፍኦ ዀይኑ ኢዩ ተሰሚዑኒ። ድሕርዚ ምሉእ ብምሉእ ዓወርኩ። ከመይ ገይረ ደኣ ኢየ እሞ ኸጽንዕ፧ ናይ ምስማዕ ጸገም እኳ እንተሎኒ: ኣውድዮ ካሴታት እሰምዕ ኢየ: ኣባላት ስድራ​ቤተይ ከኣ ብመንፈስ ድልድልቲ ንኽኸውን ፍቕራዊ ደገፍ ይገብሩለይ ኢዮም።

ክሳዕ መወዳእታ ምጽናዕ

ሕጂ ዕድመይ ካብ ሚእቲ ዓመት ንላዕሊ ስለ ዝዀነ: ካልእ ናይ ጥዕና ጸገማት እውን ኣጋጢሙኒ ኢዩ። ስለዚ ብብዙሕ መገድታት ተደሪተ ኢየ። ሓድሓደ ግዜ ዓቕለይ ይጸበኒ። አረ ፈጺመ ኽርኢ ስለ ዘይክእልሲ ምድረ⁠-​ሰማይ ጽልምት ይብለኒ ኢዩ! ገለ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ዝደልዩ ሰባት እንተ ዝረክብ ባህ ምበለኒ: እንተዀነ ግን ምስዚ ዘሎኒ ጥዕና ከይደ ኸናድዮም ኣይክእልን ኢየ። እዚ ኣብ መጀመርታ ጭንቀት ኣሕዲሩለይ ነበረ። ዓቕመይ ውሱን ምዃኑን ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ኽገብር ከም ዘይክእልን ክመሃር ኣድልዩኒ ኢዩ። እዚ ኸኣ ቀሊል ኣይነበረን። እንተዀነ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብምዝራብ ዘሕልፎ ግዜ: ጸብጻብ ክህበሉ ብምኽኣለይ ዓብዪ ሓጐስ ኢየ ዝረክብ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምዝራብ ኣጋጣሚ ኽረክብ ከለኹ: ንኣብነት ኣለይተይ ክመጻ ኸለዋ: ከምኡውን ሸቀጥቲ ዀኑ ካልኦት ሰባት ክመጹኒ ኸለዉ: ነቲ ኣጋጣሚ ብሜላ እጥቀመሉ ኢየ።

ሓደ ኻብቲ ዝረኸብክዎ ባህ ዘብል በረኸታት: ኣርባዕተ ወለዶ ስድራይ ንየሆዋ ብተኣማንነት ከገልግሉ ምርኣየይ ኢዩ። ገሊኣቶም ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዝድለዩሉ ኸባቢ ፓይነራት ኰይኖም የገልግሉ: ገሊኣቶም ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ: ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ቤትኤል የገልግሉ ኣለዉ። ልክዕ ኢዩ: ከምቶም መብዛሕትኦም መሰታታተይ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ቕድሚ ነዊሕ እዋን ክመጽእ ኢየ ተጸብየዮ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፍክዎ 70 ዝኸውን ዓመታት ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ወሰኽ ኰን ኢየ ርእየ! ኣብዚ ኣዝዩ ዓብዪ ስራሕ ብምክፋለይ ዕግበት ይስምዓኒ ኢዩ።

እተን ኣለይተይ ብህይወት ንምጽናሕ ዝሓገዘኒ እምነተይ ምዃኑ ይነግራኒ ኢየን። እዚ እሰማምዓሉ ኢየ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፍ ምዃን እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ኢዩ። ልክዕ ከም ንጉስ ዳዊት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣሪገ: ዕድመውን ጸጊበ ክብል እኽእል ኢየ።​—⁠1 ዜና መዋእል 29:⁠28

(ሓብቲ ሙሬል ስሚዝ እዚ ዓንቀጽ እዚ ንሕትመት ቅድሚ ምብጽሑ ብ1 ሚያዝያ 2002 ሞይታ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጓል 102 ዓመት ንምዃን ሓንቲ ወርሒ ጥራይ ኢያ ተሪፋታ ነይራ: ብተኣማንነትን ጽንዓትን ዝመጸ ድማ ብሓቂ ኣብነት እትኸውን ኢያ።)

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ጓል ሓሙሽተ ዓመት ኣቢለ ኸለኹ ከምኡውን ጓል 19 ዓመት ኰይነ ምስ ሮይ ሰብኣየይ ኣብ እተራኸብኩሉ እዋን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ማኪናናን እታ ሚጽጳ ዝሰመናያ ተጐታቲት ቤትናን

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ብ1971 ምስ በዓል ቤተይ ሮይ