ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ራዛ እንረኽቦ ትምህርቲ

ካብ ራዛ እንረኽቦ ትምህርቲ

ካብ ራዛ እንረኽቦ ትምህርቲ

 ነብዪ ኤርምያስ እቶም ከሓድቲ ህዝቢ ይሁዳ ንየሆዋ ኣምላኾም ሓዲጎም ናብ ጓኖት ኣማልኽቲ ብምጽግዖም ብዛዕባ ዝወርዶም ፍርዲ የሆዋ ኽእውጅ ከሎ “ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ . . . ህዝበይ ግና ፍትሒ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን እዩ” በለ። (ኤርምያስ 7:⁠18, 31፣ 8:⁠7) ኤርምያስ ንራዛ ነቶም ዘይእሙናት ኣይሁዳውያን ከም መምሃሪ ገይሩ ዝመረጾ ስለምንታይ ኢዩ፧

ራዛ ብፍላይ እኳ ጻዕዳ ራዛ ኣብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ፍሉጣት ሃገራት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኽጓዓዝ ከሎ ምርኣይ ንእስራኤላውያን ልሙድ ተርእዮ ኢዩ ነይሩ። እዚ ነዊሕ ዝእግሩ ዓቢ ዑፍ ብእብራይስጢ ናይ ኣንስተይቲ ስም ብምዃኑ “ተኣማኒት: ኣፍቃሪት: ሕያወይቲ:” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። ኣንስተይትን ተባዕታይን ጸዓዱ ራዛታት ምሉእ ህይወቶም ከይተፈላለዩ ብሓደ ዝነብሩ ብምዃኖም እዚ ስም እዚ ምስኦም ዝሰማማዕ ኢዩ: ኣብ መብዛሕትአን ካልኦት ኣዕዋፍ ግን እዚ ባህርይዚ የለን። መብዛሕትኦም ራዛታት ዓመት ዓመት ኣብ ግዜ ቘራሪ ወርሓት ናብ ምውቕ ከባቢ ይኸዱ እሞ ጸኒሖም ግን ናብታ ዝነበርዋ ጎጆ ኢዮም ዝምለሱ።

እዚ ናይ ራዛ ባህርያዊ ጠባይ ብኻልእ መገድታት እውን ብዛዕባ ተኣማንነት ኣብነት ይህብ ኢዩ። እቲ ተባዕታይን እታ ኣንስተይትን ኣብቲ እንቛቍሖ ናይ ምሕቛፍን ነቶም ጨቓዊት ናይ ምዕንጋልን ዕዮ ይካፈሉ ኢዮም። እታ ኣዋር ማግኒፊሰንት ዋይልድላይፍ እተባህለት መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ራዛታት ከም ወለዲ መጠን ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ተኣማንነት ፍሉይ ኢዩ። ኣብ ጀርመን ሓደ ተባዕታይ ራዛ እናነፈረ ኸሎ ናይ ኤለክትሪክ ገመድ ይሕዞሞ ይመውት። እታ ብጸይቱ ነቲ እንቋቝሖ ን3 መዓልቲ በይና ሓቖፈቶ: ኣብዚ ግዜ ነቲ ጎጆ ገዲፋ ዝወጸትሉ ሓደ ግዜ ጥራይ ክኸውን ከሎ ንሱ እውን ንሓጺር ግዜ መግቢ ንምድላይ ኢዩ። . . . ኣብ ካልእ ከም እተራእየ ድማ እታ ኣንስተይቲ ራዛ ምስ ተቐትለት: እቲ ኣቦ ነቶም ጨቓዊት በይኑ ኣዕበዮም።”

እወ: ራዛታት ብባህርያዊ መገዲ ንመጻምድቶም ተኣማንነት ንደቆም ከኣ ሓልዮት ብምርኣይ ምስቲ “ተኣማኒት” ዝብል ትርጕም ስሞም ተሰማሚዖም ኢዮም ዝነብሩ። ስለዚ ራዛታት ነቶም ዘይእሙናትን ተረርቲ ኽሳድ ንዝነበሩ እስራኤላውያን ዓብዪ ትምህርቲ ኢዮም ነይሮም።

ሎሚ ብዙሓት ሰባት እሙን ምዃን ክበሃል ከሎ ብግብሪ ኽርአ ዘይክኣል ግዜኡ ዝሓለፎ ነገር ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። ፍትሕ: ጥልመት: ምጥፍፋእ ከምኡውን ካልእ ዓይነት ምትላላት ገኒኑ ይርአ ምህላዉ ተኣማንነት ከም ዝጠፍአ ዘርኢ ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ተኣማንነት ብፍቕርን ሕያውነትን ከም ዝለዓዓል ብምጕላሕ ዓብዪ ግምት ኢዩ ዝህቦ። ንክርስትያናት ከኣ “እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን [“ተኣማንነትን:” NW ] ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ብምባል ይምሕጸኖም። (ኤፌሶን 4:24) እወ: ሓድሽ ሰብነት እሙናት ክንከውን ዝሕግዘና እኳ እንተዀነ ካብ ራዛ እውን ብዛዕባ ተኣማንነት ክንመሃር ንኽእል ኢና።