ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዮጋ ኣካላዊ ምልምማድ ጥራይ ድዩ ወይስ ካልእ ነገር ዘጠቓልል፧

ዮጋ ኣካላዊ ምልምማድ ጥራይ ድዩ ወይስ ካልእ ነገር ዘጠቓልል፧

ዮጋ ኣካላዊ ምልምማድ ጥራይ ድዩ ወይስ ካልእ ነገር ዘጠቓልል፧

ሎሚ ብዙሓት ሰባት ሸጥ ዝበለ ቕርጺ ኣካላትን ጥዕናን ክረኽቡ ይደልዩ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ናብ ጂምናዝዩም ወይ ናብ ናይ ጥዕና ክበባት ምኻድ የዘውትሩ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝርከቡ ሰባት እውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ነቲ ኣብ ምብራቓውያን ሃገራት ብሰፊሑ ልሙድ ዝዀነ ዮጋ የዘውትሩ ኣለዉ።

ውጥረት ዝበዝሖም: ናይ መንፈስ ጭንቀት ዘለዎም: ከምኡውን ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት: ምጽንናዕን ፍታሕን ንምርካብ ኢሎም ዮጋ ኸዘውትሩ ጀሚሮም ኣለዉ። ብፍላይ ካብቲ ስግንጢር ዓይነት ኣነባብራ ዘስፋሕፍሓሉ 1960ታት ኣትሒዙ እቶም ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ኣብ ሃይማኖት ምብራቓውያንን ምስጢራዊ ልምድታቶምን ዝያዳ ተገዳስነት ከሕድሩ ጀሚሮም ኢዮም። እቲ ዮጋ ዝመበቈሉ ድጋም እናደገምካ ዝግበር ምስትንታን: ብውሩያት ተዋሳእትን ብናይ ሮክ ሙዚቀኛታትን ህቡብ እናዀነ ኸደ። እምበኣር ብዙሓት ኣብ ዮጋ ተገዳስነት የሕድሩ ብምህላዎም ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ዮጋ ንተጠቃሚኡ ጥዕናን ጽቡቕ ቅርጺ ኣካላትን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ዝህብ ተግባር ጥራይ ድዩ፧ ምስ ሃይማኖት ከየተኣሳሰርካ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ዲኻ፧ ክርስትያናት ከዘውትርዎ ይኽእሉ ድዮም፧’

መበቈል ዮጋ

እታ “ዮጋ” እትብል ቃል ኣብ ኣርዑት ምጽማድ: ኣብ ኣርዑት ምቝራን: ወይ ምቍጽጻር ካብ ዝብል ትርጕም ዝመነጨት ኢያ። ንሰዓብቲ እምነት ሂንዱ ዮጋ ኽበሃል ከሎ ምስ ዓብዪ ልዕለ⁠-​ባህርያዊ ሓይሊ ወይ ምስ መንፈስ ሓድነት ናብ ምህላው ዝመርሕ ሜላ ወይ ርእስኻ እትቈጻጸረሉ ኣገባብ ማለት ኢዩ። “ንዅሉ እቲ ኣብ ኣካልካን ኣእምሮኻን ነፍስኻን ዘሎ ሓይልታት ምስ ኣምላኽ ምቝራን” ተባሂሉ እውን ተገሊጹ ኣሎ።

ዮጋ ኻብ መዓስ ኣትሒዙ ኢዩ ኽዝውተር ጀሚሩ፧ ኣብቲ ኣብ ፓኪስታን ዝርከብ ስንጭሮ ኢንደስ: እተፈላለየ ኣቃውማ ወይ ኣቀማምጣ ዮጋ ዘለዎም ሰባት ዘርኢ ስእልታት ተረኺቡ ኢዩ። ናይ ስነ⁠-​ጥንቲ ተመራመርቲ ኸም ዘረጋገጽዎ ኣብ ስንጭሮ ኢንደስ ዝነበረ ስልጣነ ካብ 3,000-2,000 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኸም ዝነበረ: እዚውን ምስቲ ኣብ መሶጶታምያ ዝነበረ ስልጣነ ዝቀራረብ ምንባሩ ሓቢሮም ኢዮም። ኣብ ክልቲኡ ቦታታት እተረኽበ ውጽኢት ኢደ⁠-​ስራሕ ዝዀነ ጣኦት ኣብ ርእሱ ቀርኒ ዝገበረ እሞ ብእንስሳታት እተኸበ ኣምላኽ የርኢ: እዚ ኸኣ ነቲ “ጅግና ሃዳኒ” ዝነበረ ኒምሮድ ዘመልክት ኢዩ። (ዘፍጥረት 10:⁠8, 9) ሰዓብቲ እምነት ሂንዱ እቶም ብመሰረት ኣቀማምጣ ዮጋ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ምስልታት ነቲ ብቕርጺ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ዝምለኽ ጐይታ እንስሳታትን ጐይታ ዮጋን ዝብልዎ ሲቫ ዝበሃል ኣምላኾም ከም ዘመልክት ይገልጹ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እታ ሂንዱ ዎርልድ ዘርእስታ መጽሓፍ ንዮጋ “ጥንታዊ ኣምራትን ጽምብላትን ዘጠቓልል ቅድሚ ኣርያን ዝመበቈሉ ባሕታውያን ዝጥቀሙሉ ስርዓት” ብምባል ገሊጻቶ ኣላ።

ኣብ ዮጋ ዝጥቀምሉ ሜላታት መጀመርታ ብቓል ኢዩ ዝመሓላለፍ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ ፓታንጃሊ ብዝበሃል ህንዳዊ ናይ ዮጋ ክኢላ ኣብታ ዮጋ ሱትራ እትበሃል መጽሓፍ ኣስፈሮ: እዚ ድማ ቀንዲ መምርሒ ዮጋ ኰነ። ብመሰረት ፓታንጃሊ: ዮጋ “ንሰብኣዊ ተፈጥሮ ማለት ንኣካላዊ ዀነ ንኣእምሮኣዊ ባእታታት ብምቍጽጻር ፍጽምና ንምርካብ እትጽዕረሉ ሜላ ኢዩ።” ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ: ዮጋ ዘይንጸል ክፍሊ ሃይማኖታት ምብራቕ ኰይኑ ኣሎ፣ ሕጂ ኸኣ ብፍላይ ኣብ ሂንዱዝምን ጀይኒዝምን ቡድሂዝምን ይርከብ ኢዩ። ሸቶ ናይ ገሊኣቶም ዮጋ ዘዘውትሩ ሰባት ምስቲ ኣብ ኵሉ ተዘርጊሑ ዝርከብ መንፈስ ሕብረት ብምግባር ኣብ ሞክሻ ማለት ሓርነት ምብጻሕ ኢዩ።

ስለዚ እምበኣር ‘ምስ ሃይማኖታዊ ነገራት ከየተሓሓዝካ: ዮጋ ጌርካ ጥዕና ወይ ናይ ኣእምሮ ሰላም ክርከብ ይከኣል ድዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። መበቈሉ ኣብ ግምት ከነእትዎ ኸሎና መልሱ ኣይከኣልን ኢዩ ዝብል ይኸውን።

ዮጋ ናብ ምንታይ ክመርሓካ ይኽእል፧

ዕላማ ዮጋ ንሓደ ሰብ ምስ ልዕለ⁠-​ሰብኣዊ መንፈስ “ንኽቝረን” ወይ ንኽሓብር ዘኽእል ርእስኻ ናይ ምቍጽጻር ተግባር ኢዩ። እንተዀነ ግን ምስ ኣየናይ መንፈስ ኢዩ ዘሕብሮ፧

ኣብታ ሂንዱ ዎርልድ ዘርእስታ መጽሓፍ: ደራሲ በንጃሚን ዎከር ብዛዕባ ዮጋ ኸምዚ በለ:- “ናይ ሽሕር ጽምብል ዝካየደሉ ጥንታዊ ኣገባብ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እቲ ዮጋ ዝብል ቃል እውን ሽሕርን ኣስማትን ዝብል ትርጕም ዝሓቘፈ ኢዩ።” ህንዳውያን ፈላስፋታት ቀንዲ ዕላማ ዮጋ ልዕለ⁠-​ባህርያዊ ሓይሊ ንምርካብ ኣይኰነን ዝብሉ እኳ እንተዀኑ: ነዚ ዘዘውትር ሰብ ግን እዚ ዓይነት ሓይሊ ኽረክብ ከም ዝኽእል ይእመኑ ኢዮም። ንኣብነት: ፕረዚደንት ህንዲ ነበር ዶ/ር ኤስ. ራዳክሪሽናን ኣብታ ኢንድያን ፊሎሶፊ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ ዮጋ ዘዘውትር ሰብ ከምዚ በለ:- “ብኣቃውማኡ ገይሩ ንኣካሉ ምስ ዝቈጻጸሮ: ብርቱዕ ዋዒ ዀነ ዛሕሊ ኣይስምዖን ኢዩ። . . . ዮጋ ዘዘውትር ሰብ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ነገር ክርእን ክሰምዕን ይኽእል ኢዩ። . . . ሓደ ሰብ ነቲ ዝሓስቦ ነገር በቲ መልእኽቲ ዝመሓላለፈሉ ንቡር መገዲ ኸይተጠቕመ ናብ ካልእ ሰብ ከመሓላልፎ ይኽእል ኢዩ። . . . እቲ ዮጋ ዘዘውትር ሰብ ንኣካላቱ ብዓይኒ ሰብ ከም ዘይርአ ኽገብሮ ይኽእል ኢዩ።”

ዮጋ ዘዘውትር ሰብ ኣብ መሳምር ምስ ዝድቅስ ወይ ኣብ ልዕሊ ጉሁር ፈሓም ምስ ዝኸይድ ንገሊኣቶም የዐሽዎም ዘሎ ይመስሎም: ገሊኣቶም እውን ከም መስሓቕ ገይሮም ይርእይዎ። እዚ ተግባር እዚ ግን ኣብ ህንዲ ልሙድ ኢዩ። ብሓንቲ እግርኻ ደው ኢልካ ንብዙሕ ሰዓታት ንጸሓይ ቀው ኢልካ ምጥማት ኰነ ንነዊሕ እዋን እስትንፋስካ እናተቘጻጸርካ ኣብ ሑጻ ተቐቢርካ ምጽናሕ እውን እተለምደ ትርኢት ኢዩ። ኣብ ናይ ሰነ 1995 ሕታም ዘ ታይምስ ኦቭ ኢንድያ ሓንቲ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝዕድሚኣ ጓል ዓንዚዛ በጥ ኢላ ኸላ ልዕሊ 750 ኪሎ ግራም ዝኽብደታ ማኪና ረጊጻታ ከም ሓለፈት ሓበረት። ክትበራበር ከላ ግን ምንም ጕድኣት ስለ ዘይወረዳ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ኣስተንኪሮም ኢዮም። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “እዚ ኽግበር እተኻእለ ምሉእ ብምሉእ ብናይ ዮጋ ሓይሊ” ምዃኑ ገለጸ።

ዋላ ሓደ ተራ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ክፍጽም ከም ዘይክእል ዘተሓታትት ኣይኰነን። ስለዚ ሓደ ክርስትያን ከምዚ ኢሉ ኽሓትት ይግባእ:- እዚ ጅግንነታዊ ተግባር እዚ እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧ እቲ ሓይሊ ኻብቲ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝመጸ ድዩ ወይስ ካብ ካልእ ምንጪ፧ (መዝሙር 83:⁠18) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ መዳይ እዚ ንጹር ኢዩ። እስራኤላውያን ነታ ከነኣናውያን ዝነብርዋ ዝነበሩ ምድሪ ተስፋ ኽወርስዋ ምስ ቀረቡ: የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ “ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር” በሎም። ብዛዕባ እንታይ “ጽያፍ” ኢዩ ዝዛረቦም ነይሩ፧ ሙሴ ኻብ “መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ አስማተኛ” ኽርሕቁ ኸም ዘለዎም ኢዩ ኣጠንቂቕዎም። (ዘዳግም 18:9, 10) እዚ ስራሕ ኣጋንንትን ግብሪ ስጋን ስለ ዝዀነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽዩፍ ኢዩ።​—⁠ገላትያ 5:⁠19-21

ክርስትያናት ካብዚ ክርሕቑ ይግባእ

ናይ ጥዕና ፈላጣት ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ከም ዘይሰማምዑ ዋላ እውን እንተ ገለጹ: ዮጋ ኣካላዊ ልምምድ ጥራይ ዘይምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። እታ ሂንዱ ማነርስ: ካስተምስ ኤንድ ሴረሞኒስ ዘርእስታ መጽሓፍ ሓደ ጉሩ ወይ ናይ ሃይማኖት መምህር ዘሰልጥኖም ክልተ ናይ ዮጋ ጀመርቲ ተማሃሮ ዘጋጠሞም ተመክሮ ተዘንቱ። እቲ ሓደ ኸምዚ በለ:- “ከየስተንፈስኩ ንነዊሕ እዋን ንምጽናሕ ካብቲ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ንላዕሊ ጻዕሪ ገበርኩ: ውኖይ ክጠፍኣኒ ምስ በለ ጥራይ ከኣ አስተንፍስ ነይረ። . . . ሓደ መዓልቲ ፋዱስ ምስ ኰነ ናብዝን ናብትን እትመላለስ ድምቕቲ ወርሒ ዝረኣኹ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ካልእ እዋን ከኣ ፍርቂ መዓልቲ ኸሎ ብጸልማት እተጐልበብኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። እቲ መምህረይ . . . ነዚ ራእያት እዚ ምስ ገለጽኩሉ ኣዝዩ ተሓጐሰ። . . . ካብቲ ነስሓይ ንምግላጽ ዝገብሮ ዘለኹ ነገራት ዘደንቕ ፍረ ዝርእየሉ እዋን ርሑቕ ከም ዘይኰነ ኣረጋገጸለይ።” እቲ ኻልኣይ ከኣ ከምዚ በለ:- “መዓልቲ መዓልቲ ዓይነይ ሰም ከየበልኩ ወይ ኣንፈተይ ከይቀየርኩ ቀው ኢለ ናብ ሰማይ ክጥምት ኣገደደኒ። . . . ሓድሓደ ግዜ ኣብ ኣየር ብልጭታ ናይ ሓዊ: ኣብ ካልእ ግዜ ኸኣ ሓዊ ዘለዎ ከበብቲ ነገራት ወይ በረርቲ ከዋኽብቲ ዝረኣኹ ኰይኑ ተሰምዓኒ። መምህረይ በቲ ፍረ ጻዕረይ ኣዝዩ ተሓጐሰ።”

እቶም ናይ ሃይማኖት መምህራን ዮጋ ብምዝውታር ናብቲ ቐንዲ ዕላማ ንምብጻሕ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ እዚ ፍልይ ዝበለ ትርኢታት ከጋጥም ዘለዎ ኽስተት ከም ዝዀነ ኢዮም ዝሓስቡ። እወ: እቲ ቐንዲ ዕላማ ዮጋ ሞክሻ ምርካብ ማለት ምስ ሓደ ኣካል ዘይብሉ ዓብዪ መንፈስ ገዛእ ርእስኻ ምቝራን ኢዩ። “ነቲ ኽትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ናይ ምሕሳብ ክእለትካ (ኰነ ኢልካ) ምቍራጽ” ተባሂሉ ኸኣ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ምስቲ ክርስትያናት ክበጽሕዎ ዘለዎም ሸቶ ብንጹር ዝጻረር ኢዩ። ከመይሲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ማዕዳ ተዋሂብዎም ኣሎ:- “ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ: . . . እምዕደኩም አሎኹ: እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።”​—⁠ሮሜ 12:1, 2

ኣካላዊ ምልምማድ ምግባር ብሕታዊ ምርጫ ኢዩ። ክርስትያናት ግን ኣካላዊ ልምምዶም ኰነ ዝበልዕዎ: ዝሰትይዎ: ዝኽደንዎ: ዝዘናግዑሉ: ወይ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ንኸበላሽዎ ኣይፈቕድሉን ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 10:⁠31) እቶም ጥዕና ጥራይ ክረኽቡ ኢሎም ኣካላዊ ምልምማድ ክገብሩ ዝደልዩ: ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዀነ ሽሕር ዘይተሓሓዝ ካልእ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ካብቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝመበቈሉ ልምድታትን እምነታትን ምስ እንርሕቕ: ኣካላውን ኣእምሮኣውን ፍጽምና ንዘለኣለም እንረኽበሉ ኣምላኽ ዘምጽኦ ጽድቃዊ ሓድሽ ኣገባብ ብሃንቀውታ ኽንጽበ ንኽእል ኢና።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13፣ ራእይ 21:⁠3, 4

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ሰባት ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዘይተሓሓዝ ንጥዕና ዝጠቅም ነገራት የዘውትሩ ኢዮም