ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ”

“መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ”

“መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ”

“ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ።”​—⁠እብራውያን 5:12

1. እተን ኣብ እብራውያን 5:⁠12 ዝርከባ ቓላት ንክርስትያናት ብእተወሰነ ደረጃ ዘተሓሳስባኦም ስለምንታይ ኢየን፧

 ነዚ መንፈስ ዝነፈሶ ናይዛ ዓንቀጽ ቀንዲ ጥቕስና ኸተንብብ ከሎኻ: ቅሩብዶ ኣተሓሳሲቡካ፧ ከምዚ እንተ ተሰሚዑካ: እዚ ስምዒት እዚ ንበይንኻ ጥራይ ከም ዘይተሰምዓካ ኣይትረስዕ። ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን: መምህራን ክንከውን ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) እዚ እንነብሮ ዘሎና እዋን ንኣመሃህራና ብእተኻእለ መጠን ብሉጽ ክንገብሮ ይድርኸና ኢዩ። እቲ ትምህርትና ኸኣ ነቶም እንምህሮም ሰባት ናይ ሞትን ህይወትን ጕዳይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና! (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16) ስለዚ እምበኣር ንርእስና ‘ከምቲ ክዀኖ ዝግብኣኒ ዓይነት መምህር ድየ፧ ብኸመይከ ክእለተይ ከመሓይሽ እኽእል፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

2, 3. (ሀ) ሓደ መምህር መሰረት ናይ ጽቡቕ ኣመሃህራ ብኸመይ ገለጾ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ምምህርና እንታይ መርኣዪ ኢዩ ዝገደፈልና፧

2 እዚ ዘተሓሳስብ ጕዳይ እኳ እንተዀነ ተስፋ ኸቝርጸና ግን የብሉን። ምምህርና ፍሉይ ክእለት ዝሓትት ከም ዝዀነ ጌርና እንተ ሓሲብና: ምምሕያሽ ንምግባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ ጌርና ኽንወስዶ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: መሰረት ጽቡቕ ኣመሃህራ: ኣብ ክእለት ዘይኰነስ ኣብ ካልእ ኣገዳሲ ነገር ኢዩ ዝምርኰስ። ሓደ ተመክሮ ዘለዎ መምህር ብዛዕባዚ ጕዳይ ኣብ ሓደ መጽሓፍ እንታይ ኢሉ ኸም ዝጸሓፈ እሞ ኣስተብህል:- “ውጽኢታዊ ምምህርና እተፈልየ ጥበብ: ኣገባብ: መደብ: ወይ ተግባር ናይ ዝሓዝካ ኣይኰነን። . . . ምምህርና ብቐዳምነት ናይ ፍቕሪ ጕዳይ ኢዩ።” ልክዕ ኢዩ: እዚ ሰብ እዚ ብዛዕባ ዓለማዊ ምምህርና ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እቲ ሓሳባቱ ኣብቲ ኸም ክርስትያናት መጠን እንፍጽሞ ምምህርና ብዝያዳ ኽውዕል ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧

3 ብምምህርና ዝመጸ ኣርኣያ ዝዀነና ኻብ የሱስ ክርስቶስ ሓሊፉ ኻልእ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። የሱስ ንሰዓብቱ “መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” በሎም። (ዮሃንስ 13:15) ከምዚ ኽብል ከሎ ትሕትና ብምርኣይ ዝመጸ ዝገደፈሎም ኣብነት ክስዕቡ ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ: እንተዀነ ግን ኣብቲ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ቐንዲ ዕዮ ማለት ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምምሃር እውን ኣብነት ከም ዝገደፈልና ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ሉቃስ 4:⁠43) ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ነቲ የሱስ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ብሓንቲ ቓል ግለጾ እንተ ትበሃል: ነታ “ፍቕሪ” እትብል ቃል ምመረጽካ። (ቈሎሴ 1:⁠15፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠8) የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ: ንየሆዋ: ብርቱዕ ፍቕሪ ኣለዎ። (ዮሃንስ 14:⁠31) ከም መምህር መጠን ግን ብኽልተ ኻልእ መዳያት እውን ፍቕሪ ኣርእዩ ኢዩ። ነቲ ዝምህሮ ዝነበረ ሓቅታት ኣፍቀሮ: ነቶም ዝምህሮም ዝነበረ ሰባት እውን ኣፍቀሮም። ኣብዘን ክልተ መዳያት እዚኣተን እንታይ ኣርኣያ ኸም ዝገደፈልና እስከ ንርአ።

ንመለኮታዊ ሓቅታት ዘለዎ ዘይሃስስ ፍቕሪ

4. የሱስ ንትምህርትታት የሆዋ ፍቕሪ ዝሓደሮ ብኸመይ ኢዩ፧

4 ሓደ መምህር ነቲ ዝምህሮ ዓይነት ትምህርቲ ዘለዎ ኣረኣእያ: ኣብቲ ኣመሃህራኡ ዓብዪ ጽልዋ ይገብር ኢዩ። ነቲ ዝምህሮ ትምህርቲ ዘይግደሰሉ እንተ ዀይኑ: እዚ ኣረኣእያ እዚ ብኡንብኡ ናብ ተማሃሮኡ ይሰግር። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ የሆዋን መንግስቱን ዝገልጽ ሓቅታት ወትሩ ተገዳስነትን ዓሚቝ ፍቕርን ነበሮ። እዚ ፍቕሪ እዚ ኽሓድሮ ዝኸኣለ ኸኣ ገና ተማሃራይ ከሎ ኢዩ። ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ዝነበረ ነዊሕ እዋን: እዚ ወዲ ኣምላኽ እዚ ህርኩት ተማሃራይ ኢዩ ነይሩ። ኢሳይያስ 50:⁠4, 5 ነዚ ጽቡቕ ገይራ ኢያ እትገልጾ:- “ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ: ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ: ንእዝነይ የንቅሖ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ: ኣነውን ኣይአቤኹን: ኣየድሓርሓርኩን።”

5, 6. (ሀ) የሱስ ክጥመቕ ከሎ እንታይ ኢዩ ኣጋጢምዎ: እዚኸ እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧ (ለ) የሱስን ሰይጣንን ንቓል ኣምላኽ ኣብ ዝነበሮም ኣጠቓቕማ እንታይ ፍልልይ ኢና እንርኢ፧

5 የሱስ ሰብ ኰይኑ ኽዓቢ ኸሎ እውን ነታ መለኮታዊት ጥበብ የፍቅራ ነበረ። (ሉቃስ 2:⁠52) ድሕርዚ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ: ፍሉይ ነገር ኣጋጠሞ። ሉቃስ 3:⁠21 “ሰማይ ተኸፍተ” ትብለና። ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ነቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዘሕለፎ ህይወት ክዝክር ከም ዝኸኣለ ፍሉጥ ኢዩ። ድሕሪኡ 40 መዓልትታት ኣብ በረኻ ጾመ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ከሎ ኻብ የሆዋ ዝረኸቦ ትምህርትታት ብምስትንታኑ ዓብዪ ሓጐስ ረኺቡ ክኸውን ኣለዎ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ንሓቂ ዝነበሮ ፍቕሪ ተፈተነ።

6 የሱስ ደኺሙን ጠምዩን ከሎ: ሰይጣን ክፍትኖ መጸ። ኣብዞም ክልተ ደቂ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ፍልልይ ኰን ኢዩ ዘሎ! ክልቲኣቶም ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጠቐሱ: እንተዀነ ግን ፈጺሙ እተፈላለየ ኣረኣእያ ነበሮም። ሰይጣን ንቓል ኣምላኽ ጠውዩ ነቲ ስስዐ ዝመልኦ ሸቶኡ ንምውቃዕ ብንዕቀት ተጠቕመሉ። ብሓቂ እዚ ዓለወኛ እዚ ንመለኮታዊ ሓቅታት ንዕቀት ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን የሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝሃቦ መልሲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብጥንቃቐ ስለ ዝጠቐሰ ብርግጽ ፍቕሪ ኸም ዝነበሮ ኣርእዩ ኢዩ። እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ቅድሚ ምጽሓፉ ነዊሕ እዋን ኣቐዲሙ ይነብር እኳ እንተ ነበረ: ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። ካብ ሰማያዊ ኣቦኡ እተገልጸ ኽቡር ሓቅታት ኢዩ! ንሰይጣን ድማ ካብ ኣፍ የሆዋ ዝወጽእ ቃል ካብ መግቢ ንላዕሊ ኸም ዘድሊ ነገሮ። (ማቴዎስ 4:⁠1-11) እወ: የሱስ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝመሃሮ ሓቅታት የፍቅሮ ነይሩ ኢዩ። ነዚ ፍቕሪ እዚ ግን ከም መምህር መጠን ብኸመይ ኣርኣዮ፧

ነቲ ዝምህሮ ሓቅታት ዝነበሮ ፍቕሪ

7. የሱስ ናይ ርእሱ ትምህርትታት ዘይመሃዘ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 የሱስ ነቲ ዝምህሮ ሓቅታት ዝነበሮ ፍቕሪ ንጹር ኢዩ ነይሩ። ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳባት ከማዕብል ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ኣዝዩ ሰፊሕ ፍልጠትን ጥበብን ነይርዎ ኢዩ። (ቈሎሴ 2:⁠3) ይኹን እምበር: ኵሉ እቲ ትምህርቱ ካብ ርእሱ ዘይኰነስ ካብ ሰማያዊ ኣቦኡ ከም ዝዀነ ንሰማዕቱ ብተደጋጋሚ ገለጸሎም። (ዮሃንስ 7:⁠16፣ 8:⁠28፣ 12:⁠49፣ 14:⁠10) ንመለኮታዊ ሓቅታት ኣዝዩ ኻብ ምፍቃሩ እተላዕለ: ብናይ ርእሱ ኣተሓሳስባ ኽትክኦ ኣይደለየን።

8. የሱስ ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎቱ: ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም ዝውከል ኣርኣያ ዝገደፈ ብኸመይ ኢዩ፧

8 የሱስ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ: ቀልጢፉ ኢዩ ኣርኣያ ዝገደፈ። ንኣብነት ነቲ ንህዝቢ ኣምላኽ መሲህ ምዃኑ ንፈለማ ግዜ ዝገለጸሎም መገዲ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እኩባት ሰባት ኣብ ዘለዉዎ ኸይዱ ኣነ ክርስቶስ ኢየ ድሕሪ ምባል መረጋገጺ ምእንቲ ክዀኖም ተኣምራት ድዩ ገይሩ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ ናብቲ ህዝቢ ኣምላኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘንብቡሉ ቤት ጸሎት ከደ። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 61:⁠1, 2 ዝርከብ ትንቢት ዓው ኢሉ ኣንበበሎም: ድሕሪኡ እዚ ትንቢታዊ ሓቂ እዚ ኣብኡ ኸም ዝውዕል ገለጸሎም። (ሉቃስ 4:⁠16-22) እቲ ዝፈጸሞ ብዙሕ ተኣምራት ደገፍ የሆዋ ኸም ዘለዎ ዘረጋግጽ ነበረ። እንተዀነ ግን: ክምህር ከሎ ዅሉ ሳዕ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ዝምርኰስ ነይሩ።

9. የሱስ ምስ ፈሪሳውያን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ንቓል ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

9 የሱስ ካብ ሃይማኖታውያን ተጻረርቱ ብድሆ ምስ ገጠሞ እውን ብውርጹጽ ዘረባ ገይሩ ኽረትዖም ዝኽእል እኳ እንተ ነበረ: ከምኡ ግን ኣይገበረን። ኣብ ክንድኡስ ብቓል ኣምላኽ ገይሩ ጌጋኦም ሓበሮም። ንኣብነት: ሓደ ግዜ ሰዓብቲ የሱስ ብማእከል ግርሁ እናሓለፉ ኸለዉ ሰዊት ምሕዮም ብምብልዖም ናይ ሰንበት ሕጊ ኣፍሪሶም ብምባል ፈሪሳውያን ዝኸሰሱሉ እዋን እሞ ዘክር። የሱስ ‘ዳዊት: ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ ዝገበሮ ኣየንበብኩምንዶ፧’ ኢሉ ሓተቶም። (ማቴዎስ 12:⁠1-5) ርግጽ ኢዩ: እዞም ገዛእ ርእሶም ዘጽድቑ ሰባት ነቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 21:⁠1-6 ዝርከብ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ኣንቢቦምዎ ይዀኑ ኢዮም። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብኡ ዘሎ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣይተረድኦምን። የሱስ ግን ነቲ ጸብጻብ ኣንቢብዎ ጥራይ ኣይሓለፈን። ብዛዕባ እቲ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ሓሲቡ: ኣብ ልቡ ድማ ኣሕዲርዎ ኢዩ። ነቲ የሆዋ በዚ ጸብጻብ ኣቢሉ ዝመሃሮ መሰረታዊ ስርዓት የፍቅሮ ነበረ። ስለዚ ነቲ ጸብጻብን ካብ ሕጊ ሙሴ ዝረኸቦ ኣብነትን ገይሩ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ኽህሉ ዝግባእ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ገለጸ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንጥቕሚ ርእሶም ኢሎም ንቓል ኣምላኽ ክጠውይዎ ወይ ብስርዓታት ሰብ ገይሮም ክዓብጥዎ ክፍትኑ ኸለዉ: የሱስ ንቓል ኣምላኽ ዝነበሮ ፍቕሪ ንኽጣበቐሉ ደረኾ።

10. የሱስ ነቲ ብዛዕባ ናይ ኣመሃህራ ኽእለቱ ዝገልጽ ትንቢት ዝፈጸመ ብኸመይ ኢዩ፧

10 የሱስ ነቲ ዝምህሮ ሓቅታት ዝነበሮ ፍቕሪ ንትምህርትታቱ ተደጋጋሚ ወይ ዘሰልኪ ንኸይገብሮ ደሪኽዎ ኢዩ። እቲ መሲህ ክዛረብ ከሎ ‘ኣብ ከናፍሩ ውቃበ’ ከም ዝህሉን “ጥዑም ቃል” ከም ዘውስእን መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢታት ይገልጽ ኢዩ። (መዝሙር 45:⁠2፣ ዘፍጥረት 49:⁠21) የሱስ ነቲ ዘፍቅሮ ሓቅታት ብ“ዘረባ ጸጋ” ገይሩ ብምቕራብ ከምኡውን መልእኽቱ መሳጥን ህያውን ብምግባር ነዚ ትንቢታት እዚ ፈጺምዎ ኢዩ። (ሉቃስ 4:⁠22) እቲ ዝነበሮ ውዕዉዕ መንፈስ ኣብ ገጹ ኸም እተንጸባረቐ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክዛረብ ከሎ ዝነበሮ ሓጐስ ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ይርአ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንዕኡ ምስማዕስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ ነይሩ ክኸውን ዘለዎ! ብዛዕባ እቲ እንፈልጦ ነገራት ንኻልኦት ክንነግር ከሎናኸ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ ዝዀነና!

11. የሱስ በቲ ናይ ኣመሃህራ ኽእለቱ ፈጺሙ ብትዕቢት ዘይተነፍሐ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 የሱስ ብዛዕባ መለኮታዊ ሓቅታት ሰፊሕ ምርዳእ ብምርካቡን ክኢላ ተዛራባይ ብምንባሩን ብትዕቢት ከም ዝንፋሕ ገይርዎ ድዩ፧ ብዙሓት ሰብኣውያን መምህራን ከምዚ ዓይነት ባህሪ ኢዮም ዘርእዩ። የሱስ ግን ፍርሃት ኣምላኽ እተንጸባርቕ ጥበብ ከም ዝነበረቶ ኣይትረስዕ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ጥበብ ንትዕቢት ቦታ የብላን: የግዳስ “ጥበብ . . . ምስቶም ትሑታት እያ።” (ምሳሌ 11:2) የሱስ ንኸይዕበ ዝሓገዞ ኻልእ ነጥቢ እውን ኣሎ።

የሱስ ነቶም ዝምህሮም ሰባት ኣፍቀሮም

12. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኽፈርህዎ ኸም ዘይደሊ ዘርኣዮም ብኸመይ ኢዩ፧

12 የሱስ ንሰባት ዝነበሮ ዓሚቝ ፍቕሪ ኣብ ኣመሃህራኡ እውን ወትሩ ይንጸባረቕ ነይሩ ኢዩ። ትምህርቱ ከም ናይ ዕቡያት ሰባት ዘፍርህ ኣይነበረን። (መክብብ 8:⁠9) ጴጥሮስ ሓደ ኻብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣየ: ኣዝዩ ስለ እተገረመ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍአ። የሱስ ግን ሰዓብቱ ብዛዕባኡ ዘይግቡእ ፍርሂ ኽሓድሮም ኣይደለየን። ንጴጥሮስ ብሕያውነት “ኣይትፍራህ” በሎ: ኣብቲ ዘደንቕ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኽካፈል ምዃኑ እውን ነገሮ። (ሉቃስ 5:⁠8-10) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ካብቲ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝገልጽ ዘደንቕ ሓቅታት ዘለዎም ፍቕሪ ተላዒሎም ደኣ እምበር: በቲ ንመምህሮም ዘለዎም ራዕዲ ክድረኹ ኣይደለየን።

13, 14. የሱስ ንሰባት ድንጋጽ ዘርኣየ በየናይ መገድታት ኢዩ፧

13 የሱስ ነቶም ዝምህሮም ሰባት ዝነበሮ ፍቕሪ በቲ ዘርኣዮም ድንጋጽ ንጹር ኰይኑ ኢዩ። “ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ: ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።” (ማቴዎስ 9:36) ኣብ ዘሕዝን ኵነታት ከም ዘለዉ ተሰምዖ: ንኽሕግዞም ከኣ ተደረኸ።

14 የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ዘርኣዮ ድንጋጽ እውን ርአ። ኣብ ማእከል ብዙሓት ሰባት ከሎ ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ሰበይቲ ቕርብ ኢላ ዘፈር ክዳኑ ምስ ተንከየት: ብተኣምራዊ መገዲ ሓወየት። የሱስ ካብኡ ሓይሊ ኽወጽእ ተሰምዖ: መን ከም ዝሓወየ ግን ኣይረኣየን። ነታ ሰበይቲ ኽረኽባ ድማ ደለየ። ስለምንታይ፧ ከምቲ ዝፈርሃቶ ነቲ ሕጊ ወይ ስርዓት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ስለ ዘፍረሰት ከዋርዳ ኢሉ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ “ጓለየ: እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ: ካብ [“ዘሳቒ:” NW ] ሕማምኪውን ጥዐዪ” በላ። (ማርቆስ 5:25-34) ኣብዘን ቃላት እዚኣተን ተንጸባሪቑ ዘሎ ድንጋጽ እሞ ኣስተብህል። “ሕወዪ” ጥራይ ኣይኰነን ኢልዋ። የግዳስ “ካብ ዘሳቒ ሕማምኪውን ጥዐዪ” በላ። ማርቆስ ኣብዚ እተጠቕመላ ቓል: ቃል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ “ብሓለንጊ ጌርካ ምግራፍ” ኢያ እተመልክት። ስለዚ የሱስ ሕማማ ብዙሕ ቓንዛ ኸም ዘምጽኣላ: ምናልባት እውን ከቢድ ኣካላውን ስምዒታውን ስቓይ ከም ዘስዓበላ ኣፍልጦ ሃበ። እወ: እቲ ስቓያ ተሰምዖ።

15, 16. የሱስ ኣወንታዊ ጐድኒ ናይ ሰባት ክርኢ ኸም ዝጸዓረ ዝሕብረና ኣየናይ ኣብ ኣገልግሎቱ ዘጋጠመ ፍጻመታት ኢዩ፧

15 የሱስ ነቲ ኣብ ሰባት ዘሎ ጽቡቕ ባህሪ ብምርኣይ እውን ንዓታቶም ዘለዎ ፍቕሪ የርኢ ነበረ። ምስቲ ድሓር ሃዋርያ ዝዀነ ናትናኤል ክራኸብ ከሎ እንታይ ከም ዘጋጠመ እሞ ርአ። “የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረአዮ: ብዛዕባኡ፤ እንሆ: ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ: በለ።” ብተኣምራዊ መገዲ ንልቢ ናትናኤል ኢዩ ርእይዎ: በዚ ኸምዚ ኸኣ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃኑ ፈለጠ። ልክዕ ኢዩ: ናትናኤል ጥቓ ፍጽምና እኳ ዝቐርብ ኣይነበረን። ከም ኵላትና ጕድለት ነበሮ። አረ ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዐ እኳ “ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከአል እዩ፧” ብምባል ብዘይ​ምስትውዓል ተዛሪቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 1:45-51) ይኹን እምበር: የሱስ ካብዚ ዅሉ ባህርያት ናትናኤል ነታ እተንእዶ ቕንዕናኡ መረጸ።

16 ብተመሳሳሊ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ​—⁠ምናልባት እውን ሮማዊ ኢዩ ዝኸውን​—⁠ነቲ ዝሓመመ ባርያኡ ኸሕውየሉ ንየሱስ ምስ ለመኖ: እዚ ዓቀይታይ እዚ ኣበሳታት ከም ዘለዎ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እዚ ሓለቓ ሰራዊት እዚ ብዙሕ ዓመጽ: ደም ምፍሳስ: ከምኡውን ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዘካይድ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ግን ኣብታ ጽብቕቲ ባህሪ ናይቲ ሰብኣይ ኣተኰረ: እዚኣ ኸኣ እታ ሓለፍ ዝበለት እምነቱ ኢያ። (ማቴዎስ 8:⁠5-13) ነቲ ኣብ ጥቕኡ ኣብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ እተሰቕለ ገባር ክፉእ ክዛረቦ ኸሎ እውን በቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበሮ ዓመጽ ኣይገንሖን: የግዳስ ንመጻኢ ተስፋ ኽገብር ኣተባብዖ። (ሉቃስ 23:⁠43) ኣሉታዊ ጐድኒ ኻልኦት ምልዓልን ምንቃፎምን ሕልንኦም ዘዕርብ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ነቲ ዝነኣዱሉ ባህርያቶም ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ: ምምሕያሽ ንኽገብሩ ኸም ዘተባብዖም ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ንኻልኦት ንምግልጋል ዘርኣዮ ፍታው

17, 18. የሱስ ናብ ምድሪ ንኽመጽእ እተዋህቦ መዝነት ብምቕባሉ: ንኻልኦት ንምግልጋል ዘለዎ ፍታው ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

17 የሱስ ነቶም ዝምህሮም ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ዘርኣየሉ ኻልእ ሓያል መርትዖ: ንኸገልግሎም ዘርኣዮ ፍታው ኢዩ። እቲ ወዲ ኣምላኽ: ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ዝነበሮ ህይወት ኵሉ ሳዕ ንደቅ​ሰብ የፍቅሮም ነበረ። (ምሳሌ 8:⁠30, 31) “ቃል” የሆዋ ወይ ኣፈኛ ከም ምዃኑ መጠን ምስ ሰባት ዘራኽቦ ብዙሕ ጕዳያት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዮሃንስ 1:⁠1) እንተዀነ ግን: ንደቅ​ሰብ ብዝያዳ ቐሪቡ ምእንቲ ኽምህሮም ኢሉ: ነቲ ልዑል ሰማያዊ ቦታኡ ሓዲኡ “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ።” (ፊልጲ 2:⁠7፣ 2 ቈረንቶስ 8:⁠9) ኣብ ምድሪ ምስ መጸ ድማ ከገልግልዎ ኣይተጸበየን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ “ወዲ ሰብ ድማ: ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር: ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” ኢዩ ዝበለ። (ማቴዎስ 20:28) የሱስ ምስዚ ቓላቱ እዚ ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዑ ኢዩ ዝነብር ነይሩ።

18 የሱስ ነቶም ዝምህሮም ዝነበረ ሰባት ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ዝከኣሎ ይጽዕር ነበረ። ብእተኻእሎ መጠን ንብዙሓት ሰባት ክሰብከሎም ኢሉ ብኣማእታት ዝቝጸር ኪሎ ሜትራት ብእግሩ እናተጓዕዘ ነታ ምድሪ ተስፋ ዞራ። ከምቶም ዕቡያት ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ኣይነበረን: የግዳስ ትሑትን ተቐራብን ነበረ። ሰበ⁠-​ስልጣን: ወተሃደራት: ፈላጣት ሕጊ: ኣንስቲ: ቈልዑ: ድኻታት: ሕሙማት: ካብ ሕብረተሰብ እተገለሉ: ኰታስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ከይፈርሁ ባህ ኢልዎም ይቐርብዎ ነበሩ። ፍጹም እኳ እንተ ነበረ: ይደክምን ይጠምን ነይሩ ኢዩ። ክደክም ከሎ ወይ ከዕርፍን ክጽልን ክደሊ ኸሎ እውን ከይተረፈ: ንድሌት ካልኦት ቅድሚ ናቱ ይሰርዕ ነበረ።​—⁠ማርቆስ 1:⁠35-39

19. የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብትሕትናን ብትዕግስትን ብሕያውነትን ብምምልላሱ እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ፧

19 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንምግልጋል እውን ካብዚ ዘይንእስ ፍታው ነበሮ። ብሕያውነትን ብትዕግስትን ብምምሃር ከኣ ነዚ ኣርኣዮ። ገለ ኣገዳሲ ትምህርታት ቀልጢፉ ምስ ዘይርድኦም: ተስፋ ኣይቈረጸን: ኣይተቘጥዐን: ወይ ኣይገሰጾምን። ብኻልእ መገዲ ገይሩ ኸረድኦም ይጽዕር ነበረ። ንኣብነት: እቶም ደቀ መዛሙርቲ መኖም ከም ዝዓቢ ኽንደይ ሳዕ ከም እተኸራኸሩ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ክሳዕ እታ ቐቅድሚ እታ እተቐትለላ መዓልቲ ዝነበረት ምሸት: ኣብ ንሓድሕዶም ትሕትና ንኸርእዩ ብእተፈላለየ መገዲ መሃሮም። ብትሕትና ዀነ ብኻልእ ነገራት ዝመጸ “መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” በለ።​—⁠ዮሃንስ 13:5-15፣ ማቴዎስ 20:25፣ ማርቆስ 9:34-37

20. ንየሱስ ካብ ፈሪሳውያን እተፈልየ ዝገብሮ እንታይ ዓይነት ኣመሃህራ ኢዩ: እቲ ሜላ ውጽኢታዊ ዝነበረኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

20 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ክገብሩ ኸም ዘለዎም ነጊርዎም ጥራይ ዘይኰነስ ‘መርኣዪ ኢዩ ሂብዎም።’ እወ: ብኣብነት ምሂርዎም ኢዩ። ነቲ ዝምህሮ ነገራት ብግብሪ ኸየርኣየ ብዘረባ ጥራይ ኣይኰነን ዝምህሮም ነይሩ። ፈሪሳውያን ንዝብልዎ ኣይገብሩን ኢዮም ነይሮም። የሱስ ብዛዕብኦም “ይብሉ ደኣ እምበር: ኣይገብሩን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 23:3) የሱስ ትምህርትታቱ እንታይ ማለት ምዃኑ ንምግላጽ ብትሕትና ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንተማሃሮኡ ኣርእይዎም ኢዩ። ስለዚ ንሰዓብቱ ፍቕረ⁠-​ንዋይ ዘይብሉ ቐሊል ናብራ ኽነብሩ ኽነግሮም ከሎ: እንታይ ማለቱ ዀን ኢዩ ኢሎም ክሓስቡ ኣየድለዮምን። ንሓቅነት ናይቲ “ንወኻሩ ጕድጓድ አለወን: ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” ብምባል እተዛረቦ ዘረባ ብዓይኖም ርእዮሞ ኢዮም። (ማቴዎስ 8:20) ንደቀ መዛሙርቱ ትሕት ኢሉ መርኣዪ ብምሃብ ኣገልጊልዎም ኢዩ።

21. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽና ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

21 የሱስ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ መምህር ምዃኑ ዘተሓታትት ኣይኰነን! ነቲ ዝምህሮ ትምህርትን ነቶም ዝምህሮም ሰባትን ዝነበሮ ፍቕሪ: ንዅሎም እቶም ዝረኣይዎ ዀነ ዝሰምዕዎ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ንጹር ኢዩ ነይሩ። ነቶም ነቲ ዝገደፎ መርኣዪ እነጽንዕ እውን ንጹር ኢዩ። ነቲ ፍጹም ኣብነት ክርስቶስ ግን ብኸመይ ክንስዕብ ንኽእል፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትገልጻ ኢያ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• መሰረት ጽቡቕ ኣመሃህራ እንታይ ኢዩ: ነዚ ኣብነት ዝዀነና መን ኢዩ፧

• የሱስ ነቲ ዝምህሮ ሓቅታት ዘለዎ ፍቕሪ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

• የሱስ ነቶም ዝምህሮም ሰባት ፍቕሪ ዘርኣዮም ብኸመይ ኢዩ፧

• የሱስ ነቶም ዝምህሮም ሰባት ብትሕትና ኸገልግሎም ከም ዝደሊ ዘርኢ እንታይ ኣብነታት ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ስርዓታት ከም ዘፍቅሮ ብኸመይ ኣርኣየ፧