ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ስዓቡኒ’

‘ስዓቡኒ’

‘ስዓቡኒ’

“ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ: ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።”​—⁠1 ጴጥሮስ 2:21

1, 2. ነቲ የሱስ ከም መምህር መጠን ዝገደፎ ፍጹም ኣብነት ንኽንቀድሖ ኸቢድ ዘይኰነና ስለምንታይ ኢዩ፧

 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ መምህር ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓጢኣት ስለ ዘይገበረ ፍጹም ኢዩ ነይሩ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠22) ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን: የሱስ ከም መምህር መጠን ዝገደፈልና ኣብነት: ዘይፍጹማት ብምዃንና ኽንቀድሖ ዘይከኣል ኣዝዩ ኸቢድ ድዩ፧ ከምኡ ኣይኰነን።

2 ኣብዛ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ: መሰረት ኣመሃህራ የሱስ ፍቕሪ ኢያ ነይራ። ኵላትና እውን ነዛ ባህሪ እዚኣ ኸነማዕብል ንኽእል ኢና። ቃል ኣምላኽ ነታ ንኻልኦት ዘላትና ፍቕሪ ኸነዕብያን ከነመሓይሻን ብተደጋጋሚ ይምሕጸነና ኢዩ። (ፊልጲ 1:⁠9፣ ቈሎሴ 3:⁠14) የሆዋ ንፍጥረታቱ ኽገብርዎ ዘይክእሉ ነገር ክገብሩ ሓቲትዎም ኣይፈልጥን ኢዩ። ‘ኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ:’ ብመልክዑ እውን ስለ ዝፈጠረና: ፍቕሪ ኸም እነርኢ ገይሩ ኢዩ ሰሪሑና ኽበሃል ይከኣል ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:⁠8፣ ዘፍጥረት 1:⁠27) ስለዚ ነቲ ኣብ ቀንዲ ጥቕሲ ናይዛ ዓንቀጽ ተገሊጹ ዘሎ ቓላት ጴጥሮስ ከነንብብ ከሎና: ብምትእምማን ምላሽ ክንህብ ንኽእል ኢና። እወ: ኣስኣሰር ክርስቶስ ክንስዕብ ንኽእል ኢና። ነቲ የሱስ ‘ስዓቡኒ’ ብምባል ዝሃበና ትእዛዝ እውን ክንሕልዎ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 9:⁠23) እምበኣር ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ንክርስቶስ ብኸመይ ከም እንመስሎ እስከ ንመርምር፣ ፈለማ ነቲ ዝምህሮ ሓቅታት: ድሕሪኡ ኸኣ ነቶም ዝምህሮም ሰባት።

ነቲ እንመሃሮ ሓቅታት ፍቕሪ ነማዕብል

3. ገሊኣቶም ሰባት መጽናዕቲ ዝጸልኡ ስለምንታይ ኢዮም: ኣብ ምሳሌ 2:⁠1-5 እንታይ ለበዋ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧

3 ነቲ ንኻልኦት እንምህሮ ሓቅታት ፍቕሪ ምእንቲ ኽሓድረና: መጀመርታ ነዚ ሓቅታት እዚ ንኽንመሃሮ እንብህግ ክንከውን ኣሎና። ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ብቐሊሉ ኣይኰነትን እትርከብ። ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ኣብያተ⁠-​ትምህርቶም ጽቡቕ ኣመሃህራ ስለ ዘይረኽቡን ዘይድለ ኣመላት ስለ ዘለዎምን መጽናዕቲ ዘይፈትዉ ዀይኖም ኢዮም ተሪፎም። እንተዀነ ግን: ካብ የሆዋ ናይ ግድን ክንመሃር ኣሎና። ምሳሌ 2:⁠1-5 ከምዚ ትብል:- “ወደየ: እዝንኻ: ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ: ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ: ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ: ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ አርነብካዮ: እወ: ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ: ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ: ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ: ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ: ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ።”

4. ልብና ‘ኸነድንን’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ: ከምዚ ንምግባር ዝሕግዘናኸ እንታይ ኣረኣእያ ምስ ዝህልወና ኢዩ፧

4 ካብ ቍጽሪ 1 ክሳዕ 4 ‘ንኽንቕበልን ንኽንእርንብን’ ጥራይ ዘይኰነስ ‘ንኽንደልን ሃለው ንኽንብልን’ እውን ጻዕሪ ኽንገብር ኢዩ ብተደጋጋሚ ምሕጽንታ ተዋሂቡና ዘሎ። ነዚ ዅሉ ንኽንገብር ዝድርኸና ግን እንታይ ኢዩ፧ መልሲ ናይዚኣ ንምርካብ ነታ “ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን” እትብል ሓረግ ኣስተብህለላ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ነዚ ለበዋ እዚ “ኣቓልቦ ንኽትገብር ጥራይ እተዋህበ ምሕጽንታ ዘይኰነስ: እተወሰነ ዝንባለ ንኽህልወካ ኢዩ ዝሓትት ነይሩ፣ እዚ ድማ ነቲ ትምህርቲ ብሃንቀውታ ናይ ምቕባል ባህሪ ኢዩ” በለ። ነቲ የሆዋ ዝምህረና ትምህርቲ ብቐሊሉ እንቕበልን ንኽንመሃር እንህንጠን ክገብረና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧ ኣረኣእያና ኢዩ። “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ‘ከም ብሩርን ከም ሕቡእ መዝገብን’ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና።

5, 6. (ሀ) ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን እንታይ ከጋጥም ይኽእል: ነዚኸ ብኸመይ ከነወግዶ ንኽእል፧ (ለ) ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ፍልጠት ወትሩ ኽንውስኸሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምጥራይ ከቢድ ኣይኰነን። ንኣብነት: እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘጥረኻዮ “ምፍላጥ ኣምላኽ:” እሙናት ደቅሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ምዃኖም ዝገልጽ ሓቂ ዘጠቓለለ ከም ዝዀነ ፍሉጥ ኢዩ። (መዝሙር 37:⁠28, 29) ነዚ ሓቂ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ተማሃርካ: ከም ክቡር መዝገብ ጌርካ ኸም ዝረኣኻዮ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ከመይሲ ንኣእምሮኻን ልብኻን ብተስፋን ብሓጐስን ዝመልኦ ፍልጠት ኢዩ። ሕጂኸ፧ ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ: ነዚ ኽቡር መዝገብ ዘሎካ ሞሳ ሃሲሱ ወይ ጠፊኡ ድዩ፧ እምበኣር: ክልተ ነገራት ክትገብር ጽዓር። ቀዳማይ: ሞሳኻ ዀልዓዮ፣ ነፍሲ ወከፍ የሆዋ ዝመሃረካ ሓቂ: ነቲ ቕድሚ ብዙሕ ዓመታት እተመሃርካዮ እውን ከይተረፈ: ንምንታይ ኣኽቢርካ ከም እትርእዮ ወትሩ ንገዛእ ርእስኻ ኣዘኻኽር።

6 ካልኣይ: ነቲ መዝገብካ ዅሉ ሳዕ ወስኸሉ። ንምዃኑ ኵዕት ጸኒሕካ ክቡር እምኒ ምስ ረኸብካ: በቲ ዝረኸብካዮ ሒደት ክቡር እምኒ ዓጊብካ ጥራይ ዲኻ እትኸይድ፧ ወይስ ካልእ ክትረክብ ኢልካ ዝያዳ ኢኻ እትዅዕት፧ ቃል ኣምላኽ ከም ክቡር መዝገብ ጌርካ ዝርአ ብዙሕ ሓቅታት ዝሓዘ ኢዩ። ብዝሒ እቲ ዝረኸብካዮ ሓቅታት ብዘየገድስ: መወዳእታ የብሉን። (ሮሜ 11:⁠33) ሓቂ ምስ ረኸብካ ‘ነዚ ዝረኸብክዎ ኽቡር ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ወይ ዕላማታቱ ዝዓመቘ ምርዳእ ይህበኒ ድዩ፧ ኣስኣሰር የሱስ ንኽስዕብ ዝሕግዘኒ ጠቓሚ መምርሒ ይህበኒ ድዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ነዚ ሕቶታት እዚ ምስ እተስተንትነሉ: ነቲ የሆዋ ዝመሃረካ ሓቅታት ዘሎካ ፍቕሪ ንኸተማዕብል ክሕግዘካ ኢዩ።

ነቲ እንምህሮ ሓቂ ፍቕርና ምርኣይ

7, 8. ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርናዮ ሓቂ ኸም እነፍቅሮ ንኻልኦት ከነርእየሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧ ኣብነታት ሃብ።

7 ንኻልኦት ክንምህር ከሎና: ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተማሃርናዮ ሓቂ ኸም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርእዮም ንኽእል፧ ኣብ ዕዮ ስብከትናን ንኻልኦት ክንምህር ከሎናን ኣብነት የሱስ ብምስዓብ: ምሉእ ብምሉእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንውከል ነርእዮም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎቶም ብዝያዳ ኽጥቀሙሉ ተተባቢዖም ኢዮም። ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ከሎኻ: እቲ በዓል ቤት ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እትነግሮ መልእኽቲ ኣኽቢርካ ከም እትርእዮ ኸተፍልጦ ጸዓር።​—⁠ማቴዎስ 13:⁠52

8 ንኣብነት: ዓሚ ግብረ⁠-​ሽበራውያን ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዶም: ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እትረኽቦም ዝነበረት ሰባት መዝሙር 46:⁠1, 11 ተንብበሎም ነበረት። መጀመርታ በቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኸመይ ከም እተሰምዖም ትሓቶም። ነቲ ዝህብዎ መልሲ ጽን ኢላ ድሕሪ ምስማዕ: እትሰማምዓሉ ነጥቢ ትገልጽ እሞ “ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ንዓይ ዘጸናንዓኒ ጥቕሲ ኸንብበልካዶ፧” ትብሎም። መብዛሕትኦም ከተንብበሎም ፍቓደኛ ዀኑ: ብዙሕ ባህ ዘብል ምይይጥ ከኣ ገበረት። እዛ ሓብቲ እዚኣ ንመንእሰያት ከተዘራርብ ከላ ድማ “መጽሓፍ ቅዱስ ን50 ዓመታት ክምህረሉ ጸኒሐ ኢየ። እዚ መጽሓፍ እዚ ኽፈትሖ ዘይክእል ጸገም ረኺበ ኸም ዘይፈልጥ ከኣ ኸረጋግጸልካ እፈቱ” ትብሎም። ብልባውን ውዕዉዕን ኣቀራርባ ጌርና: ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተመሃርናዮ ነገራት ኣኽቢርና ኸም እንርእዮን ከም እነፍቅሮን ንግለጸሎም።​—⁠መዝሙር 119:⁠97, 105

9, 10. ንእምነትና ብዝምልከት ሕቶታት ክለዓል ከሎ መልሲ ንምሃብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ሰባት ብዛዕባ እምነትና ሕቶታት ክሓቱና ኸለዉ: ንቓል ኣምላኽ ከም እነፍቅር እነርእየሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝኽፈተልና። ኣብነት የሱስ ስለ እንስዕብ መልስና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳባት ኣይኰንናን እነመርኵሶ። (ምሳሌ 3:⁠5, 6) የግዳስ: ኣብ መልስና ንመጽሓፍ ቅዱስ ንጥቀመሉ ኢና። ክትምልሶ ዘይትኽእል ሕቶ ኸይትሕተት ትፈርህ ዲኻ፧ ቀጺሉ ዘሎ ኽልተ ኣወንታዊ ስጕምትታት ርአ።

10 ድሉው ንኽትከውን ዝከኣለካ ግበር። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር: ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ: ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 3:15) ንእምነትካ ምላሽ ንምሃብ እተዳሎኻ ዲኻ፧ ንኣብነት: ሓደ ሰብ ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ወይ ተግባር ንምንታይ ከም ዘይትካፈል ምስ ዝሓተካ: “ሃይማኖተይ ኣይፈቕደለይን ኢዩ” ዝብል መልሲ ምሃብ ከዕግበካ የብሉን። ከምዚ ዝኣመሰለ መልሲ: ካልኦት ከም ዝውስኑልካ ኢዩ ዘመልክት: ስለዚ ኸኣ ኣባል ሓደ ኣንቈራ ኸም ዝዀንካ ገይሮም ክርእዩኻ ኢዮም። “ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይፈቕዶን ኢዩ” ወይ “ንኣምላኽ የጕህዮ ኢዩ” ምባል ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ድሕርዚ እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኣብርሃሎም።​—⁠ሮሜ 12:⁠1

11. ምርምር ንምግባር እትሕግዝ ኣየነይቲ ጽሕፍቲ ኢያ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ንዝለዓል ሕቶታት መልሲ ንምሃብ እትሕግዘና፧

11 እተዳሎኻ ዀይኑ እንተ ዘይተሰሚዑካ: በታ ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ እናተሓገዝካ ንምንታይ መጽናዕቲ ዘይትገብር፧ a ክለዓል ይኽእል ኢዩ እትብሎ ሕቶታት ምረጽ: ንዕኡ ዝምልከት ጥቕስታት እውን ኣብ ኣእምሮኻ ኸተስፍሮ ፈትን። ነዛ ጽሕፍትን መጽሓፍ ቅዱስካን ኻባኻ ኣይትፍለ። ሕቶ ኽለዓል ከሎ ኽልቲኡ ንኽትጥቀመሉ ድሕር ኣይትበል። ነቲ ሓታቲ ድማ ንዝብገስ ሕቶታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ መልሲ ንምሃብ እትሕግዝ ጽሕፍቲ ኸም ዘላትካ እሞ ኽትጥቀመላ ኸም እትደሊ ግለጸሉ።

12. ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት ሕቶ መልሱ ምስ ዘይንፈልጦ እንታይ ኢልና ኽንምልስ ንኽእል፧

12 ብዘሕ ኣይትጨነቕ። ኵሉ ሰብ ዘይፍጹም ስለ ዝዀነ: ናይ ኵሉ ሕቶታት መልሲ ዝፈልጥ የለን። ስለዚ: ክትምልሶ ዘይትኽእል ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት ሕቶ ኽትሕተት ከሎኻ: ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ ኽትምልስ ትኽእል ኢኻ:- “ኣገዳሲ ሕቶ ስለ ዘበገስካ አመስግነካ። ከም ሓቂ ግን መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ኣይፈልጦን ኢየ: ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ኸም ዝህበላ ኣይጠራጠርን ኢየ። ነዚ ሕቶኻ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ደልየ ካልእ ግዜ ኽምለሰካ ምፈተኹ።” ከምዚ ዝኣመሰለ ንጹርን ትሕትና ዘንጸባርቕን መልሲ ንተወሳኺ ምይይጥ መገዲ ኽጸርግ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 11:⁠2

ነቶም እንምህሮም ሰባት ፍቕርና ምርኣይ

13. ብዛዕባ እቶም እንሰብከሎም ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽህልወና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 የሱስ ነቶም ዝምህሮም ዝነበረ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ኣርእዩ ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ዘይንግደስ ክንከውን የብልናን። ልክዕ ኢዩ: ‘በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዝግበር ውግእ’ እናቐረበ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ክጠፍኡ ኢዮም። (ራእይ 16:⁠14፣ ኤርምያስ 25:⁠33) እንተዀነ ግን: መን ብህይወት ከም ዝነብርን መን ከም ዝመውትን ኣይንፈልጥን ኢና። እዚ ፍርዲ እዚ ዝወሃብ ኣብ መጻኢ ኢዩ: እቲ ፈራዲ ኸኣ እቲ የሆዋ ዝሸሞ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ክሳዕ እቲ ናይ ፍርዲ ውሳነ ዝመሓላለፍ ግን ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ⁠-​ሰብ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ክኸውን ከም ዝኽእል ጌርና ኢና እንርእዮ።​—⁠ማቴዎስ 19:⁠24-26፣ 25:⁠31-33፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠31

14. (ሀ) ንሰባት ንድንግጸሎም እንተ ዄንና ወይ እንተ ዘይኴንና ብኸመይ ገዛእ ርእስና ኽንምርምር ንኽእል፧ (ለ) በየናይ ግብራዊ መገድታት ኢና ድንጋጽን ሓልዮትን ከነርኢ እንኽእል፧

14 ስለዚ ኸም የሱስ ንሰባት ክንድንግጸሎም ኢና እንጽዕር። ንገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ነቶም በዚ ናይዛ ዓለም ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ንግዳውን ባእታታት ዝዛረብዎ ብጥንቃቐ እተኣልመ ሓሶትን መስድዒ ነገራትን ዝታለሉ ሰባት እድንግጸሎም ድየ፧ ነቲ እንነግሮም መልእኽቲ ዘይምግዳስ እንተ ኣርእዮም: ንምንታይ ከምዚ ኸም እተሰምዖም ክርድኦ እጽዕር ድየ፧ ኣነ ዀንኩ ሕጂ ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልግሉ ዘለዉ ብጾተይ ተመሳሳሊ ዓይነት ስምዒት ከም ዝነበረና ኣፍልጦ እህበሉ ድየ፧ ምስቲ ዅነታት ዝሰማማዕ ኣቀራርባ እጥቀምዶ ኣለኹ፧ ወይስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንኽቕየሩ ተስፋ ዘይብሎም ከም ዝዀኑ ገይረ ኢየ ዝርእዮም፧’ (ራእይ 12:⁠9) ሰባት ብሓቂ ኸም እንድንግጸሎም እንተ ኣስተውዒሎም: ንመልእኽትና ክቕበልዎ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 3:⁠8) ድንጋጽ እንተደኣ ሃልዩና እውን ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ብዝያዳ ንኽንግደሰሎም ንድረኽ ኢና። ነቲ ዝሓትዎ ሕቶ ዀነ ዘጨንቖም ነገራት ኣሕጽር ኣቢልና ኣብ ደብተርና ኽንምዝግቦ ንኽእል ኢና። ካልእ ግዜ ኽንበጽሖም ከሎና: ነቲ ኣብቲ ቐዳማይ ምብጻሕና እተዛረብዎ ነገራት ከም ዝሓሰብናሉ ኽንገልጸሎም ንኽእል ኢና። ብህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም እንተደኣ ዀይኑ ኸኣ ብግብሪ ኽንሕግዞም ንኽእል ንኸውን።

15. ንኣወንታዊ ጐድኒ ናይ ሰባት ከነተኵረሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና: ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧

15 ልክዕ ከም የሱስ ንኣወንታዊ ጐድኒ ናይ ሰባት ኢና እንርኢ። ምናልባት ሓንቲ ንጽል ኣደ: ደቃ ንምዕባይ ክነኣድ ዝግብኦ ጻዕሪ ትገብር ትህሉ ትኸውን። ሓደ ሰብኣይ ንስድራ​ቤቱ ዘድልዮም ንምምላእ ይጽዕር ይህሉ ይኸውን። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ እውን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት የርኢ ይኸውን። ነቶም እንረኽቦም ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ከም ዘለዎም ኣስተውዒልና ንንእዶም ዲና፧ ከምዚ ምስ እንገብር ንኽልቴና ዘሰማምዓና ነጥቢ ኢና ነጕልሕ ዘሎና: እዚ ኸኣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስክርነት ንምሃብ መገዲ ክኸፍት ይኽእል ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 26:⁠2, 3

ትሕትና​—⁠ፍቕሪ ንምርኣይ እትሕግዝ ኣገዳሲት ባህሪ

16. ነቶም እንሰብከሎም ሰባት ብዓቕልን ብኣኽብሮትን ክንዛረቦም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ነቶም እንምህሮም ሰባት ፍቕሪ እንተ ሃልዩና: ነቲ “ፍልጠት ይነፍሕ: ፍቕሪ ግና ይሀንጽ” ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ንኽንስዕብ ንድረኽ ኢና። (1 ቈረንቶስ 8:1) የሱስ ብዙሕ ፍልጠት ነይርዎ: እንተዀነ ግን በዚ ኣይተዓበየን። ስለዚ እምነትካ ንኻልኦት ክትነግር ከሎኻ: ናብ መጎተ ዝመርሕ ኣዘራርባ ወይ ዘረባ ትዕቢት ኣወግድ። ሸቶና ኣልባብ ሰባት ንምትንካፍን ናብቲ ኣብሊጽና እነፍቅሮ ሓቅታት ንምስሓቦምን ኢዩ። (ቈሎሴ 4:⁠6) ጴጥሮስ ንክርስትያናት: ሕቶ ንዝሓቶም ዘበለ ምላሽ ንምሃብ ድሉዋት ክዀኑ ኽምዕዶም ከሎ: “ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን” ብምባል ሓደ መዘኻኸሪ ሂቡ ነይሩ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:⁠15) ብዓቕልን ብኣኽብሮትን ምስ እንዛረብ: ንሰባት ናብቲ እነምልኾ ኣምላኽ ንኽንስሕቦም ዝያዳ ኣጋጣሚ ኣሎና።

17, 18. (ሀ) ከም ኣገልገልቲ መጠን ብቕዓት ከም ዘይብልና ንዝቐርበልና ነቐፌታ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህበሉ ዘሎና፧ (ለ) ንሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥንቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ቛንቋታት ምፍላጥ ናይ ግድን ኣድላዪ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

17 ብፍልጠትና ወይ ትምህርትና ንሰባት ከም ዝምሰጡ እንገብረሉ ምኽንያት የብልናን። ኣብ ዞባኻ ዝርከቡ ገለ ሰባት ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ ወይ ካልእ መዓርግ ስለ ዘይብልካ ምስማዕ እንተ ኣብዮምኻ: እዚ ከበሳጭወካ የብሉን። የሱስ ኣብቲ ብግዜኡ ኣኽቢርካ ዝርአ ዝነበረ ናይ ረቢታት ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ኣትዩ ብዘይ​ምምሃሩ ንእተላዕሎ ተቓውሞ እዝኒ ኣይገበረሉን: ኣረኣእያኦም እውን ንኣመሃህራኡ ብምቕያር በቲ ሰፊሕ ፍልጠቱ ገይሩ ንኽምስጦም ከም ዝጽዕር ኣይገበሮን።​—⁠ዮሃንስ 7:⁠15

18 ንሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓለማዊ ትምህርቲ ንላዕሊ ትሕትናን ፍቕርን ኢየን ዘድልያኦ። እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝዓበየ መምህርና ዝዀነ የሆዋ ኢዩ ኣገልገልቲ ንኽንከውን ክእለት ዝሃበና። (2 ቈረ​ንቶስ 3:⁠5, 6) ገሊኣቶም ኣቕሽሽቲ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዝበሉ እኳ እንተ በሉ: መምህራን ቃል ኣምላኽ ንምዃን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥንቲ እተጻሕፈሉ ቋንቋታት ክንማሃሮ ኣየድልየናን ኢዩ። ኵሉ ሰብ ነቲ ኽቡር ሓቅታት ምእንቲ ኽርድኦ የሆዋ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንጹር ከም ዝኸውን ገይሩ ኢዩ ኣጽሒፍዎ። እዚ ሓቅታት እዚ ናብ ኣማእታት ቛንቋታት እኳ እንተ ተተርጐመ ኣይቅየርን ኢዩ። ስለዚ ጥንታዊ ቛንቋታት ምፍላጥ: ሳሕቲ ዝጠቅም እኳ እንተዀነ: ናይ ግድን ግን ኣድላዪ ኣይኰነን። ኣብ ርእሲ እዚውን በቲ ዘሎካ ክእለት ቋንቋ ምንያት: ትምህርቲ ዘይትቕበል ሰብ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ድማ ንናይ ሓቂ ክርስትያን ግድን ዘድልዮ ባህሪ ኣጥፊእካ ማለት ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠4

19. ስብከትና በየናይ መዳይ ኢዩ ንሰባት ምግልጋል ዝኸውን፧

19 ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ንምፍጻም ትሕትና ኸም ዘድልየና ዘተሓታትት ኣይኰነን። ምጽራር: ዘይምግዳስ: ከምኡውን መስጐጕቲ ብተደጋጋሚ የጋጥመና ኢዩ። (ዮሃንስ 15:⁠20) ኣገልግሎትና ብተኣማንነት ብምፍጻም ግን ኣገዳሲ ዕዮ ኢና እንዓምም። ብትሕትና ንኻልኦት ምግልጋል እንተ ዘየቋሪጽና: ነታ የሱስ ክርስቶስ ንሰባት ዘርኣያ ፍቕሪ ኢና እንቐድሓ ዘሎና። ንኣብነት: ሓደ በጊዕ መሰል ሰብ ክንረክብ ኢልና ንሓደ ሽሕ ዝዀኑ ተገዳስነት ዘይብሎም ወይ ተጻረርቲ ንሰብከሎም እንተደኣ ዄንና: ክንድዚ ጻዕሪ ኽንገብር ዝግባእ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! ስለዚ ኸይተሓለልና ጸኒዕና ዕዮና ብምቕጻል: ነቶም ገና ዘይረኸብናዮም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ብተኣማንነት ነገልግሎም ኣሎና ማለት ኢዩ። መወዳእታ ቕድሚ ምምጽኡ የሆዋን የሱስን ብዙሓት ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ንኽንረክብን ንኽንሕግዞምን ከም ዝመርሑና ኣየጠራጥርን ኢዩ።​—⁠ሃጌ 2:⁠7

20. ኣብነት ብምዃን ክንምህረሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

20 ንኻልኦት ከነገልግል ፍቓደኛታት ከም ዝዀንና እነርእየሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ ኣብነት ብምዃን ምምሃሮም ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ “ብሩኽ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ምግልጋል እቲ ዝበለጸን ዘሐጕስን ናብራ ንኽትነብር ከም ዘኽእለካ ኽንምህሮም ንደሊ ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠11) ምስ ጐረባብትና: መማህርትና: ከምኡውን መሳርሕትና ኣብ ዘሎና ርክብ እነርእዮ ጠባይ ክዕዘቡ ኸለዉ: ሓጐስን ዕግበትን ከም ዘሎና ኸስተውዕሉ ይኽእሉ ድዮም፧ ብተመሳሳሊ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት: ክርስትያናዊ ጉባኤታት ኣብዛ ጭካነ ዝመልኣ ዓለም ፍቕሪ ዝርከቦ መዕቈቢ ቦታ ምዃኑ ንምህሮም ኢና። እንተዀነ ግን እቶም ተማሃሮና ንዅሎም ኣባላት ጉባኤና ኸም እነፍቅሮምን ኣብ ንሓድሕድና ዘሎና ሰላም ንምዕቃብ ኣበርቲዕና ኸም እንዓዪን ብንጹር ክርእይዎ ይኽእሉ ድዮም፧​—⁠1 ጴጥሮስ 4:⁠8

21, 22. (ሀ) ብዛዕባ ኣገልግሎትና ንርእስና ምልስ ኢልና ምስ እንምርምር ነየናይ ኣጋጣሚታት ንኽንጥቀመሉ ኢዩ መገዲ ክኸፍተልና ዝኽእል፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

21 ንኣገልግሎትና ብፍታው እንዓዮ እንተደኣ ዄንና: ሓድሓደ ግዜ ንርእስና ምልስ ኢልና ንኽንምርምር ይድርኸና ኢዩ። ብዙሓት ክርስትያናት ብቕንዕና ኸምዚ ብምግባሮም: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብምዃን ወይ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዝድለዩሉ ቦታ ብምኻድ ኣገልግሎቶም ከስፍሕሉ ዝኽእሉ ኣጋጣሚታት ረኺቦም ኢዮም። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ከባቢኦም ብዙሓት ስደተኛታት ብምህላዎም ናይ ካልእ ሃገር ቋንቋ ኽመሃሩ ጀሚሮም ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት እንተ ተኸፊቱልካ: ብጥንቃቐን ብጸሎትን ሕሰበሉ። ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ህይወት ዓብዪ ሓጐስን ዕግበትን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ኢዩ ዘምጽኣልካ።​—⁠መክብብ 5:⁠12

22 ነቲ እንምህሮ ሓቅታትን ነቶም እንምህሮም ሰባትን ዘሎና ፍቕሪ ብምዕባይ ብዅሉ መዳይ ንየሱስ ክርስቶስ ንምሰሎ። ኣብዚ ኽልተ መዳያት ፍቕርና ምስ እነዕብን እንገልጽን ንክርስቶስ እንመስሎ መምህራን ንኽንከውን ጽቡቕ መሰረት ይዀነና ኢዩ። ኣብዚ መሰረት እዚ ግን ብኸመይ ክንሃንጽ ንኽእል፧ ኣብ ዝቕጽል ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዝወጽእ ተኸታታሊ ዓንቀጻት: ገለ ኻብቲ የሱስ እተጠቕመሉ ሜላ ኣመሃህራ ብዝርዝር ክንመያየጠሉ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ነቲ የሱስ ከም መምህር መጠን ዝገደፎ ፍጹም ኣብነት ንኽንቀድሖ ኣዝዩ ኸቢድ ከም ዘይኰነ እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧

• ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርናዮ ሓቅታት ከም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

• ብፍልጠት እናወሰኽና ኽንከይድ ከሎና ትሑታት ኴንና ኽንቅጽል ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

• ነቶም ክንምህሮም እንጽዕር ሰባት ፍቕሪ እነርእየሉ ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ንኽትዳሎ ዝከኣለካ ግበር

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

“ንምፍላጥ ኣምላኽ” ኣኽቢርካ ትርእዮ እንተደኣ ዄንካ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ ክትጥቀመሉ እትኽእል ኢኻ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ንሰባት ብስራት ብምንጋር ዘሎና ፍቕሪ ነርኢ