ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ተኣማንነት ጠዋይ ኣረኣእያ ዘለዋ ዓለም

ብዛዕባ ተኣማንነት ጠዋይ ኣረኣእያ ዘለዋ ዓለም

ብዛዕባ ተኣማንነት ጠዋይ ኣረኣእያ ዘለዋ ዓለም

 እዋኑ ዓርቢ ምሸት ኢዩ ነይሩ: እቲ ቦታ ኸኣ ኣብታ ኣብ እስራኤል እትርከብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ኢዩ። ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ኣብ ኣፍ ደገ ሓደ ክበብ ለይታዊ ትልሂት እናተጸበዩ ኸለዉ ሓደ መንእሰይ ምሳታቶም ተጸንበረ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን ኣብ መንጎ እዞም ሰባት ነታጒ ነተጐ።

እዚ ነታጒ ዘንተጐ ውልቀ⁠-​ሰብ ሓደ ኻብቶም ርእሰ⁠-​ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት ኢዩ: ምስኡ ኸኣ ህይወት 19 መንእሰያት ለከመ። ጸኒሑ ሓደ ቀዳማይ ረዲኤት ዝህብ ሰራሕተኛ ንጋዜጠኛታት “ኣብ ኵሉ ቦታታት ኣካላት ሰብ ተቘራሪጹ ይርአ ነበረ: ይዋኣዮም ኵላቶም ከኣ መንእሰያት ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ትርኢት ርእየ ኣይፈልጥን” ብምባል ገለጸ።

ተርስተን ብረዊን ኣብታ ዘ ላንሰት እትበሃል ጽሕፍቲ “መብዛሕትኡ እዋን ውግእ ከም ዝውላዕ ዝገብርን ሰላም ንምምጻእ ጸገም ዝፈጥርን ኵሉ ሰብ ዝንእዶ ኸም ተኣማንነት . . . ዝኣመሰለ ባህርያት ኢዩ” ኢሉ ጸሓፈ። እወ: ታሪኽ ወድሰብ ካብቲ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዘበገሰቶ ውግእ መስቀላውያን ኣትሒዝካ ክሳዕ እቲ ናዚ ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቕትለት: ብሰንኪ ተኣማንነት ብደም ዝመልአ ኢዩ።

እናበዝሑ ዝኸዱ ዘለዉ ግዳያት ጥልመት

ሕሉፍ ተኣማንነት ምርኣይ ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ዘየተሓታትት እኳ እንተዀነ: ተኣማንነት ምስ ዝጐድል እውን ሕብረተሰብ ይጕዳእ ኢዩ። እታ ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ነታ እሙን እትብል ቃል “ግዜ ርእዩ ወይ ደንዲኑ ዘይክሕድ፤ ጠላም ዘይኰነ” ኢላ ተርጒማታ ኣላ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ዓይነት ባህሪ እዚ ኸም ዝንእድዎ ዝገልጹ እኳ እንተዀኑ: ሕብረተሰብ ግን ካብ ሱሩ ብሰንኪ ጥልመት ይናወጽ ኣሎ። እወ: ኣብ ስድራ​ቤት ምጥላም በዚሑ ኣሎ። ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብልዎ ባህሪ: ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘጋጥም ጭንቀት: ከምኡውን ንኣሚን ምጥላም እናኣስፋሕፍሐ ብምኻዱ ብዝሒ ፍትሕ ሰማይ በጺሑ ኣሎ። ኣብዚውን ከምቲ ኣብ ኣብ ቴል ኣቪቭ ዘጋጠመ ፍጻመ: መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ኢዮም ግዳያት ዝዀኑ።

ሓደ ጸብጻብ ከም ዝገለጾ “ሓንቲ ስድራ​ቤት ብሰንኪ ፍትሕ: ምፍልላይ: ከምኡውን ብንጽል ወላዲ ስለ እትካየድ ዘይምርግጋእ ምስ ዘጋጥማ: መብዛሕትኡ ግዜ ትምህርቲ ናይቲ ቘልዓ ኣጸቢቑ ኢዩ ዝብደል።” ዝበዝሕ ግዜ እቶም ኣደ ጥራይ እተዕብዮም ኣወዳት ኣብ ትምህርቲ ይሰንፉ: ርእሰ⁠-​ቕትለት ኰነ ገበን ከኣ ይፍጽሙ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዓዓመት ወለዲ ናይ ሓደ ሚልዮን ቘልዑ ይፋትሑ ኢዮም። ካብቶም ካብ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር እተወልዱ ቘልዑ ኸኣ ፍርቆም ደቂ 18 ዓመት ክሳዕ ዝመልኡ ኣብ ዘሎ ግዜ ወለዶም ይፋትሑ። ኣሃዛዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ኣብ ካልእ ኽፍልታት ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት እውን ካብዚ ዝሓይሽ ናብራ የብሎምን።

ተኣማንነት ምሕላው ኣዝዩ ኸቢድ መዐቀኒ ድዩ፧

እዚ ኣብዚ ግዜና ዝርአ ዘሎ ተኣማንነት ናይ ምጕዳል ባህርያት ኣብ ግምት ብምእታው: እተን “ዎ እግዚኣብሄር: ደጊ ሰብ ተሳኢኑ: ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን እሙናት ጠፊኦም እዮም እሞ: ኣድሕን” ዝብላ ንጉስ ዳዊት ዘውስአን ቃላት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዘድልያ ኢየን ዝመስላ። (መዝሙር 12:⁠1) ተኣማንነት ምጕዳል ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሮጀር ሮዘንብላት ኣብታ ታይም እትበሃል መጽሔት ከምዚ ብምባል ሓሳቡ ጸሓፈ:- “ተኣማንነት ክብ ዝበለ መዐቀኒ እኳ እንተዀነ: ወድሰብ ብተኣማንነት ንኸይመላለስ ግን እዚ ዘይበሃል ፍርሂ: ርእሰ⁠-​ምትእምማን ዘይምህላው: በለጽ: ከምኡውን ህርፋን ይዓግቶ ኣሎ።” መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዘሎናዮ ግዜ ብንጹር ክገልጸልና ኸሎ “ሰባት ፈተውቲ ርእሶም. . . ርኹሳት [“ጠለምቲ:” NW ]: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” ክዀኑ ምዃኖም ኢዩ ዝሕብር።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5

እሙን ምዃን ወይ ዘይምዃን ኣብ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ሰብ ዘምጽኦ ሓያል ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው: ‘ንመን ኢና እሙናት ክንከውን ዝግባእ፧’ ዝብል ሕቶ ኽንሓትት ንኽእል ኢና። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም እትብል ርአ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photo above: © AFP/CORBIS