ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ምሕሳብ ክእለት ብኸመይ ክሕልወካ ይኽእል፧

ናይ ምሕሳብ ክእለት ብኸመይ ክሕልወካ ይኽእል፧

ናይ ምሕሳብ ክእለት ብኸመይ ክሕልወካ ይኽእል፧

 ብርቱዕ ማዕበል ንኽትርእዮ ባህ ዘብል ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ባሕረኛታት ግን ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ይፈልጥዎ ኢዮም። ብሰንኪ እቲ ማዕበል ህይወቶም ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ።

ብተመሳሳሊውን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኸይጎብጦም ዘስግእ ብዙሕ ጸቕጥታት የጋጥሞም ኢዩ። ንክርስትያናት ፈተና ኣብ ረርእሲ ኸም ዝደራረቦም ኣስተውዒልካሉ ትኸውን። መንፈሳዊ ምስባር መርከብ ምእንቲ ኸየጋጥመካ ነዚ ፈተናታት እዚ ብቘራጽነት ክትዋጽኣሉ ኸም እትደሊ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠19) ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ ምሕሳብ ክእለትካ ኣገዳሲ ኽፍሊ መከላኸሊኻ ኢዩ። ናይ ምሕሳብ ክእለት ግን እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኸተጥርዮ ትኽእል፧

እታ “ናይ ምሕሳብ ክእለት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ መዚማህ እትበሃል ናይ እብራይስጢ ቓል: ካብታ “መደብ ወይ ውዲት ምግባር” ዝትርጕማ ቓል ዝመጸት ኢያ። (ምሳሌ 1:⁠4 NW ) ስለዚ: ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነታ መዚማህ እትብል ቃል “ብልሓት” ወይ “ኣርሒቕካ ምርኣይ” ኢሉ ተርጒማዋ ኣሎ። ጄሚሰን: ፋውሰት: ከምኡውን ብራውን ዝበሃሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ነታ መዚማህ እትበሃል ቃል “ካብ ሕማቕ ንምምላጥን ጽቡቕ ንምርካብን ጥንቃቐ ምግባር” ኢሎም ተርጒሞምዋ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ነዊሕን ኣብ ሓጺርን ግዜ ዘጋጥም ሳዕቤናት ኣብ ግምት ምእታው ዘጠቓልል ኢዩ። ናይ ምሕሳብ ክእለትና ንጥቀመሉ እንተደኣ ዄንና: ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳድና ብፍላይ ከኣ ኣገዳሲ ውሳነ ቕድሚ ምግባርና ነቲ ዘሎና ኣማራጺታት ተጠንቂቕና ነመዛዝኖ ኢና።

ናይ ምሕሳብ ክእለቱ ዝጥቀም ሰብ ብዛዕባ መጻኢ ወይ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዘጋጠሞ ዅነታት ውሳነ ኽገብር ከሎ: ነቲ ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል ነገራት ኣቐዲሙ ይምርምሮ ኢዩ። ነቲ ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል ነገር ምስ ፈለጦ: ነቲ ኣከባቢኡን ብጾቱን ኣብ ልዕሊኡ ዝህልዎም ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ብኸመይ ካብኡ ኽርሕቕ ከም ዝኽእል ይውስን። በዚ ኸምዚ ኸኣ ጽቡቕ ፍረ ዘፍርየሉ: ምናልባት እውን በረኸት ኣምላኽ ዝረኽበሉ መደብ ይሕንጽጽ። ቀጺልና ነዚ መስርሕ እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ዘርኢ ኣብነት እስከ ንርአ።

ካብ መፈንጠራ ጾታዊ ርኽሰት ርሓቕ

ብርቱዕ ንፋስ ፊት ንፊት ናብ መርከብ ገጹ ኽነፍስ ከሎ እቲ ማዕበል ነታ መርከብ ብቕድሚኣ ኽጸፍዓ ይጅምር። እቶም ባሕረኛታት ነቲ ዝመጾም ማዕበል ብጥበብ ፊት ንፊት እንተ ዘይተጋጢሞምዎ: ክግልበጡ ይኽእሉ ኢዮም።

ንሕናውን ኣብዛ ብጾታዊ ርክብ ዝመጸ ኸም ከልቢ ፊንፊን እትብል ዘላ ዓለም ስለ እንነብር ተመሳሳሊ ዅነታት ኢዩ ዘጋጥመና። መዓልቲ መዓልቲ ንጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል ነገራት ገጽ ንገጽ የጋጥመና ኢዩ። እዚ ኣብቲ ንቡር ጾታዊ ባህግና ጽልዋ ኽህልዎ ስለ ዝኽእል ዕሽሽ ኢልና ኽንሓልፎ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ናብቲ ሓደገኛ ዅነታት እናተጸፋዕና ኣብ ክንዲ እንኸይድ: ናይ ምሕሳብ ክእለትና ኽንጥቀመሉን ነቲ ፈተና ብቘራጽነት ክንዋጽኣሉን ኣሎና።

ንኣብነት: ክርስትያን ሰብኡት መብዛሕትኡ ግዜ ምስቶም ንደቂ ኣንስትዮ ኸም መርወዪ ጾታዊ ስምዒቶም ጥራይ ገይሮም ዝሓስቡ ኣኽብሮት ዘይብሎም መሳርሕቶም ይውዕሉ ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ዕላሎም ጽዩፍ ዋዛን ንጾታዊ ርኽሰት ዝእምት ነገራትን የዘውትሩ ኢዮም። እዚ ሃዋሁ እዚ ኣማስያኡ ኣብ ኣእምሮ ሓደ ክርስትያን ብዕሉግ ሓሳባት ክዘርኣሉ ይኽእል ኢዩ።

ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ እውን ተቘጺራ ትሰርሕ ትኸውን: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ጸገማት የጋጥማ ይኸውን። ነቲ እትስዕቦ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ግዲ ምስ ዘይብሎም ሰብኡትን ኣንስትን ትውዕል ትኸውን። ምናልባት ሓደ ኻብቶም መሳርሕታ ይግደሰላ ይኸውን። ኣብ መጀመርታ ሓልዮቱ የርእያ: አረ ነቲ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያኣ እውን ኣኽብሮት ከም ዘለዎ ይገልጽ ይኸውን። ወትሩ ኣቓልቦኡ ብምሃብን ብምቅርራብን ከኣ ብዝያዳ ኽትቐርቦ ኸም እትደሊ ኽገብራ ይኽእል ኢዩ።

ከም ክርስትያናት መጠን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ናይ ምሕሳብ ክእለትና ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧ ፈለማ ኻብ መንፈሳዊ ሓደጋ ንኽንጥንቀቕ የኽእለና፣ ካልኣይ ከኣ ግቡእ ስጕምቲ ንምውሳድ መደብ ንኽንገብር ይድርኸና። (ምሳሌ 3:⁠21-23 NW ) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ነቶም መሳርሕትና ቕዱስ ጽሑፋዊ እምነትና ፍልይ ዝበለ ብምዃኑ እንስዕቦ ስርዓታት እውን ከምኡ እተፈልየ ምዃኑ ብንጹር ክንገልጸሎም የድልየና። (1 ቈረንቶስ 6:⁠18) ኣዘራርባናን እነርእዮ ጠባይን ነዚ መራጐዲ ይዀኖ ኢዩ። ብዘይ​ዚውን ምስ ገሊኣቶም መሳርሕትና ኣብ ዘሎና ርክብ ቐይዲ ኽንገብር የድልየና ይኸውን።

እንተዀነ ግን: ናብ ብዕሉግ ተግባራት ዝመርሕ ጸቕጥታት ኣብ ስራሕ ጥራይ ኣይኰነን ዝርከብ። ሰብ ሓዳር ዘጋጥሞም ጸገማት ንሓድነቶም ንኸፍርሶ እንተ ፈቒዶምሉ እውን እዚ ጸቕጢ እዚ ኽፍጠር ይኽእል ኢዩ። ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ብዛዕባዚ ኸምዚ በለ:- “ሓዳር ብሃንደበት ኣይብተንን ኢዩ። መጀመርታ እቶም ሰብ ሓዳር ብዙሕ ስለ ዘይዘራረቡ ወይ ብሓንሳእ ብዙሕ ግዜ ስለ ዘየሕልፉ በብቑሩብ ይረሓሓቑ። ነቲ ኣብ ሓዳሮም እተፈጥረ ሃጓፍ ንምዕባስ ደድሕሪ ስጋዊ ጥሪት ይጐዩ ይዀኑ። ኣብ ንሓድሕዶም ዝጥቀሙሉ መግለጺ ፍቕሪ እናነከየ ስለ ዝኸይድ ከኣ ምስ ካልእ ኣንጻር ጾታ ኽቀራረቡ ይጅምሩ።”

እዚ ተመክሮ ዘለዎ ኣገልጋሊ ኣስዕብ ኣቢሉውን ከምዚ በለ:- “ሰብ ሓዳር ንርክቦም ዘበላሹ ነገር እንተ ሃልዩ ኣዘውቲሮም ኮፍ ኢሎም ክላዘቡ ኣለዎም። ብኸመይ ብሓንሳእ ከጽንዑን ክጽልዩን ክሰብኩን ከም ዘለዎም መደብ ከውጽኡ ኣለዎም። ከምቲ ወለድን ውሉዳትን ዝገብርዎ ‘ኣብ ቤቶምን ክኸዱ ኸለዉን ኣብ በጥ ምባሎምን ኣብ ምትንሳኦምን’ ብምዝርራብ ብዙሕ ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም።”​—⁠ዘዳግም 6:⁠7-9

ንዘይክርስትያናዊ ባህርያት ምጽዋሩ

ናይ ምሕሳብ ክእለት ንስነ⁠-​ምግባር ብዝምልከት ፈተና ኸጋጥመና ኸሎ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብ ብጾትና ክርስትያናት ንዝመጸና ፈተና እውን ንኽንጻወር ይሕግዘና ኢዩ። ንፋስ ንሓንቲ መርከብ ብድሕሪኣ ኽደፍኣ ኸሎ: እቲ ማዕበል ነቲ ዳሕረዋይ ክፋል እታ መርከብ ሓፍ ኣቢሉ ናብ ጐድኒ ኽጠውያ ይኽእል ኢዩ። እዚ ኸኣ ንጐድኒ እታ መርከብ ናብ ኣንፈት ናይቲ ማዕበል ገጹ ስለ ዝገብሮ ጕድኣት ከውርደላ ይኽእል ኢዩ።

ንሕናውን ነቲ ኻብ ዘይተጸበናዮ ኣንፈት ዝመጸና ሓደጋ ተኣፈፍቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ምስ ብዙሓት እሙናት ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ‘ሓቢርና’ ኢና ንየሆዋ እነገልግሎ። (ጸፎንያስ 3:⁠9) ሓደ ኻባታቶም ዘይክርስትያናዊ ባህሪ እንተደኣ ኣርእዩ: ንኽትኣምኖ የሸግረካ እሞ ብርቱዕ ጭንቀት የሕድረልካ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ናይ ምሕሳብ ክእለትና ሚዛንና ንኸይነጥፍእን ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይንጕዳእን ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

‘ዘይብድል ሰብ ከም ዘየለ’ ክንርስዕ የብልናን። (1 ነገስት 8:⁠46) ስለዚ: ሓደ ክርስትያን ሓው ብተደጋጋሚ እንተ ኣበሳጨወና ወይ እንተ ኣጕሃየና ከገርመና የብሉን። ነዚ ብምፍላጥ ድማ ክንዳለወሉን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ከነስተንትነሉን ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ገለ ኻብቶም ክርስትያን ኣሕዋት ብዛዕብኡ ብንዕቀት ሃሳዪ ዘረባ ምስ ተዛረቡ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ መንፈሳዊ ሚዛኑ ኣይሰሓተን: የግዳስ ስምረት ሰባት ካብ ምርካብ ስምረት ኣምላኽ ምርካብ ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጸ። (2 ቈረንቶስ 10:⁠10-18) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ሓሪቕና ኸሎና ብቕልጡፍ ስጕምቲ ኸይንወስድ ይሕግዘና።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ምስ ኣብ መገዲ ምዕንቃፍ ከነመሳስሎ ንኽእል። ከምዚ ኸጋጥመና ከሎ: ካብ ቃንዛ እተላዕለ ንእተወሰነ ደቓይቕ ስምዒትና ኣይንቈጻጸርን ንኸውን። እቲ ኣብ ኣጻብዕና ዘጋጠመና ቓንዛ ህድእ ምስ በለልና ግን ብምምዝዛን ናብቲ ንቡር ስምዒትና ተመሊስና ተግባርና ንገብር። ብተመሳሳሊ: ብናይ ካልኦት ዘረባ ወይ ብዝገብርዎ ሕማቕ ተግባር ሓሪቕና ኸሎና ብኡንብኡ ምላሽ ክንህበሉ የብልናን። ኣብ ክንድኡስ: ነቲ እንህቦ ምላሽ ዘስዕቦ ሳዕቤን ሓንሳእ ህድእ ኢልና ኽንሓስቦ ኣሎና።

ንነዊሕ ዓመታት ሚስዮናዊ ዀይኑ ዘገልገለ ማልከም ዘሕርቕ ነገር ከጋጥሞ ኸሎ እንታይ ከም ዝገብር ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኣብ መጀመርታ ኣቐዲመ ዘዳለኽዎ ሕቶታት በብሓደ መልሲ እህበሉ:- እዚ ሓው እዚ ዘሕረቐኒ ብሰንኪ ናይ ባህሪ ዘይምስምማዕ ድዩ፧ እቲ ዝበሎ ነገር ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ድዩ፧ ሕማም ዓሶ ኣብ ሓንጎለይ ዝገደፎ ጽልዋ ነቲ ስምዒተይ ኣጋዲድዎዶ ዀን ይኸውን፧ ድሕሪ ገለ ሰዓታት ነዚ ጕዳይ ብእተፈልየ ዓይኒ እርእዮ ድየ፧” መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቲ ዘይምርድዳእ ክሳዕ ክንድቲ ዘየገድስን ዕሽሽ ክበሃል ዘለዎን ኰይኑ ኢዩ ረኺብዎ። a

ቀጺሉውን ማልከም ከምዚ በለ:- “ሓድሓደ ግዜ ብዙሕ ጻዕርታት እኳ እንተ ገበርኩ: ገሊኣቶም ኣሕዋት ጽቡቕ ባህሪ ኣየርእዩንን ኢዮም። እዚ ንኸየበሳጭወኒ ዝከኣለኒ እጽዕር ኢየ። ዝከኣለኒ ዅሉ ምስ ገበርኩ: ነቲ ጕዳይ ብእተፈልየ መልክዕ ኢየ ዝርእዮ። ኣብ ኣእምሮይ ነቲ ጕዳይ ኣብቲ ብብሕቲ ኽግደሰሉ ዘሎኒ ፋይል ዘይኰነስ ኣብ ‘ውዙፍ ፋይል’ አቐምጦ። ብመንፈስ ንኽጐድኣኒ ወይ ነቲ ምስ የሆዋን ምስ ኣሕዋተይን ዘሎኒ ርክብ ንኽጸልዎ ኣይፈቕደሉን ኢየ።”

ንሕናውን ከም ማልከም ናይ ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ዘይግቡእ ጠባይ ካብ መጠን ንላዕሊ ንኽጸልወና ኽንፈቕደሉ የብልናን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ብዙሓት ባህ ዘብሉ እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ። ምሳታቶም ሓቢርና በታ መገዲ ክርስትና ምምልላስ የሐጕሰና ኢዩ። (ፊልጲ 1:⁠27) ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝገብረልና ፍቕራዊ ደገፍ ምዝካር እውን ነቲ ዝብገስ ጕዳያት ብሚዛናዊ ዓይኒ ንኽንርእዮ ይሕግዘና ኢዩ።​—⁠መዝሙር 23:⁠1-3፣ ምሳሌ 5:⁠1, 2፣ 8:⁠12

ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምፍቃር

ናይ ምሕሳብ ክእለትና ነቲ ብረቂቕ መገዲ ዝወርደና ጸቕጢ ንኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ንፋስ ነቲ ማዕበል ናብ ጐድኒ እታ መርከብ ገጹ ይደፍኦ ኢዩ። እቲ ባሕሪ ሃዲኡ ኸሎ እውን: ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ቀስ ብቐስ ነታ መርከብ ካብ መስመራ ኸም እትወጽእ ይገብራ ኢዩ። ብርቱዕ ማዕበል ከጋጥም ከሎ ግን እቲ ማዕበል ነታ መርከብ ብጐድና ምስ ዝደፍኣ ኽትገልበጥ ትኽእል ኢያ።

ብተመሳሳሊ: ንዅሉ እቲ እዛ እክይቲ ዓለም እተቕርበልና ስጋዊ ነገራት ከነጥሪ ንጽዕር እንተደኣ ዄንና: እዚ ኣነባብራ እዚ መንፈሳዊ መገድና ኸም እንስሕት ክገብረና ይኽእል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠10) እዚ ጕዳይ እዚ ቐይዲ እንተ ዘይተገይሩሉ: ፍቕሪ ዓለም ኣብ መወዳእታ ንክርስትያናዊ መገድና ምሉእ ብምሉእ ከም እንጥንጥኖ ይገብረና። (1 ዮሃንስ 2:⁠15) ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ ምሕሳብ ክእለትና ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

ፈለማ: እንታይ ዓይነት ሓደጋታት ከም ዘሎ ንኽንፈልጦ የኽእለና። ዓለም ንኸተስድዓና ኢላ ዘይትጥቀመሉ ዓይነት ሜላታት የለን። ኵሉ ሰብ ክጓየየሉ ኣለዎ ዝበሃል ዓይነት ኣነባብራ ኽንስዕብ ብዘይ​ምቍራጽ ጸቕጢ ትገብረልና ኢያ፣ እዚ ኸኣ እቲ ንብረት ትዕቢት ዝዀነ ሃብቲ: ንዓይኒ ባህ ዘብል ዓይነት ናብራ: ከምኡውን ናይቶም ኰይንሎም ዝበሃሉ ዓይነት ኣነባብራ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:⁠16) ነዚ እንተደኣ ስዒብና ኵሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ መዛኑናን ጐረባብትናን ይንእዱና ኢዮም። ናይ ምሕሳብ ክእለት እንተ ሃልዩና ግን የሆዋ ኸም ‘ዘይሓድገና’ ስለ እተመባጽዓልና: ኣነባብራና ‘ብዘይ​ ፍቕሪ ገንዘብ ክኸውን’ ከም ዘለዎ ብምዝኽኻር ነዚ ፕሮፓጋንዳ እዚ ንኽቃወሞ ይሕግዘና።​—⁠እብራውያን 13:⁠5

ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ናይ ምሕሳብ ክእለት ነቶም ‘ኻብ ሓቂ ዝዘምበሉ’ ንኸይንስዕቦም ይሕግዘና ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠18) ምስቶም እንፈትዎምን እንኣምኖምን ዝነበርና ሰባት ከም ዘይንሰማማዕ ምግላጽ ቀሊል ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 15:⁠12, 32-34) እቶም መገዲ ክርስትና ዝሓደጉ ብእተወሰነ ደረጃ እውን ጽልዋ እንተ ገይሮምልና: ንመንፈሳዊ ዕቤትና ኽዓግቶን ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ኣብ ሓደጋ ኸእትወናን ይኽእል ኢዩ። ከምታ ካብ መስመራ ብቑሩብ ኣንፈታ ዝሰሓተት መርከብ ከንከውን ንኽእል ኢና። እዛ መርከብ እዚኣ ድሕሪ ነዊሕ ጕዕዞ ኻብቲ መዓልቦኣ ኣዝያ ኢያ እትርሕቕ።​—⁠እብራውያን 3:⁠12

ናይ ምሕሳብ ክእለት መንፈሳዊ ኵነታትና ኸመይ ምዃኑን ናበይ ገጽና ንኸይድ ከም ዘሎናን ንኽንፈልጥ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ምናልባት ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታትና ዝያዳ ተሳትፎ ኽንገብር ከም ዘሎና ነስተውዕል ንኸውን። (እብራውያን 6:⁠11, 12) ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መንእሰይ መንፈሳዊ ሸቶኡ ንምውቃዕ ንናይ ምሕሳብ ክእለቱ ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ ካብ ተመክሮኡ እሞ ኣስተውዕል:- “ጋዜጠኛ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ረኺበ ነይረ። እዚ ሞያ እዚ ኣዝየ ኢየ ዝፈትዎ ነይረ: እንተዀነ ግን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ዓለም ትሐልፍ እያ: እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር’ ዝብል ጥቕሲ ዘከርኩ። (1 ዮሃንስ 2:⁠17) ኣነባብራይ ንእምነተይ ዘንጸባርቕ ክኸውን ከም ዘለዎ ተገንዘብኩ። ወለደይ ክርስትያናዊ እምነቶም ገዲፎምዎ ኢዮም: ኣነ ግን ኣብነቶም ክስዕብ ኣይደለኹን። ስለዚ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ክነብር ወሰንኩ: ስርዓታዊ ፓይነር ብምዃን ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ። ሕጂ ድሕሪ ኣርባዕተ ዘሐጕስ ዓመታት: ቅኑዕ ውሳነ ኸም ዝገበርኩ ተገንዚበዮ ኢየ።”

ንመንፈሳዊ ማዕበላት ክትዋጽኣሉ ምኽኣል

ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ምሕሳብ ክእለትና ብህጹጽ ክንጥቀመሉ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧ ባሕረኛታት ሓደገኛ ዅነታት ብፍላይ ከኣ ማዕበል ክፍጠር ከሎ ቐልጢፎም ከስተውዕሉሉ ኣለዎም። እቲ ሙቐት ናይቲ ኸባቢ ቀልጢፉ እንተ ነክዩን ንፋስ እንተ ሓይሉን: ነቲ ናብ ውሽጢ እታ መርከብ ዘመሓላልፍ ማዕጾ ይዓጽዉዎ: ነቲ ዝገደደ ማዕበል ከኣ ይዳለዉ። ብተመሳሳሊ: እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ናብ መወዳእታኡ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ ሓያል ጸቕጢ ንኽንጻወር ክንዳሎ ኣሎና። እቲ ሕብረተሰብ ዝምርሓሉ ዝነበረ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት እናተረፈ ይኸይድ ኣሎ: ‘እኩያት ድማ ናብ ዝገደደ ይበጽሑ ኣለዉ።’ (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠13) ልክዕ ከምቲ ባሕረኛታት ሓበሬታ ኵነታት ኣየር ዝከታተሉ: ንሕናውን ነቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዘሎ ብትንቢት እተነግረ መጠንቀቕታ ኸነቕልበሉ ኣሎና።​—⁠መዝሙር 19:⁠7-11

ናይ ምሕሳብ ክእለትና ምስ እንጥቀመሉ: ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ኢና ኣብ ግብሪ እነውዕሎ። (ዮሃንስ 17:⁠3) እንታይ ጸገማት ከም ዝለዓል ኣቐዲምና ኽንፈልጥን ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ኽንውስንን ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ: ካብ መገዲ ክርስትና ንኸይንርሕቕ ቈራጽነት ንገብር: መንፈሳዊ ሸቶታት ብምውጻእን ብምስዓብን ከኣ “ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት” ነንብር።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠19

ንጥበብን ንናይ ምሕሳብ ክእለትን ተጠንቂቕና እንተ ሒዝናየን: ‘ጥፍኣት ከይወርደና ኣይክንሽበርን’ ኢና። (ምሳሌ 3:⁠21, 25, 26) ኣብ ክንድኡስ: በዚ ዝስዕብ መብጽዓ የሆዋ ኣጸቢቕና ንጸናናዕ ኢና:- “ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትአቱ እያ: ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ: . . . ምኽሪ [“ናይ ምሕሳብ ክእለት:” NW ] ኽትሕልወካ . . . እያ።”​—⁠ምሳሌ 2:⁠10, 11

[እግረ-ጽሑፍ]

a ክርስትያናት ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 5:⁠23, 24 ዘሎ ምኽሪ ብምስምማዕ ሰላም ክገብሩ ኽጽዕሩ ኣለዎም። እቲ ጕዳይ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ዀይኑ: ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 18:⁠15-17 ተገሊጹ ዘሎ ንሓዎም ክረብሕዎ ኢዮም ዝጽዕሩ።ናይ 15 ጥቅምቲ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17-22 ርአ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ወትሩ እሂን ምሂን ምብህሃል ንሓዳር የደልድሎ