ንመን ኢኻ እሙን ክትከውን ዘሎካ፧
ንመን ኢኻ እሙን ክትከውን ዘሎካ፧
“ሃገርና . . . ወትሩ ቅንዕቲ ትኹነልና፣ ግናኸ ቅንዕቲ ትኹን ኣይትኹን ብዘየገድስ: ሃገርና ደኣ።”—ስቲቨን ደካቱር: ናይ ሕ.መ.ኣ. መኰንን ሓይሊ ባሕሪ: 1779-1820
ብዙሓት ሰባት ንሃገሮም ዘለዎም ተኣማንነት ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኰነን። ገለ ሰባት ነቲ ስቲቨን ደካቱር ዝበሎ ቓላት ቅይር ብምባል ‘ሃይማኖተይ ወትሩ ቅንዕቲ ትኹነለይ፣ ግናኸ ቅንዕቲ ትኹን ኣይትኹን ብዘየገድስ: ሃይማኖተይ ደኣ’ ይብሉ ይዀኑ።
ከም ሓቂ ኽርአ ኸሎ ግን እታ ብዙሓት ሰባት ተኣማንነት ዘርእዩላ ሃገሮም ወይ ሃይማኖቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብምርጫኦም ዘይኰነስ በታ እተወልዱላ ቦታ ኢያ እትውሰን። ንመን ተኣማንነትና ኸነርኢ ኸም ዝግብኣና እንገብሮ ውሳነ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ንዕድል ክግደፍ ኣይግባእን። ይኹን እምበር: ነቲ ኻብ ንእስነትካ ኣትሒዝካ ውፉይ ዝዀንካሉ ነገር ከም ብሓድሽ ምምርማር ትብዓት ይሓትት: ብዙሕ ብድሆ ኸኣ የምጽእ ኢዩ።
ናይ ተኣማንነት ፈተና
ሓንቲ ኣብ ዛምብያ ዝዓበየት ሰበይቲ ኸምዚ በለት:- “ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ሃይማኖታዊት ሰብ ኢየ ነይረ። ኣብታ ስድራቤትና ንጸሎት ዝጥቀሙላ ኽፍሊ ዀይነ መዓልታዊ እጽሊ: ሃይማኖታዊ በዓላት አብዕል: ናብ
ቤተ መቕደስ እውን ወትሩ እኸይድ ነበርኩ። ሃይማኖተይን ኣምልኾይን ምስ ባህልና: ማሕበረሰብና: ከምኡውን ስድራቤትና ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ነበረ።”እንተዀነ ግን: ጐርዞ ምስ ኰነት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት: ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ሃይማኖታ ቐየረት። እዚ ዝገበረቶ ተግባር ግን ጥልመት ድዩ ነይሩ፧
ዝላትኮ ኸኣ ኣብ ቦዝንያ ኢዩ ዓብዩ: ንእተወሰነ እዋን ድማ ኣብቲ ኣብ ሃገሩ ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ተዋጊኡ ኢዩ። ንሱውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ። ካብኡ ንነጀው ኣጽዋር ምልዓል ኣበየ። ከዳዕ ስለ ዝዀነ ድዩ ኸምዚ ገይሩ፧
ነዘን ሕቶታት እዚኣተን እትምልሶ መልሲ ኣብ ኣረኣእያኻ ኢዩ ዝምርኰስ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሰበይቲ “ኣብ ማሕበረሰብና ሃይማኖቱ ዝቕይር ሰብ ከም ውርደተኛ ጌርካ ኢዩ ዝርአ፣ ንስድራቤቱን ንማሕበረሰቡን ዝጠለመ ዘይእሙን ሰብ ከም ዝዀነ ጌርካ ኢዩ ዝርአ” በለት። ብተመሳሳሊ እቶም ብጾት ዝላትኮ ዝነበሩ ወተሃደራት እውን ዝዀነ ይኹን ምሳታቶም ኰይኑ ዘይቃለስ ሰብ ከም ከዳዕ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ሰበይቲ ዀነት ዝላትኮ ግን ነቲ ዝዓበየ ኣካል ማለት ንኣምላኽ ዘለዎም ዝለዓለ ተኣማንነት ንተግባራቶም ከም ዝጸለዎ ይስምዖም ኢዩ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ግን ‘ኣምላኽ ነቶም ንዕኡ እሙናት ክዀኑ ዝደልዩ ብኸመይ ይርእዮም፧’ ዝብል ሕቶ ኢዩ።
ናይ ሓቂ ተኣማንነት መግለጺ ፍቕሪ ኢዩ
ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ ኣምላኽ “ምስቲ ሕያዋይ ሕያዋይ ትኸውን” በሎ። (2 ሳሙኤል 22:26) እዛ ኣብዚ “ሕያዋይ” ተባሂላ ዘላ ቓል ንሓደ ኣካል ብዝምልከት እተገብረ ዕላማ ኽሳዕ ዝፍጸም: ብተኣማንነት ፍቕርኻ ምግላጽ ኢያ እተመልክት። የሆዋ ነቶም እሙናቱ ልክዕ ከምታ እተጥቡ ኣደ ንውላዳ እተፍቅሮ ገይሩ ኢዩ ዘፍቅሮም። ነቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቱ “ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ: ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከአላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ: ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ” በሎም። (ኢሳይያስ 49:15) ኣምላኽ ነቶም ንዕኡ ዘለዎም ተኣማንነት ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ዘርእዩ ሰባት: ብፍቕሪ ኽሕብሕቦም ምዃኑ ቓል ኣትዩሎም ኢዩ።
ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ኢዩ። ንሰባት ከኣ እቲ የሆዋ ዘፍቅሮ ንኸፍቅሩ: እቲ የሆዋ ዝጸልኦ እከይ ከኣ ንኽጸልኡ ይድርኾም። (መዝሙር 97:10) እታ ዓብላሊት ባህሪ የሆዋ ፍቕሪ ስለ ዝዀነት: ንኣምላኽ እሙን ዝዀነ ሰብ ንኻልኦት ሕማቕ ንኸይገብሮም ይድረኽ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) ስለዚ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ እሙን ምእንቲ ክኸውን ኢሉ ሃይማኖቱ እንተ ቐዪሩ: ንስድራቤቱ ዝነበሮ ፍቕሪ ኣጥፊኡ ማለት ኣይኰነን።
ንኣምላኽ እሙን ምዃን ሰናይ ድራኸ የሕድር
እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሰበይቲ ነቲ ዝወሰደቶ ስጕምትታት ከምዚ ብምባል ትገልጾ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ: የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኽፈልጥ ከኣልኩ: ምስኡ ኸኣ ብሕታዊ ርክብ ኣማዕበልኩ። የሆዋ ኸምቶም ኣቐዲመ ዘምልኾም ዝነበርኩ ኣማልኽቲ ኣይኰነን: የግዳስ ፍቕሩ: ፍትሑ: ጥበቡ ዀነ ሓይሉ ፍጹም ሚዛን ዝሓለወ ኢዩ። ንሱ በይኑ ኽምለኽ ስለ ዝደሊ ኸኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ከርሕቖም ነበረኒ።
“ወለደይ ብዙሕ ከም ዘጕሃኽዎምን ዘበሳጨኽዎምን ብተደጋጋሚ ይነግሩኒ ኢዮም። ናይ ወለደይ ስምረት ክርክብ ብርቱዕ ድሌት ስለ ዝነበረኒ: እዚ ጕዳይ እዚ ኣዝዩ ኸበደኒ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነበረኒ ፍልጠት እናወሰኸ ምስ ከደ: እቲ ምርጫ ንጹር ኰነለይ። ንየሆዋ ዝባነይ ክመልሰሉ ኣይክእልን ኢየ።
“ነቲ ብትውልዲ ዝወረስክዎ ሃይማኖት ገዲፈ ንየሆዋ እምንቲ ክኸውን ምውሳነይ: ንስድራቤተይ ጠሊመ ማለት ኣይኰነን። ስምዒቶም ከም ዝርድኣኒ ብቓላተይ ኰነ ብተግባራተይ ከርእዮም ጸዓርኩ። ንየሆዋ እምንቲ እንተ ዘይኰይነ ግን ወለደይ ንዕኡ ንምፍላጥ ዝነበሮም ኣጋጣሚ እዓግቶ እኸውን: እዚ ኸኣ ብሓቂ ጠላም ምዃን ማለት ኢዩ።”
ብተመሳሳሊ: ሓደ ሰብ ንኣምላኽ እሙን
ምእንቲ ክኸውን ኢሉ ካብ ፖለቲካ ገለልተኛ ምስ ዝኸውንን ኣጽዋር ምስ ዘየልዕልን: ከዳዕ ኰይኑ ማለት ኣይኰነን። ዝላትኮ ነቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኸምዚ ብምባል ገለጾ:- “ክርስትያን ተባሂለ እጽዋዕ እኳ እንተ ነበርኩ: ክርስትያን ዘይኰነት ጓል ተመርዓኹ። ውግእ ምስ ተባርዐ: ክልቲኦም ወገናት ምሳታቶም ክኸውን ደለዩኒ። ንሓዲኡ ወገን ክመርጽ ተገደድኩ። ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ከኣ ኣብቲ ውግእ ተኻፈልኩ። ኣብ መወዳእታኡ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ናብ ክሮኤሽያ ሃደምና: ኣብኡ ኸኣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብና።“ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትና: ቅድም ቀዳድም ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ከም ዘሎና: የሆዋ እውን ሃይማኖት ኰነ ዓሌት ብጻይና ብዘየገድስ ንብጻይና ኸነፍቅር ከም ዝደልየና ተገንዘብና። ሕጂ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ኣብቲ ንየሆዋ እነቐርቦ ኣምልኾ ሓድነት ኣሎና። ኣነውን ምስ ብጻየይ እናተዋጋእኩ ንኣምላኽ እሙን ክኸውን ከም ዘይክእል ፈሊጠ ኢየ።”
ኣብ ርጡብ ፍልጠት እተመርኰሰ ተኣማንነት
የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ: ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ብቐዳምነት ንዕኡ እሙናት ክንከውን ይግባእ። (ራእይ 4:11) ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ናብ ሕሉፍ ኣረኣእያን ጐዳኢ ባህርን ምእንቲ ኸይመርሓና: ተኣማንነትና ኣብ ርጡብ ፍልጠት እትመርኰሰ ክኸውን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ተሓደሱ: እቲ ብናይ ሓቂ ቅድስና [“ተኣማንነት:” NW ] ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከኣ ልበሱ’ ብምባል ይምሕጸነና ኢዩ። (ኤፌሶን 4:23, 24) እቲ ነዘን መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት ዝጸሓፈ ውሩይ ሰብኣይ: ነቲ ኻብ ቈልዕነቱ ኣትሒዙ እሙን ኰይኑ ዝዓበየሉ ነገር ብትብዓት እንደገና መርሚርዎ ኢዩ። እቲ ዝገበሮ ምርምር ድማ ጠቓሚ ለውጢ ኽገብር ሓገዞ።
እወ: ሳውል ልክዕ ከም ካልኦት ኣብዚ ግዜና ዝርከቡ ሰባት ንተኣማንነት ዝምልከት ፈተና ኣጋጢምዎ ኢዩ። ሳውል: ንስርዓታት ኣቦታቶም ብጥብቂ ኣብ ዝስዕቡ ስድራቤት ኢዩ ዓብዩ: ነቲ ብትውልዲ ዝወረሶ ሃይማኖት ከኣ ሕሉፍ ተኣማንነት ነበሮ። አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ነቶም ምስ ኣረኣእያኡ ዘይሰማምዑ ዘበሉ የበሳብሶም ነይሩ ኢዩ። ንክርስትያናት ካብ ኣባይቶም እናኣውጽአ ናብቲ ዝቕጽዑሉ ወይ ዝቕተሉሉ ቦታ እናጐተተ ዝወስዶም ዕሉል ሰብ ኢዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 22:3-5፣ ፊልጲ 3:4-6
እንተዀነ ግን: ሳውል ሓደ ግዜ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ኣጥረየ: ነቲ ብዙሓት ከምኡ ዝኣመሰሉ ሰባት ከቶ ዘይሕሰብ ኢዩ ዝብልዎ ዝነበሩ ነገር ከኣ ገበረ። እወ: ሃይማኖቱ ቐየረ። ሳውል ድሕሪ ግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ ተባህለ: ነቲ ዝጸንሐ ስርዓት ኣቦታት ዘይኰነስ ንኣምላኽ እሙን ምዃን ድማ መረጸ። ኣብ ርጡብ ፍልጠት ተመርኲሱ ንኣምላኽ እሙን ብምዃኑ: ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ጐዳእን ጸቢብን ኣተሓሳስባ ገዲፉ ጸዋር: ፈቃር: ከምኡውን ሰናይ ባህርያት ዘለዎ ሰብ ኰነ።
እሙን ክትከውን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
ተኣማንነትና ብስርዓታት ኣምላኽ ከም ዝቕረጽ ምግባር ብዘይጥርጥር ረብሓታት የምጽእ ኢዩ። ንኣብነት: ብ1999 ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ብዛዕባ ስድራቤት መጽናዕቲ ዝገብር ትካል ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ: ንነባርን ዘሐጕስን ሓዳር መሰረት ካብ ዝዀነ ነገራት: “እምነትን ተኣማንነትን . . . መንፈሳውነት”ን ምዃኑ ገለጸ። እዚ መጽናዕቲ
እዚ “ድልዱልን ዘሐጕስን ሓዳር” ንሰብኡት ኰነ ኣንስቲ ሕጉሳት: ጥዕና ዘለዎም: ከምኡውን ነዊሕ ዝዕምሮም ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ኸም ዘለዎ ከምኡውን ንውሉዳት ዘሐጕስ ህይወት ንኸሕልፉ ኣጋጣሚ ኸም ዝኸፍተሎም መረጋገጺ ተረኺቡ ኢዩ።ኣብዛ ምጥርጣር ዝመልኣ ዓለም: ተኣማንነት ንሓደ ኸይጥሕል ዝቃለስ ዘሎ ሰብ ምእንቲ ኽድሕን ኢልካ ኻብ መርከብ ዝድርበየሉ ገመድ ጌርካ ክትርአ ትከኣል ኢያ። እቲ ውልቀ-ሰብ ነታ ገመድ ኣጥቢቑ እንተ ዘይሒዝዋ: በቲ ማዕበልን ንፋስን ንየው ነጀው ኢዩ ዝድፋእ። ኣብ ግጉይ ነገር ተኣማንነቱ እንተ ኣውዲቑ ኸኣ እታ ገመድ ካብ እትጥሕል ዘላ መርከብ ከም እተደርበየትሉ ጌርና ኽንርእያ ንኽእል ኢና። ልክዕ ከምቲ ሳውል ዝነበሮ ዅነታት ናብ ጥፍኣት ገጹ ይኸይድ ኣሎ ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ርጡብ ፍልጠት ተመርኲስካ ንየሆዋ እሙን ምዃን: ከምታ ናብዝን ናብትን ንኸይንላኻዕን ንኽንድሕንን እትሕግዘና ገመድ ኢያ።—ኤፌሶን 4:13-15
የሆዋ ነቶም ንዕኡ እሙናት ዝዀኑ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል መብጽዓ ኣትዩሎም ኣሎ:- “እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ: ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን: ንዘለኣለም ይሕለዉ።” (መዝሙር 37:28) ድሕሪ ሓጺር እዋን ኵሎም እቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ናብ ገነታዊት ምድሪ ኽኣትዉ ኢዮም። ኣብኡ ኸኣ ሓዘንን ስቓይን ኣይክህሉን ኢዩ: ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ኣፈላላይ ስለ ዘይህሉ እውን ክሕጐሱ ኢዮም።—ራእይ 7:9, 14፣ 21:3, 4
ሕጂውን እንተዀነ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ውልቀ-ሰባት: ንየሆዋ እሙናት ብምዃን ጥራይ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዝርከብ ኣስተውዒሎም ኢዮም። ንስኻኸ ነቲ ብዛዕባ ተኣማንነት ዘሎካ ኣረኣእያ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣወዳደርካ ንኽትምርምሮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሕግዙኻ ንምንታይ ዘይተፍቅድ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ብእምነት እንተ አሊኹም: ርእስኹም ፈትኑ: ርእስኹም መርምሩ” ኢዩ ዝብለና።—2 ቈረንቶስ 13:5
ንእምነትናን ነቲ ተኣማንነትና እነርእየሉ ነገርን ቅኑዕ ምዃኑ ምምርማር ትብዓት ይሓትት ኢዩ። ይኹን እምበር እዚ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ከቕርበና ስለ ዝኽእል ጻዕርና ኸንቱ ኣይከውንን ኢዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሰበይቲ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ናይ ብዙሓት ሰባት ስምዒት ገሊጻ ኢያ:- “ንየሆዋን ንስርዓታቱን እሙናት ምዃንና ምስ ስድራቤትና ኣብ ዘሎና ርክብ ሚዛናውያን ከምኡውን ዝሓሹ ኽፍሊ ማሕበረሰብ ንኽንከውን ከም ዝሕግዝ ፈሊጠ ኢየ። ንየሆዋ እሙናት እንተደኣ ዄንና: ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፈተና እኳ እንተ መጸ: ንሱ ኣይክሓድገናን ኢዩ።”
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ሳውል ርጡብ ፍልጠት ምስ ኣጥረየ እምነቱ ቐየረ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ንተኣማንነትካ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ጌርካ ንምንታይ ዘይትምርምሮ፧
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Churchill, upper left: U.S. National Archives photo; Joseph Göbbels, far right: Library of Congress