ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽህናኻ ሓሊኻ ኽትመላለስ ዲኻ፧

ንጽህናኻ ሓሊኻ ኽትመላለስ ዲኻ፧

ንጽህናኻ ሓሊኻ ኽትመላለስ ዲኻ፧

 ትማሊ ኽንደይ ኣዕዋፍ ሞይተን፧ ነዚ ዝፈልጥ ሰብ የለን: ምናልባትውን ብዛዕባዚ ዝግደስ የለን: ከመይሲ ኣዝየን ብዙሓት ኣዕዋፍ ኢየን ዘለዋ። የሆዋ ግን ብዛዕባ እዚኣተን ይግደስ ኢዩ። የሱስ ብዛዕባ እዘን ኣብ ግምት ዘይኣትዋ ዝመስላ ኣዕዋፍ ክዛረብ ከሎ “ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ​ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ “ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ: ኣይትፍርሁ” በለ።​—⁠ማቴ​ዎስ 10:​29, 31

ጸኒሑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ: የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢሩ ኸም ዝርእዮም ብዝያዳ ተረዲእዎም ኢዩ። ሓደ ኻባታቶም ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣምላኽ: ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ: ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ: እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 4:⁠9) የሆዋ በጅነት ኣዳልዩልና ጥራይ ዘይኰነስ: ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ብምባል መረጋገጺ ሂቡ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 13:5

የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ ዘይቅየር ምዃኑ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ጕዳይ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ‘ንሕናኸ ኣብ የሆዋ ብምልጋብ ንኸይንሓድጎ ቈሪጽና ዲና፧’ ዝብል ሕቶ ኽለዓል ይኽእል ኢዩ።

ሰይጣን ንጽህናና ንምብልሻው ዝገብሮ ፈተነ

የሆዋ ንሰይጣን ብዛዕባ ንጽህና እዮብ ምስ ተዛረቦ: ሰይጣን “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧” ኢሉ ብጭርቃን መለሰሉ። (እዮብ 1:9) ብኻልእ ኣበሃህላ ደቅሰብ ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት ኣብቲ ኻብኡ ዝረኽብዎ ረብሓ ኸም ዝምርኰስ ዝእምት ኢዩ። እዚ ቕኑዕ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ዝያዳ ፈታኒ ነገራት ክቐርበሉ ኸሎ: ንጽህንኡ ኣይምሓለወን ነይሩ።

ብዛዕባ እዮብ ኣብ እተላዕለ ጕዳይ: እዮብ ዘለዎ ዅሉ ጥሪት እንተ ስኢኑ: ንኣምላኽ ዝነበሮ ተኣማንነት ከም ዘጥፍእ ሰይጣን ከሰሰ። (እዮብ 1:⁠10, 11) እዚ ኽሲ እዚ ሓሶት ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ: “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” ዝብል ካልእ ክሲ ኣቕረበ። (እዮብ 2:4) እዚ ሰይጣን እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ገሊኣቶም ዝሰርሕ እኳ እንተዀነ: እዮብ ግን ንጽህንኡ ኣየበላሸወን። እቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ ነዚ ኢዩ ዘረጋግጽ። (እዮብ 27:⁠5፣ 42:⁠10-17) ተመሳሳሊ ተኣማንነትዶ ተርኢ ኢኻ፧ ወይስ ሰይጣን ንጽህናኻ ኸበላሹ ተፍቅደሉ ኢኻ፧ ቀጺልካ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዝምልከት ገለ ሓቅታት ከተንብብ ከሎኻ ብዛዕባ ርእስኻ ሕሰብ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ዘርእያ ተኣማንነት ኣዝያ ድልድልቲ ኽትከውን ከም እትኽእል ይኣምን ነበረ። “ሞት ኰነ ወይ ህይወት: . . . ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ: . . . ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ: ኣርጊጸ አሎኹ” ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ። (ሮሜ 8:38, 39) ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ድልድልቲ እንተደኣ ዀይና: ተመሳሳሊ ምትእምማን ክህልወና ይኽእል ኢዩ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ሞት እውን ዘይስዕራ ዘይትብተኽ ማእሰር ኢያ።

ምስ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ እንተደኣ ሃልዩና: ‘ድሕሪ ገለ ዓመታት ንየሆዋ ምግልጋል እቕጽልዶ ዀን እኸውን፧’ ዝብል ሕቶ ናብ ኣእምሮና ፈጺሙ ኣይመጽእን ኢዩ። እዚ ምጥርጣር እዚ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ኣብቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ነገራት ዝምርኰስ ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ። እወ: ናይ ሓቂ ንጽህና በቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዅነታት ፈጺሙ ኣይጽሎን ኢዩ። የግዳስ ኣብቲ ውሽጣዊ እንታይነትና ኢዩ ዝምርኰስ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠16-18) ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ነፍቅሮ እንተደኣ ዄንና: ፈጺምና ኣይከነጕህዮን ኢና።​—⁠ማቴዎስ 22:⁠37፣ 1 ቈረንቶስ 13:⁠8

ይኹን እምበር: ሰይጣን ንጽህናና ንኸበላሹ ወትሩ ህርድግ ይብል ከም ዘሎ ኣይንረስዕ። ብስጋዊ ትምኒት ከም እንስነፍ: ብናይ መዛኑ ጸቕጢ ከም እንምብርከኽ: ወይ ብሰንኪ ጸበባ ንሓቂ ኸም እንገድፎ ኽገብረና ኢዩ ዝጽዕር። ኣብቲ ዝፍንዎ መጥቃዕቲ ድማ እዛ ኻብ ኣምላኽ ተፈልያ ዘላ ዓለም ቀንዲ መሻርኽቱ ኢያ: ዘይፍጽምናና እውን ንውዲቱ ዘቀላጥፈሉ መሳርሒ ኢዩ። (ሮሜ 7:⁠19, 20፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠16) እንተዀነ ግን: ኣብዚ ቓልሲ እዚ ሓያሎ ብልጫታት ኣሎና: ሓደ ኻብዚ ኸኣ ውዲቱ ዘይንስሕቶ ምዃንና ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 2:⁠11

ውዲት ሰይጣን እንታይ ኢዩ፧ ጳውሎስ ኣብቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ መልእኽቱ “ፍሕሶ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ኤፌሶን 6:⁠11) ሰይጣን ንጽህናና ምእንቲ ኸበላሹ ተንኰል ይፍሕስ ኢዩ። እቲ ዘሐጕስ ግን ውዲቱ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ስለ ዘሎ: ከነለልዮ ንኽእል ኢና። ሰይጣን ንንጽህና የሱስን እዮብን ከበላሹ ዝፈተነሉ ሜላታት: ገለ ኻብቲ ክርስትያናዊ ንጽህናና ንምብልሻው ዝፍትነሉ ውዲታት ኢዩ።

የሱስ ንጽህንኡ ፈጺሙ ኣየበላሸወን

የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን: ንእምኒ ናብ እንጌራ እስከ ቐይሮ ብምባል ሰይጣን ደፊሩ ፈተኖ። ኣየ ተንኰል! የሱስ ን40 መዓልትታት ገለ እኳ ስለ ዘይበልዐ: ብርግጽ ኣዝዩ ጠምዩ ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 4:⁠2, 3) ሰይጣን ንየሱስ ፍቓድ የሆዋ ብዝጻረር መገዲ ገይሩ ነቲ ባህርያዊ ድሌቱ ብኡንብኡ ኸማልእ ሓሳብ ኣቕረበሉ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዓለም ዝፍኖ ፕሮፓጋንዳ: ንሳዕቤናቱ ከይሓሰብና ቕጽበታዊ ዕግበት ክንረክብ ኢዩ ዘተባብዕ። ‘ሕጂ ኽትረኽቦ ኣሎካ’ ወይ ‘ባህ ዝበለካ ግበር’ ዝብል መልእኽታት ኢዩ ዝመሓላለፍ ዘሎ።

የሱስ ዝመጾ ሳዕቤን ከይሓሰበ ንጥሜቱ እንተ ዝዕንግል: ሰይጣን ንንጽህና የሱስ ብምብልሻው ምተዓወተ ነይሩ። የሱስ ግን ነቲ ጕዳይ ብመንፈሳዊ ዓይኒ ጠመቶ እሞ “ሰብ ብዅሉ ቓል ኣምላኽ እምበር: ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን: ጽሑፍ እዩ” ብምባል የማነ ጸጋም ዘየብል መልሲ ሃቦ።​—⁠ሉቃስ 4:4፣ ማቴዎስ 4:4

ድሕሪኡ ሰይጣን ሜላኡ ቐየረ። ካብቲ የሱስ ዝጠቕሶ ዝነበረ ቕዱሳት ጽሑፋት ጠውዩ ብምጥቃስ: ንየሱስ ካብ ገምገም ቤተ መቕደስ ንታሕቲ ገጹ ኽጸድፍ ኣተባብዖ። ‘መልኣኽ ክሕልወካ ኢዩ’ ኢሉ ኸኣ ተዛረቦ። የሱስ ኣቓልቦ ምእንቲ ኽስሕብ ጥራይ ኢሉ ኻብ ኣቦኡ ተኣምራዊ ዕቝባ ኽጠልብ ኣይደለየን። “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ” ኢሉ ድማ መለሰሉ።​—⁠ማቴዎስ 4:5-7፣ ሉቃስ 4:9-12

እታ ሰይጣን እተጠቕመላ ናይ መወዳእታ ብልሓት ቀጥታዊት ኢያ ነይራ። የሱስ ሓንሳእ ፍግም ኢሉ እንተ ሰጊዱሉ: ኵላ ዓለምን ክብረታን ክህቦ ምዃኑ ገለጸ። ሰይጣን እታ ኽህባ ዝኽእል ዘላቶ ነገር ኢዩ ኣቕሪቡ። እንተዀነ ግን: የሱስ ከመይ ገይሩ ኢዩ ነቲ ቐንዲ ጸላኢ ኣቦኡ ፍግም ኢሉ ኽሰግደሉ፧ ከቶ ዘይሕሰብ ኢዩ! “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ” ኢሉ ድማ መለሰሉ።​—⁠ማቴዎስ 4:8-11፣ ሉቃስ 4:5-8

እዚ ሰለስተ ፈተናታት ምስ ፈሸለ: ሰይጣን ንሓዋሩ ዘይኰነስ “ንጊዜኡ ሐደጎ።” (ሉቃስ 4:⁠13 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ኸኣ ሰይጣን ንንጽህና የሱስ ንምብልሻው ወትሩ ይቋመት ምንባሩ ኢዩ ዝሕብር። ድሕሪ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነቲ እናቐረበ ዝኸይድ ዝነበረ ሞቱ ኸዳልዎም ከሎ ሰይጣን ምቹእ ኣጋጣሚ ረኸበ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ “ይባልህካ እባ ደኣ: ጐይታይ: እዝስ ኣይብጻሕካ” ኢሉ ተዛረቦ።​—⁠ማቴዎስ 16:21, 22

እዚ ኻብ ቅኑዕ ድራኸ እተበገሰ: ግን ከኣ ግጉይ ምኽሪ ኻብ ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ብምምጽኡ ንየሱስ የጋግዮዶ ዀን ይኸውን፧ የሱስ እዘን ቃላት እዚኣተን ናይ ሰይጣን ደኣ እምበር ናይ የሆዋ ድሌት ከም ዘየንጸባርቓ ኣስተውዓለ። “ካባይ ርሐቕ: ሰይጣን: ናይ ሰብ እምበር: ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ: ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” ብምባል ድማ ተሪር መልሲ ሃበ።​—⁠ማቴዎስ 16:23

የሱስ ንየሆዋ ዝነበረቶ ፍቕሪ ስለ ዘይሃሰሰት: ሰይጣን ንጽህናኡ ኸበላሽወሉ ኣይከኣለን። ድያብሎስ ዝቕርቦ ነገር ኰነ ዘምጽኦ ዓይነት ፈተና ብዘየገድስ ነቲ የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ዝነበሮ ተኣማንነት ከዳኽሞ ኣይከኣለን። ንጽህናና ንምሕላው ዘጸግም ኵነታት ከጋጥመና ኸሎ ተመሳሳሊ ቈራጽነትዶ ኽህልወና ኢዩ፧ ንእዮብ ዘጋጠሞ ፈተናታት: እንታይ ጸገማት ከጋጥመና ኸም ዝኽእል ብዝያዳ ንኽንርዳእ ይሕግዘና ኢዩ።

ኣብ እዋን ጸበባ እሙን ምዃን

ከምቲ ንእዮብ ዘጋጠሞ ንዓናውን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ጸበባ ኸጋጥመና ይኽእል ኢዩ። እዮብ ጽቡቕ ሓዳር: ዓሰርተ ውሉዳት: ከምኡውን ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ነበሮ። (እዮብ 1:⁠5) እንተዀነ ግን: ንሱ ኸይፈለጠ እቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ንጽህና ኣብ ሰማያዊ መጋባእያ ሓደ ኽርክር ኣልዓለ: ሰይጣን ከኣ ዝዀነ ይኹን መገዲ ተጠቒሙ ንጽህና እዮብ ከበላሹ ቘረጸ።

ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን እዮብ ኵሉ ጥሪቱ ሰኣነ። (እዮብ 1:⁠14-17) ይኹን እምበር: ኣብ ገንዘብ ትውክልቲ ስለ ዘይነበሮ: ነቲ ፈተና ንጽህንኡ ኸየበላሸወ ሓለፎ። እዮብ ነቲ ሃብታም ዝነበረሉ እዋን ብምዝካር “ንወርቂ ተስፋ ጌረዮ . . . እንተ ዀይነስ: . . . ብእለይ በዚሑለይ . . . ኢለ ተሐጒሰ እንተ ዀይነ: በዚ ኸምዝስ ንልዑል ኣምላኽ ከሓዲኡ ምዀንኩ ነይረ እሞ: እዚ ኸኣ . . . ኣበሳ ምዀነ ነይሩ” በለ።​—⁠እዮብ 31:24, 25, 28

ሎሚውን ኵሉ ዘጥረናዮ ንብረት ብሓንሳእ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ነጋዳይ ብገለ ሰባት ተታሊሉ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ኣጥፍአ እሞ ጠፊሹ ተረፈ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ተኣመነ:- “ልበይ ቶግ ኢላ ኽመውት ቅሩብ ኢዩ ተሪፉኒ። ምስ ኣምላኽ ርክብ እንተ ዘይህልወኒ ነይሩ: ካብዚ ኣይመምለጥኩን። ይኹን እምበር: ካብዚ ተመክሮ እዚ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወተይ ቀዳማይ ቦታ እህቦ ኸም ዘይነበርኩ ተረዳእኩ። ገንዘብ ብምድላብ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ሓጐስ ንዅሉ ነገር ዓቢጥዎ ኢዩ ነይሩ።” እዚ ሰብኣይ እዚ ኻብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ስራሕ ዘሕልፎ ግዜ ኣጸቢቑ ነከየ: ብቐጻሊ ሓጋዚ ፓይነር ብምዃን ከኣ ኣብ ወርሒ 50 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሰዓታት ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት የሕልፍ ኣሎ። እንተዀነ ግን: ካብ ንብረት ዝዓቢ ነገር እውን ክትስእን ትኽእል ኢኻ።

እዮብ ሃብቱ ኸም ዝጠፍአ ነጊሮምዎ ገና ኸይወድኡ ኸለዉ ኢዩ ዓሰርተ ደቁ ኸም ዝሞቱ መርድእ ዝመጾ። እንተዀነ ግን “ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ” በለ። (እዮብ 1:18-21) ብሃንደበት ብዙሓት ኣባላት ስድራ​ቤትና እንተ ስኢንና: ንጽህናና ሓሊናዶ ንመላለስ ኢና፧ ፍራንሲስኮ ዝበሃል ኣብ ስጳኛ ዝነብር ክርስትያን ተዓዛቢ: ክልተ ደቁ ብሓደጋ ማኪና ሞትዎ። ናብ የሆዋ ብዝያዳ ብምቕራብን ክርስትያናዊ ንጥፈታቱ ብምውሳኽን ድማ ምጽንናዕ ረኸበ።

እዮብ ውሉዳቱ ድሕሪ ሙማቶም እውን ከይተረፈ ፈተንኡ ኣየብቅዐን። ሰይጣን ብዘስገድግድን ብርቱዕ ቓንዛ ዘለዎን ሕማም ወቕዖ። ሽዑ ሰበይቱ “ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት” ብምባል ሕማቕ ምኽሪ ሃበቶ። እዮብ ግን ንምኽራ ኣይሰምዖን: ‘ብኸናፍሩውን ኣይሓጥኤን።’ (እዮብ 2:9, 10) ንጽህናኡ ኣብቲ ኻብ ስድራ​ቤቱ ዝረኽቦ ደገፍ ዘይኰነስ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ብሕታዊ ርክብ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ።

ሓንቲ ቕድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ሰብኣያን በዅሪ ወዳን መገዲ ክርስትና ዝገደፉ ፍሎራ እትበሃል ሰበይቲ: ነቲ እዮብ ዝነበሮ ስምዒት ተረዲኣቶ ኽትከውን ኣለዋ። ከምዚ ኸኣ በለት:- “ደገፍ ስድራ​ቤትካ ብሃንደበት ምስ ሰኣንካ: ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ካብ ማሕበር የሆዋ ወጻኢ ሓጐስ ከም ዘይረክብ እፈልጥ ነይረ ኢየ። ስለዚ ንፍዕቲ ሰበይትን ኣደን ክኸውን እናጸዓርኩ: ጸኒዐ ንየሆዋ ቐዳማይ ቦታ ሂበዮ ኢየ። ብቐጻሊ እጽሊ ነበርኩ የሆዋ ኸኣ ኣበርቲዑኒ ኢዩ። በዓል ቤተይ ኣበርቲዑ ዝጻረረኒ እኳ እንተዀነ: ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝውከል ሕጕስቲ ኢየ።”

ሰይጣን ቀጺሉ ንንጽህና እዮብ ንምብልሻው እተጠቕመሉ ሜላ ብሰለስተ ብጾቱ ኣቢሉ ኢዩ። (እዮብ 2:⁠11-13) እዞም ብጾቱ እዚኣቶም ክነቕፍዎ ምስ ጀመሩ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ጨኒቕዎ ክኸውን ዘለዎ! ነቲ ዘምጽእዎ ሓሳባት እንተ ዝቕበሎ ነይሩ: ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ምትእምማን መጥፍአ። እቲ ተስፋ ዘቝርጽ ምኽርታቶም ምደሃሎ: ንጽህንኡውን መበላሸወሉ: ሰይጣን ከኣ ምተዓወተ።

ኣብ ክንድኡስ እዮብ “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ​ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” በለ። (እዮብ 27:5) ‘ካብታ ብዘይ​ ጕድለት ምዃነይ ከተልግሱኒ ኣይፈቅድን ኢየ’ ኣይኰነን ዝበለ። ከመይሲ ንጽህናኡ ኣብ ርእሱን ኣብታ ንየሆዋ ዝነበረቶ ፍቕርን ከም እትምርኰስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።

ሓድሽ ግዳይ ንምውዳቕ ዘገልግል ናይ ጥንቲ ውዲት

ሰይጣን ነቲ ኻብ ፈተውትን ኣመንቲ ብጾትን ዝመጽእ ግጉይ ምኽሪ ወይ ጐዳኢ ዘረባ ኽሳዕ ሕጂ ይጥቀመሉ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዘጕሂ ነገር ምስ ዘጋጥመና: ካብቲ ኻብ ወጻኢ ዝመጽእ ስደት ንላዕሊ ብቐሊሉ ንፍናንና ኸዳኽሞ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ነቲ ቀደም ወተሃደር ከሎ ኣብ ብርቱዕ ውግእ ዘጋጥሞ ዝነበረ ጸበባ ምስቲ ገሊኣቶም ኣመንቲ ብጾት ዘውስእዎ ጐዳኢ ቓላትን ዘርእይዎ ሃሳዪ ተግባራትን ድሕሪ ምውድዳር: ነቲ ኻብ ኣመንቲ ብጾት ዝመጽእ ፈተና “ኣብ ህይወተይ ካብ ዘጋጠመኒ እቲ ዝኸበደ ፈተና” ኢልዎ ኢዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ክንርእዮ ኸሎና ብሰንኪ ዘይፍጽምና ኣመንቲ ብጾትና ኣዚና እንተ ተበሳጪና: ምስ ገሊኣቶም ምዝራብ ነቋርጽ ወይ ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምብኳር ክንጅምር ንኽእል ኢና። ነቲ እተጐድአ ስምዒትና ምድዕዓስ ዝያዳ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር ኽመስለና ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጺር ኣተሓሳስባ ግን ዘሕዝን ኢዩ። ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበረ ጥሪትና ማለት ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ: ካልኦት ሰባት ብዝገብርዎ ወይ ብዝብልዎ ነገራት ንኽዳኸም ከነፍቅደሉስ ኣዝዩ ዘጕሂ ኢዩ። ከምዚ ንኸጋጥመና እንተ ፈቒድና: ግዳይ እቲ ሰይጣን ዝጥቀመሉ ናይ ጥንቲ ውዲት ኢና እንኸውን።

ሓቂ ኢዩ: ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ ልዑል ስርዓታት ክህሉ ኢና እንጽበ። ነቶም ካብ ዘይፍጽምና ሓራ ዘይወጹ ኣመንቲ ብጾትና ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኽገብሩ እንተ ተጸቢናዮም ግን ዘጕሂ ነገር ከም ዘጋጥመና ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን የሆዋ ንኣገልገልቱ ዘይዓቕሞም ክገብሩ ኣይጽበዮምን ኢዩ። ኣብነቱ እንተ ስዒብና: ናይ ኣሕዋትና ዘይፍጽምና ዕሽሽ ንምባል ድሉዋት ክንከውን ኢና። (ኤፌሶን 4:⁠2, 32) ሃዋርያ ጳውሎስ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ” ኢሉ ኢዩ ምዒዱ።​—⁠ኤፌሶን 4:26, 27

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኸም ዘሎ ሰይጣን ክርስትያናዊ ንጽህናና ንምብልሻው እተፈላለየ ውዲታት ይጥቀም ኢዩ። ገለ ኻብቲ ውዲታቱ ንሓጥእ ስጋና ዝስሕብ ክኸውን ከሎ: ገሊኡ ኸኣ ስቓይ ኢዩ ዘምጽኣልና። ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ኸም ዘሎ: ስለምንታይ ክትድህለል ከም ዘይብልካ ኽርድኣካ ይኽእል ኢዩ። ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ኣብ ልብኻ ሱር ኸም ዝሰድድ ብምግባር: ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ንኽትምስክርን ንልቢ የሆዋ ንኸተሐጕሶን ቈራጽነት ግበር። (ምሳሌ 27:⁠11፣ ዮሃንስ 8:⁠44) ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ዝመጸ ይምጻእ ኣብ ንጽህንኡ ኽለማመጥ ከም ዘይብሉ ኣይትረስዕ።