“ገንዘብኩም ንምንታይ እመልሰልኩም ከም ዘለኹ ትፈልጡዶ፧”
“ገንዘብኩም ንምንታይ እመልሰልኩም ከም ዘለኹ ትፈልጡዶ፧”
ናና ሰለስተ ውሉዳት ዘለዉዋ ኣብ ሪፓብሊክ ጆርጅያ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ካስፒ እትነብር ንጽል ኣደ ኢያ። እዛ ኣደ እዚኣ ገንዘብ ክትረክብ ትምነ ነበረት። ሓደ ንግሆ ገንዘብ ክትረክብ ዝነበራ ትምኒት ተጋህደላ። ኣብ ጥቓ መደበር ፖሊስ 300 ላሪ ረኸበት። ኣብ ከባቢኣ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ኢዩ። አረ: ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ላሪ ናይታ ሃገር ባጤራ ኻብ ዝኸውን ኣትሒዙስ ናይ 100 ላሪ ባጤራ ነዛ ዓይና እኳ ርእያታ ኣይትፈልጥን ነበረት። ኣብቲ ዓዲ ዝነብሩ ነጋዶ እውን ንእተወሰነ ዓመታት ሰሪሖም ክንድዚ ገንዘብ ኣይረኽቡን ኢዮም።
ናና ‘እምነተይን ንኣምላኽ ዝነበረኒ ፍርሃትን መንፈሳውነተይን ዘጥፍኣለይ እንተደኣ ዀይኑ: እዚ ገንዘብ እዚ ንምንታይ የድልየኒ፧’ ኢላ ሓሰበት። ካብቲ ቐደም ብምኽንያት እምነታ ዘጋጠማ መስጐጕትን መውቃዕትን ድሮ ነዚ ክርስትያናዊ ባህርያት እዚ ኣማዕቢላ ነይራ ኢያ።
ናብቲ መደበር ፖሊስ ምስ ኣተወት: ሓሙሽተ ኣባላት ፖሊስ ሓደ ነገር የናድዩ ምህላዎም ተዓዘበት። ገንዘብ ከም ዝጠፍኦም እውን ኣስተውዓለት እሞ ቅርብ ኢላ “ገለ ነገርዶ ጠፊኡኩም ኢዩ፧” ኢላ ሓተተቶም።
“እወ: ገንዘብ ጠፊኡና” ኢሎም መለሱላ።
“ክንደይ፧” ኢላ ሓተተቶም።
“ሰለስተ ሚእቲ ላሪ” በልዋ።
“ገንዘብኩም ረኺበዮ ኣለኹ” በለቶም። ኣስዕብ ኣቢላውን “ገንዘብኩም ንምንታይ እመልሰልኩም ከም ዘለኹ ትፈልጡዶ፧” ኢላ ሓተተቶም። ንምንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን።
“ምኽንያቱ ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር ኢየ። ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዘይከውን ነይረ ግን ገንዘብኩም ኣይምመለስኩልኩምን” በለቶም።
እቲ ገንዘብ ዝጠፍኦ ሓላፊ ፖሊስ ነቲ ቕኑዕ ተግባራ ዘለዎ ምስጋና ንምግላጽ ንናና 20 ላሪ ሃባ።
እዚ ወረ እዚ ብኡንብኡ ኣብ ብምሉኡ ኣውራጃ ካስፒ ተዘርግሐ። ንጽብሒቱ ኣብቲ መደበር ፖሊስ እትሰርሕ ሓንቲ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ንናና “ጽሑፋትኩም ካብ ቤት ጽሕፈቱ [ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሓላፊ ፖሊስ] ጠፊኡ ኣይፈልጥን ኢዩ። ካብ ሕጂ ንንየው እሞ ኸኣ ምናልባት ብዝያዳ ኣኽቢሩ ኢዩ ኽርእዮ” በለታ። ሓደ ፖሊስ ከኣ ‘ኵሎም ሰባት ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ዝዀኑ: ዓመጽ ዝገብር ኣይምሃለወን’ በለ።