ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕያዎት ጐረባብቲ በረኸት ኢዮም

ሕያዎት ጐረባብቲ በረኸት ኢዮም

ሕያዎት ጐረባብቲ በረኸት ኢዮም

“ካብ ርሑቕ ዘሎ ሓውስ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት ይሐይሽ።”​—⁠ምሳሌ 27:10

 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ሓደ ምሁር ንየሱስ “ብጻየይከ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ግን ብጻዩ መን ምዃኑ ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ብጻይ ዝገብረካ ነገር እንታይ ምዃኑ ብምንጋር ንሕቶኡ መለሰሉ። ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ቅድሚ ሕጂ ትፈልጦ ኔርካ ትኸውን ኢኻ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ምሳሌ እዚ ዛንታ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኢዮም ዝብልዎ: ኣብ ወንጌል ሉቃስ ከኣ ተመዝጊቡ ንረኽቦ። እቲ ዛንታ ኸምዚ ይብል:-

“ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ: ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን: ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ኰነ ኸኣ: ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ: ርእይዎ ሐለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በጽሔ: እናረአዮ ሐለፈ። ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ: ምስ ረአዮ ኸኣ ደንገጸሉ። ናብኡ ቐሪቡ ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ: ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ: ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮ። ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ: ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፤ ተኸናኸኖ: ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኽፈድየካ እየ: በሎ። ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ: ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧”​—⁠ሉቃስ 10:29-36

የሱስ እንታይ ክብል ከም ዝደለየ እቲ ምሁር ተረዲእዎ ኢዩ። ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ ሰብ ብጻዩ መን ምዃኑ ምስ ተሓትተ “እቲ ምሕረት ዝገበረሉ” ብምባል መሊስሉ ኢዩ። ሽዑ የሱስ “ኪድከ: ንስኻውን ከምኡ ግበር” በሎ። (ሉቃስ 10:⁠37) እዝስ ናይ ሓቂ ብጻይ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝሕብር ከመይ ዝበለ ሓያል መረድኢ ዀን ኢዩ! እዚ ዛንታ እዚ ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ንገዛእ ርእስና ንኽንሓትት እውን ከለዓዕለና ይኽእል ኢዩ:- ‘ብብጻይነት ዝመጸ ኣነኸ ከመይ ኢየ፧ ዓሌተይ ወይ ሃገረይ ኣብቲ ብጾተይ ክዀኑ ንዝመርጾም ጽልዋ ይገብረለይ ድዩ፧ ኣብ ሽግር ንዝወደቐ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኸይሕግዞ ዕንቅፋት ይዀነኒ ድዩ፧ ሕያዋይ ብጻይ ንምዃን እጽዕር ድየ፧’

ካበይ ኢና ኽንጅምር ዘሎና፧

በዚ መዳይ እዚ ኸነመሓይሽ ኸም ዘሎና ዀይኑ ምስ ዝስምዓና መጀመርታ ኣተሓሳስባና ኸነዕሪ ኣሎና። ‘ከመይ ገይረ ኢየ ሕያዋይ ጐረቤት ወይ ብጻይ ክኸውን ዝኽእል፧’ ኢልና ኣጸቢቕና ክንሓስብ ኣሎና። ንሕና ሕያዎት ምስ እንኸውን ከኣ ጐረባብትና እውን ሕያዎት ንኽዀኑ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። የሱስ ዳርጋ ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር ኣብቲ ኣብ ከረን ኰይኑ ዝሃቦ ስብከቱ እቲ ኣብ መንጎ ደቅሰብ ክህሉ ዘለዎ መሰረታዊ ስርዓት እንታይ ምዃኑ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” በለ። (ማቴዎስ 7:12) ንሰባት ክብረቶም ምስ እንሕልወሎምን ሕያውነት ምስ እነርእዮምን ንሳቶም እውን ከምኡ ኢዮም ዝገብሩልና።

ጋዜጠኛን ደራሲትን ዝዀነት ሊዛ ፉንደርበርግ ኣብታ ዘ ኔሽን ሲንስ 1865 ዘርእስታ መጽሔት ዝጸሓፈታ “ንጐረባብትኻ ምፍቃር” ኣብ እትብል ዓንቀጽ ጽቡቕ ጕርብትና ንኽህሉ ዘተባብዕ እተወሰነ ነገራት ከምዚ ብምባል ጠቒሳ ኣላ:- ‘ካብቲ ጐረባብቲ ኣብ ንሓድሕዶም ክፍጽምዎ ዝኽእሉ ብዙሕ ናይ ምትሕልላይ ተግባራት ሒደት ክጠቅስ ምፈተኹ። እዚ ድማ ጐረቤትካ ኣብ ዘይህልወሉ ግዜ ንደቁ ክትሕልወሉ: ንዕዳጋ ክትወርድ ከሎኻ ዘድልዮ ነገራት ክትማልኣሉ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብዛ ማሕበረሰብ ብምኽንያት ገበን ብፍርሂ ተዋሒጡ ኣብ ንሓድሕዱ ተጐሳስዩ ዝነበረላ ዘሎ ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ክህሉ ምፈተኹ። ነዚ ተግባራት እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ነጸላ መንደቕካ ዘሎ ጐረቤትካ ኣትሒዝካ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ትኽእል ኢኻ።’

ካናድያን ጂኦግራፊ እትበሃል መጽሔት እውን ጐረባብቲ ኣብ ንሓድሕዶም ጥዑይ ኣረኣእያ ንኽሓድሮም ክሕግዞም ዝኽእል ጽቡቕ ነጥቢ ጠቒሳ ኣላ። ማርኒ ጃክሰን እትበሃል ጸሓፊት “ልክዕ ከምቲ ንወለድኻ ዝረኸብካዮም ብምርጫኻ ዘይኰነ ንጐረባብትኻ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ብምርጫኻ ኣይኰንካን እትረኽቦም። ስለዚ ርክብካ ሜላን ምክብባርን ምጽውዋርን ዝሓትት ኢዩ።”

ሕያዎት ጐረባብቲ ለጋሳት ኢዮም

መብዛሕትና ምስ ጐረባብትና ምቅርራብ ከም ዝኸብደና ፍሉጥ ኢዩ። ርእስና ኣግሊልና ሌላና ብማዕዶ ጥራይ ክንገብሮ ዝቐለለ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ኢዩ ዝብለና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሕያዋይ ጐረቤት ምስ ጐረባብቱ ኽፋለጥ ይጽዕር ኢዩ። ግድን ናይ ማሕርሮ ምሕዝነት ክምስርት እኳ እንተ ዘይደለየ: ምናልባት ፍሽኽ ብምባል ወይ ሰላምታ ብምሃብ ዕላል ንምኽፋት በብግዜኡ ጻዕሪ ይገብር።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ: ጐረባብቲ ኣብ ንሓድሕዶም ርክብ መስሪቶም ንኸደልድልዎ ኽሕግዞም ዝኽእል ኣዝዩ ኣድላዪ ነገር እቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘርእይዎ ‘ብዙሕ ናይ ምትሕልላይ ተግባራት’ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ንጐረቤትካ ሕያውነትካ ንኸተንጸባርቐሉ ዝሕግዘካ ንኣሽቱ ነገራት ሃሰስ ክትብል ጽቡቕ ኢዩ: ከመይሲ እዚ ዝበዝሕ ግዜ ንሓድሕድካ ናይ ምትሕብባርን ናይ ምትሕግጋዝን መንፈስ የሕድር ኢዩ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ዀይኑስ: ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማዕዳ ኽንስዕቦ ኢና።​—⁠ምሳሌ 3:⁠27፣ ያእቆብ 2:⁠14-17

ሕያዎት ጐረባብቲ ብዝግበረሎም ነገራት መማሰውቲ ኢዮም

ኵሉ ሰብ ንዝግበረሉ ሓገዝን ንዝወሃቦ ህያብን ብሞሳ ዝቕበሎ እንተ ዝኸውን ጽቡቕ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣንጻር ናይዚ ዘጋጥመሉ እዋናት ኣሎ። ብዙሓት ንዝግበረሎም ሓገዝን ብቕንዕና ንዝወሃቦም ህያብን ስለ ዘየማስውሉ ገሊኣቶም ወሃብቲ ‘እንታይ ገዲሱኒ: ድሕሪ ሕጂ ኢደይን እግረይን ዘይእርንብ’ ክሳዕ ምባል ኣብጺሕዎም ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ንጐረባብትኻ ምቕልል ኢልካ ሰላም ክትብሎም ከሎኻ ንሳቶም ግን ማእደድ ይብሉልካ ይዀኑ።

መብዛሕትኡ ግዜ ግን እቲ ዝግበረሉ ሰብ ብላዕሊ ላዕሊ ዘይመማሰዊ ዝመስል እኳ እንተዀነ ብውሽጡ ግን ከምኡ ኣይኰነን። ምናልባት ብምኽንያት እቲ ዝዓበየሉ ኸባቢ ስለ ዝስከፍ ቀልዓለም ይገብር ወይ ድማ ከም ዘይደሊ የምስል ይኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣብዛ ዘይመማሰዊት ዓለም እዚኣ ገሊኦም ሰባት ንምሕዝነትካ ብኻልእ ክትርጕምዎ ይኽእሉ: አረ ዝሓሰቦ ኣለዎ ኢሎም እውን ክጥርጥሩኻ ይኽእሉ ኢዮም። ምትእምማን ከሕድረሎም ዝኽእል ተወሳኺ ነገር ከድልዮም ይኽእል ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ምሕዝነታዊ ምቅርራብ ንምምስራት ግዜን ትዕግስትን ይሓትት ይኸውን። ይኹን እምበር: ጐረባብቲ ለጋሳትን መማሰውትን ናይ ምዃን ባህሪ እንተደኣ ኣማዕቢሎም ኣብ ጕርብትና ሰላማውን ዘሐጕስን ሃዋሁ ኢዮም ዝፈጥሩ።

ሽግር ምስ ዘጋጥም

ሕያዋይ ጐረቤት ብፍላይ ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ይተሓባበር ኢዩ። ኣብ እዋን ጸበባ ናይ ሓቂ መንፈስ ጕርብትና ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ብዛዕባ እቲ ጐረባብቲ ዘርኣይዎ ልግሲ ዝገልጽ ሓያሎ ጸብጻባት ኣሎ። ኣብቲ ዘሕዝን ኣጋጣሚታት ቅጽበታዊ ረዲኤት ንኽህቡን ንሓድሕዶም ንኽተሓጋገዙን ይድርኾም ኢዩ። እቶም ዘይፋተዉ ዝነበሩ እኳ ከይተረፈ መብዛሕትኡ ግዜ ይተሓጋገዙ ኢዮም።

ንኣብነት: ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ እተባህለት መጽሔት ከም ዝሓበረቶ ቱርኪ ብ1999 ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠማ እቶም ጸላእቶም ዝነበሩ ጐረባብቶም ብሕያውነት ደገፎም ክህቡ ተደሪኾም ኢዮም። ኣና ስተሬጅዮ እትበሃል ግሪኻዊት ጋዜጠኛ ኣብ ኣቴንስ ኣብ ዝሕተም ጋዜጣ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ንዓመታት ዝኣክል ንቱርካውያን ክንጸልኦም ከም ዘሎና ኢና ተማሂርና። ይኹን እምበር: እቲ መሪር ስቓዮም ኣየሐጐሰናን። ሕጻናት ሞይቶም ምስ ረኣና ኣሕነቕኒቕና በኺና ኢና። እቲ ንነዊሕ እዋናት ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ጽልኢ ቅንጥጥ ኢሉ ኸም ዘልገሰ ኢዩ ዝመስል ነይሩ።” ነቶም ብፍርስራስ እተቐብሩ ናይ ምውጻእ ዕዮ ከም ዘእከለ ምስ ተገልጸ እውን: እቶም ኣብዚ መዳይ እዚ ኽሕግዙ ዝመጹ ግሪኻውያን ጕጅለታት ገለ ብህይወት ዘለዉ ንምርካብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ደው ከብሉ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

ባህርያዊ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ኣብ ናይ ድሕነት ዕዮ ምክፋል ብሓቂ ዝነኣድ ባህሪ እኳ እንተዀነ ብፍላይ ሓደጋ ቅድሚ ምምጽኡ መጠንቀቕታ ብምሃብ ህይወት ሰባት ንምድሓን ዝግበር ጻዕሪ ግን ዝያዳ ዝነኣድ ተግባር ኢዩ። ይኹን እምበር: መጠንቀቕታ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን እቲ ኽወርድ ኢዩ ዝበሃል ሓደጋ ብንጹር ዝርአ ዘይምዃኑ እቶም መጠንቀቕታ ዝህቡ ሰባት ዝበዝሕ ግዜ ዝሰምዖም ኣይረኽቡን ኢዮም። ስለዚ ነቶም ኣብ ዘስግእ ኵነታት ዘለዉ ውልቀ⁠-​ሰባት መጠንቀቕታ ብምሃብ ኽሕግዝዎም ንዝጽዕሩ ዅሎም ብዙሕ ትግሃትን መስዋእትን ይሓቶም ኢዩ።

እቲ ዝዓበየ ናይ ብጻይነት ተግባር

ሎሚ ካብ ባህርያዊ ሓደጋ ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ክወርድ ኣንጠልጢሉ ኣሎ። እዚ ድማ ንምድሪ ኻብ ገበንን እከይን ምስኡ እተተሓሓዘ ጸገማትን ዘጽሪ በቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዝፍጸም ኣቐዲሙ ብትንቢት እተነግረ ተግባር ኢዩ። (ራእይ 16:⁠16፣ 21:⁠3, 4) እዚ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ብርግጽ ክመጽእ ኢዩ! ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ካብዚ ኣብ ዓለም ክወርድ ኣንጠልጢሉ ዘሎ መዓት ዘድሕን ፍልጠት ብእተኻእሎም መጠን ንሓያሎ ሰባት ከመሓላልፉሎም ይህንጠዩ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ፍሉጥ ናይ ስብከት ዕዮኦም ከይተሓለሉ ተጸሚዶም ዘለዉ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ነዚ ድማ ንኣምላኽን ንሰባትን ስለ ዘፍቅሩ ብፍታው ኢዮም ዝገብርዎ።

ስለዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤትካ ምስ ዝመጹ ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ምስ ዝረኽቡኻ ስምዓዮም ደኣ እምበር ከይመርመርካ ብሕማቕ ብምፍራድ ወይ ብምንጽርጻር ኣይተርሕቆም። ሕያዎት ብጾት ክዀኑ ኢዮም ዝደልዩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽምህሩኻ ዘቕርቡልካ ዕድመ ተቐበሎ። ቃል ኣምላኽ: ጐረባብቲ ሓቢሮም ብሓጐስ ዝነብርሉ እዋናት ምቕራቡ ብኸመይ ከም ዘረጋግጸልና ተምሃር። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ መብዛሕትና እንብህጎ ልባዊ ምቅርራብ ዝዘርግ ዓሌታዊ: ሃይማኖታዊ ዀነ ደርባዊ ምፍልላያት ኣይክህሉን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንጐረባብትኻ ሰናይ ምግባር ጽቡቕ ኢዩ

[ምንጪ ስእሊ]

Globe: Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.