ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን”

“ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን”

“ብዘይምስላስ ኣይተዛረቦምን”

“የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ . . . ብምስላ ተዛረቦም እምበር: ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን።”—⁠ማቴዎስ 13:34

1, 2. (ሀ) ህያው ምስላታት ብቐሊሉ ዘይርሳዕ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ እንታይ ዓይነት ምስላታት ተጠቕመ: ብዛዕባ ምስላታቱኸ እንታይ ሕቶ ኢና ኽንሓትት እንኽእል፧ (እግረ⁠-​ጽሑፍ ርአ።)

 ኣብ ህዝባዊ ዝርርብ ወይ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝሰማዕካዮ ምስላ ትዝክሮዶ፧ ህያው ምስላ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ኣእምሮ ይቕረጽ ኢዩ። ሓደ ደራሲ: ምስላታት “ንኣእዛንና ናብ ኣዒንቲ ኸም ዝቕይሮ እሞ ነቶም ሰማዕቲ ኣብ ኣእምሮኦም ስእሊ ንኽስእሉ ኸም ዘኽእሎም” ገሊጹ ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣእምሮኻ እትስእሎ ስእሊ ንኽትርድኦ ቐሊል ስለ ዝዀነ: ምስላታት ንሓደ ሓሳብ ብቐሊሉ ንኽትግንዘቦ ይሕግዘካ ኢዩ። ነቲ ቓላት ህያው ይገብሮ: እቲ ትምህርቲ ኸኣ ኣብ ኣእምሮና ይቕረጽ።

2 ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ሰባት ከም የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንምስላታት ብውሕሉል መገዲ እተጠቕመሉ የለን። እቲ እተጠቕመሉ ምሳልያዊ ዛንታታት ሕጂ ድሕሪ ኽልተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ እውን ብቐሊሉ ኢዩ ዝዝከር። a ነዚ ሜላ ኣመሃህራ እዚ ብዝያዳ እተጠቕመሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምስላታቱ ውጽኢታዊ ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

የሱስ ብምስላታት ዝመሃረሉ ምኽንያት

3. (ሀ) ብመሰረት ማቴዎስ 13:⁠34, 35 የሱስ ምስላታት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ነዚ ሜላ ኣመሃህራ እዚ ዓብዪ ግምት ከም ዝህቦ ዝሕብረና እንታይ ኢዩ፧

3 የሱስ ንምንታይ ምስላታት ይጥቀም ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ጕሉሕ ምኽንያታት ይህበና ኢዩ። ብቐዳምነት: ከምኡ ብምግባሩ ትንቢት ይፍጽም ነበረ። ሃዋርያ ማቴዎስ ብዛዕባዚ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ: እቲ ብነብዪ፤ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነበረ እነግር: ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኢሉ: እዚ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር: ብዘይ​ ምስላስ ኣይተዛረቦምን።” (ማቴዎስ 13:34, 35) እቲ ማቴዎስ ዝጠቐሶ “ነብዪ:” እቲ ንመዝሙር 78:⁠2 ዘቀናበረ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኻብቲ የሱስ እተወልደሉ ግዜ ዘመናት ኣቐዲሙ ኢዩ ነዚ ጽሒፍዎ። የሆዋ ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ ወዱ ብምስላታት ከም ዝምህር ምውሳኑ ዘደንቕዶ ኸይኰነ፧ ብርግጽ እምበኣር የሆዋ ነዚ ሜላ ኣመሃህራ እዚ ዓብዪ ግምት ኢዩ ዝህቦ!

4. የሱስ ስለምንታይ ምስላታት ከም እተጠቕመ ኽገልጽ ከሎ እንታይ በለ፧

4 ካልኣይ ምኽንያት ከኣ የሱስ ነቶም ተሪር ዝልቦም ሰባት ምእንቲ ኽመሚ ኢሉ ኸም እተጠቕመሉ ገሊጹ ኢዩ። ‘ብዙሓት ህዝቢ’ ኣብ እተኣከቡሉ ኣጋጣሚ ምስላ እቲ ዘራኢ ምስ ነገሮም: ደቀ መዛሙርቱ “ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘሎኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም:- “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተውሂቡ አሎ: ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። እናረአዩስ ኣይርእዩን: እናሰምዑውን ኣይሰምዑን: ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ: ስለዚ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ። ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸም: ከምዚ ዚብል: . . . ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጕድ እዩ እሞ: ምስማዕስ ትሰምዑ: ከቶ ኣይተስተውዕሉን: ምርኣይውን ትርእዩ: ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም።”​—⁠ማቴዎስ 13:2, 10, 11, 13-15፣ ኢሳይያስ 6:⁠9, 10

5. የሱስ እተጠቕመሉ ምስላታት ነቶም ትሑታት ካብቶም ዕቡያት ዝመመዮም ብኸመይ ኢዩ፧

5 የሱስ ብምስላታት ገይሩ ንሰባት ዝመሚ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧ ኣብ ገሊኡ ዅነታት እቶም ሰማዕቱ ነቲ ኸመሓላልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽርድእዎ ተጠንቂቖም ክምርምሩ ነበሮም። ትሑታት ውልቀ⁠-​ሰባት ናብኡ ቐሪቦም ዝያዳ ሓበሬታ ኽህቦም ይሓትዎ ነይሮም። (ማቴዎስ 13:⁠36፣ ማርቆስ 4:⁠34) እምበኣር የሱስ እተጠቕመሉ ምስላታት ነቶም ንሓቂ ጥሜት ዝነበሮም ከጽግቦም ከሎ: ነቶም ዕቡይ ዝልቦም ግን ነታ ሓቂ ሰዊርሎም ኢዩ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ መምህር ኰን ኢዩ ነይሩ! ቀጺልና ገለ ኻብቲ ንምስላታቱ ውጽኢታዊ ዝገበሮ ረቛሒታት ንርአ።

ንዝርዝር ሓበሬታ ተጠንቂቑ ተጠቕመ

6-8. (ሀ) እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ንየሱስ ዝሰምዕዎ ሰባት እንታይ ጸገም ኢዩ ዝነበሮም፧ (ለ) የሱስ ዝርዝር ሓበሬታ ኽገልጽ ከሎ ጥንቁቕ ምንባሩ ዘርእየና ኣየናይ ኣብነታት ኢዩ፧

6 እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን የሱስ ክምህር ከሎ ብቐጥታ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ኸመይ ይስምዖም ምንባሩ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ንድምጺ የሱስ ናይ ምስማዕ ፍሉይ ኣጋጣሚ እኳ እንተ ረኸቡ: ዘረባታቱ ንኽዝክርዎ ተባሂሉ ግን ኣብ ጽሑፍ ኣይተመዝገበሎምን ነይሩ። ኣብ ክንድኡስ ነቲ የሱስ እተዛረቦም ቃላት ኣብ ኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ከንብርዎ ነበሮም። የሱስ ድማ ምስላታት ኣብ ምጥቃም ክኢላ ስለ ዝነበረ: ነቲ ዝመሃሮም ንኽዝክርዎ ኣይከብዶምን ኢዩ ነይሩ። ብኸመይ ኢዩ ግን ከምዚ ዝገበረ፧

7 የሱስ ንዝርዝር ሓበሬታ ተጠንቂቑ ኢዩ ዝጥቀመሉ ነይሩ። ብዛዕባ ሓደ ታሪኽ ዝርዝር ሓበሬታ ኽጠቅስ ኣብ ዘድልዮ እዋን ወይ ሓደ ነጥቢ ኸጕልሕ ምስ ዝደሊ: ብጥንቃቐ ዝርዝር ሓበሬታ ይጠቅስ ነበረ። ከምዚ ስለ ዝዀነ ድማ ኢዩ እቲ ዋና ኣባጊዕ ነታ ሓንቲ በጊዑ ኸናዲ ክኸይድ ከሎ ኽንደይ ኣባጊዕ ገዲፉ ኸም ዝኸደ: እቶም ዓየይቲ ክንደይ ዝኣክል ሰዓታት ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸም ዝሰርሑ: ከምኡውን ክንደይ ዝኣክል ታለንት ብሕድሪ ኸም እተዋህበ ዝገለጸ።​—⁠ማቴዎስ 18:⁠12-14፣ 20:⁠1-16፣ 25:⁠14-30

8 ይኹን እምበር: የሱስ ንትርጕም ናይቲ ምስላታቱ ንምርድኡ ጸገም ዝፈጥር ዘየድሊ ዝርዝር መግለጺ ኣየእተወን። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ምሕረት ዘይገብር ባርያ ኣብ ዝገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ: እቲ ባርያ 60,000,000 ዲናር ብኸመይ ከም እተዓድየ ኣይገለጸን። ኣብዛ ምስላ እዚኣ ይቕረ ምባል ኣድላዪ ምዃኑ ኢዩ ዘጕልሕ ነይሩ። እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ እቲ ባርያ ብኸመይ ኣብ ዕዳ ኸም ዝኣተወ ዘይኰነስ: ብኸመይ ይቕረ ኸም እተባህለሉን ንሱ ብግዲኡ ግን ብዙሕ ንዘይእውዶ ብጻዩ ብኸመይ ከም ዘጋፍዖን ኢዩ። (ማቴዎስ 18:⁠23-25) ብተመሳሳሊ: ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ ኣብ ዝገልጽ ምስላ: እቲ ንእሽቶ ወዲ ንምንታይ ብሃንደበት ዝብጽሖ ግደ ኽወሃቦ ኸም ዝሓተተን ስለምንታይ ከም ዝዘረዎን ኣይገለጸን። እንተዀነ ግን: እቲ ወዲ ናብ ልቡ ተመሊሱ ናብ ቤቱ ምስ መጸ: ኣቦኡ ኸመይ ከም እተሰምዖን እንታይ ከም ዝገብረን ብዝርዝር ገሊጹ ኢዩ። የሱስ ከመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ መልእኽቲ: የሆዋ “ኣዝዩ” ይቕረ ኸም ዝብል ስለ ዝነበረ: ብዛዕባ እቲ ኣቦ ዝገበሮ ነገራት ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ኢሳይያስ 55:⁠7፣ ሉቃስ 15:⁠11-32

9, 10. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ምስላታቱ ዝጠቕሶም ገጸ⁠-​ባህርያት ክገልጽ ከሎ ኣብ ምንታይ ኢዩ ዘተኰረ፧ (ለ) የሱስ ንሰማዕቱን ንኻልኦትን ምስላታቱ ንምዝካር ቀሊል ዝገበረሎም ብኸመይ ኢዩ፧

9 የሱስ ነቶም ኣብ ምሳልያዊ ዛንታ ዝገልጾም ገጸ⁠-​ባህርያት ብምስትውዓል ኢዩ ዝጠቕሶም ነይሩ። ብዛዕባ እቶም ዝጠቕሶም ገጸ⁠-​ባህርያት ዘየድሊ ዝርዝር መግለጺ ኣብ ክንዲ ዝህብ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ዝገብርዎ ነገራት ወይ ንሓደ ፍጻመ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃቡ ኢዩ ዘተኵር ነይሩ። ስለዚ: እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኸመይ ከም ዝመስል ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ዝጸንሖ ጕድኣት ዝወረዶ ኣይሁዳዊ ብኸመይ ብድንጋጽ ከም ዝረድኦ ኢዩ ገሊጹ። ንብጻይካ ምፍቃር ክበሃል ከሎ ነቶም ካብ ዓሌትና ዘበሉ ወይ ንደቂ ዓድና ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት ሰባት ምፍቃር እውን ዘጠቓልል ምዃኑ ንምግንዛብ ዘኽእል ዝርዝር ሓበሬታ ሃበ።​—⁠ሉቃስ 10:​29, 33-37

10 የሱስ ዝርዝር ሓበሬታ ኸእቱ ኸሎ ጥንቁቕ ብምንባሩ ምስላታቱ ሓጺርን ንጹርን ነበረ። ስለዚ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰማዕቱ ዀነ እቶም ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ወንጌላት ጸኒሖም ዘንብቡ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ንምስላታቱ ብቐሊሉ ኽዝክርዎን ንመልእኽቱ ኽግንዘብዎን ከኣሉ።

ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዝርአ ነገራት ተጠቕመ

11. የሱስ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ከባቢኡ ዝግበር ነገራት ይዕዘብ ምንባሩ ዝሕብር ገለ ምሳልያዊ ዛንታታት ጥቐስ።

11 የሱስ ምስ ህይወት ሰባት ዝተኣሳሰር ምስላታት ኣብ ምጥቃም ዝመጸ እውን ኣዝዩ ኽኢላ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ እተጠቕመሉ ምሳልያዊ ዛንታታት ኣብ ገሊላ ኽዓቢ ኸሎ ኻብ እተዓዘቦ ነገራት ከም ዝወሰዶ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ብዛዕባ እቲ ብንእስነቱ ዘሕለፎ ህይወት እሞ ሕስብ ኣብል። ኣዲኡ ኻብቲ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ማይ ብሑቕ ብምውሳድ ኣብኲዓ ቅጫ ኽትስንክት ከላ ብተደጋጋሚ ርእዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 13:⁠33) እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ነቲ መርበቦም ናብ ባሕሪ ገሊላ ኽድርብዩ ኸለዉ ብዙሕ ሳዕ ርእይዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 13:⁠47) ቈልዑ ኣብ ዕዳጋ ኽጻወቱ ኸለዉ እውን ወትሩ ይዕዘብ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 11:⁠16) ብዘይ​ዚውን ኣብ ምስላታቱ እተጠቕመሉ ኻልእ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝውቱር ዝነበረ ነገራት ተዓዚቡ ኢዩ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ዘርኢ ምዝራእ: ዘሐጕስ ውራይ መርዓ: ከምኡውን እኽሊ ናብ ዓጺድ ክሳዕ ዝበጽሕ ዝሓልፎ ደረጃታት ተጠቒሱ ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 13:⁠3-8፣ 25:⁠1-12፣ ማርቆስ 4:⁠26-29

12, 13. እታ ምስላ ስርናይን ክርዳድን የሱስ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ዅነታት ኣጸቢቑ ይፈልጦ ምንባሩ እተርእየና ብኸመይ ኢያ፧

12 ስለዚ እምበኣር ኣብ ዝበዝሕ ምስላታት የሱስ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዘጋጥም ነገራት እንተ ረኸብና ዘገርም ኣይኰነን። ነዚ ሜላ ኣመሃህራ እዚ ኣብ ምጥቃም ክሳዕ ክንደይ ክኢላ ኸም ዝነበረ ምእንቲ ኽንርድኦ: ገለ ኻብቲ ቓላቱ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኣይሁድ እንታይ ትርጕም ከም ዝነበሮ ምፍላጥ ሓጋዚ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኽልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

13 ቀዳማይ: የሱስ ኣብታ ምስላ ስርናይን ክርዳድን: ሓደ ሰብኣይ ጽቡቕ ስርናይ ከም ዝዘርአ እሞ ጸኒሑ “ጸላኢኡ” መጺኡ ኽርዳድ ከም ዝዘርአ ገሊጹ ኣሎ። የሱስ ብፍላይ ነዚ ዓይነት ናይ ጽልኢ ተግባር ዝመረጸ ስለምንታይ ኢዩ፧ ነዚ ምስላ እዚ ኽዛረብ ከሎ ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ ኸም ዝነበረ ኣይትረስዕ: መብዛሕትኦም ሰብ ገሊላ ኸኣ ብሕርሻ ኢዮም ዝናበሩ ነይሮም። ንሓደ ሓረስታይ ብሕቡእ ኣብ ግራቱ ኽርዳድ ካብ ምዝራእ ንላዕሊ ዝጐድኦ እንታይ ኣሎ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝስርሓሉ ዝነበረ ሕግታት ከምዚ ዝኣመሰለ ጸይቂ ይግበር ምንባሩ ዝሕብር ኢዩ። የሱስ ሰማዕቱ ኽርድኦም ዝኽእል ነገር ከም እተጠቕመ ንጹርዶ ኸይኰነ፧​—⁠ማቴዎስ 13:⁠1, 2, 24-30

14. ኣብታ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ እትገልጽ ምሳልያዊት ዛንታ: የሱስ ነታ “ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ” እትወስድ መገዲ ምጥቃሙ ኣገዳስነት ዝነበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ካልኣይ: ነቲ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝገለጾ ምሳልያዊ ዛንታ እሞ ዘክሮ። የሱስ “ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ: ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን: ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ” ብምባል ኢዩ ዘረብኡ ዝጀመረ። (ሉቃስ 10:30) ነታ “ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ” እትወስድ መገዲ ምጥቃሱ ሓደ ትርጕም ኣለዎ። ነዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ኸዘንቱ ኸሎ: ካብ የሩሳሌም ብዙሕ ከይረሓቐ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኢዩ ነይሩ፣ ስለዚ ሰማዕቱ ብዛዕባ እታ መገዲ እቲኣ ዝፈልጡ ክዀኑ ኣለዎም። እታ መገዲ እቲኣ ብፍላይ ንሓደ በይኑ ዝጓዓዝ ሰብ ኣዝያ ሓደገኛ ኢያ ነይራ። ጥውይዋይ መገዲ ስለ ዝነበረት ከተርቲ ኣድብዮም ንኽጸንሑ ዝምችእ ቦታታት ነበራ።

15. እቲ ኻህንን እቲ ሌዋውን ሓልዮት ብዘይ​ምርኣዮም ምኽኒት ክቐርበሉ ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧

15 የሱስ ብዛዕባ እታ መገዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ” ምባሉ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ዝግባእ ነጥቢ ኢዩ። ኣብታ ዛንታ ቐጺሉ: ፈለማ ሓደ ኻህን ድሕሪኡ ኸኣ ሓደ ሌዋዊ በታ መገዲ ኸም ዝሓለፉ: ነቲ ግዳይ ግን ክሕግዝዎ ደው ከም ዘይበሉ ገሊጹ ኢዩ። (ሉቃስ 10:⁠31, 32) ኣብቲ ግዜ እቲ ኻህናት ኣብ የሩሳሌም የገልግሉ ነበሩ: ሌዋውያን እውን ይሕግዝዎም ነይሮም ኢዮም። ያሪኮ ኻብ የሩሳሌም 23 ኪሎ ሜትር ጥራይ ርሒቓ ስለ እትርከብ: ብዙሓት ካህናትን ሌዋውያንን ከኣ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ዘየገልግሉሉ እዋን ኣብ ያሪኮ ይቕመጡ ነበሩ። ስለዚ ብዘይ​ጥርጥር በታ መገዲ እቲኣ ይጐዓዙ ነይሮም ኢዮም። እቲ ኻህንን እቲ ሌዋውን “ካብ የሩሳሌም” ተበጊሶም ይጐዓዙ ምንባሮም: ማለት ናብቲ ቤተ መቕደስ ይኸዱ ዘይምንባሮም እውን ኣስተብህለሉ። b (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም ሓልዮት ዘየርኣይሉ ምኽንያት እቲ ሰብኣይ ምዉት ስለ ዝመሰሎም እሞ: ምዉት እንተ ተንክዮም ከኣ ንግዚኡ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ከገልግሉ ስለ ዘይክእሉ ኢዮም ዝብል ምኽኒት ክቐርብ ኣይክእል ኢዩ። (ዘሌዋውያን 21:⁠1፣ ዘሁልቍ 19:⁠11, 16) የሱስ ኣብ እተጠቕመሉ ምስላታት እቶም ሰማዕቱ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ነገር ከም ዝጠቐሰስ ንጹርዶ ኸይኰነ፧

ፍጥረታት ተጠቕመ

16. የሱስ ንፍጥረታት ኣጸቢቑ እንተ ፈለጦ ዘገርም ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ኣብ ዝበዝሕ የሱስ እተጠቕመሉ ምስላታትን ምሳልያዊ ዛንታታትን ብዛዕባ ኣታኽልቲ: እንስሳታት: ከምኡውን ኵነታት ኣየር ከም ዝፈልጥ ኣርእዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠26, 28-30፣ 16:⁠2, 3) ነዚ ፍልጠት እዚ ኻበይ ኣጥረዮ፧ ኣብ ገሊላ ኽዓቢ ኸሎ ፍጥረታት የሆዋ ንምዕዛብ እኹል ኣጋጣሚ ኸም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብዘይ​ዚውን: የሱስ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ኢዩ: የሆዋ ድማ ንዅሉ ነገራት ኣብ ምፍጣር ከም “ሰራሕተኛ” ገይሩ ተጠቒምሉ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:⁠15, 16፣ ምሳሌ 8:⁠30, 31) ስለዚ እምበኣር የሱስ ንፍጥረታት ኣጸቢቑ እንተ ፈለጦ ኣየገርምን ኢዩ። ነዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ኣመሃህራኡ ኸመይ ገይሩ ብጥበብ ከም እተጠቕመሉ እስከ ንርአ።

17, 18. (ሀ) እቲ ኣብ ዮሃንስ 10 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ: ንባህርያት ኣባጊዕ ይፈልጥ ምንባሩ ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት ምብጻሕ ዝገበሩ ሰባት ብዛዕባ ኣብ መንጎ ጓሶትን ኣባጊዖምን ዘሎ ፍቕሪ እንታይ ኢዮም ተዓዚቦም፧

17 ሓደ ኻብቲ የሱስ እተጠቕመሉ ልቢ ዝትንክፍ ምስላታት: ነቲ ንሱን ሰዓብቱን ዘለዎም ርክብ ምስቲ ጓሳን ኣባጊዑን ዘለዎም ምቅርራብ ዘመሳሰለሉ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 10 ዝርከብ ኢዩ። የሱስ ኣብዚ እተጠቕመሉ ቓላት ንባህርያት ኣባጊዕ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ኢዩ ዘርኢ። ኣባጊዕ ንኽምርሓ ፍቓደኛታት ኸም ዝዀናን ካብ ጓስአን ከም ዘይፍለያን ሓበረ። (ዮሃንስ 10:⁠2-4) ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት ዝበጽሑ ሰባት ነቲ ኣብ መንጎ ጓሶትን ኣባጊዕን ዘሎ ፍሉይ ፍቕሪ ተዓዚቦምዎ ኢዮም። ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነብር ዝነበረ ብዛዕባ እንስሳታትን ኣትክልትን መጽናዕቲ ዝገብር ኤች. ቢ. ትሪስትራም ከምዚ በለ:- “ሓደ ግዜ ሓደ ጓሳ ምስ መጓሰኡ ኽጻወት ርእየዮ ኢየ። ጐይዩ ኸም ዘምልጥ ኣምሰለ እሞ እተን ኣባጊዕ ከኣ ደድሕሪኡ ስዒበን ከበባኦ። . . . ኣብ መወዳእታ ኵለን እተን መጓሰ ኸቢበንኦ ኽዕንድራ ጀመራ።”

18 ኣባጊዕ ንጓስአን ዝስዕባ ስለምንታይ ኢየን፧ ምኽንያቱ ኸምቲ የሱስ ዝበሎ “ድምጹ የለልያ እየን።” (ዮሃንስ 10:⁠4) ብሓቂዶ ኣባጊዕ ድምጺ ጓስአን የለልያ ኢየን፧ ጆርጅ ኤ. ስሚዝ ብዓይኑ ዝረኣዮ ነገር ከምዚ ብምባል ኣብታ ሂስቶሪካል ጂኦግራፊ ኦቭ ዘ ሆሊ ላንድ ዘርእስታ መጽሓፉ ጸሓፎ:- “ሓድሓደ ግዜ ኣብ እዋን ምሳሕ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ይሁዳ ዝርከብ ዔላታት ነዕርፍ ነበርና: ኣብኡ ኸኣ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ጓሶት መምስ መጓሰኦም ይመጹ ነበሩ። እተን መጓሰ ስለ ዝተሓዋወሳ: እቶም ጓሶት ነናቶም ኣባጊዕ ብኸመይ ኰን ክፈልይወን ኢዮም ኢልና ንግረም ነበርና። እተን ኣባጊዕ ሰትየን ምስ ኣእከላ ግን እቶም ጓሶት ነፍሲ ወከፎም ፍሉይ ደሃይ እናኣስምዑ ናብ እተፈላለየ ኣንፈት ናይቲ ስንጭሮ ይኸዱ እሞ: እተን ኣባጊዕ ድማ ካብቲ ተሓዋዊሰናሉ ዝነበራ እናተፈልያ ኸም ኣመጻጽአአን ነናብ ጓስአን ይኸዳ ነበራ።” የሱስ እምበኣር ነቲ ኸመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ መልእኽቲ ንምጕላሕ ዝበለጸ ምስላ ኢዩ ተጠቒሙ። ንትምህርትታቱ ኣፍልጦ እንህበሉን እንእዘዞን እንተደኣ ዄንና: ንመሪሕነቱ እውን እንተ ስዒብና: እቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ኽጓስየና ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 10:⁠11

ሰማዕቱ ዝፈልጥዎ ፍጻመታት ተጠቕመ

19. የሱስ ኣብቲ ኸባቢ ብዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ተጠቒሙ ሓደ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ጌጋ ምዃኑ ዘረድአ ብኸመይ ኢዩ፧

19 ህያው ምስላታት ካብ ተመክሮታት ወይ ኣብነታት ክውሰድ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስ: ሓደጋ ኣብቶም ዝግብኦም ሰባት ኢዩ ዝወርድ ንዝብል ግጉይ ኣረኣእያ ንምንጻግ ኣብቲ ግዜኡ ዘጋጠመ ፍጻመ ተጠቒሙ ኢዩ። “እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተው ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዅሎም ሰብ ዚበዝሕ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም፧” ኢሉ ሓተተ። (ሉቃስ 13:4) ዕድልካ ኣቐዲሙ ኢዩ ዝውሰን ንዝብል ኣረኣእያ ግጉይ ምዃኑ ንምሕባር ብጥበብ ኣረድአ። እቶም 18 ሰባት ሓጢኣት ብምግባሮም ኣምላኽ ዘጥፍኦም ኣይኰኑን። የግዳስ ግዜን ኣጋጣምን ብዘምጽኦ ዘሕዝን ሞት ኢዮም ሞይቶም። (መክብብ 9:⁠11) ስለዚ ሰማዕቱ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ፍጻመ ብምጥቃስ ነቲ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ጌጋ ምዃኑ ኣረድአ።

20, 21. (ሀ) እቶም ፈሪሳውያን ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀነንዎም ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) የሱስ ነየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጸብጻብ ብምጥቃስ ኢዩ የሆዋ ተሪር ሕጊ ሰንበት ከም ዘየውጽአ ዘረድአ፧ (ሐ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

20 የሱስ ኣብ ትምህርትታቱ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት እውን ይጥቀም ነይሩ ኢዩ። እቶም ፈሪሳውያን ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ሰንበት ምድሪ ሰዊት ቀንጢሶም ብምብልዖም ዝዀነንዎም እዋን እሞ ዘክሮ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ፈሪሳውያን ብዛዕባ ሰንበት ዘውጽእዎ ተሪር ሕግታት ደኣ እምበር ሕጊ ኣምላኽ ኣይጠሓሱን። የሱስ: ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሪር ሕጊ ሰንበት ከም ዘይሃበ ኽገልጸሎም ከሎ ነቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 21:⁠3-6 ዘጋጠመ ነገር ኣዘኻኸሮም። ዳዊትን እቶም ሰቡን ምስ ጠመዩ ነቲ ኣብ ማሕደር ተነቢሩ ዝቐነየ እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዑ ጠቐሰሎም። እዚ ዓይነት እንጌራ ኻህናት ጥራይ ኢዮም ክበልዕዎ ዝኽእሉ ነይሮም። እንተዀነ ግን: ዳዊትን ሰቡን ኣብቲ ዅነታት እቲ ነቲ እንጌራ ብምብልዖም ኣይተዀነኑን። እቲ ዘገርም ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝርከብ ዛንታታት እዚ ፍጻመ እዚ ጥራይ ኢዩ ኻህናት ዘይኰኑ ሰባት እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዑ ዝገልጽ። የሱስ ኣየናይ ታሪኽ ክጥቀም ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: እቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኣይሁድ ድማ ነዚ ታሪኽ እዚ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ኸም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 12:⁠1-8

21 ብሓቂ የሱስ ዓብዪ መምህር ኢዩ ነይሩ! ነቲ ኣገዳሲ ሓቅታት ኣብ ልቢ ሰማዕቱ ናይ ምስኳዕ ክእለቱ ብሓቂ ዘደንቕ ኢዩ። ኣብ ኣመሃህራና ግን ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኽንመያየጠሉ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a የሱስ እተፈላለየ ዓይነት ምስላታት ኢዩ ዝጥቀም ነይሩ: ገለ ኻብኡ ድማ ኣብነታት: ምንጽጻራት: ምሳሌታት: ከምኡውን ውስጠዘኣዊ ኣዘራርባ ይጥቀም ነበረ። ምሳልያዊ ዛንታታት ብምጥቃም ዝመጸ እውን ውሩይ ኢዩ ነይሩ፣ ምሳልያዊ ዛንታ ኽበሃል ከሎ ኸኣ ንሓደ ስነ⁠-​ምግባራዊ ወይ መንፈሳዊ ሓቂ ንኽትግንዘቦ ዝሕግዝ ሓጺር ዛንታ ኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ፈጠራ ኢዩ።

b የሩሳሌም ካብ ያሪኮ ዝዛይድ ብራኸ ነበራ። ስለዚ: ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ ሓደ ሰብ “ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ” ኣብ ዝጐዓዘሉ እዋን “ኺወርድ ከሎ” ተባሂሉ ኽግለጽ ይኽእል ኢዩ።

ትዝክሮዶ፧

• የሱስ ብምስላታት ዝምህር ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

• የሱስ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰማዕቱ ኽርድኦም ዝኽእል ምስላታት ከም እተጠቕመ ዘርእየና እንታይ ኣብነታት ኢዩ፧

• የሱስ ብዛዕባ ፍጥረታት ዝነበሮ ፍልጠት ኣብ ምስላታቱ ብውሕልነት እተጠቕመሉ ብኸመይ ኢዩ፧

• የሱስ እቶም ሰማዕቱ ዝፈልጥዎ ፍጻመታት እተጠቕመ ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ብዛዕባ ሓደ ብተዛማዲ ሒደት ገንዘብ ዝእውድ እሞ ዘይመሓረ ባርያ ከምኡውን ብዛዕባ ሓደ ዅሉ ዝብጽሖ ገንዘብ ንዝዘረወ ወዱ ዝመሓረ ኣቦ ኣዘንተወ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ እተዛረቦ ምሳልያዊ ዛንታ እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ኸመሓላልፍ ደልዩ፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣባጊዕ ድምጺ ጓስአን ብሓቂ የለልያ ድየን፧