ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ዓብዪ መምህር ምሰሎ

ነቲ ዓብዪ መምህር ምሰሎ

ነቲ ዓብዪ መምህር ምሰሎ

‘ስለዚ ኺዱ ንኣህዛብ ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ እናመሃርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።’​—⁠ማቴዎስ 28:19, 20

1, 2. (ሀ) ኵላትና ብእተወሰነ መዳይ መምህራን ክንበሃል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ብምምህርና ዝመጸ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ፍልይ ዝበለ ሓላፍነታት ኢዩ ዘለዎም፧

 መምህር ዲኻ፧ ብእተወሰነ መዳይ ኵላትና መምህራን ኢና ኽንብል ንኽእል ኢና። ንኣብነት መገዲ ንእተጋገየ ሰብ ክትሕብሮ ኸሎኻ: ወይ ንሓደ መሳርሕትኻ እተወሰነ ዕዮ ብኸመይ ከም ዝዓምም ክትነግሮ ኸሎኻ: ወይውን ንሓደ ቘልዓ ሳእኑ ብኸመይ ከም ዝኣስር ከተርእዮ ኸሎኻ ትምህር ኢኻ ዘሎኻ። ንኻልኦት ሰባት ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገድታት ምሕጋዝ እተወሰነ ሓጐስ የምጽእ ኢዩ።

2 ብዛዕባ ምምህርና ዝመጸ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ፍልይ ዝበለ ሓላፍነት ኣለዎም። ‘ንኣህዛብ ክንምህሮም’ መዝነት ተዋሂቡና ኢዩ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) ኣብ ጉባኤ እውን ንኻልኦት ናይ ምምሃር ኣጋጣሚ ኣሎና። ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ንጉባኤ ምእንቲ ኽሃንጹ “ጓሶትን መምህራንን” ኰይኖም ንኸገልግሉ ይምዘዙ ኢዮም። (ኤፌሶን 4:⁠11-13) ብሱላት ኣንስቲ እውን ኣብ መዓልታዊ ክርስትያናዊ ንጥፈታተን ነተን ብዕድመ ንኣሽቱ ኣንስቲ “መሃርቲ ሰናይ” ክዀና ኢዩ ዝግብአን። (ቲቶስ 2:⁠3-5) ኵላትና ንኣመንቲ ብጾትና ንኸነተባብዕ ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ: ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ንኻልኦት ብምህናጽ ድማ ነዚ ኽንፍጽሞ ንኽእል ኢና። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠11) መምህር ቃል ኣምላኽ ምዃንን ነባሪ ረብሓ ዘለዎ መንፈሳዊ ነገራት ንኻልኦት ምክፋልንሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን ኢዩ!

3. ናይ ምምሃር ክእለትና ብኸመይ ከነመሓይሽ ንኽእል፧

3 ናይ ምምሃር ክእለትና ግን ብኸመይ ከነመሓይሽ ንኽእል፧ ብቐዳምነት: ነቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ብምምሳል ኢዩ። ገሊኣቶም ግን ‘የሱስ ፍጹም ስለ ዝነበረ: ከመይ ጌርና ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ልክዕ ኢዩ: ፍጹማት መምህራን ክንከውን ኣይከኣለናን ኢዩ። ይኹን እምበር: ዓቕምና ድሩት እኳ እንተዀነ: ንኣመሃህራኡ ንምቕዳሕ ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ካብቲ ኣብ ኣመሃህራኡ እተጠቕመሉ ኣርባዕተ ሜላታት እስከ ንርአ። እዚ ኸኣ ቀሊል ምግባር: ሕቶታት ብግቡእ ምጥቃም: ርትዓዊ መረድኢ ምሃብ: ከምኡውን ምስቲ ጕዳይ ዝሰማማዕ ምስላ ምምሳል ኢዩ።

ቀሊል ምግባር

4, 5. (ሀ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንምርድኡ ቐሊል ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣመሃህራና ቐሊል ንምግባር ነቲ እንጥቀመሉ ቓላት ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

4 እቲ መሰረታዊ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እተሓላለኸ ኣይኰነን። የሱስ ኣብ ጸሎቱ “ዎ ኣቦይ . . . እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ: ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ: ኤመስግነካ አሎኹ” ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 11:25) የሆዋ ዕላማታቱ ነቶም ቅኑዕን ትሑትን ልቢ ዘለዎም ሰባት ኢዩ ገሊጽዎ። (1 ቈረንቶስ 1:⁠26-28) ስለዚ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብቕልል ዝበለ መገዲ ኢዩ ቐሪቡ።

5 ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ኽንሕግዞም ወይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብረሎም ከሎና: ከመይ ጌርና ኢና ብቕልል ዝበለ መገዲ እንምህሮም፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ: ካብቲ ዓብዪ መምህርና እንታይ ከም እተመሃርና ኸነስተውዕል ኣሎና። እቶም ዝበዝሑ “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ዝነበሩ ሰማዕቱ ኣጸቢቖም ምእንቲ ኽርድእዎ: ተራ ቛንቋ ተጠቕመ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠13) እምበኣር ትምህርትና ቐሊል ክንገብሮ እንተደኣ ዄንና: ብቐዳምነት እንጥቀመሉ ቓላት ቀሊል ክኸውን ይግባእ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ብዝያዳ ምእንቲ ኽኣምኑሉ ኢልና ብሉጽ ቃላት ወይ ሓረግ ምጥቃም ኣየድልየናን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ “ብሉጽ ዘረባ” ብፍላይ ነቶም ብዙሕ ትምህርቲ ወይ ክእለት ዘይብሎም ሰባት ከሕፍሮም ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:⁠1, 2) ብጥንቃቐ እተመርጸ ቐሊል ቃላት ንሓቂ ብዝያዳ ኽገልጻ ኸም ዝኽእል ካብ ኣብነት የሱስ ክንመሃር ንኽእል ኢና።

6. ንሓደ መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮ ሰብ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ትምህርቲ ብምሃብ ንኸይንጽዕኖ ኽንጥቀቕ ዘሎና ብኸመይ ኢና፧

6 ኣመሃህራና ቀሊል ክንገብሮ እንተደኣ ዄንና: ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት ብሓንሳእ ብዙሕ ትምህርቲ ብምሃብ ክንጽዕኖም ኣይግባእን። የሱስ ዓቕሚ ደቀ መዛሙርቱ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 16:⁠12) ንሕናውን ንዓቕሚ ተማሃራይና ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ንኣብነት: በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ክንምህር ከሎና: ኵሉ ዝርዝር ሓሳባት ክንገልጸሎም ኣየድልየናን ኢዩ። a እተወሰነ ኽፋል ትምህርቲ የግዲ ብሓንሳእ ክንሽፍን ስለ ዘየድሊ እውን ክንህውኾም ግቡእ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ከከም ናይቲ ተማሃራይ ድሌትን ክእለትን ክንስጕም ይግባእ። ሸቶና እቲ ተማሃራይ ወደ መዝሙር ክርስቶስን ንየሆዋ ዘምልኽን ንኽኸውን ኢዩ። እቲ ተማሃራይ ነቲ ዝማሃሮ ነገር ብንጹር ምእንቲ ኽርድኦ ዝኣክል ግዜ ኽንወስድ ኣሎና። በዚ ኸምዚ ሓቂ ንልቡ ትትንክፎ እሞ ስጕምቲ ኸኣ ይወስድ።​—⁠ሮሜ 12:⁠2

7. ኣብ ጉባኤ ዝርርብ ከነቕርብ ከሎና ኣመሃህራና ቐሊል ንምግባር ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧

7 ኣብ ጉባኤ ዝርርብ ከነቕርብ ከሎና: ብፍላይ ከኣ ሓደስቲ ሰባት እንተ ሃልዮም: ከመይ ጌርና ኢና “ዚስትውዐል” ዘረባ ኽንጥቀም እንኽእል፧ (1 ቈረንቶስ 14:⁠9) ኣብዚ መዳይ እዚ ኽሕግዘና ዝኽእል ሰለስተ ነጥብታት ንርአ። ቀዳማይ: ዝዀነ ይኹን ካልኦት ዘይፈልጥዎ ስያመታት ክንጥቀም ከሎና ንግ​ለጾ። ንሕና ንቓል ኣምላኽ ስለ እተረዳ​እናዮ: ፍልይ ዝበለ ስያመታት ነዘውትር ኢና። ከም እኒ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” “ኻልኦት ኣባጊዕ:” ከምኡውን “ዓባይ ባቢሎን” ዝኣመሰለ መግለጺታት ኽን​ጥቀም እንተደኣ ዄንና: ብቐሊል ሓረጋት ጌርና ትርጕሙ ኸነነጽረሎም ከድልየና ኢዩ። ካልኣይ: ቃላት ኣይነብዝሕ። ብዙሕ ቃላት ምጥቃም ወይ ዝርዝር ሓሳባት ምብዛሕ ንሰማዕትና ከሰልክዮም ይኽእል ኢዩ። እነቐርቦ ትምህርቲ ንጹር ክኸውን እንተ ዀይኑ: ዘየድሊ ቓላትን ሓረጋትን ክንጥቀም የብልናን። ሳልሳይ: ኣዝዩ ሰፊሕ ትምህርቲ ኽንሽፍን ኣይንጽዓር። ምርምር ክንገብር ከሎና ብዙሕ ኣገዳሲ ሓሳባት ኽንረክብ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: ነቲ ሓሳባት ኣብ ሒደት ነጥብታት ብምጥርናፍ ግዜ ኸም ዘፍቅዶ ነዘን ነጥብታት እዚኣተን ዝድግፍ ሓበሬታ ጥራይ እንተ ተጠቕምና ይሓይሽ።

ንሕቶታት ብግቡእ ምጥቃም

8, 9. ንተገዳስነት ናይቲ ብዓል ቤት ዘለዓዕል ሕቶ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብነታት ሃብ።

8 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ኣእምሮኦም ዘሎ ነገር ንኽገልጹሉን ናይ ምሕሳብ ክእለቶም ንኸሰልጥንን ኢሉ ብውሕሉል መገዲ ሕቶታት ይጥቀም ምንባሩ ኣይትረስዕ። ብሕቶታት ገይሩ ኸኣ ኣልባቦም ይትንክፎም ነበረ። (ማቴዎስ 16:⁠13, 15፣ ዮሃንስ 11:⁠26) ንሕናኸ ከም የሱስ ብኸመይ ኢና ንሕቶታት ብግቡእ ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧

9 ካብ ቤት ናብ ቤት ክንሰብኽ ከሎና: ተገዳስነት ንምልዕዓልን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንነግሮም መገዲ ንምጽራግን ሕቶታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ተገዳስነት ናይ ብዓል ቤት ዘለዓዕል ሕቶ ብኸመይ ክንመርጽ ንኽእል፧ ብቐዳምነት መስተብሃሊ ኹን። ናብ ሓደ ቤት ኽትቀርብ ከሎኻ: ነቲ ኸባቢ ተዓዘቦ። ኣብቲ ካንሸሎ ናይ ቈልዑ መጻወቲ ኣሎዶ፧ እንተ ሃልዩ ውሉዳት ከም ዘለዉዎም ዝሕብር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ‘ደቅኻ ምስ ዓበዩ እትህሉ ዓለም ከመይ ትኸውን ይመስለካ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። (መዝሙር 37:⁠10, 11) እቲ ማዕጾ ብዙሕ ሸጋጥን መፍትሕን ዘለዎ ድዩ፧ ከምዚ እንተደኣ ዀይኑ ኸኣ ‘ኣብ ቤትና ዀነ ኣብ ጐደናታት ድሕንነት ዝስምዓና እዋን ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። (ሚክያስ 4:⁠3, 4) ንብሽክለታ ስንኩላን ተባሂሉ እተሰርሐ መገዲ እንተ ሃልዩ ኸኣ ‘ኵሉ ሰብ ጥዕና ዝረኽበሉ እዋን ይህሉዶ ዀን ይኸውን፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 33:⁠24) ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብዙሕ ሓሳባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። b

10. ንሓሳባትን ስምዒታትን ናይቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮ ሰብ ብኸመይ ‘ክንቀድሖ’ ንኽእል: እንታይ ኢና ግን ክንርስዕ ዘይብልና፧

10 ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከሎናኸ ሕቶታት ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧ ከም የሱስ ኣልባብ ሰባት ከነንብብ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር: ብሜላን ብምስትውዓልን ምስ እንሓትት: ሓሳባትን ስምዒታትን ናይ ተማሃራይና ‘ኽንቀድሖ’ ወይ ከነውጽኦ ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 20:⁠5) ንኣብነት: ነታ “ብኣምላኻዊ ናብራ ምንባር ስለምንታይ ሓጐስ ከም ዘምጽእ” ዘርእስታ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት እትርከብ ምዕራፍ ነጽንዕ ኣሎና ንበል። ኣምላኽ ንምትላልን ምንዝርን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ብኸመይ ከም ዝርእዮ ኢያ እትገልጸልና። እቲ ተማሃራይ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ብትኽክል ይምልሶ ይኸውን: እንተዀነ ግን ነቲ ዝማሃሮ ዘሎ ይኣምነሉ ድዩ፧ ስለዚ ነቲ ተማሃራይ: ‘የሆዋ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ ግቡእዶ ምበልካዮ፧’ ወይ ‘ነዚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ትኽእል፧’ ኢልና ኽንሓቶ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ክብሩ ኽንሕልወሉ ኸም ዘሎና ኣይንረስዕ። ዘሕፍሮ ወይ ዘዋርዶ ሕቶታት ክንሓቶ የብልናን።​—⁠ምሳሌ 12:⁠18

11. ህዝባዊ ዝርርብ ዘቕርቡ ኣሕዋት ንሕቶታት ብኸመይ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ፧

11 ህዝባዊ ዝርርብ ዘቕርቡ እውን ንሕቶታት ብግቡእ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ ኢዮም። ንሰማዕትና ዓው ኢሎም ምላሽ ዘይህቡሉ ሕቶታት ምስ እንሓቶም ንኽሓስቡን ንኽመራመሩን ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። የሱስ ሓሓሊፉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ይጥቀም ነበረ። (ማቴዎስ 11:⁠7-9) ብተወሳኺውን: ሓደ ተዛራባይ ደድሕሪ መእተዊኡ ኣብቲ ትምህርቲ ንዘቕርቦ ቐንዲ ነጥብታት ንምንጻር ሕቶታት ክጥቀም ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት “ሎሚ ኣብ ዝርርብና: ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክንርእዮ ኢና . . .” ኽብል ይኽእል ኢዩ። ድሕሪኡ ኣብ መደምደምታ ናብተን ሕቶታት ተመሊሱ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ይደግሞ።

12. ክርስትያን ሽማግለታት ንኣመንቲ ብጾቶም ብቓል ኣምላኽ ገይሮም ከተባብዑ ኸለዉ ሕቶታት ብኸመይ ክጥቀሙ ኸም ዝኽእሉ ኣብነት ሃብ።

12 ክርስትያን ሽማግለታት ናይ ጕስነት ምብጻሕ ክገብሩ ኸለዉ “ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም” ብቓል የሆዋ ንምጽንናዕ ሕቶታት ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠14) ንኣብነት: ሓደ ሽማግለ ንሓደ እተደቝሰ ሰብ ንምትብባዕ መዝሙር 34:⁠18 ከንብበሉ ይኽእል ኢዩ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።” እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብኡ ብኸመይ ከም እትውዕል ምእንቲ ኽግንዘብ ከኣ እቲ ሽማግለ ኸምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኽሓቶ ይኽእል:- ‘የሆዋ ንመን ኢዩ ቀረባኦም፧ ሓድሓደ ግዜ “ስቡር ልቢ” ከምኡውን “ቅጥቁጥ መንፈስ” ዘሎካ ዀይኑዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢልዎ ዘሎ የሆዋ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ቐረባኦም ካብ ኰነ: ንዓኻኸ ቀረባኻ ማለትዶ ኸይኰነ፧’ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ መረጋገጺ ንሓደ እተደቝሰ ሰብ ከተባብዖ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 57:⁠15

ርትዓዊ መረድኢ

13, 14. (ሀ) ኣብ ክርእዮ ዘይክእል ኣምላኽ ኣይኣምንን ኢየ ንዝብል ሰብ ብኸመይ ከነረድኦ ንኽእል፧ (ለ) ኵሉ ሰብ ክኣምን ክንጽበ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

13 ኣብ ኣገልግሎትና ንሰባት እናኣረዳእና ከነእምኖም ንደሊ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠8፣ 28:⁠23, 24) ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸነእምኖም ኢልና እተሓላለኸ ርትዓዊ መረድኢ ብኸመይ ከም እነቕርበሎም ክንመሃር ኣየድልየናን ኢዩ። ርትዓዊ መረድኢ እተሓላለኸ ክኸውን ኣየድልን ኢዩ። መብዛሕትኡ እዋን ብቐሊል መገዲ እንተ ቐሪቡ ኢዩ ልቢ ዝትንክፍ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

14 ሓደ ሰብ ኣብ ዘይርእዮ ኣምላኽ ከም ዘይኣምን እንተደኣ ነጊሩና ብኸመይ ምመለስናሉ፧ ኣብ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ብዘይ​ ገለ ምኽንያት ዝኽሰት ሳዕቤን ከም ዘየለ ኸነረድኦ ንኽእል ኢና። ሓደ ሳዕቤን ክንርኢ ኸሎና: ንኽኽሰት ምኽንያት ዝዀነ ነገር ናይ ግድን ከም ዘሎ ንቕበሎ ኢና። እምበኣር ከምዚ ኽንብል ንኽእል ኢና:- ‘ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ብግቡእ እተሃንጸን እኹል መግቢ ዝርከቦን ቤት እንተ ትረክብ (ሳዕቤን): ሓደ ሰብ (ምኽንያት) ነታ ቤት ከም ዝሃነጻን ነቲ መግቢ ኸም ዘቐመጦን ትድምድም ኢኻ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ፍጥረት ዝርአ ንድፍን ኣብ ምድሪ ዘሎ እኹል መግብን ክንርኢ ኸሎና (ሳዕቤን): ሓደ ኣካል (ምኽንያት) ነዚ ኸም ዝገበሮስ ርትዓዊዶ ኣይመስለካን፧’ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ:- “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ: እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ።” (እብራውያን 3:4) እንተዀነ ግን: እቲ እነቕርቦ መረድኢ ኽሳዕ ክንደይ ርትዓዊ ይኹን ብዘየገድስ: ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ዝኣምነሉ። መጽሓፍ ቅዱስ እቶም “ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ጥራይ ኣመንቲ ኸም ዝዀኑ ኢዩ ዝነግረና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠48 NW፣ 2 ተሰሎንቄ 3:⁠2

15. ንባህርያትን መገድታትን የሆዋ ንምጕላሕ እንታይ ዓይነት መረድኢ ኽንጥቀም ንኽእል: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መረድኢ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ዘርኢ እንታይ ክልተ ኣብነታት ተዋሂቡና ኣሎ፧

15 ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዀነ ኣብ ጉባኤ ኽንምህር ከሎና: ንባህርያትን መገድታትን የሆዋ ንምጕላሕ ርትዓዊ መረድኢ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ብፍላይ እታ ‘ኽንደይ ኣብዚሑ’ ብምባል የሱስ ብተደጋጋሚ እተጠቕመላ መረድኢ ኣስላጢት ኢያ። (ሉቃስ 11:⁠13፣ 12:⁠24) እዚ ዓይነት መረድኢ እዚ ዘሕድሮ ጦብላሕታ ኣብቲ እተነጻጽሮ ነገራት ኢዩ ዝምርኰስ። ሲኦል መሳቐዪ ሓዊ ኢዩ ዝብል ሰረተ⁠-​እምነት ትርጕም ኣልቦ ምዃኑ ንምቅላዕ ‘ዋላ ሓደ ፈቃር ኣቦ ነእዳው ውላዱ ሓዊ ብምንዳድ ዘይቀጽዕ ካብ ኰነ: እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ግዳ ነቲ ኣብ ሲኦል ብሓዊ ምስቓይ ዝብልዎ ሓሳብ ክንደይ ብዝያዳ ዘይጸልኦ፧’ ክንብል ንኽእል ኢና። (ኤርምያስ 7:⁠31) የሆዋ ንኣገልገልቱ ብውልቀ⁠-​ሰብ ደረጃ ኸም ዝሓልየሎም ንኸነረድእ ኸኣ ‘የሆዋ ነቶም ብቢልዮናት ዝቘጸሩ ኸዋኽብቲ በብስሞም ዝፈልጦም ካብ ኰነ: ነቶም ዘፍቅርዎን ብደም ወዱ እተዓደጉን ሰባት ግዳ ኽንደይ ኣብዚሑ ዘይሓልየሎም፧’ ክንብል ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 40:⁠26፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠28 NW ) ከምዚ ዝኣመሰለ ዘእምን መረድኢ ንልቢ ሰባት ክትንክፍ ይኽእል ኢዩ።

ዝሰማማዕ ምስላ

16. ክንምህር ከሎና ምስላታት ክንጥቀም ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ምስቲ ኣርእስቲ ዝሰማማዕ ምስላ ምጥቃም ናይ ትምህርትና ቐመም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምስላታት ኣብ እንምህሮ ትምህርቲ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓደ መምህር “ብዘይ​ ስእላዊ መግለጺ ምሕሳብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ” በለ። ምስላታት ኣብ ኣእምሮና ትርጕም ዘለዎ ስእሊ ኢዩ ዝስእለልና: ነቲ ሓድሽ ሓሳባት ከኣ ብዝያዳ ንኽንርድኦ ይሕግዘና። የሱስ ምስላታት ብምጥቃም ዝመጸ ሓለፍ ዝበለ ኢዩ ነይሩ። (ማርቆስ 4:⁠33, 34) ነዚ ናይ ኣመሃህራ ሜላ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል እስከ ንርአ።

17. ንሓደ ምስላ ኣስላጢ ዝገብሮ እንታይ ኣርባዕተ ረቛሒታት ኢዩ፧

17 ሓደ ምስላ ኣስላጢ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ቀዳማይ: እቶም ሰማዕቲ ብቐሊሉ ዝርድእዎ ክኸውን ኣለዎ። የሱስ መብዛሕትኡ ምስላታቱ ኻብቲ እቶም ሰማዕቱ ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም ዝርእይዎ ነገራት ኢዩ ተጠቒሙ። ካልኣይ: ሓደ ምስላ ምስቲ ኽጐልሕ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ ዝሰማማዕ ክኸውን ይግባእ። እንተ ዘይኰይኑ ግን ናብ ካልእ ከም ዝሓስቡ ኢዩ ዝገብር። ሳልሳይ: ሓደ ምስላ ዘየድሊ ዝርዝር ነገራት ዝመልኦ ክኸውን ኣይግባእን። የሱስ ዘድሊ ዝርዝር ነገራት ከም ዝጠቐሰን ዘየድሊ ኸኣ ከም ዝገደፈን ኣይንረስዕ። ራብዓይ: ምስላታት ክንጥቀም ከሎና: ኣወዓዕልኡ ንጹር ምዃኑ ኸነረጋግጽ ኣሎና። እንተ ዘይኰይኑ ግን ገሊኣቶም እቲ ፍረ ነገር ከይርድኦም ይኽእል ኢዩ።

18. ዝሰማማዕ ምስላታት ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧

18 እንተዀነ ግን: ከመይ ጌርና ኢና ዝሰማማዕ ምስላታት ክንረክብ እንኽእል፧ ነዊሕን እተሓላለኸን ዛንታ ኸነምጽእ ኣየድልየናን ኢዩ። ሓጸርቲ ምስላታት ኣዝዩ ኣስላጢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብቐዳምነት ብዛዕባ እቲ ኽመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ፍረ ነገር ሕሰብ። ንኣብነት: ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ንመያየጥ ኣሎና ንበል: እቲ ኽንምስለሉ ደሊና ዘሎና ነጥቢ ኸኣ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19 ዝርከብ የሆዋ ሓጢኣትና ኸም ‘ዝድምስሶ’ ዝገልጽ ሓሳብ ኢዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ንጹር ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኢዩ: እንተዀነ ግን እቲ ተማሃራይና ነዚ ብጭቡጥ ንኽርድኦ እንታይ ምስላ ምተጠቐምና፧ ምናልባት መደምሰስ ኣብዚ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና። ስለዚ ኸምዚ ኽንብሎ ንኽእል:- ‘የሆዋ ሓጢኣትና ኽሓድገልና ኸሎ: ልክዕ ከምቲ ብመደምሰስ ጌርካ ንሓደ ነገር እትድምስሶ ገይሩ ኢዩ ዝምሕረና።’ ከምዚ ዝኣመሰለ ቐሊል ምስላ ንዅሉ ሰብ ይርድኦ ኢዩ።

19, 20. (ሀ) ጽቡቕ ምስላታት ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧ (ለ) ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ ገለ ጽቡቕ ምስላታት ጥቐስ። (ሳጹን እውን ርአ።)

19 ዝሰማማዕ ምስላታት ኰነ ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወት ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧ ካብ ዘሕለፍናዮ ተመክሮ ወይ ካብ ናይ ኣመንቲ ብጾትና ኣተዓባብያን ተመክሮን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ካብ ህይወት ዘለዎ ዀነ ህይወት ዘይብሉ ነገራት: ካብ ኣቝሑ ገዛ ዀነ ኣብቲ ኸባቢና ኣጸቢቑ ኻብ ዝፍለጥ ፍጻመ: ኰታስ ካብ እተፈላለየ ነገራት ተበጊስና ምስላታት ክንምስል ንኽእል ኢና። ጽቡቕ ምስላ ንምርካብ ዘኽእለና ቐንዲ ነገር: ኣብ መዓልታዊ ናብራና ንቑሓትን መስተብሃልትን ምዃን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠22, 23) ሓንቲ ብዛዕባ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝወሃብ ዝርርብ እትገልጽ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ንህይወት ሰባትን እተፈላለየ ሞያታቶምን ዝዕዘብ: ምስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ዝዘራረብ: ንነገራት ተጠንቂቑ ዝምርምርን ክሳዕ ዝርድኦ ሕቶታት ዝሓትትን ተዛራባይ: ኣብ ዘድልዮ ግዜ ኣጸቢቑ ዝጠቕሞ ምስላታት ይእክብ ኢዩ።”

20 ካልእ ጽቡቕ ምስላታት ክንረኽበሉ እንኽእል ምንጪ እውን ኣሎና። እዚ ኸኣ እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዳሎ ግምቢ ዘብዐኛ: ንቕሑ!: ከምኡውን ካልእ ጽሑፋት ኢዩ። እዚ ጽሑፋት እዚ እንታይ ዓይነት ምስላታት ከም ዝጥቀም ተጠንቂቕካ ብምዕዛብ ብዙሕ ክትማሃር ትኽእል ኢኻ። c ንኣብነት: ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ምዕራፍ 17 ቍጽሪ 11 ተጠቒሱ ዘሎ ምስላ እስከ ንርአ። ኣብ ጉባኤ ዘሎ እተፈላለየ ባህርያት ሰባት ምስተን ኣብ ሓደ ጐደና ብጥቓኻ ዝጐዓዛ እተፈላለያ ዓይነት ማካይን ኣመሳሲልዎ ኣሎ። እዚ ምስላ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣስላጢ፧ ኣብ መዓልታዊ ናብራ እተመርኰሰ: ምስቲ ኽመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ ዝሰማማዕ: ከምኡውን ኣወዓዕላኡ ንምርዳእ ዘየሸግር ከም ዝዀነ ኣስተብህል። እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህር ከሎና ነቲ ኣብ ጽሑፋት ዝወጸ ምስላታት ምስ ኵነታት እቲ ተማሃራይና ወይ ሰማዕትና ብምትዕርራይ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።

21. ንፉዕ መምህር ቃል ኣምላኽ ምዃን እንታይ ዓስቢ ኣለዎ፧

21 ንፉዕ መምህር ምስ እትኸውን ብዙሕ ዓስቢ ኢኻ እትረክብ። ክንምህር ከሎና ንኻልኦት ካብቲ ዘሎና ኢና ነካፍሎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ምሃብ ሓጐስ የምጽእ ኢዩ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ኢዩ ዝብለና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) መምህራን ቃል ኣምላኽ እንተ ዄንና ድማ እቲ ነባሪ ጥቕሚ ዘለዎ ብዛዕባ የሆዋ ዝገልጽ ሓቂ ብምክፋልና ሓጐስ ንረክብ ኢና። ነቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምምሳልና እውን ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

b ኣብታ “ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንጥቀመሎም መእተዊታት” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኻብ ገጽ 2-7 ርአ። እዛ ጽሕፍቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢያ።

c ኣብነታት ንምርካብ ኣብታ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንደክስ 1986-2000 ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣብ ትሕቲ “ኢላስትሬሽንስ” (ምስላታት) ዝብል ኣርእስቲ ርአ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኰይና ብእተፈላለየ ቛንቋታት ትርከብ ኢያ።

ትዝክሮዶ፧

• መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህር ከሎና ብኸመይ ኢና ብቐሊል መገዲ ኽንምህር እንኽእል፧ ኣብ ጉባኤ ዝርርብ ክንህብ ከሎናኸ፧

• ካብ ቤት ናብ ቤት ክንሰብኽ ከሎና: ከመይ ጌርና ኢና ንሕቶታት ብግቡእ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧

• ባህርያትን መገድታትን የሆዋ ንምጕላሕ ከመይ ጌርና ኢና ርትዓዊ መረድኢ ኽንጥቀም እንኽእል፧

• ምስቲ ነጥብና ዝሰማማዕ ምስላታት ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ነዚ ምስላታት ትዝክሮዶ፧

ገለ ጽቡቕ ምስላታት ኣብዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ምስላታት እዚ ነቲ ፍረ ነገር ንምጕላሕ ብኸመይ ከም ዝሓገዘ ነቲ መወከሲ ጽሑፋት እናገንጸልካ ርአ።

• ልክዕ ከምቲ ኣክሮባት ዘርእዩ ሰባት ወይ ኣብ በረድ ሸታሕታሕ ዝብሉ ጽምዲ: ጽቡቕ ሓዳር እውን ንፉዕ ብጻይ ወይ ብጸይቲ ኣብ ምርካብ ኢዩ ዝምርኰስ።​—⁠15 ግንቦት 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16

• ልክዕ ከምቲ ውቁብ ስእሊ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሕንጻጻት ጌርካ ዝሰኣል: ጽቡቕ ስም ከኣ ኣብ ነዊሕ ግዜ ብዝዓየኻዮ እተፈላለየ ንኣሽቱ ነገራት ኢዩ ዝርከብ።​—⁠1 ሰነ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 32

• ፍቕሪ ንኸተንጸባርቕ ምጽዓር ልክዕ ከም ሓድሽ ቋንቋ ኽትመሃር ምጽዓር ኢዩ።​—⁠15 ለካቲት 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18, 22-3

• ሓዳር ንዘምጽኦ ሓላፍነታት ብኸመይ ከም እትስከሞ ከይፈለጥካ ህውኽ ኢልካ ምምርዓው: ልክዕ ከምቲ ምሕንባስ ከይከኣልካ ናብ ርባ ዘሊልካ ምእታው ኢዩ።​—⁠15 ለካቲት 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 4

• ኣጋንንቲ ንሓተታ መናፍስቲ ልክዕ ከምቲ ሃዳናይ ንእንስሳታት ናብ መጻወድያኡ ንኽስሕቦም ዝጥቀመሉ መስሓቢ ኢዮም ዝጥቀሙሉ።​—⁠ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ገጽ 111

• እቲ የሱስ ነቶም ዘርኢ ኣዳም ዝገበሮ ምድሓን: ከምቲ ሓደ ሃብታም ገባር ሰናይ ንዕዳ ናይ ሓንቲ (ብሰንኪ ዘይእሙን ኣካያዲ ስራሕ) ተዓጽያ ዝነበረት ፋብሪካ ከፊሉ እንደገና ብምኽፋት ንብዙሓት ሰራሕተኛታት ዝጠቅም ኰይኑ ተገሊጹ ኣሎ።​—⁠ግምቢ ዘብዐኛ 4/112 ገጽ 6

• ሓደ ወላዲ ንውሉዱ ዘቐንዙ መጥባሕቲ ኽግበረሉ ኽፈቅድ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ኣምላኽ ድማ ሰባት ንግዜኡ ኽሳቐዩ ኸፍቅድ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ።​—⁠ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ገጽ 100

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ ክርስትያናት መምህራን ቃል ኣምላኽ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ንኣመንቲ ብጾቶም ብቓል ኣምላኽ ገይሮም ከጸናንዕዎም ከለዉ ሕቶታት ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም