ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፈተና ብኸመይ ኢና ኽንምልከቶ ዘሎና፧

ንፈተና ብኸመይ ኢና ኽንምልከቶ ዘሎና፧

ንፈተና ብኸመይ ኢና ኽንምልከቶ ዘሎና፧

 ኵሉ ሰብ ፈተና የጋጥሞ ኢዩ። ናይ ባህርይ ምፍልላይ: ቍጠባዊ ጸቕጥታት: ሕማም: ዘስሕት ነገር: እከይ ንምግባር ካብ መዛኑኻ ዝግበረልካ ጸቕጢ: ስደት: ንገለልትነትና ወይ ከኣ ኣንጻር ኣምልኾ ጣኦት ዘሎና ኣቕዋም ዝፍትን ብድሆታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብዙሕ ነገራትን ፈተና ክዀነና ይኽእል ኢዩ። ዝሕዞ መልክዕ ብዘየገድስ ፈተናታት ብዙሕ ጭንቀት ኢዩ ዘምጽኣልና። ከመይ ጌርና ኢና ግን ብዕዉት መገዲ ክንዋጽኣሉ እንኽእል፧ ብገለ መገዲኸ ክጠቕመና ይኽእል ድዩ፧

እቲ ዝበለጸ ደገፍ

ንጉስ ዳዊት ብዙሕ ፈተናታት እኳ እንተ ኣሕለፈ ብተኣማንነት ኢዩ ሞይቱ። ብኸመይ ኢዩ ግን ክጽመም ክኢሉ፧ ሓይሊ ዝሃቦ መን ምዃኑ ክገልጽ ከሎ “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ: ዚጐድለኒ የብለይን” በለ። ቀጺሉ ኸኣ “በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ እዩ: ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ: ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ: ክፉእ ኣይፈርህን እየ” በለ። (መዝሙር 23:1, 4) እወ: የሆዋ ማእለያ ዘይብሉ ደገፍ ኢዩ ዝህብ። ንዳዊት ኣብቲ ሓርቢትዎ ዝነበረ እዋን ጓስይዎ ኢዩ: ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ንዓናውን ክጓስየና ኢዩ።

ብኸመይ ኢና ደገፍ የሆዋ ክንረክብ እንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን” ብምባል ደገፍ ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ ሓቢሩና ኣሎ። (መዝሙር 34:8) እዚ ዕድመ እዚ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧ ንየሆዋ ንኸነገልግሎን ምሉእ ብምሉእ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ንኽንመላለስን ኢዩ ዘተባብዓና። ብገለ መዳይ ዝነበረና ናጽነት ክድረት: ገለ መስዋእትታት ክንገብር እውን ዝሓተና ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ናብ ስደትን ስቓይን እውን ዝመርሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር እቶም ብምሉእ ልቦም ነቲ የሆዋ ዘቕረቦ ዕድመ እተቐበሉ ሰባት ፈጺሞም ኣይጠዓሱን ኢዮም። የሆዋ ሕያውነት ከርእዮም ኢዩ። ብመንፈሳዊ መገዲ ክመርሖምን ክሓልየሎምን ኢዩ። ብቓሉ: ብመንፈስ ቅዱሱ: በታ ክርስትያናዊት ማሕበሩ ገይሩ ኣብ ግዜ ፈተናታት መዋጽኦ ኽፈጥረሎም ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብዘለኣለማዊ ህይወት ክባርኾም ኢዩ።​—⁠መዝሙር 23:⁠6፣ 25:⁠9፣ ኢሳይያስ 30:⁠21፣ ሮሜ 15:⁠5

እቶም ንየሆዋ ንምግልጋል ኢሎም ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ውሳነ ብምግባር ኣብ ውሳነኦም ዝጸንዑ ሰባት የሆዋ ዅሉ መብጽዓታቱ ኸም ዝፍጽሞ ተገንዚቦም ኢዮም። እቶም ንእያሱ ናብ ምድሪ ተስፋ ዝሰዓብዎ እስራኤላውያን ነዚ ተመኪሮምዎ ኢዮም። ንርባ ዮርዳኖስ ድሕሪ ምስጋሮም: ብፈተናታት ክሓልፉ: ክዋግኡ: ዓብዪ ትምህርቲ ኸኣ ክመሃሩ ነበሮም። ይኹን እምበር: እቶም ወለዶ እቲኣቶም ካብቶም ካብ ግብጺ ወጺኦም ኣብ በረኻ ዝሞቱ ኣቦታቶም ንላዕሊ እሙናት ከም ዝነበሩ ኣርእዮም ኢዮም። ስለዚ የሆዋ ነቶም እሙናት ደጊፍዎም ኢዩ: ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት እያሱ ዝነበርዎ ዅነታት ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና:- “እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ዅሉ ነቦታቶም ዝመሐለሎም ብዅሉ ዙርያኦም ኣዕረፎም። . . . ካብቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ከኣ ገለ ቓል እኳ ኣይወደቐን: ኵሉ ደኣ ተፈጸመ።” (እያሱ 21:44, 45) ንሕና እውን ኣብ ግዜ ፈተና ይኹን ኣብ ካልእ ግዜያት ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ እንተደኣ ተኣማሚንና ከምዚ ዓይነት ተመክሮ ኸነሕልፍ ንኽእል ኢና።

ነቲ ኣብ የሆዋ እንገብሮ ተኣማንነት ከዳኽሞ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧ የሱስ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። . . . ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ” ክብል ከሎ ሓደ ነገር ኢዩ ዝሕብር ነይሩ። (ማቴዎስ 6:24) ኣብ የሆዋ ንውከል እንተደኣ ዄንና: ካብቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ክረኽብዎ ኢሎም ዝጽዕሩ ስጋዊ ነገራት ዕቝባ ክንረክብ ኢልና ኣይክንፍትንን ኢና። የሱስ ንሰዓብቱ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ [ዘድልየኩም ነገራት] ድማ ይውሰኸልኩም” በሎም። (ማቴዎስ 6:33) ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎን ኣብ ህይወቱ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ዝደልን ክርስትያን ቅኑዕ ምርጫ ኢዩ ዝገብር። (መክብብ 7:⁠12) ብስጋዊ መገዲ መስዋእቲ ይገብር ይኸውን። ይኹን እምበር: ብዙሕ ዓስቢ ኽዓጽድ ኢዩ። የሆዋ ኸኣ ክድግፎ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 48:⁠17, 18

ካብ ፈተናታት እንመሃሮ ነገራት

‘እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ንኽንጥዕምን ክንርእን’ ምምራጽና ካብቲ ኣብ ህይወትና ኸጋጥመና ዝኽእል ዘይተጸበናዮ ዅነታት ከዕቝበና ይኽእል ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ካብ መጥቃዕታት ሰይጣን ይኹን ምድራውያን ወኪላቱ እውን ምሉእ ብምሉእ ኣየዕቝበናን ኢዩ። (መክብብ 9:⁠11) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ሓደ ክርስትያን ቅንዕንኡን ውሳነኡን እውን ክፍተን ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ንኣምለኽቱ በዚ ፈተናታት እዚ ኽሓልፉ ዝሓደጎም ስለምንታይ ኢዩ፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት ገሊጽዎ ኣሎ:- “እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ: እንተ ኣድለየስ: ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም: ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም።” (1 ጴጥሮስ 1:6, 7) እወ: ፈተናታት: እምነትናን ንየሆዋ ዘላትና ፍቕርን ንኸነርኢ ይድርኸና ኢዩ። ነቲ ሰይጣን ድያብሎስ ዘምጽኦ ጸርፍን ክስታትን መልሲ ንኽንህበሉ እውን ይሕግዘና ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 27:⁠11፣ ራእይ 12:⁠10

ፈተናታት ካልእ ክርስትያናዊ ባህርያት ንኸነማዕብል እውን ይሕግዘና ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ: ንትሑት ይርእዮ: ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ከም ኣብነት ንርኣዮ። (መዝሙር 138:6) መብዛሕትና ብተፈጥሮና ትሑታት እኳ እንተ ዘይኰንና ፈተናታት ግን ነዚ ኣድላዪ ባህሪ እዚ ኸነማዕብል ይሕግዘና ኢዩ። ገለ ኻብቶም እስራኤላውያን ነቲ ወትሩ ዝምገብዎ ዝነበሩ ማና ዘሰልኪ ገይሮም ምስ ወሰድዎ ዘጋጠመ ዅነታት እሞ ንዘክሮ። እቲ ማና እቲ ተኣምራታዊ ምድላው እኳ እንተ ነበረ: ፈተና ከም ዝዀኖም ፍሉጥ ኢዩ። ዕላማ ናይቲ ፈተና እቲኸ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ሙሴ “[የሆዋ] ኣብ በረኻ: . . . ማና ዘብልዓካ: እዚ ኸኣ ምእንቲ ኼዋርደካን ኪፍትነካን ኣብ መወዳእታውን ኬጸብቐልካ ኢሉ እዩ” በሎም።​—⁠ዘዳግም 8:16

ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ትሕትናና ክፍተን ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧ ንኣብነት: ኣብ ማሕበር ምትዕርራያት ክግበር ከሎ እንታይ ዓይነት ምላሽ ኢኻ እትህብ፧ (ኢሳይያስ 60:⁠17) ነቲ ናይ ስብከትን ናይ ምምሃርን ዕዮ ልባዊ ደገፍና ንህበሉ ዲና፧ (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽግለጸልና ኸሎ ሓንጐፋይ ኢልና ንቕበሎ ዲና፧ (ማቴዎስ 24:⁠45-47፣ ምሳሌ 4:⁠18) ሓድሽ ኣቕሑ: ሓድሽ ቅዲ ክዳውንቲ: ወይ ሓዳስ መኪና ንኽህልወና ዝግበረልና ጸቕጢ ንቃወሞ ዲና፧ ሓደ ትሑት ሰብ ነዚ ሕቶታት እዚ እወ ኢሉ ንኽምልሰሉ ኣይጽግሞን ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 1:⁠14-16፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠11

ፈተናታት: ካልእ ተደላዪ ባህሪ ማለት ትዕግስቲ እውን የምጽኣልና ኢዩ። ወደ መዝሙር ያእቆብ ‘ኣሕዋተየ: እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዝገብር ፈሊጥኩም: በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም: ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ’ ይብለና። (ያእቆብ 1:2, 3) ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ብምግባር ንዝመጽኣና ፈተና ብዓወት ምስ እንጽመሞ: ጽንዓትን ተኣማንነትን ኢዩ ዘማዕብለልና። እቲ ብቝጥዓ መሊኡ ዘሎ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ ሰይጣን ዘምጽኣልና መጥቃዕትታት ንኽንቃወሞ ሓይሊ ይህበና ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠8-10፣ 1 ዮሃንስ 5:⁠19፣ ራእይ 12:⁠12

ብዛዕባ ፈተናታት ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ይሃልኹም

እቲ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዙሕ ፈተናታት ኣሕሊፉ: ብምጽማሙ ኸኣ ብዙሕ ረብሓታት ዓጺዱ ኢዩ። ጳውሎስ ብዛዕባኡ ክዛረብ ከሎ “በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ” ይብለና። (እብራውያን 5:⁠8) ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃኑ ስም የሆዋ ንኽውደስን ዋጋ ናይቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ንደቅ​ሰብ በጃ ንኽህብን ኣኽኢልዎ ኢዩ። ነቶም ኣብኡ ዝኣመኑ ዅሎም ከኣ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረኽቡ መገዲ ከፊቱሎም ኢዩ። (ዮሃንስ 3:⁠16) ንዝወረዶ ፈተናታት እሙን ኰይኑ ብምርካቡ: ሕጂ ሊቀ ኻህንናን ንጉስናን ክኸውን በቒዑ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 7:⁠26-28፣ 12:⁠2

ንሕናኸ ንፈተናታት ብምጽማምና ረብሓታት ክንዓጽድ ዲና፧ ኣብ ቅድሚ ፈተናታት እሙናት ኴንና ምርካብና ብዙሕ በረኸታት ኢዩ ዘምጽኣልና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም “ተፈቲኑ ምስ ወጸ: ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ: እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ” ይብለና። (ያእቆብ 1:12) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ብተኣማንነት እንተደኣ ተጸሚሞም ኣብ ምድራዊት ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዝረኽቡ ውሕስነት ተዋሂብዎም ኢዩ። (ራእይ 21:⁠3-6) እቲ ዝያዳ ዘገድስ ግን እቲ ብተኣማንነት ዝገብርዎ ምጽማም ስም የሆዋ ከም ዝውደስ ዝገብር ኢዩ።

ኣሰር የሱስ እንተደኣ ስዒብና: ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘጋጥመና ዝዀነ ይኹን ፈተናታት ክንዋጽኣሉ ከም እንኽእል ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:⁠13፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠21) ንኽንዋጽኣሉ ዝሕግዘና ግን እንታይ ኢዩ፧ ኣብቲ ንዝውከልዎ ዅሎም “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ዝህብ የሆዋ ትውክልቲ ምግባር ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠7) ከምቲ እዮብ መሪር ፈተናታት ምስ ኣጋጠሞ ተኣማሚኑ “ይፈትነኒ: ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ” ዝበለ ንሕናውን ከምኡ ዝኣመሰለ እምንቶ ይሃልወና።​—⁠እዮብ 23:10

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ የሱስ ኣብ ግዜ ፈተና ተኣማንነቱ ብምሕላው ስም የሆዋ ከም ዝውደስ ዝገበረ: ንሕናውን ብተኣማንነትና ንስም የሆዋ ኽንውድሶ ንኽእል ኢና