“ኣየጣዕሰንን ኢዩ”
ታሪኽ ህይወት
“ኣየጣዕሰንን ኢዩ”
ግላዲስ ኣለን ዘዘንተወቶ
ሓድሓደ ግዜ “ዘሕለፍክዮ ህይወት የጣዕሰኪ ድዩ፧ ” ዝብል ሕቶ ይቐርበለይ ኢዩ። ኣነ ኸኣ “ኣየጣዕሰንን ኢዩ ” ኢለ ኢየ ዝምልስ። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝስምዓኒ ኽነግረኩም።
ኣብ ክረምቲ 1929: ጓል ኽልተ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: ኣቦይ: ማቲው ኣለን: ሓደ ዘደንቕ ነገር ረኸበ። ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም! ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ተቐበለ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ እቶም ቅድም ኣህጉራውያን ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሃሉ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ሓቲሞምዋ። ኣቦይ ሒደት ገጻት ድሕሪ ምንባቡ ካብ ምግራም እተላዕለ “ከምዝስ ኣንቢበ ኣይፈልጥን ኢየ!” በለ።
ኣቦይ ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓተምዎ ኻልእ ጽሑፋት እውን ረኸበ። ነቲ ዘንበቦ ወዓል ሕደር ከይበለ ንዅሎም ጐረባብቱ ይነግሮም ነበረ። ይኹን እምበር: ኣብታ እንነብረላ ዝነበርና ገጠር ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይነበረን። ኣቦይ ስርዓታዊ ዄንካ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ ኣድላዪ ምዃኑ ስለ እተገንዘበ ብ1935 ስድራቤትና ሒዙ ናብታ ጉባኤ ዝነበራ ኸተማ ኦሬንጅቪል: ኦንታርዮ: ካናዳ ገዓዘ።
ኣብቲ ግዜ እቲ: ቈልዑ ጉባኤ ኽካፈሉ ብዙሕ ምትብባዕ ኣይግበረሎምን ኢዩ ነይሩ። ዝበዝሕ ግዜ እቶም ዓበይቲ ኣኼባ ወዲኦም ክሳዕ ዝወጹ ኣብ ደገ እናተጻወቱ ኢዮም ዝጽበይዎም ነይሮም። ኣቦይ በዚ ባህ ኣይበሎን። “እዚ ኣኼባታት እዚ ንዓይ ጽቡቕ እንተደኣ ዀይኑ ንደቀይ እውን ጽቡቕ ኢዩ” ኢሉ ስለ ዝሓሰበ: ሽሕ እኳ ሓድሽ እንተ ነበረ: ንዓይን ንቦብ ሓወይን ንኣሓተይ ኤላን ሩቢን ምስቶም ዓበይቲ ሓቢርና ከም እንእከብ ይገብር ነበረ። ብኡንብኡ ኻልኦት ደቂ ናይ የሆዋ
መሰኻኽር እውን ኣትዮም ክካፈሉ ጀመሩ። ስለዚ ኣኼባ ምክፋልን መልሲ ምሃብን ኣገዳሲ ኽፍሊ ናብራና ዀነ።ኣቦይ መጽሓፍ ቅዱስ ይፈቱ ስለ ዝነበረ: ንታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ባህ ብዘብል ህያው ኣገላልጻ ገይሩ ይገልጾ ነበረ። በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ክዝክሮ ኸሎኹ ኣዝዩ ባህ ዝብለኒ ጠቓሚ ትምህርትታት ኣብ ልብና ሰረጸልና። ሓደ ኻብቲ ዝዝክሮ ነገራት የሆዋ ነቶም ዝእዘዝዎ ዘበሉ ዝባርኾም ምዃኑ ኢዩ።
ኣቦይ ብዛዕባ እምነትና ንዝለዓል ሕቶ ምላሽ ንምሃብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ከም ዘሎና ምሂሩና ኢዩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ጸወታ ነዳሉ ነበርና። ኣቦይ “ምስ ሞትኩ ንሰማይ ክኸይድ ኢለ ኢየ ዝኣምን። ስለዚ ንሰማይ ከም ዘይከይድ እስከ ኣእምኑኒ” ይብለና። ኣነን ሩቢን ከኣ ነቲ ከምኡ ዝብል ትምህርቲ ዘፍርስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ንምርካብ ኣብ መወከሲ ንደሊ ነበርና። ነቲ ዝረኸብናዮ ጥቕስታት ምስ ኣንበብናሉ “ጽቡቕ: ግን ኣጸቢቑ ኣይተረድኣንን” ይብለና። ተመሊስና ኸኣ ኣብ መወከሲ ንደሊ። በቲ ዝሃብናዮ መልሲ ኣጸቢቑ ክሳዕ ዝዓግብ ንሰዓታት ዝኣክል እናተመላለስና ጥቕስታት ንደሊ ነበርና። መወዳእታኡ ኣነን ሩቢን እምነትና ንምግላጽን ንዝሓተና ዘበለ ምላሽ ንምሃብን ኣጸቢቕና ተዓጠቕና።
ነቲ ዝነበረኒ ፍርሂ ሰብ ኣጥፍኣክዎ
ኣብ ገዛን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ጽቡቕ ምልምማድ ይወሃበና እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ክርስትና በዳሂ ዀይኑ ዝረኸብክዎ ነገራት ኣሎ። ከምቲ ብዙሓት መንእሰያት ዝስምዖም ኣነ እውን ካብ ብጾተይ ብፍላይ ድማ ካብ ደቂ ኽፍለይ ተፈልየ ኽርአ ኣየሐጕሰንን ኢዩ ነይሩ። መልእኽቲ ዝሓዘ ፖስተራት ሒዝካ ምዛር ሓደ ኻብቲ ፈታኒ እምነተይ ኢዩ ነይሩ።
እዚ ዕዮ እዚ ኣሕዋትን ኣሓትን ብጕጅለ ዀይኖም ጭርሖታት ዝሓዘ ፓስተራት ተሰኪሞም ቀስ እናበሉ በቲ ቐንዲ ጐደናታት ዝዞርሉ ኢዩ ነይሩ። ኣብታ 3,000 ኣቢሉ ዝኸውን ህዝቢ ጥራይ ዝነበራ ከተማና ሰባት ንሓድሕዶም ይፋለጡ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ኣብዚ ዕዮ እዚ ተጸሚድና ኸሎና “ሃይማኖት መፈንጠራን መታለልን ኢዩ” ዝብል ጭርሖ ዝሓዘ ጽሑፍ ተሰኪመ: ብድሕሪት ተሰሪዐ እዘውር ነበርኩ። ገለ ካብ መማህርተይ ርእይ ምስ ኣበሉኒ ብድሕረይ ተሰሪዖም “ኣምላኽ ንንጉስ ኣድሕኖ” ዝብል ሃገራዊ መዝሙር ክዝምሩ ጀመሩ። ሽዑ እንታይ ገይረ ይመስለኩም፧ ሓይሊ ኽወሃበኒ ልባዊ ጸሎት ኣቕረብኩ። ዙረትና ምስ ወዳእና: ተቓላጢፈ ነቲ ሒዘዮ ዝነበርኩ ናይ ጭርሖ ጽሑፍ ኣቐሚጠ ንገዛይ ንኽምለስ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከድኩ። ይኹን እምበር: እቲ ሓላፍነት ዝነበሮ ሓው ካልእ ዙረት ክጅመር ምዃኑ እሞ ጭርሖ ዝሓዘ ጽሑፍ ዝስከም ሓደ ተወሳኺ ሰብ ከም ዘድሊ ሓበረኒ። ስለዚ ኣዕሚቘ ናብ የሆዋ ብምጽላይ እንደገና ዙረት ጀመርኩ። መማህርተይ ግን ስለ ዝደኸሙ ንገዝኦም ተመሊሶም ነበሩ። እቲ ሓይሊ ክወሃበኒ ኢለ ዘቕረብክዎ ጸሎት ናብ ምስጋና ተቐየረ።—ምሳሌ 3:5
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ካብ ገዛና ኣይፍለዩን ኢዮም ነይሮም። ሕጕሳት ስለ ዝነበሩ ባህ ኢሉና ንቕበሎም ነበርና። ወለድና: ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ወትሩ እቲ ዝበለጸ ሞያ ጌርና ኽንርእዮ ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም።
በቲ ዝሃቡኒ ምትብባዕ ተደሪኸ ኸኣ ብ1945 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ። ጸኒሐ ኸኣ ምስታ ኣብ ለንደን: ኦንታሪዮ: ፓይነር ዝነበረት ሓብተይ ሓቢረ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብኡ ኸኣ ፈጺመ ኣይክእሎን ኢየ ኢለ ዝሓሰብክዎ ዓይነት ኣገልግሎት ኣጋጠመኒ። ኣሕዋት ኣብቲ ባራት ኣብ ዝነበረ ሰደቓታት እናዞሩ ንዓማዊል እቲ ባራት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ኮንሶሌሽን
(ሕጂ ንቕሑ! ) ቅዳሓት ይዕድልዎም ነበሩ። ኣጋጣሚ ዀይኑ እቲ ዕዮ ቀዳም ቀዳም ናይ ምሸት ስለ ዝነበረ: ንኽኸይድ ሓይሊ ኽረክብ ሰሙን ምሉእ ንኽጽሊ ግዜ ነበረኒ። እቲ ዕዮ ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ ብዙሕ ዓስቢ ኢዩ ነይርዎ።በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ነቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ናዚ ዝነበሩ ኣሕዋትና ዝወርዶም ዝነበረ መስጐጕቲ ኣመልኪቱ ዝወጽእ ዝነበረ ሕታማት ኮንሶሌሽን ንፕረዚደንትታት ናይ ዓበይቲ ኮርፖረሽናት ሓዊስካ ንምርኡያት ሓለፍቲ ስራሕ ካናዳውያን ብኸመይ ከም ዝዕድል ተማሂረ ኢየ። ኣብ የሆዋ እንተደኣ ተወኪልና ወትሩ ከም ዝድግፈና ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ትምህርቲ ረኺበ ኢየ። ከምቲ ኣቦይ ወትሩ ዝብሎ ዝነበረ የሆዋ ነቶም ዝእዘዝዎ ይባርኾም ኢዩ።
ኣብ ኲበክ ንኸገልግል ጻውዒት ምስ ቀረበለይ ዝሃብክዎ ምላሽ
ብ4 ሓምለ 1940 ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ካናዳ ተኣገደ። እቲ እገዳ ጸኒሑ እኳ እንተ ተላዕለ ኣብታ ናይ ሮማዊት ካቶሊክ ግዝኣት ዝነበረት ኲበክ መስጐጕቲ ይወርደና ነበረ። ሰባት ነቲ ኣብ ካናዳ ንዝነብሩ ኣሕዋትና ዝበጽሖም ዝነበረ ግፍዒ ምእንቲ ከቕልብሉ እዚ ኣብ ኲበክ ንኣምላኽን ክርስቶስን ንናጽነትን ዝረአ ዘሎ ውዕዉዕ ጽልኢ ንዅሎም ካናዳውያን ዘዋርድ ኢዩ ዝብል ሓያል ቃላት ዝሓዘ ትራክት ብፍሉይ ወፈራ ክትዕደል ጀመረት። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ናታን ኤች. ኖር ብኣማእታት ንእንቝጸር ፓይነራት ኣብ ከተማ ሞንትሪያል ኣብ ዝገበረልና ኣኼባ: እቲ እንገብሮ ወፈራ እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ገለጸ። ኣብዚ ወፈራ እዚ ኽንካፈል እንተደኣ ተሰማሚዕና ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ክንኣቱን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክንዳጐንን ከም እንኽእል ነገረና። ከምኡ ኸኣ ኢዩ ኣጋጢሙና! 15 ግዜ ዝኸውን ተኣሲረ ኢየ። ኣገልግሎት ክንከይድ ከሎና ክንእሰር ትጽቢት ስለ ዝነበረና ናይ ስኒ ብራሽን መመሸጥን ሒዝና ንወጽእ ነበርና።
ኣብቲ ፈለማ ኣቓልቦ ምእንቲ ከይንስሕብ ንመብዛሕትኡ ዕዮና ምድሪ ምስ ጸልመተ ኢና እንገብሮ ኔርና። ትራክት ዝመልአ ቦርሳ ኣብ ክሳደይ ኣንጠልጢለ: ብጃኬተይ እሽፍኖ ነበርኩ። ካብ ምግዛፉ እተላዕለ ኸኣ ጥንስቲ የምስለኒ ነበረ። እዚ ድማ ብሰብ ቅጽጽ ኣብ ዝበለት ሎተሪና ተሰቒለ ናብ ናይ ኣገልግሎት ዞባይ ክኸይድ ከሎኹ ጠቒሙኒ ኢዩ: ከመይሲ ብዙሕ ግዜ ሰብኡት ጥንስቲ ስለ ዝመስሎም ተሲኦም ኮፍ የብሉኒ ነበሩ።
ድሕሪ ገለ ግዜያት ቀትሪ ኽንዕድል ጀመርና። ኣብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣባይቲ ዓዲልና ኸኣ ናብ ካልእ ዞባ ንኸይድ ነበርና። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣስላጢ ኢዩ ነይሩ። ገለ ኻብቶም ኣቕሽሽቲ ኣብቲ ኸባቢ ምህላውና እንተደኣ ፈሊጦም ሽግር ከም ዝፈጥሩልና ንፈልጥ ነበርና። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ቐሺ ብናዕቢ ልዕሊ 50 ወይ 60 ዝዀኑ ዓበይትን ንኣሽቱን ኣለዓዒሉ ኮሚደረን እንቃቕሖን ከም ዝድርብዩልና ገበረ። ኣብ ቤት ሓንቲ ክርስትያን ሓብትና ተዓቚብና: ኣብ ምድሪ ቤታ ደቂስና ድማ ሓደርና።
ኣብታ ቛንቋ ፈረንሳ ዝዝረበላ ዝነበረ ኸተማ ኲበክ ንዝነብሩ ሰባት ዝሰብኩ ፓይነራት ይድለዩ ስለ ዝነበሩ: ብታሕሳስ 1958 ኣነን ሩቢ ሓብተይን ቋንቋ ፈረንሳ ኸነጽንዕ ጀመርና። ብድሕርዚ ቛንቋ ፈረንሳ ዝዛረቡ ሰባት ኣብ ዝነብርሉ ሓያሎ ዞባታት እናኸድና ኸነገልግል ተመደብና። ነፍሲ ወከፍ እተመደብናሉ ዕዮ ፍሉይ ተመክሮ ኢዩ ዝዀነና ነይሩ። ኣብ ሓደ ኸባቢ ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ኣብ መዓልቲ ንሸሞንተ ሰዓታት እናኣገልገልና ካብ ቤት ናብ ቤት ንኸይድ ነበርና። እቲ ዘገርም ግን ሰባት ማዕጾ ኸይከፈቱ ብጩራ ርእይ ኣቢሎምና ይምለሱ ነበሩ። ይኹን እምበር ኣይተሓለልናን። ሎሚ ኣብታ ኸተማ ክልተ እናወሰኻ ዝኸዳ ጉባኤታት ኣለዋ።
የሆዋ ብዅሉ መገድታት ተኸናኸነና
ብ1965 ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ጀመርና። ኣብ ሓደ ኻብቲ እተመደብናሉ ቦታታት ነቲ ጳውሎስ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:8 “ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና” ብምባል እተዛረበሉ ቃላት ትርጕሙ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኽኢልና ኢና። ወጻኢታትና ንምሽፋን ገንዘብና ተጠንቂቕና ከነመቓርሖ ነበረና። ስለዚ ንመሞቚ: ንገዛ ኽራይ: ንኤለክትሪክ: ንመግቢ ዝኸውን ገንዘብ ምስ መደብና ኣብ ወርሒ 25 ሳንቲም ጥራይ ይተርፈና ነበረ።
ስለዚ: ዓቕምና ውሱን ስለ ዝነበረ: ነታ መሞቚት ለይቲ ንሒደት ሰዓታት ጥራይ ኢና ንውልዓ ኔርና። በዚ ኸምዚ ሙቐት መደቀሲና ካብ 15 ሰንቲ ግሬድ ኣይሓልፍን ኢዩ ነይሩ: አረ ዝበዝሕ ግዜስ ካብኡ ንታሕቲ ኢዩ መዝሙር 37:25 ዝርከባ ቓላት ሓቂ ዀይነን ረኺብናየን ኢና።
ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ወዳ ንሓንቲ ሩቢ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህራ ዝነበረት ሰበይቲ ኽበጽሓና መጸ። ናብ ገዝኡ ምስ ተመልሰ ብቝሪ ኸም እተወዳእና ነዲኡ ነጊርዋ ክኸውን ኣለዎ: ከመይሲ ብድሕሪኡ ዘይቲ ዓዲግና ነታ መመቚት ኵሉ ግዜ ምእንቲ ኽንውልዓ ወርሒ ወርሒ ዓሰርተ ዶላር ትልእከልና ነበረት። ሃብታማት እኳ እንተ ዘይነበርና ዘድልየና ነገራት ግን ኣይንስእንን ኢና ኔርና። ካብቲ ዘድልየና ንላዕሊ ክንረክብ ከሎና ኸኣ በረኸት ጌርና ኢና እንወስዶ ኔርና። እተን “ጻድቕ ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን” ዝብላ ኣብሽሕኳ ምጽራር እንተ ኣጋጠመና: መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርክዎም ሓያሎ ሰባት ናብ ሓቂ መጺኦም ብምርኣየይ ብዙሕ ኢየ ዝሕጐስ ነይረ። ገሊኣቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣትዮም ኢዮም: እዚ ድማ ፍሉይ ሓጐስ ኣምጽኣለይ።
ንዘጋጠመኒ ሓድሽ ብድሆታት ተዋጻእክሉ
ብ1970 ኣብ ኮርንወል: ኦንታርዮ: ተመደብና። ኣብቲ ቦታ እቲ ምስ ተመደብና ድሕሪ ሓደ ዓመት: ኣደይ ሓመመት። ኣቦይ ብ1957 ሞይቱ ስለ ዝነበረ: ኣነን ክልተ ኣሓተይን እናተበራረና ነደይ ንኣልያ ነበርና: ብ1972 ከኣ ሞተት። ኤላ ሊሲትዛን ኣን ኮዋሌንኮን ዝብሃላ ፍሉያት ፓይነራት ኣብዚ እዋናት እዚ ብዙሕ ምጽንናዕን ፍቕራዊ ሓገዝን ሂበናና ኢየን። ኣብቲ ዘይንህልወሉ ግዜ ኣብ ክንዳና ዀይነን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃሮና መጽናዕቲ ይመርሓለን ካልእ ሓላፍነታትና እውን ይስከማልና ነበራ። እተን “ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ” ዝብላ ኣብ ምሳሌ 18:24 ዝርከባ ቓላት ሓቂ ኢየን።
ኣብ ህይወትና ብዙሕ ፈተናታት ኢዩ ዘጋጥመና ነይሩ። በቲ የሆዋ ዝገበረለይ ፍቕራዊ ደገፍ ግን ክዋጽኣሉ ኽኢለ ኢየ። ብሓጐስ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት አሕልፍ ኣሎኹ። ቦብ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝኸውን ፓይነር ኰይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ ብ1993 ሞተ። ሰበይቱ ዶል እውን ን10 ዓመታት ፓይነር ኰይና ምስኡ ኣገልጊላ ኢያ። እታ ዓባይ ሓብተይ ኤላ ኸኣ ንልዕሊ 30 ዓመታት ፓይነር ኰይና ድሕሪ ምግልጋላ ብጥቅምቲ 1998 ዓረፈት: ወትሩ ናይ ፓይነር መንፈስ ኢዩ ነይርዋ። ብ1991 ሩቢ ሓብተይ መንሽሮ ሓመመት። ይኹን እምበር ብዓቕማ ብስራት ትሰብኽ ነበረት። ክሳዕ እታ ዝዓረፈትላ መዓልቲ: ማለት ክሳዕ 26 መስከረም 1999: ተጻዋቲት ኢያ ነይራ። ኣሓተይ እኳ እንተ
ሰኣንኩ: ሓጐሰይ ከየጥፍእ ዝሕግዙኒ ኸም ስድራቤት ዝዀኑ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉኒ።ምልስ ኢለ ዘሕለፍክዎ ህይወት ክጥምት ከሎኹ ብምንታይ ኢየ እሞ ክጠዓስ፧ ዘይተመርዓኹ እኳ እንተዀንኩ ንሓቂ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ብዝሃቡ ፈቃራት ወለዲ: ሓደ ሓውን ክልተ ኣሓትን ብምርካበይ ተባሪኸ ኢየ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ብትንሳኤ ኽረኽቦም ብህንጥዮት ኢየ ዝጽበ። ኣቦይ ሕቝፍ ኣቢሉ ኽስዕመኒ ኸሎ ምስ ኣደይ ከኣ ኣዒንታ ንብዓት ቋጺረን ክንተሓቛቘፍ ከሎና ይረኣየኒ ኢዩ። ኤላ: ሩቢ: ቦብ ብሓጐስ ክፍንጭሑ ኢዮም።
ክሳዕ ሽዑ ግን ብእተኻእለኒ መጠን ነቲ ዘሎኒ ጥዕናን ሓይልን ንየሆዋ ንምውዳስን ንምኽባርን ክጥቀመሉ ኢየ። ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ፓይነር ዘደንቕን ዓስቢ ዘለዎን ኣገልግሎት ኢዩ። አረ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቶም ብመገድታቱ ዝመላለሱ ዝበሎ ኢዩ:- “ብጹእ ኢኻ: ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ።”—መዝሙር 128:1, 2
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ኣቦይ መጽሓፍ ቅዱስ ይፈቱ ነበረ። ንእምነትና ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይርና ክንከላኸል ከኣ የተባብዓና ነበረ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ካብ ጸጋም ናብ የማን:- ሩቢ: ኣነ: ቦብ: ኤላ: ኣደይ: ኣቦይ ብ1947 እተሰኣልናዮ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ቅድሚት መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን:- ኣነ: ሩቢ: ኤላ ብ1998 ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ