ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን”

“ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን”

“ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን”

“ኵሎም ከኣ መስከሩሉ: በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ።”—⁠ሉቃስ 4:22

1, 2. (ሀ) እቶም ንየሱስ ክሕዝዎ እተላእኩ ገላዉ ጥራይ ኢዶም እተመልሱ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ብትምህርትታት የሱስ እተደነቑ እቶም ገላዉ ጥራይ ዘይምንባሮም ዝሕብረና እንታይ ኢዩ፧

 እቶም ገላዉ እተዋህቦም ተልእኾ ኣይፈጸሙን። ንየሱስ ክርስቶስ ሒዞም ከምጽእዎ ኢዮም ተላኢኾም: እንተዀነ ግን ጥራይ ኢዶም ተመልሱ። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ “ከመይከ ዘየምጻእኩምዎ፧” ኢሎም ሓተትዎም። እወ: ነቲ ኽከላኸል ዘይፍትን ሰብኣይ እንታይ ኰይኖም ኢዮም ዘይሓዝዎ፧ እቶም ገላዉ ኸኣ “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን” ኢሎም መለሱሎም። ብትምህርትታት የሱስ ኣዝዮም ስለ እተደነቑ: ነዚ ሰላማዊ ሰብኣይ እዚ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኸእትዉዎ ኣይከኣሉን።​—⁠ዮሃንስ 7:⁠32, 45, 46

2 ብትምህርትታት የሱስ እተደነቑ ግን እቶም ገላዉ ጥራይ ኣይነበሩን። ብዙሓት ሰባት ክዛረብ ከሎ ንኽሰምዕዎ ይእከቡ ምንባሮም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ። እቶም ደቂ ዓዱ እውን “በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ” ይግረሙ ነበሩ። (ሉቃስ 4:⁠22) ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ጃልባ ዀይኑ ኣብ ገማግም ባሕሪ ገሊላ ንእተኣከበ ብዙሕ ህዝቢ ምሂሩ ኢዩ። (ማርቆስ 3:⁠9፣ 4:⁠1፣ ሉቃስ 5:⁠1-3) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: “ብዙሕ ህዝቢ” ዝብላዕ እኳ ዘይነበሮ ክነሱ ንእተወሰነ መዓልታት ምስኡ ጸንሐ።​—⁠ማርቆስ 8:⁠1, 2

3. ንየሱስ ሓለፍ ዝበለ መምህር ንኽኸውን ዘኽኣሎ ቐዳማይ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧

3 የሱስ ሓለፍ ዝበለ መምህር ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ብቐዳምነት ፍቕሪ ስለ ዝነበሮ ኢዩ። a ነቲ ዘመሓላልፎ ሓቅታት ኰነ ነቶም ዝምህሮም ዝነበረ ሰባት ፍቕሪ ነበሮ። እንተዀነ ግን: ዘደንቕ ሜላ ኣመሃህራ እውን ነይርዎ ኢዩ። ኣብዘን ኣብዛ ሕታም እዚኣ ወጺአን ዘለዋ ዝጽናዓ ዓንቀጻት: ነቲ የሱስ እተጠቕመሉ ጽቡቕ ሜላታትን ብኸመይ ክንቀድሖ ኸም እንኽእልን ክንመያየጥ ኢና።

ቀሊልን ንጹርን

4, 5. (ሀ) የሱስ ኣብ ምህሮኡ ተራ ቛንቋ እተጠቕመ ስለምንታይ ኢዩ: ከምዚ ብምግባሩ ዘደንቕ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ቀሊል ኣመሃህራ ኸም እተጠቕመ እቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ኣብነት ዝዀነና ብኸመይ ኢዩ፧

4 መብዛሕትኡ ግዜ ምሁራት ሰባት ነቶም ሰማዕቶም ዘይርድኦም ቃላት ይጥቀሙ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ካልኦት ሰባት ክርድኡና እንተ ዘይክኢሎም: ከመይ ጌርና ኢና ፍልጠትና ኸነካፍሎም እንኽእል፧ የሱስ መምህር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንኻልኦት ሰባት ክርድኦም ዘይክእል ነገር ኣይተዛረበን። ክጥቀመሉ ዝኽእል ዝነበረ ብዝሒ ቓላት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ይኹን እምበር: ሰፊሕ ፍልጠት እኳ እንተ ነበሮ: ብዛዕባ ርእሱ ዘይኰነስ ብዛዕባ ሰማዕቱ ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ። መብዛሕትኦም “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ወይ ተራ ሰብ ምንባሮም ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠13) ልቦም ንምትንካፍ ከኣ እዞም ተራ ሰባት ክርድእዎ ዝኽእሉ ቛንቋ ተጠቕመ። እቲ ቓላቱ ቐሊል ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እቲ ዘመሓላለፎ ሓቅታት ግን ዓሚቝ ነበረ።

5 ንኣብነት: ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:⁠3–​7:⁠27 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት እሞ ንርአ። ምናልባት ንየሱስ ነዚ ስብከት ንምሃብ 20 ደቒቕ ጥራይ ወሲዱሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንዝሙት: ፍትሕ: ከምኡውን ንፍቕረ⁠-​ንዋይ ዝትንክፍ ዓሚቝ ትምህርቲ ኢዩ ሂቡ። (ማቴዎስ 5:⁠27-32፣ 6:⁠19-34) እንተዀነ ግን: እተሓላለኸ ወይ ንምርድኡ ዝኸብድ መግለጺታት የብሉን። አረ: ንቘልዓ ዘይርድኦ ቓላት እውን ኣይተጠቕመን! ስለዚ: ስብከቱ ምስ ወድአ እቶም ህዝቢ​—⁠ሓረስቶት: ጓሶት: ከምኡውን ገፈፍቲ ዓሳ ዝርከብዎም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም​—⁠‘ብምህሮኡ እንተ ተገረሙ’ ኣየደንቕን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 7:⁠28

6. ካብቲ የሱስ እተጠቕመሉ ቀሊል ግን ከኣ ሓያል መልእኽቲ ዘለዎ ዘረባኡ ኣብነት ሃብ።

6 የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ንጹርን ሓጺርን ሓረግ ይጥቀም ስለ ዝነበረ: ቀሊል ግን ከኣ ሓያል መልእኽቲ ዘለዎ ዘረባ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። መጻሕፍቲ ኣብ ዘይሕተመሉ ዝነበረ መዋእል ይነብር ብምንባሩ: በዚ ሜላ እዚ ገይሩ ንመልእኽቱ ኣብ ኣእምሮን ኣልባብን ሰማዕቱ ይቐርጾ ነበረ። ገለ ኣብነታት እስከ ርአ:- “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። . . . ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ።” “ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።” “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።” “ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር: ጥዑያት ኣይደልይዎን።” “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም።” “ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ።” “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ።” b (ማቴዎስ 6:⁠24፣ 7:⁠1, 20፣ 9:⁠12፣ 26:​52፣ ማርቆስ 12:⁠17፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35) ክሳዕ እዚ ግዜና ማለት የሱስ ነዚ ቓላት እዚ ኻብ ዝዛረቦ ዳርጋ ድሕሪ 2000 ዓመታት እውን: እዚ ሓያል መልእኽቲ ዘለዎ ዘረባኡ ንምዝካሩ ኣየሸግርን ኢዩ።

ኣጠቓቕማ ሕቶታት

7. የሱስ ሕቶ ዝሓትት ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 የሱስ ብዘደንቕ መገዲ ኢዩ ሕቶታት ዝጥቀም ነይሩ። ነቶም ሰማዕቱ ነቲ ነጥቢ ኽነግሮም ዝሓጸረ እኳ እንተ ነበረ: መብዛሕትኡ ግዜ ሕቶታት ይጥቀም ነበረ። ንምንታይ ደኣ ኢዩ እሞ ሕቶታት ክጥቀም ዝመረጸ፧ ንኽፍኣት ተጻረርቱ ንምቅላዕን ኣፎም ንኸትሕዞምን ኢሉ ሓሓሊፉ ሕቶታት ይጥቀም ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 12:⁠24-30፣ 21:⁠23-27፣ 22:⁠41-46) ይኹን እምበር: ዝበዝሕ እዋን ነቲ ሓቅታት ንምምሕልላፍ: ሰማዕቱ ኣብ ልቦም ዘሎ ምእንቲ ኽገልጹሉ: ከምኡውን ንናይ ደቀ መዛሙርቱ ኣተሓሳስባ ንምንቕቓሕን ንምስልጣንን ግዜ ወሲዱ ሕቶ ይሓትት ነበረ። ንሃዋርያ ጴጥሮስ ዝምልከት ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

8, 9. የሱስ ንጴጥሮስ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ምእንቲ ኽበጽሕ ብሕቶታት ገይሩ ዝሓገዞ ብኸመይ ኢዩ፧

8 መጀመርታ: እቶም ግብሪ ዝእክቡ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም የሱስ ንቤተ መቕደስ ግብሪ ይፈዲ ወይ ይኸፍል እንተ ዀይኑ ዝሓተትሉ ኣጋጣሚ እስከ ንርአ። c ጴጥሮስ ብኡንብኡ “ይፈዲባ” ኢሉ መለሰ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ የሱስ: “ስምኦን: ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧ እንታይ ይመስለካ፧ በሎ። ጴጥሮስ፤ ካብ ካልኦትባ: በለ። የሱስ ከኣ፤ ደቆምስኸ ናጻ እዮም” ብምባል ኣረድኦ። (ማቴዎስ 17:24-27) የሱስ ነታ ሕቶ ዘልዓለላ ምኽንያት ንጴጥሮስ ንጹር ኰይኑሉ ክኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ፧

9 ብግዜ የሱስ: ኣባላት ስድራ​ቤት ነገስታት ግብሪ ኣይከፍሉን ኢዮም ነይሮም። ስለዚ: የሱስ ነቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝምለኽ ሰማያዊ ንጉስ ሓደ ወዱ ከም ምዃኑ መጠን: ግብሪ ንኽኸፍል ግዴታ ኣይነበሮን። እንተዀነ ግን: ንጴጥሮስ እቲ ቕኑዕ መልሲ ብሓጺሩ ኣብ ክንዲ ዝነግሮ: ሕቶታት ብምሕታት ብሕያውነት ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ንኽበጽሕ ከም ዝሓገዞ ኣስተውዕል። ምናልባት እውን ቅድሚ ሓደ ነገር ምዝራብካ ኣጸቢቕካ ኽትሓስብ ከም ዘሎካ ምሂርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

10, 11. በታ ፋስጋ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እተባዕለትላ ምሸት ጴጥሮስ ንእዝኒ ሓደ ሰብኣይ ምስ ቈረጸ የሱስ እንታይ ገበረ: እዚኸ የሱስ ንኣገዳስነት ናይ ሕቶታት ከም እተገንዘቦ ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ፧

10 እቲ ኻልኣይ ኣብነት ከኣ በታ ፋስጋ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እተባዕለትላ ምሸት ዘጋጠመ ፍጻመ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ክሕዝዎ መጹ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ንየሱስ ንኽከላኸሉሉ ክቃለሱ ዝግባእ እንተ ዀይኑ ሓተትዎ። (ሉቃስ 22:⁠49) ጴጥሮስ ግን መልሲ ኸይተጸበየ ንእዝኒ ሓደ ሰብኣይ ቈረጸ (ምናልባት እውን ካብዚ ዝገድድ ጕድኣት ከብጽሕ ኢዩ ሓሊኑ ዝኸውን።) ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ንኽእሰር ድሉው ብምንባሩ: ጴጥሮስ ምስ ድሌት ጐይታኡ ዝጻረር ስጕምቲ ኢዩ ወሲዱ። የሱስ ብዛዕባዚ እንታይ ገበረ፧ ከም ቀደሙ ትዕግስቱ ኸይወድአ ንጴጥሮስ “ነታ ኣቦይ ዝሀበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያንዶ እየ፧” “ነቦይ ምልማኑ ዘይከአለኒ: ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧ ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ: እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧” ብምባል ሰለስተ ሕቶታት ሓተቶ።​—⁠ዮሃንስ 18:⁠11፣ ማቴዎስ 26:⁠52-54

11 ብዛዕባ እዚ ዛንታ እዚ እሞ ሕስብ ኣብል። የሱስ ብቝጡዕ ህዝቢ ኢዩ ተኸቢቡ ነይሩ: ሞቱ ይቐርብ ከም ዘሎ ይፈልጥ ነይሩ: ከምኡውን ንስም ኣቦኡ ኻብ ጸርፊ ናጻ ናይ ምግባርን ንደቅ​ሰብ ናይ ምድሓንን ሓላፍነት ተሰኪሙ ነይሩ። ኰይኑ ግን: ኣብታ ህሞት እቲኣ ግዜ ወሲዱ ኣብ ኣእምሮ ጴጥሮስ ኣገዳሲ ሓቅታት ኣስሪጹ ኢዩ። እዝስ የሱስ ንኣገዳስነት ናይ ሕቶታት ኣጸቢቑ ከም እተገንዘቦ ዘርኢዶ ኸይኰነ፧

እተጋነነ መግለጺ

12, 13. (ሀ) እተጋነነ መግለጺ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ንነኣሽቱ ጕድለታት ኣሕዋትና ምንቃፍ ዕሽነት ምዃኑ ንምጕላሕ እተጋነነ መግለጺ እተጠቕመ ብኸመይ ኢዩ፧

12 የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ መብዛሕትኡ ግዜ እተጋነነ መግለጺ ይጥቀም ነበረ። እዚ ድማ ኰነ ኢሉ ሓደ ነገር ንምጕላሕ ኢዩ ዝጥቀመሉ ነይሩ። እተጋነነ መግለጺ ገይሩ ኻብ ኣእምሮ ዘይሕከኽ ስእልታት ኢዩ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ቀሪጹ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

13 ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ነታ “ኣይትፍረዱ” እትብል መልእኽቱ ኸጕልሕ ከሎ: “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካስ: ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ: ዘሎ በሰር እትርኢ፧” በለ። (ማቴዎስ 7:1-3) ነዚ ዝበሎ ነገራት ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ምኸኣልካ፧ ሓደ ነቐፌታ ዘብዝሕ ሰብ: ካብ “ዓይኒ” ሓዉ በሰር ከውጽእ ከም ዝደሊ ዘሎ ገይሩ ኢዩ ገሊጽዎ። እቲ ነቓፊ ንሓዉ ንነገራት ብንጹር ስለ ዘይርእዮ ቅኑዕ ፍርዲ ኽፈርድ ከም ዘይክእል ገይሩ ኢዩ ዝወስዶ። እንተዀነ ግን: እቲ ነቓፊ ንባዕሉ “ጕንዲ” ወይ ዓንዲ ኣብ ዓይኑ ኣለዎ። ዓብዪ ጕድለታት እናሃለወና ኽነሱ ናይ ኣሕዋትና ንኣሽቱ ጕድለታት ምንቃፍ ዕሽነት ምዃኑ ዘጕልሕ ከመይ ዝበለ ዘይርሳዕ ትምህርቲ ዀን ኢዩ!

14. የሱስ ብዛዕባ እቲ ቓርማ ምጽራይን ገመል ምውሓጥን እተዛረቦ ቓላት ሓያል መልእኽቲ ዘለዎ እተጋነነ መግለጺ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ የሱስ ንፈሪሳውያን “ኣቱም ቃርማ እተጽርዩ: ገመል ከኣ እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ” ብምባል ኰኒንዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 23:24) እዚ እሞ ኸኣ ሓያል መልእኽቲ ዘለዎ እተጋነነ መግለጺ ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ እቲ ምንጽጻር ኣብ መንጎ እታ ደቃቕ ቃርማን እታ ሰማዕቲ የሱስ ካብ ዝፈልጥዎም እንስሳታት ዝዓበየት ዝነበረት ገመልን ኢዩ ነይሩ። ክንዲ ሓደ ማእከላይ ክብደት ዘለዎ ገመል ንምብጻሕ 70 ሚልዮን ዝኸውን ቃርማ ኸም ዘድሊ ኢዩ ዝግመት! የሱስ እቶም ፈሪሳውያን ቃርማ ውሒጦም ምእንቲ ኸይረኽሱ ኢሎም ነቲ ዝሰትይዎ ወይኒ ብጨርቂ ገይሮም ኸም ዘጻርይዎ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብምሳልያዊ መገዲ ነታ ርኽስቲ ዝነበረት ገመል ይውሕጡ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 11:⁠4, 21-24) የሱስ ከመሓላልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ ንጹር ኢዩ። እቶም ፈሪሳውያን ነታ ዝነኣሰት ክፋል ናይቲ ሕጊ የኽብሩ ነይሮም ኢዮም: እንተዀነ ግን ነቲ ኣውራ ነገር ማለት “ፍርዲ: ምሕረት: እምነት” ግን ይሓድጉ ነበሩ። (ማቴዎስ 23:⁠23) ክሳዕ ክንደይ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ገይሩ ዀን ኢዩ የሱስ ውሽጦም ዘቃልዖም!

15. የሱስ እተጋነነ መግለጺ ገይሩ ዝመሃረሉ ገለ ኣጋጣሚታት እንታይ ኢዩ፧

15 የሱስ ኣብ ምሉእ ኣገልግሎቱ እተጋነነ መግለጺ ይጥቀም ነበረ። ገለ ኣብነታት እስከ ርአ። “ክንዲ [ደቃቕ] ፍረ ኣድሪ እትአክል እምነት” ንኸረን ከተግልስ ትኽእል ኢያ ምባሉ: ንእሽቶ እምነት ዓብዪ ነገር ክትገብር ከም እትኽእል ብንጹር ኣረዲኡ ኢዩ። (ማቴዎስ 17:20) ሓንቲ ገዛፍ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል ኢሉ ብምዝራቡ ኸኣ ሃብታም ሰብ ካብ ፍቕረ⁠-​ንዋይ ሓራ ኸይኰነ ንኣምላኽ ከገልግሎ ምጽዓር ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ብጽቡቕ ገሊጽዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 19:⁠24) የሱስ እተጠቕመሉ ንጹር ምሳልያዊ መግለጽን ብሒደት ቃላት ገይሩ ሓያል መልእኽቲ ምምሕልላፉን ኣየደንቐካንዶ፧

ኣሉ ዘይብሃሎ ርትዓዊ መረድኢ

16. የሱስ ነቲ በሊሕ ኣእምሮኡ ወትሩ ብኸመይ ኢዩ ዝጥቀመሉ ነይሩ፧

16 የሱስ ፍጹም ኣእምሮ ስለ ዝነበሮ: ንሰባት ብርትዓዊ ኣገባብ ገይሩ ብውሕሉል መገዲ የረድኦም ነይሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነዚ ኽእለቱ ንግጉይ ዕላማ ፈጺሙ ኣይተጠቕመሉን። ኣብ ትምህርትታቱ ነቲ ኣእምሮኣዊ ብልሓቱ ወትሩ ንሓቂ ንምግላጽ ይጥቀመሉ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ: ነቲ እቶም ተጻረርቱ ዘምጽኡሉ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ክስታት ንምፍሻል ሓያል ርትዓዊ መረድኢ ይጥቀም ነበረ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከኣ ንደቀ መዛሙርቱ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንምምሃር ርትዓዊ መረድኢ ተጠቒሙ ኢዩ። ነቲ የሱስ ዝነበሮ ርትዓዊ መረድኢ ናይ ምጥቃም ዘደንቕ ክእለት እስከ ንርአ።

17, 18. የሱስ ነቲ ፈሪሳውያን ዝኸሰስዎ ናይ ሓሶት ክሲ ንምፍሻል እንታይ ሓያል ርትዓዊ መረድኢ ተጠቕመ፧

17 የሱስ ንሓደ ጋኔን ዝሓደሮ ዕዉርን ዓባስን ሰብኣይ ምስ ኣሕወዮ ዘጋጠሞ እሞ ንርአ። ፈሪሳውያን ብዛዕባዚ ምስ ሰምዑ: “ብዘይ​ ብብኤል⁠-​ዜቡል [ሰይጣን]: እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ: ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን” በሉ። ፈሪሳውያን ነቶም ናይ ሰይጣን ኣጋንንቲ ንምውጻእ ልዕለ⁠-​ሰብኣዊ ሓይሊ ኸም ዘድሊ ምእማኖም ኣስተብህል። ይኹን እምበር: እቶም ህዝቢ ኣብ የሱስ ምእንቲ ኸይኣምኑ: እቲ እተጠቕመሉ ሓይሊ ናይ ሰይጣን ኢዩ በሉ። የሱስ ድማ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኸም ዘይተጠቕሙ ኽገልጸሎም ከሎ “ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ መንግስቲ ትዖኑ: ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ። ሰይጣን ንሰይጣን ካብ ዜውጽኦ: ንሓድሕዱ ተፈላለየ: እታ መንግስቱ ደኣኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧” በሎም። (ማቴዎስ 12:22-26) ብኻልእ ኣዘራርባ ‘ነቲ ሰይጣን ዝገበሮ እናኣፍረስኩ ክነሰይ ከምቲ እትብልዎ ዘለኹም ልኡኽ ሰይጣን ነይረ እንተ ዝኸውን: ሰይጣን ኣንጻር ዕላምኡ ኢዩ ስጕምቲ ዝወስድ ዘሎ ማለት ኢዩ: ነዊሕ ከይጸንሐውን ክወድቕ ኢዩ’ ይብሎም ነበረ። እዝስ ሓያል ርትዓዊ መረድኢዶ ኸይኰነ፧

18 ኣስዕብ ኣቢሉ የሱስ ካልእ ርትዓዊ መረድኢ እውን ተጠቕመ። ገለ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያን ኣጋንንቲ ኸም ዘውጽኡ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ “ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል⁠-​ዜቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ: ደቅኹም [ደቀ መዛሙርትኹም] ደኣ ብመን የውጽእዎም አለዉ፧” ብምባል ቀሊል ግን ከኣ የማነ ጸጋም ዘየብሎም ሕቶ ሓተቶም። (ማቴዎስ 12:27) የሱስ ‘ኣነ ብናይ ሰይጣን ሓይሊ ገይረ ኣጋንንቲ አውጽኦም እንተ ሃልየ: ደቀ መዛሙርቱኹም እውን ተመሳሳሊ ሓይሊ ኢዮም ዝጥቀሙ’ ብምባል ኢዩ ሞገትኡ ዘቕርብ ነይሩ። እቶም ፈሪሳውያን ብሕም ኣይበሉን። ደቀ መዛሙርቶም ብናይ ሰይጣን ሓይሊ ኢዮም ዝዓዩ ኢሎም ኣፍልጦ ኽህቡ ኣይደለዩን። የሱስ በዚ ኣሉ ዘይብሃሎ ርትዓዊ መረድኢ ገይሩ እቲ ዝኸስዎ ኽስታት ትርጕም ዘይብሉ ምዃኑ ኣርኣዮም።

19, 20. (ሀ) የሱስ ንርትዓዊ መረድኢ ብኣወንታዊ መገዲ እተጠቕመሉ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ከም ዝጽልዩ ኽምህሮም ምስ ሓተትዎ ነተን ‘ክንደይ ኣብዚሑ’ ዝብላ ቓላት እተጠቕመለን ብኸመይ ኢዩ፧

19 የሱስ ንተጻረርቱ ኣፎም ንምትሓዝ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ንየሆዋ ዝምልከት ዘተባብዕን ባህ ዘብልን ሓቅታት ንሰባት ንኸእምን ኢሉ እውን ርትዓዊ መረድኢ ተጠቒሙ ኢዩ። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት: ንሰማዕቱ ኻብ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ሓቅታት ተበጊሶም ተወሳኺ ምርዳእ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሉ ነተን ‘ኽንደይ ኣብዚሑ’ ዝብላ ቓላት ተጠቒሙለን ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኽልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

20 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ክጽልዩ ኸም ዘለዎም ክምህሮም ከሎ: ብዛዕባ ሓደ ፍቓደኛ ንዘይነበረ ዓርኩ ኣብ መወዳእታ ዝደለዮ ኸም ዝህቦ ዝገበሮ ዘይሕለል ሰብኣይ ዝገልጽ ምስላ ነገሮም። ብተወሳኺ: ወለዲ ንደቆም “ጽቡቕ ህያብ ምሃብ” ከም ዘሐጕሶም እውን ገለጸ። ኣብ መወዳእታ “እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” ብምባል ዘረብኡ ደምደመ። (ሉቃስ 11:1-13 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ ኣብዚ ምምስሳል ካብ ዘይብሉ ነገራት ተበጊሱ ኢዩ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ። ሓደ ፍቓደኛ ዘይኰነ ዓርኪ ኣብ መወዳእታኡ ነቲ ብጻዩ ዝደለዮ ዝህብ ካብ ኰነ: ዘይፍጹማት ወለዲ እውን ንደቆም ክሳዕ ክንድዚ ዝሓልዩ ኻብ ኰኑ: እቲ ሰማያዊ ኣቦና ደኣኸ ነቶም ብትሕትና ዝልምንዎ እሙናት ኣገልገልቱ ኽሳዕ ክንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱሱ ዘይህቦም፧

21, 22. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ክህሉ ንዘለዎ ኣረኣእያ ኣመልኪቱ ምኽሪ ኽህብ ከሎ እንታይ መረዳእታ ኢዩ ዝሃበ፧ (ለ) ገለ ኻብቲ የሱስ እተጠቕመሉ ሜላ ኣመሃህራ ድሕሪ ምምርማርና ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና እንበጽሕ፧

21 የሱስ ብስጋዊ ነገራት ንዘጨንቐና ነገራት ብኸመይ ክንርእዮ ኸም ዘሎና ኽገልጽ ከሎ ተመሳሳሊ ርትዓዊ መረድኢ ተጠቒሙ ኢዩ። ከምዚውን በለ:- “ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ፤ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር: ኣይዘርኡ ኣይዐጽዱ: ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ። ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ኣስተብህሉ፤ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። . . . ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ: ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ በረኻ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነስ: ኣቱም ጕድላት እምነት: ንኣኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ ዘይከድነኩም፧” (ሉቃስ 12:24, 27, 28 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: የሆዋ ብዛዕባ ኣዕዋፍን ዕምባባታትን ዝግደስ እንተደኣ ዀይኑ: ንባሮቱ ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ ዘይሓልየሎም፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራውን ሓያል መልእኽቲ ዘለዎን ርትዓዊ መረድኢ ንልቢ ሰማዕቲ የሱስ ከም ዝተንከፈ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

22 ገለ ኻብቲ የሱስ እተጠቕመሉ ሜላ ኣመሃህራ ድሕሪ ምምርማርና: እቶም ክሕዝዎ ዘይከኣሉ ገላዉ “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን” ምባሎም የጋንኑ ዘይምንባሮም ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: የሱስ ኣጸቢቑ ዝፍለጠሉ ሜላ ኣመሃህራ ምስላታት ወይ ምሳልያዊ ዛንታታት ምጥቃም ኢዩ። ነዚ ሜላ እዚ ዝጥቀም ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምስላታቱ ኣዝዩ ኣስላጢ ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጠለን ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነተን ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጻ “መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” ከምኡውን “ስዓቡኒ” ዝብላ ዓንቀጻት ርአ።

b መሰረታዊ ሓሳባት ናይዛ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35 እትርከብ ጥቕሲ ኣብ ወንጌላት ዝርከብ እኳ እንተዀነ: ብቐጥታ ዝጠቐሳ ግን ሃዋርያ ጳውሎስ ጥራይ ኢዩ። ጳውሎስ ነዚ ሓሳባት እዚ ብኣፍ ተነጊርዎ (ማለት ካብቶም የሱስ ክዛረብ ዝሰምዕዎ ደቀ መዛሙርቲ ወይ ካብቲ ዝተንስአ የሱስ ሰሚዕዎ) ወይ ከኣ ብመለኮታዊ ራእይ ተገሊጽሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 22:⁠6-15፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠6, 8

c ኣይሁድ ኣብ ዓዓመት ክልተ ድሪም (ናይ ክልተ መዓልቲ ደሞዝ ኣቢሉ ዝኸውን) ንቤተ መቕደስ ግብሪ ክኸፍሉ ነበሮም። እቲ ብግብሪ እተኣከበ ገንዘብ ንጽገና ቤተ መቕደስ: ነቲ ኣብኡ ዝግበር ኣገልግሎት: ከምኡውን ኣብ ክንዲ እታ ሃገር ንዝግበር መዓልታዊ መስዋእቲ ዘድሊ ንምዕዳግ ይውዕል ነበረ።

ትዝክሮዶ፧

• ትምህርትታት የሱስ ቀሊልን ንጹርን ምንባሩ ዘርእየና እንታይ ኣብነታት ኢዩ፧

• የሱስ ኣብ ትምህርትታቱ ሕቶታት እተጠቕመ ስለምንታይ ኢዩ፧

• እተጋነነ መግለጺ እንታይ ኢዩ: ነዚ ናይ ኣመሃህራ ሜላ እዚ የሱስ እተጠቕመሉኸ ብኸመይ ኢዩ፧

• የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ የሆዋ ባህ ዘብል ሓቅታት ንምምሃር ርትዓዊ መረድኢ እተጠቕመ ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንተራ ሰባት ዝርድኦም ቀሊል ኣዘራርባ ተጠቕመ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ፈሪሳውያን ‘ቃርማ የጽርዩ: ገመል ከኣ ይውሕጡ ነበሩ‘