ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጕርብትና እንታይ ረኸቦ፧

ጕርብትና እንታይ ረኸቦ፧

ጕርብትና እንታይ ረኸቦ

“ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ጕርብትና ጠፊኡ ኢዩ። ”—⁠ቤንጃሚን ዲስራኤል: ናይ መበል 19 ዘመን እንግሊዛዊ በዓል ስልጣን

 ኩባውያን ኣብ ግዜ እርጋኖም ንሓድሕዶም ይቀራረቡ ኢዮም። ነዚ ድማ ማሕበር ጐረባብቲ ወይ ከኣ ሰርኲሎ ዲ ኣብዌሎስ (ማሕበር ኣባሓጐታት) ይብልዎ። ብመሰረት ናይ 1997 ጸብጻብ: 1 ካብ 5 ኣረጋውያን ደቂ ኩባ ኣባል ናይዚ ማሕበር እዚ ኢዩ ነይሩ። ኵሎም እቶም ኣባላት ናይዚ ማሕበር እዚ ጥዑይ ናብራ ንኽህልዎም ዝሕግዞም ምጽንናዕን ምትብባዕን ግብራዊ ሓገዝን ይወሃቦም ኢዩ። ብዛዕባዚ ጕዳይ እዚ ዎርልድ ሄልዝ እትበሃል መጽሔት ከምዚ በለት:- “ናይቲ ኸባቢ ሓካይም ብወፈራ ክታበት ክህቡ ኸለዉ . . . ሓገዝ ኣብ ዝደልይሉ እዋን እቶም ክእለት ዘለዎም ማሕበር ኣባሓጐታት ብፍታው ኢዮም ዝተሓባበርዎም።”

እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከምዚ ዝኣመሰለ ምትሕልላይ ካብ ጐረባብቲ ይጠፍእ ኢዩ ዘሎ። ንኣብነት ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ: ኣብ ሓደ ኣፓርትማ ዝነብር ዝነበረ ቮልፍጋንግ ድሪክስ እተባህለ ሰብኣይ ዘጋጠሞ ዘሕዝን ኵነታት እሞ ንርአ። ገለ ዓመታት ይገብር ዘ ከንቤራ ታይምስ ከም ዝገለጸቶ ምስ ቮልፍጋንግ ኣብ ሓደ ህንጻ ዝነብሩ 17 ስድራ​ቤታት ሓደ ጸገም ኣጋጢምዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ተረዲእዎም እኳ እንተ ነበረ “ክበጽሖ ኢሉ ዝኸደ ሰብ ግን ኣይነበረን።” ኣብ መወዳእታ እቲ ዋና ገዛ ናብቲ ኣፓርትማ ምስ መጸ “ኣብ ቅድሚ ተለቪዥን ኮፍ ዝበለ ዓስከሬን ረኸበ።” 5 ታሕሳስ 1993 ዝዕለቱ ናይ ተለቪዥን ፕሮግራም ኣብ ሰለፉ ተዘርጊሑ ነበረ። ካብ ዝመውት ሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ ገይሩ ነበረ። እዝስ ኣብ ጐረባብቲ ተገዳስነትን ምትሕልላይን ከም ዝጠፍአ ዘርኢ ኸመይ ዝበለ ዘሕዝን ኣብነት ኰን ኢዩ! ናይ ኒው ዮርክ ታይምስ መጋዚን ጸሓፍ ቴማ: ጐረባብቱ ልክዕ ከምቶም ብዙሓት ካልኦት: “ንሓድሕዶም ዘይፋለጡ ማሕበረሰብ” ከም ዝዀኑ ገይሩ ምግላጹ ዘገርም ኣይኰነን። ኣብ ጐረባብትኻኸ እዚ ባህሪ እዚ ድዩ ዝርአ ዘሎ፧

ኣብ ገለ ገለ ገጠራት: ጐረባብቲ ንሓድሕዶም ከም ዝቀራረቡ: ኣብ ገሊኡ ኸተማታት እውን እንተዀነ ከምዚ ዝኣመሰለ ምቅርራብ ንኽህሉ ብዙሕ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ኣብ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ካብ ጐረባብቶም እተገለሉን ረዳኢ ዘይብሎምን ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ምስ ጐረባብቶም ጓኖት ኢዮም። ብኸመይ፧

ምስ ጐረባብትኻ ጓና

መብዛሕትና ኣብ ጥቓና ዝነብሩ ጐረባብቲ ኣለዉና። ናይ ተለቪዥን ብልጭታ: ኣብ መስኮት ዝርአ ምንቅስቓስ: ምውላዕን ምጥፋእን መብራህቲ: ድምጺ ናይተን ናብዘን ናብትን ዝጓዓዛ ማካይን: ኣብ ኮሪደዮ ዘሎ ምንቅስቓስ እግሪ: ማዕጾ ክሽጐርን ክኽፈትን ከሎ ዝስማዕ ድምጺ ጐረባብቲ ከም ዘለዉ ዝሕብር ኢዩ። ይኹን እምበር: ሰባት ጐረባብቲ ኽነሶም ከም ጓኖት ከይተፋለጡ: ወይ ከኣ ብምኽንያት እዚ ሃለኽለኽ ዝመልኦ ናብራ ቍሊሕ ከይተበሃሃሉ ምንባሮም ናይ ሓቂ ጕርብትና ከም ዘየለ ኢዩ ዝሕብር። ሰባት ምስ ጐረባብቶም ክቀራረቡ ወይ ዝዀነ ይኹን ሓላፍነት ክስምዖም ኣይደልዩን ኢዮም። ሄራልድ ሳን እትበሃል ኣብ ኣውስትራልያ እትሕተም ጋዜጣ ከምዚ ትብል:- “ውልቀ⁠-​ሰባት ኣብቲ ዝነብርሉ ኸባቢ ጓኖት ኰይኖም ስለ ዝነብሩ ካብ ሓላፍነት ናይቲ ሕብረተሰብ ናጻ ኢዮም። ስለዚ ነቶም ኣብቲ ሕብረተሰብ ብዙሕ ዘይስሕቡኻ ሰባት ዕሽሽ ክትብሎም ወይ ከተግልሎም ቀሊል ኢዩ።”

እዚ ኸኣ ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን። ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም” ኰይኖም ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብዝብል ኣነባብራ ምንባሮም ሕማቕ ፍረ ኢዮም ኣፍርዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠2) ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ሰባት ብጽምዋ ካብ ካልኦት ተገሊሎም ይነብሩ ኣለዉ። እዚ ተገሊልካ ምንባር ከኣ ብፍላይ እኳ ምስዚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ዓመጽን ገበንን ተደማሚሩ ንሰብ ናይ ዘይምእማን ባህሪ ኢዩ ኣፍርዩ። ንሰብ ዘይምእማን ከኣ ሰብኣዊ ድንጋጽ ኣጥፊኡ።

ኣብ ጐረባብትኻ ዘሎ ኵነታት ብዘየገድስ: ሕያዎት ጐረባብቲ ነቲ ማሕበረሰብ ኣድለይቲ ምዃኖም ከም እትሰማምዓሉ ፍሉጥ ኢዩ። ሰባት ናይ ሓባር ሸቶ ሒዞም ሓቢሮም ምስ ዝዓዩ ብዙሕ ክዕመም ይከኣል ኢዩ። ሕያዎት ጐረባብቲ በረኸት እውን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ከመይ ኢሎም በረኸት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክትሕብረና ኢያ።