ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

  እታ ኣብ ኢሳይያስ 14:⁠12 እትርከብ “ብሩህ ኮዀብ” እትብል መግለጺ ንመን ኢያ እተመልክት፧

ኢሳይያስ 14:⁠12 “ኣየ: ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ: ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ” ትብል ኢያ። ገሊኣቶም ሰባት እዚ ንሰይጣን ኢዩ ዘመልክት ይብሉ።

ብሓቂ ግን እዛ መግለጺት እዚኣ ንመን ኢያ እተመልክት፧ እታ “ብሩህ ኮዀብ” እትብል መግለጺ ኣብቲ ኢሳይያስ ንእስራኤላውያን “ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን” ብምስላ ከውስእዎ ዝኣዘዞም ትንቢት ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። ስለዚ ብቐዳምነት ነቲ ስርወ⁠-​ንግስነት ባቢሎን እተዘርበ መልእኽቲ ኢዩ። እታ “ብሩህ ኮኾብ” እትብል መግለጺ ንሰብ ደኣ እምበር ንመንፈሳዊ ፍጡር ከም ዘይተመልክት በቲ “ናብ ሲኦል . . . ኽትድርበ ኢኻ” ዝብል ተወሳኺ መግለጺ ነጺራ ኣላ። ሲኦል ተራ መቓብር ወድሰብ ደኣ እምበር ሰይጣን ድያብሎስ ዝቈጻጸሮ ቦታ ኣይኰነን። ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም ነቲ ብሩህ ኮኾብ ወዲቑ ዝርእይዎ “እቲ ንምድሪ ዜንቀጥቅጣ . . . ሰብኣይዶ እዚ እዩ፧” ይብሉ ኢዮም። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እምበኣር እዚ “ብሩህ ኮዀብ” ዝብል መግለጺ ንሰብ ደኣ እምበር ንመንፈሳዊ ፍጡር ኣየመልክትን ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 14:⁠4, 15, 16

ንስርወ⁠-​ንግስነት ባቢሎን ከምዚ ዝኣመሰለ ክብ ዝበለ ስያመ እተዋህቦ ስለምንታይ ኢዩ፧ ንጉስ ባቢሎን ብሩህ ኮዀብ እተባህለ ምስ ወደቐ ምዃኑ እሞ እዚ ስያመ ዝኣተወሉ ኣገባብ ከኣ ናይ ምሕጫጭ ከም ዝዀነ ኸነስተውዕለሉ ይግባእ። (ኢሳይያስ 14:⁠3) ነገስታት ባቢሎን ዕቡያት ብምንባሮም ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ልዕል ኽብሉ ጽዒሮም ኢዮም። ትዕቢቶም ሕሉፍ ስለ ዝነበረ “ናብ ሰማይ ክድይብ: ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ: ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ። . . . ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ” ኢሎም ከም እተጃህሩ ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ።​—⁠ኢሳይያስ 14:13, 14

“ኸዋኽብቲ ኣምላኽ” ተባሂሎም ዘለዉ እቶም ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝነበሩ ነገስታት ኢዮም። (ዘሁልቍ 24:⁠17) ካብ ዳዊት ጀሚሩ እቶም “ኸዋኽብቲ” ኣብ ከረን ጽዮን ኰይኖም ኢዮም ዝገዝኡ ነይሮም። ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ ኣብ የሩሳሌም ምስ ሃነጻ: እታ ጽዮን እትብል ስም ንብምልእታ እታ ኸተማ ኸመልክት ጀመረ። ብመሰረት ሕጊ ኺዳን ኵሉ ተባዕታይ ዘበለ እስራኤላዊ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ናብ ጽዮን ክኸይድ ነበሮ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ ቦታ “ኸረን ማሕበር” ኰነ። ነቡካድነጻር ንነገስታት ይሁዳ ንኸንበርክኽን ካብቲ ኸረን ንኸልግስን ብምውሳኑ: ኣብ ልዕሊ እዞም “ኸዋኽብቲ” ልዕል ክብል ከም ዝሓለነ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ዓወት ክረክብ ዝኸኣለ ሳላ የሆዋ ምዃኑ ኣፍልጦ ኣብ ክንዲ ምሃብ ከኣ ብትዕቢት ኣብ ቦታ ናይ የሆዋ ኾፍ በለ። ስለዚ ስርወ⁠-​ንግስነት ባቢሎን ምስ ወደቐ: ብምሽክዕላል “ብሩህ ኰኾብ” ተባሂሉ ተጸውዐ።

እቲ ነገስታት ባቢሎን ዘርኣይዎ ትዕቢት ነቲ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን ድያብሎስ ዘርእዮ ባህሪ ኸም ዘንጸባርቕ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠4) ሰይጣን ህርፋን ስልጣን ኣለዎ: ልዕሊ የሆዋ ኣምላኽ ክኸውን ድማ ኢዩ ዝደሊ። እንተዀነ ግን እቲ ብሩህ ኰኾብ ዝብል መግለጺ ንዕኡ ዘመልክት ኣይኰነን።

ቀዳማይ ዜና መዋእል 2:⁠13-15 ንዳዊት ሻውዓይ ወዲ እሰይ ከም ዝዀነ ገይራ ኽትገልጾ ኸላ: 1 ሳሙኤል 16:⁠10, 11 ግን ሻምናይ ኢዩ እትብሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

እቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ሳኦል ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስ ኣልገሰ: የሆዋ ኣምላኽ ንነብዪ ሳሙኤል ንሓደ ኻብ ደቂ እሰይ ንጉስ ክኸውን ንኽቐብኦ ለኣኾ። እቲ ሳሙኤል ብመበል 11 ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መዝጊብዎ ዘሎ ታሪኽ: ዳዊት ሻምናይ ወዲ እሰይ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ። (1 ሳሙኤል 16:​10-13) እዝራ እቲ ኻህን ድሕሪ 600 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ዝጸሓፎ ታሪኽ ግን “እሴይ ድማ ንበዅሪ ወዱ ኤልያብ: ካልኣይ ከኣ ንኣቢናዳብ: ሳልሳይ ድማ ንሺምዓ: ራብዓይ ናትናኤል: ሓምሳይ ራዳይ: ሳድሳይ ኦጼም: ሳብዓይ ዳዊት ወለደ” ኢዩ ዝብል። (1 ዜና መዋእል 2:13-15) ንምንታይ ደኣሉ እዝራ ንሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ዳዊት ዘይጠቐሶ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት እሰይ “ሾሞንተ ኣወዳት ነበርዎ” ኢዩ ዝብለና። (1 ሳሙኤል 17:⁠12) ሓደ ኻብ ደቁ እምበኣር ተመርዕዩ ውሉዳት ክሳዕ ዝወልድ ብህይወት ኣይጸንሐን ክኸውን ኣለዎ። ሓድጊ ስለ ዘይነበሮ ኸኣ ኣብ ዓሌቱ ውርሲ ኣይረኸበን: ኣብ ጸብጻብ ወለዶ እሰይ እውን ምጥቃሱ ኣድላይነት ኣይነበሮን።

ሕጂ እዝራ ንዜና መዋእል ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን ዝነበረ ዅነታት እሞ ኣብ ግምት ነእቱ። ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ኻብ ዝወጹ 77 ዓመታት ሓሊፉ ነበረ: ናብ ዓዶም ድማ ተመሊሶም ነበሩ። እቲ ንጉስ ፋርስ ንእዝራ ናይ ሕጊ ኣምላኽ ፈረድትን መምህራንን ከቕውም: ንቤት የሆዋ ድማ ክስልማ ሓላፍነት ሃቦ። እቶም ዝምልከቶም ውርሶም ምእንቲ ኽረኽቡን ካህናት ኰይኖም ዘገልግሉ ኸኣ እቶም ኣምላኽ ዝመዘዞም ጥራይ ምእንቲ ክዀኑን መስመር ትውልዶም ዝገልጽ ቅኑዕ ዝርዝር የድሊ ነበረ። ስለዚ እዝራ ናይታ ሃገር ታሪኽ ጸሓፈ፣ ኣብኡ ድማ መስመር ወለዶ ይሁዳን ዳዊትን ብንጹር ከምኡውን ብዘየማትእ መገዲ ጠቐሶ። ስም ናይቲ ዘርኢ ኸይሓደገ ዝሞተ ወዲ እሰይ ኣብዚ ኣገዳስነት ኣይነበሮን። ስለዚ እዝራ ስሙ ኣይጠቐሶን።