ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሰፕቱጀንት” ጥንቲ ዀነ ሕጂ ጠቓሚ ዝዀነ ጽሑፍ

“ሰፕቱጀንት” ጥንቲ ዀነ ሕጂ ጠቓሚ ዝዀነ ጽሑፍ

“ሰፕቱጀንት” ጥንቲ ዀነ ሕጂ ጠቓሚ ዝዀነ ጽሑፍ

 ሓደ ኢትዮጵያዊ በዓል⁠-​ስልጣን ካብ የሩሳሌም ናብ ዓዱ ብምድረ⁠-​በዳ ኣቢሉ እናተጓዕዘ ኸሎ: ኣብ ሰረገላኡ ዀይኑ ሓደ ሃይማኖታዊ ጽሑፍ ዓው ኢሉ የንብብ ነበረ። ጸኒሑ ብዛዕባ እቲ ዘንብቦ ዝነበረ ጽሑፍ እተዋህቦ መግለጺ ኣዝዩ ዓብዪ ጦብላሕታ ስለ ዘሕደረሉ ኻብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ህይወቱ ተቐየረ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠26-38) እዚ ሰብኣይ እዚ: ካብቲ ናይ መጀመርታ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ኣብ ኢሳይያስ 53:⁠7, 8 ኢዩ ዘንብብ ነይሩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መልእኽቲ ንብዙሕ ዘመናት ኣብ ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ግደ ስለ ዝነበሮ: ንዓለም ዝቐየረ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኢዩ።

መዓስን ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታትን ግን ኢዩ ሰፕቱጀንት እተዳለወ፧ ትርጕም ክዳሎ ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ጠቒሙ፧ ኣብዚ ግዜናኸ እንታይ ትምህርቲ ኽህበና ይኽእል፧

ቋንቋ ግሪኽ ንዝዛረቡ ኣይሁድ እተዳለወ

ብ332 ቅ.ኣ.ዘ. ኣሌክሳንደር ዓብዪ ንጢሮስ ከተማ ፍንቄ ደምሲሱ ናብ ግብጺ ምስ መረሸ: ከም መድሓኒ ገይሮም ኢዮም ተቐቢሎምዎ። ኣብኡ ኸኣ ነታ ማእከል ትምህርቲ ናይ ጥንታዊት ዓለም ዝነበረት ከተማ ኣሌክሳንድርያ ደኰና። ኣብተን ዝወረረን ሃገራት ናይ ግሪኽ ባህሊ ኸስፋሕፍሕ ስለ ዝደለየ ኸኣ ተራ ቛንቋ ግሪኽ (ኮይን) ኣብ ብምሉኡ እቲ ሰፊሕ ግዝኣቱ ኣተኣታተወ።

ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣሌክሳንድርያ ብዙሓት ኣይሁድ ዝነብሩላ ኸተማ ኢያ ነይራ። ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ዝወጹ እሞ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤም ወጻኢ ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ሓያሎ ኣይሁድ ናብ ኣሌክሳንድርያ ተሰዱ። እዞም ኣይሁድ እዚኣቶም ግን ቋንቋ እብራይስጢ ኽሳዕ ክንደይ ኢዩ ዝርድኦም ነይሩ፧ ማክሊንቶክ ኤንድ ስትሮንግስ ሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ እቲ ናይ ጥንቲ እብራይስጢ ስለ ዝጠፍኦም: ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ኣብ ዝርከብ ኣብያተ⁠-​ጸሎት ካብ መጻሕፍቲ ሙሴ ኽንበበሎም ከሎ ብቛንቋ ከለዳውያን ይግለጸሎም ነበረ። . . . እቶም ኣብ ኣሌክሳንድርያ ዝነበሩ ኣይሁድ እሞ ኸኣ ምናልባት ብዛዕባ ቛንቋ እብራይስጢ ዝወሓደ ፍልጠት ነይርዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ኣብ ኣሌክሳንድርያ ዝዝውተር ዝነበረ ግሪኽ ኢዮም ዝፈልጡ ነይሮም።” በዚ ኸምዚ ድማ: ኣብ ኣሌክሳንድርያ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ቋንቋ ግሪኽ ዝትርጐመሉ ኵነታት ተፈጥረ።

ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ ኣሪስቶቡለስ እተባህለ ኣይሁዳዊ: ቶለሚ ፊላደልፈስ (285-​246 ቅ.ኣ.ዘ) ኣብ ዝገዝኣሉ እዋን እቲ ናይ እብራይስጢ ሕጊ ናብ ቋንቋ ግሪኽ ተተርጒሙ ኸም እተዛዘመ ጽሒፉ ኢዩ። ኣሪስቶቡለስ እቲ “ሕጊ” ኽብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኸም ዝነበረ እተፈላለየ ኣረኣእያ ኢዩ ዝወሃብ። ገሊኣቶም ነቲ ፔንታቲዩክ ጥራይ ኢዩ ኽብሉ ኸለዉ: ገሊኣቶም ከኣ ንብምሉኡ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኢዩ ዘመልክት ይብሉ።

በዚ ዀይኑ በቲ: 72 ዝዀኑ ምሁራት ኣይሁድ ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኻብ እብራይስጢ ናብ ግሪኽ ብጽሑፍ እተተርጐመ ቕዱሳት ጽሑፋት ከም እተኻፈሉ ብያታ ይንገር ኢዩ። ጸኒሑ እታ እትጸጋግዓ ቍጽሪ ማለት 70 ክትዝውተር ተጀመረት። ስለዚ: እቲ ትርጕም ሰፕቱጀንት ማለት “70” ተባህለ: ናይ ሮማውያን ቍጽሪ 70 ማለት LXX ድማ ተዋህቦ። ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኵሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝርከብ መጻሕፍቲ ናብ ግሪኽ ተተርጐመ። በዚ ምኽንያት እዚ: እታ ሰፕቱጀንት እትብል ስም ነቲ ናብ ግሪኽ እተተርጐመ ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኽትዝውተር ጀመረት።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ጠቓሚ ነበረ

ቅድሚ እቲ የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ዝነበረሉ እዋን ኰነ ድሕሪኡ: እቶም ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ ኣይሁድ ነቲ ሰፕቱጀንት ዝበሃል ትርጕም ኣዘውቲሮም ይጥቀሙሉ ነበሩ። ብዙሓት ካብቶም ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም እተኣከቡ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ካብ ኣውራጃ እስያ: ግብጺ: ሊብያ: ሮሜ: ከምኡውን ቅሬጥስ ዝመጹ ኢዮም ነይሮም። ኣብዚ ኸባቢታት ከኣ ቋንቋ ግሪኽ ኢዩ ዝዝረብ ነይሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ሰፕቱጀንት የንብቡ ምንባሮም ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠9-11) ስለዚ: እዚ ትርጕም እዚ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ነቲ ብስራት ንምስፋሕ ብዙሕ ሓጊዙ ኢዩ።

ንኣብነት: እስጢፋኖስ ነቶም ካብ ቄሬኖኔዎንን እስክንድርያን ቂልቅያን እስያን ዝመጹ ሰባት ክዛረቦም ከሎ “ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ያእቆብን ነቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ነፍሲ ዚዀኑ ዅሎም ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:8-10፣ 7:12-14) እቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 46: ብዝሒ ኣዝማድ ዮሴፍ ሰብዓ ምዃኖም ኢዩ ዝገልጽ። ሰፕቱጀንት ግን ሰብዓን ሓሙሽተን ኢዩ ዝብል። እስጢፋኖስ እምበኣር ካብ ሰፕቱጀንት ጠቒሱ ክኸውን ኣለዎ።​—⁠ዘፍጥረት 46:⁠20, 26, 27

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኣብ ንእሽቶ እስያን ግሪኽን ክዘውር ከሎ: ንብዙሓት ኣህዛብ ከምኡውን “ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጽርኣውያን” ወይ ግሪኻውያን ከምኡውን ንኣህዛብ ሰቢኹሎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:16, 26፣ 17:4) እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኣምላኽ ክፈርሁ ወይ ከምልኽዎ ዝኸኣሉ: ካብ ሰፕቱጀንት እተወሰነ ፍልጠት ከጥርዩ ብምኽኣሎም ኢዩ። ጳውሎስ ነዞም ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ ሰባት ክሰብከሎም ከሎ: ካብቲ ትርጕም እቲ ብተደጋጋሚ ይጠቅስ ወይ ሓሳባት ብምውሳድ ይጥቀም ነበረ።​—⁠ዘፍጥረት 22:⁠18፣ ገላትያ 3:⁠8

ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ 320 ሳዕ ብቐጥታ ጠቒሱ ኢዩ: ብጠቕላላ ኸኣ 890 ግዜ ጠቒሱ ወይ ተወኪሱ ኣሎ። መብዛሕትኡ ኻብዚ ኻብ ሰፕቱጀንት ኢዩ ተጠቒሱ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ካብ ናይ እብራይስጢ ኢደ⁠-​ጽሑፍ ዘይኰነስ: ካብቲ ትርጕም እተወስደ ጥቕስታት ክፍሊ ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኰነ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ ኢዩ። የሱስ እቲ ወንጌል መንግስቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ክስበኽ ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ነዚ ንምፍጻም የሆዋ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ናብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ዝጥቀሙሉ ቛንቋታት ክትርጐም ከፍቅድ ነበሮ።

ሎሚውን ጠቓሚ ኢዩ

ሰፕቱጀንት ሎሚውን ጠቓሚ ኢዩ: ነቲ ድሒሩ ኣብ እተቐድሐ ናይ እብራይስጢ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ቀዳሕቲ ብዘይ​ፍላጥ ዝገበርዎ ጌጋታት ንምርካብ ድማ ይሕግዝ ኢዩ። ንኣብነት: ዘፍጥረት 4:⁠8 ከምዚ ትንበብ:- “ቃየል ድማ ንሓው ኣቤል [“ናብ መሮር ንኺድ ኢሉ:” NW ] ተዛረቦ። ኰነ ኸኣ: ኣብ መሮር ከለዉ: ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦ: ቀተሎ ድማ።”

እታ ኣብ ሓጹር ኣትያ ዘላ “ናብ መሮር ንኺድ ኢሉ” እትብል ሓረግ: ኣብቲ ኻብ ዓስራይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ንነጀው እተዳለወ ናይ እብራይስጢ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ኣይትርከብን ኢያ። ይኹን እምበር: ኣብ ጥንታዊ ናይ ሰፕቱጀንት ኢደ⁠-​ጽሑፍን ኣብ ካልእ ናይ ጥንቲ መወከሲታትን ትርከብ ኢያ። ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ: ዘረባ ኸም ዝስዕብ እተመልክት ቃል ኣላ: እቲ ቃየል ዝበሎ ዘረባ ግን የለን። እንታይ ደኣ ኢዩ ኣጋጢሙ ክኸውን ዝኽእል፧ እተን ኣብ ዘፍጥረት 4:⁠8 ዝርከባ “ናብ መሮር” ዝብላ ናይ እብራይስጢ ቓላት ኣብ መወዳእታ ኽልተ ተኸታታሊ ሓረጋት ስለ ዝርከባ: “እቲ ናይ እብራይስጢ ቀዳሒ በቲ ኣብ መወዳእታ እተን ሓረጋት ዘለዋ [ተመሳሳሊ] ቓላት ተደናጊሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ” ብምባል ማክሊንቶክ ኤንድ ስትሮንግ ሳይክሎፔድያ ገሊጹ። ስለዚ እቲ ቀዳሒ ነታ “ናብ መሮር” ብእትብል መግለጺ እትዓጹ ሓረግ ዘሊልዋ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እምበኣር: ሰፕቱጀንትን ካልእ ጥንቲ እተጻሕፈ ኢደ⁠-​ጽሑፋትን ኣብቲ ድሓር እተቐድሐ ጽሑፋት እብራይስጢ ንዝርከብ ጌጋታት ንምእራይ ኣጸቢቑ ይጠቅም ኢዩ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ቅዳሓት ሰፕቱጀንት እውን ጌጋታት ስለ ዘለዎ: ሓድሓደ ግዜ በቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ጌርካ እቲ ናይ ግሪኽ ይእረም ኢዩ። ስለዚ: ነቲ ናይ እብራይስጢ ኢደ⁠-​ጽሑፋት ምስቲ ናይ ግሪኽን ናይ ካልእ ቋንቋታት ትርጕማትን ብምውድዳር: ተርጐምቲ ኰነ ቀዳሕቲ ዝፈጸምዎ ጌጋታት ስለ ዝርከብ እቲ ቕኑዕ ቃላት ናይ ቃል ኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ራብዓይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ቅዳሕ ሰፕቱጀንት እውን ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኢደ⁠-​ጽሑፋትን ድሕሪኡ እተዳለወ ቕድሓትን እቲ በተን ቴትራግራማተን ዝበሃላ ኣርባዕተ ናይ እብራይስጢ ፊደላት (የሀወሀ) ዝውከል የሆዋ ዝብል መለኮታዊ ስም የብሉን። ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ ኣብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ እተን ቴትራግራማተን በተን “ኣምላኽ” ከምኡውን “ጐይታ” ዝብላ ናይ ግሪኽ ቃላት ተተኪአን ኣለዋ። ይኹን እምበር 50 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም እተረኽበ ነገር ኣብዚ ጕዳይ እዚ ሓድሽ ኣረኣእያ ኸፈተ። ኣብ ጥቓ እቲ ምዕራባዊ ገማግም ምውት ባሕሪ ዝርከብ በዓትታት ምርምር ዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት: ኣብ ናይ ጥንቲ ብራና ብቛንቋ ግሪኽ እተጻሕፈ ጥቕላል ናይቶም 12 ነብያት (ካብ ሆሴእ ክሳዕ ሚልክያስ) ረኺቦም ኢዮም። እዚ ጽሑፋት እዚ ኻብ 50 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ኽሳዕ 50 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝኸውን ግዜ ኢዩ ተጻሒፉ። ኣብዚ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ቍርጽራጻት: እተን ቴትራግራማተን በቲ “ኣምላኽ” ከምኡውን “ጐይታ” ዝብል ናይ ግሪኽ ቃላት ኣይተተክአን። ስለዚ: ኣብ ጥንታዊ ቅዳሕ ሰፕቱጀንት መለኮታዊ ስም ከም ዝነበረ ተረጋገጸ።

ብ1971 እውን ቍርጽራጽ ናይ ጥንታዊ ጥቕላል ፓፒረስ (ፎዋድ 266 ፓፒሪ) ከም እተረኽበ ተገልጸ። ኣብዚ ኣብ ካልኣይ ወይ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ቍርጽራጽ ናይ ሰፕቱጀንት እውን እቲ መለኮታዊ ስም ተዓቂቡ ጸንሐ። እዚ ናይ ጥንቲ ቝርጽራጻት ሰፕቱጀንት መለኮታዊ ስም ሒዙ ምጽናሑ የሱስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱን ንስም ኣምላኽ ይጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ ዝሕብር ሓያል መርትዖ ኢዩ።

ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ብብዝሒ ኻብ እተተርጐመ መጻሕፍቲ ብቐዳምነት ኢዩ ዝስራዕ። ልዕሊ 90 ሚእታዊት ዝዀኑ ደቅሰብ እንተ ወሓደ ንገለ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ይረኽብዎ ኢዮም። ብፍላይ እቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዝበሃል ቕኑዕን ዘመናውን ትርጕም ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 40 ቋንቋታት ብምርካብና ኣዚና ኢና እነማስወሉ። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም​—⁠ምስ መወከሲኡ ካብ ሰፕቱጀንትን ካልእ ናይ ጥንቲ ኢደ⁠-​ጽሑፋትን እተወስደ ብኣማእታት ዝቝጸር እግረ⁠-​ጽሑፍ ኣለዎ። ብርግጽ እምበኣር ሰፕቱጀንት ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳስን ጠቓምን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ፊልጶስ እቲ ወደ መዝሙር ኣብ “ሰፕቱጀንት” ንዝርከብ ጥቕሲ ኢዩ ዝገለጾ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ሃዋርያ ጳውሎስ ብተደጋጋሚ ካብ “ሰፕቱጀንት” ይጠቅስ ነበረ