ናይ ሓቂ ቕዱሳን ብኸመይ ክረድኡኻ ይኽእሉ፧
ናይ ሓቂ ቕዱሳን ብኸመይ ክረድኡኻ ይኽእሉ፧
እታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት “ቅዱስ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ንመን ኢያ እተመልክት፧ ኣን ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ “ንብዙሓት ክትከውን ከላ ንዅሎም ኣመንቲ ደኣ እምበር ነቶም ፍሉይ ቅድስና ዘለዎም ወይ ነቶም እተፈልየ ቅዱስ ተግባር እናገበሩ ዝሞቱ ኣይኰነትን እተመልክት” ይብል።
ስለዚ ኸኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ንዅሎም ቀዳሞት ክርስትያናት ከም ቅዱሳን ገይሩ ኢዩ ዝጠቕሶም ነይሩ። ንኣብነት: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ “ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ብዘላ [እታ ኣውራጃ ሮሜ ዝዀነት] ኣካይያ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን” ኢሉ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 1:1) ጸኒሑ እውን “ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኵላትኩም” ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ። (ሮሜ 1:7) እዞም ቅዱሳን እዚኣቶም ብርግጽ ምዉታት ኣይነበሩን: ብሓለፍ ዝበለ ባህርያቶም እውን ካብ ካልኦት ኣመንቲ እተፈልዩ ኣይነበሩን። ብምንታይ መሰረት ደኣ ኢዮም ቅዱሳን እተባህሉ፧
ብኣምላኽ እተቐደሱ
ሓደ ሰብ ካብ ገሊኣቶም ሰባት ወይ ካብ ሓንቲ ማሕበር ብዝረኽቦ ኣፍልጦ ቅዱስ ክኸውን ከም ዘይክእል ቃል ኣምላኽ ይሕብረና ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት “ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ . . . ጸጋን ኣድሐነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር: ብግብርና ኣይኰነን” ኢዩ ዝብለና። (2 ጢሞቴዎስ 1:9) ሓደ ሰብ ቅዱስ ክኸውን ዝኽእል የሆዋ ብመሰረት ጸጋኡ: ምስ ዕላምኡ ብምስምማዕ ጽውዓ ምስ ዝገብረሉ ኢዩ።
እቶም ናይ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቕዱሳን ክፍሊ ናይቲ “ሓዲሽ ኪዳን” ኢዮም። እዚ ኺዳን እዚ ክቐውምን እቶም ኣብቲ ኺዳን እቱዋት ዝዀኑ ኸኣ ክቕደሱን ዝኸኣሉ ሳላ እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። (እብራውያን 9:15፣ 10:29፣ 13:20, 24) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ስለ ዝዀኑ ኸኣ ‘ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ዘቕርቡ ቅዱስ ክህነት’ ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 2:5, 9
ብስም ቕዱሳን ምምህላልን ምምላድን
“ቅዱሳን” ንኣመንቲ ፍሉይ ሓይሊ ኽህብዎም ይኽእሉ ኢዮም ዝብል እምነት ብሚልዮናት ኣብ ዝቝጸሩ ሰባት ስለ ዘሎ: ንቕርስታት እቶም “ቅዱሳን” ፍሉይ ክብሪ ይህብዎ ወይ ንኸማልዱሎም ኢሎም ናባታቶም ይጽልዩ ኢዮም። እዚ ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ድዩ፧ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ: ሰዓብቱ ንኣምላኽ ብኸመይ ማቴዎስ 6:9) ጸሎት ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ክቐርብ ዘለዎ።
ክቐርብዎ ኸም ዘለዎም ክምህሮም ከሎ “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ: ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” በሎም። (ገሊኣቶም ናይ ሃይማኖት ምሁራት: “ቅዱሳን” ከማልዱልና ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ሓሳብ ንምድጋፍ ሮሜ 15:30 ኢዮም ዝጠቕሱ፣ እዛ ጥቕሲ ድማ ከምዚ ትንበብ:- “ኣሕዋተየ: . . . ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ: እምዕደኩም አሎኹ።” ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ናብኡ ንኽጽልዩ ወይ ናብ ኣምላኽ ክጽልዩ ኸለዉ ብስሙ ኽምህለሉ ድዩ ዘተባብዖም ነይሩ፧ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ቅዱሳን ኢልካ ዝግበር ጸሎት ዘተባብዕ እኳ እንተዀነ: ናብ ቅዱሳን ወይ ብእኦም ኣቢልና ኽንጽሊ ዝገልጽ ትእዛዝ ግን ፈጺምና ኣይንረክብን ኢና።—ፊልጲ 1:1, 3, 4
ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንጸሎትና መማለዲ ሂቡና ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ:- “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ: ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም: ክገብረልኩም እየ።” (ዮሃንስ 14:6, 13, 14) የሆዋ ነቲ ብስም የሱስ ዝቐርበሉ ጸሎት ክሰምዕ ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ “ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ: ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ: ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ” ይብለና።—እብራውያን 7:25
የሱስ ክልምነልና ፍቓደኛ ኻብ ኰነ: ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ጸሎቶም ናብ “ቅዱሳን” ዝምህለሉ ደኣ ስለምንታይ ኢዮም፧ ጸሓፍ ታሪኽ ዊል ዱራንት ኣብታ ዘ ኤጅ ኦቭ ፈይዝ ዘርእስታ መጽሓፉ ናይዚ ልምዲ እዚ መበቈል ጠቒሱ ኣሎ። እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዝፍራህ: የሱስ ከኣ ብዝያዳ ተቐራቢ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ: “ሓደ ሰብ ንዅለን እተን ብጹኣት ዝገብራ [ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ዝርከባ] ስርዓታት ዕሽሽ ድሕሪ ምባሉ [ንየሱስ] ብቐጥታ ክቐርቦ ዝደፍር የለን። ስለዚ ጸሎትካ ናብቶም ቅድስንኦም እተኣጀወሎም እሞ ኣብ ሰማይ ምእታዎም እተረጋገጸሎም ቅዱሳን ምቕራብን ንክርስቶስ ከማልዱልካ ምልማንን ዝሓሸ መሲሉ ተራእየ” በለ። እዚ ምኽንያት እዚ ብቑዕ ድዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ብየሱስ ኣቢልና ናብ ኣምላኽ ኤፌሶን 3:11, 12) እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ጸሎት ደቅሰብ ንምስማዕ ኣዝዩ ርሑቕ ኣይኰነን። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣፉ መሊኡ “ኣታ ጸሎት እትሰምዕ: ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 65:2) የሆዋ ብቕርስታት ናይ ዝሞቱ “ቕዱሳን” ኣቢሉ ኣይኰነን ሓይሉ ዘመሓላልፍ: የግዳስ መንፈስ ቅዱሱ ነቶም ብእምነት ዝሓትዎ ይህቦም ኢዩ። የሱስ ነዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ ብምባል ኣረድአ:- “ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧”—ሉቃስ 11:13
እነቐርቦ ጸሎት ‘ትብዓትን እሙንቶን’ ክህልወና ኸም ዝኽእል ይምህረና ኢዩ። (ቅዱሳን ዝፍጽምዎ ዕማም
እቶም ጳውሎስ መልእኽትታቱ ዝጸሓፈሎም ቅዱሳን ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ሞይቶም ኢዮም: ድሕሪ ግዜ ኸኣ “ኣኽሊል ህይወት” ብምርካብ ተንሲኦም ናብ ሰማይ ከዱ። (ራእይ 2:10) ነቶም ናይ ሓቂ ቕዱሳን ፍሉይ ኣኽብሮት ብምሃብ ካብ ሕማም: ባህርያዊ ሓደጋ: ቍጠባዊ ዘይምርግጋእ: እርጋን: ወይ ሞት ሓራ ኽውጻእ ከም ዘይከኣል እቶም ኣዝዮም ውፉያት ኣምለኽቲ እውን ከይተረፉ ይኣምኑሉ ኢዮም። ስለዚ ‘እቶም ናይ ኣምላኽ ቅዱሳን ብሓቂዶ ብዛዕባና ይግደሱ ኢዮም፧ ገለዶ ኽረድኡና ይከኣሎም ኢዩ፧’ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ቅዱሳን ኣብቲ ዳንኤል ዝጸሓፎ ትንቢት ዓብዪ ቦታ ኢዩ ተዋሂብዎም ዘሎ። ዳንኤል ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ: ፍጻሜኡ ኽሳዕ እዚ ግዜና ዝዝርጋሕ ሓደ ዘደንቕ ራእይ ረኣየ። ካብ ባሕሪ ንሰብኣውያን መንግስታት ዘመልክቱ ኣርባዕተ ዘፍርሁ ኣራዊት ወጹ: ኣርባዕቲኦም እውን ነቲ ናይ ሓቂ ድሌት ደቅሰብ ከማልኡ ኣይከኣሉን። ድሕርዚ ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “እቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ግና ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም: ነታ መንግስቲውን ንዘለኣለም: ኤረ ንዘለኣለመ ኣለም ኪወርስዋ እዮም።”—ዳንኤል 7:17, 18
ጳውሎስ እቶም ቅዱሳን ኣብ ሰማያት ንክርስቶስ መዋርስቱ ክዀኑ ምዃኖም ብምጥቃስ ነዚ ‘ርስቲ ቅዱሳን’ እንደገና ጠቒስዎ ኣሎ። (ኤፌሶን 1:18-21) ደም የሱስ ነቶም 144,000 ቅዱሳን ናብ ሰማያዊ ክብሪ ንኽትንስኡ መገዲ ኸፊቱሎም ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ: ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር: እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን” በለ። (ራእይ 20:4, 6፣ 14:1, 3) ኣብ ሓደ ራእይ እውን ኣብ ሰማይ ዝነብሩ ብዙሓት ፍጥረታት ነቲ ኽብሪ ዝረኸበ የሱስ “ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ: ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም: ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም” ኢሎም ክዝምሩሉ ኸለዉ ረኣየ። (ራእይ 5:9, 10) ኣየ ኸመይ ዝበለ መረጋገጺ ዀን ኢዩ! የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ኢዩ ነዞም ሰብኡትን ኣንስትን ብጥንቃቐ ዝመርጾም። ብዘይዚውን ኣብ ምድሪ ብተኣማንነት ዘገልገሉን ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ዅሉ ዓይነት ጸገማት ዘሕለፉን ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 10:13) ስለዚ እምበኣር እዞም ካብ ሞት ዝተንስኡ ቕዱሳን መሓርትን ደንገጽትን ከምኡውን ንድኽመታትናን ዓቕምናን ኣብ ግምት ዘእትዉ ገዛእቲ ክዀኑ ምዃኖም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።
ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝህሉ በረኸታት
መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ኻብ ኵሉ እከይን ስቓይን ንምጽራይ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ስጕምቲ ኽትወስድ ኢያ። ኣብቲ ግዜ እቲ ደቅሰብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ናብ ኣምላኽ ክቐርቡ ኢዮም። ብዛዕባዚ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ።” እዚ ኸኣ ንደቅሰብ ማእለያ ዘይብሉ በረኸታት ከምጽኣሎም ኢዩ። ራእይ 21:3, 4
ከመይሲ እቲ ትንቢት ስዒቡ ኸምዚ ኢዩ ዝብለና:- “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘሐጕስ እዋን ኰን ኢዩ ክኸውን! ናይ ክርስቶስ የሱስን ናይቶም 144,000 ቅዱሳንን ምምሕዳር ዘምጽኦ ረብሓታት ኣብ ሚክያስ 4:3, 4 እውን በዚ ዝስዕብ ቃላት ተገሊጹ ኣሎ:- “[የሆዋ] ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርድ: ንብርቱዓት ህዝብታት ድማ ክሳዕ ርሑቕ ኪዳንዮም እዩ። ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶም ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም: ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምሀሩን እዮም። ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”
ኵሉ ሰብ ካብዚ በረኸታት እዚ ንኽካፈል በቶም ቅዱሳን ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ። እዞም ብመርዓት ተመሲሎም ዘለዉ ቅዱሳን ከየባተኹ “ንዓ: ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፤ ንዓ: ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።” (ራእይ 22:17) እዚ “ማይ ህይወት” እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧ ርጡብ ፍልጠት ዕላማታት ኣምላኽ ገለ ኻብቲ ማይ ህይወት ሒዝዎ ዘሎ ነገራት ኢዩ። የሱስ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ኸሎ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) እዚ ፍልጠት እዚ ብቐጻሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ብቓል ኣምላኽ ጌርና መንነት ናይ ሓቂ ቕዱሳን ከምኡውን ንዘለኣለማዊ ጥቕሚ ደቅሰብ ብኸመይ ከም ዘገልግሉ ምፍላጥናስ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ጳውሎስ ናብቶም ናይ ሓቂ ቕዱሳን መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽትታት ጸሓፈ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
እሙናት ሃዋርያት የሱስ ናይ ሓቂ ቕዱሳን ኢዮም
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ኸይተሰከፍና ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ንኽእል ኢና
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ካብ ሞት ዝተንስኡ ቕዱሳን ደንገጽቲ መራሕቲ ምድሪ ክዀኑ ኢዮም