ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዚ ግዜና “ቅዱሳን” ኣኽቢርካ ዝረኣዩ ስለምንታይ ኢዮም፧

ኣብዚ ግዜና “ቅዱሳን” ኣኽቢርካ ዝረኣዩ ስለምንታይ ኢዮም፧

ኣብዚ ግዜና “ቅዱሳን” ኣኽቢርካ ዝረኣዩ ስለምንታይ ኢዮም፧

“ብዛዕባ ጀጋኑ ዝዀነ ይኹን ነገር ምስማዕ ዝሰልከየና እዋንዶ ትዝ ይብለኩም፧ ነቶም ብ13 መስከረም ንእተገብረ ቐብሪ ናይ እመሆይ ተሬሳ እተኸታተልዎ 4.2 ሚልዮን ዝዀኑ ኣመሪካውያን ግን እዚ ዝጸለዎም ኣይመስልን። ካብቲ ዝሞተትሉ ግዜ ማለት ካብ 5 መስከረም ኣትሒዙ ብወግዒ ቅድስቲ ተባሂላ ምእንቲ ኽትጽዋዕ ብዙሓት ሰባት ንቫቲካን ክሓቱ ጸኒሖም ኢዮም። ብዛዕባዚ ዝጠራጠር ሰብ እውን የለን።”—⁠ሳን⁠-​ሰንቲነል: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: 3 ጥቅምቲ 1997

 እታ ናይ ካቶሊክ ሚስዮናዊት ዝነበረት እመሆይ ተሬሳ ዝፈጸመቶ ሰብኣውን ግብረ⁠-​ሰናያውን ተግባራት ከም መርኣያ ናይ ሓቂ ቕድስና ጌርካ ይውሰድ ኢዩ። ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት እውን ፍሉይ ክብሪ ዝወሃቦም ሰባት ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ከም ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ⁠-​ክርስትያን ብወግዒ ቅዱሳን ኢለን ዝእውጃ ኻልኦት ሃይማኖታት ዳርጋ የለዋን።

ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ መንበረ⁠-​ጵጵስና ኻብ ዝቕመጡ ኣትሒዞም ን300 ዝዀኑ ሰባት “ቅዱሳን” ምዃኖም ብወግዒ ኣዊጆምሎም ኢዮም: እዚ ኸኣ ካብቶም ኣብ መበል 20 ዘመን ዝነበሩ ኻልኦት ጳጳሳት ብምሉኦም ዝኣወጁሎም ብዝሒ “ቅዱሳን” ዝዛይድ ኢዩ። a ነቶም ብሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ እኳ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይብሎም “ቅዱሳን” ብዘይ​ምሕላል ክንድዚ ተወፋይነት ዝግበረሎም ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖተር ዳም ዝዓዪ ናይ ሃይማኖት ምሁር ሎረንስ ካኒንግሃም “ኣብ ዓለም ቅድስና ኣሎ ዝብል ኣምር ንተገዳስነት ሰባት የለዓዕሎ ኢዩ። ቅዱሳን ሎሚውን እንተዀነ ጅግንነታዊ ናብራ ኽትነብር ከም እትኽእል መርኣያ ይዀኑ ኢዮም” በለ። ብዘይ​ዚውን “ቅዱሳን” ናብ ኣምላኽ ናይ ምቕራብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኸም ዘለዎም ስለ ዝእመነሎም: ብህይወት ዘለዉ ሰባት ከም ኣማለድቲ ገይሮም ይርእይዎም ኢዮም። ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣቝሑ ወይ ዓስከሬኖም ምስ ዝርከብ: ሓይሊ ኸም ዘለዎ ጌርካ ስለ ዝእመነሉ ኣኽቢርካ ኢዩ ዝተሓዝ።

ነቲ ዝጸንሐ ናይ ካቶሊክ እምነታት ንምድልዳል ኣብ መበል 16 ዘመን ኣብ እተገብረ ናይ ትምህርተ⁠-​ሃይማኖት ዋዕላ ትረንት ከምዚ ዝብል መግለጺ ወጺኡ ነይሩ:- “ነቶም ‘ብጐይታ ዝደቀሱ’ ቕዱሳን ከነኽብሮም: ብእኦም ኣቢልና ከነማልድ: ከምኡውን ነቲ ቕዱስ ቅርስታቶምን ነቲ ዓስከሬኖም ምስ ነደደ ዝተርፍ ሓሙዅሽትን ከነኽብሮ ኸም ዘሎና ኣብ መደምደምታ በጺሕና ኢና። እዚ ንኽብሪ ኣምላኽ ዘሕስር ዘይኰነስ ዘኽብሮ ኢዩ: ከመይሲ ሓደ ክርስትያን ነቲ ዝነኣድ ባህርያቶም ክቐድሕ ስለ ዝለዓዓል ተስፍኡ ህያው ትኸውንን ትድልድልን ኢያ።” (ዘ ካተኪዝም ኦቭ ዘ ካውንስል ኦቭ ትረንት: 1905) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ጽቡቕ ባህርያት ክህልዎም: ንኣምላኽ ብዝግባእ መገዲ ኽቐርብዎ: ከምኡውን ደገፉ ኽረኽቡ ብርግጽ ይደልዩ ኢዮም። (ያእቆብ 4:⁠7, 8) እምበኣር ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ናይ ሓቂ ቅዱሳን መን ኢዮም፧ እንታይ ዕማምከ ኢዩ ዘለዎም፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ ሮማ ካቶሊክ ብዅሎም ምእመናን ናይ ግድን ኣኽብሮት ክወሃቦም ኣለዎም ኢላ እትኣምነሎም ሰባት ምስ ሞቱ ብወግዒ “ቅዱሳን” ምዃኖም ትእውጀሎም ኢያ።