ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣዚና ነቕልብ’

‘ኣዚና ነቕልብ’

‘ኣዚና ነቕልብ’

“ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ: ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ።”—⁠እብራውያን 2:1

1. ሓሳባትካ ዝሰርቕ ነገራት ናብ ዕንወት ክመርሕ ከም ዝኽእል መረድኢ ሃብ።

 ብምኽንያት ሓደጋ ማኪና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ዓመት ዓመት 37,000 ዝዀኑ ሰባት ይሞቱ። መራሕቲ ማካይን ዝያዳ ኣቓልቦ እንተ ዝገብሩ: እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ክውገድ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይኣምኑ ኢዮም። ገሊኣቶም መራሕቲ መካይን ኣብ ጐደናታት ብዝርእይዎ ምልክታታት ወይ ከኣ በቲ ዝጥቀምሉ ሞባይል ተሌፎን ኣቓልቦኦም ይስረቕ ኢዩ። እናዘወሩ ኸለዉ ዝበልዑ እውን ኣለዉ። እዚ ዅሉ ኣቓልቦኻ ዝሰርቕ ነገራት ናብ ዕንወት ክመርሕ ይኽእል ኢዩ።

2, 3. ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት እንታይ ማዕዳ ኢዩ ዝሃቦም: እቲ ዝሃቦ ምኽሪ ግቡእ ዝነበረኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

2 ኣስታት 2,000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ሃዋርያ ጳውሎስ ንገሊኣቶም እብራውያን ክርስትያናት ዕንወት ዘስዓበሎም ኣቓልቦኻ ዝሰርቕ ነገራት ጠቒሱ ኣሎ። እቲ ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ካብ ኵሎም መላእኽቲ ልዕል ዝበለ ቦታ ተዋሂብዎ ኣብ የማን ኣምላኽ ከም እተቐመጠ ጳውሎስ ኣጕሊሑ ኣሎ። እቲ ሃዋርያ ቀጺሉ “ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ: ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ” ብምባል ገለጸ።​—⁠እብራውያን 2:1

3 እብራውያን ክርስትያናት ‘ናብቲ ብዛዕባ የሱስ ዝሰምዕዎ ነገራት ኣዝዮም ከቕልቡ’ ዘድለዮም ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ፈጺሙ ንሰማይ ካብ ዝዓርግ ዳርጋ 30 ዓመታት ኣቢሉ ዝኸውን ሓሊፉ ነይሩ። ጐይታኦም ምስ ከደ ገሊኣቶም እብራውያን ክርስትያናት ካብታ ናይ ሓቂ እምነት ክርሕቑ ጀሚሮም ነይሮም ኢዮም። በቲ ቅድሚ ክርስትያን ምዃኖም ዝነበሮም ኣምልኾ ኣይሁድነት ሓሳባቶም ይስረቕ ነበረ።

ኣዝዮም ከቕልቡ ኣድለዮም

4. ገሊኣቶም እብራውያን ክርስትያናት ናብ ኣይሁድነት ክምለሱ እተፈተኑ ስለምንታይ ኢዮም ክዀኑ ዝኽእሉ፧

4 ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ናብ ኣይሁድነት ክምለስ ተፈቲኑ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ዝነበረ ኣገባብ ኣምልኾ ብዙሕ ብዓይኒ ዝረአ ነገራት ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ሰባት ነቶም ካህናት ክርእይዎምን ነቲ ዝሓርር መስዋእትታት ከሸትትዎን ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ክርስትና ግን ካብዚ መዳያት እዚ እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። ንክርስትያናት ሊቀ ኻህናቶም የሱስ ክርስቶስ ኢዩ: ንሰላሳ ዓመታት ዝኸውን ግን ኣብ ምድሪ ኣይተራእየን። (እብራውያን 4:⁠14) ቤተ መቕደስ እኳ እንተ ነበሮም: ቦታኣ ግን ኣብ ሰማይ ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 9:⁠24) ናይ ክርስትያናት ግዝረት ከምቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኺዳን ዝነበረ ስጋዊ ግዝረት ዘይኰነስ “ግዝረት ልቢ” ዀይኑ “ብመንፈስ” ከኣ ኢዩ ዝፍጸም። (ሮሜ 2:29) እምበኣር ነቶም እብራውያን ክርስትያናት: ክርስትና ከም ሓደ ጭቡጥ ነገር ዘይብሉ ኰይኑ ተራእይዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

5. ጳውሎስ እቲ የሱስ ዘቘሞ ኣገባብ ኣምልኾ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኺዳን ዝነበረ ኣምልኾ እተፈልየ ከም ዝነበረ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

5 እብራውያን ክርስትያናት ከቕልብሉ ዝነበሮም ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እቲ የሱስ ዘቘሞ ኣገባብ ኣምልኾ ኣብ ዝርአ ነገር ዘይኰነስ ኣብ እምነት እተመርኰሰ ከም ዝዀነን ካብቲ ብነብዪ ሙሴ እተዋህበ ሕጊ ጸብለል ዝበለ ምዃኑን ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ደም ድቤላታትን ኣረውሕን ሓመዅስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ: ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ​ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ: ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ፧” (እብራውያን 9:13, 14) እወ: እቲ ኣብ መስዋእታዊ በጅነት የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምግባር ዝርከብ ሕድገት ሓጢኣት ካብቲ ኣብ ሕጊ ብመስዋእቲ እንስሳታት ዝግበር ዝነበረ ሕድገት ሓጢኣት ብብዙሕ መዳያት ኣጸቢቑ ጸብለል ዝበለ ኢዩ ነይሩ።​—⁠እብራውያን 7:⁠26-28

6, 7. (ሀ) እብራውያን ክርስትያናት ብህጹጽ ‘ናብቲ ዝሰምዕዎ ከቕልቡ’ ዝነበሮም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ንሰብ እብራውያን መልእኽቱ ኽጽሕፈሎም ከሎ የሩሳሌም ክትጠፍእ ክንደይ ግዜ ተሪፍዋ ነይሩ፧ (እግረ⁠-​ጽሑፍ ርአ።)

6 እብራውያን ክርስትያናት ናብቲ ብዛዕባ የሱስ ዝሰምዕዎ ነገራት ኣዝዮም ከቕልቡ ዝነበሮም ካልእ ምኽንያት እውን ነይሩ ኢዩ። የሩሳሌም ክትዓኑ ምዃና ኣቐዲሙ ነጊሩ ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ: ኪኸቡኺ: በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም። ዘመን ምሕረትኪ ሰኣን ምፍላጥክስ: ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ: እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሐድጉልክን እዮም።”​—⁠ሉቃስ 19:43, 44

7 እዚ መዓስ ኢዩ ኽፍጸም ነይርዎ፧ የሱስ መዓልትን ሰዓትን ኣይነገረን። ኣብ ክንድኡስ እዚ መምርሒ እዚ ኢዩ ሂብዎም:- “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ: ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ: ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ።” (ሉቃስ 21:20, 21) የሱስ እዚ ምስ በለ ድሕሪ 30 ዓመታት ኣቢሉ: ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣጥፍኡ: ኣቓልቦኦም ድማ ተሰርቀ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ማኪና እናመርሑ ኸለዉ ኸም ዘስገሉ ጌርካ ኽውሰድ ይከኣል ኢዩ። ኣተሓሳስባኦም እንተ ዘየዐርዮም: ካብ ጥፍኣት ዘምልጥሉ መገዲ ኣይነበረን። ይሕሰቡሉ ኣይሕሰቡሉ ብዘየገድስ: ጥፍኣት የሩሳሌም ኣንጠልጢሉ ኢዩ ነይሩ! እምበኣር ጳውሎስ ማዕዳ ዝሃበ: ነቶም ኣብ የሩሳሌም ብመንፈስ ደቂሶም ዝነበሩ ክርስትያናት ንኸነቓቕሖም ኢሉ ኢዩ። a

ሎሚ ‘ኣዚና ነቕልብ’

8. ናብቲ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ‘ኣዚና ኸነቕልብ’ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ሎሚ እውን ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ናብቲ ዝሰማዕናዮ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ‘ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና።’ ስለምንታይ፧ ከመይሲ ኣብዚ ግዜና እውን ንሓደ ህዝቢ ጥራይ ዘይኰነስ ንብምሉኡ እዚ ኣገባብ እዚ ጥፍኣት ክወርዶ ኢዩ። (ራእይ 11:⁠18፣ 16:⁠14, 16) የሆዋ ነዚ ስጕምቲ እዚ ዝወስደሉ መዓልትን ሰዓትን ከም ዘይንፈልጦ ርዱእ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠36) ይኹን እምበር: መፈጸምታ ናይቲ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ዝሕብር ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ንርእዮ ኢና ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) ስለዚ ካብቲ ኣቓልቦና ኽሰርቕ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገራት ክንሕሎ ይግብኣና። ናብ ቃል ኣምላኽ ከነቕልብን ናይ ህጹጽነት ስምዒት ከኣ ከነሕድርን ይግብኣና። ከምኡ ብምግባር ጥራይ ከኣ ኢና ‘ኻብቲ ዝመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ኽንረክብ እንኽእል።’​—⁠ሉቃስ 21:36

9, 10. (ሀ) ናብ መንፈሳዊ ነገራት ከም እነቕልብ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ቃል ኣምላኽ ‘ንእግርና መብራህቲ ንመገድና ኸኣ ብርሃን’ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

9 ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን እዚ ናብ መንፈሳዊ ነገራት “ኣዚና” ከም እነቕልብ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ ኸነርእየሉ እንኽእል መገዲ ኣብ ሰሙናዊ ይኹን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ብምክፋል ኢዩ። ናብቲ ደራሲኡ ዝዀነ የሆዋ ምእንቲ ኽንቀርብ ከኣ ትጉሃት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክንከውን ይግብኣና። (ያእቆብ 4:⁠8) ካብ ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ኣኼባታትን ብዛዕባ የሆዋ ፍልጠት እንተደኣ ቀሲምና: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንኣምላኽ “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ዝበሎ ክንብል ኢና።​—⁠መዝሙር 119:⁠105

10 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዝፍጸም ዕላማታት ኣምላኽ ክነግረና ኸሎ ‘ንመገድና ብርሃን’ ኰይኑ ኸገልግል ይኽእል ኢዩ። ‘ንእግርና እውን መብራህቲ’ ይዀነና ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ኣብ ህይወትና ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ከጋጥመና ኸሎ እንታይ ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ንኸነስተውዕል ይሕግዘና ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና መምርሒ ንምርካብ ምስ ኣመንቲ ብጾትና ኽንእከብ ከሎና ዀነ ቃል ኣምላኽ ብብሕቲ ኸነንብብ ከሎና ‘ኣዚና ከነቕልብ’ ኣድላዪ ዝኸውን። እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ንየሆዋ ባህ ዝብሎን ንልቡ ዘሐጕሶን ጥበባውን ጠቓምን ውሳነታት ንምግባር ይሕግዘና ኢዩ። (ምሳሌ 27:⁠11፣ ኢሳይያስ 48:⁠17) ካብቲ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ ምድላዋት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ኣብ ኣኼባታት ይኹን ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኣብ እንገብረሉ እዋን ኸየስገልና ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብኸመይ ክንከታተል ንኽእል፧

ኣብ ኣኼባታት ኣቓልቦና እነመሓይሸሉ መገዲ

11. ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምቕላብ ሓድሓደ ግዜ በዳሂ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

11 ሓድሓደ ግዜ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምቕላብ ቀሊል ኣይኰነን። ህጻን ምስ ዝበኪ ወይ ደንጕዩ ዝመጸ ሰብ ኮፍ መበሊ ክደሊ ኸሎ ኣእምሮና ብቐሊሉ ኸስግል ይኽእል። ምሉእ መዓልቲ ኽንሰርሕ ድሕሪ ምውዓልና ኣመና ኽንደክም ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ መድረኽ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ ክሳዕ ክንድዚ ብዙሕ ዘይስሕበና ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸይተረድኣና ሓሳባትና ኽህውትት ይጅምር: አረ ኽንታኸስ እውን ንኽእል ኢና! ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝወሃብ ጠቓሚ ሓበሬታ ኣብ ግምት ብምእታው ንናይ ምቕላብ ክእለትና ኸነመሓይሾ ይግብኣና። ይኹን እምበር: ከመይ ጌርና ኢና ኸምዚ ኽንገብር እንኽእል፧

12. ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኸነቕልብ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

12 ናብ ኣኼባታት ኣጸቢቕና ተዳሊና እንተደኣ ኼድና: መብዛሕትኡ ግዜ ብኣቓልቦ ንኽንከታተል ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ስለዚ: ንምንታይ ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝውሰድ ጽሑፋት ግዜ መዲብና ኣቐዲምና ዘይንዳለወሉ፧ ነቲ ንሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመደበ ምዕራፋት ንምሽፋን ኣብ መዓልቲ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ኢዩ ዘድሊ። ንናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ኰነ ንትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንምድላው ዝኸውን ግዜ ንምርካብ እውን መደብ ምግባር ጥራይ ኢዩ ዘድሊ። እነውጽኦ ዓይነት መደብ ብዘየገድስ: ተዳሊና ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምስ እንኸይድ ናብቲ ትምህርቲ ንኸነቕልብ ብርግጽ ክሕግዘና ኢዩ።

13. ነቲ ኣብ ኣኼባታት ዝወሃበና ትምህርቲ ብኣቓልቦ ንኽንከታተሎ ኽሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

13 ገሊኣቶም ጽቡቕ ገይሮም ኣብ ርእሲ ምድላዎም: ኣብ ጉባኤ ቕድሚት ኮፍ ምስ ዝብሉ ዝያዳ ንኸቕልቡ ይሕግዞም ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ናብቲ ተዛራባይ ምጥማት: ጥቕሲ ክንበብ ከሎ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ምክትታል: ከምኡውን መዘኻኸሪ ምጽሓፍ ገለ ኻብቲ ንኸይነስግል ክሕግዘና ዝኽእል መገድታት ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ዝሕግዘና ግን ንልብና ድሉው ምስ እንገብሮ ኢዩ። ሓቢርና እንእከበሉ ዕላማ ክንርድኦ ኣሎና። ምስ ኣመንቲ ብጾትና እንእከበሉ ቐዳማይ ምኽንያት ንየሆዋ ንምምላኽ ኢዩ። (መዝሙር 26:​12፣ ሉቃስ 2:⁠36, 37) ኣኼባታት ሓደ ኻብቲ ብመንፈስ እንምገበሉ ኣድላዪ መገድታት ኢዩ። (ማቴዎስ 24:​45-47) ኣብ ርእሲ እዚውን ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ኣብ ንሓድሕድና ንምስትብሃል’ ኣጋጣሚታት እንረኽበሉ ቦታ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 10:⁠24, 25

14. ንሓደ ኣኼባ ጽቡቕ ዘብሎ መምዘኒ እንታይ ኢዩ፧

14 ገሊኣቶም ነቲ ኣኼባ ብኽእለት ኣመሃህራ ናይቶም ክፍሊ ዘቕርቡ ሰባት ገይሮም ኢዮም ዝልክዕዎ። እቶም ተዛረብቲ ክኢላታት እንተደኣ ዀይኖም: ጽቡቕ ኣኼባ ኢዩ ነይሩ ንብል። ናይ ኣመሃህራ ጕድለት ዝነበረ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና ግን ብኣንጻሩ ንምልከቶ ንኸውን። እቶም ክፍሊ ዘለዎም ዘበሉ ልቢ ሰማዕቶም ንምትንካፍ ኣብ ኣመሃህራኦም እተኻእሎም ኵሉ ኽገብሩ ኸም ዘለዎም ፍሉጥ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16) እቶም ሰማዕቲ ዝዀንና ድማ ብዘየድሊ ነቐፍቲ ኽንከውን የብልናን። ክእለት ኣመሃህራ ናይቶም ክፍሊ ዘቕርቡ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: ንሓደ ኣኼባ ጽቡቕ ዘብሎ ግን ንሱ ጥራይ ኣይኰነን። እቲ ብዝያዳ ከነቕልበሉ ዘሎና ነገር ኣቀራርባ ናይቲ ተዛራባይ ዘይኰነስ ክሳዕ ክንደይ ንከታተል ምዃንናዶ ኸይኰነ፧ ኣብ ኣኼባታት እንእከብን ናብቲ ዝበሃል ነቕልብን እንተደኣ ዄንና ንኣምላኽ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ኢና ነምልኾ ዘሎና። እዚ ኸኣ ኢዩ ንሓደ ኣኼባ ጽቡቕ ከብሎ ዝኽእል። ፍልጠት ኣምላኽ ንምርካብ ንጽዕር እንተደኣ ዄንና: ክእለት ናይቲ ተዛራባይ ብዘየገድስ ካብቲ ኣኼባታት ክንጥቀም ኢና። (ምሳሌ 2:⁠1-5) ስለዚ ዝገበርና ጌርና ኣብ ኣኼባታትና ‘ኣዚና ንኸነቕልብ’ ቈራጽነት ንግበር።

ካብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም

15. መጽናዕትን ምስትንታንን ብኸመይ ኢዩ ክጠቕመና ዝኽእል፧

15 ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽንገብርን ከነስተንትንን ከሎና ‘ኣዚና ምስ እነቕልብ’ ኣጸቢቕና ኢና እንጥቀም። መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ምንባብን ብዛዕብኡ ምስትንታንን ነቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ኣብ ኣልባብና ንኽሰርጽ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ኢዩ ዝኸፍተልና። እዚ ድማ ኣብ ኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ። ፍቓድ የሆዋ ብምግባር ንኽንሕጐስ እውን ይሕግዘና ኢዩ። (መዝሙር 1:⁠2፣ 40:⁠8) ከነጽንዕ ከሎና ምእንቲ ኽንጥቀም እምበኣር: ነቲ ብኣቓልቦ ናይ ምክትታል ክእለትና ከነማዕብሎ ኸድልየና ኢዩ። ኣቓልቦና ብቐሊሉ ክስረቕ ይኽእል ኢዩ። ከም ናይ ተሌፎን ይኹን ናይ ካልእ ነገራት ድምጺ ዝኣመሰለ ናእሽቱ ነገራት ንኣቓልቦና ክሰርቆ ይኽእል ኢዩ። ወይ እውን ሓሳባትና እናወፈረ የሸግረና ይኸውን። ብመንፈስ ክንምገብ ዝብል ቅኑዕ ድራኸ ሒዝና ንብገስ: ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ሓሳባትና ናብ ካልእ ይገይሽ ይኸውን። ብሕታዊ መጽናዕቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ክንገብር ከሎና ‘ኣዚና ኸነቕልብ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16. (ሀ) ንናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ግዜ ክንምድብ ዘድልየና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ቃል ኣምላኽ ንምጽናዕ ብኸመይ ኢኻ ግዜ መዲብካ፧

16 መደብ ምግባርን ንመጽናዕቲ ዝምችእ ቦታ ምድላውን ጠቓሚ ኢዩ። መብዛሕትና ብሕት እንብለሉ ግዜን ቦታን ብቐሊሉ ኣይንረክብን ኢና። መዓልታዊ ናብራና ሃታሃታ ዝመልኦ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ብሕት እንብለሉ ግዜ ንምርካብ ክንቃለስ ኣሎና። ከነጽንዓሉ እንኽእል ምቹእ ኵነታት ባዕሉ ኽመጸና ኽንጽበ የብልናን። ኣብ ክንድኡስ ንመጽናዕቲ ዝኸውን ግዜ ብምምዳብ ነቲ ዅነታት ክንቈጻጸሮ ይግብኣና። (ኤፌሶን 5:⁠15, 16) ገሊኣቶም ኣብቲ ጽምው ዝብለሉ እዋናት ንግሆ ኢዮም ግዜ ዝምድቡ። ገሊኣቶም ከኣ ምሸት ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ዕሽሽ ከይበልና ብዛዕባ ኣምላኽን ወዱን ርጡብ ፍልጠት ምርካብና ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠3) ስለዚ ንናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ግዜ ንመድበሉ: ኣብቲ መደብና ኸኣ ዕጥይጥይ ኣይንበል።

17. ምስትንታን እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ ክጠቕመና ዝኽእል፧

17 ነቲ ብመጽናዕቲ ዝረኸብናዮ ፍልጠት ምስ እነስተንትነሉ ዓብዪ ረብሓ ኢና እንረክብ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓሳባት ኣምላኽ ኣብ ልብና ከም ዝሰርጽ ይገብሮ። ‘ገበርቲ ቓል ደኣ እምበር ሰማዕቲ ጥራይ ምእንቲ ከይንኸውን’ ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ይሕግዘና። (ያእቆብ 1:⁠22-25) ኣብ ርእሲ እዚውን: ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ንኽንሓስብን ኣብቲ ዘጽናዕናዮ ጽሑፍ ብኸመይ ጐሊሑ ከም ዘሎ ንኸነቕልብን ስለ ዘኽእለና: ምስ የሆዋ የቀራርበና ኢዩ።

18. ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት ኢና ጽቡቕ ጌርና ከነስተንትን እንኽእል፧

18 ካብ መጽናዕትን ምስትንታንን ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም: ነእምሮና ኻብቲ ኣቓልቦ ዝሰርቕ ነገራት ናጻ ኽንገብሮ የድልየና። ከነስተንትን ከሎና ሓድሽ ሓሳባት ምእንቲ ኽንቅበል: ነቲ ኣብ ናብራ ህይወት ዘጋጥም ኣቓልቦ ዝሰርቕ ነገራት ከነወግዶ የድልየና። እዚ ንምግባር ግን ግዜን ብሕት ምባልን ይሓትት። ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ መንፈሳዊ መግቢ እናተመገብካ ማያት ሓቂ ምስታይ ክንደይ ዘሐድስ ኰን ኢዩ!

19. (ሀ) ገሊኣቶም ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽገብሩ ኸለዉ ንኸየስግሉ ዝሓገዞም እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ መጽናዕቲ ዘሎና ኣመለኻኽታ ከመይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ: ካብዚ ኣድላዪ ንጥፈት እዚኸ እንታይ ረብሓታት ኢና ክንረከብ እንኽእል፧

19 ንሓጺር ግዜ ድሕሪ ምጽናዕና ብሓሳብ ክንወፍር እንተደኣ ጀሚርናኸ፧ ገሊኣቶም ንሕጽር ዝበለ ግዜ ጥራይ መጽናዕቲ ብምጅማር ቀስ እናበሉ ኸኣ ብምውሳኽ ነቲ ብኣቓልቦ ናይ ምክትታል ክእለቶም ከዕብይዎ ኽኢሎም ኢዮም። ዕላማና ኣብ መጽናዕቲ እኹል ግዜ ንምሕላፍ ደኣ እምበር ላዕለ ላዕሉ ጥራይ ንምንባብ ክኸውን የብሉን። ኣብቲ እነጽንዖ ጽሑፍ ዓሚቝ ተገዳስነት ከነማዕብል የድልየና። እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ብዘዳለዎ እተፈላለየ ጽሑፋት ጌርና ተወሳኺ ምርምር ክንገብር ንኽእል ኢና። ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ኣጸቢቕና ምስ እንምርምሮ ዓብዪ ጥቕሚ ኢና እንረክብ። (1 ቈረንቶስ 2:⁠10) ከምዚ ምግባርና ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠትን ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትና ንምዕባይን ይሕግዘና ኢዩ። (እብራውያን 5:⁠14) ቃል ኣምላኽ ተጊህና ምስ እነጽንዕ: ‘ንኻልኦት ክንምህር ኽንክእል ኢና።’​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:⁠2

20. ምስ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

20 ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንምምስራት ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባርን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 119:97) ስለዚ እምበኣር ዝገበርና ጌርና ኣብ ሰሙናዊ ዀነ ኣብ ኵሉ ዓበይቲ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ንተኣከብ። ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትን ምስትንታንን ዝኸውን ግዜ ኸኣ ንዓድግ። ናብ ቃል ኣምላኽ ‘ኣዚና ብምቕላብና’ ኸኣ ብዙሕ ክንባረኽ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a መልእኽቲ እብራውያን ብ61 ከ.ኣ.ዘ. ኢያ ተጻሒፋ ክትከውን እትኽእል። ሽዑ እንተደኣ ተጻሒፋ ኸኣ የሩሳሌም በቲ ብሰስትየስ ጋለስ ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት እተኸበት ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኢያ። እቲ ሰራዊት ብኡንብኡ ኣንሰሓበ እሞ ነቶም ንቑሓት ክርስትያናት ንኽሃድሙ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም። ብድሕሪኡ ኣርባዕተ ዓመት ጸኒሑ: እታ ኸተማ በቲ ኣብ ትሕቲ ጀነራል ቲቶስ ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ተደምሰሰት።

ትዝክሮዶ፧

• ገሊኣቶም እብራውያን ክርስትያናት ካብታ ናይ ሓቂ እምነት ዝርሕቑ ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧

• ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ክንከታተል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ካብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ምስትንታንን ንኽንጥቀም ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

እብራውያን ክርስትያናት ነቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ክወርድ ዝነበሮ ጥፍኣት ንቑሓት ኰይኖም ክጽበይዎ ነበሮም

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ንውሉዳቶም ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክጥቀሙ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም