ሓቂ ዘፍቅሩ መንእሰያት
ሓቂ ዘፍቅሩ መንእሰያት
ኣስታት 2,400 ዓመታት ኣቢሉ ሓደ እብራዊ ጸሓፍ መዝሙር “ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧” ኢሉ ሓተተ። (መዝሙር 119:9) ኣብዚ ግዜና መንእሰያት ብዙሕ ጸገማት ስለ ዘጋጥሞም: እዛ ሕቶ እዚኣ ሕጂውን ኣርዚንካ ትርአ ኢያ። ፍኑው ጾታዊ ርክብ ንብዙሓት መንእሰያት ንሕማም አይድስ ኣቃሊዕዎም ኣሎ: በዚ ዘስካሕክሕ ሕማም እዚ ኻብ እተታሕዙ ሰባት ልዕሊ ፍርቂ ዝዀኑ ኻብ 15 ክሳዕ 24 ኣብ ዘሎ ኽሊ ዕድመ ኢዮም ዝርከቡ። ሓሽሽ ምውሳድ ድማ ካልእ ዕምሪ መንእሰያት ዘሕጽር ጸገም ኰይኑ ኣሎ። ብዕሉግ ሙዚቃ: ዓመጽ ዝመልኦን ርኹስን ፊልምታት: መደባት ተለቪዥን: ቪድዮታት: ከምኡውን ብኢንተርነት ዝፍኖ ስእለ-ጽዩፍ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሕማቕ ጽልዋ የሕድር ኢዩ። ስለዚ: በቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝቐረበት ሕቶ ሕጂውን ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ወለድን መንእሰያትን ኣላ።
እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጸሓፍ መዝሙር ነታ ባዕሉ ዘበገሳ ሕቶ “ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ” ብምባል ይምልሳ። እወ: እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንመንእሰያት ዝኸውን ጽቡቕ መምርሒ ኣለዎ: ብዙሓት መንእሰያት ከኣ ነዚ ብምስዓቦም ኣብ ህይወቶም ኣሳልጦ ይረኽቡ ኣለዉ። (መዝሙር 119:105) ኣብዛ ደድሕሪ ባህታ እትጐዪን ፍቕረ-ንዋይ ዝወሓጣን ዓለም: ገለ ኻብቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ብመንፈስ ድማ ድልዱላት ኰይኖም ክነብሩ ዝጽዕሩ መንእሰያት እስከ ንርአ።
ብወለዶም ንዝወሃቦም ስልጠና የማስዉሉ
ያኮብ ኢማንወል ኣብቲ ኣብ ሜክሲኮ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣትዩ ቕድሚ ምግልጋሉ: ንእተወሰነ ዓመታት ፓይነር ብምዃን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተኻፊሉ ነይሩ። ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዝማዕበለ ኽገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ:- “እቶም ዝቐርቦም ዝነበርኩ ተመክሮ ዘለዎም መንፈሳውያን ኣሕዋት ብዙሕ እኳ እንተ ሓገዙኒ: እቶም ቀንዲ ጽልዋ ዘሕደሩለይ ግን ወለደይ ኢዮም ነይሮም። ዕዮ ስብከት ንኽፈቱ ድራኸ ኣሕዲሮምለይ ኢዮም። ቀስ እናበሉ በታ ቕንዕቲ መገዲ መሪሖምኒ ኢዮም፣ ጸቕጢ ዝገበሩለይ ኰይኑ እተሰምዓኒ እዋን ኣይነበረን።”
ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተወሰነ ዓመታት ዝገበረ ዴቪድ ድማ ንሱን ሓዉን ንኣሽቱ ኸለዉ ወለዱ ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ብምጅማሮም ዝገደፈሉ ጦብላሕታ ትዝ ይብሎ ኢዩ። ኣቦኡ ምስ ሞተ: ኣዲኡ ኣብቲ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ቀጺላ ኢያ። ኣብ ርእሲ እቲ ብስራት ንምስባኽ እተሕልፎ ግዜ ንደቃ እውን ትኣሊ ነበረት። ዴቪድ “ፓይነር ኰይነ ንኸገልግል ጸቕጢ ገይሮምለይ ኣይፈልጡን ኢዮም: እንተዀነ ግን ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ከሎና ኣብ ስድራቤትና ዝነበረ ምቅርራብን ሃዋሁን ኣዝየ እፈትዎ ስለ ዝነበርኩ ተመሳሳሊ ውሳነ ኽገብር ተለዓዓልኩ” በለ። ብዛዕባ እቲ ወለዱ ዝሃብዎ ጠቓሚ መምርሕን ዘርኣይዎ ሓልዮትን ክገልጽ ከሎ ኸኣ “ምሸት ምሸት ኣደይ ካብታ ፍሮም ፓራዳይዝ ሎስት ቱ ፓራዳይዝ ሪገይንድ a ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዛንታታት ተንብበልና ነይራ። ነቲ ዛንታ ጽቡቕ ገይራ ስለ እተዘንትወልና: ንመንፈሳዊ መግቢ ፍቕሪ ንኽሓድረና ሓጊዙ ኢዩ” በለ።
ንኣኼባታት ዘለዎም ሞሳ
ገሊኣቶም መንእሰያት ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝርከብ ጥቕሚ ኣይርድኦምን ኢዩ። ናብ ኣኼባ ዝኸዱ: ወለዶም ሒዞምዎም ስለ ዝኸዱ ጥራይ ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ኣኼባ ምክፋል
እንተ ቐጺሎም: ድሕሪ ግዜ ነቲ ኣኼባታት እናፈተዉዎ ይኸዱ። እቲ ወዲ 11 ዓመት ከሎ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጀመረ ኣልፍረዶ ዘሕለፎ ተመክሮ እሞ ንርአ። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ ናብ ኣኼባታት ክኸይድ ከሎ ትኽስ እኳ ይብል እንተ ነበረ: ወለዱ ኽድቅስ ዘየፍቅዱሉ ስለ ዝነበሩ: ናብ ኣኼባ ክኸይድ ኣይደልን ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ብምባል ድማ ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “እናዓበኹ ምስ ከድኩ: ቀስ ብቐስ ኣብ ኣኼባታት ተገዳስነት እናኣሕደርኩ ኸድኩ: ብፍላይ ከኣ ምንባብን ምጽሓፍን ከምኡውን ብናተይ ኣዘራርባ ሓሳብ ክህብ ምስ ጀመርኩ እናፈተኽዎ ኸድኩ።”ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና እተገልግል ጓል 17 ዓመት ሲንቲያ: ጽቡቕ ምሕዝነት ንኣገልግሎት የሆዋ ንኸተፍቅር ብኸመይ ዓብዪ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ ኸምዚ ብምባል ገለጸት:- “ምስ ኣሕዋት ዝነበረኒ ጽቡቕ ርክብን ስርዓታዊት ኰይነ ኣብ ኣኼባታት ምእካበይን ብዛዕባ እቶም ዓለማውያን ፈተውተይ ኰነ ብዛዕባ እቲ ኸም ለይታዊ ትልሂት ዝኣመሰለ መንእሰያት ዝዘናግዑሉ ነገራት ንኸይሓስብ ሓጊዙኒ ኢዩ። ኣብ ኣኼባታት ዝወሃብ ሓሳባትን ተመክሮታትን ብምስምዐይ: ንየሆዋ እታ ዘላትኒ ንኽህቦ ባህጊ ኣሕዲሩለይ ኢዩ። ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝበለጸ ነገር ገይረ ዝርእዮ ድማ ንእስነተይ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸውዕሎ መደብኩ።”
እንተዀነ ግን ከምዚ ብምባል እውን ትእመን ኢያ:- “ቅድሚ ምጥማቐይ ዕዮ ቤት ወይ ካልእ ናይ ቤት ትምህርቲ ንጥፈታት ከም ምኽኒት እናኣቕረብኩ ኻብ ኣኼባታት ምብኳር ዘብዛሕኩሉ እዋናት ነይሩ። ካብ ብዙሕ ኣኼባታት ስለ ዘብኰርኩ መንፈሳውነተይ ክትንከፍ ጀመረ። ምስ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየጽንዐ ወዲ ኽቀራረብ ጀመርኩ። ሳላ የሆዋ ግን ነዚ ጕዳይ እዚ ብኣጋኡ ኣረምክዎ።”
ብሕታዊ ውሳነ
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ ንየሆዋ ዘገልግል ዘሎ ፓብሎ: ንሓቂ ቃል ኣምላኽ ፍቕሪ ንኸተማዕብል ዝሕግዝ ኣገዳሲ ነጥብታት እንታይ ምዃኑ ምስ ተሓተተ: ከምዚ ብምባል መለሰ:- “ክልተ ነገራት ይመስለኒ። እዚ ኸኣ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንዕዮ ስብከት ቅንኢ ምህላውን ኢዩ። ወለደይ ብዛዕባ የሆዋ እቲ ሓቂ ብምምሃሮም አማስወሉ ኢየ: ካብ ዝሃቡኒ ነገራት ከኣ እዚ እቲ ዝበለጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: ንየሆዋ ስለምንታይ ከም ዘፍቅሮ ብብሕቲ ኽኣምነሉ ነይሩኒ። ነዚ ንምግባር ከኣ ‘ምንዋሕን ምዕማቝን’ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኽንፈልጥ ይግብኣና። በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢና ንቓል የሆዋ ባህጊ ኸነሕድር እንኽእል፣ እዚውን ብግደኡ ኸም ‘ዝነድድ ሓዊ’ ብምዃን ንኻልኦት ንኽንነግሮም የለዓዕለና ኢዩ። እቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ዘሎና ቕንኢ ንሓቂ ዝነበረና ሞሳ እናዓበየ ንኽኸይድ ይሕግዝ ኢዩ።”—ኤፌሶን 3:18፣ ኤርምያስ 20:9
እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ያኮብ ኢማንወል እውን ንየሆዋ ንምግልጋል ብሕታዊ ውሳነ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። ወለዱ ንኽጥመቕ ጸቕጢ ኸም ዘይገበሩሉ ኽገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “ሕጂ ጽቡቕ ፍረ እርኢ ስለ ዘለኹ እዚ ዝጠቐመኒ ይመስለኒ። ንኣብነት: ገሊኣቶም ኣጸቢቐ ዝቐርቦም ዝነበርኩ መንእሰያት ኣብቲ እተጠመቕኩሉ እዋን ንኽጥመቑ ወሰኑ። እዚ ጌጋ እኳ እንተ ዘይኰነ: ገሊኣቶም ግን ብስምዒት ተመሪሖም ከም ዝወሰኑ ኣስተውዒለ ኢየ: ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ ንንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበሮም ቅንኢ ዘሓለ። ንዓይ ግን ህይወተይ ንየሆዋ ንኽውፊ ወለደይ ጸቐጢ ኣይገበሩለይን። ብብሕተይ ኢየ ውሳነ ገይረ።”
ጉባኤ ዘለዋ ግደ
ገለ መንእሰያት ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ብዘይሓገዝ ወለዶም ባዕላቶም ኢዮም ተማሂሮምዎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ነቲ ቕኑዕ መገዲ ኽትመሃርን ጸኒዕካ ብእኡ ምምልላስን ቀሊል ኣይኰነን።
ኖዪ ኻብ ሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተጠቕመ ገሊጹ ኣሎ። ንእሽቶ ኸሎ ብቐሊሉ ይቝጣዕን ሓይሊ ይጥቀምን ነበረ። ወዲ 14 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመረ: ናይ ምቝጣዕ ባህሪኡ ኸመሓይሽ ጀመረ: እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘይነበሮም ወለዱ ኸኣ በዚ ኣዝዮም ተሓጐሱ። ብመንፈስ እናዓበየ ምስ ከደ: ንህይወቱ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብዝያዳ ኽጥቀመሉ ደለየ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ ኣሌኻንድሮ ገና ንእሽቶ ኸሎ ኣብ ክርስትያናዊ ሓቂ ተገዳስነት ከርኢ ጀመረ፣ እንተዀነ ግን ወለዱ ተገዳስነት ኣይነበሮምን። ንሓቂ ዘለዎ ሞሳ ድማ ኸምዚ ብምባል ገለጸ:- “ስድራቤተይ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኢዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኻብ ቘልዕነተይ ኣትሒዙ ዘጨንቐኒ ዝነበረ ሕቶታት ስለ ዘይመለሰትለይ: ናብቲ ኣምላኽ የለን ዝብል ናይ ኮምዩኒዝም እምነት ዘንበልኩ። ማሕበር የሆዋ ግን ፍልጠት ኣምላኽ ንኸጥሪ ሓገዘትኒ። እዚ ቓል ብቓሉ ንህይወተይ ኣድሒንዋ ኽብል እኽእል ኢየ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘየጽንዕ ነይረ: ኣብ ርኽሰት: መስተ: ወይ ኣብ ሓሽሽ ምጠሓልኩ ነይረ። ምናልባት እውን ኣባል ናይ ገሊኡ ሰውራዊ ውድባት ምዀንኩ እሞ እዚ ድማ ዘሕዝን ሳዕቤን ምሃለዎ ነይሩ።”
ሓደ መንእሰይ ከይተሓለለ ንሓቂ ኸናድን ብዘይ ናይ ወለዱ ደገፍ ንሓቂ ኣጽኒዑ ኽሕዝን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ሽማግለታትን ካልኦት ኣባላት ጉባኤን ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኖዪ ከምዚ ብምባል ብዛዕባዚ ዘለዎ ተዘክሮ ይገልጽ:- “የሆዋ ወትሩ ኣብ ቀረባይ ስለ ዝዀነ: ደገፍ ዝሰኣንኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም ብመንፈስ ኣቦታትን ኣዴታትን ኣሕዋትን ዝዀኑኒ ሓያሎ ፈቃራት ኣሕዋትን ኣሓትን ደገፍ ገይሮምለይ ኢዮም።” ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ቤትኤል ኢዩ ዘገልግል ዘሎ: ግዜኡ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ የውዕሎ ኣሎ። ኣሌኻንድሮ እውን ከምዚ በለ:- “ሓደ ኻብቲ ወትሩ ዘማስወሉ ነገር ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ሽማግለታት ብብሕቲ ፍቕራዊ ሓልዮት ዘርእዩኒ ምዃኖም ኢዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክምርሓለይ ዝጀመረ ወዲ 16 ዓመት ከለኹ ብምንባሩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ከም ካልኦት መንእሰያት ህዉጽ ኢየ ነይረ: ስለዚ ኸኣ ኢየ ነቲ ሓገዝ ኣጸቢቐ ዘማስወሉ። ደገፍ ናይቶም ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ ስድራቤታት እውን ኣይተፈልየንን። መርሓባ ኢሉ ኣብ ገዝኡ ዝቕበለንን መንበርን መግብን ዝልግስ ጥራይ ዘይኰነስ ልቡ እውን ዝህበኒ ሰብ ኣይሰኣንኩን።” ኣሌኻንድሮ ኽሳዕ ሕጂ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ልዕሊ 13 ዓመታት ገይሩ ኣሎ።
ገሊኣቶም ሰባት ሃይማኖት ብዕድመ ንዝደፍኡ ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝሓስቡ። ይኹን እምበር: ብዙሓት መንእሰያት ገና ብንኣሽትኦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተማሂሮምን ንየሆዋ ኣፍቂሮምዎን እሙናቱ ዀይኖምን ኢዮም። እቲ ኣብ መዝሙር 110:3 ዝርከብ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃላት ዳዊት ኣብዞም መንእሰያት እዚኣቶም ይውዕል ኢዩ:- “በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ: ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ።”
መንእሰያት ሓቂ ንኽመሃሩን ኣጽኒዖም ንኽሕዝዋን ጻዕርን ቈራጽነትን ይሓቶም ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዙሓት መንእሰያት ምስ ማሕበር የሆዋ ጠቢቖም ክመላለሱ: ኣብ ኣኼባታት ስርዓታውያን ዀይኖም ክካፈሉ: ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ከጽንዑ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ከምዚ ብምግባሮም ድማ ንቓልን ኣገልግሎትን ኣምላኽ ናይ ሓቂ ፍቕሪ የሕድሩ ኣለዉ።—መዝሙር 119:15, 16
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብ1958 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኰይና ሕጂ ኣይትሕተምን ኢያ ዘላ።