ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መዳልያ ተሸሊማ

ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መዳልያ ተሸሊማ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መዳልያ ተሸሊማ

 ናይ ፊንላንድ ሚኒስትሪ ኣከባቢ ንዓመት 2000 “ዓመት ገጸ⁠-​ምድሪ” ክትከውን ወሲኑ ነይሩ። ሓደ ኻብቶም ኣወሃሃድቲ “እዚ ኣርእስቲ ናይዛ ዓመት ኰይኑ እተመርጸሉ ምኽንያት: ኣብ ከባቢና ዝርከብ ሓምላይ ትርኢት ኣብ መዓልታዊ ህይወትናን ኣብ ጥዕናናን ዘለዎ ጽልዋ ንዅላትና ንምዝኽኻር ኢዩ” በለ።

ብ12 ጥሪ 2001 ካብቲ ማሕበር ገጸ⁠-​ምድሪ ኢንዱስትሪታት ፊንላንድ እተላእከት ደብዳበ ናብቲ ኣብ ፊንላንድ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጸት። እታ ደብዳበ ኣብ ቲኩሪላ እትርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ንድፍን ብግቡእ እተታሕዘ ስፍራ ኣታኽልትን ስለ ዘለዋ ሓንቲ ኻብተን ናይታ ዓመት ተዓወትቲ ሽልማት ምዃና ዝገልጽ ኢዩ። “ክረምቲ ዀነ ሓጋይ እቲ ቐጽሪ ባህ ዘብል: ንኽትርእዮ ዘሐጕስ: ከምኡውን ብጽፈት ዝተሓዝ” ምዃኑ እውን ኣብታ ደብዳበ ተገሊጹ ኢዩ።

እቲ ናይ ምሽላም ስነ⁠-​ስርዓት ኣብ ታምፐር: ፊንላንድ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሮዘንዳል: 400 ክኢላታትን ነጋዶን ኣብ እተረኽብሉ ኢዩ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዋሂቡ። እቲ ማሕበር ገጸ⁠-​ምድሪ ኢንዱስትሪታት ፊንላንድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኸምዚ ዝስዕብ በለ:- “ኣብ እተፈላለየ ኽፋል እዛ ሃገር ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዳርጋ ዅሉ ጽቡቕ ንድፊ ኢዩ ዘለዎ። በቲ ነቲ ኣከባቢ ዝግበር ክንክን ዘይግረም ሓላፍ መገዲ ዳርጋ የለን። ኣብ ቲኩሪላ እትርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሓንቲ ኣብነት ናይቲ ጽቡቕ ስፍራ ኣታኽልቲ ዘለዎ ቦታታት ኢያ። እቲ ህንጻ ዀነ ኣብቲ ከባቢኡ ዘሎ ሰፊሕ ቦታ ህድኣት ዝመልኦን ባህ ዘብልን ኢዩ።”

ኣብ ፊንላንድ 233 ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣሎ: ዝበዝሕ ከኣ ብምልኩዕ ስፍራ ኣታኽልቲ እተኸበ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነዚ ቦታታት እዚ ብሓቂ ዘመልክዖ ነገር: ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወሃበሉ ቦታን ብምዃኑ ኢዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኻብ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዛይዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝእከቡሉ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ ዝፍቶ ቦታ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ብትግሃት ዝከናኸንዎ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ዝመጽእ መርሓባ ኢልና ኢና እንቕበሎ!