ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መወዳእታ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ እዙዝ ኩን

መወዳእታ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ እዙዝ ኩን

መወዳእታ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ እዙዝ ኩን

“[ንሺሎ ] ህዝብታት ይእዘዝዎ።”​—⁠ዘፍጥረት 49:10

1. (ሀ) ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንየሆዋ ተኣዛዝነት ምርኣይ ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓልል ነበረ፧ (ለ) ያእቆብ ብዛዕባ ተኣዛዝነት እንታይ ትንቢት ኢዩ እተነበየ፧

 ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንየሆዋ ምእዛዝ ክበሃል ከሎ መብዛሕትኡ እዋን ንወኪላቱ እዙዝ ምዃን ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ገለ ኻብቶም ወኪላቱ መላእኽቲ: ርእሲ ኣቦታት: መሳፍንቲ: ካህናት: ነብያት: ከምኡውን ነገስታት ይርከብዎም። ዝፋን ነገስታት እስራኤል: ዝፋን የሆዋ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። (1 ዜና መዋእል 29:⁠23) እቲ ዘሕዝን ግን መብዛሕትኦም ገዛእቲ ህዝቢ እስራኤል ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን: በዚ ኸኣ ኣብ ርእሶምን ኣብ ተገዛእቶምን መዓት ኣምጽኡ። የሆዋ ግን ነቶም እሙናቱ ብዘይ​ ተስፋ ኣይሓደጎምን። ዘይሓልፍ ንጉስ ከም ዘቕውምን ጻድቃን ከኣ ንእኡ ባህ ኢልዎም ከም ዝእዘዝዎን ብምግላጽ መጸናንዒ ሃቦም። (ኢሳይያስ 9:⁠6, 7) እቲ ሓደ ኻብቶም ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ ያእቆብ ክመውት ምስ ቀረበ ብዛዕባ እዚ ናይ መጻኢ ገዛኢ ኸምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ: ካብ ይሁዳ በትሪ: ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይዝምብልን። ህዝብታት ይእዘዝዎ።”​—⁠ዘፍጥረት 49:10

2. “ሺሎ” እንታይ ማለት ኢዩ: ንጉሳዊ ግዝኣቱኸ ንመን ዘጠቓለለ ኢዩ፧

2 እታ “ሺሎ” እትብል ቃል ናይ እብራይስጢ ስያመ ዀይና “እቲ ዝውንን” ወይ “እቲ ናቱ ዝዀነ” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። እወ: ሺሎ እቲ ብበትሪ እተመሰለ ምሉእ ናይ ምግዛእ መሰልን ብዘንጊ ገዛኢ እተመሰለ ናይ ምእዛዝ ስልጣንን ክወርስ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ያእቆብ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ዅሎም “ህዝብታት” እውን ኢዩ ዝነግስ። እዚ ኸኣ ምስቲ የሆዋ ንኣብርሃም “ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ብምባል ዝኣተወሉ መብጽዓ ዝሰማማዕ ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:17, 18) ብ29 ከ.ኣ.ዘ. የሆዋ ንየሱስ ብዓል ናዝሬት ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ብምቕባእ: መንነት ናይቲ “ዘርኢ” ኣረጋጊጹልና ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 3:⁠21-23, 34፣ ገላትያ 3:⁠16

መጀመርታ መንግስቲ የሱስ

3. የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ እንታይ ግዝኣት ኢዩ እተዋህቦ፧

3 የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ: ብኡንብኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዓለም ዘንጊ ገዛኢ ኣይተዋህቦን። (መዝሙር 110:⁠1) ይኹን እምበር: ኣብ ልዕሊ እቶም ዝእዘዝዎ ግዙኣቱ “መንግስቲ” ተዋሂቡዎ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ መንግስቲ እቲኣ “[ኣምላኽ ነቶም ብመንፈስ እተቐባእና ክርስትያናት] ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና: ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና” ብምባል ጠቒስዋ ኣሎ። (ቈሎሴ 1:⁠13 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ኣብዚ ኣውጺኡና ብምባል ተጠቒሱ ዘሎ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም እሙናት ሰዓብቲ የሱስ ምስ ፈሰሰ ኢዩ ጀሚሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠1-4፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠9

4. ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ተኣዛዝነት ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም: የሱስከ ብጕጅለ ደረጃ እንታይ ኢሉ ጸውዖም፧

4 እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ደቀ መዛሙርቲ “ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት” ከም ምዃኖም መጠን ኣብታ መንፈሳዊት መንግስቲ “ደቂ ዓዶም” ዝዀኑ ኻልኦት ሰባት ብተኣዛዝነት ክእክቡ ጀመሩ። (2 ቈረንቶስ 5:⁠20፣ ኤፌሶን 2:⁠19፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) ኣብ ርእሲ እዚውን ሞገስ ናይቲ ንጉሶም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንምርካብ: ‘ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክጋጠሙ’ ነበሮም። (1 ቈረንቶስ 1:⁠10) ብጕጅለ ደረጃ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ወይ እሙን መጋቢ ኣቘሙ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45፣ ሉቃስ 12:⁠42

ነቲ ናይ ኣምላኽ “መጋቢ” እዙዛት ብምዃኖም እተባረኹ

5. ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ኢዩ ዝምህሮም ዝነበረ፧

5 የሆዋ ወትሩ ንህዝቡ መምህራን የዳልወሎም ኢዩ። ንኣብነት: ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ምስ ተመልሱ: እዝራን ብዙሓት ብቕዓት ዝነበሮም ሰባትን ንህዝቢ የሆዋ ቃል ኣምላኽ ኣንቢቦምሎም ጥራይ ዘይኰነስ: ምእንቲ ‘ኸስተውዕልዎ ገሊጾምሎም’ እውን ኢዮም።​—⁠ነህምያ 8:⁠8

6, 7. እቲ ኽፍሊ ባርያ ብኣመሓዳሪ ኣካሉ ኣቢሉ በብግዜኡ መንፈሳዊ መግቢ ዘቕረበ ብኸመይ ኢዩ: ነቲ ኽፍሊ ባርያ ኽንግዝኦ ዝግባእከ ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብ49 ከ.ኣ.ዘ. ብዛዕባ ግዝረት ክርክር ምስ ተላዕለ: ኣመሓዳሪ ኣካል ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ኽፍሊ ባርያ ነቲ ጕዳይ ብጸሎት ድሕሪ ምምርማሩ ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መደምደምታ በጽሐ። ውሳነኦም ብደብዳበ ምስ ገለጹ: እተን ጉባኤታት ነቲ መምርሒ ተቐበላ: ብዙሕ በረኸት እውን ረኸባ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:​6-1522-2916:⁠4, 5) ብተመሳሳሊ ኣብዚ ግዜና እቲ እሙን ባርያ ብኣመሓዳሪ ኣካል ኣቢሉ ኸም ክርስትያናዊ ገለልትነት: ቅድስና ደም: ሓሽሽን ትምባኾን ዘይምጥቃም: ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ጕዳያት ብዝያዳ ኣነጺርዎ ኢዩ። (ኢሳይያስ 2:⁠4፣ ግብሪ ሃዋርያት 21:​25፣ 2 ቈረንቶስ 7:⁠1) የሆዋ ድማ ነቶም ንቓሉን ነቲ እሙን ባርያኡን እተኣዘዙ ህዝቡ ባሪኽዎም ኢዩ።

7 ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ኽፍሊ ባርያ ተገዛእቲ ብምዃኖም ነቲ ጐይታኦም የሱስ ክርስቶስ ከም ዝግዝኡ ኢዮም ዘርእዩ። ከምቲ ያእቆብ ክመውት ምስ ቀረበ ኣብ እተነበዮ ትንቢት ዝገለጾ: የሱስ ኣብዚ ግዜና ስልጣኑ ስለ ዘስፍሐ: ንዕኡ እነርእዮ ተገዛእነት ሕጂ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ሺሎ እቲ ዝግብኦ ገዛኢ ምድሪ ዀነ

8. ንክርስቶስ እተዋህቦ ስልጣን ዝሰፍሐ ብኸመይን መዓስን ኢዩ፧

8 ያእቆብ ኣቐዲሙ ንሺሎ “ህዝብታት ይእዘዝዎ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። እምበኣር ግዝኣት የሱስ ኣብ መንፈሳውያን እስራኤል ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። እሞ ደኣ ንመን ዘጠቓልል ኢዩ፧ ራእይ 11:⁠15 “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን ኰይና እያ” ብምባል ትምልሰልና። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ እተን ብትንቢት እተገልጻ “ሾብዓተ ግዝያት” ወይ “ዘመናት ኣህዛብ” ብ1914 ምስ ተወድኣ ስልጣን ከም እተቐበለ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ። a (ዳንኤል 4:⁠16, 17፣ ሉቃስ 21:⁠24) ኣብታ ዓመት እቲኣ ብዓይኒ ዘይርአ “ህላወ” እቲ መሲሓዊ ንጉስ ጀመረ: ‘ኣብ ማእከል ጸላእቱ ንኽገዝእ’ ድማ ግዜኡ ኣኸለ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠3 NW፣ መዝሙር 110:⁠2

9. የሱስ መንግስቲ ምስ ተቐበለ እንታይ ገበረ: ብተዘዋዋሪ መገዲኸ ኣብ ደቅሰብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ኢዩ ኣስዒቡ፧

9 የሱስ ንጉሳዊ ስልጣኑ ምስ ተቐበለ ብቐዳምነት ዝገበሮ ነገር ነቲ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ዘይእዙዝ ዝዀነ ሰይጣንን ንኣጋንንቱን “ናብ ምድሪ” ምድርባይ ኢዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኣቶም ነዚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሃዋሁ ንየሆዋ ንኽንእዘዝ ኣዝዩ ኸቢድ ከም ዝኸውን ገይሮምዎ ጥራይ ዘይኰኑስ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ እውን እዚ ዘይበሃል መዓት ኣምጺኦም ኢዮም። (ራእይ 12:⁠7-12፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) እቶም “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ቅቡኣት የሆዋ ከምኡውን እቶም ብጾቶም “ኻልኦት ኣባጊዕ” ቀንዲ ዒላማ ሰይጣን ኰይኖም ኣለዉ።​—⁠ራእይ 12:⁠17፣ ዮሃንስ 10:⁠16

10. ኣየናይ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜኡ ብምርካቡ ኢዩ ሰይጣን ምስ ክርስትያናት ዝገብሮ ውግእ ከም ዘይሰለጦ ዝሕብረና፧

10 ይኹን እምበር: ሰይጣን ንጥፍኣት ተመጥዩ ኢዩ: ‘ኣብ መዓልቲ ጐይታ’ ንነብር ስለ ዘሎና ኸኣ የሱስ ‘ንኽስዕር’ ዝዓግቶ የለን። (ራእይ 1:⁠10፣ 6:⁠2) ንኣብነት: እቲ ምሕታም ናይቶም 144,000 መንፈሳውያን እስራኤል ከም ዝዛዘም ክገብር ኢዩ። ነቶም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ” እውን ከዕቍቦም ኢዩ። (ራእይ 7:1-4, 9, 14-16) እንተዀነ ግን: እዚኣቶም ከምቶም ቅቡኣት ብጾቶም ዘይኰኑስ ምድራውያን ተገዛእቲ የሱስ ኢዮም ክዀኑ። (ዳንኤል 7:⁠13, 14) እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ምዃኖም ሺሎ ብሓቂ ገዛኢ “መንግስቲ ዓለም” ከም ዝዀነ ጭቡጥ መርትዖ ኢዩ ዝዀነና።​—⁠ራእይ 11:⁠15

ሕጂ ‘ንወንጌል እንእዘዘሉ’ እዋን ኢዩ

11, 12. (ሀ) ኣብ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ዝድሕኑ መን ጥራይ ኢዮም፧ (ለ) እቶም “መንፈስ ዓለም” ዝጸለዎም ሰባት እንታይ ባህርያት ኢዮም ዘንጸባርቑ፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ “ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን” ካብ መዓልቲ ሕነ ኣምላኽ ከም ዘይድሕኑ ብንጹር ስለ ዝገልጽ: ኵሎም እቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ዝደልዩ እዙዛት ክዀኑ ኣለዎም። (2 ተሰሎንቄ 1:8) ይኹን እምበር: እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብን እቲ ሰፊኑ ዘሎ ምስ ሕግታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረር ዓለወኛ መንፈስን ንወንጌል ንምእዛዝ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነና ዝገብር ኢዩ።

12 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ናይ ምዕላው መንፈስ: “መንፈስ ዓለም” ብምባል ኢዩ ዝገልጾ። (1 ቈረንቶስ 2:⁠12) ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ኽገልጽ ከሎ: ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ: ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር [ተመላለስኩም።] . . . ንሕና ዅላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና: ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና: ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና።”​—⁠ኤፌሶን 2:2, 3

13. ክርስትያናት ንመንፈስ ዓለም ክጻረርዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም: እንታይ ረብሓታትከ ኢዮም ዝረኽቡ፧

13 እቲ ዘሐጕስ ግን ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ባሮት እቲ መንፈስ ዘይምእዛዝ ኰይኖም ኣይቀጸሉን። ኣብ ክንድኡስ ንመንፈስ ኣምላኽ ስለ እተገዝኡ: እቲ ጥዑይ ፍረ ብምፍራዮም እዙዛት ደቂ ኣምላኽ ኰይኖም ኢዮም። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ሎሚውን ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ ኣድማስ ዝበርትዐ ሓይሊ: መንፈስ ኣምላኽ: ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት “ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋ” ኸም ዝህልዎም ብምግባር ንኣምላኽ ንኽእዘዙ ይሕግዞም ኣሎ።​—⁠እብራውያን 6:⁠11፣ ዘካርያስ 4:⁠6

14. የሱስ ነቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እንነብር ክርስትያናት ተኣዛዝነትና ዝፍትን ነገራት ብዝርዝር ብምግላጽ ዘነቓቕሓና ብኸመይ ኢዩ፧

14 ሺሎን ኣቦኡን ዝዀነ ይኹን ጸላኢ ማለት ኣጋንንቲ ዀኑ ሰባት ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽፍትኑና ኸም ዘይፈቕዱ እውን ኣይትረስዕ። (1 ቈረንቶስ 10:⁠13) ስለዚ ድማ ኢዩ የሱስ ኣብቲ ብመንፈስ እንገብሮ ውግእ ምእንቲ ኽሕግዘና ኢሉ ኣብ ዳሕሮት መዓልታት ዘጋጥመና በብዓይነቱ ጸገማት ብዝርዝር ዝጠቐሰ። እዚ ኸኣ ኣብተን ንሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ዝገለጸሉ ሸውዓተ መልእኽትታት ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 1:⁠10, 11) እዘን መልእኽታት እዚኣተን ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣገዳሲ ምኽሪ ሒዘን እኳ እንተ ነበራ: ብቐንዱ ግን “ብመዓልቲ ጐይታ” ማለት ካብ 1914 ኣትሒዘን ኢየን ዘድልያ። ስለዚ ነዚ መልእኽትታት እዚ ብዝያዳ ኣቓልቦ ኽንህቦዶ ኣይግብኣናን፧ b

ዘይምግዳስን ርኽሰትን ፍቕረ⁠-​ንዋይን ኣርሕቕ

15. እቲ ንጉባኤ ኤፌሶን ዝጸለዋ ነገር ከይጸልወና ኽንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ: ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ (2 ጴጥሮስ 1:⁠5-8)

15 እታ የሱስ መጀመርታ ዝለኣኻ መልእኽቲ ንጉባኤ ኤፌሶን ኢያ ነይራ። የሱስ ነታ ጉባኤ ስለቲ ዘርኣየቶ ትዕግስቲ ድሕሪ ምንኣድ “ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ” በለ። (ራእይ 2:1-4) ሎሚውን ገለ ቐናኣት ዝነበሩ ክርስትያናት ንኣምላኽ ዝነበሮም ውዕዉዕ ፍቕሪ ኣጥፊኦም ኢዮም። እቲ ዝነበረ ፍቕሪ እንተ ነክዩ: ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበረ ርክብ ስለ ዘዳኽሞ ብቕልጡፍ ኣቓልቦ ኽግበረሉ ይግባእ። እንተዀነ ግን እታ ፍቕሪ ኸመይ ጌርካ ኸም ብሓድሽ ሃልሃል ክትብል ትኽእል፧ ወትሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር: ኣብ ኣኼባታት ብምእካብ: ብጸሎት: ከምኡውን ብምስትንታን ክግበር ይከኣል ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:⁠3) ልክዕ ኢዩ: እዚ ‘ምግዳል’ ዝሓትት ኢዩ: እንተዀነ ግን ጻዕሪ ኽንገብረሉ ዝግባእ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 1:⁠5-8) ገዛእ ርእስኻ ምስ መርመርካ ፍቕርኻ ከም ዝዘሓለት እንተ ተሰሚዑካ: ነቲ የሱስ “ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ: ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ብምስማዕ ኵነታትካ ብቕልጡፍ ኣዐሪ።​—⁠ራእይ 2:⁠5

16. ኣብ ጉባኤታት ጴርጋሞስን ትያቲራን እንታይ ንመንፈሳውነት ሕማቕ ጽልዋ ዝገብር ነገራት ኢዩ ነይሩ: የሱስ ነተን ማሕበራት እተዛረበን ቃላት ነዚ ግዜና እውን ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ኣብ ጴርጋሞስን ትያቲራን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ብንጽህናኦምን ትዕግስቶምን ቅንኦምን ተናኢዶም ኢዮም። (ራእይ 2:⁠12, 13, 18, 19) ይኹን እምበር: እቶም መንፈስ በላዓምን ኢዛቤልን ዘንጸባርቑ ዝነበሩ ውልቀ⁠-​ሰባት ጸልዮምዎም ኢዮም፣ በላዓምን ኢዛቤልን ብጾታዊ ርኽሰትን ብኣምልኾ በዓልን ገይሮም ንጥንታዊት እስራኤል ከም ዘበላሸዉዋ ዝዝከር ኢዩ። (ዘሁልቍ 31:⁠16፣ 1 ነገስት 16:⁠30, 31፣ ራእይ 2:⁠14, 16, 20-23) ብዛዕባ እዚ ዘሎናዮ ‘መዓልቲ ጐይታኸ’ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ሕማቕ ጽልዋ ዘሕድሩ ሰባት ኣለዉዶ፧ እወ: ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ተግባራት ሓደ ኻብቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዝውገዱሉ ቐንዲ ምኽንያታት ኢዩ። ስለዚ ምስቶም ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዝርከቡ ዀነ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሕማቕ ጽልዋ ኸሕድሩልና ዝኽእሉ ሰባት ርክብ ክንገብር ኣይግባእን። (1 ቈረንቶስ 5:⁠9-11፣ 15:⁠33) እቶም ንሺሎ ኽእዘዝዎ ዝደልዩ ዘተሓታትት መዘናግዒ ዀነ ብጽሑፍን ብኢንተርነትን ዝዝርጋሕ ስእለ⁠-​ጽዩፍ ኣይርእዩን ኢዮም።​—⁠ኣሞጽ 5:⁠15፣ ማቴዎስ 5:⁠28, 29

17. እቶም ኣብ ሳርዴስን ሎዲቅያን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝነበሮም ኣረኣእያ ምስቲ የሱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዅነታቶም ዝነበሮም ኣረኣእያ ምስ እነወዳድሮ እንታይ ፍልልይ ኣለዎ፧

17 እታ ኣብ ሳርዴስ ዝነበረት ጉባኤ ብዘይ​ካ ሒደት ኣባላታ ኣይተናእደትን። ህያው ተባሂላ “ትስመ” ወይ ህያው ዝዀነት ትመስል እኳ እንተ ነበረት: ንመንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ስለ ዘይነበራ ግን የሱስ ‘ምውትቲ’ ኰይና ኢዩ ረኺብዋ። ንማለቱ ኢያ ንወንጌል ትእዘዝ ነይራ። ከመይ ዝበለ ሓያል ወቐሳ ዀን ኢዩ! (ራእይ 3:⁠1-3) ጉባኤ ሎዲቅያ እውን ተመሳሳሊ ዅነታት ኢዩ ነይርዋ። ‘ሃብታም ኢየ’ ኢላ ብስጋዊ ሃብታ ትንየት ነበረት: ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ግን ‘ሕስርትን እተደንግጽን ዝነደየትን ዕውርትን ዕርቕትን’ ኢያ ነይራ።​—⁠ራእይ 3:14-17

18. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብመንፈስ ልቡጥ ንኸይንኸውን ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 ኣብዚ ግዜና እተወሰኑ እሙናት ዝነበሩ ክርስትያናት ብተመሳሳሊ ዘይእዙዛት ኰይኖም ኢዮም። ምናልባት መንፈስ ዓለም ነቲ ዝነበሮም ናይ ህጹጽነት ስምዒት ንኸጥፍኦ ፈቒዶምሉ ይዀኑ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ንጸሎት: ንክርስትያናዊ ኣኼባታት: ከምኡውን ንኣገልግሎት ዝነበሮም ኣረኣእያ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ልቡጥ ከም ዝኸውን ገበርዎ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠3, 4, 11, 12) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት መንፈሳዊ ሃብቲ ብምጥራይ ንክርስቶስ ክእዘዝዎ ኣለዎም። እወ: ካብ ክርስቶስ ‘ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ኽዕድጉ’ ኣለዎም! (ራእይ 3:⁠18) እዚ ናይ ሓቂ ሃብቲ ኸኣ ‘ብሰናይ ግብሪ ምህብታም: ለጋሳትን መማቐልትን ምዃን’ ዘጠቓልል ኢዩ። ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ጥሪት ምስ እነጥሪ: ‘ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ግዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእስና ኣኪብና’ ማለት ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:17-19

እዙዛት ብምዃነን ተናእዳ

19. የሱስ ነቶም ኣብ ሰሚርናን ፊላደልፍያን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ናእዳን ለበዋን ኢዩ ዝሃቦም፧

19 የሱስ ነተን ኣብ ሰሚርናን ፊላደልፍያን ዝነበራ ጉባኤታት ኣብ ዝለኣኸለን መልእኽቲ ተግሳጽ ስለ ዘይሃበን: እዘን ጉባኤታት እዚኣተን ኣብነታውያን ኢየን ነይረን። ነቶም ኣብ ሰሚርና ዝነበሩ ‘ጸበባኻን ድኽነትካን እፈልጥ ኣሎኹ: ግናኸ ሃብታም ኢኻ’ በሎም። (ራእይ 2:⁠9) እዝስ ምስቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ብዓለማዊ ሃብቶም ዝንየቱ: ከም ሓቂ ግን ዝነደዩ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ፍልልይ ኰን ኢዩ ነይሩ! ልክዕ ኢዩ: ድያብሎስ ንክርስቶስ ተኣማንነትን ተኣዛዝነትን ዘርእዩ ሰባት ክረክብ ከሎ ኣይሕጐስን ኢዩ። ስለዚ የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቐ:- “እንሆ: ምእንቲ ኽትፍተኑስ: ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ: ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ: ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን: ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።” (ራእይ 2:10) ብተመሳሳሊውን ነቶም ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበሩ “ንቓለይ ሐሊኻዮ [ወይ ተኣዚዝካኒ ኢኻ] ንስመይውን ኣይከሐድካዮን . . . ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ: ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ” በሎም።​—⁠ራእይ 3:8, 11

20. ሎሚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ቃል የሱስ ዝሓለዉ ብኸመይ ኢዮም: ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታትከ ኢዮም ከምዚ ዝገበሩ፧

20 “ብመዓልቲ ጐይታ” ማለት ካብ 1914 ንነጀው: እሙናት ተረፍን ሕጂ ሚልዮናት በጺሖም ዘለዉ ብጾቶም ካልኦት ኣባጊዕን ብቕንኢ ብምግልጋል ንጽህናኦም ድማ ኣጽኒዖም ብምሓዝ ቃል የሱስ ሓልዮም ኢዮም። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋቶም ገሊኣቶም ንክርስቶስ እዙዛት ብምዃኖም ተሳቕዮም ኢዮም: አረ ኣብ ኣብያተ⁠-​ማእሰርትን መዳጐኒ ደምበታትን እውን ተዳጒኖም ኢዮም። ገሊኣቶም ከኣ ብሃብትን ብስስዐን ተኸቢቦም ከለዉ ‘ዓይኖም ጥዕይቲ’ ብምግባር ንቓል የሱስ ሓልዮም ኢዮም። (ማቴዎስ 6:⁠22, 23) እወ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ዝዀነ ይኹን ከባብን ዅነታትን እዙዛት ብምዃኖም ንልቢ የሆዋ የሐጕስዎ ኢዮም።​—⁠ምሳሌ 27:⁠11

21. (ሀ) እቲ ክፍሊ ባርያ እንታይ መንፈሳዊ ግዴታኡ ምምላእ ኢዩ ክቕጽል፧ (ለ) ብሓቂ ንሺሎ ኽንእዘዞ ኸም እንደሊ ብኸመይ ነርኢ፧

21 ናብቲ ዓብዪ መከራ እናቐረብና ኣብ እንኸደሉ ዘሎና እዋን: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንክርስቶስ ጐይታኡ እዙዝ ኰይኑ ንምቕጻል ቈሪጹ ኣሎ። እዚ ኸኣ ንስድራ​ቤት ኣምላኽ በብግዜኡ መንፈሳዊ መግቢ ምድላው ዘጠቓልል ኢዩ። ስለዚ ነታ እተደንቕ ቲኦክራሲያዊት ማሕበር የሆዋን ነቲ እትገብረልና ምድላዋትን ወትሩ ነማስወሉ። በዚ ኸምዚ ንሺሎ ኸም እንግዛእ ነርኢ: ንሱ ድማ ነቶም ዝእዘዝዎ ዘበሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዓስቢ ኽህቦም ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45-47፣ 25:⁠40፣ ዮሃንስ 5:⁠22-24

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እተን “ሾብዓተ ግዜያት” መግለጺ እንተደኣ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ምዕራፍ 10 ርአ።

b ብዛዕባ እተን ሸውዓተ መልእኽትታት ዝርዝር ሓበሬታ እንተደኣ ደሊኻ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ራእይ​—⁠እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ካብ ገጽ 33 ኣትሒዝካ ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• ያእቆብ ቀቅድሚ ሙማቱ ኸም እተነበዮ: የሱስ እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ፧

• የሱስ ሺሎ ምዃኑ ብኸመይ ኣፍልጦ ንህቦ: እንታይ ዓይነት መንፈስከ ኢና ኸነርሕቕ ዘሎና፧

• ኣብቲ ናብተን ኣብ ራእይ እተጠቕሳ ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእከ መልእኽቲ እንታይ ነዚ ግዜና ዘድሊ ተግሳጽ ኢዩ ዘሎ፧

• ነተን ኣብ ናይ ጥንቲ ሰሚርናን ፊላደልፍያን ዝነበራ ጉባኤታት ብኸመይ ክንመስለን ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቶም ነቲ እሙን “መጋቢ” ዝእዘዙ ሰባት ይባርኾም

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ሰይጣን ዘሕድሮ ጽልዋ ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን ኣጸጋሚ ኸም ዝኸውን ይገብሮ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ምስ ዝህልወና ንኽንእዘዞ ይሕግዝና