ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሸለል በሃሊ ኽትከውን ኣሎካዶ፧

ሸለል በሃሊ ኽትከውን ኣሎካዶ፧

ሸለል በሃሊ ኽትከውን ኣሎካዶ፧

 መብዛሕትኦም ሰባት ሸለል በሃሊ: ህዱእ: ቅሱን: ወይ ረጒድ ዝቘርበቱ ምዃን ጽቡቕ ባህሪ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። እንተዀነ ግን: ሸለል በሃሊ ኽበሃል ከሎ ካልእ ትርጕም እውን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ” ይብለና። (ምሳሌ 1:32) እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧

ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ቓል “ኣይግዳዱ” (ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን ): “ድሱእ” (ዘ ኒው ኣመሪካን ባይብል ): “ቅሱን” (ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል ) ኢለን ተርጒመንኣ ኢየን። ብመሰረት እዚ ኽንርኢ ኸሎና: ሸለል በሃሊ ምዃን ምስ ትህኪትን ዘይምግዳስን ተተሓሒዙ ስለ ዘሎ ድንቍርና ወይ ዕሽነት ኢዩ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ማሕበር ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ሸለልተኛታት ወይ ቅሱናት ብምንባሮም ብመንፈስ ዝጐደሎም ነገር ኣየስተውዕሉን ኢዮም ነይሮም። “ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን” ብምባል ድማ ይንየቱ ነበሩ። የሱስ ክርስቶስ ግን ክርስትያናዊ ቅንኦም ናብ ቀደሙ ኽመልስዎ ኸም ዘለዎም ብምግላጽ ኣረሞም።​—⁠ራእይ 3:⁠14-19

ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት እውን ሸለል በሃልቲ ኢዮም ነይሮም። ብዓለማዊ ነገራት ትሑዛት ብምንባሮም “ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን።” የሱስ ድማ ምስዚ ብምትሕሓዝ “ምጽኣት [“ህላወ:” NW ] ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ” በለ።​—⁠ማቴዎስ 24:37-39

እዚ ኣብዚ ግዜና ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ “ህላወ ወዲ ሰብ” ወይ ህላወ የሱስ ክርስቶስ እተጋህደሉ ግዜ ንነብር ከም ዘሎና ይገልጸልና ኢዩ። እምበኣር ቅሱናት: ኣይግዳዱ: ወይ ሸለል በሃልቲ ኣይንኹን።​—⁠ሉቃስ 21:⁠29-36