‘ንርእስኻ ኣላምዳ’
‘ንርእስኻ ኣላምዳ’
ኣብ ጥንታዎት ግሪኽን ሮማን ዝነበሩ ተወዳደርቲ ዝያዳ ፈጣናት: ዘለልቲ: ሓያላት ንምዃን ይጽዕሩ ነበሩ። ንሓያሎ ዘመናት ኣብ ኦሎምፕያ: ደልፊ: ኒምያ: ከምኡውን ኣብ ኢዝመስ ናይ ቈረንቶስ ኣማልኽቲ “ዝባርኽዎ:” ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተዓዘብቲ ኸኣ ዝርከብዎ ውድድራት ይግበር ነይሩ። ኣብዚ ውድድር እዚ ናይ ምክፋል ኣጋጣሚ ንምርካብ ንሓያሎ ዓመታት ልምምድ ምግባር የድሊ ነበረ። ዓወት ዝረኸበ ኸኣ ንርእሱን ንኸተማኡን ክብሪ የምጽእ።
ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት እምበኣር ነቲ መንፈሳዊ ጕያ ምስዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህላዊ ውድድር ዝግበር ስፖርታዊ ንጥፈታት ምምስሳሎም ኣየገርምን ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስን ጳውሎስን ሓያል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ኣብዚ ውድድራት እዚ እተመርኰሰ መግለጺታት ተጠቒሞም ኢዮም። ኣብዚ ግዜና እውን ብተመሳሳሊ ሓያል ክርስትያናዊ ጕያ ይካየድ ኣሎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ኻብ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ዘጋጥሞም ጸገማት ክቃለስዎ ነይርዎም፣ ሎሚውን ንሕና ነዚ ጥፍኣቱ ቐሪቡ ዘሎ ዓለምለኻዊ ኣገባብ ‘ክንቃለሶ’ ኣሎና። (2 ጢሞቴዎስ 2:5፣ 3:1-5) ገሊኣቶም ክርስትያናት “ጕያ እምነቶም” መወዳእታ ዘይብሉን ኣድካምን ኰይኑ ኢዮም ረኺቦምዎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:12 ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል ) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዝርከብ ኣብ መንጎ እቲ ስፖርታዊ ውድድራትን ክርስትያናዊ ጕያን ዘሎ ምምስሳል ምስ እንምርምሮ ብዙሕ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ኢና።
ብሉጽ ኣሰልጣኒ
እቲ ሓደ ተወዳዳሪ ዝረኽቦ ዓወት ብዝያዳ ኣብ ኣሰልጣኒኡ ኢዩ ዝምርኰስ። ኣርኪዮሎጂያ ግራይካ ብዛዕባ እዚ ጥንታዊ ውድድራት ክትገልጽ ከላ “እቶም ተወዳደርቲ ነቲ ውድድር ዘዳልዎም ናይ ዓሰርተ ኣዋርሕ ምሉእ ልምምድ ከም ዝገበሩ ኽምሕሉ ነይርዎም” ትብል። ሓደ ክርስትያን እውን ንልምምዱ ኣርዚኑ ኽርእዮ ይግባእ። ጳውሎስ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ክርስትያን ሽማግለ ዝነበረ ጢሞቴዎስ “ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ” ኢሉ መዓዶ። (1 ጢሞቴዎስ 4:7) ንክርስትያን “ተወዳደርቲ” ዘሰልጥኖም ደኣ እሞ መን ኢዩ፧ የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ እንተ ዘይኰይኑ: መን ክኸውን ይኽእል፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ: . . . ንሱ ኺፍጽመኩም: [“ስልጠናኹም ክፍጽሞ:” NW ] ኬጽንዓኩም: ኬበርትዓኩም ኪስርተኩምውን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 5:10
እታ “ስልጠናኹም ክፍጽሞ” እትብል መግለጺ ኻብ ናይ ግሪኽ ግሲ ዝወጸት ኰይና: ብመሰረት ቲኦሎጂካል ለክሲኮን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት “ንሓደ ነገር [ወይ ሰብ] ነቲ ኽገብሮ እተመደበሉ ብቑዕ ከም ዝኸውን ምግባር: ነቲ ኣሰራርሓ ምድላው ወይ ምልምማድ” ማለት ኢያ። ብተመሳሳሊ ሊደንን ስካትን ዘዳለዉዋ ግሪክ-እንግሊሽ ለክሲኮን ነዛ ግሲ እዚኣ “ምድላው: ምስልጣን: ወይ ዕጡቕ ምግባር” ብምባል ተርጒማታ ኣላ። የሆዋ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢዩ ነዚ ኸቢድ ጻዕሪ ዝሓትት ክርስትያናዊ ጕያ ‘ዘዳልወና: ዘሰልጥነና: ወይ ዘዕጥቐና፧’ ነቲ የሆዋ ዝገብረልና ነገራት ንምግንዛብ ገለ ኻብቲ ኣሰልጠንቲ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ሜላታት እስከ ንመርምር፧
እታ ዘ ኦሎምፒክ ጌምስ ኢን ኣንሽየንት ግሪስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “እቶም ንመንእሰያት ዘሰልጥኑ ዝነበሩ ኣሰልጠንቲ: ክልተ መሰረታዊ ሜላታት ኢዮም ዝጥቀሙ ነይሮም። እዚ ድማ ቀዳማይ: ነቲ ሰልጣኒ ዝበለጸ ውጽኢት ምእንቲ ኽረክብ ዝከኣሎ ዅሉ ኽገብር ምትብባዕ ክኸውን ከሎ: ካልኣይ ድማ ነቲ ክእለቱን ኣገባቡን ምምሕያሽ ኢዩ።”
ብተመሳሳሊ የሆዋ ነቲ ዝለዓለ ዓቕምና ንኽንበጽሖ: ኣብ ኣገልግሎትና ድማ ክእለትና ንኸነመሓይሽ የተባብዓናን የበራትዓናን ኢዩ። ብመጽሓፍ ቅዱስ: ብምድራዊት ማሕበሩ: ከምኡውን ብብሱላት ክርስትያናት ብጾትና ኣቢሉ ኸኣ የሐይለና ኢዩ። ብመቕጻዕቲ ኣቢሉ ስልጠና ዝህበና እዋን እውን ኣሎ። (እብራውያን 12:6) ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ትዕግስቲ ምእንቲ ኽህልወና እተፈላለየ ፈተናታትን ጸገማትን ክወርደና ይፈቅድ ኢዩ። (ያእቆብ 1:2-4) ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ “እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ: ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን: ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን” ብምባል ዝገለጾ: ዘድሊ ሓይሊ ይህበና ኢዩ።—ኢሳይያስ 40:31
ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱሱ ኣብዚሑ ይህበና ኢዩ: እዚ ድማ ተቐባልነት ዘለዎ ኣገልግሎት ብቐጻሊ ንኸነቕርበሉ የበራትዓና። (ሉቃስ 11:13) ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ እምነቶም ዝወረዶም ነዊሕን ከቢድን ፈተናታት ተጻዊሮም ኢዮም። እዚኣቶም ከማና ተራ ሰብኡትን ኣንስትን ኢዮም ነይሮም። ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ብምውካሎም ግን ነቲ ፈተና ንኽጻወርዎ ኣኽኣሎም። እወ: ‘እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር ካባታቶም ኣይኰነን።’—2 ቈረንቶስ 4:7
ደንጋጺ ኣሰልጣኒ
ሓደ ምሁር ከም ዝገለጾ ሓደ ኻብቲ ጥንቲ ዝነበሩ ኣሰልጠንቲ ኽገብርዎ ዝነበሮም ነገራት “ንሓደ ተወዳዳሪ ብውልቂ ኣብ ሓደ ዓይነት ስፖርት ዘድልዮ ዓይነትን ብዝሕን ልምምዳት ምውሳን” ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ እውን ከሰልጥነና ኸሎ ናይ ብሕትና ዅነታት: ክእለት: ተፈጥሮ: ከምኡውን ዓቕሚ ኣብ ግምት የእቱ ኢዩ። ስልጠና ኽወሃበና ኸሎ ኸምቲ እዮብ “ከም መሬት ከም ዝጠፍጠፍካኒ ዘክር” ኢልና ንልምኖ ኢና። (እዮብ 10:9) እቲ ደንጋጺ ኣሰልጣኒናኸ እንታይ ምላሽ ኢዩ ዝህበና፧ ዳዊት ብዛዕባ የሆዋ “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 103:14
ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ዝድርቶ ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ይህልወካ ይኸውን ወይ ንርእስኻ ኣትሒትካ ትርእያ ትህሉ ትኸውን። ምናልባት ሓደ ሕማቕ ልማድ ንኸተቋርጽ ትጽዕር ትህሉ ትኸውን: ወይ ነቲ ካብ ጐረባብትኻ: ኣብ ስራሕ: ወይውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝወርደካ ጸቕጥታት ክትጻወሮ ዘይትኽእል ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ኵነታትካ ብዘየገድስ የሆዋ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ—አረ ኻባኻ እውን ብዝሓሸ—ንጸገማትካ ኸም ዝርድኦ ኣይትረስዕ። ሓላዪ ኣሰልጣኒ ኸም ምዃኑ መጠን እንተ ቐሪብካዮ: ንኽሕግዘካ ወትሩ ድሉው ኢዩ።—ያእቆብ 4:8
ጥንቲ ዝነበሩ ኣሰልጠንቲ “ካብቲ ልምምድ ዘይኰነስ ካብ ካልእ ነገራት ማለት ብሰንኪ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት: ሕማቕ ስምዒት: ናይ መንፈስ ጭንቀት: ከምኡውን ካብ
ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ዝመነጨ ድኻም የለልይዎ ነይሮም ኢዮም። . . . ዝገብርዎ ዝነበሩ ቍጽጽር ኣዝዩ ሰፊሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ንብሕታዊ ህይወት ናይቲ ተወዳዳሪ ይከታተልዎ: ኣድላዪ ኣብ ዝዀነ እዋን ከኣ ጣልቃ ይኣትዉ ነበሩ።”ብሰንኪ እቲ ኻብዛ ዓለም ዝወርደካ ማእለያ ዘይብሉ ጸቕጥታትን ፈተናታትን ሓድሓደ ግዜ ሓይልኻ ጽንቅቕ ከም ዝበለ ወይ ከም ዝደኸምካ ኰይኑ ዝስምዓካ ግዜዶ ኣሎ፧ የሆዋ ኣሰልጣኒኻ ስለ ዝዀነ ኣጸቢቑ ይሓልየልካ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ድኻም ቀልጢፉ ኢዩ ዝርእዮ። ናጻ ድሌትናን ብሕታዊ ምርጫናን ዘኽብረልና እኳ እንተዀነ: ንዘለኣለማዊ ድሕንነትና ኻብ ዘለዎ ሓልዮት ተላዒሉ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ እኹል ሓገዝን መኣረምታን ይህበና ኢዩ። (ኢሳይያስ 30:21) ብኸመይ፧ ብመጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ጽሑፋት: በቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ መንፈሳውያን ሽማግለታት: ከምኡውን በቲ ፍቕሪ ዝመልኦ ሕውነትና ኣቢሉ ኢዩ።
“ብዅሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ”
ልክዕ ኢዩ: ዓወት ንምርካብ ንፉዕ ኣሰልጣኒ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ብቐንዱ እቲ ተወዳዳሪ ጽኑዕ ስልጠና ንምግባር ኣብ ዘለዎ ቘራጽነት ኢዩ ዝምርኰስ። እቲ ስልጠና ኻብ ጾታዊ ርክብን ኣልኮላዊ መስተን ዘየድሊ መግብን ምቝጣብ ዝሓትት ስለ ዝነበረ ኸቢድ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ሆራስ ዝበሃል ገጣሚ: እቶም ተወዳደርቲ ነቲ “ሃረር ዝብልዎ ሸቶ ንኽወቕዑ” “ካብ ኣንስትን ወይንን ክቝጠቡ” ኸም ዘለዎም ገሊጹ ነይሩ። ኤፍ. ሲ. ኩክ ዝበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከም ዝገለጾ ኸኣ ኣብቲ ውድድራት ዝሳተፉ ተወዳደርቲ “ንዓሰርተ ኣዋርሕ ርእሶም ክገትኡን ኣመጋግባኦም ክቈጻጸሩን” ነበሮም።
ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ብናይ ኢዝመስ ጸወታታት ውርይቲ ዝነበረት ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ “እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዅሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ” በሎም። (1 ቈረንቶስ 9:25) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብዚ ፍቕረ-ንዋይ ዝመልኦን ብዕሉግን ርኹስን ኣነባብራ እዛ ዓለም ይርሕቑ ኢዮም። (ኤፌሶን 5:3-5፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17) ኣምላኽ ዘይፈትዎን ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይቃዶን ባህርያት ቀንጢጦም በቲ ኸም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ሓድሽ ባህርያት ይትክእዎ ኢዮም።—ቈሎሴ 3:9, 10, 12
እዚ ብኸመይ ክግበር ይከኣል፧ ሓደ መገዲ ኣብቲ ጳውሎስ “ንኻልኦት እናሰበኽኩ: ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን: ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ” ብምባል እተዛረቦ ሓያል መልእኽቲ ዘለዎ መግለጺ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 9:27
ጳውሎስ ኣብዚ ሓያል መልእኽቲ ኢዩ ኣመሓላሊፉ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣካላዊ ስቓይ ብዛዕባ ምምጻእ ኣይኰነን ዝዛረብ ነይሩ። የግዳስ ውሽጣዊ ምግጫው ከም ዝነበሮ ተኣሚኑ ነይሩ ኢዩ። ክገብሮ ዘይደሊ ነገራት ዝገበረሉ: ክገብሮ ዝደለዮ ነገራት ከኣ ዘይገበረሉን እዋን ኣጋጢምዎ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ድኻሙ ንኸይዕብልሎ ተቓለሰ። ንስጋዊ ባህግታቱን ባህርያቱን ተጋዲሉ ብምስዓር ‘ንስግኡ ኣሰቀየ።’—ሮሜ 7:21-25
ኵሎም ክርስትያናት ከምኡ ኽገብሩ ኣለዎም። ጳውሎስ ብዛዕባ ገሊኣቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ እሞ ምንዝር: ኣምልኾ ጣኦት: ግብረ-ሶዶም: ስርቂ: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዝፍጽሙ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝገበርዎ ለውጥታት ገሊጹ ኣሎ። ንኽልወጡ ዝሓገዞም ግን እንታይ ኢዩ፧ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይልን ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ምስ ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዖም ንኽመላለሱ ዘለዎም ቈራጽነትን ኢዩ። ጳውሎስ “ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም” በሎም። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ጴጥሮስ እውን ብዛዕባ እቶም ሕማቕ ልማዳቶም ዝገደፉ ተመሳሳሊ ነገር ጽሒፉ ኣሎ። ክርስትያናት ምስ ኰኑ: ኵላቶም ናይ ሓቂ ለውጢ ገበሩ።—1 ጴጥሮስ 4:3, 4
ሸቶ ንምውቃዕ ብግቡእ ዝዓለመ ጻዕርታት
ጳውሎስ “እምክት አሎኹ: ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና አይኰንኩን” ብምባል ኣብ እተዛረቦ ዘረባ ንመንፈሳዊ ሸቶታት ንምስዓብ ቈራጽነት ከም ዝነበሮን ትኵር ምንባሩን ክንርኢ ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 9:26) ሓደ ተቓላሲ ብኸመይ ኢዩ ዝወቅዕ፧ እታ ዘ ላይፍ ኦቭ ዘ ግሪክስ ኤንድ ሮማንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ዘይተኣደነ ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ ናይቲ መጋጥምትኻ ድኹም ጐድኒ ንምርካብ ዘኽእል ኣትኵሮ የድሊ ነበረ። ኣብ ናይ ቃልሲ ኣብያተ-ትምህርቲ እትመሃሮ ዓይነት መውቃዕቲ ዀነ ንመጋጥምትኻ ብቕልጥፍና ምብላጽ እውን ብማዕረ ኣገዳስነት ነበሮ።”
ዘይፍጹም ስጋና ሓደ ኻብቲ መጋጥምትና ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ‘ድኹም ጐድንና’ ንፈልጦ ዲና፧ ከምቲ ኻልኦት ገይሮም ዝርእዩና— ብፍላይ ከኣ ከምቲ ሰይጣን ገይሩ ዝርእየና— ጌርና ንርእስና ንርእያ ዲና፧ እዚ ብቕንዕና ርእስና ኽንምርምርን ለውጢ ንምግባር ፍቓደኛታት ኽንከውንን ዝሓትት ኢዩ። ብቐሊሉ ንርእስና ኽንጥብር ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 1:22) ንዘይጥበባዊ ስጕምቲ ምኽኒት ምቕራብ እውን ቀሊል ኢዩ። (1 ሳሙኤል 15:13-15, 20, 21) እዚ ድማ ‘ንንፋስ ምስ ምውቃዕ’ ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ።
ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እቶም ንየሆዋ ኸሐጕሱን ህይወት ክረኽቡን ዝደልዩ: ካብ መንጎ ቅኑዕን ጌጋን ኰነ ካብ መንጎ ማሕበር ኣምላኽን ብልሽውቲ ዓለምን ሓዲኡ ንኽመርጹ ሰጋእ መጋእ ክብሉ የብሎምን። ነግፈረግ ምባል ከርሕቕዎ ኣለዎም: ‘ክልተ ዝልቦምን ብዅሉ መገዶም ዘይጽኑዓትን’ እውን ክዀኑ የብሎምን። (ያእቆብ 1:8) ፍረ ዘይብሉ ነገራት ኣብ ምስዓብ ግዜኦምን ጕልበቶምን ከሕልፉ የብሎምን። ሓደ ሰብ ነዚ ቐጥ ዝበለ መገዲ ብቘራጽነት ምስ ዝስዕብ: ሕጉስ ይኸውን ‘እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኸኣ ኣብ ኵሉ ይግለጽ።’—1 ጢሞቴዎስ 4:15
እወ: ክርስትያናዊ ጕያና ይቕጽል ኣሎ። እቲ ዓብዪ ኣሰልጣኒና የሆዋ ጽኑዓት ንኽንከውንን ንኽንዕወትን ዘድልየና መምርሒታትን ሓገዝን ብፍቕሪ ይህበና ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ኣብቲ ንእምነትና እንገብሮ ገድሊ ልክዕ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ተወዳደርቲ ርእስና ኽንግስጽ: ርእስና ኽንገትእ: ከምኡውን ቈራጻት ክንከውን ኣሎና። ሸቶና ንምውቃዕ ዝዓለመ ጻዕርታትና ብዙሕ ዓስቢ ኸምጽኣልና ኢዩ።—እብራውያን 11:6
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]
‘ዘይቲ ይልከይዎ’
ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ እቶም ተወዳደርቲ ስልጠና ኽገብሩ ኸለዉ ዘይቲ ዝለኪ ኽኢላ እውን ነይርዎም ኢዩ። እዚ ኽኢላ እዚ ነቶም ልምምድ ዝገብሩ ሰብኡት ኣካላቶም ብዘይቲ ይለኽዮም ነበረ። እታ ዘ ኦሎምፒክ ጌምስ ኢን ኣንሽየንት ግሪስ እትበሃል ጽሕፍቲ ከም ዝገለጸቶ: እቶም ኣሰልጠንቲ “ሓደ ጭዋዳታት ዝደርዝ ክኢላ ቅድሚ ስልጠና ነቶም ተወዳደርቲ ምስ ዝደርዞም ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኣስተውዒሎም ነበሩ: ነዊሕ ስልጠና ንዝገበረ ተወዳዳሪ ቀስ ኣቢልካ ምድራዝ ንኽፈዅሶን ሓይሉ ንኽሕደስን ከም ዝሕግዝ እውን ተገንዚቦምዎ ነበሩ።”
ከምቲ ቓል ብቓሉ ዘይቲ ኣብ ኣካል ምልካይ ዘረስርስን ዘሕውን: ንሓደ ዝደኸመ ክርስትያን “ተወዳዳሪ” ቃል ኣምላኽ ክእርሞ: ከጸናንዖ: ከምኡውን ከሕውዮ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ሽማግለታት ጉባኤ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሆዋ ብምዃን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ “ብስም እግዚኣብሄር ዘይቲ እናለኸይዎ” ክጽልዩሉ ተማዒዶም ኣለዉ: እዚ ድማ ብመንፈሳዊ ንኽጥዒ ዓብዪ ኣበርክቶ ኣለዎ።—ያእቆብ 5:13-15፣ መዝሙር 141:5
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ተወዳደርቲ መስዋእቲ ድሕሪ ምቕራቦም: ንዓሰርተ ኣዋርሕ ልምምድ ከም ዝገበሩ ይምሕሉ ነበሩ
[ምንጪ ስእሊ]
Musée du Louvre, Paris
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Copyright British Museum