ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብቲ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ዝርከብ ምጽንናዕ

ካብቲ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ዝርከብ ምጽንናዕ

ካብቲ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ዝርከብ ምጽንናዕ

 ገሊኣቶም ሰባት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕርን ምሕረትን ኣምላኽ ዝገልጾ ነገር ሕቶታት የለዓዕለሎም ኢዩ። ‘ኣምላኽ ንሕሰም ኸወግዶ ዝደሊ እንተ ዀይኑ: ብኸመይ ከም ዘወግዶ ኸኣ ዝፈልጥ እንተ ዀይኑ: ንምውጋዱ ድማ ዓቕሚ እንተ ሃልይዎ: ስለምንታይ ደኣሉ ሕሰም እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ፧’ ኢሎም ይሓቱ ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥብታት ንሓድሕደን ዝጋጨዋ ኢዩ ዝመስሎም:- (1) ኣምላኽ ኵሉ ዝኽእል ኢዩ፣ (2) ኣምላኽ ፈቃርን ሰናይን ኢዩ፣ (3) ጸገማት ኣይተወገደን። እዛ ሳልሰይቲ ነጥቢ ኣሉ ዘይበሃላ ሓቂ ስለ ዝዀነት: እንተ ወሓደ ሓንቲ ኻብተን ቀዳሞት ክልተ ነጥብታት ጌጋ ኢያ ይብሉ። ስለዚ: ሓደው ኣምላኽ ነዚ ጸገማት መወዳእታ ኽገብረሉ ኣይክእልን ኢዩ: ወይ ግዲ የብሉን ኢሎም ይሓስቡ።

እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ማእከል ንግዲ ዓለም ምስ ዓነወ ድሕሪ ገለ መዓልትታት: ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር ውሩይ መራሕ ሃይማኖት “ኣምላኽ ዘሕዝን ነገራትን መከራን ንምንታይ ከም ዘፍቅድ ብዙሕ ግዜ ተሓቲተ ኢየ። ንርእሰይ እውን ዘዕግበኒ መልሲ ኸም ዘይረኽብኩሉ ግን ክእመን ኣሎኒ” በለ።

ሓደ ፕሮፌሰር ስነ⁠-​ሃይማኖት ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣመልኪቱ ኽጽሕፍ ከሎ: እዚ መራሕ ሃይማኖት ዝሰብኮ “ጽቡቕ ትምህርቲ ሃይማኖት” ልቡ ኸም ዝተንከፎ ገለጸ። ብተወሳኺውን ኣረኣእያ ናይ ሓደ “ንስቓይ ክንርድኦ ዘይንኽእል: ንኣምላኽ ክንርድኦ ስለ ዘይንኽእል ኢዩ” ኢሉ ዝጸሓፈ ምሁር ደገፈ። ኣምላኽ ሕሰም ክቕጽል ዘፍቀደሉ ምኽንያት ግን ክንርድኦ ዘይንኽእል ነገር ድዩ፧

ኣጀማምራ ሕሰም

ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ናይ መራሕቲ ሃይማኖት እተፈልየ ኢዩ: ኣምላኽ ሕሰም ዘፍቀደሉ ምኽንያት ክንርድኦ ኸም እንኽእል ከኣ ይገልጸልና ኢዩ። ቅድም ቀዳድም ግን ኣምላኽ ሕሰም ዝመልኣ ዓለም ከም ዘይፈጠረ ኽንግንዘብ ኣሎና። ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፍጹማት ማለት ሓጢኣት ዘይብሎም ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም። የሆዋ ነቲ ፍጥረቱ ምስ ረኣየ “ብዙሕ ጽቡቕ” ኰይኑ ኢዩ ረኺብዎ። (ዘፍጥረት 1:⁠26, 31) ኣዳምን ሄዋንን ንገነት ኤድን ኣብ መላእ ምድሪ ኸስፋሕፍሕዋ: ንምድሪ ድማ ኣብ ትሕቲ ዕቝባ ፍቕራዊ ሉዓላውነቱ ብዝነበሩ ሕጕሳት ሰባት ክመልእዋ ኢዩ ዕላምኡ ነይሩ።​—⁠ኢሳይያስ 45:⁠18

ሕሰም ከም ዝጅምር ዝገበረ ሓደ ኣቐዲሙ ንኣምላኽ እሙን ዝነበረ ድሓር ግና ኽምለኽ ዝደለየ መንፈሳዊ ፍጡር ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠14, 15) እዚ ፍጡር እዚ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብቲ ተግባሩ ምስ ኣሕበሮም ዕልዋኡ ተጋህደ። ኣዳምን ሄዋንን ነታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ንኸይበልዕዋ ወይ ንኸይትንክይዋ እተዋህቦም ንጹር መምርሒ ኣምላኽ ብምጥሓስ ካብኣ በልዑ። (ዘፍጥረት 3:⁠1-6) ከምዚ ብምግባሮም ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍሪሶም ጥራይ ዘይኰነስ: ብገዛእ ርእሶም ክመሓደሩ ኸም ዝደልዩ እውን ኣርእዮም ኢዮም።

ኣገዳሲ ሕቶ ተላዕለ

እቲ ኣብ ኤድን እተገብረ ዕልዋ ኣብ መላእ ኣድማስ ኣገዳሲ ሕቶ ኣበጊሱ ኢዩ። እቶም ዓለወኛታት ሰባት: የሆዋ ኣብ ፍጥረቱ ናይ ምግዛእ ዘለዎ መሰል ኣብ ሕቶ ኣእተዉዎ። ፈጣሪ ኻብ ደቅሰብ ምሉእ ተኣዛዝነት ናይ ምጥላብ መሰል ኣለዎ ድዩ፧ ሰባት ብገዛእ ርእሶም እንተ ተመሓደሩ ዝሓሸዶ ኣይምዀነን፧

የሆዋ ነቲ ኣብ ናይ ምግዛእ ስልጣኑ ዝመጾ ብድሆ ንፍቕሩን ፍትሑን ጥበቡን ሓይሉን ምሉእ ብምሉእ ብዘንጸባርቕ መገዲ ኢዩ ሒዝዎ። ነቲ ዕልወት ብሓንሳእ ንምድቋስ ሓይሉ ኽጥቀም ምኸኣለ። ከምዚ ናይ ምግባር መሰል ስለ ዘለዎ ድማ እዚ ቕኑዕ ክመስል ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ነቲ እተላዕለ ኣገዳሲ ሕቶ ኣይምልሶን ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ኣምላኽ ነቲ ሓጢኣት ሸለል ኢሉ ኽሓልፎ ምኸኣለ። ገሊኣቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት ከምዚ ምግባር ፍቕራዊ መገዲ ኸም ዝዀነ ኢዩ ዝመስሎም። ይኹን እምበር: እዚውን እንተዀነ ነቲ ደቅሰብ ባዕሎም እንተ ተመሓደሩ ይሓይሽ ዝብል ሰይጣን ዘበገሶ ሕቶ መልሲ ኣይምዀነን። ኣብ ርእሲ እዚውን: ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ንኻልኦት ካብ መገዲ የሆዋ ንኽርሕቑ ዘተባብዕ ምዀነ። መወዳእታ ዘይብሉ ስቓይ ድማ መስዓበ ነይሩ።

የሆዋ ብጥበቡ ደቅሰብ ንእተወሰነ ግዜ ብመገዶም ክኸዱ ኣፍቀደሎም። እዚ ኸኣ ሕሰም ንግዜኡ ክቕጽል ዘፍቅድ እኳ እንተዀነ: ንሰባት ግን ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብናይ ገዛእ ርእሶም ቅኑዕን ጌጋን ስርዓታት እናተመርሑ ዕዉታት ኰይኖም ክመሓደሩ ዝኽእሉ እንተ ዀይኖም ንኸርእዩ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ፍሪኡኸ እንታይ ኰነ፧ ታሪኽ ደቅሰብ ውግእ: ምጕዳል ፍትሒ: ጭቈና: ከምኡውን ስቓይ ዝመልኦ ኢዩ ዀይኑ። ካብ የሆዋ ምዕላው ኣብ መወዳእትኡ ዘስዓቦ ውድቀት: ነቲ ኣብ ኤድን እተላዕለ ሕቶታት ሓንሳእን ንሓዋሩን መዕለቢ ኽገብረሉ ኢዩ።

ኣምላኽ ግን ነቲ ምእንቲ ደቅሰብ ህይወቱ በጃ ዘሕለፈ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ብምሃብ ፍቕሩ ኣርእዩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ንእዙዛት ደቅሰብ ካብቲ ናይ ኣዳም ዘይምእዛዝ ዘስዓቦ ኵነኔ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንኽወጹ የኽእሎም ኢዩ። እዚ በጅነት ንዅሎም እቶም ኣብ የሱስ ዝኣምኑ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም።​—⁠ዮሃንስ 3:⁠16

ስቓይ ደቅሰብ ንግዜኡ ኸም ዝዀነ የሆዋ ኣረጋጊጹልና ኢዩ። ብዛዕባዚ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ: ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”​—⁠መዝሙር 37:10, 11

ድሕንነትን ሓጐስን ዝርከበሉ እዋን

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜኡ ይረክብ ብምህላዉ ኣምላኽ ንሕማም: ጓሂ: ከምኡውን ሞት መወዳእታ ዝገብረሉ ግዜ ኣመና ቐሪቡ ምዃኑ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ራእይ ዝረኣዮ: ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝህሉ ዘደንቕ ነገር ብኸመይ ከም ዝገለጾ እሞ ኣስተብህለሉ:- “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም: ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ: ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። . . . ኣምላኽውን ባዕሉ [ምስ ደቅሰብ] ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” እዚ መብጽዓታት እዚ ፍጻሜኡ ኸም ዝረክብ ርግጽ ምዃኑ ንምጕላሕ ከኣ ንዮሃንስ “እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ: ጽሐፍ” ተባሂሉ ተነግሮ።​—⁠ራእይ 21:1-5

እቶም ካብቲ ኣብ ኤድን እተፈጸመ ዕልዋ ኣትሒዞም ዝሞቱ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ቅኑዓት ሰባት ደኣኸ እንታይ ክዀኑ ኢዮም፧ የሆዋ ነቶም ብሞት ደቂሶም ዘለዉ ኸም ዘተንስኦም ተመባጺዑ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ አሎኒ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቶም ዝትንስኡ ኣብታ ‘ጽድቂ ዝነብረላ’ ዓለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

ከምቲ ሓደ ፈቃር ኣቦ ንነባሪ ጥቕሚ ውላዱ ኢሉ ዘሳቒ መጥባሕቲ ኽግበረሉ ዘፍቅድ: የሆዋ ኸኣ ሕሰም ኣብ ምድሪ ንግዜኡ ክቕጽል ፈቒዱ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ዝደልዩ ዘለኣለማዊ በረኸት ክረኽቡ ኢዮም። ጳውሎስ ነዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ገለጾ:- “እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ: ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር: ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ: እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።”​—⁠ሮሜ 8:20, 21

እዚ ብሓቂ ከምቲ ኣብ ተለቪዥን እትርእዮ ወይ ኣብ ጋዜጣ እተንብቦ ዓይነት ዜና ኣይኰነን: የግዳስ ብስራት ኢዩ። ካብቲ ብርግጽ ዝሓልየልና “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝመጸ ዝበለጸ ዜና ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 3:⁠1

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብገዛእ ርእሶም ዕዉታት ኰይኖም ክመሓደሩ ኸም ዘይክእሉ ግዜ መሊስዎ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Somalian family: UN PHOTO 159849/M. GRANT; atom bomb: USAF photo; concentration camp: U.S. National Archives photo