ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንእዙዛት የዕቍቦምን ይባርኾምን

የሆዋ ንእዙዛት የዕቍቦምን ይባርኾምን

የሆዋ ንእዙዛት የዕቍቦምን ይባርኾምን

“እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር: ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ።” ​—⁠ምሳሌ 1:33

1, 2. ንኣምላኽ ክንእዘዞ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ መብርሂ ሃብ።

 ሓደ እዋን ገለ ጨቓዊት መግቢ ክረኽባ ይጽሕትራ ነበራ: እንተዀነ ግን: ኣብ ልዕሊአን ሓደ ኣሞራ ይዝንቢ ምንባሩ ኣየስተውዓላን። ብሃንደበት እታ ኣዲአን ቁቕ ቁቕ ብምባል መጠንቀቕታ ሃበት እሞ ኣኽናፋ ዘርግሐት። እተን ጨቓዊታ እናጐየያ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ተዓቝባ። እቲ ኣሞራ ድማ ነቲ ዝሓሰቦ መጥቃዕቲ ገደፎ። a ካብዚ እንረኽቦ ትምህርቲ እንታይ ኢዩ፧ ተኣዛዝነት ህይወት ከም ዘድሕን ኢዩ።

2 እዚ ብፍላይ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ኣገዳሲ ኢዩ: ከመይሲ ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ግዳዩ ንምግባር ዝከኣሎ ዅሉ ኢዩ ዝገብር ዘሎ። (ራእይ 12:​9, 12, 17) ሸቶኡ ንመንፈሳውነትና ብምብልሻው ሞገስ ኣምላኽን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን ከም እንስእን ንምግባር ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠8) ይኹን እምበር: ካብ የሆዋ እንተ ዘይርሒቕና: ብቓሉን ብማሕበሩን ኣቢሉ ንዝመጸና መምርሒ ኸኣ ቀልጢፍና ንሰምዕ እንተደኣ ዄንና: ዕቝባ ኸም ዝገብረልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባዚ ጕዳይ እዚ “ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ: ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ” ብምባል ጸሓፈ።​—⁠መዝሙር 91:4

ዘይእዙዛት ህዝቢ ኣደዳ መጥቃዕቲ ዀኑ

3. ህዝቢ እስራኤል ብተደጋጋሚ ብምዕላዎም እንታይ ኣስዓበሎም፧

3 ህዝቢ እስራኤል ንየሆዋ እዙዛት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ወትሩ ይከናኸኖም ነበረ። እንተዀነ ግን: ብተደጋጋሚ ንፈጣሪኦም ሓዲጎም ነቶም ብዕንጨይትን እምንን እተሰርሑ “ዘይጠቕሙን ዘየድሕኑን: ከንቱ” ኣማልኽቲ ሰዓቡ። (1 ሳሙኤል 12:⁠21) እቶም ህዝቢ ብሓፈሻ ንዘመናት ዝኣክል ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምዕላዎም ክምለሱሉ ኣብ ዘይክእሉ ክሕደት ጠሓሉ። ስለዚ የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣልቀሰ:- “የሩሳሌም: የሩሳሌም: ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ: ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ: ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም: ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ አቤኹም። . . . እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ።”​—⁠ማቴዎስ 23:37, 38

4. የሆዋ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ንየሩሳሌም ከም ዝጠንጠና ንጹር ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

4 የሆዋ ነቶም ከሓድቲ እስራኤላውያን ከም ዝጠንጠኖም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ንጹር ኰነ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ሰራዊት ሮሜ ምስሊ ንስሪ ዘለዎ ኣርማኦም ሒዞም መጹ እሞ ንየሩሳሌም ተሃንዲዶም ጐበጥዋ: ዘስካሕክሕ ህልቂት ድማ ዀነ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እታ ኸተማ ፋስጋ ከብዕሉ ብዝመጹ ሰባት መሊኣ ኢያ ነይራ። እቲ ሽዑ ዝቐረበ ብዝሒ መስዋእትታት ግን ሞገስ ኣምላኽ ኣየምጽኣሎምን። ሳሙኤል ነቲ ዘይእዙዝ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ከምዚ ኢልዎ ነይሩ:- “ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ: ምስማዕ ካብ መስዋእቲ: ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ።”​—⁠1 ሳሙኤል 15:22

5. የሆዋ እንታይ ዓይነት ተኣዛዝነት ኢዩ ዝደሊ: እዚ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ዘይምዃኑኸ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

5 የሆዋ ንኽንእዘዞ ብዕቱብ ዝነግረና እኳ እንተዀነ: ዘይፍጹማት ሰባት ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ግን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። (መዝሙር 130:⁠3, 4) ቅኑዕ ልቢ ኽህልወናን ካብ እምነት: ፍቕሪ: ከምኡውን ንኸይነጕህዮ ኻብ ዘሎና ጥዑይ ፍርሃት ተበጊስና ኽንእዘዞን ኢዩ ዝደልየና። (ዘዳግም 10:⁠12, 13፣ ምሳሌ 16:⁠6፣ ኢሳይያስ 43:⁠10፣ ሚክያስ 6:⁠8፣ ሮሜ 6:⁠17) እቶም ‘ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ደበና ምስክር’ ከቢድ ፈተና ዀነ ሞት እኳ እንተ መጸ: ንጽህናኦም ብምሕላዎም ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣዛዝነት ኣርእዮም ኢዮም። (እብራውያን 11:⁠36, 37፣ 12:⁠1) ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ንልቢ የሆዋ ኣሐጒሶምዎ ክዀኑ ዘለዎም! (ምሳሌ 27:⁠11) ገሊኣቶም ግን ኣብ መጀመርታ እኳ እሙናት እንተ ነበሩ: ጸኒሖም ዘይእዙዛት ኰኑ። ሓደ ኻብዚኣቶም ናይ ጥንታዊት ይሁዳ ንጉስ ዝነበረ ዮኣስ ኢዩ።

ብሕማቕ ዕርክነት እተበላሸወ ንጉስ

6, 7. ዮያዳ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዮኣስ እንታይ ዓይነት ንጉስ ነበረ፧

6 ንጉስ ዮኣስ ብሕጻንነቱ ኸሎ ንዋራ ኢዩ ኻብ ሞት ኣምሊጡ። ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነ: እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ዮያዳ ካብቲ ዮኣስ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ቦታ ኣውጺኡ ብትብዓት ኣንገሶ። እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ዮያዳ ንዮኣስ ከም ኣቦን ኣማኻርን ስለ ዝዀኖ “ብዅሉ ዘመን እቲ ኻህን ዮያዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዘበለ ገበረ።”​—⁠2 ዜና መዋእል 22:⁠10–23:⁠1, 11፣ 24:⁠1, 2

7 ካብቲ ዮኣስ ዝፈጸሞ ጽቡቕ ተግባራት ሓደ ንቤተ መቕደስ ከሐድስ ምሕሳቡ ኢዩ። ንሊቀ ኻህናት ዮያዳ ነቲ ‘ብሙሴ እተሓገገ’ ንምሕዳስ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ግብሪ ኻብ ይሁዳን የሩሳሌምን ክእክብ ኣዘኻኸሮ። ዮያዳ ብርግጽ ነቲ ንእሽቶ ዝነበረ ንጉስ መጽናዕቲ ንኽገብርን ሕጊ ኣምላኽ ንኽእዘዝን ከም ዘተባብዖ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቲ ዕዮ ቤተ መቕደስን ኣቓሑኡን ቀልጢፉ ተዛዘመ።​—⁠2 ዜና መዋእል 24:⁠4, 6, 13, 14፣ ዘዳግም 17:⁠18

8. (ሀ) ንዮኣስ ናብ መንፈሳዊ ውድቀት ዝመርሖ ቐንዲ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ንጉስ ዘይእዙዝ ብምዃኑ እንታይ ናብ ምግባር ኣምርሐ፧

8 እቲ ዘሕዝን ግን ዮኣስ ኣብ መወዳእታኡ ንየሆዋ ምእዛዝ ኣቋረጸ። ስለምንታይ፧ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ድሕሪ ሞት ዮያዳ ግና እቶም ሓላቑ ይሁዳ መጺኦም ንንጉስ ፍግም በሉሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ሰምዖም። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሐዲጎም ድማ ንኣስታርቴታትን ጣኦታትን ኣገልገሉ። በዚ ኣበሳኦም ከኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቍጥዓ መጸ።” ሓላቑ ይሁዳ ነቲ ንጉስ ዘሕደሩሉ ሕማቕ ጽልዋ ንነብያት የሆዋ ጸማም እዝኒ ኸም ዝህቦም ገበሮ፣ ሓደ ኻብቶም ነብያት ከኣ ዘካርያስ ወዲ ዮያዳ ኢዩ ነይሩ: ንሱ ድማ ንዮኣስን ነቶም ህዝብን ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ብትብዓት ገንሖም። ዮኣስ ግን ኣብ ክንዲ ዝንሳሕ ንዘካርያስ ብዳርባ እምኒ ኸም ዝቕተል ገበሮ። ከመይ ዝበለ ጨካንን ዘይእዙዝን ሰብ ኰን ኢዩ ዀይኑ! እዚ ዅሉ ዝዀነ ድማ ብሰንኪ እቲ ሕማቕ ዕርክነት ዘሕደረሉ ጽልዋ ኢዩ።​—⁠2 ዜና መዋእል 24:⁠17-22፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠33

9. ንዮኣስን ነቶም ሓላቑን ኣብ መወዳእታ ዘጋጠሞም ነገር: ዘይምእዛዝ ዕሽነት ምዃኑ ዘረድኣና ብኸመይ ኢዩ፧

9 ዮኣስ ኰነ እቶም እኩያት ሓላቑ ንየሆዋ ብምሕዳጎም እንታይ ኣጋጠሞም፧ “ሒዶት ጭፍራ ሰብ” ጥራይ ዘለዉዎ ሰራዊት ሶርያ ንይሁዳ ወረራ እሞ “ንብዘለዉ ሓላቑ ህዝቢ . . . ኣጥፍእዎም።” እቶም ወረርቲ ነቲ ንጉስ ምስ ኣጽበቡሉ: ኵሉ ዘለዎ ጥሪቱን ኵሉ እቲ እተቐደሰ ወርቅን ብሩርን ክህቦም ተገደደ። ዮኣስ ብህይወት እኳ እንተ ተረፈ: ደኺሙን ብሕማም ማሲኑን ነበረ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ገለ ኻብቶም ገላዉኡ ተመሓሓሉሉ እሞ ቐተልዎ። (2 ዜና መዋእል 24:⁠23-25፣ 2 ነገስት 12:⁠17, 18) እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን “ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ዘይሰማዕካ: . . . ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ንምግባሩ ድማ እንተ ዘይተጠንቀቕካ: እዚ ዅሉ መርገም ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ” ብምባል እተዛረቦም ቃላት ኣማን ብኣማን ሓቂ ኢዩ።​—⁠ዘዳግም 28:15

እዙዝ ብምዃኑ ዝደሓነ ጸሓፊ

10, 11. (ሀ) ነቲ የሆዋ ንባሩኽ ዝሃቦ ተግሳጽ ምስ እነስተንትነሉ ዝጠቕመና ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ንባሩኽ እንታይ ተግሳጽ ኢዩ ሂብዎ፧

10 መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትካ እትረኽቦም ሰባት ነቲ ብስራት ተገዳስነት ዘየርእዩ ብምዃኖም ድኻም ዝስምዓካ እዋንዶ ኣሎ፧ ሓድሓደ ግዜ በቶም ሃብታማትን በቲ ጣዕሚ ናብርኦምን ትቐንእዶ ኢኻ፧ ከምዚ ዘጋጥመካ እንተደኣ ዀይኑ: ነቲ ናይ ኤርምያስ ጸሓፊ ዝነበረ ባሩኽ ዘጋጠሞ ነገራትን የሆዋ ዝሃቦ ፍቕራዊ ተግሳጽን ኣስተንትነሉ።

11 ባሩኽ ትንቢታዊ መልእኽቲ እናጸሓፈ ኸሎ ኢዩ ንዕኡ ኻብ የሆዋ መልእኽቲ ዝመጾ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብናብርኡ ኸዕዘምዝም ጀሚሩ ነይሩ: ካብቲ ንኣምላኽ ዝፍጽሞ ዝነበረ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰል ዝሓሸ ነገር ከኣ ደለየ። የሆዋ ኣብ ባሩኽ እዚ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ስለ እተዓዘበ “ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻ፧ ኣይትድለዮ። እንሆ: መዓት ኣብ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዅሉ ኸውርድ እየ። ነፍስኻ ግና ኣብ እትኸዶ ዅሉ ቦታ ዘመተ ኽትኰነልካስ ክህበካ እየ” ብምባል ብሕያውነት ንጹር ተግሳጽ ሃቦ።​—⁠ኤርምያስ 36:4፣ 45:5

12. ኣብዚ ኣገባብ እዚ “ዓብዪ ነገር” ክንደሊ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

12 ኣብዚ የሆዋ ዝሃቦ ተግሳጽ: ነዚ ኣብ ጐድኒ ኤርምያስ ቈይሙ ብተኣማንነትን ብትብዓትን ዘገልገሎ ጥዑይ ሰብኣይ እዚ ኣጸቢቑ ኸም ዝሓልየሉ ኣስተውዒልካዶ፧ ሎሚውን ብተመሳሳሊ የሆዋ ነቶም ዝሓሸ ዝመስሎም ነገራት ክስዕቡ ዝፍተኑ ሰባት ኣጸቢቑ ይሓልየሎም ኢዩ። እቲ ዘሐጕስ ግን ብዙሓት ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ልክዕ ከም ባሩኽ: በቶም ሓላፍነት ዘለዎም መንፈሳውያን ኣሕዋቶም ንእተዋህቦም ፍቕራዊ መኣረምታ ተቐቢሎምዎ ኢዮም። (ሉቃስ 15:⁠4-7) እወ: እቶም ኣብዚ ኣገባብ እዚ “ዓብዪ ነገር” ዝደልዩ ኣብ መጻኢ ጽቡቕ ከም ዘይረኽቡ ነስተውዕል። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣይረኽቡን ጥራይ ዘይኰነስ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ምስዛ ዓለምን ምስቲ ስስዐ ዝመልኦ ፍትወታን ኽሓልፉ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠19, 20፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠15-17

13. ናይ ባሩኽ ዛንታ ብዛዕባ ትሕትና እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝምህረና፧

13 ናይ ባሩኽ ዛንታ ብዛዕባ ትሕትና እውን ጽቡቕ ትምህርቲ ይህበና ኢዩ። የሆዋ ንባሩኽ ብቕጥታ ዘይኰነስ ብኤርምያስ ኣቢሉ ኢዩ ተግሳጽ ሂብዎ: ምናልባት እውን ባሩኽ ንዘይፍጽምናን ጕድለታትን ኤርምያስ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ ይኸውን። (ኤርምያስ 45:⁠1, 2) እንተዀነ ግን: ብትዕቢት ኣይተነፍሐን: የግዳስ ምንጪ ናይቲ ተግሳጽ የሆዋ ምዃኑ ኣስተውዓለ። (2 ዜና መዋእል 26:⁠3, 4, 16፣ ምሳሌ 18:⁠12፣ 19:⁠20) ስለዚ ኸይፈለጥና ‘ብሓደ በደል እንተ ተታሓዝና’ እሞ ካብ ቃል ኣምላኽ ተግሳጽ እንተ ተዋህበና: ነቲ ባሩኽ ዘርኣዮ ብስለትን መንፈሳዊ ምስትውዓልን ትሕትናን ንቕዳሓዮ።​—⁠ገላትያ 6:⁠1

14. ንመራሕትና ምእዛዝ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ትሕትና እንተ ሃልዩና: ነቶም ዝግስጹና እውን ይፈዅሶም ኢዩ። እብራውያን 13:⁠17 “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም: ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ: ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር: ብጓሂ እንተ ገበርዎ: እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ” ትብለና። ሽማግለታት ነዚ ኣጸጋሚ ዝዀነ ዕዮ ጕስነት ንምፍጻም ትብዓትን ጥበብን ብልሓትን ንምርካብ ናብ የሆዋ ብተደጋጋሚ ልባዊ ጸሎት የቕርቡ ኢዮም። እምበኣር ‘ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ንፍለጦም።’​—⁠1 ቈረንቶስ 16:⁠18

15. (ሀ) ኤርምያስ ኣብ ባሩኽ ዘለዎ ምትእምማን ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ባሩኽ ብትሕትና ይእዘዝ ብምንባሩ እንታይ ዓስቢ ረኸበ፧

15 ባሩኽ ኣረኣእያኡ ኸም ዘዐረየ ዘጠራጥር ኣይኰነን: ከመይሲ ኤርምያስ ቀጺሉ ኣዝዩ ኸቢድ ዕዮ ኢዩ ሂብዎ። እዚ ኸኣ ናብ ቤተ መቕደስ ብምኻድ ነቲ ኻብ ኣፍ ኤርምያስ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ፍርዲ ምንባብ ኢዩ ነይሩ። ባሩኽ ተኣዚዙዶ፧ እወ: “ከምቲ ነብዪ ኤርምያስ ዝአዘዞ ዅሉ ገበረ።” አረ: ሕሉፍ ሓሊፉስ ነቲ መልእኽቲ ንመሳፍንቲ የሩሳሌም እውን ኣንቢቡሎም ኢዩ: ከምዚ ምግባር ከኣ ብዙሕ ትብዓት ዝሓትት ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ኤርምያስ 36:⁠1-6, 8, 14, 15) ባሩኽ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሰሚዑ “ዓብዪ ነገር” ምድላይ ብምግዳፉ: ድሕሪ 18 ዓመታት ኣቢሉ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ምስ ወደቐት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ተሓጒሱ ክኸውን ዘለዎ!​—⁠ኤርምያስ 39:⁠1, 2, 11, 12፣ 43:⁠6

ኣብ ግዜ ኸበባ እዙዛት ብምዃኖም ህይወቶም ኣድሓኑ

16. የሆዋ ነቶም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ክኸብዋ ኸለዉ ኣብኣ ዝነበሩ ኣይሁድ ርሕራሐኡ ዘርኣዮም ብኸመይ ኢዩ፧

16 የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እትድምሰሰሉ ግዜ ምስ ቀረበ: ኣምላኽ ነቶም እዙዛት ዘበሉ ኸም ዝርሕርሓሎም እንደገና ተራእዩ ኢዩ። እቲ ኸበባ ኣብ መወዳእታ ደረጃ በጺሑ ኸሎ እውን የሆዋ ነቶም ኣይሁድ “እንሆ: ኣብ ቅድሜኹም መገዲ ህይወትን መገዲ ሞትን ኤንብር አሎኹ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚቕመጥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪመውት እዩ። ግናኸ እቲ ወጺኡ ናብቶም ከቢቦምኹም ዘለዉ ከለዳውያን ዚአቱ ብህይወቱ ኺነብር: ነፍሱ ኸኣ ዘመታኡ ኽትኰነሉ እያ” በሎም። (ኤርምያስ 21:8, 9) ተቐማጦ የሩሳሌም ጥፍኣት ዝግብኦም እኳ እንተ ነበሩ: ኣብታ ናይ መወዳእታ ሰዓት እውን ትኹን የሆዋ ነቶም እዙዛት ርሕራሐ ኣርኣዮም። b

17. (ሀ) የሆዋ ንኤርምያስ ነቶም እተኸቡ ኣይሁድ ‘ናብ ከለዳውያን ክኣትዉ’ ኽነግሮም ምስ ኣዘዞ: ተኣዛዝነቱ ብኽልተ መገዲ እተፈተነ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ካብቲ ኤርምያስ ብትብዓት ዘርኣዮ ናይ ተኣዛዝነት ኣብነት ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

17 ንኣይሁድ ኢዶም ንኽህቡ ምንጋር: ንኤርምያስ ኣብ ተኣዛዝነቱ ዝመጸ ፈተና ኰይንዎ ምንባሩ እውን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ቅድም ቀዳድም ንስም ኣምላኽ ቐናእ ኢዩ ነይሩ። ስም ኣምላኽ በቶም ንዝረኸብዎ ዓወት ሳላ እቶም ህይወት ዘይብሎም ጣኦታት ምዃኑ ዝዛረቡ ጸላእቲ ኽጽረፍ ኣይደልን ኢዩ ነይሩ። (ኤርምያስ 50:⁠2, 11፣ ድጕዓ ኤርምያስ 2:⁠16) ኣብ ርእሲ እዚውን ነቶም ህዝቢ ኢዶም ክህቡ ኽነግሮም ከሎ: ብዙሓት ከም መናዓቢ ገይሮም ስለ ዝርእይዎ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ እኳ እንተ ነበረት ከይፈርሀ ንመልእኽቲ የሆዋ ብተኣማንነት ተዛረበ። (ኤርምያስ 38:⁠4, 17, 18) ንሕናውን ልክዕ ከም ኤርምያስ ብብዙሓት ዘይፍቶ መልእኽቲ ኢና ሒዝና ዘሎና። የሱስ እኳ ኸይተረፈ በዚ መልእኽቲ እዚ ኢዩ ተናዒቑ። (ኢሳይያስ 53:⁠3፣ ማቴዎስ 24:⁠9) ስለዚ እምበኣር ‘ንሰብ ኣይንፍራህ:’ ኣብ ክንድኡስ ልክዕ ከም ኤርምያስ ንየሆዋ ብትብዓት ንተኣዘዞ: ኣብኡ ድማ ንተኣመን።​—⁠ምሳሌ 29:⁠25

ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ጎግ እዙዛት ምዃን

18. ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ መጻኢ እንታይ ንተኣዛዝነቶም ዝፍትን ኵነታት ኢዩ ኸጋጥሞም፧

18 ድሕሪ ሓጺር እዋን ብምሉኡ እዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ በቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓብዪ “መከራ” ኽጠፍእ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠21) ቀቅድሚ እዚ መከራ እዝን ደድሕሪኡን: ህዝቢ ኣምላኽ ዓብዪ ናይ እምነትን ተኣዛዝነትን ፈተና ኸም ዘጋጥሞም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንኣብነት: ሰይጣን ከም “ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ” ብምዃን ንኣገልገልቲ የሆዋ ብዘለዎ ዅሉ ሓይሊ መጥቃዕቲ ኽፍንወሎምን ኣብቲ ግዜ እቲ ‘ነታ ሃገር ከም ደበና ዝኸድኑ ብርቱዕ ሰራዊት’ ኸንቀሳቕስን ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ። (ህዝቅኤል 38:⁠2, 14-16) ህዝቢ ኣምላኽ ሒደት ስለ ዝዀኑን ዕጡቓት ብዘይ​ምዃኖምን ኣብ ትሕቲ እቶም እዙዛት ክሃድሙሉ ዝኽእሉ “ግልግሌ” የሆዋ ኢዮም ዝዕቈቡ።

19, 20. (ሀ) እስራኤላውያን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክኸዱ ኸለዉ እዙዛት ክዀኑ ዝነበሮም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጠመ ፍጻመ ብጸሎት ምስ እነስተንትነሉ ኽጠቕመና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

19 እዚ ዅነታት እዚ ነቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ዝወጹሉ ዅነታት ኢዩ ዘዘኻኽረና። የሆዋ ንግብጺ ብዓሰርተ መዓት ምስ ወቕዓ: ንህዝቡ ናብታ ምድሪ ተስፋ ብዘእቱ ዝሓጸረ መገዲ ዘይኰነስ: ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኢዩ መሪሕዎም። ኣብቲ ቦታ እቲ ኸኣ መጥቃዕቲ እንተ ወሪድዎም መህደሚ ኣይነበሮምን። ብወተሃደራዊ ዓይኒ ኽርአ ኸሎ እዚ ጕዕዞ እዚ ናብ ሞት ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ኣብቲ ቦታ እቲ እንተ ትነብር: እታ ምድሪ ተስፋ ብኻልእ ሸነኽ ከም እትርከብ እናፈለጥካ: ነቲ ብሙሴ ኣቢሉ ዝወሃብ ቃል የሆዋ ተኣዚዝካ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ገጽካ ብምሉእ ምትእምማን ምተጐዓዝካዶ፧​—⁠ዘጸኣት 14:⁠1-4

20 ኣብ ዘጸኣት ምዕራፍ 14 የሆዋ ንሓይሉ ብዘደንቕ መገዲ ብምግላጽ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዘድሓኖም ከነንብብ ንኽእል ኢና። ግዜ ወሲድና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዛንታታት ምስ እነጽንዖን እነስተንትነሉን ንእምነትና ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘደልድላ! (2 ጴጥሮስ 2:⁠9) ድልድልቲ እምነት ድማ ብግደኣ ነቲ የሆዋ ኸነማልኦ ዝሓቶ ብቕዓታት ምስ ሰብኣዊ ኣረኣእያ ኣብ ዝጻረረሉ ግዜ እውን ከይተረፈ ንኽንእዘዞ ተበርትዓና። (ምሳሌ 3:⁠5, 6) ስለዚ ንገዛእ ርእስኻ ‘ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ብጸሎት: ብምስትንታን: ከምኡውን ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ስርዓታዊ ዀይነ ብምእካብ እምነተይ ንምድልዳል እጽዕር ድየ፧’ ኢልካ ሕተታ።​—⁠እብራውያን 10:⁠24, 25፣ 12:⁠1-3

ተኣዛዝነት ተስፋ የሕድር

21. እቶም ንየሆዋ ዝእዘዝዎ ሕጅን ኣብ መጻእን እንታይ በረኸት ኢዮም ዝረኽቡ፧

21 እቶም ምስ የሆዋ ብተኣዛዝነት ዝመላለሱ ሕጂውን እንተዀነ ነቲ ኣብ ምሳሌ 1:⁠33 “እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር: ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ” ዝብል ቃላት ኣብ ናብራ ህይወቶም ይርእይዎ ኢዮም። ኣብታ እትመጽእ ዘላ መዓልቲ ሕነ የሆዋ: እዘን ዘጸናንዓ ቓላት እዚኣተን ብዘደንቕ መገዲ ኽፍጸማ ኢየን። አረ የሱስ እውን ንደቀ መዛሙርቱ “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ: ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ: ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ” ኢልዎም ኢዩ። (ሉቃስ 21:28) እምበኣር: እቶም ንኣምላኽ ዝእዘዝዎ ጥራይ ኢዮም ነዚ ቓላት እዚ ብተኣማንነት ክስዕብዎ ዝኽእሉ።​—⁠ማቴዎስ 7:⁠21

22. (ሀ) ህዝቢ የሆዋ ኽተኣማመኑሉ ዘኽእሎም እንታይ ምኽንያት ኣለዎም፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ነጥብታት ኢና ኽንመያየጥ፧

22 እተን “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም: ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ” ዝብላ ቓላት ምትእምማን ንኽህልወና ተወሰኽቲ ምኽንያት ኢየን ዝዀናና። (ኣሞጽ 3:7) ሎሚ የሆዋ ኸም ቀደም ብነብያት ገይሩ ኣይዛረበናን ኢዩ: ኣብ ክንድኡስ ንስድራ​ቤቱ በብግዜኡ መግቦም ዝህቦም እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ሸይሙ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) ስለዚ ነቲ “ባርያ” ኽንእዘዞስ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ዀን ኢዩ! እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ከም እትሕብሮ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣዛዝነት ነቲ ጐይታ እቲ “ባርያ” ዝዀነ የሱስ ዘሎና ተኣዛዝነት ኢዩ ዘንጸባርቕ። እወ: “ህዝብታት ይእዘዝዎ” እተባህለሉ የሱስ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 49:⁠10

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሓደ እንስሳታት ንኸይግፍዑ ዝጣበቕ ማሕበር: ኣንስተይቲ ደርሆ ፈራህ ከም ዝዀነት ጌርካ ትርአ እኳ እንተ ዀነት: “ንጨቓዊታ ኻብ ጕድኣት ንምዕቋብ ግን ክሳዕ ሞት ኢያ እትቃለስ” ብምባል ገለጸ።

b ኤርምያስ 38:⁠19 ብዙሓት ኣይሁድ ናብ ከለዳውያን ከም ‘ዝኣተዉ’ እሞ ናብ ምርኮ እኳ እንተ ተወስዱ: ካብ ሞት ከም ዝደሓኑ ትገልጸልና ኢያ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነዚ ስጕምቲ ዝወሰዱ ንቓላት ኤርምያስ ሰሚዖም ድዮም ኣይሰምዑን ኣይንፈልጥን ኢና። ይኹን እምበር: ካብ ሞት ብምድሓኖም ንቓላት እቲ ነብዪ ዘረጋግጽ ኢዩ።

ትዝክሮዶ፧

• ህዝቢ እስራኤል ብተደጋጋሚ ዘይእዙዛት ብምዃኖም እንታይ ኣስዓበሎም፧

• ንጉስ ዮኣስ እቲ ምስ ሰባት ዝነበሮ ምቅርራብ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ህይወቱን ጸኒሑን ጽልዋ ዝገበረሉ ብኸመይ ኢዩ፧

• ካብ ባሩኽ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

• እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ናብ መወዳእታ ገጹ ኽጐዓዝ ከሎ እዙዛት ህዝቢ የሆዋ ዋላ ሓንቲ ፍርሂ ዘይስምዖም ስለምንታይ ኢዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ዮኣስ ገና ብንእሽቶኡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ዮያዳ ኸሎ ንየሆዋ እዙዝ ነበረ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሕማቕ ዕርክነት ንዮኣስ ዘሕደረሉ ጽልዋ ንነብዪ የሆዋ ኣብ ምቕታል ኣብጽሖ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ንየሆዋ እዙዝ ብምዃን እቲ ዘደንቕ ናይ ምድሓን ሓይሉ ምረኣኻዶ፧