ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሕሪ እቲ ውግእ ኣብ ዝነበረ ናይ ምስፋሕ ዕዮ ዝረኸብኩዎ ፍሉይ መሰል

ድሕሪ እቲ ውግእ ኣብ ዝነበረ ናይ ምስፋሕ ዕዮ ዝረኸብኩዎ ፍሉይ መሰል

ታሪኽ ህይወት

ድሕሪ እቲ ውግእ ኣብ ዝነበረ ናይ ምስፋሕ ዕዮ ዝረኸብኩዎ ፍሉይ መሰል

ፊሊፕ ኤስ. ሆፍማን ዘዘንተዎ

እዋኑ ድሕሪ እቲ ግንቦት 1945 እተዛዘመ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኢዩ። ኣብ ታሕሳስ ናይታ ዓመት እቲኣ ኣወሃሃዲ ናይቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ናታን ኤች. ኖር ምስቲ ሚልተን ጂ. ሄንሸል ዝበሃል ወዲ 25 ዓመት ዝነበረ ጸሓፊኡ ናብ ዴንማርክ ምብጻሕ ገበረ። ነቲ ብሃንቀውታ እንጽበዮ ዝነበርና ምብጻሕ ዝኸውን ዓብዪ ኣደራሽ ተኻረና። ብፍላይ እቶም መንእሰያት ዘበልና ሓው ሄንሸል መሰታና ስለ ዝነበረ: “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ዘርእስቱ ዝርርብ ድማ ስለ ዘቕረበ ኣነቓቒሑና ኢዩ።​—⁠መክብብ 12:⁠1

 ኣብቲ ሽዑ እተገብረ ምብጻሕ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ንምድንፋዕ ዘደንቕ ስጕምትታት ይውሰድ ከም ዘሎ: ንሕናውን ኣብኡ ኽንካፈል ከም እንኽእል ተገልጸልና። (ማቴዎስ 24:⁠14) ንኣብነት ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ንሚስዮናዊ ዕዮ ዘሰልጥን ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተኸፍተ። ሓው ኖር ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ንኽንካፈል ተቐባልነት እንተ ረኺብና: ናብ ዓድና ኸም ዘይንምለስን ኣበይ ከም እንምደብ እውን ኣቐዲምና ኸም ዘይንፈልጥን ብንጹር ገለጸልና። ይኹን እምበር: ገሌና ኣብታ ቤት ትምህርቲ ንምእታው ኣመልከትና።

ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠመኒ ተመክሮታት ቅድሚ ምግላጸይ: ናብ ድሕሪት ተመሊሰ ኻብቲ ብ1919 እተወለድኩሉ ግዜ ኣትሒዘ ኸዘንትወልኩም። ቅድሚ ኻልኣይ ውግእ ዓለምን እቲ ውግእ ምስ ተባርዐን ንህይወተይ ኣጸቢቑ ዝጸለዎ ብዙሕ ነገራት ነይሩ።

ካብ ሓደ ብቤተሰብና እተጸልአ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምርካብ

ኣደይ ንዓይ ንበዅሪ ወዳ ብጥንስታ ኸላ: ወዲ እንተ ዀይነ ሚስዮናዊ ክዀነላ ጸልያ ነበረት። ሓዋ ሓደ ኻብቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝነበረ: እቶም ኣባላት ስድራ​ቤት ኣይፈትዉዎን ኢዮም ነይሮም። ገዛና ኣብ ጥቓ ኮፐንሃገን ኢያ ትርከብ ነይራ: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዓመታዊ ዓብዪ ኣኼባ ኽገብሩ ኸለዉ ኣደይ ነቲ ኻብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ዝመጽእ ዝነበረ ኣኮይ ቶማስ ትዕድሞ ነበረት። ብ1930 እቲ ኣኮይ ዝነበሮ ዘደንቕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ነደይ ሓንቲ ኻብቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትከውን ኣእመና።

ኣደይ መጽሓፍ ቅዱስ ትፈቱ ኢያ ነይራ። ነቲ ኣብ ዘዳግም 6:⁠7 ዘሎ ትእዛዝ ብምስዓብ ከኣ ንዓይን ንሓብተይን ‘ኣብ ቤት ኮፍ ምስ በለት: ክትከይድ ከላ: ኣብ በጥ ምባላ: ወይ ኣብ ምትንሳኣ’ ትምህረና ነበረት። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ስብከት ክካፈል ጀመርኩ። ብዛዕባ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ከምኡውን ሲኦል መሳቐዪ ሓዊ ኢዩ ዝብል ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ዝምህርኦ ትምህርትታት ምዝርራብ የሐጕሰኒ ነበረ። እዚ ትምህርትታት እዚ ጌጋ ምዃኑ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ኸርኢ እኽእል ነይረ።​—⁠መዝሙር 146:⁠3, 4፣ መክብብ 9:⁠5, 10፣ ህዝቅኤል 18:⁠4

ስድራ​ቤትና ሓድነት ረኸበት

እቲ ብ1937 ኣብ ኮፐንሃገን እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ: ኣብቲ ኣብ ዴንማርክ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ናይ ጽሑፋት መኽዘን ንግዜኡ ሓገዝ ኣድለየ። ካብ ንግዳዊ ኮለጅ ትምህርተይ ወዲአ ስለ ዝነበርኩ: ዝዀነ ይኹን ሓላፍነት እውን ስለ ዘይነበረኒ ወለንተኛ ዀይነ ሓገዝኩ። ኣብቲ መኽዘን ዝነበረ ዕዮ ምስ ተወድአ: ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንኽሕግዝ ተሓተትኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ገና ዘይተጠመቕኩ እኳ እንተ ነበርኩ: ነዊሕ ከይጸናሕኩ ካብ ቤትና ናብቲ ኣብ ኮፐንሃገን ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ገዓዝኩ። ምስ ብሱላት ክርስትያናት መዓልቲ መዓልቲ ምርኻበይ ብመንፈስ ንኽዓቢ ኣበርክቶ ገበረለይ። ንዓመታኡ ማለት ብ1 ጥሪ 1938 ንየሆዋ ህይወተይ ከም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ።

ኣብ መስከረም 1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ተባርዐ። ድሕርዚ ብ9 ሚያዝያ 1940 ወተሃደራት ጀርመን ንዴን​ማርክ ተቘጻጸርዋ። ንዓና ንዴንማርካውያን ግን ዝያዳ ናጽነት ስለ እተፈቕደልና: ዕዮ ስብከትና ኽንቅጽል ከኣልና።

ድሕርዚ ሓደ ዘደንቕ ነገር ኣጋጠመ። ኣቦይ ንጡፍን እሙንን ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ: ሓጐስ ስድራ​ቤትና ኸኣ ምሉእ ገበሮ። ስለዚ ኣነን ኣርባዕተ ኻልኦት ዴንማርካውያንን ኣብ ሻምናይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ምስ ተጸዋዕና: ብምሉኦም ስድራ​ቤተይ ደገፎም ሃቡኒ። እቲ ኣብ መስከረም 1946 ዝጀመረ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወስድ ስልጠና: ካብ ደቡብ ላንሲን ውጽእ ኢሉ ኣብ ግዝኣት ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ባህ ዘብል ቤት ትምህርቲ ኢና ኣሕሊፍናዮ።

ኣብ ጊልዓድን ድሕሪኡን ዝረኸብክዎ ስልጠና

ኣብ ጊልዓድ ተፈተውቲ ኣዕሩኽ ንኸጥሪ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ሓደ ምሸት ምስቲ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጸ ሃሮልድ ኪንግ ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሸናዕ እናበልና ኸሎና: ስልጠናና ምስ ወዳእና ኣበይ ከም እንለኣኽ ንዘራረብ ነበርና። ሃሮልድ “ነቲ ጸዓዱ ኣጻድፍ ዶቨር [ኣብ ገማግም ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ] ደጊም ኣይርእዮን ኢየ ዝብል እምነት እኳ የብለይን” በለኒ። ሓቁ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ነቲ ኣጻድፍ እንደገና ኽርእዮ ዝኸኣለ ድሕሪ 17 ዓመታት ኢዩ። ካብዘን ዓመታት እዚኣተን ከኣ ኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቻይና ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ንበይኑ ተሓቢሱ ነበረ! a

ድሕሪ ምረቓ ናብ ቴክሳስ: ሕ.መ.ኣ.: ተለኣኽኩ: ኣብኡ ድማ ገያሺ ተዓዛቢ ብምዃን ንጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እናበጻሕኩ ብመንፈስ የበራትዐን ነበርኩ። እቶም ኣሕዋት ኣእዳዎም ዘርጊሖም ኢዮም ተቐቢሎምኒ። ኣብ ቴክሳስ ዝነበሩ ኣሕዋት ካብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቐ ኣውሮጳዊ መንእሰይ ክመጾም ከሎ ባህ ኢልዎም ኢዩ። ኣብ ቴክሳስ ሸውዓተ ወርሒ ኣቢለ ምስ ጸናሕኩ ግን ናብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክምለስ ተጸዋዕኩ። ኣብኡ ድማ ሓው ኖር ኣብ ኵሉ ኽፍልታት: እቲ ዕዮ ብኸመይ ከም ዝካየድ ንኽመሃር መዘዘኒ። ድሕሪኡ ናብ ዴንማርክ ምስ ተመለስኩ: ኵሉ ኣሰራርሓ ኸምቲ ኣብ ብሩክሊን ዝጥቀሙሉ ዓይነት ከም ዝኸውን ብምግባር ነቲ እተመሃርክዎ ኣብ ግብሪ ኣውዓልክዎ። ከምዚ እተገብረ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ጨንፈራት ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ሓድነት ከም ዝህልወን ንምግባር ኢዩ ነይሩ። ጸኒሑ ሓው ኖር ናብ ጀርመን ቀየረኒ።

ነቲ እተዋህበኒ ትምህርቲ ኣብ ጨንፈራት ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ዓየኹሉ

ኣብ ሓምለ 1949 ናብ ቪስባደን: ጀርመን ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን: ብዙሓት ከተማታት ጀርመን ገና ዑናታት ኢየን ነይረን። እቶም ኣብቲ ዕዮ ስብከት መሪሕነት ዝነበሮም ኣሕዋት: ሂትለር ብ1933 ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ኣትሒዞም ስደት ዝወረዶም ሰብኡት ኢዮም ነይሮም። ገሊኣቶም ኣብ ኣብያተ⁠-​ማእሰርትን መዳጐኒ ደምበታትን ካብ ሸሞንተ ኽሳዕ ዓሰርተ ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዘሕለፉ ኢዮም። ምስዞም ኣገልገልቲ የሆዋ እዚኣቶም ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዓየኹ። እቲ ፍሉይ ኣብነቶም ነቲ ጋብሪየል ዮናን እትበሃል ጀርመናዊት ጸሓፊት ታሪኽ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝጸሓፈቶ ቓላት ኢዩ ዘዘኻኽረኒ:- “እዞም ጽኑዓት ጕጅለ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ውልቀ⁠-​ምልክነት ናዚ ሰናይ ኣብነት እንተ ዘይገድፉ ነይሮም: ታሪኽ ኦሽዊትዝን ናዚ ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቕትለትን ድሕሪ ምስማዕና ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ሰብ ክፍጽሞ ዝኽእል ምዃኑ መጠራጠረና ነይሩ።”

ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እተዋህበኒ ዕዮ: ልክዕ ከምቲ ኣብ ዴንማርክ ዝገብሮ ዝነበርኩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ሓድሽ ኣሰራርሓ ማሕበር ምትእትታው ኢዩ ነይሩ። እቶም ጀርመናውያን ኣሕዋት እቲ ምትዕርራያት: ነቲ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣሰራርሓ ዘቈናጽብ ዘይኰነስ: ኣብ መንጎ ጨንፈራት ኣብያተ⁠-​ጽሕፈትን ቀንዲ ቤት ጽሕፈትን ዘሎ ምትሕብባር ዘደልድል ምዃኑ ምስ ፈለጡ: ተሓጒሶምን ጽቡቕ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ኣርእዮምን ኢዮም።

ብ1952 ካብ ቤት ጽሕፈት ሓው ኖር እተላእከት ደብደበ መጸትኒ እሞ: ናብ በርን: ስዊዘርላንድ ክግዕዝ ድማ መምርሒ ተዋህበኒ። ካብ 1 ጥሪ 1953 ኣትሒዘ ኣብኡ ናይ ጨንፈር ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ተመዘዝኩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝረኸብክዎ ተወሳኺ ሓጐስ

ናብ ስዊዘርላንድ ካብ ዝግዕዝ ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ ምስ ኢስተር ተራኸብና: ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ተሓጸኹዋ። ኣብ ነሓሰ 1954 ሓው ኖር ናብ ብሩክሊን ክመጽእ ጻውዒት ገበረለይ: ኣብኡ ድማ ሓድሽ ዘደንቕ ስራሕ ተዋህበኒ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ኣዝየን ስለ ዝበዝሓን ዝሰፍሓን: ሓድሽ ኣሰራርሓ ክተኣታቶ ምድላው ተገብረ። ዓለም ኣብ እተወሰነ ዞን ተመቕለት: ነፍሲ ወከፍ ዞን ከኣ ብናይ ዞን ተዓዛቢ ምብጻሕ ክግበረሉ ተመደበ። ኣነ ድማ ኣብ ክልተ ዞናት ማለት ኣብ ኣውሮጳን ከባቢ ሜዲተራንያንን ከገልግል ተመደብኩ።

ድሕሪ ሓጺር እዋን ካብ ብሩክሊን ናብ ስዊዘርላንድ ተመለስኩ እሞ ናይ ዞን ምብጻሕ ንምግባር ተዳለኹ። ድሕርዚ ንኢስተር ተመርዓኹዋ: ኣብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምሳይ ሓቢራ ኸተገልግል ጀመረት። መጀመርታ ኣብ ኢጣልያ: ግሪኽ: ቆጵሮስ: ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ: ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ: ስጳኛ: ከምኡውን ኣብ ፖርቱጋል: ብድምር ኣብ 13 ሃገራት ምብጻሕ ገበርኩ። ናብ በርን ተመሊሰ ሓንሳእ ድሕሪ ምዕራፍ ንስርዓት ኮምዩኒስት ዝስዕባ ሃገራት ገዲፈ ንዅለን ዝተረፋ ሃገራት ኣውሮጳ በጻሕኩወን። ኣብታ ሓዳር ዝመስረትኩላ ፈላሚት ዓመት ንክርስትያን ኣሕዋተይ ንምግልጋል ሽዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ካብ በዓልቲ ቤተይ ተፈልየ ነይረ።

ናይ ኵነታት ለውጢ

ብ1957 ኢስተር ነፍሰ⁠-​ጾር ምዃና ፈለጠት: ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከኣ ወለድን ቈልዑን ዝነብሩሉ ቦታ ስለ ዘይኰነ ናብ ዴንማርክ ክንምለስ መደብና። ኣቦይ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐበለና: ምስኡ ኽንነብር ድማ ጀመርና። ኢስተር ንራኬል ጓልናን ንኣቦይን ክትኣልዮም ከላ: ኣነ ድማ ኣብቲ ሓድሽ ዝህነጽ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እሕግዝ ነበርኩ። ድሕርዚ መምህር ናይቲ ንሽማግለታት ጉባኤ ዝወሃብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ናይ ዞን ተዓዛብን ኰይነ ኣገልጊለ ኢየ።

ናይ ዞን ተዓዛቢ ምዃን ንነዊሕ እዋን ምጋሽ ዝሓትት ኢዩ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ጓልና ብዙሕ ኣይትረኽበንን ኢያ ነይራ። እዚ ሳዕቤናት ነይርዎ ኢዩ። ሓደ ግዜ ኣብ ፓሪስ ንእሽቶ ቤት ማሕተም ከነቕውም ከሎና ንእተወሰነ ግዜ ኣብኡ ጸናሕኩ። ኢስተርን ራኬልን ከኣ ንኽበጽሓኒ ብባቡር ናብ ጋር ዱ ኖር መጻ። ኣነን ሊዮፖልድ ዦንቴ ዝበሃል ኣብቲ ጨንፈር ዘገልግልን ድማ ኽንቅበለን ከድና። ራኬል ኣብታ ባቡር ኰይና ንሊዮፖልድ ጠመተቶ: ድሕሪኡ ኸኣ ንዓይ: መሊሳ ድማ ንሊዮፖልድ ድሕሪ ምጥማት ናብኡ ገጻ ኸይዳ ሓቘፈቶ።

ወዲ 45 ዓመት ምስ ኰንኩ እሞ ንስድራ​ቤተይ ንምድጋፍ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምስ ኣቋረጽኩ ዓብዪ ለውጢ ኢየ ገይረ። ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን ዘጥረኽዎ ተመክሮ ስለ ዝነበረኒ: ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሓደ ናብ ወጻኢ ሰደድ ዝልእኽ ትካል ኰንኩ። ኣብቲ ትካል ንትሽዓተ ዓመት ኣቢለ ድሕሪ ምስራሕ: ራኬል ትምህርታ ምስ ወድአት: ናብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዝድለዩሉ ቦታ ኼድና ንኸነገልግል ዝወሃበና ዝነበረ ምትብባዕ ክንዓየሉ መደብና።

ኣብ ኖርወይ ዝነበረ ስራሕ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚታት ድሕሪ ምምርማር: ንሓደ ስራሕ ዘናዲ ትካል ስራሕ ክረኽበለይ ሓተትኩ። እቲ ዝረኸብክዎ መልሲ ዘተባብዕ ኣይነበረን። ንወዲ 55 ዓመት ሰብኣይ ብዙሕ ተስፋ ኣይነበረን። እንተዀነ ግን: ምስቲ ኣብ ኦስሎ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ርክብ ብምግባር ኣብ ጥቓ ድሮይባክ እትበሃል ከተማ ገዛ ተኻረኹ። ስራሕ ከም ዝረክብ ከኣ እተኣማመን ነበርኩ። ከምቲ ዝሓሰብኩዎ ድማ ረኸብኩ: ኣብ ኖርወይ ከኣ ባህ ዘብል ኣገልግሎት ኣሕለፍኩ።

ብዙሓት ካብ ጉባኤና ናብ ሰሜን ገጽና ብምኻድ ኣብቲ ዘይተመደበ ዞባታት ከነገልግል ከሎና ኣዝዩ የሐጕሰኒ ነበረ። ኣብ ሓደ እነዕርፈሉ ቦታ ጎጆታት ንካረ እሞ መዓልቲ መዓልቲ ኣብቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኽራን ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ሕርሻታት ምብጻሕ ንገብር ነበርና። ነዞም ምቕሉላት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። ብዙሕ ጽሑፋት ነበርክት ነበርና: እንተዀነ ግን ድሕሪ ዓመት ኢና ተመሊስና ኽንበጽሖም እንኽእል ዝነበረና። ይኹን እምበር: እቶም ህዝቢ ኣይርስዑናን ኢዮም ነይሮም! ኢስተርን ራኬልን ነቲ ሓደ ግዜ ተመሊስና ኽንበጽሖም ምስ ከድና ልክዕ ጠፊኦም ኸም ዝነበሩ ኣባላት ስድራ​ቤቶም ገይሮም ሓቚፎም ዝሰዓሙና እዋን ኣይርስዕዖን ኢየን። ኣብ ኖርወይ ሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምግባር ናብ ዴንማርክ ተመለስና።

ካብ ስድራ​ቤተይ ዝረኸብኩዎ ሓጐስ

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ራኬል ንሓደ ኒልስ ሆየር ዝበሃል ቀናእ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ፓይነር ተሓጽየት። ድሕሪ መርዓኦም ከኣ ውሉዳት ክሳዕ ዝወልዱ ፓይነራት ኰይኖም ኣገልገሉ። ኒልስ ንስድራ​ቤቱ ዝሓሊ ንፉዕ ሰብኣይን ኣቦን ኢዩ። ሓደ ንግሆ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ንምርኣይ ንወዱ ብብሽክለታ ገይሩ ናብ ገምገም ባሕሪ ወሰዶ። ሓደ ጐረቤት ነቲ ቘልዓ እንታይ ከም ዝገበሩ ምስ ሓተቶ “ናብ የሆዋ ጸሊና” ኢሉ መለሰሉ።

ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣነን ኢስተርን: ቤንያሚንን ናድያን ዝበሃሉ ደቂ ጓልና ኽጥመቑ ኸለዉ ብዓይንና ንምርኣይ ተዓዲልና ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኒልስ እውን ኣብኡ ነይሩ ኢዩ: ናባይ ቅርብ ኢሉ ኸኣ ዓይኒ ዓይነይ እናጠመተ “ናይ ሓቂ ሰብኣይ ኣይበክን ኢዩ” በለኒ። እንተዀነ ግን ሓንሳእ ከይጸናሕና ተሓቛቚፍና ነባዕና። ምሳኻ ሓቢሩ ዝስሕቕን ዝነብዕን ሰብኣይ ጓል ምርካብሲ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ!

ተወሳኺ ናይ ኵነታት ለውጢ

ኣነን ኢስተርን ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዴንማርክ ተመሊስና ኸነገልግል ምስ ተሓተትና እውን ተወሳኺ በረኸት ረኺብና ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ኣብ ሆልበክ ኣዝዩ ዓብዪ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንምህናጽ ምድላዋት ይግበር ነበረ። ኣነ ድማ ተዓዛቢ ናይቲ ብወለንተኛታት ዝዕየ ዕዮ ህንጸት ኰይነ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኸብኩ። ኣብ መወዳእታ 1982 ኣዝዩ ቘራሪ ወርሓት እኳ እንተ ነበረ: እቲ ፕሮጀክት ተዛዘመ። ኵላትና ብሓባር ኣብቲ ዝሓሸን ሰፊሕን ህንጻ ብምእታውና ኸኣ ተሓጐስና።

ነዊሕ ከይጸናሕኩ ናይ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ተዋህበኒ: እዚውን ኣዝዩ ዘሐጕሰኒ ስራሕ ኢዩ። ኢስተር ከኣ ናይ ቴለፎን ኦፕሬተር ኰይና ትዓዪ ነበረት። ይኹን እምበር: ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ብመጥባሕቲ ምሕኵልታ ኣቐየረት: ዓመትን መንፈቕን ጸኒሓ ኸኣ ናይ ሓሞት መጥባሕቲ ገበረት። እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብዙሕ ሓልዮት የርእየና እኳ እንተ ነበረ: ኣገልግሎት እንተ ኣቋረጽና ኸም ዝሓይሽ ወሰንና። ናብቲ ጓልናን ስድራ​ቤታን ዘለዉዎ ጉባኤ ኸኣ ገዓዝና።

ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ኢስተር ጥዕና የብላን። እንተዀነ ግን: ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ዘሕለፍናዮ ሓያሎ ዓመታት ብዙሕ ለውጥታት ክንገብር እኳ እንተ ኣድለየና: እተደንቕ ደጋፊትን ብጸይትን ኰይናትኒ ኢያ። ጥዕና እናሰኣንና ንኸይድ እኳ እንተለና: ክልቴና ግን ብዓቕምና ኣብ ዕዮ ስብከት ንካፈል ኢና። ንህይወተይ ምልስ ኢለ ኸስተንትነሉ ኸለኹ ነተን “ዎ ኣምላኽ: ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ” ዝብላ ቓላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብሞሳ ኢየ ዝዝክረን።​—⁠መዝሙር 71:17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 15 ሓምለ 1963 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 437-42 ርአ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ብ1949 ገና ዝህነጽ ዝነበረ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ጨንፈር: ጽሑፋት እናኣራገፍና ኸሎና

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መተዓይይተይ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ከምኡውን ኣብ ጥቅምቲ 1955 ኣብ በርን ኣብ ዝርከብ ቤትኤል ክንምርዖ ኸሎና ምስ ኤስተር እተሰኣልኩዎ ስእልታት