ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ካልእ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ህንጻ ዓዲግካ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምግባሩ ምትሕንፋጽ እምነት ድዩ፧

ብሓፈሻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ከምዚ ዝኣመሰለ ውዕላት ክገብሩ ኣይደልዩን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ውዕል ምግባር ምትሕንፋጽ እምነት ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ከም ንሓንሳእ እተገብረ ናይ ንግዲ ውዕል ጥራይ ጌርካ ኢዩ ኽርአ ዝከኣል። እታ ኸምዚ ዝኣመሰለ ውዕል ዝገበረት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ካልእ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ብምትሕብባር ክልቲኦም ዝጥቀመሉ ናይ ኣምልኾ ቦታ ኣይትሃንጽን ኢያ ዘላ።

ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምትሕንፋጽ እምነት ክበሃል ዝኽእል ደኣ እንታይ ምስ ዝግበር ኢዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ መምርሒ እስከ ንርአ:- “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፤ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት አልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧ . . . ስለዚ፤ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን: ኣነውን ክቕበለኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር።” (2 ቈረንቶስ 6:14-17) ጳውሎስ ‘ርክብን ሕብረትን’ ዝብላ ቓላት እንታይ ንምምልካት ኢዩ ተጠቒሙለን፧

እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ርክብ ምስቶም ኣምለኽቲ ጣኦትን ዘይኣመንትን: ኣምልኾን መንፈሳዊ ንጥፈታትን ምግባር ዘጠቓልል ምዃኑ ንጹር ኢዩ። ንሰብ ቈረንቶስ ‘ካብ መኣዲ ኣጋንንቲ ንኸይምቀሉ’ ኣጠንቂቕዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:⁠20, 21) ስለዚ ምትሕንፋጽ እምነት ክበሃል ዝከኣል ምስ ካልኦት ሃይማኖታውያን ማሕበራት ኣብ ኣምልኾ ወይ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ሕብረት ምስ ዝህሉ ኢዩ። (ዘጸኣት 20:⁠5፣ 23:⁠13፣ 34:⁠12) ንሓደ ሃይማኖታዊ ማሕበር ዘገልግል ዝነበረ ህንጻ ምስ ዝዕደግ: ንኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘድሊ ህንጻ ንምጥራይ ተባሂሉ ጥራይ ኢዩ ዝግበር። ከም ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ቕድሚ ምግልጋሉ: ዝዀነ ይኹን ሓድግታት ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኸይህልዎ ይጸሪ ኢዩ። ምስ ተዓራረየ ንኣምልኾ የሆዋ ጥራይ ንኸገልግል ይውፈ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ኣምልኾ ሕብረት ኰነ ርክብ የለን።

ከምዚ ዝኣመሰለ ውዕል ኣብ ዝግበረሉ ግዜ: ምስቶም ሸየጥቲ ዝግበር ርክብ ክበዝሕ ኣይግባእን: እቲ ርክብ ድማ ነቲ ውዕል ንምግባር ጥራይ ክኸውን ይግባእ። ኣባላት ክርስትያናዊት ማሕበር ነቲ ጳውሎስ ‘ምስ ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ንኸይጽመዱ’ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኽርስዑ የብሎምን። ንርእስና ኻብቶም ካልእ እምነታት ዘለዎም ሰባት ከም እንበልጽ ጌርና እኳ እንተ ዘይወሰድና: ምሳታቶም ማሕበራዊ ርክብ ኣይንገብርን ወይ ኣብ ኣምልኾኦም ኣይንሓብርን ኢና። a

ሓንቲ ጉባኤ ናይ ሓደ ሃይማኖታዊ ማሕበር ህንጻ ብዛዕባ ምክራይ ዝመጸኸ፧ ክራይ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐጻሊ ርክብ ምግባር ዝሓትት ኢዩ: ስለዚ ኽውገድ ኣለዎ። እቶም ኣካል ሽማግለታት ከምዚ ዝኣመሰለ ህንጻ ንሓንሳእ እውን እንተዀነ ቅድሚ ምክራዮም ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክሓስቡሉ ይግባእ:- ኣብ ውሽጢ ወይ ወጻኢ እቲ ህንጻ ዝዀነ ይኹን ጣኦት ወይ ሃይማኖታዊ ምልክት ክህሉዶ ኢዩ፧ ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ሰባት ነዚ ህንጻ እዚ ምጥቃምና ብኸመይ ይርእይዎ፧ ዝዀነ ይኹን ኣባል ጉባኤና እዚ ህንጻ እዚ ብምጥቃምና ይዕንቀፍዶ ዀን ይኸውን፧ (ማቴዎስ 18:⁠6፣ 1 ቈረንቶስ 8:⁠7-13) እቶም ሽማግለታት ነዚ ረቛሒታት እዚ ድሕሪ ምምርማር ውሳነ ኽገብሩ ኣለዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ህንጻ ዓዲጎም ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕያር ውሳነ ኽገብሩ ኸለዉ ድማ ሕልናኦምን ሕልና ኣባላት እታ ጉባኤን ኣብ ግምት ከእትዉ ኣለዎም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ምስቶም የሆዋ ዘይሰምሮም ትካላት ውዕላት ብዛዕባ ምግባር ብዝምልከት ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28ን 29ን ርአ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

እዚ ኣቐዲሙ ቤት ጸሎት ዝነበረ ህንጻ: ተዓዲጉ ምትዕርራይ ምስ ተገብረሉ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ