ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰይጣን ጽውጽዋይ ድዩ ወይስ ብሓቂ ዘሎ እኩይ ፍጥረት፧

ሰይጣን ጽውጽዋይ ድዩ ወይስ ብሓቂ ዘሎ እኩይ ፍጥረት፧

ሰይጣን ጽውጽዋይ ድዩ ወይስ ብሓቂ ዘሎ እኩይ ፍጥረት፧

 ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንመስተውዓልቲ ሰባት መበቈል እከይ ከገድሶም ጸኒሑ ኢዩ። ኣብታ ብጄምስ ሃስቲን እተዳለወት ኤ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ባይብል “ወድሰብ ምስትውዓል ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽቈጻጸሮም ዘይክእልን ጐዳኢ ወይ ኣዕናዊ ጽልዋ ዘሕድሩን ሓይልታት ኣጋጢሞምዎ ኢዮም” ዝብል ሓሳብ ንረክብ ኢና። ብተወሳኺውን እዚ መወከሲ ጽሑፍ እዚ “ጥንቲ ዝነበሩ ደቅሰብ ጠንቂ ናይዚ ኽፈልጡ ጽዒሮም ኢዮም: ንባህርያዊ ሓይልታትን ካልእ ተፈጥሮ ዝግለጸሉ መገድታትን ከኣ ከም ኣካል ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ” በለ።

ብመሰረት ጸሓፍቲ ታሪኽ: ካብ መጀመርታ ታሪኽ መሶጶታምያ ኣትሒዝካ ጋኔናዊ ኣማልኽትን እኩያት መናፍስትን ይእመነሎም ነይሩ ኢዩ። ጥንታዎት ባቢሎናውያን ገዛኢ ናይቲ ኻልኣይ ዓለም ወይ ገዛኢ ናይቲ “ምስ ከድካ ዘይትምለሰሉ ዓለም:” ኔርጋል ዝበሃል ኰይኑ “ብሓዊ ዘቃጽል” ሕሱም ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሮም ይኣምኑሉ ነበሩ። ንኣጋንንቲ እውን ይፈርሁዎም ብምንባሮም ብድጋም ገይሮም ከሐጕስዎም ይጽዕሩ ነበሩ። ግብጻውያን ድማ ሴት ዝበሃል ናይ እከይ ኣምላኽ ነበሮም: እዚ ድማ ብሓደ “ቀጢንን ጠዋይን ኣፍንጫ: ቀጥ ዝበለን በሊሕ ዝጫፉን ኣእዛን: ከምኡውን መስአ ዝመስል ተሪር ጭራ ዘለዎ ፍልይ ዝበለ እንስሳ” ይውከል ነበረ።​—⁠ላሮስ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ሚቶሎጂ

ግሪኻውያንን ሮማውያንን ጽቡቕ ከምኡውን ሕማቕ ዝገብሩ ኢሎም ዝኣምንሎም ኣማልኽቲ እኳ እንተ ነበርዎም: ሓለቓ እከይ ዝብልዎ ግን ኣይነበሮምን። ፈላስፋታቶም ክልተ ዝጻረሩ ስርዓታት ከም ዘለዉ ኢዮም ዝምህሩ ነይሮም። ኢምፐዶክለስ ዝበሃል ፈላስፋ ነቲ ኽልተ ዝጻረር ስርዓታት ፍቕርን ጽልእን ብምባል ክገልጾ ኸሎ: ፕላቶ ኸኣ ኣብ ዓለም ጽቡቕ ዝገብሩን ክፉእ ዝገብሩን ክልተ “ነፍሳት” ከም ዘለዉ ይኣምን ነበረ። ጆርጅ ሚንቶስ ኣብታ ለ ዲያብለ (ድያብሎስ) ዘርእስታ መጽሓፉ ኸም ዝገለጾ “ኣብ ግሪኽን ሮማን ዝነበረ ናይ ጥንቲ ኣረመናዊ ሃይማኖት ንህላወ ድያብሎስ ኣፍልጦ ኣይህበሉን ኢዩ ነይሩ” በለ።

ኣብ ኢራን ዝርከብ ዞሮኣስትራኒዝም ዝበሃል ሃይማኖት እቲ ዝለዓለ መለኮት ዝዀነ ኣሁራ ማዝዳ ወይ ኦርማዝድ ነቲ እከይ ክገብር ብምውሳኑ ኣዕናዊ መንፈስ ዝዀነ ኣንግራ ማይንዩ ወይ ኣሪማን ከም ዝፈጠሮ ኢዩ ዝምህር።

ኣብ ኣይሁድነት ምስ እንመጽእ ሰይጣን ሓጢኣት ዘምጽአ ተጻራሪ ኣምላኽ ምዃኑ ዝገልጽ ንጹር መግለጺ ንረክብ ኢና። ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት ግን እዚ እምነት እዚ ብኣረመናዊ ኣረኣእያ ተበከለ። ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ ከምዚ ይብል:- “ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. . . . ብዙሕ ለውጥታት ተገይሩ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ሃይማኖት [ኣይሁድ] . . . ኣምላኽን እቶም ሓይልታት ጽቡቕን ሓቅን ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ብሓያላት እኩያትን መታለልትን ሓይልታት ምጽራር የጋጥሞም ኢዩ ዝብል እምነት ተኣታተወ። እዚ ኸኣ ሃይማኖት ፋርሳውያን ካብ ዘሕደሮ ጽልዋ ዝመጸ ኢዩ ዝመስል።” ዘ ኮንሳይስ ጂውሽ ኢንሳይክሎፔድያ እውን “ነቲ ትእዛዛት ብምኽባርን ክታብ ብምእሳርን ኣጋንንቲ ንኸየጥቅዑኻ ዕቝባ ኽርከብ ይከኣል ነበረ” በለ።

ናይ ክሕደት ትምህርቲ ክርስትና

ከምቲ ኣብ ኣይሁድነት ብዛዕባ ሰይጣንን ኣጋንንትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ ሓሳባት እተኣታተወ: ከሓድቲ ክርስትያናት ድማ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ኣማዕቢሎም ኢዮም። ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሸነሪ “ሓደ ኻብቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ጥሩፍ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ: ኣምላኽ ንህዝቡ ሓራ ምእንቲ ኸውጽእ ንሰይጣን ዋጋ በጅነት ከፊልዎ” ዝብል ምዃኑ ገለጸት። ነዚ ኣረኣእያ እዚ ዘቕረቦ ኢሪኒየስ ኢዩ (ኣብ ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ.)። ኦሪጀን ድማ (ኣብ ሳልሳይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ.) “ድያብሎስ ንሰባት ናይ ምቍጽጻር መሰል ኣለዎ” ከምኡውን “ሞት ክርስቶስ . . . ንድያብሎስ እተኸፍለ ዋጋ በጅነት ኢዩ” ዝብል ሓሳባት ብምብጋስ ነዚ ኣማዕበሎ።​—⁠ሂስትሪ ኦቭ ዶግማ: ብኣዶልፍ ሃርናክ

ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ዝገለጾ “ንሓደ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ [እቲ ዋጋ በጅነት ንድያብሎስ ኢዩ ተኸፊሉ ዝብል ኣረኣእያ] ኣብ ታሪኽ ስነ⁠-​ሃይማኖት ዓብዪ ግደ ነበሮ:” ሕጂውን ቤተ⁠-​ክርስትያን ትኣምነሉ ኢያ። ከም እኒ ኦገስቲን (ኣብ ራብዓይን ሓምሻይን ዘመን ከ.ኣ.ዘ.) ዝኣመሰሉ ኻልኦት ኣበው ቤተ⁠-​ክርስትያን: ዋጋ በጅነት ንሰይጣን ኢዩ ተኸፊሉ ዝብል ኣረኣእያ ተቐበልዎ። ኣብ መወዳእታ ኣንስለምን ኣብላርድን ዝበሃሉ ናይ ካቶሊክ ሃይማኖታውያን ምሁራት ኣብ መበል 12 ዘመን ከ.ኣ.ዘ. መስዋእቲ ክርስቶስ ናብ ኣምላኽ ደኣ እምበር ናብ ሰይጣን ኣይቀረበን ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሑ።

ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረ ማሪታዊ እምነታት

ብዛዕባ ሰይጣን ዝምልከት ጕዳይ ኣብ ዝበዝሕ ዋዕላታት ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ከይተላዕለ ድሕሪ ምጽናሕ: ብ1215 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ እተገብረ ራብዓይ ናይ ላተራን ዋዕላ ተጠቒሱ ኣሎ። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ድማ ነቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝወጸ መግለጺ “ቅዱስ መግለጺ እምነት” ኢላቶ ኣላ: 1ይ ቀኖና ኸኣ “ኣምላኽ ንድያብሎስን ካልኦት ኣጋንንትን ክፈጥሮም ከሎ ጽቡቕ ባህሪ ኢዩ ነይርዎም: እንተዀነ ግን ባዕሎም እኩያት ኰኑ” ይብል። ብተወሳኺውን እዚኣቶም ንደቅ​ሰብ ኣብ ምፍታን ከም እተዋፈሩ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ዳሕረዋይ መግለጺ ነቶም ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት ስለ ዘጨነቖም ዘይርድኦም ዓይነት ሕማም: ሃንደበታዊ ሞት: እኹል ምህርቲ ዘይምሕፋስ: ኰታስ ዝዀነ ይኹን ፍልይ ዝበለ ነገር ከጋጥሞም ከሎ ሰይጣን ኢዩ ኣምጺእዎ ኽብሉ ጀመሩ። ብ1233 ከ.ኣ.ዘ. ጳጳስ ግሪጎሪ ታሽዓይ ንመናፍቓን ኰኑ ንኣምለኽቲ ድያብሎስ ዝዅንን ኣዋጃት ኣውጽአ።

ድያብሎስ ወይ ኣጋንንቱ ኣብ ሰባት ክሓድሩ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል እምነት ክቱር ፍርሂ ኣስማትን ጥንቈላን ኣሕደረሎም። ካብ መበል 13 ክሳዕ መበል 17 ዘመን ኣብ ዝነበረ እዋን ፍርሂ ጠንቈልቲ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ኣስፋሕፍሐ: ኣብቲ ኣውሮጳውያን ዝገዝእዎ ዝነበሩ ሰሜን ኣመሪካ እውን በጽሐ። እቶም ናይ ፕሮተስታንት ተሃድሶ ዝጀመሩ ማርቲን ሉተርን ጆን ካልቪንን እውን ከይተረፉ ጠንቈልቲ ንእተባህላ ምቕታል ሰሚሮምዎ ኢዮም። ኣብ ኣውሮጳ ንጠንቈልቲ ናይ ምፍራድ ስልጣን ዝነበሮም እቶም ብካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ንመናፍቓን ንምፍራድ ስልጣን እተዋህቦምን ዓለማዊ ኣብያተ⁠-​ፍርድን ክዀኑ ኸለዉ ኣብ በላበለው ወይ ብተንኰል ኣብ እተኣልመ ዅነኔ ተመርኲሶም ከኣ ኢዮም ዝፈርዱ ነይሮም። እታ “ገበነኛ” ኽሳዕ እትናዘዝ ከኣ የሳቕይዋ ነበሩ።

እተን ገበነኛታት ኰይነን እተረኽባ ብሓዊ ይቃጸላ: ኣብ እንግሊዝን ስኮትላንድን ዝነብራ እንተደኣ ዀይነን ከኣ ይስቀላ ነበራ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዝሒ ናይተን ኣብቲ ግዜ እቲ እተቐትላ ኽገልጽ ከሎ “ብመሰረት ገሊኣቶም ጸሓፍቲ ታሪኽ ካብ 1484 ክሳዕ 1782 ኣብ ዘሎ እዋን ቤተ⁠-​ክርስትያን 300,000 ንዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ጠንቈልቲ ኢየን ብምባል ቀቲላተን ኢያ” ይብል። ሰይጣን ነዚ ኣብ ማእከላይ ዘመን እተፈጸመ ዘሕዝን ተግባር ይደፋፍኦ እንተ ነይሩ: እተን ግዳያት ድየን ወይስ እቶም ጥሩፋት ሃይማኖታውያን ሰጐጕቲ ኢዮም መሳርሒኡ ዝነበሩ፧

ኣብዚ ግዜና ዘሎ እተፈላለየ ኣረኣእያ

መበል 18 ዘመን ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዘስፋሕፍሓሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ብዛዕባዚ ኸምዚ በለ:- “ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዘበገሶ ፍልስፍናታትን ስነ⁠-​ሃይማኖትን ነቲ ድያብሎስ ኣሎ ዝብል ኣረኣእያ ናይ ማእከላይ ዘመን ጽውጽዋያት ኢዩ ብምባል ካብ ኣእምሮ ክርስትያናት ክሓኮ ጸዓረ።” ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ⁠-​ክርስትያን እዚ ስለ ዘተሓሳሰባ ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ቫቲካን (1869-70) ህላወ ሰይጣን ድያብሎስ ከም እትኣምን ኣረጋገጸት: ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን (1962-65) እውን ነዚ ጕዳይ እዚ እናተሰከፈት ከም እትኣምነሉ ገለጸት።

ኣብ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ተገሊጹ ኸም ዘሎ “እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን መላእኽትን ኣጋንንትን ከም ዘለዉ ትኣምን ኢያ።” ይኹን እምበር: ብፈረንሳይኛ እተዳለወ ቲኦ ዝበሃል ናይ እምነት ካቶሊክ መዝገበ⁠-​ቓላት “ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያናት ኣብዛ ዓለምና ዝግበር እከይ ምስ ድያብሎስ ኣየተሓሕዝዎን ኢዮም” ብምባል ይእመን። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ናይ ካቶሊክ ምሁራት ነቲ ቤተ⁠-​ክርስትያኖም እትኣምነሉ ወግዓዊ ሰረተ⁠-​እምነትን ዘመናዊ ኣተሓሳስባን ንኸይጋጨዎም ተጠንቂቖም ኢዮም ዝመላለሱ ዘለዉ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከም ዝገለጾ “እቲ ስፍሕ ዝበለ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰይጣን ዝህቦ መግለጺ ቓል ብቓሉ ዘይኰነስ ምሳልያዊ ኸም ዝዀነ ማለት ነቲ ኣብ ኣድማስ ዘሎ እከይ ግሁድን ኣዝዩ ሰፊሕን ከም ዝዀነ ንምሕባርን ኢልካ እተጻሕፈ ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣለዎ።” እዚ መወከሲ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ፕሮተስታንት እውን “ኣብዚ ዘመንና ዘለዉ ፕሮተስታንት ዝስዕብዎ ስፍሕ ዝበለ ኣረኣእያ እውን ድያብሎስ ዝበሃል ኣካል ዘለዎ ፍጡር ከም ዘሎ ኣይቅበልን ኢዩ” በለ። እንተዀነ ግን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰይጣን ዝገልጾ ነገራት “ምሳልያዊ” ኸም ዝዀነ ገይሮም ድዮም ክወስድዎ ዘለዎም፧

ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይምህር፧

ሰብኣዊ ፍልስፍናን ትምህርቲ ሃይማኖትን ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንጪ እከይ ዝገልጾ ነገር ዝሓይሽ መግለጺ ኣይሃበን። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ሰይጣን ዝህበና ትምህርቲ: ምንጪ እከይን ስቓይ ደቅ​ሰብን ከምኡውን ዓመጻ ስለምንታይ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ንኽንርዳእ መሰረት የንብረልና ኢዩ።

ገሊኣቶም ሰባት ‘ኣምላኽ ሰናይን ፈቃርን ፈጣሪ እንተ ዀይኑ: ከም ሰይጣን ዝኣመሰለ እኩይ መንፈሳዊ ፍጥረት ዝፈጠረ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ፍጥረት የሆዋ ኣምላኽ ፍጹም ከም ዝነበረን ኵላቶም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ዝደለይዎ ናይ ምምራጽ ክእለት ኸም እተዓደሉን ይሕብረና ኢዩ። (ዘዳግም 30:⁠19፣ 32:⁠4፣ እያሱ 24:⁠15፣ 1 ነገስት 18:⁠21) እምበኣር እቲ ደሓር ሰይጣን ዝዀነ መንፈሳዊ ፍጥረት ፍጹም ኰይኑ ኢዩ ተፈጢሩ ነይሩ: ካብ መገዲ ሓቅን ጽድቅን ዝዘምበለ ኸኣ ኰነ ኢሉ ብዝገበሮ ምርጫ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።​—⁠ዮሃንስ 8:⁠44፣ ያእቆብ 1:⁠14, 15

እቲ ሰይጣን ዝመረጾ ዓለወኛ መገዲ ምስቲ ‘ፍጹም ዝመልክዑን ካብታ እተፈጥረላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኽበሉ ግዜ ብመገዱ ፍጹም ዝነበረን’ ተባሂሉ ዘሎ “ንጉስ ጢሮስ” ዝገበሮ ተግባር ኣጸቢቑ ይመሳሰል ኢዩ። (ህዝቅኤል 28:⁠11-19) ሰይጣን ንየሆዋ ‘ልዑል ኣይኰነን’ ወይ ‘ፈጣሪ ኣይኰነን’ ብምባል ኣይተጻረሮን። ንሱ ባዕሉ እውን ከይተረፈ ብኣምላኽ ስለ እተፈጥረ ኸምዚ ኽብል ኣይክእልን ኢዩ። የግዳስ ነቲ የሆዋ ንሉዓላውነቱ ዝጥቀመሉ ዘሎ መገዲ ኢዩ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ። ኣብ ገነት ኤድን ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝጠቕሞም መሰል ከሊእዎም ዝብል ሓሳብ ኣበገሰ። (ዘፍጥረት 3:⁠1-5) ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ጽድቃዊ ሉዓላውነት የሆዋ ኸም ዝዓልዉን ኣብ ገዛእ ርእሶም ኰነ ኣብ ዘርኦም ሓጢኣትን ሞትን ከም ዘምጽኡን ብምግባር ከኣ ተዓወተ። (ዘፍጥረት 3:⁠6-19፣ ሮሜ 5:⁠12) ስለዚ ሰይጣን ፈላሚ ስቓይ ደቅሰብ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ።

ማይ ኣይሂ ቕድሚ ምዝናሙ ኸኣ ገለ መላእኽቲ ንሰይጣን ኣብቲ ዕልዋኡ ሓበርዎ። ስጋ ለቢሶም ጾታዊ ባህግታቶም ንምርዋይ ምስ ኣዋልድ ሰብ ተኣታተዉ። (ዘፍጥረት 6:⁠1-4) ማይ ኣይሂ ምስ መጸ እዞም ከዳዓት መላእኽቲ ናብ መንፈሳዊ ዓለም እኳ እንተ ተመልሱ: ናብቲ “ሰፈሮም” ማለት ናብቲ ኣምላኽ ዝነብረሉ ሰማይ ግን ኣይተመልሱን። (ይሁዳ 6) ኣብ ድቕድቕ መንፈሳዊ ጸልማት ኢዮም ተደርብዮም። (1 ጴጥ​ሮስ 3:⁠19, 202 ጴጥሮስ 2:⁠4) እዚኣቶም ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ሉዓላውነት የሆዋ ኣየገልገሉን: የግዳስ ንሰይጣን ዝግዝኡ ኣጋንንቲ ኢዮም ኰይኖም። እንደገና ስጋ ኽለብሱ እኳ እንተ ዘይከኣሉ ንኣእምሮን ህይወትን ሰባት ክጸልዉ ይኽእሉ ኢዮም: ንመብዛሕትኡ ኣብዚ ግዜና እንርእዮ ዓመጻ ኸኣ ተሓተትቲ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን።​—⁠ማቴዎስ 12:⁠43-45፣ ሉቃስ 8:⁠27-33

ግዝኣት ሰይጣን ዘብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ

እኩያት ሓይልታት ኣብዚ ግዜና ንዓለምና ይጸልዉዋ ምህላዎም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ኣላ’ ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠1 ዮሃንስ 5:19

ይኹን እምበር: ድያብሎስ ንኽእሰር “ቅሩብ ዘመን” ከም ዘለዎ ፈሊጡ ኣብ ምድሪ ዘምጽኦ መዓት የጋድዶ ኸም ዘሎ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና ኢዩ። (ራእይ 12:⁠7-12፣ 20:⁠1-3) እታ ንብዓት: ሞት: ከምኡውን ስቓይ ‘ዘይኰነላ’ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ምስ መጸት ግዝኣት ሰይጣን ከብቅዕ ኢዩ። ድሕሪኡ ፍቓድ ኣምላኽ “ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ክኸውን ኢዩ።​—⁠ራእይ 21:⁠1-4፣ ማቴዎስ 6:⁠10

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ባቢሎናውያን ኔርጋል (ጸጋማይ ጫፍ ) ኣብ ዝበሃል ሕሱም መለኮት ይኣምኑ ነበሩ፣ ፕላቶ (ጸጋም ) ክልተ ዝጻረር “ነፍሳት” ኣሎ ዝብል እምነት ነበሮ

[ምንጪ ስእሊ]

Cylinder: Musée du Louvre, Paris; Plato: National Archaeological Museum, Athens, Greece

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኢሪኒየስ: ኦሪጀን: ከምኡውን ኦገስቲን እቲ ዋጋ በጅነት ንድያብሎስ ኢዩ ተኸፊሉ ኢሎም መሃሩ

[ምንጪ ስእሊ]

Origen: Culver Pictures; Augustine: From the book Great Men and Famous Women

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ፍርሂ ጠንቈልቲ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸራ ኣንስቲ ኣብ ምቕታል ኣብጽሐ

[ምንጪ ስእሊ]

From the book Bildersaal deutscher Geschichte