ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንድያብሎስ ተጻረርዎ’

‘ንድያብሎስ ተጻረርዎ’

‘ንድያብሎስ ተጻረርዎ’

“ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ።”​—⁠ያእቆብ 4:7

1. ብዛዕባ ኣብዛ ዓለምና ዘሎ ዅነታት እንታይ ክበሃል ይከኣል: እቶም ቅቡኣትን ብጾቶምን ንቑሓት ክዀኑ ዘለዎምከ ስለምንታይ ኢዮም፧

 “ኣምላኽ ጠፊኡ: ድያብሎስ ግን ኣሎ።” እዘን ኣንድሬ ማልሮ ዝበሃል ፈረንሳዊ ደራሲ ዝጸሓፈን ቃላት ምስዚ ኣብ ዓለም እንርእዮ ዘሎና ዅነታት ብሓቂ ዝሰማምዓ ኢየን። ሰባት ዝገብርዎ ዘለዉ ተግባራት ድሌት ድያብሎስ ደኣ እምበር ፍቓድ ኣምላኽ ኣየንጸባርቕን ኢዩ ዘሎ። ሰይጣን ‘ነቶም ዝጠፍኡ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ: ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን’ የስሕቶም ኣሎ። (2 ተሰሎንቄ 2:9, 10) ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ግን መጥቃዕቲ ሰይጣን ኣብቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢዩ ኣተኲሩ ዘሎ: “ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ቅቡኣት ክርስትያናት ከኣ ይዋጋእ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1፣ ራእይ 12:⁠9, 17) እዞም ምስክር ሒዞም ዘለዉን እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብጾቶምን እምበኣር ንቑሓት ክዀኑ ኣለዎም።

2. ሰይጣን ንሄዋን ዘስሓታ ብኸመይ ኢዩ: ሃዋርያ ጳውሎስከ እንታይ ከም ዘስግኦ ኢዩ ዝገለጸ፧

2 ሰይጣን ዝወጸሉ መታለሊ ኢዩ። ንሄዋን ብተመን ገይሩ ብምዝራብ ካብ ኣምላኽ ተፈልያ ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብ ከም እትኽእል ኣእመና። (ዘፍጥረት 3:⁠1-6) ድሕርዚ ኣርባዕተ ሽሕ ዝኸውን ዓመታት ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣደዳ ውዲት ሰይጣን ከይኰኑ ዘለዎ ስግኣት ገለጸ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ: ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ አሎኹ።” (2 ቈረንቶስ 11:3) ሰይጣን ንኣተሓሳስባ ሰባት የበላሹን ይጠውን ኢዩ። ከምቲ ንሄዋን ዘስሓታ ንክርስትያናት እውን ነቲ የሆዋን ወዱን ዘይፈትዉዎ ብምግባር ሓጐስ ክርከብ ከም ዝኽእል ገይሮም ከም ዝሓስቡ ኽገብሮም ይኽእል ኢዩ።

3. የሆዋ ኻብ ድያብሎስ ዕቝባ ንኽንረክብ ብኸመይ ኢዩ ምድላው ዝገብረልና፧

3 ሰይጣን ምስ ሓደ ብመጻወድያ ገይሩ ኣዕዋፍ ዝሕዝ ሃዳናይ ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። ካብ መጻወድያታት ሰይጣን ንምምላጥ ‘ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ኽንሓድር’ ኣሎና: እዚ ድማ የሆዋ ነቶም ናይ ኣድማስ ሉዓላውነቱ ኣብ ተግባራቶም ኣፍልጦ ዝህቡ ሰባት ዘዕቍበሉ ምሳልያዊ ቦታ ኢዩ። (መዝሙር 91:⁠1-3) ‘ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽንክእል’ ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ብቓሉ: ብመንፈሱ: ከምኡውን ብማሕበሩ ኣቢሉ ዘዳለዎ ዕቝባ ኽንጥቀመሉ ኣሎና። (ኤፌሶን 6:⁠11) እታ ኣብዚ “ፍሕሶ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ውዲት” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል ኢያ። ብዘይ​ጥርጥር እምበኣር ድያብሎስ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምውዳቕ ብዙሕ ፍሕሶታትን ውዲታትን ይጥቀም ኢዩ።

ሰይጣን ንቐዳሞት ክርስትያናት ዘጻወደሎም መጻወድያታት

4. ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለት ዓለም ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም፧

4 ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ክርስትያናት ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ኣብቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝነበረ ተዛማዲ ሰላም ንግዲ ንኸስፋሕፍሕ ኣጋጣሚ ኸፊቱ ነይሩ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ብልጽግና ነቶም ገዛእቲ ብዙሕ ንምዝንጋዕ ዝኸውን ግዜ ኸም ዝህልዎም ገበረ: እቶም ገዛእቲ ድማ እቶም ሓፋሽ ምእንቲ ኸይዓልዉ ኢሎም ዝኣክል መዘናግዒታት የዳልዉሎም ነበሩ። ኣብ ገሊኡ እዋናት እሞ ኸኣ ብዝሒ ህዝባዊ በዓላት ማዕረ እቲ ናይ ስራሕ መዓልታት ዝዀነሉ ግዜ ነይሩ ኢዩ። እቶም መራሕቲ ኻብ ህዝቢ ዝርከብ ገንዘብ ገይሮም ንህዝቦም እንጌራን እተፈላለየ ምርኢታትን ብምቕራብ ከብዶም ይመልኡሎም: ኣእምሮኦም ከኣ ኣብ ካልእ ነገር ከም ዘተኵር ይገብርዎ ነበሩ።

5, 6. (ሀ) ክርስትያናት ናብቲ ኣብ ሮሜ ዝነበረ ትያትራትን ኣምፊትያትራትን ክኸዱ ዘይነበሮም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሰይጣን እንታይ ውዲት ኢዩ ዝጥቀም ነይሩ: ክርስትያናትከ ካብዚ ብኸመይ ክርሕቑ ይኽእሉ ነበሩ፧

5 እዚ ዅነታት እዚ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ሓደገኛ ድዩ ነይሩ፧ ከም ተርቱልያን ዝኣመሰሉ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ዝነበሩ ጸሓፍቲ ኻብ ዝጸሓፉዎ ጽሑፋት ተበጊስና: ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ዝዘናግዑሉ ዝነበሩ ዝበዝሕ መዘናግዒታት ንመንፈሳውን ስነ⁠-​ምግባራውን ኣቕዋም ናይቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምንባሩ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና። ሓደ ኻብቲ ኣብ ሓደጋ ዘእትዎም ዝነበረ ነገራት መብዛሕትኡ ህዝባዊ በዓላትን ጸወታታትን ንኽብሪ ኣረማውያን ኣማልኽቲ ዝግበር ብምንባሩ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:⁠14-18) ኣብ ትያትራት ይቐርብ ካብ ዝነበረ ተዋስኦታት: መብዛሕትኡ ኻብቲ ባህላዊ ዝበሃል እውን ከይተረፈ ኣዝዩ ብዕሉግ ወይ ብዙሕ ደም ዝፈሶ ዓመጽ ኢዩ ነይሩ። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን እቶም ህዝቢ ነቲ ባህላዊ ተዋስኦ ዝነበሮም ፍቕሪ ሃሰሰ: ብጽዩፍ ጽውጽዋያዊ ተዋስኦታት ድማ ተተክአ። ጸሓፍ ታሪኽ ዠሮም ካርኮፒኖ ኣብታ ደይሊ ላይፍ ኢን ኣንሽየንት ሮም ዘርእስታ መጽሓፉ ኸምዚ በለ:- “ኣብዚ ተዋስኦታት እዚ እተን ተዋሳእቲ ጥርሐን ክዀና ይፍቀደለን ነበረ። . . . ብዙሕ ደም ይፈስስ ነበረ። . . . [እቲ መላገጺ ተዋሳኢ] ኸኣ ነቲ እቶም ሓፋሽ እተበላሸዉሉ መገዲ ብምጥቃስ ኣጸቢቑ ይምዝምዞ ነበረ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትርኢታት ኣይጸልእዎን ኢዮም ነይሮም: ከመይሲ እቲ ኣብ ኣምፊትያትር ዝርአ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ምትሕርራድ ድሮ ንስምዒቶም ኣደንዚዝዎ ንባህሪኦም ድማ ቀዪርዎ ነይሩ ኢዩ።”​—⁠ማቴዎስ 5:⁠27, 28

6 ኣብ ኣምፊትያትራት ተቓለስቲ ንሓድሕዶም ወይ ምስ ኣራዊት ይቃለሱ ነበሩ: በዚ ድማ ወይ ይቐትሉ ወይ ይቕተሉ ነበሩ። እተፈርዱ ገበነኛታትን ብዙሓት ክርስትያናትን ናብ ጨካናት ኣራዊት ተደርብዮም ኢዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ከይተረፈ ሰይጣን ነቲ ሰባት ንብዕልግናን ንዓመጻን ዘለዎም ጽልኢ ኸም ዝሃስስ ብምግባር እዚ ተግባራት እዚ ልሙድ ከም ዝኸውንን ብሓፋሽ ተፈታውነት ከም ዝረክብን ገይሩ ኢዩ ዘታልል ነይሩ። ካብዚ መጻወድያ እዚ ኸተምልጠሉ እትኽእል እንኮ መገዲ: ኻብቲ ትያትራትን ኣምፊትያትራትን ምርሓቕ ኢዩ ነይሩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠32, 33

7, 8. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ኣብቲ ቕድድም ሰረገላታት ዝግበረሉ ቦታ ዘይምኻዱ ምስትውዓል ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሰይጣን ነቲ ሮማውያን ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ሰብነት እትሕጸበሉ ቦታታት ንክርስትያናት ንምፍንጣር ክጥቀመሉ ዝኽእል ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧

7 ኣብቲ ሰፋሕቲ ዓውዲ ምርኢት ዝግበር ዝነበረ ቕድድም ሰረገላታት ብዘይ​ጥርጥር ኣዝዩ ማራኺ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን እቶም ተዓዘብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ናዕቢ የላዕሉ ብምንባሮም ኣብ ክርስትያናት ቅቡል ኣይነበረን። እቲ ኣብ ሳልሳይ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ጸሓፊ ገለ ኻብቶም ተዓዘብቲ ይበኣሱ ምንባሮም ክገልጽ ከሎ: ካርኮፒኖ ድማ “ቈጸርቲ ኸዋኽብትን ኣመናዝርን ኣብኡ ይዋፈሩ” ምንባሮም ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር ክርስትያናት ኣብቲ ቕድድም ሰረገላታት ዝግበረሉ ዝነበረ ቦታ ክኸዱ ኸም ዘይነበሮም ንጹር ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10

8 እቲ ሮማውያን ነብሶም ዝሕጸቡሉ ዝነበረ ህቡብ ቦታታትከ ከመይ ዝበለ ኢዩ ነይሩ፧ ጽሬትካ ንምሕላው ነብስኻ ምሕጻብ ጌጋ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: መብዛሕትኡ ሮማውያን ነብሶም ዝሕጸቡሉ ዝነበረ ቦታታት ዓብዪ ትካላት ኰይኑ ናይ መድረዚ ኣካላት ክፍሊ: ጂምናዝዩም: መጣልዒ ኽፍሊ: ከምኡውን እትበልዓሉን እትሰትየሉን ቦታ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝሕጸቡሉ እተፈላለየ ግዜ እኳ ዝምደበሎም እንተ ነበረ: ተሓዋዊስካ ምሕጻብ ግን ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ክለመንት ብዓል ኣሌክሳንድርያ “እቲ መሕጸቢ ሰብነት ንሰብኡት ኰነ ኣንስቲ ብዘይ​ ኣፈላላይ ክፉት ኢዩ ነይሩ፣ ኣብኡ ኸኣ ጥራይ ነብሶም ኰይኖም ርኹስ ድሌቶም የርውዩ ነበሩ” በለ። ስለዚ ኸኣ ሰይጣን ንክርስትያናት ንምፍንጣር ነዚ ሕጋዊ ትካል እዚ ብቐሊሉ ኽጥቀመሉ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እቶም መስተውዓልቲ ግን ካብዚ ይርሕቑ ነበሩ።

9. ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ ምንታይ መጻወድያታት ኢዮም ክርሕቑ ዝነበሮም፧

9 ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሕሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ምጥላዕ ህቡብ መሕለፍ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ቀዳሞት ክርስትያናት ናብቲ ቕድድም ሰረገላታት ዝግበረሉ ቦታ ብዘይ​ምኻድ ካብቲ ኣብኡ ዝግበር ዝነበረ ውርርድ ይርሕቑ ነበሩ። ኣብ ውሻጠ መሕደር ኣጋይሽን ቤት መግብን ከኣ ዘይሕጋዊ ምጥላዕ ይግበር ነበረ። እቶም ተጣላዕቲ ኣብ ኢድ እቲ ኣንጻሮም ዘሎ ጸጸር ብምግማት ይጻወቱ ነበሩ። ምጥላዕ ከይረሃጽካ ገንዘብ ናይ ምርካብ ተስፋ ስለ ዝህበካ: ንህይወት ሰባት ቀመም ይውስኸሉ ነበረ። (ኤፌሶን 5:⁠5) ብዘይ​ዚውን እተን ኣብዚ ቦታታት እዚ ዝነበራ ኣሳሰይቲ መብዛሕትአን ኣመናዝር ኢየን ነይረን: እዚ ድማ ናብ ርኽሰት ዝመርሕ ነበረ። ሰይጣን ነቶም ኣብ ከተማታት ሃጸይ ሮሜ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት እዚ መጻወድያታት እዚ ኢዩ ኣጻዊድሎም ነይሩ። ሕጂኸ እዚ ተቐዪሩ ድዩ፧

ሎሚ ሰይጣን ዝጥቀመሉ መፈንጠራታት

10. ሕጂ ዘሎ ዅነታት ምስቲ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ዅነታት ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧

10 ብሓፈሻኡ ኽርአ ኸሎ ሰይጣን ዝጥቀመሉ ዝነበረ ውዲት ሕጂውን ኣይተቐየረን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ብልሽውቲ ዝነበረት ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ሰይጣን ምእንቲ ኸይብለጸሎም:’ “ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና” ብምባል ሓያል ማዕዳ ሃቦም። (2 ቈረንቶስ 2:⁠11) ሎሚ ኣብ ብዙሓት ዝማዕበላ ሃገራት ዘሎ ዅነታት ምስቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ምስ በጽሐ ዝነበረ ዅነታት ዝመሳሰል ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብ መዘናግዒ ግዜ የሕልፉ ኣለዉ። መንግስቲ ዘዳልዎ ሎተሪ ነቶም ድኻታት እውን ከይተረፈ ተስፋ ይህቦም ኢዩ። ንኣእምሮ ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ብሕሱር ዋጋ ዝርከብ ብዙሕ መዘናግዒታት ኣሎ። ናይ ስፖርት ስታድዩማት ቅጽጽ ኢዩ ዝብል: ሰባት ይጣልዑ ኢዮም: ሓድሓደ ግዜ ተዓዘብቲ ናዕቢ የለዓዕሉ ኢዮም: ተጻወትቲ ኸኣ ዝበዝሕ ግዜ ጐነጽ ይጥቀሙ ኢዮም። ብዕሉግ ሙዚቃ ኣስፋሕፊሑ: ጽዩፍ ምርኢታት ድማ ኣብ ትያትርን ቲቪን ይርአ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ኣብ ሳውናን ውዑይ ማይ ዝርከቦ ቦታታትን ደቂ ተባዕትዮ ዀኑ ደቂ ኣንስትዮ ተሓዋዊሶም ይሕጸቡ ኢዮም: ኣብ ገሊኡ ገማግም ባሕሪ እውን ጥራይ ነብስኻ ምሕጻብ ልሙድ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ሰይጣን ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝፍትኖም ዝነበረ: ሕጂውን ነቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዓለማዊ መዘናግዒታት ገይሩ ኸስድዖም ይፍትን ኣሎ።

11. ንኽንዛነ ወይ ንኽንዘናጋዕ ዘሎና ባህጊ ናብ ከመይ ዝበለ መፈንጠራ ኢዩ ከብጽሓና ዝኽእል፧

11 ኣብዛ ወጥሪ ዝመልኣ ዓለም: ክትዛነይ ወይ ክትዘናጋዕ ምድላይ ሕማቕ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ከምቲ ሮማውያን ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ሰብነቶም ዝሕጸቡሉ ቦታታት ንቐዳሞት ክርስትያናት ሓደገኛ ዝነበረ: ሕጂውን ገለ ኻብቲ ሰባት ኣብ ዕረፍቲ ዘዘውትርዎ ቦታታት ንክርስትያናት ናብ ርኽሰት ወይ ስኽራን ዝመርሕ መጻወድያ ኢዩ ዀይንዎም። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ። ገሊኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ: ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠33, 34

12. ገለ ኻብቲ ሰይጣን ኣብዚ ግዜና ንኣገልገልቲ የሆዋ ንምፍንጣር ዝጥቀመሉ ውዲታት እንታይ ኢዩ፧

12 ሰይጣን ንኣተሓሳስባ ሄዋን ከመይ ገይሩ ብጕርሒ ኸም ዘበላሸዎ ንፈልጥ ኢና። (2 ቈረንቶስ 11:⁠3) ሎሚ ድያብሎስ ካብ ዝጥቀመሉ መጻወድያታት ሓደ: ገሊኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ንኻልኦት ሰባት እንተደኣ መሲልና ናብ ሓቂ ኽንስሕቦም ንኽእል ኢና’ ኢሎም ከም ዝሓስቡ ብምግባር ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ግን እምብዛ ነቶም ዘይኣመንቲ ብምምሳሎም: ኣንጻሩ ኢዮም ዝዓጽዱ። (ሃጌ 2:⁠12-14) ካልእ ሰይጣን ዝጥቀመሉ ውዲት ከኣ መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ክልተ ገጽ ዘለዎ ህይወት እናነበሩ ‘ንመንፈስ ቅዱስ ከም ዘጕህይዎ’ ብምግባር ኢዩ። (ኤፌሶን 4:⁠30) ገሊኣቶም ሰባት ንኢንተርነት ብዘይ​ግቡእ ብምጥቃሞም ኣብዚ መጻወድያ እዚ ወዲቖም ኢዮም።

13. ሓደ ኻብቲ ድያብሎስ ዝጥቀመሉ ሕቡእ መጻወድያ እንታይ ኢዩ: እንታይ ነዚ ዝምልከት ማዕዳኸ ኢዩ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዝርከብ፧

13 ካልእ ሰይጣን ዝጥቀመሉ መፈንጠራ ኸኣ ሽሕር ኢዩ። ዋላ ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ደይ መደይ ኢሉ ኣብ ሰይጣናዊ ተግባራት ወይ ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ኣይሳተፍን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ገሊኣቶም ነቲ ዓመጻ ወይ ልዕለ⁠-​ባህርያዊ ተግባራት ዝረኣየሉ ፊልምታት: ተኸታታሊ ምርኢት ተለቪዥን: ጸወታታት ቪድዮ: ንቘልዑ ኢልካ እተዳለወ መጻሕፍቲ: ከምኡውን ነቲ መስሓቕ ተባሂሉ ዝቐርብ ምርኢታት ኣይጥንቀቑሉን ኢዮም። ምስ ሽሕር ዝተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ንየው ክንብሎ ኣሎና። ሓደ ጥበብ ዘለዎ ምስላ “እሾዅን መፈንጠራን ኣብ መገዲ እቲ ቔናን እዩ: እቲ ንነፍሱ ዚሕልዋ ኸኣ ካብኡ ይርሕቕ” ይብለና። (ምሳሌ 22:5) ሰይጣን “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ኻብ ኰነ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ህቡብ ነገራት መጻወድያኡ ኸጻውድ ይኽእል ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠4፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠15, 16

የሱስ ንድያብሎስ ተጻሪርዎ

14. የሱስ ነታ ናይ መጀመርታ ፈተና ሰይጣን እተጻረራ ብኸመይ ኢዩ፧

14 የሱስ ንድያብሎስ ተጻሪሩ ኻብኡ ኸም ዝሃድም ብምግባር ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ገዲፉልና ኢዩ። ምስ ተጠምቀን ን40 መዓልትታት ምስ ጾመን: ብሰይጣን ተፈተነ። (ማቴዎስ 4:⁠1-11) እቲ የሱስ ብምጻሙ እተሰምዖ ባህርያዊ ጥሜት ሰይጣን እተጠቕመሉ ናይ መጀመርታ ፈተና ኢዩ ነይሩ። ሰይጣን ንየሱስ ስጋዊ ድሌቱ ንምዕጋብ ናይ መጀመርታ ተኣምር ክገብር ሓተቶ። የሱስ ድማ ዘዳግም 8:⁠3 ብምጥቃስ ንሓይሉ ብስስዐ ምጥቃም ኣበየ: ንመንፈሳዊ መግቢ ድማ ልዕሊ ስጋዊ መግቢ ሰርዖ።

15. (ሀ) ሰይጣን ንየሱስ ብምንታይ ባህርያዊ ድሌት ኢዩ ዝፈተኖ፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና ድያብሎስ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምፍንጣር ካብ ዝጥቀመሉ ውዲታት እቲ ቐንዲ እንታይ ኢዩ: ከመይ ጌርና ግን ክንጻረሮ ንኽእል፧

15 ኣብዛ ፈተና እዚኣ ድያብሎስ ንየሱስ ጾታዊ ሓጢኣት ክፍጽም ኣይፈተኖን: ከመይሲ የሱስ ጠምዩ ብምንባሩ: ልዕሊ ዅሉ ኽፍትኖ ዝኽእል ነገር መግቢ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜናኸ ድያብሎስ ንህዝቢ የሆዋ ንኸስድዕ ኢሉ እንታይ ኢዩ ዝጥቀም፧ ብዙሕ እተፈላለየ መገድታት ይጥቀም ኢዩ: ካብዚ ዅሉ ግን ንጽህና ህዝቢ የሆዋ ንምብልሻው ጾታዊ ርኽሰት እቲ ቐንዲ ዝጥቀመሉ መጻወድያ ኢዩ። ንየሱስ ብምምሳል ንሰይጣን ክንጻረሮን ፈተናታቱ ኽንዋጽኣሉን ንኽእል ኢና። ከምቲ የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ሓሳብ ግቡእ ጥቕሲ ብምጥቃስ ዘፍሸሎ: ንሕናውን ምስ እንፍተን ከም ዘፍጥረት 39:⁠9 ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 6:⁠18 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ንዘክር።

16. (ሀ) ሰይጣን ንየሱስ ካልኣይ ግዜ ዝፈተኖ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሰይጣን ንየሆዋ ምእንቲ ኽንፍትኖ ብኸመይ ክሓባብለና ይኽእል፧

16 ድሕሪኡ ድያብሎስ ንየሱስ ካብ ገምገም ቤተ መቕደስ ብምጽዳፍ ነቲ ኣምላኽ ብመላእኽቱ ገይሩ ኻብ ጕድኣት ንኸዕቍቦ ዘለዎ ኽእለት ክፍትኖ ሓተቶ። የሱስ ግን ዘዳግም 6:⁠16 ብምጥቃስ ንኣቦኡ ምፍታን ኣበየ። ሰይጣን ንዓና ኻብ ቤተ መቕደስ ክንጸድፍ ኣይሓተናን ይኸውን: እንተዀነ ግን ንኣምላኽ ንኽንፍትኖ ኽደፋፍኣና ይኽእል ኢዩ። ብኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ዝመጸ ኻብ ተግሳጽ እነምልጠሉ መገዲ እናኣናደና ንዓለም ክንመስላ ንጽዕርዶ ኢና፧ ዘተሓታትት መዘናግዒታት ይፍትነና ድዩ፧ ከምዚ ንገብር እንተ ሃሊና: ንየሆዋ ንፍትኖ ኣሎና ማለት ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለታት እንተደኣ ሃልዩና: ሰይጣን ካባና ኣይሃድምን ኢዩ: የግዳስ ምስኡ ንኽንከውን ብቐጻሊ እናሓባበለ ምሳና ኢዩ ጽግዕግዕ ዝብል።

17. (ሀ) ድያብሎስ ንየሱስ ሳልሳይ ግዜ ዝፈተኖ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ያእቆብ 4:⁠7 ኣባና እውን እትውዕል ብኸመይ ኢያ፧

17 ሰይጣን ንየሱስ ሓንሳእ ፍግም ኢልካ እንተ ሰጊድካለይ መንግስታት ኵላ ዓለም ክህበካ ኢየ ምስ በሎ: የሱስ ሕጂውን ጥቕሲ ጠቒሱ ንኣቦኡ ምሉእ ኣምልኾ ዝህብ ምዃኑ ብምግላጽ ተጻረሮ። (ዘዳግም 5:⁠9፣ 6:⁠13፣ 10:⁠20) ኣብዚ ግዜና ሰይጣን መንግስታት ዓለም ኣየቕርበልናን ይኸውን: እንተዀነ ግን ብስጋዊ ዘብለጭልጭ ነገራት ማለት ናይ ብሕትና ንእሽቶ መንግስቲ ብምቕራብ ብቐጻሊ ኽፍትነና ይኽእል ኢዩ። ከምቲ የሱስ ዝመለሰሉ ጌርና ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ውፉያት ምዃንና ንገልጸሉ ዲና፧ ከምኡ እንተደኣ ጌርና ከምቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ ኸጋጥመና ኢዩ። ማቴዎስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ “ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎ” ይብለና። (ማቴዎስ 4:⁠11) ምስቲ ጕዳይ ዝሰማማዕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምዝካርን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ንሰይጣን ኣትሪርና ንጻረሮ እንተደኣ ዄንና: ክሓድገና ኢዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” በለ። (ያእቆብ 4:7) ሓደ ክርስትያን ናብቲ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰይጣን ብሓቂ ጐራሕ ኢዩ። ጽቡቕ ነገራት ክገብር እህቅን እኳ እንተ ዀንኩ: ስምዒታተይን ባህግታተይን ምቍጽጻር ኣዝዩ የጸግመኒ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብትብዓትን ብትዕግስትን ልዕሊ ዅሉ ድማ ብሓገዝ የሆዋ ንጽህናይ ክሕሉን ንሓቂ ኣጥቢቐ ኽሕዛን ክኢለ ኢየ።”

ንድያብሎስ ንምጽራር ምሉእ ብምሉእ እተዓጥቁ

18. ንድያብሎስ ንኽንጻረሮ እንታይ መንፈሳዊ ኣጽዋር ክንዕጠቕ ንኽእል፧

18 “ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ” ምእንቲ ኽንክእል: የሆዋ ክንለብሶ እንኽእል ምሉእ መንፈሳዊ ኣጽዋር ኣዳልዩልና ኣሎ። (ኤፌሶን 6:⁠11-18) እቲ ንሓቂ ዘሎና ፍቕሪ ንክርስትያናዊ ንጥፈታት ሕቜና እተዓጠቕና ይገብረና ወይ የዳልወና ኢዩ። ንጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ንምሕላው ዘሎና ቘራጽነት ከምቲ ንልብና ዝከላኸለሉ ድርዒ ኢዩ ዝዀነና። ኣብ ኣእጋርና እቲ ብስራት ከም ሳእኒ እንተ ኣእቲና: ወትሩ ናብ ስብከት ክንከይድ ኢና: እዚውን ብመንፈሳዊ ከበራትዓናን ከዕቍበናን ኢዩ። እታ ድልድልቲ እምነትና ካብቲ “ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ” ማለት ውዲታዊ መጥቃዕቱን ፈተናታቱን እትከላኸለልና ዓብዪ ዋልታ ኢያ። መብጽዓታት የሆዋ ኸም ዝፍጸም ርግጽ ተስፋ ስለ ዘሎና: ልክዕ ከም ቍራዕ ርእሲ ንኣተሓሳስባና ብምሕላው ናይ ኣእምሮ ሰላም ይህበና። (ፊልጲ 4:⁠7) ቃል ኣምላኽ ብግቡእ ንጥቀመሉ እንተደኣ ዄንና ድማ ልክዕ ከም ሴፍ ንሰባት ካብ መንፈሳዊ ባርነት ሰይጣን ሓራ ንምውጻእ ክሕግዘና ኢዩ። ከምቲ የሱስ ክፍተን ከሎ እተጠቕመሉ ኸኣ ንገዛእ ርእስና ኣብ ምክልኻል ይጠቕመና።

19. ‘ንድያብሎስ ምጽራር’ ጥራይ ዘይኰነስ እንታይ ክንገብር እውን ኢዩ ዝግባእ፧

19 “ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ” እንተ ለቢስናን ከየባተኽና እንተ ጸሊናን: ሰይጣን መጥቃዕቲ ኽፍንወልና ኸሎ የሆዋ ኸም ዘዕቍበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 17:⁠15፣ 1 ቈረንቶስ 10:⁠13) እንተዀነ ግን: ያእቆብ ‘ንድያብሎስ ምጽራር’ ጥራይ እኹል ከም ዘይኰነ: የግዳስ ልዕሊ ዅሉ ነቲ ዝሓልየልና ‘ኣምላኽ ክንግዝኦ’ ከም ዘሎና ሓቢሩ ኢዩ። (ያእቆብ 4:⁠7, 8) ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ኸም እንኽእል ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ቀዳሞት ክርስትያናት ካበየናይ መፈንጠራታት ሰይጣን ኢዮም ክርሕቁ ዝነበሮም፧

• ሰይጣን ንኣገልገልቲ የሆዋ ንምፍንጣር እንታይ ውዲት ኢዩ ዝጥቀም ዘሎ፧

• የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ፈተናታት እተጻረሮ ብኸመይ ኢዩ፧

• እንታይ መንፈሳዊ ኣጽዋር ኢዩ ንድያብሎስ ንምጽራሩ ዘኽእለና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንድያብሎስ ጸኒዑ ተጻረሮ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብቲ ዓመጽ ዝመልኦን ብዕሉግን መዘናግዒታት ይርሕቑ ነበሩ

[ምንጪ ስእሊ]

The Complete Encyclopedia of Illustration/J. G. Heck