ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ወጻኢ ሃገር ቈልዑ ምዕባይ ዘለዎ ብድሆን ዓስብን

ኣብ ወጻኢ ሃገር ቈልዑ ምዕባይ ዘለዎ ብድሆን ዓስብን

ኣብ ወጻኢ ሃገር ቈልዑ ምዕባይ ዘለዎ ብድሆን ዓስብን

 ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ካልእ ሃገር ዝሓሸ ናብራ ንምምስራት ይስደዱ ኣለዉ። ኣብ ኣውሮጳ ልዕሊ 20 ሚልዮን ዝዀኑ ስደተኛታት ኣለዉ: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ኣብ ወጻኢ ሃገር እተወልዱ ተቐማጦ ልዕሊ 26 ሚልዮን ክዀኑ ኸለዉ: ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኣውስትራልያ ድማ 21 ሚእታዊት ኣብ ካልእ ሃገር እተወልዱ ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ሓድሽ ቋንቋን ባህልን ክለምዱ ኣለዎም።

ቈልዑ ነቲ ናይታ ዓዲ ቛንቋ ቐልጢፎም ኢዮም ዝለምዱዎ: ኣተሓሳስባኦም ከኣ ምስቲ ሓድሽ ቛንቋ ይቕየር። ወለዶም ግን ቀልጢፎም ንኽለምዱ የጸግሞም ይኸውን። ውሉዳት ኣብ ወጻኢ ሃገር ክዓብዩ ኸለዉ: ምስ ወለዶም ናይ ዘይምርድዳእ ጋግ ክፍጠር ይኽእል ኢዩ።

እቲ ሓድሽ ቋንቋ ኣብ ኣተሓሳስባኦም ዝገብሮ ጽልዋ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ሓድሽ ባህሊ እውን ንስምዒታቶም ክጸልዎ ይኽእል ኢዩ። ወለዲ ነቲ ውሉዳቶም ዘርእይዎ ባህርያት ኣይርድእዎን ይዀኑ። ስለዚ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብሩ ወለዲ ንውሉዳቶም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ከዕብይዎም ክጽዕሩ ኸለዉ ፍልይ ዝበለ ብድሆታት ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠4

ኣእምሮን ልብን ንምትንካፍ ዘለዎ ብድሆ

ክርስትያናት ወለዲ ንደቆም “ጽሩይ ከናፍር” ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንኽምህርዎም ባህግን ሓላፍነትን ኣለዎም። (ጸፎንያስ 3:⁠9) ይኹን እምበር: ውሉዳት ብዛዕባ እቲ ወለዶም ዝጥቀሙሉ ቛንቋ ብዙሕ ፍልጠት እንተ ዘይብሎም: ወለዲ ድማ በቲ ውሉዳቶም ዝርድእዎ ቛንቋ ብዝግባእ ክገልጹሎም እንተ ዘይክኢሎም: ሕጊ የሆዋ ኣብ ኣልባብ ደቆም ብኸመይ ከስርጹ ይኽእሉ፧ (ዘዳግም 6:⁠7) እቶም ውሉዳት ነቲ ወለዶም ዝብልዎ ይርድእዎ ይዀኑ: እንተዀነ ግን እቲ ዝወሃቦም ትምህርቲ ልቦም እንተ ዘይተንኪፍዎም ኣብ ገዛእ ቤቶም ጓኖት ኢዮም ዝዀኑ።

ፔድሮን ሳንድራን ካብ ደቡብ ኣመሪካ ናብ ኣውስትራልያ ምስ ገዓዙ እሞ ክልተ ኣብ ዕደመ ዀተቴ ዝርከቡ ደቆም ኣብኡ ኸዕብዩ ኸለዉ እዚ ብድሆ እዚ ኢዩ ኣጋጢምዎም። a ፔድሮ ንዘጋጠሞም ብድሆ ኸምዚ ብምባል ይገልጾ:- “ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ክትዘራረብ ከሎኻ: ልብኻን ስምዒትካን ክትንከፍ ኣለዎ። ዓሚቝን ዝያዳ ትርጕም ዘለዎን መግለጺታት ክትጥቀም ስለ ዘሎካ: ብዙሕ ቃላት ክትፈልጥ የድልየካ።” ሳንድራ ድማ ከምዚ በለት:- “ውሉዳትና ንቛንቋ ኣዲኦም ኣጸቢቖም ዘይርድእዎ እንተ ዀይኖም: መንፈሳውነቶም ኣብ ሓደጋ ኽወድቕ ይኽእል ኢዩ። ንሓቂ ዓሚቝ ምርዳእ ኣይህልዎምን: ንመሰረታዊ ስርዓት ናይቲ ዝመሃርዎ ትምህርቲ እውን ይስሕትዎ። መንፈሳዊ ምስትውዓሎም ተዓጊቱ ይተርፍ: ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ድማ ይበላሾ።”

ንያናፒራካሳምን ሄለንን ካብ ሲሪ ላንካ ናብ ጀርመን ተሰዲዶም ዝኸዱ ሰብ ሓዳር ኢዮም: ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ክልተ ውሉዳት ኣለዉዎም። ንሳቶም እውን ከምዚ በሉ:- “ደቅና ቛንቋ ጀርመን እናተማህሩ ቛንቋ ኣዲኦም እውን ምዝራብ ብዙሕ ይጠቕሞም ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎና። ብዛዕባ ስምዒታቶም ምሳና ልቢ ንልቢ ተወሃሂቦም ክዘራርቡ ምኽኣሎም ይጠቕሞም ኢዩ።”

ካብ ኡራጋይ ናብ ኣውስትራልያ ዝገዓዙ ሚጉወልን ካርመንን ዝበሃሉ ስደተኛታት ድማ ኸምዚ በሉ:- “ኣብ ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ዅነታት ዘለዉ ወለዲ ብዙሕ ጻዕሪ ኽገብሩ የድልዮም ኢዩ። ሓደው ነቲ ሓድሽ ቋንቋ ኣጸቢቖም ብምምላኽ በቲ ቛንቋ ዝወሃብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኽርድኡን ክገልጹን ኣለዎም: ወይ ከኣ ንደቆም ነቲ ናይ ወለዶም ቋንቋ ኽመልክዎ ኽምህርዎም ኣለዎም።”

ስድራ​ቤት ዝገብሮ ውሳነ

ሓደ ኻብቲ ኣብ ስደት ዘለዋ ስድራ​ቤታት ክገብርኦ ዘለወን ኣገዳሲ ውሳነ: እታ ስድራ​ቤት በየናይ ቋንቋ ገይራ ‘ብእግዚኣብሄር ክትማሃር’ ከም ዘለዋ ምውሳን ኢዩ። (ኢሳይያስ 54:⁠13) ናይታ ስድራ​ቤት ቋንቋ ኣደ እትጥቀም ጉባኤ ኣብ ቀረባ እንተ ሃልያ: እታ ስድራ​ቤት ነታ ጉባኤ ንምድጋፍ ክትውስን ትኽእል ኢያ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ናብታ ኣብቲ ዓዲ ብሰፊሑ ዝዝውተር ቛንቋ እትጥቀም ጉባኤ ኽትከይድ ክትውስን ትኽእል ኢያ። ነዚ ውሳነታት እዚ ዝጸልዎ እንታይ ረቛሒታት ኢዩ፧

ካብ ቆጵሮስ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተሰዲዶም ዝኸዱን ሓሙሽተ ውሉዳት ዘዕበዩን ዲሚትሪዮስን ፓትሩላን: ኣብ ምንታይ ተመርኲሶም ውሳነ ኸም ዝገበሩ ከምዚ ብምባል ገለጹ:- “ፈለማ ኣብ ናይ ግሪኽኛ ጉባኤ ንካፈል ነበርና። እዚ ንዓና ንወለዲ ብዙሕ ክጠቕመና ኸሎ: ንመንፈሳዊ ዕቤት ደቅና ግን ዓንቂጽዎ ኢዩ። መሰረታዊ ፍልጠት ቋንቋ ግሪኽ እኳ እንተ ሃለዎም: ኣብቲ ዕምቝ ዝበለ መንፈሳዊ ነገራት ግን የጸግሞም ነበረ። እዚ ኽንጽረልና ዝኸኣለ ድማ መንፈሳዊ ዕቤቶም ብተዛማዲ ዝሕቱል ብምንባሩ ኢዩ። ብምሉእና ስድራ​ቤት ናብ ናይ እንግሊዝኛ ጉባኤ ምስ ቀየርና ግን ብኡንብኡ ደቅና ጽቡቕ ፍረ ኸፍርዩ ጀመሩ። ብመንፈስ ድማ ደልደሉ። ጉባኤ ንምቕያር ዝገበርናዮ ውሳነ ቐሊል እኳ እንተ ዘይነበረ: ኣብ ኵነታትና ግን ጥበባዊ ውሳነ ኢዩ ነይሩ።”

እዛ ስድራ​ቤት እዚኣ ነቲ ቛንቋ ኣደ ኸየጥፍአት ብዙሕ ዓስቢ ትዓጽድ ኣላ። እቶም ውሉዳት እውን ከምዚ ብምባል ሓሳቦም ሂቦም ኢዮም:- “ካብ ሓደ ቛንቋ ንላዕሊ ምኽኣል ጠቓሚ ኢዩ። እንግሊዝኛ ቐዳማይ ቋንቋና እኳ እንተዀነ: ግሪኽኛ ምፍላጥና ግን ኣብ ስድራ​ቤትና ብፍላይ ከኣ ምስ ኣባሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ድልዱልን ዝጠበቐን ርክብ ንኽህልወና ሓጊዙና ኢዩ። ንስደተኛታት ብዝያዳ ኸም እንድንግጸሎም ገይሩና: ካልእ ቛንቋ ኽንለምድ ከም እንኽእል ርእሰ⁠-​ምእትእምማን ንኸነጥሪ ድማ ሓጊዙና። ስለዚ እናዓበና ምስ ከድና: ስድራ​ቤትና ሓገዝ ንኽትህብ ቋንቋ ኣልባንያ ናብ እትጥቀም ጉባኤ ገዓዘት።”

ካብ ቆጵሮስ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝገዓዙ ክርስቶፈርን ማርጋሪታን ዝበሃሉ ሰብ ሓዳር እውን ሰለስተ ውሉዳት ኣዕብዮም ኢዮም። ንሳቶም ግን ኣብ ናይ ግሪኽኛ ጉባኤ ኽካፈሉ ኢዮም መሪጾም። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ሓንቲ ናይ ግሪኽኛ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ ዘገልግል ዘሎ ኒኮስ ዝበሃል ወዶም “ናብታ ሓዳስ ዝቘመት ጉባኤ ግሪኽኛ ንኽንከይድ ምትብባዕ ምስ ተዋህበና: ስድራ​ቤትና ኸም ቲኦክራሲያዊ ምደባ ገይራ ኢያ ወሲዳቶ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ።

ማርጋሪታ እውን ከምዚ በለት:- “እቶም ክልተ ኣወዳት ደቅና ደቂ ሸውዓተን ሸሞንተን ዓመት ከለዉ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተመዝገቡ። ግሪኽኛ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ስለ ዘይነበሩ: ከም ወለዲ መጠን ቍሩብ ኣተሓሳሲቡና ኢዩ። ይኹን እምበር: ነፍሲ ወከፍ ዝወሃቦም ክፍሊ ናይ ስድራ​ቤትና ፕሮጀክት ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ንዘቕርብዎ ዝርርብ ንኸነዳልዎም ብዙሕ ሰዓታት ነሕልፍ ነበርና።”

ጆኣና ጓሎም ድማ ኸምዚ በለት:- “ኣቦይ ኣብ ገዛና ኣብ ዝነበረ ሰሌዳ ፊደላት ግሪኽ እናጸሓፈ ኽምህረና ትዝ ይብለኒ: ኵሉ እቲ ፊደላት ከኣ ኽንመሃሮ ነይሩና። ብዙሓት ሰባት ሓደ ቛንቋ ንምጽናዕ ዓመታት የሕልፉ ኢዮም: ንሕና ግን ሳላ ኣደይን ኣቦይን ብዙሕ ግዜ ኸይወሰደልና ግሪኽኛ ኸኣልና።”

ገሊኣተን ስድራ​ቤታት ‘መንፈሳዊ ኣእምሮ’ ንምጥራይን ዕቤት ንምግባርን ብቛንቋ ኣደ ምምሃር ዝሓሸ ገይረን ስለ ዝወስድኦ: ቋንቋአን ናብ እትጥቀም ጉባኤ ይኸዳ ኢየን። (ቈሎሴ 1:⁠9, 10፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠13, 15) ነቲ ናይ ቋንቋ ኽእለተን ንኻልኦት ስደተኛታት ሓቂ ንምምሃር ዝጠቅም መሳርሒ ገይረን ዝርእያኦ እውን ኣለዋ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሓንቲ ስድራ​ቤት ኣብታ እተሰዱላ ዓዲ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ቛንቋ ናብ እትጥቀም ጉባኤ ምኻድ ዝሓሸ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢያ። (ፊልጲ 2:⁠4፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:⁠5) እቲ ርእሲ ስድራ​ቤት ነቲ ጕዳይ ምስ ኣባላት ስድራ​ቤቱ ድሕሪ ምምይያጥን ብጸሎት ድሕሪ ምሕሳብን ውሳነ ኽገብር ይግባእ። (ሮሜ 14:⁠4፣ 1 ቈረንቶስ 11:⁠3፣ ፊልጲ 4:⁠6, 7) ነዘን ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ክገብራ ዘለወን ስድራ​ቤታት እንታይ ክሕግዘን ይኽእል፧

ጠቓሚ ሓሳባት

እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ፔድሮን ሳንድራን “ነቲ ቛንቋ ኣዴና ምእንቲ ኸይነጥፍኦ ኣብ ገዛ ብቛንቋ ስጳኛ ጥራይ ንምዝራብ ሕጊ ኣውጻእና። ደቅና እንግሊዝኛ ኸም ዝርድኣና ስለ ዝፈልጡ: ነዚ ሕጊ ንምሕላዉ ኣጸጋሚ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ሕጊ እዚ እንተ ዘይንሕልዎ ግን ቋንቋ ስጳኛ ምጠፍኦም ነይሩ” በሉ።

ሚጉወልን ካርመንን ኣንቶንዮን ማሪያን እውን “ወለዲ ወትሩ ብቛንቋ ኣደ መጽናዕትን ዕለታዊ ጥቕስን ዝመርሑሎም እንተ ዀይኖም: እቶም ውሉዳት ብዛዕባ ቛንቋኦም መሰረታዊ ፍልጠት ጥራይ ዘይኰነስ በቲ ቛንቋ እቲ መንፈሳዊ ሓሳባት ንምግላጽ ዘኽእሎም ፍልጠት እውን ክህልዎም ይኽእል ኢዩ” ብምባል ሓሳብ ሃቡ።

ብተወሳኺውን ሚጉወል ከምዚ በለ:- “ዕዮ ምስክርነት ዘሐጕስ ግበርዎ። ዞባና ዓብዪ ክፋል ናይ ከተማና ስለ ዝሽፍን ዝበዝሕ ግዜና ቛንቋና ዝዛረቡ ሰባት ንምርካብ ብማኪና ኽንጕዓዝ ኢና እነሕልፎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸወታታት ንጻወት: ብዛዕባ ኣገዳሲ ነገራት ከኣ ንመያየጥ። ብእተኻእለኒ መጠን ኣብቲ ጕዕዞና ውጽኢታዊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽንገብር መደብ አውጽእ ኢየ። ስለዚ ንምሸቱ እቶም ደቅና እንተ ወሓደ ኣብ ሓደ ትርጕም ዘለዎ ዝርርብ ይካፈሉ ኢዮም።”

ባህላዊ ፍልልያት

ቃል ኣምላኽ ንመንእሰያት “ወደየ: . . . ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ: ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ” ብምባል የተባብዖም ኢዩ። (ምሳሌ 1:8) እንተዀነ ግን: ተግሳጽ ኣቦን ትምህርቲ ኣደን በቲ እቶም ውሉዳት ዝዓብዩሉ ዘለዉ ባህሊ ስለ ዝጽሎ ሽግራት ክለዓል ይኽእል ኢዩ።

ልክዕ ኢዩ: ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ስድራ​ቤት ንቤቱ ብኸመይ ከስተናብር ከም ዘለዎ ኽውስን ይግባእ: ካብ መጠን ንላዕሊ ድማ ብኻልኦት ስድራ​ቤታት ክጽሎ የብሉን። (ገላትያ 6:⁠4, 5) ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ዝህሉ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ: ነቶም ወለዲ ሓድሽ ባህልታት ንኽቕበሉ መገዲ ክኸፍተሎም ይኽእል ኢዩ።

እንተዀነ ግን: ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዘሎ ዝበዝሕ ባህልታት ወይ ልምድታት ንመንፈሳዊ ጥዕና ክርስትያናት ጐዳኢ ኢዩ። መብዛሕትኡ ህቡብ ሙዚቃን መዘናግዕን ጾታዊ ርኽሰት: ስስዐ: ከምኡውን ዕልወት ዘንጸባርቕ ኢዩ። (ሮሜ 1:⁠26-32) ክርስትያናት ወለዲ ነቲ ሓድሽ ቋንቋ ኽርድእዎ ዘይምኽኣሎም ጥራይ: ነቲ ደቆም ዝመርጽዎ ሙዚቃን መዘናግዕን ንምቍጽጻር ዘለዎም ሓላፍነት ሸለል ከም ዝብልዎ ኽገብሮም የብሉን። ተሪር መምርሒ ኸውጽኡ ኣለዎም። ይኹን እምበር: እዚ በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ካርመን ከምዚ ትብል:- “መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ደቅና ዝሰምዕዎ ሙዚቃ ዝሓዞ ግጥምታት ኣይንርድኦን ኢና። እቲ ዜማ ጽቡቕ ዝመስል እኳ እንተዀነ: እቲ ቓላት ግን ክልተ ትርጕም ዘለዎ ወይ ዘረባ ሹቕ ምስ ዝኸውን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና።” ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብኸመይ ፈትሕዎ፧ ሚጉወል ኸምዚ ብምባል መለሰ:- “ብዛዕባ ብዕሉግ ሙዚቃ ዘምጽኦ ሓደጋታት ንደቅና ኣጸቢቕና ንምህሮም: የሆዋ ዘይጸልኦ ዓይነት ሙዚቃ ንኽመርጹ ኸኣ ንሕግዞም ነበርና።” እወ: ንቑሕን ምኽንያታውን ምዃን ንባህላዊ ፍልልያት ብዘይ​ጸገም ንኽትዋጽኣሉ የኽእል ኢዩ።​—⁠ዘዳግም 11:⁠18, 19፣ ፊልጲ 4:⁠5 NW

ዓስቢ ምዕጻድ

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ውሉዳት ምዕባይ ዝያዳ ግዜን ጻዕርን ዝሓትት ኢዩ። እዚ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ጕዳይ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ወለዲ ዀኑ ውሉዳት ካብ ጻዕርታቶም ብዙሕ ዓስቢ ኽዓጽዱ ይኽእሉ ኢዮም።

ካብ ቱርኪ ናብ ጀርመን እተሰዱ ኣዛምን ሳራ ሰበይቱን ኣብ ምድሪ ስደቶም ሰለስተ ውሉዳት ኣዕብዮም ኢዮም። እቲ በዅሪ ወዶም ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ሰልተርስ: ጀርመን ኣብ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት የገልግል ኣሎ። ኣዛም ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ: “እቶም ውሉዳት ዝረኽብዎ ዓብዪ ጥቕሚ: ኣብ ክልቲኡ ባህልታት ዝርከብ ዝነኣድ ባህርያት ከማዕብሉ ምኽኣሎም ኢዩ” በለ።

ኣንቶንዮን ሉቶናድዮን ድማ ካብ ኣንጎላ ናብ ጀርመን ግዒዞም ኣብኡ ትሽዓተ ውሉዳት የዕብዩ ኣለዉ። ኣባላት እዛ ስድራ​ቤት እዚኣ ቋንቋታት ሊንጋላ: ፈረንሳይኛ: ከምኡውን ጀርመንኛ ይኽእሉ ኢዮም። ብዛዕባዚ ኣንቶንዮ ከምዚ በለ:- “እተፈላለየ ቛንቋታት ናይ ምዝራብ ክእለትና ንኣባላት ስድራ​ቤትና ኻብ እተፈላለየ ሃገራት ንዝመጹ ሰባት ንኽንሰብኽ ኣኽኢሉና ኢዩ። እዚ ብርግጽ ዓብዪ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽኣልና።”

ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝገዓዙ ጃፓናውያን ወለዲ ዘለዉዎም ኽልተ ውሉዳት: ቋንቋ ጃፓንን እንግሊዝኛን ብምፍላጦም ብዙሕ ከም ዝጠቐሞም ኢዮም ዝገልጹ። እዞም ውሉዳት እዚኣቶም “ክልተ ቛንቋታት ብምፍላጥና ስራሕ ንኽንረክብ ኣኽኢሉና ኢዩ። ካብቲ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ዝግበር ዓበይቲ ኣኼባታት ተጠቒምና ኢና። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ሓንቲ ብዙሓት ዓየይቲ ዘድልይዋ ናይ ቋንቋ ጃፓን ጉባኤ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኺብና ኢና” በሉ።

ክትዕወት ትኽእል ኢኻ

ኣብ መንጎ እተፈልየ ባህሊ ዘለዎም ህዝቢ እናነበርካ ውሉዳት ምዕባይ ካብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒዙ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞም ብድሆ ኢዩ። ወለዲ ሙሴ ንወዶም ኣብ ግብጺ እኳ እንተ ኣዕበይዎ: ዕዉታት ግን ኰይኖም ኢዮም። (ዘጸኣት 2:⁠9, 10) ሓያሎ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ዝኸዱ ኣይሁድ: ድሓር ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንደገና ንኽምስርቱ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ውሉዳት ኣዕብዮም ኢዮም።​—⁠እዝራ 2:⁠1, 2, 64-70

ሎሚውን ብተመሳሳሊ ክርስትያናት ወለዲ ዕዉታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ክልተ ውሉዳት ብዛዕባ ወለዶም ከምዚ ዝስዕብ በሉ:- “ኣቦናን ኣዴናን ፍቕራዊ ሓልዮት ስለ ዘርእዩናን ስለ እንረዳዳእን ኣዚና እንቀራረብ ስድራ​ቤት ኢና። ክፍሊ ናይታ ንየሆዋ እተገልግል ዓለምለኻዊት ስድራ​ቤት ክንከውን ብምኽኣልና እውን ንሕጐስ ኢና።” ክርስትያናት ወለዲ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ካብ ውሉዳቶም ምስ ዝሰምዑ ኣዝዮም ኢዮም ዝሕጐሱ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ኣስማት ተቐዪሩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቤት ብቛንቋ ኣደ ጥራይ ምዝራብ ንውሉዳት ብዛዕባ እቲ ቛንቋ መሰረታዊ ፍልጠት ንኸጥርዩ ይሕግዞም

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መንጎ ኣባሓጎታትን ደቂ ደቅን ዘሎ ርክብ ክቕጽል ዝኽእል ክልቲኦም ዝርድእዎ ቛንቋ ምስ ዝህሉ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ንደቅኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትመርሓሎም ‘መንፈሳዊ ኣእምሮኦም’ የብልሓሎም ኢዩ