ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እኩያት ሓይልታት ጽልዋ የሕድሩዶ ኣለዉ ኢዮም፧

እኩያት ሓይልታት ጽልዋ የሕድሩዶ ኣለዉ ኢዮም፧

እኩያት ሓይልታት ጽልዋ የሕድሩዶ ኣለዉ ኢዮም፧

‘ዓለም ልክዕ ከምቲ ሽሕራዊ ሓይልታት ኰነ ኢሎም ንዅሉ ድሕነት እትረኽበሉ መገድታት ዝዓጸዉዎ ኢያ ዀይና ዘላ።’​—⁠ጋዜጠኛ ዣን⁠-​ክሎድ ሱለይሪ

‘ሰባት ነዚ ዘሎ ጸገማት ንምዕራይ ዋላ ሓንቲ ኽገብሩ ብዘይ​ምኽኣሎም እኩይ ሓይሊ ጽልዋ ይገብር ኣሎ ዝብል ስምዒት ይፈጥረሎም ኢዩ።’​—⁠ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፍ ባርቶን

 ብ11 መስከረም 2001 ግብረ⁠-​ሽበራውያን ዝፈነዉዎ መጥቃዕቲ ዝፈጠሮ ራዕዲ ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከም ዝሓስቡ ገይርዎም ኢዩ። ማይክል ፕራውስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ እትሕተም ፋይናንሻል ታይምስ “ዝዀነ ይኹን እንስሳ ከምዚ ዓይነት ባርባራዊ ተግባር ኣይምገበረን ወይ ክገብር ኣይምኸኣለን” ኢሉ ጸሓፈ። ኒው ዮርክ ታይምስ ድማ እቲ መጥቃዕቲ ንምፍናው እተገብረ መደብ ገዲፍና: “ነዚ ኸም ዝፍጸም ዝገበረ ሱር ዝሰደደ ጽልኢ ኢና ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ዘሎና። ነቲ ልሙድ ናይ ውግእ ስርዓታት ዝጠሓሰ: ደረት ዘይብሉ: ከምኡውን ብዝዀነ ይኹን ስምምዕ ዘይቅየድ ጽልኢ ኢዩ ነዚ ኣምጺእዎ” ብምባል ገለጸት።

እተፈላለየ እምነታት ዘለዎም ሰባት ሓደ ኽፉእ ሓይሊ ጽልዋ ይገብረልና ኣሎ ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። ነቲ ኣብ ቦዝንያ ብሰንኪ ዓሌታዊ ጽልኢ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ተግባራት ብዓይኑ ዝረኣየ ኣብ ሳራየቮ ዝነብር ነጋዳይ “እቲ ኣብ ቦዝንያ እተገብረ ውግእ ምስ ኣብቅዐ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ነዚ ዅሉ ሰይጣን ከም ዝቈጻጸሮ ኣመንኩሉ። እዚ ብዘይ​ጥርጥር ዕብዳን ኢዩ” በለ።

ጸሓፍ ታሪኽ ዣን ደሉይሞ: ብዛዕባ ህላወ ድያብሎስ ዝኣምን እንተ ዀይኑ ምስ ተሓትተ ኸምዚ ኢሉ መለሰ:- “ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ዘጋጠመ ነገራት እናረኣኹ ኽነሰይ ከመይ ኢለ ኢየ እኩይ ሓይሊ የለን ክብል ዝኽእል፧ እቲ ልዕሊ 40 ሚልዮን ሰባት ግዳያት ዝዀኑሉ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፣ ኦሽዊትዝን ናይ ሞት ደንበታትን፣ ኣብ ካምቦድያ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት፣ እቲ ብዙሕ ደም ዝፈሰሶ ጨቋኒ ስርዓት ቻውሸስኩ፣ ከምኡውን ኣብ ዓለም ኣብ ብዙሓት ሃገራት መንግስታት ኣሲረን ብምስቓይ ዝፍጽምኦ ተግባር ከም ኣብነት ክጠቕሶ እኽእል ኢየ። ራዕዲ ዝፈጥረልና ነገራት ዘርዚርካ ኣይውዳእን ኢዩ። . . . ስለዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ‘ድያብሎሳዊ’ እንተ በልናዮ ጌጋ ኣይኰነን። እዚ ኽብል ከለኹ ግን ኣቕርንትን እተሰንጠቐ ሸኾናን ዘለዎ ድያብሎስ ኣምጺእዎ ማለተይ ዘይኰነስ ኣብ ዓለም ዝርከብ እኩይ ጽልዋ ዘለዎ መንፈሳዊ ሓይሊ ማለተይ ኢየ።”

ብዙሓት ሰባት ልክዕ ከም ዣን ደሉይሞ ነቲ ኻብ ስድራ​ቤት ኣትሒዙ ኽሳዕ ኣህጉራዊ ደረጃ ዝበጽሕ ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝግበር ዘሎ ዘስካሕክሕ ተግባራት “ድያብሎሳዊ” ኢዮም ዝብልዎ። እዚ ግን እንታይ ማለት ኢዩ፧ ገሊኡ ዘርዕድ ተግባራት ኣካል ዘይብሉ እኩይ ሓይሊ ዘምጽኦ ኢዩ ኽበሃል ይከኣልዶ: ወይስ ካብቲ ሰባት ክፍጽምዎ ዝኽእሉ ኽፍኣት ዝገድድ ባርባራዊ ተግባር ንኽፍጽሙ ዝደፋፍኡ ኣካል ዘለዎም ተንኰለኛታት ሓይልታት ኣለዉ ኢዮም፧ ነዞም ሓይልታት እዚኣቶም ዝመርሖም እቲ ንጉስ እከይ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ድዩ፧

[ምንጪ ስእሊ]

Children: U.S. Coast Guard photo