ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዋን ሓጐስ ኣብ ባልካን

እዋን ሓጐስ ኣብ ባልካን

እዋን ሓጐስ ኣብ ባልካን

እዋኑ 1922 ኢዩ ነይሩ። እቶም ሽዑ ትጉሃት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኢንዝብሩክ: ኣውስትርያ ኣኼባ ገበሩ። ካብቶም ተኣከብቲ ፍራንዝ ብራንት ዝበሃል ኣብ ኣፓቲን: ሰርብያ ዝነብር መንእሰይ ነበረ። እቲ ተዛራባይ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ምስ ጠቐሰ: መናዓብቲ ብተቓውሞ ክጭድሩ ጀመሩ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ ዝርርብ ክቕጽል ስለ ዘይከኣለ: እቲ ኣኼባ ተበተነ። ፍራንዝ ግን እቲ ዝሰምዖ ዓሚቝ ጦብላሕታ ስለ ዘሕደረሉ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኽ ጀመረ። ኣብ ሓንቲ ኻብተን ሃገራት ባልካን ካብዚ ንእሽቶ ኣጀማምራ ተበጊሱ ኢዩ ዘሐጕስ መንፈሳዊ ዕቤት እተረኽበ።

 ኣብዚ ግዜና ዝበዝሑ ሰባት ዩጎዝላቭያ ዝብል ስም ክሰምዑ ኸለዉ ውግእን ህልቂትን ኢዩ ቕጅል ዝብሎም። ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለት: ተስፋ ዝቘረጹ ስደተኛታት: ዝዓነወ ኣባይቲ: ከምኡውን ብሓዘን እተደቝሱ ዘኽታማት ኢዮም ኣብ ኣእምሮኦም ዝመጽዎም። ካብ 1991 ክሳዕ 1995 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ሃገራት ባልካን እተገብረ ውግእ ዘስዓቦ ስቓይን ጸበባን ብቓላት ክግለጽ ዝኽእል ኣይኰነን። እዚ ውግእ እዚ ንዅሉ እቲ ወድሰብ ብልጽግናን ቅሳነትን ንምምጻእ ዝነበሮ ተስፋ ዘቐምስል ነበረ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ህዝቢ ዩጎዝላቭያ ነበር ካብቲ ቝጠባዊ ጸገማቶምን ከርፋሕ ናብራኦምን ንምውጻእ ይቃለሱ ኣለዉ። a

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መከራ ዘለዎ ሃገር ሕጉሳት ሰባት ክርከቡ ብዙሓት ዘይጽበይዎ ነገር ኢዩ። እዚ ዘገርም እኳ እንተዀነ ብሓቂ ግን ኣብቲ ኸባቢ ሕጉሳት ሰባት ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ መወዳእታ መበል 20 ዘመን ሓደ ዘሐጕስ ነገር ረኺቦም ኢዮም። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ፍራንዝ ብራንት ዝበሃል መንእሰይ ዝገበሮ ነገራት ግን ምስዚ ዅሉ ብኸመይ ይተሓሓዝ፧

መንፈሳዊ ዕቤት ኣብ ሃገራት ባልካን

ፍራንዝ ብራንት በቲ ዝሰምዖ ሓድሽ ሓቅታት ኣዝዩ ተሓጒሱ ስለ ዝነበረ: ነቲ ብስራት ከስፋሕፍሖ መደበ። ኣብ ጥቓ ዶብ ኣውስትርያ ኣብ እትርከብ ማሪቦር እትበሃል ናይ ስሎቨንያ ኸተማ ቀምቃማይ ጸጕሪ ብምዃን ስራሕ ረኸበ: ዓማዊሉ ኽላጸዩ ኽመጹ ኸለዉ ኸኣ ይሰብከሎም ነበረ። ከም ውጽኢት ናይዚ ጻዕርታቱ ድማ ኣብ መወዳእታ 1920ታት ኣብ ከተማ ማሪቦር ንእሽቶ ጕጅለ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተመስረተት። ኣብ ሓንቲ ቤት መግቢ ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ይወሃብ ነበረ: እዛ ቤት መግቢ እዚኣ ድሕሪ ግዜ ቤት መግቢ ኖቪ ስቨት (ሓዳስ ዓለም) ተባህለት።

ድሕሪ ግዜ እቲ ብስራት ኣብታ ሃገር ተዘርግሐ። እታ ሸሞንተ ሰዓታት ዝወስድ ፊልምን ስላይድን ድምጽን ዘለዋ “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ኣብዚ ዓብዪ ግደ ኢዩ ነይርዋ። ድሕሪኡ ብ1930ታት ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከቢድ መስጐጕቲ ምስ ወረዶም: ገሊኣቶም ፓይነራት ካብ ጀርመን ናብ ዩጎዝላቭያ ስለ እተሰደዱ ብዝሒ ናይቶም ኣስፋሕቲ ወሰኸ። እዞም ፓይነራት እዚኣቶም ጣዕሚ ናብርኦም ወይ ምቾቶም ብምስዋእ ኣብቲ ኣብ ኣኽራን ናይታ ሃገር ዝርከብ ዝነበረ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ሰበኹ። ኣብ ፈለማ እቲ መልእኽቶም ብዙሕ ተቐባልነት ዝረኸበ ኣይመስልን ነበረ። ኣብ መጀመርታ 1940ታት 150 ኣስፋሕቲ ጥራይ ኢዮም ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ዝህቡ ነይሮም።

ካብ 1941 ክሳዕ 1952 ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ከቢድ መስጐጕቲ ኣጋጠመ። ኣብ መወዳእታኡ ግን ብ9 መስከረም 1953 ኣብ ትሕቲ ኮምዩኒስታዊ ስርዓት ጀነራል ቲቶ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋውያን ዀይኖም ክምዝገቡ ምስ ከኣሉ ኣዝዮም ኢዮም ተሓጒሶም! ኣብታ ዓመት እቲኣ 914 ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ነበሩ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ቝጽሮም እናወሰኸ ኸደ። ብ1991 ቍጽሪ እቶም ኣስፋሕቲ 7,420 በጽሐ: ኣብ በዓል ዝኽሪ ድማ 16,072 ተኣከብቲ ተረኽቡ።

ካብ 16 ክሳዕ 18 ነሓሰ 1991 ንመጀመርታ ግዜ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣብ ዛግሬብ: ክሮኤሽያ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተገብረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን 14,684 ተኣከብቲ ተረኺቦም ነበሩ። እዚ ዘይርሳዕ ዓብዪ ኣኼባ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ፈተናታት ኣዳለዎም። ካብተን ነቲ ኣብ መንጎ ክሮኤሽያን ሰርብያን ዝርከብ መፈተሺ ነቝጣ ንመወዳእታ ግዜ ዝሓለፋ ኣውቶቡሳት ንሰርብያውያን ተኣከብቲ ናብ ዓዶም ሒዘንኦም ዝምለሳ ኣውቶቡሳት ይርከባአን ነበራ። እታ ናይ መወዳእታ ኣውቶቡስ ምስ ሓለፈት: እቲ ዶብ ተዓጽወ: ውግእ ድማ ተጀመረ።

ህዝቢ የሆዋ ዝሕጐሱሉ ምኽንያት

እቲ ውግእ ኣብ እተኻየደሉ ዓመታት ነቶም ኣብ ሃገራት ባልካን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኸቢድ ፈተና ኢዩ ወሪድዎም። ይኹን እምበር: የሆዋ ብዘደንቕ ወሰኽ ስለ ዝባረኾም ንኽሕጐሱ እኹል ምኽንያት ኣለዎም። ካብ 1991 ኣትሒዙ ኣብ ዩጎዝላቭያ ነበር ዝነበሩ ብዝሒ ኣስፋሕቲ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ወሰኽ ገይሮም ኢዮም። ኣብ 2001 ዓመት ኣገልግሎት 13,472 ዝኣክል ሓድሽ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ በጺሖም ኢዮም።

ኣብ ዛግሬብን ቤልግሬድን (ሰርብያ) ዝነበረ ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ነቲ ኣብ መላእ ዩጎዝላቭያ ነበር ዝካየድ ዝነበረ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር የመሓድር ነበረ። ብዝሒ ኣስፋሕቲ ብምውሳኹን ፖለቲካዊ ለውጥታት ስለ እተፈጥረን ግን ኣብ ሊዩብሊያና (ስሎቨንያ) ከምኡውን ስኮፕየ (ማሴዶንያ) ሓድሽ ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ክኽፈት ከሎ: ኣብ ቤልግሬድን ዛግሬብን ከኣ ተወሳኺ ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ኣድለየ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብዘን ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ዳርጋ 140 ኣባላት የገልግሉ ኣለዉ። መብዛሕትኦም መንእሰያት ኰይኖም ንየሆዋ ሓያል ቅንእን ፍቕርን ዘለዎም ኢዮም። ካብዚኣቶም እውን ብዙሓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ጽሑፋት ናብ ቋንቋታት ክሮኤሽያ: ማሴዶንያ: ሰርብያ: ከምኡውን ስሎቨንያ ኣብ ምትርጓም ይካፈሉ ኢዮም። መብዛሕትኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳልዉዎ መጽሔታትን ጽሑፋትን በዘን ቋንቋታት እዚኣተን ምስ እንግሊዝኛ ማዕረ ዝሕተም ምዃኑ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! እዚ ጽሑፋት እዚ ንብዙሓት ሰባት ምጽንናዕን ተስፋን ንኽረኽቡ ይሕግዞም ኢዩ።

ካልእ ዘሐጕስ ነገር ከኣ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሓያሎ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዘበርከትዎ ሓገዝ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ሓያሎ ባህ ዘብል ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ ኣሎ: እዚ ኸኣ ንብዙሓት ጉባኤታት ሓጐስ ኣምጺኡለን ኢዩ። ይኹን እምበር: ገና ኻልእ ዘሐጕስ ነገር ይመጽእ ነበረ። እዚ ግን እንታይ ኰን ኢዩ፧

ፍሉይ ፕሮጀክት

ብዙሓት ኣስፋሕቲ ‘ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋና እንረኽበሉ እዋን ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧’ ኢሎም ይሓስቡ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ዓዓመት ኣውራጃዊ ኣኼባ ኽግበር ከሎ ብዛዕባዚ ምልክታ ንምስማዕ ሃንቀው ይብሉ ነበሩ። ይኹን እምበር: እተን ጕጅለታት ትርጕም ካብ ዝምስረታ ነዊሕ ዘይምግባረንን ብተዛማዲ ሒደት ተርጐምቲ ብምህላዎምን: ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ፕሮጀክት ከመይ ጌርካ ኽዕየ ይከኣል፧

ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ጕዳይ ድሕሪ ምምርማር ጕጅለታት ትርጕም ቋንቋታት ክሮኤሽያን ማሴዶንያን ሰርብያን ብምትሕብባር እናተደጋገፉ ንኽዓዩ ኣጽደቐ። ጕጅለ ቛንቋ ክሮኤሽያ ኸኣ መሪሕነት ክትወስድ ተወሰነ።

መዓልቲ ሓጐስ

ኣብ ሃገራት ባልካን ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ን23 ሓምለ 1999 ፈጺሞም ኣይርስዕዋን ኢዮም። እቲ “ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ ቤልግሬድ: ሳራየቮ (ቦዝንያ⁠-​ሄርዘጎቪና): ስኮፕየ: ከምኡውን ኣብ ዛግሬብ ኣብ ሓደ እዋን ተገብረ። ኔቶ ንቤልግሬድ ይድብድበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ህዝባዊ ኣኼባታት ከይግበር ተኸልኪሉ ስለ ዝነበረ: ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኽግበር እተሓስበ ኣኼባ ርግጽ ኣይነበረን። ንኣዋርሕ ዝኣክል እቲ ዅነታት ከምዚ ኢሉ ድሕሪ ምቕጻል ግን ኣሕዋት ክእከቡ ዝኽእሉ ምዃኖም ምስ ፈለጡ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ተሓጒሶም! ይኹን እምበር: እቲ ኣብኡ ዘጋጠሞም ነገር ካብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ ዀይኑ ኢዩ ጸኒሕዎም።

ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኣርባዕቲአን እዘን ኣውራጃዊ ኣኼባታት እተገብረለን ከተማታት ፍሉይ ምልክታ ተነግረ። እቶም 13,497 ተኣከብቲ ጸጥ ኢሎም ነዚ ምልክታ ክሰምዑ ጀመሩ። ድሕሪኡ እቲ ተዛራባይ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋታት ክሮኤሽያን ሰርብያን ከም ዝወጸ: ብቛንቋ ማሴዶንያ ኸኣ ይዕየ ኸም ዘሎ ምስ ሓበረ እቶም ተኣከብቲ ስምዒቶም ክዓግቱ ኣይከኣሉን። ነቲ ምልክታ ኣንቢቡ ኸይወድአ ድሙቕ ጣቕዒት ኰለፎ። ኣብ ሳራየቮ እቶም ተኣከብቲ ኣዝዩ ስለ ዝደንጸዎም ሓንሳእ ጸጥ በሉ። ድሕሪኡ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣጣቕዑ። ኣብ ቤልግሬድ ዝነበሩ ተኣከብቲ ድማ ካብ ሓጐስ እተላዕለ ነብዑ: እቲ ተዛራባይ እውን ነቲ ምልክታ ኣንቢቡ ቕድሚ ምውድኡ ብተደጋጋሚ ብጣቕዒት ኣቋረጽዎ። ኵላቶም ብሓጐስ ተዋሒጦም ኢዮም ነይሮም!

እዚ ውህበት እዚ ዝያዳ ዘሐጕስ ዝገብሮ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ናይ ቋንቋታት ክሮኤሽያን ሰርብያን ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ንኽሓትሙ ብሕጊ ስለ እተፈቕደሎም ኢዩ። ስለዚ ብኽልቲኡ እዚ ቛንቋታት እዚ ዝወጸ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምስቲ በቲ ቛንቋታት እቲ ተዳልዩ ዝነበረ ትርጕም ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብሓንሳእ ኣብ ሓደ ጥራዝ ተሓትመ። ብዘይ​ዚውን እቲ ብቛንቋ ሰርብያ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ብሮማንን ሲሪሊክን ፊደላት ተሓትመ።

ኣብ ባልካን ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዝረኸብዎ በረኸታትን መምርሒታትን ኣዝዮም ስለ ዘማስዉሉ ምስተን “[የሆዋ] ምሳይ ኢኻ እሞ: ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ: ክፉእ ኣይፈርህን እየ” ዝብላ ቓላት ዳዊት ይሰማምዑ ኢዮም። ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞም እኳ እንተሎ: ‘ሓጐስ እግዚኣብሄር ሓይሎም’ ንምግባር ቈሪጾም ኢዮም።​—⁠መዝሙር 23:⁠4፣ ነህምያ 8:⁠10

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ቐደም ዩጎዝላቭያ ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት ሃገር ሽዱሽተ ሪፓብሊካት ዝሓዘት ኢያ ነይራ። እዚኣተን ከኣ ቦዝንያ⁠-​ሄርዘጎቪና: ክሮኤሽያ: ማሴዶንያ: ሞንተኔግሮ: ሰርብያ: ከምኡውን ስሎቨንያ ዝበሃላ ኢየን።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ማሪቦር: ስሎቨንያ ዝነበሩ ፈለምቲ ጕጅለ ኣስፋሕቲ ኣብ ርሕቕ ዝበለ ዞባ ኸይዶም እናሰበኹ ኸለዉ