ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናት ቀናኣት ክዀኑ ኣለዎም ድዩ፧

ክርስትያናት ቀናኣት ክዀኑ ኣለዎም ድዩ፧

ክርስትያናት ቀናኣት ክዀኑ ኣለዎም ድዩ፧

 ቅንኢ ክርስትያናት ከማዕብልዋ ዘለዎም ባህሪ ድያ፧ ከም ክርስትያናት መጠን ‘ንፍቕሪ ኽንስዕብ’ ተተባቢዕና ኢና: “ፍቕሪ ኣይትቐንእን” ብምባል እውን ተነጊሩና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 13:⁠4፣ 14:⁠1) በቲ ሓደ ሸነኽ ግን “እግዚኣብሄር . . . ቐናእ ኣምላኽ እዩ” ተባሂሉልና: “ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ” ዝብል ትእዛዝ እውን ተዋሂቡና ኢዩ። (ዘጸኣት 34:⁠14፣ ኤፌሶን 5:⁠1) እዚ ሓሳባት እዚ ዝጋጮ ዝመስል ግን ስለምንታይ ኢዩ፧

ከምዚ ኽመስል ዝኸኣለ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ቅንኢ” ተባሂለን እተተርጐማ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ሰፊሕ ትርጕም ስለ ዘለወን ኢዩ። ከከም ኣጠቓቕማ ናይተን ቃላት ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ትርጕም ክህልወን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: እታ “ቅንኢ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል “ምሉእ ተወፋይነት ምሃብ፣ ንመወዳድርቲ ዘይምጽዋር፣ [ቅዱስ ወይ ክፉእ] ቅንኢ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል ኢያ። እታ ናይ ግሪኽ ቃል እውን ተመሳሳሊ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። እዘን ቃላት እዚኣተን ንሓደ መነሓንሕተይ ኢዩ እትብሎ ወይ ይብለጽ ኣሎ ኢልካ ንእትሓስቦ ሰብ ሕማቕ ወይ ቄናን ስምዒት ምሕዳር ከመልክታ ይኽእላ ኢየን። (ምሳሌ 14:⁠30) ንእተፍቅሮ ሰብ ካብ ጕድኣት ንኽትከላኸለሉ ድራኸ እተሕድረልካ የሆዋ ዘውረሰና ኣወንታዊ ባህሪ እውን ከመልክታ ይኽእላ ኢየን።​—⁠2 ቈረንቶስ 11:⁠2

እቲ ዝበለጸ ኣብነት

የሆዋ ግቡእ ዓይነት ቅንኢ ኣብ ምንጽብራቕ ዝበለጸ ኣብነት ይዀነና ኢዩ። ንህዝቡ ካብ መንፈሳውን ስነ⁠-​ምግባራውን ብልሽውና ኽሕልዎም ካብ ዘለዎ ባህጊ ተላዒሉ ስለ ዝንቀሳቐስ: ድራኸኡ ወትሩ ንጹህ ኢዩ። ብዛዕባ እቶም ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ጽዮን ተጠቒሶም ዘለዉ ጥንታዎት ህዝቡ “ኣነ ብጽዮን ዓብዪ ቕንኢ ቐኒኤ አሎኹ: ብዓብዪ ቝጥዓውን ቀኒኤላ አሎኹ” ኢሉ ተዛሪቡ ኢዩ። (ዘካርያስ 8:2) ልክዕ ከምቲ ሓደ ፈቃር ኣቦ ንውሉዳቱ ኻብ ጕድኣት ንምዕቋብ ትኩር ዝዀነ: የሆዋ ድማ ንኣገልገልቱ ኻብ ስጋዊ ዀነ መንፈሳዊ ሓደጋ ንምዕቋብ ትኩር ኢዩ።

የሆዋ ንህዝቡ ዕቝባ ምእንቲ ክዀኖም ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ሂብዎም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብጥበብ ንኽመላለሱ ዘኽእሎም ብዙሕ ምትብባዕ ይህቦም ኢዩ: ብጥበብ ናይ እተመላለሱ ብዙሓት ሰባት ኣብነት ከኣ ይርከቦ። ኣብ ኢሳይያስ 48:⁠17 “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ዝብል ነንብብ ኢና። የሆዋ ብቕንኢ ተደሪኹ ኸም ዝሓልየልናን ዝሕልወናን ምፍላጥሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! በዚ ኣወንታዊ መገዲ ቐናእ እንተ ዘይከውን ነይሩ: ተመክሮ ስለ ዘይብልና በብዓይነቱ ጕድኣት ምወረደና ነይሩ። የሆዋ ዘንጸባርቓ ቕንኢ ፈጺማ ስስዐ የብላን።

ኣብ መንጎ ቅንኢ ኣምላኽን ዘይግቡእ ቅንእን ደኣ እሞ እንታይ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧ መልሲ ናይዚ ንምርካብ ኣብነት ሚርያምን ፊንሃስን እስከ ንርአ። ካብ ምንታይ ተበጊሶም ቅንኢ ኸም ዘርኣዩ ድማ ነስተውዕል።

ሚርያምን ፊንሃስን

ሚርያም ነቶም እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኽወጹ ኸለዉ ዝመርሕዎም ዝነበሩ ሙሴን ኣሮንን ዓባይ ሓብቶም ኢያ። እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸለዉ: ሚርያም ብሙሴ ሓዋ ቀንአት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ዛንታ ኸምዚ ይንበብ:- “ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ: ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ። እግዚኣብሄርሲ ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዚዛረብ፧ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፧ ድማ በሉ።” የሆዋ ንሚርያም ብሰንኪ እዚ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ተግባራ ንሰሙን ዝኸውን ብለምጺ ብምውቅዑ: ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ቐንዲ ተጻራሪ ሙሴ ሚርያም ደኣ እምበር ኣሮን ዘይምንባሩ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና።​—⁠ዘሁልቍ 12:⁠1-15

ሚርያም ንሙሴ ንኽትጻረሮ ዝደረኻ እንታይ ኢዩ፧ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኻብ ዘለዋ ሓልዮትን እስራኤላውያን ንኸይጕድኡ ኻብ ዘለዋ ባህግን ተላዒላ ድያ፧ ኣይፋላን። ሚርያም ዝዓበየ ክብረትን ስልጣንን ናይ ምርካብ ሕማቕ ባህጊ ኣብ ልባ ንኽዓቢ ዘፍቀደትሉ ኢዩ ዝመስል። ኣብ እስራኤል ነብዪት ብምንባራ በቲ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ብኣንስቲ ዓብዪ ኣኽብሮት ይወሃባ ነበረ። እስራኤላውያን ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ደሓኑ ኣብ ዝገብርዎ ሙዚቃን መዝሙርን መራሒት ኢያ ነይራ። ሕጂ ግን ሓንቲ መወዳድርቲ ኢላ ዝሓሰበታ ሰበይቲ ሙሴ: ክብረታ ንኸይትወስደላ ኣልዕል ኣቢላ ተጨኒቓ ኽትከውን ትኽእል ኢያ። ስስዐ ብዝመልኦ ቕንኢ ተደሪኻ ድማ ነቲ የሆዋ ዝቐብኦ ሙሴ ተቓወመቶ።​—⁠ዘጸኣት 15:⁠1, 20, 21

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ፊንሃስ ስጕምቲ ንኽወስድ ዝደረኾ ስምዒት ካብዚ እተፈልየ ኢዩ። እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቀቅድሚ ምእታዎም ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፊሮም ከለዉ: ሞኣባውያንን ሚድያናውያንን ኣንስቲ ንብዙሓት እስራኤላውያን ሰብኡት ኣብ ጾታዊ ርኽሰትን ኣምልኾ ጣኦትን ንኽካፈሉ ኣስሓታኦም። ነቲ ሰፈር ንምንጻህን ነቲ ነዲዱ ዝነበረ ቝጥዓ የሆዋ ንምዝሓልን እቶም ፈራዶ እስራኤል ነቶም ዝበደሉ ክቐትልዎም መምርሒ ተዋህቦም። ካብ ደቂ ስምኦን ሓደ ሹም ማይ ቤት ኣቦ ዝነበረ ዚምሪ ዝበሃል ሰብኣይ: ምስ ሓንቲ ኩዝቢ እትበሃል ሚድያናዊት ሰበይቲ ጾታዊ ርኽሰት ንምፍጻም “ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል” ብትዕቢት ናብቲ ሰፈር ኣምጽኣ። ኣብዚ ግዜ እዚ ፊንሃስ ዘየማትእ ስጕምቲ ወሰደ። ንኣምልኾ የሆዋ ኻብ ዘለዎ ቕንእን ነቲ ሰፈር ብስነ⁠-​ምግባር ንምንጻህ ካብ ዘለዎ ባህግን ተበጊሱ: ነቶም መንዘርቲ ኣብ ድንኳኖም ከለዉ ቐተሎም። ስለቲ ‘ቕንኡ’ ማለት ‘ንየሆዋ ዝጻረር ዘበለ ብዘይ​ምጽዋሩ’ ድማ ተናእደ። ፊንሃስ ዝወሰዶ ቕልጡፍ ስጕምቲ ነቲ ድሮ 24,000 ህይወት ዘጥፍአ መዓት ከም ዝዛሪ ገበሮ: የሆዋ ኸኣ ንሓዋሩ ኺዳን ክህነት ንዘርኡ ኸም ዝኸውን መብጽዓ ብምእታው ዓስቡ ሃቦ።​—⁠ዘሁልቍ 25:⁠4-13 NW

ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ዓይነት ቅንኢ እንታይ ፍልልይ ኢዩ ነይሩ፧ ሚርያም ብስስዐ ዝመልኦ ቕንኢ ተደሪኻ ኣንጻር ሓዋ ኽትለዓል ከላ: ፊንሃስ ግን ኣብ ቅንኢ ኣምላኽ ተደሪኹ ፍትሓዊ ተግባር ኢዩ ገይሩ። ንሕናውን ልክዕ ከም ፊንሃስ ንስምን ኣምልኾን ህዝብን የሆዋ ኢልና ሓሳብና ብግሁድ ንኽንዛረብ ወይ ገለ ስጕምትታት ንኽንወስድ እንድረኸሉ ግዜ ኣሎ።

ኣንፈቱ ዝሰሓተ ቕንኢ

ኣንፈቱ ዝሰሓተ ቕንኢ ግን ኣሎ ድዩ፧ እወ: ከምዚ ዓይነት ቅንኢ ኣሎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ኢዩ ነይርዎም። ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሕግን ነቲ ባዕሎም ዘቘምዎ ስርዓታቶምን ብቕንኢ ይሕልዉዎ ነበሩ። ነቲ ሕጊ ኽሕልዉ ኽብሉ: ኣብቲ ህዝቢ ኸቢድ ጾር ዝዀነ እዚ ዘይበሃል ዝርዝር ስርዓታትን ቀይድታትን ኣውጽኡ። (ማቴዎስ 23:⁠4) ኣምላኽ ንሕጊ ሙሴ ብሕጊ ክርስቶስ ከም ዝተክኦ ኸስተውዕሉ ስለ ዘይከኣሉ ወይ ስለ ዘይደለዩ: እቲ ግጉይ ቅንኦም ኣብ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ቍጥዓኦም ንኸውርዱ ደረኾም። ሃዋርያ ጳውሎስ ባዕሉ እውን ኣብቲ ሕጊ ግጉይ ቕንኢ ነበሮ: ብዛዕባ ነቲ ሕጊ ዝጣበቑ ሰባት ክገልጽ ከሎ ኸኣ ‘ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር: ንኣምላኽ ቅንኣት ኣለዎም’ በለ።​—⁠ሮሜ 10:⁠2፣ ገላትያ 1:⁠14

ሓያሎ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ እውን ከይተረፉ: ካብቲ ነቲ ሕጊ ዝነበሮም ዘይግባእ ቅንኢ ገዛእ ርእሶም ሓራ ንምውጻእ ይኸብዶም ነበረ። ጳውሎስ ድሕሪ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ እቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣህዛብ ገለጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ ‘ብዛዕባ ሕጊ ቕንኣት ዝነበሮም’ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣይሁድ ክርስትያናት ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:⁠20) እዚ ዝዀነ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣህዛብ ክግዘሩ ኸም ዘየድልዮም መምርሒ ድሕሪ ምውጽኡ ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ። ምስ ምሕላው እቲ ሕጊ ብዛዕባ እተተሓሓዘ ጕዳያት ኣብ ጉባኤታት ክርክር ኣበጊሱ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠1, 2, 28, 29፣ ገላትያ 4:⁠9, 10፣ 5:⁠7-12) ገሊኣቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ: የሆዋ ምስ ህዝቡ ብዛዕባ ዝነበሮ ርክብ ምሉእ ምርዳእ ስለ ዘይነበሮም ንኻልኦት ብምንቃፍ ኣረኣእያኦም ክኽበር ግዲ በሉ።​—⁠ቈሎሴ 2:⁠17፣ እብራውያን 10:⁠1

እምበኣር ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዘይተመስረተ ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳባት ወይ መገድታት ንምድጋፍ ቅንኢ ኸይሓድረና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። በቲ የሆዋ ሕጂ ዝጥቀመሉ መትረብ ኣቢሉ ዝመጽእ ሓድሽን ዝሓሸን ምርዳእ ናይ ቃል ኣምላኽ ምስ እንቕበል ሰናይ ኢዩ።

ንየሆዋ ቐናእ ኩን

ቅንኢ ኣምላኽ ግን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቦታ ኣለዋ። ብዛዕባ ስምና ወይ መሰላትና ኻብ መጠን ንላዕሊ ኣብ እንጭነቐሉ እዋን: እዛ ባህሪ እዚኣ ኣብ የሆዋ ንኸነተኵር ኢያ እትድርኸና። ንመገድታቱን ንህዝቡን ብምጥባቕ ብዛዕባኡ ሓቂ ንምስባኽ እተፈላለየ መገድታት ንኸነናዲ ትድረኸና ኢያ።

ሓንቲ ኣኪኮ እትበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ናይ የሆዋ ምስክር: ካብ ሓንቲ ንደም ብዝምልከት ኣምላኽ ዝሃቦ ሕጊ ብግቡእ ዘይተረድአቶ በዓልቲ ቤት ከቢድ ወቐሳ ኣጋጠማ። ኣኪኮ ብሜላ ንቓል ኣምላኽ ተጣበቐት: ደም ምውሳድ ኣብ ጥዕና ዘምጽኦ ጸገማት እውን ጠቐሰትላ። ብዛዕባ የሆዋ ንኽትነግራ ቕንኢ ስለ ዝነበራ: ነቲ እታ ሰበይቲ ብመሰረቱ ኸም እትቃወም ዝገበራ ጕዳይ ኣልዓለት፣ እዚ ድማ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዘይምእማና ኢዩ ነይሩ። ኣኪኮ ፍጥረት ብኸመይ ህላወ ፈጣሪ ኸም ዘረጋግጽ ኣረድኣታ። ብትብዓት ንሓቂ ብምጥባቓ ነቲ መሰረት ዘይብሉ ጸለመ ደምሲሳቶ ጥራይ ዘይኰነትስ ነታ ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጅምር እውን ኣኽኣላ። ሕጂ እታ ቐደም ቝጥዕቲ ዝነበረት ሰበይቲ ንየሆዋ እትውድስ ኰይና ኣላ።

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ግቡእ ቅንኢ ምስ ዝህልወና ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ዕዳጋ ዀነ ኣብ መገዲ ኽንጐዓዝ ከሎና ብዛዕባ እምነትና ንምንጋርን ንምጥባቕን ንቑሓት: ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚውን ዘይነሕልፍ ንኽንከውን ይድርኸና ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ሚዶሪ እትበሃል ሓብቲ ንመሳርሕታ ብዛዕባ እምነታ ንምንጋር ወሰነት። ሓንቲ ኣብ 40ታት ዕድሚኣ ትርከብ መሳርሕታ ግን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትዛረብ ከም ዘይትደሊ ነገረታ። ሓደ እዋን ብኻልእ ጕዳይ እናዕለላ ኸለዋ: እታ ሰበይቲ: ጓላ ሕማቕ ጠባይ ተማዕብል ከም ዘላ ብምጥቃስ ኣስቈርቈረት። ሚዶሪ ነታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን a ዘርእስታ መጽሓፍ ኣርኣየታ እሞ ንጓላ በታ መጽሓፍ ገይራ ኽትምህራ ፍቓደኛ ምዃና ሓበረታ። ድሕርዚ ምስታ ጓል መጽናዕቲ ኽገብራ ጀመራ: እታ ሰበይቲ ግን ኣብቲ ምይይጥ ኣይትካፈልን ነበረት። ሚዶሪ ነታ ሰበይቲ ጂሆቫስ ዊትነስስ​—​ዘ ኦርጋናይዜሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም * ዘርእስታ ቪድዮ ካሴት ከተርእያ ወሰነት። እዚ ነቲ እታ ሰበይቲ ዝነበራ ግጉይ ኣረኣእያ ኣወገዶ። በቲ ዝረኣየቶ ውሽጣ ስለ እተተንከፈት ከኣ “ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸውን እደሊ ኢየ” በለት። ምስ ጓላ ሓቢራ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት።

ግብእቲ ቅንኢ ኣብ ክርስትያናዊት ማሕበር እውን ግደ ኣለዋ። ፍቕርን ሓልዮትን ከም ዝሓድረና ትገብር: ከም ሕሜትን ናይ ከሓድቲ ኣረኣእያን ዝኣመሰለ ንመንፈሳውያን ኣሕዋትና ኽጐድእ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ጽልዋታት ንኽንቃወሞ እውን ትድርኸና። ቅንኢ ኣምላኽ ነቲ ሽማግለታት ዝገብርዎ ውሳነታት ንኽንድግፍ ትድርኸና ኢያ: ሽማግለታት እውን ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ንዝኣበሰ ይገንሑ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 5:⁠11-13፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠20) ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቱ ዘለዎ ቕንኢ ኽጽሕፍ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ: ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም: ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ።” (2 ቈረንቶስ 11:2) እምበኣር ቅንእና ነቲ ሰረተ⁠-​እምነታውን መንፈሳውን ስነ⁠-​ምግባራውን ንጽህና ናይ ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ንምሕላው ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ትድርኸና ኢያ።

እወ: ግብእቲ ቅንኢ ማለት ቅንኢ ኣምላኽ ኣብ ካልኦት ጽቡቕ ጽልዋ ኢዩ ዘለዋ። ስምረት የሆዋ ንኽትረክብ ተኽእለካ: ኣብዚ ግዜና ኣብ ክርስትያናት ክትንጸባረቕ ዘለዋ ባህሪ ድማ ኢያ።​—⁠ዮሃንስ 2:⁠17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወት።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ፊንሃስ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣብ ቅንኢ ኣምላኽ እተመርኰሰ ነበረ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ቅንእኻ ኣንፈቱ ኸይስሕት ተጠንቀቐሉ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ቅንኢ ኣምላኽ እምነትና ንኸነማቕልን ንሕውነትና ሓብሒብና ንኽንሕዞን ትድርኸና