ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ይሓልየልካ ኢዩ

የሆዋ ይሓልየልካ ኢዩ

የሆዋ ይሓልየልካ ኢዩ

“[ኣምላኽ ] ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።”​—⁠1 ጴጥሮስ 5:7

1. የሆዋን ሰይጣንን ፈጺሞም ኣንጻር ዝዀኑ በየናይ ኣገደስቲ መዳያት ኢዮም፧

 የሆዋን ሰይጣንን ፈጺሞም ኣንጻር ኢዮም። ዝዀነ ይኹን ናብ የሆዋ ዝቐርብ ሰብ ኣንጻር ድያብሎስ ኢዩ ዝኸውን። እዚ ምንጽጻር እዚ ኣብ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ተገሊጹ ኣሎ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1970) ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ ተገሊጹ ዘሎ ተግባራት ሰይጣን ከምዚ በለ:- ‘ዕዮ ሰይጣን ንምድሪ እናዞረ ኽነቕፈሉ ዝኽእል ተግባር ወይ ዝኸሶም ሰባት ምንዳይ ኢዩ፣ ስለዚ ምስተን ንዅሎም እቶም ጥዑያት ዘበሉ ንምብርታዕ ዝቋመታ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር” ዝጻረር ተግባር ኢዩ ዘለዎ። (2 ነገ. 16:⁠9) ሰይጣን ነቲ ሰባት ዝገብርዎ ሰናይ ብትዕቢት ይነቕፎ ኢዩ: ኣብ ትሕቲ ስልጣንን ምቍጽጻርን ኣምላኽ ኰይኑ ኸኣ ንሰባት ክፍትኖም ተፈቒዱሉ ኢዩ።’ እወ: የሆዋን ሰይጣንን ፈጺሞም ኣንጻር ኢዮም!​—⁠እዮብ 1:⁠6-12፣ 2:⁠1-7

2, 3. (ሀ) ትርጕም ናይታ “ድያብሎስ” እትብል ቃል ኣብቲ ንእዮብ ዘጋጠሞ ነገራት ብዝግባእ እተራእየ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሰይጣን ንኣገልገልቲ የሆዋ ምኽሳስ ከም ዘየቋረጸ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጸልና ብኸመይ ኢዩ፧

2 እታ “ድያብሎስ” እትብል ቃል ካብ ግሪኽ ዝመጸት ኰይና “ብሓሶት ዝኸስስ” ወይ “መካፍኢ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ሰይጣን ነቲ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ እዮብ: “ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧” ብምባል ንጥቕሙ ኽብል ኢዩ ዘገልግል ኢሉ ኸም ዝኸሰሶ መጽሓፍ እዮብ ትሕብረና ኢያ። (እዮብ 1:9) ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ተመዝጊቡ ዘሎ ዛንታ: ንእዮብ ብዙሕ ፈተናታት እኳ እንተ ወረዶ: ብዝያዳ ናብ የሆዋ ኸም ዝቐረበ የርእየና። (እዮብ 10:​9, 12፣ 12:​9, 10፣ 19:​25፣ 27:​5፣ 28:​28) ድሕሪ ፈተናኡ ንኣምላኽ “ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ: ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ” በሎ።​—⁠እዮብ 42:5

3 ሰይጣን ካብ ግዜ እዮብ ኣትሒዙ ንእሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምኽሳስ ገዲፍዎዶ ኢዩ፧ ኣይፋልን። መጽሓፍ ራእይ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ: ሰይጣን ነቶም ናይ ክርስቶስ ቕቡኣት ምኽሳስ ከም ዘየቋረጸ ትሕብረና: እቶም እሙናት ብጾቶም እውን ብርግጽ ካብዚ ኣየምልጡን ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12፣ ራእይ 12:⁠10, 17) ስለዚ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን እቲ ኻባና ዝድለ ዓብዪ ነገር ነቲ ዝሓልየልና የሆዋ ኣምላኽና ኻብ ዓሚቝ ፍቕሪ ተበጊስና ኽንግዝኦን ከነገልግሎን: በዚ ድማ ነቲ ሰይጣን ዘበግሶ ኽስታት ሓሶት ምዃኑ መርትዖ ኸነቕርብ ኢዩ። ከምዚ ኽንገብር ከሎና ንልቢ የሆዋ ነሐጕሶ።​—⁠ምሳሌ 27:⁠11

የሆዋ ኽሕግዘና ይጽዕር ኢዩ

4, 5. (ሀ) ከምቲ ናይ ሰይጣን ዘይኰነስ: ኣዒንቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ዝዞራ እንታይ ንምግባር ኢየን፧ (ለ) ሞገስ የሆዋ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግባእ፧

4 ሰይጣን ዝኸሶን ዝውሕጦን ደልዩ ኢዩ ንምድሪ ዝዞራን ዝመላለሳን ዘሎ። (እዮብ 1:⁠7, 9፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠8) ብኣንጻሩ ግን የሆዋ ነቶም ሓገዙ ዝደልዩ ኸበርትዖም ኢዩ ዝጽዕር። ነብዪ ሃናኒ ንንጉስ ኣሳ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” በሎ። (2 ዜና መዋእል 16:9) ኣብ መንጎ እቲ ብጽልኢ ዝቋመት ሰይጣንን ብፍቕሪ ዝሓሊ የሆዋን ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ፍልልይ ኰን ኢዩ ዘሎ!

5 የሆዋ ጕድለታትና ወይ ኣበርና ኽኣሪ ኣይቋመትን ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 130:3) ናይዚ መልሲ ‘ዋላ ሓደኳ’ ዝብል ኢዩ። (መክብብ 7:⁠20) ንየሆዋ ብፍጹም ልብና እንተ ቐሪብናዮ: ንክዅንነና ኢሉ ዘይኰነስ ጻዕርታትና ንምዕዛብን ሓገዝ ኰነ ምሕረት ደሊና እነቕርቦ ጸሎትና ንምምላሽን ኣዒንቱ ይቋመታና ኢየን። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ: ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን: ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:12

6. እቲ ንዳዊት ዘጋጠሞ ነገራት ንዓና መጸናንዕን መጠንቀቕታን ዝዀነና ብኸመይ ኢዩ፧

6 ዳዊት ዘይፍጹም ሰብ ስለ ዝነበረ: ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ ኢዩ። (2 ሳሙኤል 12:⁠7-9) እንተዀነ ግን: ኣብ ልቡ ዘሎ ዅሉ ንየሆዋ ገለጸሉ: ብልባዊ ጸሎት ከኣ ናብኡ ቐረበ። (መዝሙር 51:⁠1-12ን መእተውን) ዳዊት እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ዘስዓበሉ ሕማቕ ሳዕቤናት ካብ ምዕጻድ እኳ እንተ ዘየምለጠ: የሆዋ ግን ጸሎቱ ሰሚዑ ይቕረ ኢሉሉ ኢዩ። (2 ሳሙኤል 12:⁠10-14) እዚ መጸናንዕን መጠንቀቕታን ክዀነና ይግባእ። ብሓቂ እንተ ተነሲሕና: የሆዋ ሓጢኣትና ይቕረ ንምባል ድሉው ምዃኑ ምፍላጥና ዘጸናንዕ ኢዩ፣ ይኹን እምበር: ሓጢኣት ካብ ዘምጽኦ ሕማቕ ሳዕቤናት ከነምልጥ ከም ዘይንኽእል ድማ ከነስተውዕል ኣሎና። (ገላትያ 6:⁠7-9) ንየሆዋ ኽንቀርቦ እንተደኣ ደሊና: ካብ ዝዀነ ይኹን ዘጕህዮ ነገር ክንርሕቕ ኣሎና።​—⁠መዝሙር 97:⁠10

የሆዋ ንህዝቡ ናብኡ ይስሕቦም

7. የሆዋ ንኸመይ ዝበሉ ሰባት ኢዩ ዝዕዘብ: ብኸመይከ ኢዩ ናብኡ ዝስሕቦም፧

7 ዳዊት ኣብ ሓደ ኻብ መዝሙራቱ “እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ: ንትሑት ይርእዮ: ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 138:6) ካልእ መዝሙር ድማ “ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ: ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሉ ዚጥምት: እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ፧ . . . ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ” ዝብል ተመሳሳሊ ሓሳብ ሂባ ኣላ። (መዝሙር 113:5-7) እወ: እቲ ዅሉ ዝኽእል ፈጣሪ ኣድማስ ትሕት ኢሉ ናብ ምድሪ ይጥምት ኢዩ: ኣዒንቱ ድማ ነቶም በቲ “ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙን” ‘ትሑታት’ ወይ ‘መሳኪን’ ይርእያ ኢየን። (ህዝቅኤል 9:⁠4) ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብወዱ ኣቢሉ ናብኡ ይስሕቦም ኢዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። . . . እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ።​—⁠ዮሃንስ 6:44, 65

8, 9. (ሀ) ኵላትና ናብ የሱስ ክንቀርብ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) በጅነታዊ ምድላው ኣዝዩ ዘደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ኵሎም ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ሓጥኣን ኰይኖም ስለ እተወልዱ: ናብ የሱስ ክቐርቡን ኣብ በጅነታዊ መስዋእቱ ኽኣምኑን ኣለዎም። (ዮሃንስ 3:⁠36) ምስ ኣምላኽ ክዕረቑ ድማ የድልዮም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 5:⁠20) ኣምላኽ ግን ሓጥኣን ሰባት ንኽዕረቕዎ ገለ ምድላው ክገብረሎም ክሳዕ ዝልምንዎ ኣይተጸበየን። ብዛዕባዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጻሓፈ:- “ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ: ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ። ጸላእቱ ኸሎና: ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዐረቕና: ካብ ተዐረቕና ደኣ: ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን።”​—⁠ሮሜ 5:8, 10

9 ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ነቲ ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ምስ ገዛእ ርእሱ የተዓርቖም ከም ዘሎ ዝገልጽ ዘደንቕ ሓቂ ኣረጋገጾ:- “ኣምላኽ: ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ: ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ: እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና: ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር: ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን: እታ ፍቕሪ በዚ እያ።” (1 ዮሃንስ 4:9, 10) እቲ ተበግሶ ዝወሰደ ኣምላኽ ደኣ እምበር ሰባት ኣይኰኑን። ናብቲ “ሓጥኣን” ከሎና ጥራይ ዘይኰነስ “ጸላእቱ” ኸሎና እውን ፍቕሪ ዘርኢ ኣምላኽ ንኽትቀርብ ኣይትሰሓብንዶ ኢኻ፧​—⁠ዮሃንስ 3:⁠16

ንየሆዋ ኽንደልዮ ኣሎና

10, 11. (ሀ) ንየሆዋ ንምድላይ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) ነዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

10 ልክዕ ኢዩ: የሆዋ ናብኡ ኽንቀርብ ኣየገድደናን ኢዩ። ‘ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ: ሃሰስ ኢልና ኽንረኽቦ ኣሎና።’ (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠27) የሆዋ ንኽንግዝኦ ኽሓተና መሰል ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ኽንህብ ኣሎና። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን: ኣእዳውኩም ኣጽርዩ: ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን: ልብኹም ኣንጽሁ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 4:7, 8) ንድያብሎስ ንምጽራርን ኣብ ጐድኒ የሆዋ ጸኒዕና ንምቛምን ክንወላወል የብልናን።

11 እዚ ኸኣ ካብዚ እኩይ ኣገባብ ሰይጣን ክንርሕቕ ኣሎና ማለት ኢዩ። ያእቆብ ‘ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን’ ኢሉ እውን ጽሒፉ ኢዩ። (ያእቆብ 4:4) በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ኣዕሩኽ የሆዋ ኽንከውን እንተ ደሊና: ናይ ሰይጣን ዓለም ክትጸልኣና ኽንጽበ ኣሎና።​—⁠ዮሃንስ 15:⁠19፣ 1 ዮሃንስ 3:⁠13

12. (ሀ) ዳዊት እንታይ ዘጸናንዕ ቓላት ኢዩ ዝጸሓፈ፧ (ለ) የሆዋ ብነብዪ ዓዛርያ ኣቢሉ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ፧

12 ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም ምጽራር ምስ ዘጋጥመና: ናብ የሆዋ ብምጽላይ ሓገዙ ኽህበና ኽንሓቶ የድልየና። እቲ ኢድ የሆዋ ብዙሕ ግዜ ኸተድሕኖ ኸላ ዝረኣየ ዳዊት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዘጸናንዕ ሓሳባት ጽሒፉ ኣሎ:- “እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም: ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ። ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም: ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ። እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም: ንዅሎም ረሲኣን ግና የጥፍኦም።” (መዝሙር 145:18-20) እዛ መዝሙር እዚኣ ብውልቂ ኽንፍተን ከሎና የሆዋ ኸም ዘድሕነና: “ብርቱዕ ጸበባ” ኽመጽእ ከሎ ኸኣ ንህዝቡ ብሓባር ከም ዘድሕኖም ኢያ እትሕብረና። (ራእይ 7:⁠14) ናብ የሆዋ እንተ ቐሪብና ንሱውን ክቐርበና ኢዩ። ነብዪ ዓዛርያ ‘ብመንፈስ ኣምላኽ’ ተመሪሑ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ሓፈሻዊ ሓቂ ተዛሪቡ ኢዩ:- “ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ትዀኑስ: ንሱ ምሳኻትኩም እዩ: እንተ ደሌኹምዎ ድማ: ይርከበልኩም እዩ: ንስኻትኩም እንተ ሐደግኩምዎ ግና: ንሱ ኸኣ ኪሐድገኩም እዩ።”​—⁠2 ዜና መዋእል 15:1, 2

የሆዋ ጋህዲ ክዀነልና ኣለዎ

13. የሆዋ ጋህዲ ከም ዝዀነልና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

13 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ሙሴ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 11:27) ልክዕ ኢዩ: ሙሴ ንየሆዋ ብዓይኑ ፈጺሙ ርእይዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። (ዘጸኣት 33:⁠20) እንተዀነ ግን: የሆዋ ጋህዲ ስለ ዝዀነሉ ልክዕ ከም ዝረኣዮ ጌርካ ኽውሰድ ይከኣል ኢዩ። ብተመሳሳሊ እዮብ ድሕሪ ፈተናኡ ንየሆዋ ብናይ እምነት ዓይኑ ብንጹር ርእይዎ ኢዩ፣ ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልገልቱ ፈተና ኽወርዶም ዝፈቅድ እኳ እንተዀነ ፈጺሙ ከም ዘይሓድጎም እውን ኣስተውዒሉ ኢዩ። (እዮብ 42:⁠5) ሄኖክን ኖህን ‘ምስ ኣምላኽ ተመላሊሶም’ ተባሂሉሎም ኢዩ። ንኣምላኽ ከሐጕሱን ክእዘዙን ብምጽዓሮም ከኣ ኢዮም ምስኡ ተመላሊሶም። (ዘፍጥረት 5:⁠22-24፣ 6:⁠9, 22፣ እብራውያን 11:⁠5, 7) የሆዋ ኸምቲ ንሄኖክን ንኖህን ንእዮብን ንሙሴን ጋህዲ ዝዀነሎም ንዓናውን ጋህዲ እንተ ዀይኑልና: ኣብ ኵሉ መገድና ‘ንእኡ ኽንሓስብ’ ኢና: ንሱውን ‘ኣኻይዳና ከቕንዕ ኢዩ።’​—⁠ምሳሌ 3:⁠5, 6

14. ምስ የሆዋ “ልገቡ” ኽበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

14 እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኽኣትዉ ምስ ቀረቡ: ሙሴ ኸምዚ ኢሉ መዓዶም:- “ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስዐቡ: ንእኡ ድማ ፍርሁ: ትእዛዛቱውን ሐልዉ: ቃሉ ድማ ስምዑ: ንእኡ ኸኣ ኣገልግሉ ምስኡውን ልገቡ።” (ዘዳግም 13:4) ንየሆዋ ኽስዕብዎ: ክፈርህዎ: ከምኡውን ምስኡ ኽለግቡ ነበሮም። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ እታ ኣብዚ “ልገቡ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል ኣመልኪቱ “ኣብቲ ቛንቋ እቲ ኣዝዩ ጥብቅን ናይ ማሕርሮን ርክብ ኢያ እተመልክት” በለ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ድማ “ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ምምስራት ነቶም ዝፈርህዎ ኢዩ” በለ። (መዝሙር 25:14 NW ) ንየሆዋ ጋህዲ ጌርና እንርእዮን ኣዚና ኻብ ምፍቃርና እተላዕለ ንኸይነጕህዮ ንፈርህን እንተደኣ ዄንና: ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክህልወና ኢዩ።​—⁠መዝሙር 19:⁠9-14

የሆዋ ኸም ዝሓልየልካ ትፈልጥዶ፧

15, 16. (ሀ) መዝሙር 34 የሆዋ ኸም ዝሓልየልና እተርእየና ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) የሆዋ ንዝገበረልና ሰናይ ምዝካሩ ዘጸግመና እንተደኣ ዀይኑ: እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

15 ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ዝጥቀመሉ ውዲት: የሆዋ ኣምላኽና ንእሙናት ኣገልገልቱ ወትሩ ኸም ዝሓልየሎም ከረስዓና ኢዩ ዝጽዕር። ናይ እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ዳዊት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዅነታት እውን ዕቝባ የሆዋ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ኣብ ቅድሚ ኣኪሽ ንጉስ ጋት ዕቡድ ንኽመስል ምስ ተገደደ: ነዚ ዝስዕብ መግለጺ እምነት ዝሓዘት ባህ እተብል መዝሙር ኣቀናበረ:- “ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ: ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ። ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ: ንሱውን መለሰለይ: ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ። እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን: ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ: እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።”​—⁠መዝሙር 34:⁠3, 4, 7, 8, 18, 19፣ 1 ሳሙኤል 21:⁠10-15

16 ነቲ የሆዋ ንምድሓን ዘለዎ ሓይሊ ትተኣማመነሉ ዲኻ፧ ብመላእኽቱ ገይሩ ኸም ዘዕቍበናኸ ትፈልጥ ዲኻ፧ የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ብውልቅኻ ጥዒምካን ርኢኻን ዲኻ፧ ብዛዕባ የሆዋ ዝገበረልካ ጽቡቕ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ ኣሎካዶ፧ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣገልግሎት ምስ ወዓልካ እሞ ንሎሚ ይእኸለኒ ድሕሪ ምባልካ ኣብ ዝኳሕኳሕካያ ናይ መወዳእታ ቤት ዲኻ ሓገዝ ኣምላኽ ርኢኻ፧ ምናልባት ሽዑ ምስቲ በዓል ቤት ዘደንቕ ምይይጥ ጌርካ ትኸውን። የሆዋ ተወሳኺ ሓይሊ ስለ ዝሃበካን ስለ ዝባረኸካን ኣመስጊንካዮዶ፧ (2 ቈረንቶስ 4:⁠7) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ የሆዋ ዝገበረልካ ሰናይ ክትዝክሮ የጸግመካ ይኸውን። ምናልባት ንድሕሪት ሰሙን: ወርሒ: ዓመት: ወይ ካብኡ ንላዕሊ ተመሊስካ ኽትዝክር የድልየካ ይኸውን። እንተደኣ ከምዚ ኣጋጢሙካ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ እሞ ብኸመይ ከም ዝመርሓካ ኽትርኢ ንምንታይ ጻዕሪ ዘይትገብር፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት “ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ኢሉ መዓዶም። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) እወ: የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝሓልየልካ ምስ ረኣኻ ኽትድነቕ ኢኻ!​—⁠መዝሙር 73:⁠28

ንየሆዋ ምድላይ ኣይተቋርጽ

17. ከየቋረጽና ንየሆዋ ኽንደልዮ እንተ ዄንና: እንታይ ክንገብር ኢዩ ዘሎና፧

17 ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንምዕቃብ እንገብሮ ጻዕሪ ቀጻሊ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። የሱስ ናብ ኣቦኡ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ብዛዕባ የሆዋን ወዱን ፍልጠት ምጥራይ ቀጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ይሓተና ኢዩ። ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ምእንቲ ኽንርድኦ ናይ ጸሎትን መንፈስ ቅዱስን ሓገዝ የድልየና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:⁠10፣ ሉቃስ 11:⁠3) ንኣእምሮና በቲ “በብጊዜኡ” ዝዳሎ መንፈሳዊ መግቢ ምእንቲ ኽንምግቦ እውን መሪሕነት ናይቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” የድልየና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45) የሆዋ በዚ መትረብ እዚ ኣቢሉ ቓሉ መዓልቲ መዓልቲ ንኸነንብብ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንና ንኽንካፈል: “ወንጌል መንግስቲ” ኣብ ምስባኽ ከኣ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ንኽንገብር ይምዕደና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ከምዚ ምስ እንገብር ነቲ ዝሓልየልና የሆዋ ኣምላኽና ኻብ ምድላይ ኣይከነቋረጽን ኢና።

18, 19. (ሀ) እንታይ ንምግባር ኢና ቈራጻት ክንከውን ዘሎና፧ (ለ) ንድያብሎስ ጸኒዕና እንተ ተቓዊምናዮን ንየሆዋ እንተ ደሊናዮን: ብኸመይ ኢና እንባረኽ፧

18 ሰይጣን ኣብ ህዝቢ የሆዋ ኻብ ኵሉ ኣንፈታት መስጐጕቲ: ምጽራር: ከምኡውን ጸቕጢ ንምውራድ ዝከኣሎ ዅሉ ኢዩ ዝገብር ዘሎ። ሰላምና ንምዝራግን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ጽቡቕ ኣቕዋም ንምብልሻውን ይጽዕር ኣሎ። ኣብቲ ብዛዕባ ኣድማሳዊ ሉዓላውነት እተላዕለ ኽርክር: ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ረኺብና ብወገን የሆዋ ንኽዀኑ ኻብ ምሕጋዝ ከነቋርጽ ኢዩ ዝደሊ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ኻብቲ ኽፉእ ከም ዘድሕነና ብምትእምማን ንዕኡ እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። ብቓል ኣምላኽ ምስ እንምራሕን ኣብታ እትርአ ማሕበሩ ንጡፋት ኴንና ምስ እነገልግልን: የሆዋ ወትሩ ኸም ዝሕግዘና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠ኢሳይያስ 41:⁠8-13

19 እምበኣር ንድያብሎስን ንውዲታቱን ጸኒዕና ንቃወሞ: ነቲ ‘ዘጽንዓናን ዘበርትዓናን’ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ኸኣ ንድለዮ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠8-11) በዚ ኸምዚ ‘ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዘብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸበና: ንርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንሕልዋ’ ኢና።​—⁠ይሁዳ 21

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እታ “ድያብሎስ” እትብል ቃል እንታይ ማለት ኢያ: ድያብሎስከ ምስታ ስሙ ዝሰማማዕ ተግባር ዝገብር ብኸመይ ኢዩ፧

• የሆዋ ንተቐማጦ ምድሪ ዝዕዘበሉ መገዲ: ካብቲ ሰይጣን ዘለዎ ኣረኣእያ ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ፧

• ሓደ ሰብ ንየሆዋ ክቐርቦ እንተ ዀይኑ: ንበጅነት ክርስቶስ ክኣምነሉ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

• ናብ የሆዋ “ልገቡ” ኽበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ: ንየሆዋ ወትሩ ኽንደልዮ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ: የሆዋ ኸም ዝሓልየሉ ግን ተገንዘበ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ምንባብ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታታት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋል: ከምኡውን ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኢ ምስታፍ የሆዋ ኸም ዝሓልየልና መዘኻኸሪ ይዀነና