ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ብሒደት ገንዘብ ምጥላዕ ጌጋ ድዩ፧

ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ምጥላዕ ብዝርዝር ዝገልጸልና እኳ እንተ ዘይኰነ: ኵሉ ዓይነት ምጥላዕ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ምዃኑ ይገልጸልና ኢዩ። a ንኣብነት: ምጥላዕ ናብ ስስዐ ኸም ዝመርሕ ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ምኽንያት እዚ ጥራይ እኳ ንክርስትያናት እኹል ኢዩ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ስሱዓት” መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርሱ: ስስዐ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ምዃኑ ይገልጽ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10፣ ቈሎሴ 3:⁠5

ምጥላዕ መብዛሕትኡ ግዜ ንምዕዋት ሓያል ባህጊ ስለ ዘሕድር: ርእስኻ ናይ ምውዳስን ምስ ካልኦት ናይ ምትሕርራቕን መንፈስ ኢዩ ዘምጽእ። ሃዋርያ ጳውሎስ ግን “ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ: ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ” ብምባል ካብዚ ነገር እዚ ንኽንርሕቕ ኣጠንቂቑ ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠26) ብዘይ​ዚውን ምጥላዕ ኣብ ጽቡቕ ዕድል ከም እትኣምን ይገብረካ። ተጣላዕቲ ጽቡቕ ዕድል ምእንቲ ኽህልዎም እተፈላለየ ዓይነት ማሪታዊ እምነት የሕድሩ ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቶም ‘ንናይ ጽቡቕ ዕድል ኣምላኽ መኣዲ ዝሰርዑ: ንኣምላኽ ዕድሎት ከኣ ወይኒ ዘሰልፉ’ ዘይእሙናት እስራኤላውያን የዘኻኽሩና።​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠11 NW

ገሊኣቶም ሰባት ካርታ ወይ ከም ዳማ ዝኣመሰለ ካልእ ጸወታታት ምስ ኣዝማድ ኰነ ምስ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ክትጻወት ከሎኻ ብሒደት ገንዘብ ምጥላዕ ክፍኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ጥራይ ኢዩ ይብሉ ይዀኑ። ልክዕ ኢዩ: ብሒደት ገንዘብ ዝጣላዕ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ኸም ስሱዕ: ውዳሴ ርእሱ ዝደሊ: ተናሓናሒ: ወይ ማሪታዊ እምነት ዝስዕብ ገይሩ ኣይርእያን ይኸውን። እንተዀነ ግን: ኣብቶም መጣልዕቱ እንታይ ጽልዋ ኸሕድር ይኽእል፧ ዝበዝሑ ውሉፋት ተጣላዕቲ ‘ንኽንዘናጋዕ ጥራይ ኢና’ እናበሉ ኢዮም ጀሚሮምዎ። (ሉቃስ 16:⁠10) ንእሽቶ ዝመስል ዝነበረ ነገር ኣብ መወዳእታኡ ናብ ሕማቕ ዝመርሕ ኰይኑ ድማ ኢዮም ረኺቦምዎ።

ብፍላይ ቈልዑ በዚ ዝመጸ መወዳእታኦም ጽቡቕ ኣይከውንን ኢዩ። ብዙሓት ቈልዑ ኣብቲ ብሒደት ገንዘብ ዝገብርዎ ምውርራድ ክዕወቱ ኸለዉ ኣዝዮም ኢዮም ዝሕጐሱ: ብዝያዳ ገንዘብ ንኽወራረዱ ኸኣ ይፍተኑ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠10) እቲ ቤት ምኽሪ ወልፊ ምጥላዕ ኣሪዞና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝገበሮ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ: ብዙሓት ውሉፋት ተጣላዕቲ ገና ብቝልዕነቶም “ኣብ ስፖርታዊ ጸወታታት ወይ ድማ ምስ ኣዕሩኾም ወይ ኣዝማዶም ካርታ ኽጻወቱ ኸለዉ ብሒደት ገንዘብ ብምውርራድ” ኢዮም ጀሚሮምዎ። ሓደ ኻልእ ጸብጻብ ከኣ “ቈልዑ ኣብ ቤቶም ኢዮም ምጥላዕ ዝጅምሩ: መብዛሕትኡ ኸኣ ምስ ኣባላት ስድራ​ቤቶም ወይ ምስ ኣዕሩኾም ብዝገብርዎ ናይ ካርታ ጸወታ ኢዮም ዝጅምርዎ” በለ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ “ሰላሳ ሚእታዊት ካብቶም ዝጣልዑ ቘልዑ ደቂ ዓሰርተ ሓደ ቕድሚ ምዃኖም ኢዮም ጀሚሮምዎ” ይብል። ሰባት ብብዝሒ ዝጣልዑ ስለምንታይ ኢዮም​—⁠ናይ ምጥላዕ ሕማምን ጸገምን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ ዝበዝሑ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዝርከቡ ተጣላዕቲ ወልፎም ንኸርውዩ ኢሎም ዓመጽ ወይ ርኹስ ተግባራት ከም ዝፍጽሙ ገሊጻ ኣላ። እቲ ኣብ መጀመርታ ጕድኣት ዘይብሉ ዝመስል ዝነበረ ነገር እምበኣር ሳዕቤኑ እንሀ!

ብዙሕ መፈንጠራታትን ፈተናታትን ኣብ ዘለዋ ዓለም ንነብር ካብ ሃሎና: ንምንታይ ኢና ኣብ ተወሳኺ መጻወድያ እንኣቱ፧ (ምሳሌ 27:⁠12) ምስ ቈልዑ ዀነ ምስ ዓበይቲ: ብሒደት ኰነ ብብዙሕ ገንዘብ ምጥላዕ ንመንፈሳውነት ኣብ ሓደጋ ስለ ዘእቱ ኽውገድ ኣለዎ። ካርታ ወይ ካልእ ንዕኡ ዝመስል ጸወታታት ዝፈትዉ ክርስትያናት ነጥቢ ኣብ ወረቐት እናመዝገቡ ወይ ከይመዝገቡ ኸም መዘናግዒ ገይሮም ጥራይ ብምውሳድ ኽጻወቱ ይኽእሉ ኢዮም። ብዛዕባ መንፈሳውነቶም ኰነ ብዛዕባ መንፈሳውነት ፈተውቶምን ስድራ​ቤቶምን ዝሓልዩ መስተውዓልቲ ክርስትያናት ብሒደት ገንዘብ እውን እንተዀነ ኣይጣልዑን ኢዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ነታ ምጥላዕ እትብል ቃል ብውጽኢት ናይ ሓደ ጸወታ ወይ ፍጻመ ምውርራድ ከም ዝዀነ ጠቒስዎ ኣሎ። ብተወሳኺውን ተጣላዕቲ ወይ ተጻወትቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሎተሪ: ካርታ: ጸወታታት: ወይ ብዳይ ኣብ ዝግበር ጸወታ ከም ዝሳተፉ ገለጸ።